ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 38

ኣቱም መንእሰያት፡ ህይወትኩም ከመይ ኪኸውን እዩ፧

ኣቱም መንእሰያት፡ ህይወትኩም ከመይ ኪኸውን እዩ፧

“ምስትውዓል . . . ከተዕቍበካ እያ።”—ምሳ. 2:11

መዝሙር 135 የሆዋ ዜቕርቦ ምሕጽንታ፦ ‘ወደየ፡ ጥበበኛ ኹን’

መላለዪ a

1. ንዮኣስን ንዑዝያን ንዮስያስን እንታይ ኣጸጋሚ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎም፧

 ገና ቘልዓ ወይ መንእሰይ ከለኻ፡ ንጉስ ህዝቢ ኣምላኽ ክትከውን እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ንስልጣንካ ብኸመይ ምተጠቐምካሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብንእስነቶም ነገስታት ይሁዳ ብዛዕባ ዝዀኑ ሰባት የዘንትወልና እዩ። ንኣብነት፡ ዮኣስ ኪነግስ ከሎ ወዲ 7 ዓመት እዩ ነይሩ፣ ዑዝያ ኸኣ ወዲ 16 እዩ ነይሩ፣ ዮስያስ ድማ ወዲ 8 እዩ ነይሩ። እቲ ሽዑ ዘጋጠሞም ጸቕጢ እሞ ሕሰቦ። ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ኵላቶም ነቲ ዘጋጠሞም ብድሆታት ንምስጋርን ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ሰናይ ንምግባርን ዜኽእል ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።

2. ነቲ ዮኣስን ዑዝያን ዮስያስን ዝሓደግዎ ኣብነታት ኰነ መለበሚታት ከነተኵረሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2 ልክዕ እዩ፡ ንሕና ነገስታት ኣይኰናን፣ ካብዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዚርከቡ ሰለስተ ሰባት ግና፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ንሳቶም ጽቡቕ ውሳነታት ገይሮም እዮም። ኣብ ገሊኡ እዋን ግና፡ ሕማቕ ውሳነታት ገይሮም እዮም። ካብቲ ዝሓደግዎ ኣብነታት ኰነ መለበሚታት፡ ስለምንታይ ጥዑያት ኣዕሩኽ ክንመርጽ ከም ዘሎና፡ ስለምንታይ ብትሕትና ኽንመላለስ ከም ዘሎና፡ ከምኡ እውን ስለምንታይ ብቐጻሊ ንየሆዋ ኽንደልዮ ኸም ዘሎና ኽንርኢ ኢና።

ጥዑያት ኣዕሩኽ ምረጽ

ንጥዑያት ፈተውትና ብምስማዕ፡ ኣብነት ዮኣስ ክንስዕብ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 3, 7 ርአ) c

3. ንጉስ ዮኣስ ነቲ ኻብ የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት እተዋህቦ ትምህርቲ ብኸመይ እዩ ተቐቢልዎ፧

3 እቲ ዮኣስ ዝገበሮ ጽቡቕ ውሳነታት ኣብነት ይኹንካ። ንጉስ ዮኣስ ገና ብንእስነቱ ጽቡቕ ውሳነ ገይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቦ ስለ ዘይነበሮ፡ ካብቲ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ የሆያዳ ዚብሃል እሙን ሰብ ዚውሃቦ መምርሒ እዩ ዚስዕብ ነይሩ። እቲ ኻህን እቲ ንዮኣስ ከም ወዱ ገይሩ መሃሮ። ዮኣስ ድማ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ መሪሕ ግደ ንምብርካትን ንየሆዋ ንምግልጋልን ጽቡቕ ውሳነ ገበረ። ንቤተ መቕደስ የሆዋ ኺጽግንዋ እውን መሰናድዎ ገበረ።—2 ዜና 24:1, 2, 4, 13, 14

4. ትእዛዛት የሆዋ እንተ ዓቚርናዮ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧ (ምሳሌ 2:1, 10-12)

