ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 40

ከም ጴጥሮስ፡ ክትጸንዕ ትኽእል ኢኻ

ከም ጴጥሮስ፡ ክትጸንዕ ትኽእል ኢኻ

“ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ።”—ሉቃ. 5:8

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

መላለዪ a

1. ጴጥሮስን ብጾቱን ብተኣምር ዓሳ ምስ ሓዙ፡ ንሱ እንታይ ተሰሚዕዎ፧

 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ጴጥሮስ ዓሳ ንምግፋፍ ምሉእ ለይቲ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይሓዘን። እቲ ዜገርም ግና፡ የሱስ “ናብ ዓሚቝ ርሓቕ እሞ፡ ምእንቲ ኽትገፍፉ መርበብኩም ኣውርዱ” በሎ። (ሉቃ. 5:4) ጴጥሮስ ዚሕዙ ዀይኑ ኣይተሰምዖን፣ እንተዀነ ግና፡ ከምቲ እተባህሎ ገበረ። ከምኡ ምስ ገበረ ኣዝዮም ብዙሓት ዓሳታት ስለ እተታሕዙ፡ ብብዝሒ እቶም ዓሳ እቲ መርበብ ተቐድደ። ጴጥሮስን መዓይይቱን ተኣምር ከም ዝረኣዩ ስለ ዘስተውዓሉ፡ በዚ “ኣዝዮም ተደሚሞም ነበሩ።” ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ” በሎ። (ሉቃ. 5:6-9) ጥቓ የሱስ ኪኸውን እኳ ብቕዓት ከም ዘይብሉ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎ።

2. ብዛዕባ ጴጥሮስ ምጽናዕ ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

2 ጴጥሮስ ሓቁ እዩ ነይሩ፣ “ሓጥእ ሰብ” እዩ ነይሩ። ደሓር ዜጣዕሶ ነገር ከም እተዛረበን ከም ዝገበረን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ኣሎ። እሞ ደኣ ሓድሓደ ግዜ ኸም ጴጥሮስ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ምስ ናይ ባህርይ ጸገም ወይ ምስ ሓደ ሓጢኣት ብቐጻሊ ትቃለስዶ ኣሎካ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ጴጥሮስ ብምጽናዕ ተስፋ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ጕድለታት ጴጥሮስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከይተመዝገበ ኺተርፍ ምኸኣለ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንትምህርትና ኪኸውን ተባሂሉ፡ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ከም ዚጽሓፍ ተገብረ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ብዛዕባ እዚ ኸማና ድኽመታትን ስምዒታትን ዝነበሮ ሰብ እዚ ኽንምሃር ከለና፡ የሆዋ ኻባና ፍጽምና ኸም ዘይጽበ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። የግዳስ፡ ድኽመታት እናሃለወና ኽነሱ፡ ኣብ መገድና ኽንጸንዕ፡ ከይተሓለልና እውን ክንጽዕር እዩ ዚደልየና።

3. ስለምንታይ ኢና ጸኒዕና ኽንመላለስ ዘሎና፧

3 ስለምንታይ ኢና ጸኒዕና ኽንመላለስ ዘሎና፧ ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት ‘ልምምድ ፍጹም ይገብር’ ዚብል ብሂል ኣሎ። ንኣብነት፡ ሓደ ሙዚቀኛ ነቲ ናይ ሙዚቃ መሳርሒኡ ንምምላኽ ነዊሕ ዓመታት ይወስደሉ ይኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣሽሓት ሳዕ ጌጋ ኖታ ኺወቅዕ ይኽእል እዩ። ብቐጻሊ እንተ ተለማሚዱ ግና፡ ይመሓየሽ እዩ። ክኢላ ሙዚቀኛ ምስ ኰነ እውን ከይተረፈ፡ ሓሓሊፉ ይጋገ እዩ። ኰይኑ ግና፡ በዚ ተስፋ ኣይቈርጽን እዩ። የግዳስ፡ ብቐጻሊ ሞያኡ የመሓይሽ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ገሊኡ ድኽመታት ከም ዝሰገርናዮ እኳ ምስ ተሰምዓና፡ ጌጋ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ናብ ኣንፈት ሸቶና ኻብ ምጽዓር ኣይነቋርጽን ኢና። ኵላትና ደሓር ዜጣዕሰና ነገር ንዛረብ ወይ ንገብር ኢና። እንተዀነ ግና፡ እንተ ዘይተሓሊልና፡ የሆዋ ብቐጻሊ ዕቤት ክንገብር ይሕግዘና እዩ። (1 ጴጥ. 5:10) እምበኣር፡ ነቲ ጴጥሮስ ዝሓደጎ ኣብነት ጽንዓት እስከ ንመርምር። ጴጥሮስ ጕድለታት እናሃለዎ ኽነሱ፡ የሱስ ካብ ራሕርሐሉ፡ እዚ ነገር እዚ ንዓና፡ ንየሆዋ ብቐጻሊ ኸነገልግሎ ኼለዓዕለና ይኽእል እዩ።

