ዓንቀጽ መጽናዕቲ 37
ከም ሲምሶን፡ ኣብ የሆዋ ተወከል
“ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ በጃኻ ዘክረኒ፣ . . . ኣበርትዓኒ።” —መሳ. 16:28።
መዝሙር 30 ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ
መላለዪ a
1-2. ዛንታ ሲምሶን ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧
ሲምሶን ዚብል ስም ክትሰምዕ ከለኻ፡ ናብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸልካ፧ መሸም ብዛዕባ ሓደ ዜደንቕ ብርታዐ ዘለዎ ሰብ ትሓስብ ትኸውን። ኣይተጋገኻን። እንተዀነ ግና፡ ሲምሶን ብዙሕ መከራ ዘስዓበሉ ሕማቕ ውሳነ ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብ ሓፈሻዊ ተኣማንነት ሲምሶን እዩ ኣተኲሩ። ነዚ ድማ ንጥቕምና ኢሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊርዎ ኣሎ።
2 የሆዋ ብሲምሶን ገይሩ ነቶም ሕሩያት ህዝቡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንምድጋፍ መስተንክር ነገራት ዓሚሙ እዩ። ካብቲ ሲምሶን ዝሞተሉ እዋን ዘመናት ምስ ሓለፈ፡ የሆዋ ንሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈሱ ብምድራኽ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዜደንቕ እምነት ዘርኣዩ ሰባት ንሲምሶን ጠቐሶ። (እብ. 11:32-34) እቲ ሲምሶን ዝሓደጎ ኣብነት ኬተባብዓና ይኽእል እዩ። ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ ኣብ የሆዋ ተወኪሉ እዩ። እምበኣር፡ ካብቲ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ መተባብዕን ካልእ ግብራዊ ትምህርትታትን ከም እንረክብ እስከ ንርአ።
ሲምሶን ኣብ የሆዋ ተወከለ
3. ንሲምሶን እንታይ ዕዮ እዩ እተዋህቦ፧
3 ሲምሶን ኣብ እተወልደሉ እዋን፡ ፍልስጥኤማውያን ንህዝቢ እስራኤል ብጭቈና ይገዝእዎ ነበሩ። (መሳ. 13:1) እቲ ሕሱም ግዝኣቶም ከኣ ንእስራኤላውያን ብዙሕ መከራ እዩ ዜምጽኣሎም ነይሩ። ስለዚ ድማ፡ የሆዋ ንሲምሶን፡ “ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር” ኢሉ ሓረዮ። (መሳ. 13:5) እዚ ግና ከቢድ ዕዮ እዩ ነይሩ! ነዚ ንምፍጻም ሲምሶን ኣብ የሆዋ ኺውከል ነበሮ።
4. ሲምሶን ገዛእ ርእሱ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ሓራ ኼውጽእ ከሎ፡ የሆዋ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧ (መሳፍንቲ 15:14-16)
4 ሲምሶን ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንሱ ዚህቦ ደገፍን እተወከለሉ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ሓደ እዋን ሰራዊት ፍልስጥኤም ንሲምሶን ንምሓዝ ናብ ሌሒ ደየቡ፣—ሌሒ ኣብ ይሁዳ እትርከብ ቦታ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ሰብ ይሁዳ በዚ ስለ ዝፈርሁ፡ ንሲምሶን ኣሕሊፎም ኪህብዎ ወሰኑ። ስለዚ፡ እቶም ደቂ ዓዱ ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ናብ ፍልስጥኤማውያን ወሰድዎ። (መሳ. 15:9-13) ኰይኑ ግና፡ “መንፈስ የሆዋ ኣኽእሎ ሃቦ፡” ሲምሶን ከኣ ነቲ ኣግማድ በተኾ። “ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ኸኣ ረኸበ” ብእኡ ገይሩ እውን 1,000 ፍልስጥኤማውያን ቀተለ!—መሳፍንቲ 15:14-16 ኣንብብ።
5. ሲምሶን ምንጋጋ ኣድጊ ምጥቃሙ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ እንታይ ይሕብረና፧