4 ንየሆዋ ኸተፍቅሮን ብመለክዒታቱ ኽትመላለስን ትምሃር እንተ ኣሊኻ፡ ዓብዪ ዋጋ ዘለዎ ውህበት እዩ ዚውሃበካ ዘሎ። (ምሳሌ 2:1, 10-12 ኣንብብ።) ወለዲ ብብዙሕ መገድታት ስልጠና ኺህቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ካትያ ዝስማ ሓብቲ ሳላቲ ኻብ ኣቦኣ ዝረኸበቶ ስልጠና ብኸመይ ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብር ከም ዝኸኣለት እስከ ንርአ። መዓልቲ መዓልቲ ኣቦኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ኺወስዳ ኸሎ ብጥቕሲ ዕለት የመያይጣ ነይሩ እዩ። ንሳ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “እቲ ምይይጣት እቲ ነቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዜጋጥመኒ ኣጸጋሚ ዅነታት ክሰግሮ ይሕግዘኒ ነይሩ እዩ” ትብል። እንተዀነ ግና፡ እቲ ኻብ ወለድካ ዚውሃበካ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መምርሒ ንናጽነትካ ዚቕይድ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ነቲ መምርሒኦም ንምቕባል እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ኣናስታሲያ ዝስማ ሓብቲ፡ ወለዳ ግዜ ወሲዶም ገሊኡ ሕግታት ዘውጽኡሉ ምኽንያት ከም ዝገለጹላ ትሕብር። “እዚ ድማ ነቲ ደረታት ከም ቀይድታት ገይረ ዘይኰነስ፡ ከም ዕቝባ ገይረ ኽርእዮ ሓጊዙኒ” ትብል።

5. ተግባራትካ ንወለድኻን ንየሆዋን ብኸመይ ይጸልዎም፧ (ምሳሌ 22:6፣ 23:15, 24, 25)

5 ነቲ ዚውሃበካ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እንተ ተግቢርካዮ፡ ንወለድኻ ኸተሐጕሶም ኢኻ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ንኣምላኽ ከተሐጕሶ፡ ምስኡ እውን ነባሪ ዕርክነት ክትሃንጽ ኢኻ። (ምሳሌ 22:6፣ 23:15, 24, 25 ኣንብብ።) እዝስ ኣብነት እቲ ዮኣስ ብንእስነቱ ኸሎ ዝገበሮ ውሳነታት ንምስዓብ ጽቡቕ ምኽንያት ዚኸውን ደይኰነን፧

6. ዮኣስ ናይ መን ምኽሪ እዩ ኺሰምዕ ጀሚሩ፧ እዚኸ እንታይ ኣስዒቡሉ፧ (2 ዜና መዋእል 24:17, 18)

6 እቲ ዮኣስ ዝገበሮ ሕማቕ ውሳነታት መለበሚ ይኹንካ። የሆያዳ ምስ ሞተ ዮኣስ፡ ሕማቓት ኣዕሩኽ ሓረየ። (2 ዜና መዋእል 24:17,18 ኣንብብ።) ንየሆዋ ንዘየፍቅሩ መሳፍንቲ ይሁዳ ኺሰምዖም ወሰነ። ካብዞም ሕማቓት ሰባት መሸም ኪርሕቕ ነይርዎ። (ምሳ. 1:10) ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ነዞም ዘይረብሑ ኣዕሩኹ ሰምዖም። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ፡ ነቲ ኺእርሞ ዝፈተነ ዘካርያስ ዚብሃል ወዱ ኣሞኡ ኣቕተሎ። (2 ዜና 24:20, 21፣ ማቴ. 23:35) እዝስ ከመይ ዝበለ ዜስካሕክሕ ናይ ዕሽነት ተግባር ኰን እዩ! ዮኣስ ኣብ መጀመርታ ህይወቱ ጽቡቕ እዩ ጀሚሩ ነይሩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ጸኒሑ ኸሓድን ቀታሊ ነፍስን ኰነ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ገላዉኡ ቐተልዎ። (2 ዜና 24:22-25) ንየሆዋን ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን እንተ ዚሰምዕ ነይሩ፡ ህይወቱ ኣመና ምተቐየረ። እሞ ደኣ ኻብዚ እንታይ መለበሚ ኢኻ እትረክብ፧

