ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 38

መዝሙር 25 ፍሉይ ጥሪት

ነቲ መጠንቀቕታ ተቕልበሉዶ ኣለኻ፧

ነቲ መጠንቀቕታ ተቕልበሉዶ ኣለኻ፧

“እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ።”ማቴ. 24:40

ኣትኵሮ

ሕጂ ንሰለስተ ኻብ ምሳሌታት የሱስ ክንርኢ ኢና። እዘን ምሳሌታት እዚአን ምስቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዚህሉ እዋን ፍርዲ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዛ ኸኣ ክንምርምር ኢና።

1. ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ ፍርዲ እዩ ኺፍጸም፧

 ዓበይቲ ለውጥታት ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን ኢና እንነብር ዘለና! ኣብ ቀረባ ግዜ የሱስ ንዅሉ ሰብ ኪፈርድ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ትንቢታዊ “ምልክት” ናይቲ ብዘይርአ መገዲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን “መደምደምታ እቲ ስርዓትን” ብምሃብ፡ እቲ ናብ ፍርዲ ዚመርሕ ግዜ እንታይ ከም ዚመስል ገሊጹሎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:3) እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን 25ን፡ ከምኡ እውን ኣብ ማርቆስ ምዕራፍ 13ን ሉቃስ ምዕራፍ 21ን ተመዝጊቡ ንረኽቦ።

2. ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵር፧ እዚኸ ብኸመይ ይሕግዘና፧

2 የሱስ ብሰለስተ ምሳሌታት ኣቢሉ ሓጋዚ መጠንቀቕታ ሃበ። እዚአን ከኣ፡ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን እተን ኣጣልን፡ ምሳሌ እተን ለባማት ደናግልን እተን ዓያሹ ደናግልን፡ ምሳሌ እተን ታለንትን እየን። ኣብ ኵለን እተን ምሳሌታት ከኣ፡ ናይ ሓደ ሰብ ባህርይ ነቲ ዚፍረደሉ መገዲ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኽንርዳእ ይሕግዘና። ነዘን ምሳሌታት ክንምርምር ከለና፡ ነቲ ኻባታተን እንምሃሮ ትምህርትን ብኸመይ ክንትግብሮ ኸም እንኽእልን ነስተብህል። እታ ብቐዳምነት እንምርምራ ምሳሌ እምበኣር፡ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን እተን ኣጣልን እያ።

እተን ኣባጊዕን እተን ኣጣልን

3. የሱስ ንሰባት ዚፈርዶም መዓስ እዩ፧

3 የሱስ ኣብ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን እተን ኣጣልን፡ ብዛዕባ ፍርዲ እቶም ነቲ ብስራት ኪቕበሉን ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ ኺድግፉን ኣጋጣሚ እተዋህቦም ሰባት ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 25:31-46) ኣብ እዋን “ብርቱዕ ጸበባ፡” ቀቅድሚ ኣርማጌዶን ከኣ ፍርዱ ኺህብ እዩ። (ማቴ. 24:21) ከምቲ ጓሳ ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዚፈላልየን፡ የሱስ እውን ነቶም ንቕቡኣት ሰዓብቱ ዚድግፍዎም ካብቶም ካልኦት ኪፈልዮም እዩ።

4. ብመሰረት ኢሳይያስ 11:3, 4፡ የሱስ ንዅሎም ሰባት ብፍትሒ ኸም ዚፈርዶም ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