5 ስለምንታይ እዩ ሲምሶን ምንጋጋ ኣድጊ እተጠቕመ፧ እዚ ነገር እዚ ምስ ኣጽዋር ዚምደብ ኣይኰነን። መሸም ሲምሶን ኣሳልጦኡ ኣብ የሆዋ ደኣ እምበር፡ ኣብቲ ዚጥቀመሉ ኣጽዋር ከም ዘይምርኰስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እወ፡ እዚ እሙን ሰብ እዚ ፍቓድ የሆዋ ንምፍጻም፡ በቲ ኺረኽቦ ዝኸኣለ ነገር እዩ ተጠቒሙ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ የሆዋ ስለ እተወከለ ኸኣ፡ ዓብዪ ዓወት ረኸበ።
6. ንዚውሃበና ቲኦክራሲያዊ ዕዮታት ኣብ እንፍጽመሉ እዋን፡ ካብ ሲምሶን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
6 ንሕና እውን ንዚውሃበና ዕዮ ንምፍጻም፡ ካብ የሆዋ ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ዋላ ዘይከኣል ንዚመስለና ዕዮ ኽንፍጽም ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ድማ ብዜደንቕ መገዲ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንስኻ እውን ኣብኡ ኽሳዕ እተወከልካ፡ እቲ ንሲምሶን ኣኽእሎ ዝሃቦ የሆዋ፡ ንዓኻ እውን ፍቓዱ ንምፍጻም ከም ዚሕግዘካ እመን።—ምሳ. 16:3።
7. መምርሒ የሆዋ ምድላይ ዘለዎ ኣገዳስነት ዜርኢ ኣብነት ሃብ።
7 ኣብ ቲኦክራስያዊ ዕዮ ህንጸት ዚሳተፉ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ የሆዋ ተወኪሎም እዮም። ኣብ ሕሉፍ፡ ንመብዛሕትኡ ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ካልእ ህንጻታትን ኣሕዋት እዮም ዚነድፍዎን ዚሃንጽዎን ነይሮም። ጸኒሑ ግና፡ ውድብ የሆዋ እናዓበየት ብምኻዳ፡ ምትዕርራይ ኪግበር ተደልየ። ኣብዚ መዳይ እዚ ሓላፍነት እተዋህቦም ኣሕዋት መምርሒ የሆዋ ደለዩ፡ ሓደስቲ ሜላታት እውን ፈተኑ። ንኣብነት፡ ህንጻታት ዓዲጎም ብምሕዳስ ንኣገልግሎት ከም ዚበቅዕ ገበርዎ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዚርከብ ሓያሎ ፕሮጀክትታት ህንጸት ዘገልገለ ሮበርት ዝስሙ ሓው፡ “ኣብ ፈለማ ገሊኦም ነዚ ሓድሽ ሜላ ምቕባል ከቢድዎም ነይሩ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ካብቲ ንዓመታት እንገብሮ ዝነበርና ኣዝዩ እተፈልየ እዩ፣ ኣሕዋት ግና፡ ምትዕርራያት ንምግባር ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። የሆዋ ድማ፡ ነዚ ምትዕርራያት ይባርኾ ኸም ዘሎ ንጹር ኰይኑ” ይብል። እዚ ዝረኣናዮ ተመክሮ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንህዝቡ ፍቓዱ ንምፍጻም ይመርሖም ከም ዘሎ ዜርኢ ኣብነታት እዩ። እምበኣር፡ ኵላትና፡ ‘ካብ የሆዋ መምርሒ እደልን ኣብቲ ንዕኡ ዘቕርቦ ኣገልግሎት እተዓጻጸፍንዶ ኣለኹ፧’ ኢልና በብግዜኡ ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና።
ሲምሶን ንመሰናድዎታት የሆዋ ተጠቕመሉ
8. ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሲምሶን ኣመና ምስ ጸምአ እንታይ እዩ ዝገበረ፧
8 ብዛዕባ እቲ ሲምሶን ዝገበሮ መስተንክር ነገራት ኣንቢብካ ትኸውን ኢኻ። ምስ ኣንበሳ ተቓሊሱ፡ ኣሽቀሎን ኣብ እትብሃል ናይ ፍልስጥኤማውያን ከተማ ኸኣ ን30 ሰብኡት ቀቲሉ እዩ። (መሳ. 14:5, 6, 19) ሲምሶን ብዘይ ናይ የሆዋ ሓገዝ ነዚ ኺገብር ከም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ 1000 ፍልስጥኤማውያን ድሕሪ ምቕታሉ ኣመና ምስ ጸምአ፡ ሓገዝ የሆዋ ኸም ዜድልዮ ንጹር ኰነ። እሞ ደኣ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ገበረ፧ ጽምኡ ንምርዋይ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣብ ክንዲ ዚምርኰስ ካብ የሆዋ ሓገዝ ተማህለለ።—መሳ. 15:18።
9. የሆዋ ንምህለላ ሲምሶን ምላሽ ዝሃበሉ ብኸመይ እዩ፧ (መሳፍንቲ 15:19ን እግረ ጽሑፍን)