7. እንታይ ዓይነት ኣዕሩኽ ኢኻ ኽትመርጽ ዘሎካ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

7 ሓደ ኻብቲ ኻብ ሕማቕ ውሳነ ዮኣስ እንረኽቦ ትምህርቲ፡ ጽቡቕ ጽልዋ ዚገብሩልና፡ ማለት ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ኬሐጕስዎ ዚደልዩን ኣዕሩኽ ክንሓሪ ኸም ዘሎና እዩ። ካብ መሳቱና ጥራይ ኣይኰናን ኣዕሩኽ ክንሓሪ ዘሎና። ዮኣስ ካብቲ ፈታዊኡ ዝነበረ የሆያዳ ኣመና ይንእስ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ናይ ኣዕሩኽ ምርጫኻ ኸምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎኒ እምነት ንምድልዳል ይሕግዙኒ ድዮም፧ ብመለክዒታት ኣምላኽ ክመላለስ የተባብዑኒዶ ኣለዉ፧ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኣገዳሲ ሓቅታትን ይዛረቡ ድዮም፧ ንመለክዒታት ኣምላኽ ኣኽብሮት ኣለዎምዶ፧ ክሰምዖ ዝደሊ ነገር ጥራይ ድዮም ዚነግሩኒ፡ ወይስ ኣንፈተይ ክስሕት ከለኹ ንምእራም ዜኽእል ትብዓት ኣለዎም እዩ፧’ (ምሳ. 27:5, 6, 17) ሓቂ ንምዝራብ፡ ኣዕሩኽካ ንየሆዋ ዘየፍቅርዎ እንተ ዀይኖም፡ ኣየድልዩኻን እዮም። ንየሆዋ ዜፍቅሩ ኣዕሩኽ እንተ ኣልዮምኻ ግና፡ ኣጥቢቕካ ሓዞም። ንሳቶም ኪጠቕሙኻ እዮም።—ምሳ. 13:20

8. ማሕበራዊ መራኸቢ ንጥቀም እንተ ዄንና፡ እንታይ ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና፧

8 ማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ቤተ ሰብካን ፈተውትኻን ንምርኻብ ዜኽእል ጽቡቕ መገዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ነዚ ዓይነት መራኸቢ እዚ፡ ርኣዩለይ ንምባል እዮም ዚጥቀሙሉ። ብዛዕባ እቲ ዝዓደግዎን ዝገበርዎን ነገራት ስእልታት ኰነ ቪድዮታት ኣብኡ ይልጥፉ እዮም። ስለዚ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ንኻልኦት ርኣዩለይ ክብል እደሊ ድየ፧ ሸቶይ ንኻልኦት ንምህናጽ ድዩ፡ ወይስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ክብ ዝበለ ምስሊ ንምስኣል፧ ኣተሓሳስባይን ዘረባይን ተግባራተይን በቶም በዚ ንዋት እዚ ዚጥቀሙ ሰባት ብኣሉታዊ መገዲ ይጽሎ ኣሎ ድዩ፧’ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝነበረ ሓውና ናታን ኖር፡ “ንሰባት ከተሐጕሱ ኣይትጽዓሩ። ከመይሲ ንዋላ ሓደ ኸየሐጐስኩም ክትተርፉ ኢኹም። ንየሆዋ እንተ ኣሐጒስኩምዎ ግና፡ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ኸተሐጕስዎም ኢኹም” ዚብል ምኽሪ ሂቡ ነይሩ እዩ።