ጴጥሮስ ዝነበሮ ቓልስን ዝረኸቦ በረኸትን

ከምቲ ንጴጥሮስ ዘጋጠሞ እንተ ዜጋጥመካ፡ እንታይ ምበልካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

4. ኣብ ሉቃስ 5:5-10 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ጴጥሮስ ንገዛእ ርእሱ ብኸመይ እዩ ገሊጽዋ፧ የሱስ ግና እንታይ መተባብዒ እዩ ዝሃቦ፧

4 ጴጥሮስ፡ “ኣነ ሓጥእ ሰብ” እየ ዝበለሉ ምኽንያት፡ ወይ ብዛዕባ እንታይ ሓጢኣት ይዛረብ ከም ዝነበረ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይተገልጸን። (ሉቃስ 5:5-10 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ከቢድ ጌጋታት ገይሩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጴጥሮስ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ስለ እተስምዖ ኸም ዝፈርሀ፡ የሱስ ተረድኦ። ጴጥሮስ ብተኣማንነት ኪመላለስ ከም ዚኽእል እውን፡ የሱስ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ “ደጊም ኣይትፍራህ፡” ኢሉ ብለውሃት ተዛረቦ። እቲ የሱስ ኣብ ጴጥሮስ ዘሕደሮ እምንቶ፡ ነባሪ ጽልዋ እዩ ገይሩሉ። ድሕሪ ግዜ፡ ጴጥሮስን ሓዉ እንድርያስን ነቲ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ዕዮኦም ሓዲጎም ብምሉእ ግዜኦም ነቲ መሲሕ ሰዓብዎ። ሳላ እዚ ድማ ዜደንቕ በረኸት ረኸቡ።—ማር. 1:16-18

5. ጴጥሮስ ንፍርሁ ብምስናፉን ነቲ የሱስ ዘቕረበሉ ዕድመ ብምቕባሉን እንታይ በረኸት እዩ ረኺቡ፧

5 ጴጥሮስ ከም ሰዓቢ ክርስቶስ መጠን ብዙሕ ዜደንቕ ተመክሮታት ኣሕሊፉ እዩ። የሱስ ንሕሙማት ኬሕዊ ኸሎ፡ ንኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ፡ ንምዉታት እውን ኬተንስእ ከሎ ርእዩ እዩ። b (ማቴ. 8:14-17፣ ማር. 5:37, 41, 42) ናይ መጻኢ ኽብሪ መንግስቲ የሱስ እውን ብራእይ ርእዩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ዓብዪ ጦብላሕታ እዩ ሓዲጉሉ። (ማር. 9:1-8፣ 2 ጴጥ. 1:16-18) እወ፡ ጴጥሮስ ኣዝዩ ዜደንቕ ነገራት እዩ ርእዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ርእሱ ዝነበሮ ዝዀነ ይኹን ኣሉታዊ ስምዒት ካብዚ በረኸት እዚ ኼታርፎ ስለ ዘይፈቐደ፡ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ!