4 የሱስ ብየሆዋ እተሸመ ፈራዲ ስለ ዝዀነ፡ ብጽድቂ ኸም ዚፈርድ መጽሓፍ ቅዱስ ይንበ እዩ። (ኢሳይያስ 11:3, 4 ኣንብብ።) የሱስ ንኣካይዳን ንኣመለኻኽታን ንዘረባን ሰባት ከምኡ እውን ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ ብኸመይ ከም ዚሕዝዎም ይዕዘብ እዩ። (ማቴ. 12:36, 37፣ 25:40) ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱን ንዕዮኦምን መን ከም ዝደገፈ እውን ይፈልጥ እዩ። a ሓደ ኻብቲ እቶም ብኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት ንኣሕዋት ክርስቶስ ደገፎም ዜርእዩሉ ኣገዳሲ መዳይ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምሕጋዝ እዩ። እቶም ነዚ ደገፍ እዚ ዚህቡ ኸኣ “ጻድቃን” ተባሂሎም ኪፍረዱን ኣብ ምድሪ ‘ንዘለኣለም ብህይወት’ ናይ ምንባር ተስፋ ኺውሃቦምን እዩ። (ማቴ. 25:46፣ ራእ. 7:16, 17) ነቶም ተኣማንነቶም ዚሕልዉ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ዓስቢ ዀን እዩ ተዳልዩሎም ዘሎ! ኣብ እዋን ብርቱዕ ጸበባን ድሕሪኡን እሙናት ብምዃን፡ ስሞም “ኣብ መጽሓፍ ህይወት” ኪዕቅቡ ይኽእሉ እዮም።—ራእ. 20:15

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሱስ ንሰባት ከም ኣባጊዕ ወይ ከም ኣጣል ምዃኖም ኪፈርድ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)


5. ካብ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን እተን ኣጣልን እንታይ ንምሃር፧ ካብኡ ዚምሃሩኸ መን እዮም፧

5 እሙን ኩን። እታ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕን እተን ኣጣልን እትገልጽ ምሳሌ የሱስ፡ ብቐዳምነት ኣብቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እያ እተተኵር። እዞም ሰባት እዚኦም ንኣሕዋት ክርስቶስ ኣብ ዕዮ ስብከት ብምሕጋዝ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመሪሕነት እቶም የሱስ ዝሓረዮም ንእሽቶ ጕጅለ ብተኣማንነት ብምቕባል እውን እምነቶም የርእዩ እዮም። (ማቴ. 24:45) ነቲ ኣብዛ ምሳሌ ተዋሂቡ ዘሎ መጠንቀቕታ፡ እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም እውን ኬቕልቡሉ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሱስ ንኣካይዳኦምን ንኣመለኻኽታኦምን ንዘረባኦምን የስተብህለሉ እዩ። ንሳቶም እውን እሙናት ኪዀኑ ኣለዎም። የሱስ፡ ነቶም ቅቡኣት ዚምልከት ዝርዝር መጠንቀቕታ ዝሓዛ ኽልተ ምሳሌታት ሂቡ እዩ። እዘን ምሳሌታት እዚአን ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 25 ይርከባ። ቀጺልና እምበኣር ንምሳሌ እተን ለባማት ደናግልን እተን ዓያሹ ደናግልን ንመርምር።

እተን ለባማት ደናግልን እተን ዓያሹ ደናግልን

6. ሓሙሽተ ኻብተን ደናግል ለባማት ምዃነን ዘርኣያ ብኸመይ እየን፧ (ማቴዎስ 25:6-10)

6 የሱስ ኣብ ምሳሌ እተን ደናግል፡ መርዓዊ ኪቕበላ ብዛዕባ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ተዛሪቡ ኣሎ። (ማቴ. 25:1-4) ኵላተን እተን ደናግል ነቲ መርዓዊ ናብቲ መርዓ ኼሰንያኦ እየን መጺአን። የሱስ ካባታተን እተን ሓሙሽተ “ለባማት፡” እተን ሓሙሽተ ኸኣ “ዓያሹ” ኢሉ ገሊጽወን ኣሎ። እተን ለባማት ደናግል፡ ድሉዋትን ንቑሓትን እየን ነይረን። እቲ መርዓዊ ኽሳዕ ለይቲ እንተ ደንጐየ እኳ፡ ኪጽበያኦ ድሉዋት እየን ነይረን። ስለዚ ኸኣ ኣብቲ ጸልማት ኬብርሃሉ ቐንዴል ተማልኣ። እቲ መርዓዊ ምናልባት እንተ ደንጐየ ዝዀነን ተወሳኺ ዘይቲ እውን ተማልኣ። ቀንዴለን ብቐጻሊ ንምብራህ ድሉዋት እየን ነይረን። (ማቴዎስ 25:6-10 ኣንብብ።) እቲ መርዓዊ ምስ መጸ ኸኣ፡ ምስኡ ናብቲ መርዓ ኣተዋ። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ክሳዕ ምጽኣት ክርስቶስ ንቑሓትን እሙናትን ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ምስቲ መርዓዊ፡ ማለት ምስ የሱስ ናብ ሰማያዊ መንግስቱ ኺኣትዉ ኺፍቀደሎም እዩ። b (ራእ. 7:1-3) እተን ሓሙሽተ ዓያሹ ደናግልከ፧