ወትሩ ብትሕትና ተመላለስ

9. የሆዋ ንዑዝያ እንታይ ኪገብር እዩ ዝሓገዞ፧ (2 ዜና መዋእል 26:1-5)

9 እቲ ዑዝያ ዝገበሮ ጽቡቕ ውሳነታት ኣብነት ይኹንካ። ንጉስ ዑዝያ ብንእስነቱ ትሑት ሰብ እዩ ነይሩ። “ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪፈርሆ” ድማ ተማሂሩ ነበረ። የሆዋ ኸኣ፡ ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ዑዝያ ብህይወት ዝነበረሉ 68 ዓመት ባሪኽዎ ነበረ። (2 ዜና መዋእል 26:1-5 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ዑዝያ ንመብዛሕትኦም ጸላእቲ ሰዓሮም፡ ንመከላኸሊ የሩሳሌም እውን ኣደልደሎ። (2 ዜና 26:6-15) ብዅሉ እቲ ብሓገዝ ኣምላኽ ኪገብሮ ዝኸኣለ ነገራት መሸም ተሓጒሱ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—መክ. 3:12, 13

10. ዑዝያ መወዳእታኡ ኸመይ ዀነ፧

10 እቲ ዑዝያ ዝገበሮ ሕማቕ ውሳነታት መለበሚ ይኹንካ። ንጉስ ዑዝያ ንኻልኦት ምእዛዝ እዩ ለሚዱ ነይሩ። እሞ ደኣ፡ ብሰንኪ እዚ ቓሕ ዝበሎ ኺገብር ከም ዚኽእል መሲልዎ ደዀን ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ዑዝያ ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኣብ መሰውኢ ዕጣን ኪዓጥን ብድፍረት ወሰነ። እዚ ተግባር እዚ ንነገስታት ዚፍቀድ ኣይነበረን። (2 ዜና 26:16-18) ሽዑ፡ ዓዛርያ እቲ ሊቀ ኻህናት ኪእርሞ ፈተነ፡ ዑዝያ ግና ኣዝዩ ተቘጥዐ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነዚ ናይ ተኣማንነት ታሪኹ ኣበላሸዎ፡ ብሕማም ደዌ ድማ ተቐጽዐ። (2 ዜና 26:19-21) ወትሩ ብትሕትና እንተ ዚመላለስ ነይሩ ግና፡ መወዳእታኡ ኣመና ምተቐየረ።

በቲ ዝዓመምናዮ ነገራት ኣብ ክንዲ እንጅሃር፡ ኵሉ ምስጋና ንየሆዋ ኽንህቦ ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) d

11. እንታይ ተግባራት እዩ ንትሕትናና ኼርኢ ዚኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 ዑዝያ ምስ በርትዐ፡ የሆዋ ምንጪ ብርታዐኡን ብልጽግናኡን ምዃኑ ረስዐ። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ በረኸትናን ፍሉይ መሰላትናን ካብ የሆዋ ኸም ዚመጽእ ክንርስዕ የብልናን። በቲ ዝዓመምናዮ ነገራት ኣብ ክንዲ እንጅሃር ኵሉ ምስጋና ንየሆዋ ኽንህቦ ኣሎና። b (1 ቈረ. 4:7) ዘይፍጹማት ምዃንናን ተግሳጽ ከም ዜድልየናን ብትሕትና ኽንዝክር ኣሎና። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ኣብ 60ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ሓው ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብዛዕባ ርእሰይ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኸይሓስብ ተማሂረ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ስራሕ ቈልዓ ሰሪሐ ተግሳጽ ምስ ዚውሃበኒ፡ ተንሲአ ንቅድሚት ክግስግስ እየ ዝጽዕር።” ንየሆዋ እንተ ፈሪህናዮን ወትሩ ብትሕትና እንተ ተመላሊስናን፡ ጽቡቕ እዩ ዚዀነልና።—ምሳ. 22:4