6. ጴጥሮስ ንድኽመታቱ ብቕልጡፍ ኣሰኒፍዎዶ፧ ግለጽ።

6 ጴጥሮስ እዚ ዅሉ ርእዩን ሰሚዑን ኬብቅዕ ምስ ድኽመታቱ ይቃለስ ነይሩ እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ። የሱስ ከም ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ መከራ ኸም ዚጸግብን ከም ዚመውትን ምስ ተዛረበ፡ ጴጥሮስ ገንሖ። (ማር. 8:31-33) ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ብተደጋጋሚ መኖም ከም ዚዓቢ ይከራኸሩ ነበሩ። (ማር. 9:33, 34) ድሮ እታ የሱስ ዝሞተላ ለይቲ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ብታህዋኽ ተላዒሉ እዝኒ ሓደ ሰብኣይ ቈረጸ። (ዮሃ. 18:10) በታ ለይቲ እቲኣ ድማ፡ ሰለስተ ሳዕ ንየሱስ ከሓዶ። (ማር. 14:66-72) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣምሪሩ በኸየ።—ማቴ. 26:75

7. የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስእ፡ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ንጴጥሮስ ዝሃቦ፧

7 የሱስ በቲ ብጓሂ እተደቝሰ ሃዋርያኡ ተስፋ ኣይቈረጸን። ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ንጴጥሮስ፡ ፍቕሩ ኼረጋግጸሉ ኣጋጣሚ ሃቦ። ጓሳ ኣባጊዑ ዀይኑ ብትሕትና ኼገልግል ጻውዒት ኣቕረበሉ። (ዮሃ. 21:15-17) ጴጥሮስ ድማ ኣወንታዊ ምላሽ ሃበ። ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ነበረ፣ ካብቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ቐዳሞት ቅቡኣት እውን ኰነ።

8. ጴጥሮስ ኣብ ኣንጾክያ እንታይ ከቢድ ጌጋ እዩ ዝገበረ፧

8 ጴጥሮስ ቅቡእ ክርስትያን ድሕሪ ምዃኑ እኳ፡ ምስ ድኽመታቱ ይቃለስ ነይሩ እዩ። ብ36 ድ.ክ፡ እቲ ኻብ ዘይተገዝሩ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ብመንፈስ ቅዱስ ኪቕባእ ከሎ ጴጥሮስ ኣብኡ ነበረ። እዚ ድማ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ፡” ኣህዛብ እውን ክፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ ንጹር መርትዖ እዩ ነይሩ። (ግብ. 10:34, 44, 45) ድሕርዚ፡ ጴጥሮስ ከይተሰከፈ ምስ ኣህዛብ ይበልዕ ነበረ። (ገላ. 2:12) ገሊኦም ካብ ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት ግና፡ ኣይሁድን ኣህዛብን ብሓባር ኪበልዑ ኸም ዘይብሎም ይኣምኑ ነበሩ። ገሊኦም ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም ክርስትያናት ናብ ኣንጾክያ ምስ ከዱ፡ ጴጥሮስ ነቶም ካብ ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት ከየጕህዮም ስለ ዝፈርሀ፡ ምስቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ኣሕዋቱ ምብላዕ ሓደጎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ግብዝና እዚ ረኣየ፣ ንጴጥሮስ ድማ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ገንሖ። (ገላ. 2:13, 14) ጴጥሮስ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እኳ እንተ ተጋገየ፡ ጸኒዑ ግና ጕዕዞኡ ቐጸለ። እሞ ደኣ ኸምኡ ንምግባር እንታይ እዩ ሓጊዝዎ፧

ንጴጥሮስ ኪጸንዕ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

9. ኣብ ዮሃንስ 6:68, 69 ዚርከብ ሓሳባት ንተኣማንነት ጴጥሮስ ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧

9 ጴጥሮስ እሙን እዩ ነይሩ፣ ዋላ ሓደ ነገር ንሓዋሩ ተስፋ ኬቝርጾ ኣይፈቐደን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺርድኦም ዘይከኣለ ነገር ምስ ተዛረበ፡ ጴጥሮስ ተኣማንነቱ ኣርእዩ እዩ። (ዮሃንስ 6:68, 69 ኣንብብ።) ብዙሓት ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ እቲ ነገር መግለጺ ኺውሃቦም ከይተጸበዩ ወይ ከይደለዩ ንየሱስ ካብ ምስዓብ ንድሕሪት ተመልሱ። ጴጥሮስ ግና ከምኡ ኣይገበረን። የሱስ ጥራይ “ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል” ከም ዘለዎ ይኣምን ነበረ።