9 የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ማይ ከም ዚፍልፍል ብምግባር ንምህለላ ሲምሶን ምላሽ ሃቦ። ሲምሶን ካብቲ ዓይኒ ማይ ምስ ሰተየ ድማ፡ “ሓይሉ ተመልሰ፡ ተሓደሰ እውን።” (መሳፍንቲ 15:19ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።) ነብዪ ሳሙኤል ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንመጽሓፍ መሳፍንቲ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ እዛ ዓይኒ ማይ እዚኣ ሽዑ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። እቶም ነታ ዓይኒ ማይ ዚርእዩ እስራኤላውያን፡ የሆዋ ንእሙናት ኣምለኽቱ ኣብ ግዜ ሽግሮም ከም ዚሕግዞም ይዘኻኸሩ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።
10. ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
10 ንሕና እውን ዘሎና ኽእለት ወይ ተውህቦ ብዘየገድስ፡ ወይ ድማ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝዓመምናዮ ብዘየገድስ፡ ካብኡ ሓገዝ ክንደሊ ኣሎና። ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከም ዘሎና ብትሕትና ኽንኣምን ኣሎና። ከምቲ ሲምሶን ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ማይ ምስ ሰተየ ሓይሊ ዝረኸበ፡ ንሕና እውን ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበሮ መሰናድዎታት እንተ ተጠቒምናሉ፡ መንፈሳዊ ብርታዐ ንረክብ ኢና።—ማቴ. 11:28።
11. ነቲ የሆዋ ዚህበና ሓገዝ ከመይ ጌርና ኢና ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧ ብኣብነት ኣረድእ።
11 ንሓደ ኻብቶም ከቢድ መስጐጕቲ ዜሕልፉ ዘለዉ ሩስያውያን ኣሕዋትና ዝዀነ ኣሌክሲ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። እንታይ እዩ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ፈታኒ ዅነታት ኪብርትዕ ዝሓገዞ፧ ንሱን ሰበይቱን ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ኣለዎም። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “መንፈሳዊ ልማደይ፡ ማለት ብሕታዊ መጽናዕትን መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ክሕሉ እጽዕር እየ። ንግሆ ንግሆ ኣነን ሰበይተይን ብጥቕሲ ዕለት ንመያየጥ፡ ብሓባር እውን ናብ የሆዋ ንጽሊ ኢና።” ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ኣብ ርእስና ኣብ ክንዲ እንምርኰስ፡ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ኣሎና። ብኸመይ፧ ኣዘውቲርና ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባርን ኣብ ካልእ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ብምስታፍን እምነትና ኽንሃንጽ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ስለቲ ንዕኡ ንምግልጋል እንገብሮ ጻዕርታት ኣብዚሑ ኺባርኸና እዩ። ንሲምሶን ብርታዐ ሂብዎ እዩ፡ ንዓና እውን ብርግጽ ኬበርትዓና ይኽእል እዩ።
ሲምሶን ተስፋ ኣይቈረጸን
12. ሲምሶን እንታይ ሕማቕ ውሳነ እዩ ገይሩ፧ እዚኸ ኻብቲ ቕድሚኡ ዝገበሮ ተግባራት እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
12 ሲምሶን ከማና ዘይፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ሕማቕ ውሳነታት ይገብር ነይሩ እዩ። ብፍላይ ሓደ እዋን ሕማቕ ሳዕቤን ዘስዓበሉ ውሳነ ገይሩ እዩ። ንእተወሰነ እዋን ፈራዲ ዀይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ “ኣብ ስንጭሮ ሶሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ኣፍቀረ።” (መሳ. 16:4) ኣቐዲሙ ሲምሶን ንሓንቲ ፍልስጥኤማዊት ሰበይቲ ተሓጽይዋ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ “ንፍልስጥኤማውያን ንምጽራር ኣጋጣሚ ይደሊ” ብምንባሩ፡ እቲ ነገር “ካብ የሆዋ” እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ሲምሶን ናብ ሓንቲ ኣብ ጋዛ እትብሃል ከተማ ፍልስጥኤማውያን እትርከብ ቤት ኣመንዝራ ኣተወ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ድማ፡ ኣምላኽ ንሲምሶን ሓይሊ ሃቦ፣ ሲምሶን ከኣ ንመዓጹ እታ ኸተማ መንቊሱ ብምውሳድ፡ ንመከላኸሊኣ ኣዳኸሞ። (መሳ. 14:1-4፣ 16:1-3) እቲ ምስ ደሊላ እተተሓሓዘ ጕዳይ ግና እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ ንሳ እስራኤላዊት እያ ነይራ ኽትከውን ዘለዋ።
