ዓንቀጽ መጽናዕቲ 41
ጴጥሮስ ካብ ዝጸሓፈን ክልተ መልእኽትታት እንረኽቦ ትምህርቲ
“ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዅሉ ሳዕ ከዘክረኩም ሓሲበ ኣለኹ።”—2 ጴጥ. 1:12።
መዝሙር 127 ከመይ ዝበልኩ እየ ክኸውን ዚግብኣኒ!
መላለዪ a
1. ሃዋርያ ጴጥሮስ ቀቕድሚ ሙማቱ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እንታይ እዩ ገይሩ፧
እቲ እዋን እቲ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ናብ ሞቱ ዝቐረበሉ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ብተኣማንነት ዘገልገለሉ ሓያሎ ዓመታት፡ ምስ የሱስ ተመላሊሱ፡ ኣብ ሓደስቲ ቦታታት ሰቢኹ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ እውን ኣገልጊሉ እዩ። ድሕሪ እዚ ዅሉ ግና ኣገልግሎቱ ገና ኣየብቀዐን። ኣብ ከባቢ 62-64 ድ.ክ.፡ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ክልተ መልእኽትታት ጸሓፈ። እዘን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ መልእኽትታት፡ 1ይ ጴጥሮስን 2ይ ጴጥሮስን ተባሂለን ይፍለጣ። እዘን መልእኽታት እዚአን፡ ድሕሪ ሞቱ እኳ ንክርስትያናት ከም ዚሕግዛኦም ተስፋኡ ገሊጹ ኣሎ።—2 ጴጥ. 1:12-15።
2. እተን ጴጥሮስ ዝጸሓፈን መልእኽትታት ነቲ እዋን እቲ ዜድልያ እየን ነይረን እንብል ስለምንታይ ኢና፧
2 ጴጥሮስ ነዘን ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ዝጸሓፈን ክልተ መልእኽትታት፡ ክርስትያናት ብጾቱ ‘ብእተፈላለየ ፈተናታት ኣብ ዝጐሃዩሉ’ እዋን እዩ ጽሒፍወን። (1 ጴጥ. 1:6) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እኩያት ሰባት ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ርኽሰትን ናብ ጉባኤ ኸተኣታትዉ ይፍትኑ ነይሮም እዮም። (2 ጴጥ. 2:1, 2, 14) ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ከኣ፡ “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ” ነይሩ እዩ፡ ማለት ሰራዊት ሮሜ ነታ ኸተማን ንስርዓት ኣይሁድን ኬጥፍኡ ቐሪቦም ነይሮም እዮም። (1 ጴጥ. 4:7) እምበኣር፡ እተን ጴጥሮስ ዝጸሓፈን መልእኽትታት ንክርስትያናት፡ ነቲ ሽዑ ዜጋጥሞም ዝነበረ ፈተናታት ኪጻወሩን ንናይ መጻኢ ፈተናታት ኪዳለዉን ዚሕግዛ እየን ነይረን። b
3. ነተን ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፋ መልእኽትታት ጴጥሮስ ክንምርምረን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
3 ጴጥሮስ ነተን መልእኽትታቱ ናብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እኳ እንተ ጸሓፈን፡ የሆዋ ግና ነዚ ጽሑፋት ኣብ ቃሉ ኸም ዚዕቀብ ገይሩ ኣሎ። ስለዚ፡ ሎሚ ንሕና ኻብዘን መልእኽትታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:4) ርኽሰት ኣብ ዚመልኣ ዓለም ስለ እንነብር፡ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ኣጸጋሚ ኸም ዚኸውን ኪገብሮ ዚኽእል ፈተናታት የጋጥመና እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኻብቲ ንስርዓት ኣይሁድ ዘጥፍአ ኣጸቢቑ ዚዓቢ ጸበባ ኼጋጥመና እዩ። ኣብተን ክልተ መልእኽትታት ጴጥሮስ ኣገዳሲ መዘኻኸሪታት ንረክብ ኢና። እዚ ድማ ንመዓልቲ የሆዋ ኽንጽበያ፡ ፍርሂ ሰብ ከነሰንፍ፡ ንሓድሕድና እውን ኣጸቢቕና ኽንፋቐር ይሕግዘና እዩ። ብተወሳኺ፡ እዚ መዘኻኸሪታት እዚ ንሽማግለታት፡ ብኸመይ ነተን መጓሰ ኺሓልዩለን ከም ዚኽእሉ ትምህርቲ ይህቦም እዩ።
ንመዓልቲ የሆዋ ተጸበያ
4. ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:3, 4 ተገሊጹ ኸም ዘሎ እንታይ እዩ ንእምነትና ኺንቕንቓ ዚኽእል፧