በቲ የሱስ ኣብ ጴጥሮስ ዘሕደሮ እምነት እትተባባዕ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. የሱስ ንጴጥሮስ ከም ዚተኣማመነሉ ብኸመይ እዩ ኣርእይዎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

10 የሱስ እውን ንጴጥሮስ ኣይሓደጎን። ኣብታ የሱስ ኣብ ምድሪ ብህይወት ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ለይቲ፡ ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ሓዲጎምዎ ኸም ዚኸዱ ይፈልጥ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ጴጥሮስ ደሓር ከም ዚምለስን እሙን ኰይኑ ኸም ዚቕጽልን ዘለዎ ምትእምማን ገሊጹ እዩ። (ሉቃ. 22:31, 32) ‘መንፈስ ህንጡይ ከም ዝዀነ፡ ስጋ ግና ድኹም’ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማር. 14:38) ስለዚ፡ ጴጥሮስ ምስ ከሓዶ እኳ፡ ብእኡ ተስፋ ኣይቈረጸን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ንጴጥሮስ ተራእዮ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጴጥሮስ በይኑ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ማር. 16:7፣ ሉቃ. 24:34፣ 1 ቈረ. 15:5) እዝስ ነቲ ጕህዩ ዝነበረ ሃዋርያ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣተባቢዕዎ ኪኸውን ኣለዎ!

11. የሱስ ንጴጥሮስ ደገፍ የሆዋ ኸም ዚረክብ ብኸመይ እዩ ኣረጋጊጹሉ፧

11 የሱስ ንጴጥሮስ ብዛዕባ ደገፍ የሆዋ ኣረጋገጸሉ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ሃዋርያትን ብተኣምራዊ መገዲ ዓሳ ኸም ዚሕዙ ገበሮም። (ዮሃ. 21:4-6) እዚ ተኣምር እዚ ንጴጥሮስ፡ የሆዋ ዜድልዮ ዘበለ ስጋዊ ነገራት ብቐሊሉ ኼማልኣሉ ኸም ዚኽእል ኣረጋጊጹሉ ኪኸውን ኣለዎ። ምናልባት እውን ነቶም “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ” ዚድልዩ ዘበሉ፡ የሆዋ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ቓላት ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 6:33) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ጴጥሮስ ነቲ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ዕዮኡ ዘይኰነስ፡ ንኣገልግሎቱ ቐዳምነት ሃበ። ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ብትብዓት መስከረ፣ ንኣሽሓት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ሓገዞም። (ግብ. 2:14, 37-41) ድሕሪኡ ድማ፡ ንሳምራውያንን ንኣህዛብን ክርስትያናት ኪዀኑ ሓገዞም። (ግብ. 8:14-17፣ 10:44-48) ብርግጽ እምበኣር የሆዋ ንጴጥሮስ፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ናብታ ጉባኤ ንምምጻእ ኣጸቢቑ ተጠቒሙሉ እዩ።

እንታይ ንምሃር፧

12. ብቐጻሊ ምስ ድኽመትና ንቃለስ እንተ ኣሊና፡ ብኸመይ እዩ እቲ ጴጥሮስ ዝሓደጎ ኣብነት ዚሕግዘና፧

12 ጸኒዕና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ የሆዋ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ምናዳ ምስ ሓደ ድኽመትና ብቐጻሊ ንቃለስ እንተ ኣሊና፡ ጸኒዕና ንምምልላስ ይኸብደና ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ፡ ድኽመታትና ኻብ ናይ ጴጥሮስ ዚገድድ ኰይኑ ይስመዓና ይኸውን። የሆዋ ግና ተስፋ ምእንቲ ኸይንቘርጽ፡ ብርታዐ ኺህበና ይኽእል እዩ። (መዝ. 94:17-19) ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ሓቂ ቕድሚ ምፍላጡ ንሓያሎ ዓመታት ግብረ ሶዶማዊ ናብራ ይነብር ነበረ። ሓቂ ምስ ፈለጠ ግና፡ ነቲ ብዕሉግ ተግባራቱ ሓደጎ። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ምስ ግጉይ ትምኒታት ይቃለስ ነበረ። እሞ ደኣ ጸኒዑ ምእንቲ ኺመላለስ እንታይ ሓጊዝዎ፧ “የሆዋ የበርትዓና እዩ” ብምባል እንታይ ከም ዝሓገዞ ይገልጽ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ብሓገዝ መንፈስ የሆዋ፡ ብመገዲ ሓቂ ክቕጽል ከም ዝኽእል ተማሂረ እየ። . . . የሆዋ ይጥቀመለይ ኣሎ፣ ዘይፍጽምናታት እናሃለወኒ ኽነሱ ድማ ብቐጻሊ የበርትዓኒ ኣሎ” ይብል።