13. ደሊላ ንሲምሶን ናብ ሕማቕ ኵነታት ኪኣቱ ዝሓበለቶ ብኸመይ እያ፧
13 ደሊላ ንሲምሶን ንምኽዳዕ ካብ ፍልስጥኤማውያን ብዙሕ ገንዘብ ተቐበለት። እሞ ደኣ ሲምሶን ኣመና ስለ ዝኣመናን ብፍቕራ ስለ ዝዓወረን ድዩ እንታይ ክትገብር ከም ዝደለየት ኬስተውዕል ዘይከኣለ፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ደሊላ ንሲምሶን ሓይሉ ኻበይ ምዃኑ ኺገልጸላ ደጋጊማ ጸቕጢ ገበረትሉ። ንሱ እውን ኣብ መወዳእታኡ ብሕቶኣ ተሰነፈ። እቲ ዜሕዝን ከኣ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ጌጋ ሓይሉ ኻብኡ ኸደ፣ ሞገስ የሆዋ ድማ ንግዜኡ ሰኣነ።—መሳ. 16:16-20።
14. ሲምሶን ንደሊላ ስለ ዝኣመና፡ እንታይ ሳዕቤን እዩ ዝዓጸደ፧
14 ሲምሶን ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ዚኣምን፡ ንደሊላ ስለ ዝኣመና፡ ሕማቕ ሳዕቤን ዓጸደ። ኣብቲ ግዜ እቲ ፍልስጥኤማውያን ሒዞም ኣዖርዎ፡ ኣብ ጋዛ ድማ ኣሰርዎ። ኣቐዲሙ ንሰብ ጋዛ ኣዋሪድዎም ነይሩ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ጠሓኒ እኽሊ እዩ ዀይኑ ነይሩ። ድሕርዚ፡ ፍልስጥኤማውያን ኪሕጐሱ ኣብ እተኣከቡሉ እዋን ንሲምሶን ኣዋረድዎ። እቲ ዳጎን ዚብሃል ናይ ሓሶት ኣምላኽ ንሲምሶን ኣብ ኢዶም ከም ዝሃቦም ገይሮም ይኣምኑ ብምንባሮም፡ ንኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኣቕረቡሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “መስሓቒ” ኪዀኖም ኢሎም ንሲምሶን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምጽእዎ።—መሳ. 16:21-25።
15. ሲምሶን ከም ብሓድሽ ኣብ የሆዋ ኸም እተወከለ ብኸመይ ኣርኣየ፧ (መሳፍንቲ 16:28-30) (ስእሊ ገበር ርአ።)
15 ሲምሶን ከቢድ ጌጋ እኳ እንተ ገበረ፡ በዚ ተስፋ ኣይቈረጸን። ነቲ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪቃለስ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓላፍነት ንምፍጻም ኣጋጣሚ የናዲ ነይሩ እዩ። (መሳፍንቲ 16:28-30 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ንየሆዋ፡ ‘ንፍልስጥኤማውያን ሕነ ኽፈዲ’ ኢሉ ለመኖ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ንልማኖኡ መለሰሉ፡ ነቲ ተኣምራዊ ሓይሊ እውን መሊሱ ሃቦ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብቲ ሲምሶን ምስ ፍልስጥኤማውያን ዚገብሮ ዝነበረ ቓልሲ ኻብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ተዓወተ።
16. ካብቲ ሲምሶን ዝገበሮ ጌጋ እንታይ ንምሃር፧
16 ሲምሶን ሳዕቤን እቲ ጌጋኡ እኳ እንተ ዓጸደ፡ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ካብ ምፍታን ግና ደው ኣየበለን። ንሕና እውን ዋላ እኳ ጌጋ እንተ ገበርና፡ መግናሕቲ እውን እንተ ኣድለየና፡ ወይ ፍሉይ መሰልና እኳ እንተ ሰኣንና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። የሆዋ ብኣና ተስፋ ኸም ዘይቈርጽ ኣይንረስዕ። (መዝ. 103:8-10) ጌጋታት እናሃለወና ኽነሱ፡ ከም ሲምሶን የሆዋ ኺጥቀመልና ይኽእል እዩ።
17-18. ካብ ተመክሮ ማይክል እንታይ ዜተባብዕ ነጥቢ ረኺብካ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