ንየሆዋ ብቐጻሊ ድለዮ

12. ዮስያስ ገና መንእሰይ ከሎ፡ ብኸመይ እዩ ንየሆዋ ኺደልዮ ዝጀመረ፧ (2 ዜና መዋእል 34:1-3)

12 እቲ ዮስያስ ዝገበሮ ጽቡቕ ውሳነታት ኣብነት ይኹንካ። ዮስያስ ንየሆዋ ኺደልዮ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ገና መንእሰይ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃርን ፍቓዱ ኺገብርን ደለየ። ኰይኑ ግና፡ ህይወቱ ቐሊል ኣይነበረን። ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ ኣብ ጐድኒ ንጹህ ኣምልኾ ቘይሙ። ነዚ እውን ብትብዓት ገበሮ! ወዲ 20 ዓመት ቅድሚ ምዃኑ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ካብታ ሃገር ኬጥፍእ ጀመረ።—2 ዜና መዋእል 34:1-3 ኣንብብ።

13. ርእስኻ ንየሆዋ እንተ ወፊኻ፡ ህይወትካ ኸመይ እዩ ዚኸውን፧

13 ዋላ እኳ ገና ንእሽቶ እንተ ዀንካ፡ ንየሆዋ ብምድላይን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያቱ ትምህርቲ ብምቕሳምን ንዮስያስ ክትመስሎ ትኽእል ኢኻ። እዚ ሰናይ መገዲ እዚ ኸኣ፡ ርእስኻ ንዕኡ ናብ ምውፋይ ኪመርሓካ እዩ። እዚኸ ንመዓልታዊ ህይወትካ ብኸመይ ኪጸልዎ እዩ፧ ወዲ 14 ዓመት ከሎ እተጠምቀ ሉክ፡ “ካብ ሕጂ ንደሓር ንየሆዋ ምግልጋል ኣብ ህይወተይ ቀዳማይ ቦታ ኽህቦ እየ። ንዕኡ ንምሕጓስ እውን ክጽዕር እየ” ይብል። (ማር. 12:30) ከምኡ ንምግባር ድሌት እንተ ኣሕዲርካ ዓብዪ በረኸት ኢኻ እትረክብ።

14. ገሊኦም መንእሰያት ንንጉስ ዮስያስ ብኸመይ ይመስልዎ ኸም ዘለዉ ዜርኢ ኣብነታት ሃብ።

14 ከም መንእሰይ ኣገልጋሊ የሆዋ መጠን እንታይ ብድሆታት እዩ ኼጋጥመካ ዚኽእል፧ ንኣብነት፡ ወዲ 12 ዓመት ከሎ እተጠምቀ ዮሃን፡ ደቂ ኽፍሉ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ኼትክኽ ጸቕጢ ኸም ዝገበሩሉ ይገልጽ። ስለዚ፡ ነቲ ጸቕጢ ንምጽራር ዜኽእል ብርታዐ ምእንቲ ኺረክብ፡ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ምትካኽ ንጥዕናኡ ዀነ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ዕርክነት ብኣሉታዊ መዳይ ከም ዚጸልዎ ኺዝክር ነይርዎ። ጓል 14 ዓመት ከላ እተጠምቀት ሬቸል ድማ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠማ ብድሆታት ንምጽዋር ዝሓገዛ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ነቲ ዝርእዮ ነገር ምስ መንፈሳዊ ነገር ከተሓሕዞ እየ ዝጽዕር። ንኣብነት፡ ታሪኽ ክምሃር ከለኹ፡ ብዛዕባ ሓደ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ብዛዕባ ሓደ ትንቢት እዝክር እየ። ወይ ድማ ምስ ሰብ ክዛራረብ ከለኹ፡ ብዛዕባ እቲ ኸካፍሎ ዝኽእል ጠቓሚ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዝክር እየ።” እቲ ዜጋጥመካ ብድሆታት ካብቲ ንንጉስ ዮስያስ ዘጋጠሞ ብድሆታት እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምኡ ጥበበኛን እሙንን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ብንእስነትካ ንዜጋጥመካ ፈተናታት ክትሰግሮ እንተ ኽኢልካ፡ ነቲ ድሕሪኡ ዘሎ ዓመታት ዜጋጥመካ ብድሆታት ድሉው ኢኻ እትኸውን።

