ምኽሪ ምርምር
ንጥፈታት ቈልዑ
ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ የሆዋ ናይ ምምሃር ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎም። (ኤፌ. 6:4) ውድብ የሆዋ ንወለዲ ንምሕጋዝ፡ በብዓይነቱ ናውቲ ኣዳልያ ኣላ። እሞ ደኣ ነዚ ናውቲ እዚ ንደቅኻ ንምስልጣን ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧
ነቲ ናውቲ ርኸቦ። ኵሉ እቲ ንቘልዑ ወይ ንመንእሰያት ተባሂሉ ዚዳሎ ነገራት፡ እንተላይ ቪድዮታትን ብጽሑፍ ዚዕየ ንጥፈታትን ኣብ JW.ORG ይርከብ እዩ። a ነዚ ንምርካብ፡ ኣብቲ መድለዪ፡ “ቈልዑ” ወይ “መንእሰያት” ኢልካ ድለ።
ንውሉድካ ዚኸውን ምረጽ። እቲ ኣብ ትሕቲ እቲ “ቈልዑ” ዚብል ክፋል ዝወጸ ነገራት፡ ንውሉድካ ዚኸውን ንጥፈታት ክትሓሪ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነዚ ንምርካብ፡ “ፕሮጀክት ኣምልኾ ስድራ ቤት” ኢልካ ድለ።
ምስ ደቅኻ ግዜ ኣሕልፍ። ቪድዮታትና ወይ ንጥፈታትና ንደቅኻ ኸም መትሓዚ ግዜ ጥራይ ጌርካ ኣይትጠቐመሉ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብእኡ ጌርካ ምስ ደቅኻ ተመያየጥ፡ ምስ የሆዋ ዕርክነት ኪሃንጹ እውን ሓግዞም።
a ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ JW Library® ኵሉ እቲ ንቘልዑን ንመንእሰያትን ዚኸውን ቪድዮታት እኳ እንተሎ፡ ካብ ንጥፈታት ግና እተወሰነ ጥራይ እዩ ዘሎ።