7. ነተን ሓሙሽተ ዓያሹ ደናግል እንታይ እዩ ኣጋጢምወን፧ ስለምንታይከ፧

7 እቲ መርዓዊ ምስ መጸ፡ እተን ሓሙሽተ ዓያሹ ደናግል ከምተን ለባማት ደናግል ድሉዋት ኣይነበራን። ቀንዴለን ኪጠፍእ ቀሪቡ ነበረ፡ ተወሳኺ ዘይቲ እውን ኣይተማልኣን። እቲ መርዓዊ ይመጽእ ከም ዘሎ ምስ ሰምዓ ኸኣ ዘይቲ ኺገዝኣ ኸዳ። እቲ መርዓዊ መጸ፡ ንሳተን ግና ገና ኣይተመልሳን። ሽዑ፡ “እተን ድሉዋት ዝነበራ . . . ምስኡ ናብቲ መርዓ ኣተዋ፣ ማዕጾ ድማ ተዓጽወ።” (ማቴ. 25:10) ድሕሪኡ፡ እተን ዓያሹ ደናግል ምስ መጻ፡ ኪኣትዋ ደለያ፡ እቲ መርዓዊ ግና፡ “ኣይፈልጠክንን እየ” በለን። (ማቴ. 25:11, 12) እተን ደናግል ነቲ መርዓዊ ንነዊሕ እዋን ኪጽበያኦ ድሉዋት ኣይነበራን። እዚ ነቶም ቅቡኣት እንታይ ትምህርቲ የመሓላልፈሎም፧

8-9. ቅቡኣት ካብ ምሳሌ እተን ደናግል እንታይ ይምሃሩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

8 ድሉውን ንቑሕን ኩን። የሱስ ክልተ ኽፍሊ ናይ ቅቡኣት፡ ማለት እቶም ሓደ ኽፍሊ ኽሳዕ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኺጽበዩ ድሉዋት ዝዀኑ፡ እቶም ሓደ ኽፍሊ ግና ድሉዋት ዘይኰኑ ኸም ዚህልዉ ኣይኰነን ዚንበ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ቅቡኣት ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ኰይኖም ኪጻወሩ ድሉዋት እንተ ዘይኰይኖም እንታይ ከም ዜጋጥሞም እዩ ዜረድእ ነይሩ። ድሉዋት እንተ ዘይኰይኖም፡ ዓስቦም ኣይኪቕበሉን እዮም። (ዮሃ. 14:3, 4) ክሳዕ ክንደይ ዜጕሂ ዀን እዩ! ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ፡ ነቲ ኻብ ምሳሌ እተን ደናግል እንረኽቦ መጠንቀቕታ ኸነቕልበሉ ይግባእ። ኵላትና ኽሳዕ መወዳእታ ምእንቲ ኽንጻወር ንቑሓትን ድሉዋትን ክንከውን ይግባእ።—ማቴ. 24:13

9 የሱስ፡ ድሉውን ንቑሕን ምዃን ዘለዎ ኣድላይነት ብምሳሌ እተን ደናግል ገይሩ ምስ ኣጕልሐ፡ ቀጺሉ ምሳሌ እተን ታለንት ኣዘንተወ። እታ ምሳሌ ድማ፡ ትግሃት ዘለዎ ኣገዳስነት ተጕልሕ።

ነቲ ብምሳሌ እተን ደናግል ኣቢሉ እተዋህበና መጠንቀቕታ ኣርዚንና ብምርኣይ፡ ክሳዕ መወዳእታ ንምጽዋር ድሉዋትን ንቑሓትን ንኹን (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)


እተን ታለንት

10. እቶም ክልተ ባሮት፡ እሙናት ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ማቴዎስ 25:19-23)