ሆርስት ሄንሸል ብ1 ጥሪ 1950 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ። እሞ ደኣ ህይወቱ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ምሕላፉስ ዘጠዓሶዶ ይመስለካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13, 15 ርአ) d

13. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 4:13, 29, 31 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት ጴጥሮስ ክንስዕብ እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ጴጥሮስ ብተደጋጋሚ እዩ ብፍርሂ ሰብ ተሰኒፉ። እንተዀነ ግና፡ ትብዓት ኪውሃቦ ስለ ዝጸለየ፡ ብትብዓት ኪመላለስ ከኣለ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13, 29, 31 ኣንብብ።) ንሕና እውን ንፍርህና ኸነሰንፎ ንኽእል ኢና። ናዚ ንጀርመን ኣብ ዝገዝኣሉ እዋን መንእሰይ ንዝነበረ ሆርስት ዘጋጠሞ ተመክሮ እስከ ንርአ። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ በቲ ኣብ ቤት ትምህርቱ ዝወረዶ ጸቕጢ ስለ እተሰነፈ፡ “ሀይል ሂትለር!” በለ። ወለዲ ሆርስት ግና በዚ ኣብ ክንዲ ዚገንሕዎ፡ ምስኡ ሓቢሮም ጸለዩ፡ የሆዋ ትብዓት ኪህቦ እውን ለመኑሉ። ብሓገዝ ወለዱን በቲ ኣብ የሆዋ ዝገበሮ ትውክልትን፡ ኣብ መወዳእታ ጸኒዑ ንምቛም ዜኽእሎ ብርታዐ ረኸበ። ጸኒሑ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “የሆዋ ኸቶ ኣይሓደገንን” ኢሉ እዩ። c

14. ከመይ ገይሮም እዮም ሓለይቲ ጓሶት፡ ተስፋ ንዝቘረጹ ክርስትያናት ኬተባብዕዎም ዚኽእሉ፧

14 የሆዋን የሱስን ብኣና ተስፋ ኣይቈርጹን እዮም። ጴጥሮስ ንክርስቶስ ምስ ከሓዶ፡ ሓደ ኣገዳሲ ውሳነ ኺገብር ነበሮ። ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምዃን ኪሓድጎ ድዩ፡ ወይስ ጸኒዑ ኪቕጽል፧ የሱስ እምነት ጴጥሮስ ምእንቲ ኸይትጠፍእ ምእንታኡ ንየሆዋ ተማህሊሉ ነይሩ እዩ። ንጴጥሮስ ድማ ብዛዕባ እቲ ጸሎቱ ነጊርዎ፡ ድሕሪኡ ምስ ተመልሰ ንኣሕዋቱ ኸም ዜባራትዖም እውን እምንቶኡ ገሊጹሉ እዩ። (ሉቃ. 22:31, 32) ጴጥሮስ ብዛዕባ እዚ ቓላት የሱስ ምልስ ኢሉ ኺሓስብ ከሎ፡ ኣመና ተጸናኒዑ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ ውሳነ ኽንገብር ከለና፡ የሆዋ ብሓለይቲ ጓሶት ኣቢሉ ብተኣማንነት ምእንቲ ኽንመላለስ የበራትዓና ይኸውን። (ኤፌ. 4:8, 11) ንነዊሕ እዋን ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ፖል ዝስሙ ሓው፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መጸናንዒ ኺህብ ይጽዕር እዩ። ነቶም ኪሕለሉ ዝበሉ ኣሕዋት፡ የሆዋ ኣብ ፈለማ ኣብ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝሰሓቦም ኪዝክሩ የተባብዖም እዩ። ድሕሪኡ፡ ብምኽንያት እቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕሪ፡ ብኣታቶም ተስፋ ኸም ዘይቈርጽ የረጋግጸሎም እዩ። እዚ ሓው እዚ፡ “ብሓገዝ የሆዋ፡ ተስፋ ቘሪጾም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኪጸንዑ ርእየ እየ” ኢሉ ይድምድም።