4 ንትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይኣምኑሉ ሰባት ኢና ተኸቢብና ዘለና። መወዳእታ ኺመጽእ ንሓያሎ ዓመታት ብሃንቀውታ ስለ እተጸበና፡ ተጻረርቲ የላግጹልና ይዀኑ። ገሊኦም ነቐፍቲ መወዳእታ ኸቶ ኸም ዘይመጽእ እዮም ዚዛረቡ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4 ኣንብብ።) ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ሰብ፡ መሳርሕትና፡ ወይ ኣባል ቤተ ሰብና ኸምዚ ኢሉ ኺዛረብ እንተ ሰሚዕና፡ እዚ ንእምነትና ይንቕንቓ ይኸውን። ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ከም ዚሕግዘና ጴጥሮስ ገሊጹ እዩ።
5. ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ቕኑዕ ኣረኣእያ ንምሓዝ እንታይ እዩ ዚሕግዘና፧ (2 ጴጥሮስ 3:8, 9)
5 ገሊኦም ሰባት፡ የሆዋ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ንምጥፋእ ዝደንጐየ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ቃላት ጴጥሮስ ግና ቅኑዕ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ይሕግዘና እዩ። የሆዋ ብዛዕባ ግዜ ዘለዎ ኣረኣእያ ኻብ ናይ ሰባት ኣመና እተፈለየ ምዃኑ እዩ መዘኻኸሪ ሂቡና። (2 ጴጥሮስ 3:8, 9 ኣንብብ።) ኣብ የሆዋ ሽሕ ዓመት ከም ሓንቲ መዓልቲ እያ። የሆዋ ዋላ ሓደ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ይዕገስ እዩ ዘሎ። መዓልቱ ምስ መጸት ግና፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኪኸውን እዩ። ስለዚ፡ ኣብቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ንዅሎም ሰባት ንምምስካር ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱልና ዘሎ።
6. ከመይ ጌርና ኢና ንመዓልቲ የሆዋ ‘ብሓሳብና እነቐልጥፋ’፧ (2 ጴጥሮስ 3:11, 12)
6 ጴጥሮስ ንመዓልቲ የሆዋ ‘ብሓሳብኩም ኣቐልጥፍዋ’ ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:11, 12 ኣንብብ።) ብኸመይ፧ እንተ ተኻኢሉ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ በረኸት መዓልቲ መዓልቲ ኸነስተንትን ኣሎና። ጽሩይ ኣየር ከተተንፍስ፡ ንጥዕና ዚጠቅም ምግቢ ኽትበልዕ፡ ሞይቶም ዝነበሩ እትፈትዎም ሰብካ ሓንጐፋይ ኢልካ ኽትቅበል፡ ቅድሚ ዘመናት ዝነበሩ ሰባት ከኣ ብዛዕባ ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህሮም ከለኻ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን ነታ መዓልቲ እቲኣ ብሃንቀውታ ኽትጽበያን በዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ናይ ሸለልትነት ኣረኣእያ ኸይትጽሎን ኪሕግዘካ እዩ። ብዛዕባ መጻኢ ‘ነዚ ኣቐዲምካ ኻብ ፈለጥካ፡’ ናይ ሓሶት መምሃራን ‘ኣይኬስሕቱኻን’ እዮም።—2 ጴጥ. 3:17።
ንፍርሂ ሰብ ኣሰንፍ
7. ፍርሂ ሰብ ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧
7 ንመዓልቲ የሆዋ ‘ብሓሳብና እነቐልጥፋ’ እንተ ዄንና፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ንምክፋል ንለዓዓል ኢና። ኣብ ገሊኡ ዅነታት ግና፡ ንምዝራብ ንፈርህ ኢና። ስለምንታይ፧ ንግዜኡ ብፍርሂ ሰብ ስለ እተሰነፍና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጴጥሮስ ከምኡ ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ኣብታ የሱስ እተፈርደላ ለይቲ፡ ጴጥሮስ ወደ መዝሙር የሱስ ምዃኑ ኣሉ በለ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንየሱስ ከም ዚፈልጦ ብተደጋጋሚ ኸሓደ። (ማቴ. 26:69-75) እዚ ሃዋርያ እዚ ግና፡ ጸኒሑ፡ “ነቲ ንሳቶም ዚፈርህዎ ግና ኣይትፍርህዎ፡ ኣይትረበሹ እውን” ኢሉ ብምትእምማን ኪጽሕፍ ከኣለ። (1 ጴጥ. 3:14) እዚ ጴጥሮስ እተዛረቦ ቓላት፡ ንፍርሂ ሰብ ከነሰንፍ ከም እንኽእል የረጋግጸልና።
8. ንፍርሂ ሰብ ንምስናፍ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (1 ጴጥሮስ 3:15)
8 እሞ ደኣ ንፍርሂ ሰብ ንምስናፍ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ጴጥሮስ፡ “ንክርስቶስ ከም ጐይታ ብልብኹም ቀድስዎ” ይብለና። (1 ጴጥሮስ 3:15 ኣንብብ።) ከምዚ ንምግባር ብዛዕባ ስልጣንን ሓይልን እቲ ጐይታናን ንጉስናን ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ከነስተንትን ኣሎና። ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምንጋር ኣጋጣሚ ምስ ረኸብካ እንተ ፈሪህካ፡ ንንጉስና ዘክሮ። ማእለያ ብዘይብሎም መላእኽቱ ተኸቢቡ ኣብ ሰማይ ኪገዝእ ከሎ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” ከም ዘለዎ፡ ‘ክሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ከኣ ኵሉ መዓልቲ ምሳኻ’ ኸም ዚኸውን ዘክር። (ማቴ. 28:18-20) ጴጥሮስ ብዛዕባ እምነትና ንዚሓትተና ዘበለ፡ “ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ” ኢሉ ተማሕጺኑና እዩ። እሞ ደኣ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ወይ ኣብ ካልእ ዘይወግዓዊ ዅነታት ምስክርነት ክትህብ ትደሊዶ፧ መዓስ ከምኡ ኽትገብር ከም እትኽእል ኣቐዲምካ ሕሰበሉ። ድሕሪኡ እንታይ ከም እትብል ተዳሎ። የሆዋ ንፍርሂ ሰብ ከተሰንፍ ከም ዚሕግዘካ ብምትእምማን፡ ትብዓት ኪህበካ ጸሊ።—ግብ. 4:29።
“ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ”
9. ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብኸመይ እዩ ጴጥሮስ ፍቕሪ ዘየርኣየ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
9 ጴጥሮስ ብኸመይ ፍቕሪ ኸም ዜርኢ ተማሂሩ እዩ። የሱስ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ” ኣብ ዝበለሉ እዋን፡ ጴጥሮስ ኣብኡ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 13:34) ኰይኑ ግና፡ ጸኒሑ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ምስ ኣተወ፡ ምስቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ምብላዕ ኣበየ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ነገር፡ “ግብዝና” ኢሉ እዩ ገሊጽዎ። (ገላ. 2:11-14) ጴጥሮስ ከኣ ነዚ መአረምታ ተቐቢሉ ኻብኡ ተማህረ። ኣብ ክልቲአን መልእኽትታቱ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ፍቕሪ ኺህልወና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፍቕሪ ኸነርኢ ኸም ዘሎና እውን ኣጕሊሑ ኣሎ።
10. “ግብዝና ዘይብላ ሕውነታዊት ፍቕሪ” ካብ ምንታይ እያ እትፈሪ፧ ግለጽ። (1 ጴጥሮስ 1:22)
10 ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብጾትና፡ “ግብዝና ዘይብላ ሕውነታዊት ፍቕሪ” ኽትህልወና ኸም ዚግባእ ገሊጹ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:22 ኣንብብ።) እዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ፡ ‘ንሓቂ ኻብ ዘሎና ተኣዛዝነት’ እያ እትፈሪ። እዛ ሓቂ እዚኣ ድማ፡ ነቲ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ” ዚገልጽ ትምህርቲ እውን ተጠቓልል እያ። (ግብ. 10:34, 35) ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ ገሊኦም ፍቕሪ እናኣርኣና፡ ንገሊኦም ግና ፍቕሪ ዘይነርእዮም እንተ ዄንና፡ ትእዛዝ የሱስ ኣይንሕሉን ኢና ዘለና። (ዮሃ. 13:23፣ 20:2) ልክዕ እዩ፡ ከምቲ የሱስ እውን ዝገበሮ፡ ምስ ገሊኦም ብዝያዳ ንቀራረብ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ንዅሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን “ሕውነታዊት ፍቕሪ” ምእንቲ ኺህልወና ኽንጽዕር ከም ዚግባእ፡ ማለት ከም ናይ ስድራ ቤት ዓይነት ቅርርብ ክንፈጥር ከም ዘሎና ጴጥሮስ ኣዘኻኺሩና ኣሎ።—1 ጴጥ. 2:17።
11. “ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ” ኺብሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧
11 ጴጥሮስ “ካብ ልቢ፡ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። እታ ኣብዚ “ኣጸቢቕኩም” እትብል ቃል፡ ንደረት ባህርያዊ ፍቕርና ኸነስፍሖ እያ እተመልክት። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው እንተ ኣጕህዩና ወይ እንተ ጐዲኡና፡ እንታይ ኢና እንገብር፧ ፍቕሪ ኣብ ክንዲ እነርኢ፡ ዓጸፌታ ንምምላስ ንለዓዓል ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ዓጸፌታ ምምላስ ንኣምላኽ ባህ ከም ዘየብሎ ጴጥሮስ ካብ የሱስ ተማሂሩ እዩ። (ዮሃ. 18:10, 11) ስለዚ፡ “ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ፡ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። ኣብ ክንዳኡስ፡ . . . ባርኹ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ጴጥ. 3:9) እምበኣር፡ ኣጸቢቕካ ተፍቅር እንተ ዄንካ፡ ዋላ እውን ነቶም ዚጐድኡኻ ኽትልውሃሎምን ክትሓልየሎምን ትኽእል ኢኻ።
12. (ሀ) ሓያል ፍቕሪ እንታይ ንምግባር እያ እተለዓዕለና፧ (ለ) ኣብታ ነቲ ኽቡር ውህበት ሓድነት ዓቅቦ ዘርእስታ ቪድዮ ኸም እተራእየ፡ እንታይ ንምግባር ኢኻ ኽትጽዕር እትደሊ፧
12 ጴጥሮስ ኣብታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ “ሓያል ፍቕሪ” ዚብል መግለጺ እውን ተጠቒሙ ኣሎ። ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ሒደት ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ “ብዙሕ ሓጢኣት” እያ እትኸድን። (1 ጴጥ. 4:8) ምናልባት ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ቅድሚ ዓመታት ዝመሃሮ ትምህርቲ ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሓዉ “ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ” እንተ ሓዲጉሉ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ከም ዝገበረ ኣሚኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ግና ንጴጥሮስ “ክሳዕ 77 ሳዕ፡” ማለት ከይተጸባጸበ በደል ኪሓድግ መሃሮ። (ማቴ. 18:21, 22) እምበኣር፡ ነዚ ምኽሪ እዚ ምትግባር እንተ ኸቢዱካ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኵሎም ዘይፍጹማት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ይቕረ ምባል ይኸብዶም እዩ። ሕጂ ንሓውካ ይቕረ ንምባልን ምስኡ ንምትዕራቕን ዜድሊ ዘበለ ስጕምትታት እንተ ወሲድካ፡ ኣገዳሲ ነገር ኢኻ ጌርካ ዘለኻ። c
ኣቱም ሽማግለታት፡ ነቲ መጓሰ ጓስይዎ
13. ሽማግለታት ኣብቲ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ኪጓስይዎም እተዋህቦም ዕዮ እንታይ ብድሆታት ኬጋጥሞም ይኽእል፧
13 ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ “ኣባጊዐይ ጓሲ” ኢሉ እተዛረቦ ዘረባ ፈጺሙ ኣይረስዖን። (ዮሃ. 21:16) ሽማግለ እንተ ዄንካ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ንዓኻ እውን ከም ዚምልከተካ ትፈልጥ ኢኻ። ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ግዜ ምርካብ ግና በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሽማግለታት ብቐዳምነት ንስድራ ቤቶም ብኣካላውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ኪከናኸንዎም ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ይህልዎም፡ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታት ኰነ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ድማ ክፍልታት ይዳለዉን የቕርቡን እዮም። ገሊኦም ከኣ ምስ ሆስፒታል ኣብ ዜረዳድእ ኮሚተ ሓላፍነታት ኣለዎም፡ ወይ ካብ ክፍሊ ኸባብያዊ ንድፊ/ህንጸት ዕዮታት ይውሃቦም እዩ። ብሓቂ ሽማግለታት ብዙሕ ስራሕ እዩ ዘለዎም።
14. ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ምእንቲ ኺጓስዩ እንታይ ኬለዓዕሎም ይኽእል፧ (1 ጴጥሮስ 5:1-4)
14 ጴጥሮስ ንሽማግለታት፡ ‘ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ’ ኢሉ ተማሕጺንዎም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:1-4 ኣንብብ።) ሽማግለ እንተ ዄንካ፡ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ከም እተፍቅሮም፡ ክትጓስዮም እውን ከም እትደሊ ንፈልጥ ኢና። እንተዀነ ግና፡ ብስራሕ ኣመና ትሑዝ ካብ ምዃንካ እተላዕለ ወይ ኣመና ስለ ዝደኸምካ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ኽትፍጽሞ ኣይትኽእልን ትኸውን። እሞ ደኣ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ዘተሓሳሰበካ ነገር ንየሆዋ ንገሮ። ጴጥሮስ፡ “ዜገልግል እንተ ዀይኑ እውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ጴጥ. 4:11) ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣብዚ ስርዓት እዚ ምሉእ ብምሉእ ኪፍታሕ ዘይክእል ጸገማት የጋጥሞም ይህሉ ይኸውን። እቲ “ሓለቓ ጓሳ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ግና፡ ካባኻ ንላዕሊ ኺሕግዞም ከም ዚኽእል ዘክር። ሎምን ኣብ ሓዳስ ዓለምን ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ንሽማግለታት፡ ንኣሕዋቶም ኬፍቅርዎም፡ ንኣሕዋቶም ኪጓስይዎም፡ “ኣርኣያ እውን ኪዀንዎም” ጥራይ እዩ ዚደሊ።
15. ሓደ ሽማግለ ነተን መጓሰ ዚጓሲ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
15 ንነዊሕ እዋን ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ዊልያም ዝስሙ ሓው፡ ኣገዳስነት ጕስነት ይርድኦ እዩ። ለበዳ ኮቪድ-19 ምስ ጀመረ፡ ንሱን ምስኡ ዘገልግሉ ሽማግለታትን ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ጐጕጅለኦም ዚርከብ ውልቀ ሰብ ኣብ ሰሰሙን ንምዝርራብ ወሰኑ። ከምኡ ዝገበሩሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ብዙሓት ኣሕዋትና በይኖም ኣብ ገዛኦም ተዓጽዮም ኪሓስቡ እዮም ዚውዕሉ ነይሮም። ሓሳቦም ከኣ ቀልጢፉ ናብ ኣሉታዊ ኺዘዙ ይኽእል እዩ” ይብል። ሓደ ክርስትያን ብጻይ ጸገማት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ዊልያም ነቲ ክርስትያን እቲ እንታይ ከም ዜድልዮን እንታይ ከም ዜተሓሳስቦን ንምፍላጥ፡ ጽን ኢሉ ይሰምዖ እዩ። ድሕሪኡ፡ ንዕኡ ዚሕግዞ ነገራት የናዲ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ኣብ ወብሳይትና ዚርከብ ቪድዮታት ሓጋዚ ዀይኑ ረኺብዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ትዕዝብቱ ኸምዚ ኢሉ ይገልጽ፦ “ጕስነት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ የድሊ ኣሎ። ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር ብዙሕ ንጽዕር ኢና፡ ነተን መጓሰ ንምጕሳይ እውን ተመሳሳሊ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና፣ በዚ ኸምዚ፡ ንኣባጊዕ የሆዋ ኣብ ሓቂ ጸኒዐን ኪመላለሳ ንሕግዘን።”
የሆዋ ንስልጠናኹም ኪፍጽሞ ፍቐዱሉ
16. ነቲ ኻብ መልእኽትታት ጴጥሮስ ዝረኸብናዮ ትምህርትታት ብኸመይ ክንትግብሮ ንኽእል፧
16 ካብተን ክልተ መልእኽትታት ጴጥሮስ ሒደት ትምህርትታት ጥራይ ኢና ርኢና። ምናልባት ከተመሓይሾ እትደሊ ነገራት ረኺብካ ትኸውን። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ በረኸት ብዝያዳ ኸተስተንትን ትደሊዶ፧ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ወይ ኣብ ካልእ ዘይወግዓዊ ዅነታት ንምምስካር ሸቶ ኣውጺእካዶ፧ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ብዝያዳ ሓያል ፍቕሪ እተርእየሉ መገድታት ረኺብካዶ፧ ኣቱም ሽማግለታትከ፡ ንኣባጊዕ የሆዋ ብፍታውን ብሃንቀውታን ንምጕሳይ ቈሪጽኩምዶ ኣለኹም፧ ብቕንዕና ገዛእ ርእስኻ እንተ መርሚርካ ድኽመታት ትረክብ ትኸውን። በዚ ግና ተስፋ ኣይትቝረጽ። ‘ጐይታ ለዋህ እዩ፡’ ምምሕያሽ ምእንቲ ኽትገብር ድማ ኪሕግዘካ እዩ። (1 ጴጥ. 2:3) ጴጥሮስ፡ “ኣምላኽ . . . ንስልጠናኹም ኪፍጽሞ እዩ። ኬጽንዓኩምን ኬበርትዓኩምን ኪስርተኩምን እዩ” ኢሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—1 ጴጥ. 5:10።
17. እንተ ጸኒዕና፡ ንየሆዋ እውን ኬሰልጥነና እንተ ፈቒድናሉ፡ ኣብ መወዳእታ እንታይ ኢና እንረክብ፧
17 ጴጥሮስ ኣብ ሓደ እዋን ዘይብቑዕ ኰይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ጥቓ ወዲ ኣምላኽ ምዃን ከቢድዎ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 5:8) የሆዋን የሱስን ፍቕራዊ ደገፍ ስለ ዝገበሩሉ ግና፡ ከም ሰዓቢ ክርስቶስ መጠን ጸኒዑ ተመላለሰ። ስለዚ ድማ፡ “ናብታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ መእተዊ” ተዋህቦ። (2 ጴጥ. 1:11) እዚ ዜደንቕ ዓስቢ እዩ! ከም ጴጥሮስ ብጽንዓት እንተ ተመላሊስካ፡ ንየሆዋ እውን ኬሰልጥነካ እንተ ፈቒድካሉ፡ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ ኢኻ። ‘መወዳእታ እምነትካ፡’ ማለት ድሕነትካ ኽትረክብ ኢኻ።—1 ጴጥ. 1:9።
መዝሙር 109 ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ
a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ ኻብ መልእኽትታት ጴጥሮስ ዚርከብ ትምህርቲ፡ ፈተናታት ንምጽዋር ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንርኢ ኢና። ሽማግለታት እውን፡ ነቲ ኸም ጓሶት መጠን ዘለዎም ሓላፍነት ብኸመይ ኪፍጽሙ ኸም ዚኽእሉ ሓገዝ ኪረኽቡ እዮም።
b ኣብ እስራኤል ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ነተን ክልተ መልእኽትታት ጴጥሮስ፡ እቲ ብ66 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም እተፈነወ መጥቃዕቲ ቕድሚ ምጅማሩ ተቐቢሎምወን ኪዀኑ ኣለዎም።
c ኣብ jw.org ነቲ ኽቡር ውህበት ሓድነት ዓቅቦ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።