ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ ምርምር

ምኽሪ ምርምር

ንጥፈታት ቈልዑ

ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ የሆዋ ናይ ምምሃር ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎም። (ኤፌ. 6:4) ውድብ የሆዋ ንወለዲ ንምሕጋዝ፡ በብዓይነቱ ናውቲ ኣዳልያ ኣላ። እሞ ደኣ ነዚ ናውቲ እዚ ንደቅኻ ንምስልጣን ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧

  • ነቲ ናውቲ ርኸቦ። ኵሉ እቲ ንቘልዑ ወይ ንመንእሰያት ተባሂሉ ዚዳሎ ነገራት፡ እንተላይ ቪድዮታትን ብጽሑፍ ዚዕየ ንጥፈታትን ኣብ JW.ORG ይርከብ እዩ። a ነዚ ንምርካብ፡ ኣብቲ መድለዪ፡ “ቈልዑ” ወይ “መንእሰያት” ኢልካ ድለ።

  • ንውሉድካ ዚኸውን ምረጽ። እቲ ኣብ ትሕቲ እቲ “ቈልዑ” ዚብል ክፋል ዝወጸ ነገራት፡ ንውሉድካ ዚኸውን ንጥፈታት ክትሓሪ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነዚ ንምርካብ፡ “ፕሮጀክት ኣምልኾ ስድራ ቤት” ኢልካ ድለ።

  • ምስ ደቅኻ ግዜ ኣሕልፍ። ቪድዮታትና ወይ ንጥፈታትና ንደቅኻ ኸም መትሓዚ ግዜ ጥራይ ጌርካ ኣይትጠቐመሉ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብእኡ ጌርካ ምስ ደቅኻ ተመያየጥ፡ ምስ የሆዋ ዕርክነት ኪሃንጹ እውን ሓግዞም።

a ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ JW Library® ኵሉ እቲ ንቘልዑን ንመንእሰያትን ዚኸውን ቪድዮታት እኳ እንተሎ፡ ካብ ንጥፈታት ግና እተወሰነ ጥራይ እዩ ዘሎ።