15. ጴጥሮስን ሆርስትን ዝሓደግዎ ኣብነት ንሓቅነት ማቴዎስ 6:33 ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

15 ከምቲ የሆዋ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ሃዋርያትን ብስጋዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ ዝሃቦም፡ ንሕና ንኣገልግሎቱ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኽንህቦ ኸለና እውን ብስጋዊ መዳይ ዜድልየና ዘበለ ይሓልየልና እዩ። (ማቴ. 6:33) ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሆርስት ፈላሚ ኪኸውን ሓሰበ። እንተዀነ ግና፡ ኣመና ድኻ ስለ ዝነበረ፡ ዜድልዮ እናኣማልአ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪቕጽል ዚኽእል እንተ ዀይኑ ጥርጣረ ሓደሮ። እሞ ደኣ እንታይ ገበረ፧ ኣብ እዋን ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ምሉእ ሰሙን ኣብ ኣገልግሎት ብምሕላፍ ንየሆዋ ኺፍትኖ ወሰነ። ኣብ መወዳእታ እታ ሰሙን እቲ ሓላው ወረዳ፡ ስሙ ኻብ ዘይተጠቕሰ ለጋሲ ዝመጸት ጶስጣ ምስ ሃቦ ኣመና እዩ ሰምቢዱ። እታ ጶስጣ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ኬካይዶ ዚኽእል ገንዘብ እያ ሒዛ ነይራ። ሆርስት ነዚ ህያብ እዚ፡ የሆዋ ዜድልዮ ዘበለ ኼማልኣሉ ኸም ዚኽእል ዚሕብር መረጋገጺ ገይሩ እዩ ርእይዎ። ስለዚ፡ ዝተረፈ ህይወቱ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምቕዳም እዩ ኣሕሊፍዎ።—ሚል. 3:10

16. ነቲ ጴጥሮስ ዝሓደጎ ኣብነትን ንጽሑፋቱን ክንምርምሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ጴጥሮስ መሸም የሱስ ንዘረባኡ ሰሚዑ ኻብኡ ብዘይምርሓቑ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ክርስቶስ ንጴጥሮስ እሙን ሃዋርያን ዜደንቕ ኣብነትን ኪኸውን ብቐጻሊ ኣሰልጢንዎ እዩ። ኵላትና ኻብቲ ስልጠናኡ ብዙሕ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ጴጥሮስ ንገለ ኻብዚ ትምህርትታት እዚ፡ ኣብተን ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ጽሒፉ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ናብ ዝነበራ ጉባኤታት ዝለኣኸን ክልተ መልእኽትታት መዝጊብዎ ኣሎ። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ካብዘን መልእኽትታት እዚአን ሒደት መዘኻኸሪታት ክንርኢ፡ ኣብዚ ግዜና ብኸመይ ክንትግብሮ ኸም እንኽእል እውን ክንምርምር ኢና።

መዝሙር 126 ንቕሑ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቶም ምስ ድኽመታቶም ዚቃለሱ ሰባት፡ ንድኽመታቶም ኪሰግርዎ ኸም ዚኽእሉን እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኖም ጸኒዖም ኪመላለሱ ኸም ዚኽእሉን ንምትብባዕ እያ ተዳልያ።

b ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚርከብ መብዛሕትኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ወንጌል ማርቆስ እዩ ተወሲዱ። ማርቆስ ነቲ ጴጥሮስ ብዓይኑ ዝረኣዮ ነገራት ከም ዝመዝገበ እዩ ዚእመነሉ።

c ታሪኽ ህይወት ሆርስት ሄንሸል ኣብ ናይ 22 ለካቲት 1998 ንቕሑ!፡Motivated by My Family’s Loyalty to God” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ኣብዚ ተዋስኦ እዚ ኸም ዚርአ፡ ወለዲ ሆርስት ምስኡ ሓቢሮም ጸለዩ፡ ጸኒዑ ኪቐውም እውን ኣበርትዕዎ።