15. ዮስያስ ንየሆዋ ብተኣማንነት ንምግልጋል ዜኽእል እንታይ ሓገዝ እዩ ረኺቡ፧ (2 ዜና መዋእል 34:14, 18-21)

15 ንጉስ ዮስያስ ምስ ዓበየ፡ ነታ ቤተ መቕደስ ናይ ምሕዳስ ዕዮ ጀመሮ። እቲ ዕዮ ኺዕየ ኸሎ ኸኣ፡ እታ “ብሙሴ እተዋህበት መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ” ተረኽበት። ድሕርዚ፡ እቲ ንጉስ ካብታ መጽሓፍ ኪንበበሉ ኸሎ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ ኸምቲ እተጻሕፈ ንምግባር ስጕምቲ ወሰደ። (2 ዜና መዋእል 34:14, 18-21 ኣንብብ።) እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ከተንብብ ትደሊዶ፧ ነዚ ትፍትኖ እንተ ኣሊኻ፡ ከመይ ይዀነልካ ኣሎ፧ ብብሕቲ ዚሕግዘካ ፍቕድታት ትምዝግብዶ ኣለኻ፧ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሉክ፡ ኣገዳሲ ነጥብታት ኪረክብ ከሎ፡ ኣብ መዝገቡ ይጽሕፎ እዩ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ እትፈትዎ ፍቕድታት ወይ ነጥብታት ብቐሊሉ ኽትዝክር ኢኻ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ብዝፈለጥካዮን ብዝፈቶኻዮን መጠን ከኣ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝያዳ ድሌት ኪሓድረካ እዩ። ከም ንጉስ ዮስያስ ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ንተግባር ኬለዓዕለካ እዩ።

16. ዮስያስ ከቢድ ጌጋ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧ ካብዚኸ እንታይ ንምሃር፧

16 እቲ ዮስያስ ዝገበሮ ሕማቕ ውሳነ መለበሚ ይኹንካ። ዮስያስ ወዲ 39 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ፡ ህይወቱ ዘኽፈሎ ጌጋ ገበረ። ካብ የሆዋ መምርሒ ኣብ ክንዲ ዚሓትት ብርእሱ ተኣመነ። (2 ዜና 35:20-25) ካብዚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ዋላ እኳ ብዕድመ ዓበይቲ እንተ ዀንና፡ ወይ ንነዊሕ እዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ዝገበርና እንተ ዀንና፡ ብቐጻሊ ንየሆዋ ኽንደልዮ ኣሎና። መምርሒኡ ንምርካብ ኣዘውቲርና ኽንጽሊ፡ ቃሉ ብስሩዕ ከነጽንዕ፡ ካብ ምኽሪ ብሱላት ክርስትያናት ድማ ወትሩ ኽንጥቀም ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ዓበይቲ ጌጋታት ካብ ምግባር ክንስተር፡ ሕጉሳት እውን ክንከውን ኢና።—ያእ. 1:25

ኣቱም መንእሰያት፡ ህይወትኩም ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ

17. ካብ ዛንታታት እቶም ሰለስተ ነገስታት ይሁዳ እንታይ ክንድምድም ንኽእል፧

17 ንእስነት ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ዚርከበሉ እዋን እዩ። ካብ ዛንታታት ዮኣስን ዑዝያን ዮስያስን፡ መንእሰያት ጥበባዊ ውሳነታት ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ፡ ንየሆዋ ባህ ዜብል መገዲ እውን ኪስዕቡ ኸም ዚኽእሉ ንርኢ ኢና። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ግና፡ ሕማቕ ሳዕቤናት ዘስዓበሎም ሕማቕ ውሳነታት እውን ገይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ነቲ እዞም ነገስታት ዝገበርዎ ጽቡቕ ክንቀድሖ፡ ካብ ጌጋታቶም እውን ክንርሕቕ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ መወዳእታና ጽቡቕ ኪኸውን እዩ።