17 ተመክሮ ሓደ ማይክል ዝስሙ መንእሰይ ሓው እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። እዚ ሓው እዚ ኣገልጋሊ ጉባኤን ስሩዕ ፈላምን ኰይኑ የገልግል ብምንባሩ ብቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ትሑዝ እዩ ነይሩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ጌጋ ገበረ፡ ኣብ ጉባኤ ዝነበሮ ፍሉይ መሰላት ከኣ ሰኣነ። ብዛዕባ እዚ ኼዘንቱ ኸሎ ኸምዚ ይብል፦ “ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብምሉእ ፍጥነት እየ ዝግስግስ ነይረ። ድሕሪኡ ብሃንደበት ምስ መንደቕ ከም እተጋጨኹ ዀይነ። የሆዋ ኸይሓድገኒ ፈጺሙ ኣየተሓሳሰበንን፣ ምስኡ ዘሎኒ ርክብ ናብ ቀደሙ ዚምለስ እንተ ዀይኑ ወይ ኣብ ጉባኤ ምሉእ ብምሉእ ከገልግሎ ዝኽእል እንተ ዀይነ ግና ኣተሓሳሲቡኒ እዩ።”
18 እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ማይክል ተስፋ ኣይቈረጸን። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣዘውቲረ ብጸሎት ልበይ ንየሆዋ ብምኽፋትን ብመጽናዕትን ብምስትንታንን ኣቢለ ምስ የሆዋ ዝነበረኒ ርክብ ኣብ ምጽጋን ኣተኲረ” ይብል። እናሓደረ ኸኣ ኣብ ጉባኤ ዝነበሮ ፍሉይ መሰላት ተመልሰሉ። ሕጂ ድማ ሽማግለን ስሩዕ ፈላምን ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ምናዳ እቲ ኻብ ሽማግለታት ዝረኸብክዎ ደገፍን መተባብዕን፡ የሆዋ ሕጂ እውን ከም ዜፍቅረኒ ኸስተውዕል ሓጊዙኒ እዩ። ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ጉባኤ ብጽሩይ ሕልና ኸገልግል ክኢለ እየ። የሆዋ ብሓቂ ንዚንሳሕ ሰብ ይቕረ ኸም ዚብለሉ ኻብዚ ተመክሮ እዚ ተማሂረ እየ።” ዋላ እውን ጌጋታት እንተ ገበርና፡ መገድታትና ንምዕራይ ዚከኣለና እንተ ጌርናን ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልናን፡ ንሱ ኸም ዚጥቀመልናን ከም ዚባርኸናን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—መዝ. 86:5፣ ምሳ. 28:13።
19. እቲ ሲምሶን ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ኣበርቲዑካ፧
19 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ሒደት ካብቲ መሳጢ ዛንታ ሲምሶን ኢና መርሚርና። ሲምሶን ፍጹም ኣይነበረን፣ ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ እቲ ምስ ደሊላ ዝገበሮ ጌጋ እውን ከይተረፈ ኣብቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዚገብሮ ጻዕርታት ተስፋ ኣይቈረጸን። የሆዋ እውን ብእኡ ተስፋ ኣይቈረጸን። ድሕሪ እቲ ጌጋኡ እኳ፡ ኣምላኽ ንሲምሶን ኣጸቢቑ ተጠቒሙሉ እዩ። ሓያል እምነት ከም ዝነበረቶ ገይሩ ስለ ዝረኣዮ እውን፡ ምስቶም ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ተዘርዚሮም ዚርከቡ እሙናት ሰባት መዝጊብዎ እዩ። ነቲ ምናዳ ኽንደክም ከለና ኼበርትዓና ዚደሊ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና እነገልግል ምዃንናስ ዜተባብዕ ደይኰነን፧ ስለዚ፡ ከም ሲምሶን ንየሆዋ፡ “በጃኻ ዘክረኒ፣ . . . ኣበርትዓኒ” ኢልና ንለምኖ።—መሳ. 16:28።
መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና
a ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ሲምሶን ሰሚዖም ይፈልጡ እዮም። ዋላ እውን እቶም ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዙሕ ፍልጠት ዘይብሎም ሰባት ብዛዕባኡ ሰሚዖም ይፈልጡ እዮም። ደረስትን ተቐነይትን ጸሓፍትን ብዛዕባ ዛንታኡ ጽሒፎም እዮም። እቲ ዛንታኡ ግና ጽውጽዋይ ኣይኰነን። ካብዚ ዓባይ እምነት ዝነበረቶ ሰብ እዚ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና።