ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ብኽፉት ኣእምሮ ኣጽንዕ

ብኽፉት ኣእምሮ ኣጽንዕ

ንመጽናዕቲ ኽትዳሎ ኸለኻ፡ ‘እንታይ ክምሃር እየ ትጽቢት ገይረ ዘለኹ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ትሓትት ትኸውን። እንተዀነ ግና፡ ትጽቢታትካ ነቲ የሆዋ ዚምህረካ ዘሎ ኸም ዘይተቕልበሉ ኸይገብረካ ተጠንቀቕ። ብኽፉት ኣእምሮ ኸተጽንዕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ጥበብ ኪውሃበካ ጸሊ። የሆዋ ሕጂ እንታይ ኪምህረካ ደልዩ ኸም ዘሎ ምእንቲ ኸተስተውዕል፡ ሓገዙ ለምን። (ያእ. 1:5) በቲ ቐደም እትፈልጦ ነገራት ጥራይ ኣይትዕገብ።—ምሳ. 3:5, 6

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ፍሉይ ሓይሊ ኣኽብሮት ይሃሉኻ። “ቃል ኣምላኽ ህያው . . . እዩ።” (እብ. 4:12) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እነንብበሉ እዋን፡ እቲ “ህያው” ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዚጸልወና፣ ከምዚ ዚኸውን ግና ነቲ ኸነንብብ ከለና እንረኽቦ ትምህርቲ ብኽፉት ኣእምሮ እንተ ተቐቢልናዮ ጥራይ እዩ።

ኣብ መኣዲ የሆዋ ዚቐርብ ንዘበለ ዅሉ ኣማስወሉ። የሆዋ ዜዳልወልና መንፈሳዊ ምግቢ፡ “ኣንጕዕ ብዝመልኦ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ” እዩ። (ኢሳ. 25:6) ነቲ ዘይትፈትዎ ዚመስለካ ምግቢ እውን ከይተረፈ፡ ከይጥዓምካ ኣይትሕደጎ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ካብቲ የሆዋ ዘዳለዎ ምግቢ ኽትጥቀም ጥራይ ዘይኰነስ ብሓቂ እውን ክትሕጐስ ኢኻ።