ዳዊት ብንእስነቱ ንየሆዋ ቐረቦ፡ ሞገስ ኣምላኽ ረኸበ፡ ህይወቱ እውን ጽቡቕ ኰነሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት እዩ ህይወትካ ጽቡቕ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዜርኢ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

18 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንየሆዋ ብዛዕባ ዝቐረብዎ፡ ሞገሱ ብዛዕባ ዝረኸቡ፡ ህይወቶም እውን ጽቡቕ ብዛዕባ ዝዀነሎም ካልኦት መንእሰያት ዚገልጽ ዛንታታት ተመዝጊቡ ኣሎ። ዳዊት ሓደ ኻባታቶም እዩ ነይሩ። ብንእስነቱ ኣብ ጐድኒ ኣምላኽ ኪቐውም ወሰነ፣ ጸኒሑ ድማ እሙን ንጉስ ኰነ። ጌጋታት ዝገበረሉ ኣጋጣሚታት እኳ እንተ ነበረ፡ ኣምላኽ ግና ብሓፈሻ ኸም እሙን ገይሩ እዩ ርእይዎ። (1 ነገ. 3:6፣ 9:4, 5፣ 14:8) ስለዚ፡ ብዛዕባ ህይወትን ተኣማንነትን ዳዊት ብምጽናዕ፡ ክትተባባዕን ክትለዓዓልን ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ብዛዕባ ማርቆስ ወይ ጢሞቴዎስ ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንሳቶም ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ንየሆዋ ኸም ዘገልገሉ፡ ሞገሱ ኸም ዝረኸቡ፡ መወዳእታኦም እውን ጽቡቕ ከም ዝዀነሎም ክትርኢ ኢኻ።

19. ህይወትካ ኸመይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

19 ህይወትካ ኸመይ ከም ዚኸውን፡ በዚ ሕጂ ንህይወትካ እትጥቀመሉ ዘሎካ መገዲ ኺውሰን ይኽእል እዩ። ብየሆዋ እንተ ተኣሚንካ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ እንተ ዘይተወኪልካ፡ ንሱ ስጕምትታትካ ኬቕንዓልካ እዩ። (ምሳ. 20:24) ኣብ ህይወትካ ሓጐስን ዕግበትን ክትረክብ ኢኻ። የሆዋ ነቲ እትገብረሉ ዘበለ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ኣይትረስዕ። እሞ ደኣ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኻብ ምግልጋል እንታይ ዝሓሸ ህይወት ኪህሉ ይኽእል፧

መዝሙር 144 ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!

a ኣቱም መንእሰያት፡ የሆዋ ነቲ ምስኡ ዘሎኩም ዕርክነት ዚፍትን ብድሆታት ከም ዜጋጥመኩም ይፈልጥ እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርኩም ኢኹም ንሰማያዊ ኣቦኹም ባህ ዜብሎ ጥበባዊ ውሳነታት ክትገብሩ እትኽእሉ፧ ብንእስነቶም ነገስታት ይሁዳ ብዛዕባ ዝዀኑ ሰለስተ ሰባት ክንምርምር ኢና። ካብ ውሳነታቶም እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።

b ኣብታ ኣብ jw.org፡ “ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ህቡብ ምዃን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ እትርከብ፡ “ትሑት እናመሰልካ ኸይትጀሃር ተጠንቀቕ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

c መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ብስልቲ ሓብቲ ንሓንቲ ብዕድመ ዝነኣሰት ሓብቲ ጽቡቕ ምኽሪ ትህባ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ኽፍሊ እተዋህባ ሓብቲ ኣብ የሆዋ ትውከል፡ ምስጋና እውን ንዕኡ ትህቦ።