10 የሱስ ኣብ ምሳሌ እተን ታለንት፡ ንጐይታኦም እሙናት ብዛዕባ ዝዀኑ ኽልተ ባሮትን እሙን ብዛዕባ ዘይኰነ ሓደ ባርያን ኣዘንተወ። (ማቴ. 25:14-18) እቶም ክልተ ባሮት፡ ንረብሓ ጐይታኦም ኣበርቲዖም ብምዕያይ እሙናት ምዃኖም ኣርእዮም እዮም። ጐይታኦም ቅድሚ ምጋሹ፡ ብብዙሕ ገንዘብ ዚትመን ታለንት ብሕድሪ ሃቦም። እቶም ክልተ እሙናት ባሮት ትጉሃት እዮም ነይሮም፣ ነቲ ገንዘብ ከኣ ብጥበብ ተጠቕሙሉ። እንታይ ውጽኢትከ ረኸቡ፧ ጐይታኦም ምስ ተመልሰ፡ ዕጽፊ እቲ ዝሃቦም ኣኪቦም ጸንሕዎ። ጐይታኦም በዚ ስለ እተሓጐሰ ነኣዶም፡ ንነፍሲ ወከፎም እውን “ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” እናበለ ተቐበሎም። (ማቴዎስ 25:19-23 ኣንብብ።) እቲ ሳልሳይ ባርያኸ፡ ነቲ ጐይታኡ ዝሃቦ ገንዘብ እንታይ ገበሮ፧

11. እቲ “ሃካይ” ባርያ እንታይ ኰነ፧ ስለምንታይከ፧

11 እቲ ሳልሳይ ባርያ ሓደ ታለንት ተቐበለ፡ ግናኸ “ሃካይ” እዩ ነይሩ። ነቲ እተዋህቦ ታለንት ብጥበብ ኪጥቀመሉ እዩ ጐይታኡ ዚጽበዮ ነይሩ። ንሱ ግና ተቐቢሉ ኣብ ምድሪ ሓብኦ። ጐይታኡ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ዋላ ሓንቲ ተወሳኺ ኺህቦ ኣይከኣለን። እቲ ባርያ ጽቡቕ ኣመለኻኽታ ኣይነበሮን። ንረብሓ ጐይታኡ ብዘይምዕያዩ ይቕረታ ኣብ ክንዲ ዚሓትት፡ ተመሊሱ ንጐይታኡ “ተጸባጻቢ ሰብ” ኢሉ ጸውዖ። ጐይታኡ ብእኡ ኣይተሓጐሰን። ስለዚ፡ እታ ተዋሂባቶ ዝነበረት ታለንት ኣግደፍዎ፡ ካብ ቤት ጐይታኡ እውን ኣውጽእዎ።—ማቴ. 25:24, 26-30

12. እቶም ክልተ እሙናት ባሮት ሎሚ ንመን የመልክቱ፧

12 እቶም ክልተ እሙናት ባሮት፡ ነቶም እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት የመልክቱ። እቲ ጐይታ፡ ማለት የሱስ ከኣ፡ ‘ናብ ሓጐስ ጐይታኦም ኪኣትዉ’ ይዕድሞም። ናብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ብምትንሳእ ከኣ ሰማያዊ ዓስቦም ይቕበሉ። (ማቴ. 25:21, 23፣ ራእ. 20:5ለ) በቲ ኻልእ ወገን ከኣ እቶም ቅቡኣት ንመጠንቀቕታ ዚኸውን መለበሚ ኻብቲ ሃካይ ባርያ ይምሃሩ እዮም። ብኸመይ፧

13-14. እቶም ቅቡኣት ካብ ምሳሌ እተን ታለንት እንታይ ይምሃሩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ትጉህ ኩን። ልክዕ ከምቲ ኣብ ምሳሌ እተን ደናግል ዝረኣናዮ፡ ኣብ ምሳሌ እተን ታለንት እውን እቶም ቅቡኣት ህኩያት ከም ዚዀኑ ኣይኰነን የሱስ ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ ቅንኣቶም እንተ ኣጥፊኦም እንታይ ከም ዜጋጥሞም እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ህኩያት እንተ ዀይኖም ‘ንጽውዓኦምን ንሕርያኦምን ኪሕዙ’ ኣይክእሉን እዮም፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኺኣትዉ እውን ኣይኪፍቀደሎምን እዩ።—2 ጴጥ. 1:10

14 የሱስ ኣብ ምሳሌ እተን ደናግልን ምሳሌ እተን ታለንትን፡ ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ድሉዋትን ንቑሓትን ትጉሃትን ኪዀኑ ኸም ዚግባእ ኣነጺሩ ኣሎ። እሞኸ ነቶም ቅቡኣት ዚኸውን ካልእ መጠንቀቕታ የሱስ ሂቡ ድዩ፧ እወ ሂቡ እዩ። እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:40, 41 ዝሃቦ ሓሳብ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ እቶም ቅቡኣት ዚገልጽ እዩ።

የሱስ ትግሃት እቶም ቅቡኣት ኪርኢ ይደሊ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ) d


መን እዩ “ኺውሰድ”፧

15-16. ማቴዎስ 24:40, 41፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ብንቕሓት ኪከታተሉ ኸም ዘለዎም እተጕልሕ ብኸመይ እያ፧

15 የሱስ ነዘን ሰለስተ ምሳሌታት ቅድሚ ምዝንታዉ፡ ካብቶም ቅቡኣት መን ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ዚሕብር ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኸመይ ከም ዚመስል ገለጸ። ኣብ ግራት ብዛዕባ ዚዓይዩ ኽልተ ሰብኡትን ኣብ መጥሓን ብዛዕባ ዚጥሕና ኽልተ ኣንስትን ተዛረበ። ኣብ ክልቲኡ፡ እቶም ሰባት ሓደ ዓይነት ስራሕ እዮም ዚሰርሑ ነይሮም፣ ግናኸ “እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ” ምዃኑ የሱስ ሓበረ። (ማቴዎስ 24:40, 41 ኣንብብ።) ድሕሪኡ ኸኣ ንሰዓብቱ፡ “ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ” ብምባል ኣጠንቀቖም። (ማቴ. 24:42) የሱስ፡ ምሳሌ እተን ደናግል ምስ ኣዘንተወ እውን ተመሳሳሊ ነገር ተዛረበ። (ማቴ. 25:13) እዚ ሓሳባት እዚ ንሓድሕዱ እተተሓሓዘ ድዩ፧ ከምኡ እዩ ዚመስል። እቶም ናይ ሓቂ እሙናት ቅቡኣት ጥራይ እዮም ብየሱስ ናብ ሰማያዊ መንግስቲ ‘ዚውሰዱ።’—ዮሃ. 14:3

16 ብንቕሓት ተኸታተል። ብመንፈሳዊ ንቑሓት ዘይኰኑ ቕቡኣት ምስቶም “ሕሩያት” ኣይኪእከቡን እዮም። (ማቴ. 24:31) ብሓፈሻ፡ ኵላቶም ህዝቢ ኣምላኽ ተስፋኦም ብዘየገድስ ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ተቐቢሎም፡ ብንቕሓት ኪከታተሉን እሙናት ኪዀኑን ይግባእ።

17. የሆዋ ንገሊኦም መዓስ ብመንፈስ ቅዱሱ ኸም ዚቐብኦም ኬተሓሳስበና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

17 ንየሆዋ ጽቡቕ ጌርና ስለ እንፈልጦ፡ ንኣምኖ ኢና። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ እሙናት ሰባት ኪቐብእ እንተ መረጸ ኼተሓሳስበና የብሉን። c ኣብቲ የሱስ ዘዘንተዎ ምሳሌ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መበል 11 ሰዓት እተቘጽሩ ሰብ ውዕለት እንታይ ከም ዝበለ ንዝክሮ ኢና። (ማቴ. 20:1-16) እቶም ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዓይዩ እተጸውዑ ሰብ ውዕለት፡ ማዕረ እቶም ኣቐዲሞም ኣብኡ ዚዓይዩ ዝነበሩ እዮም ውዕለቶም ተቐቢሎም። ከምኡ ድማ፡ እቶም ቅቡኣት መዓስ ይተሓረዩ ብዘየገድስ፡ እሙናት እንተ ዀይኖም ሰማያዊ ዓስቦም ኪቕበሉ እዮም።

ነቲ መጠንቀቕታ ኣቕልበሉ

18-19. እንታይ ትምህርትታትን መጠንቀቕታታትን ኢና ርኢና፧

18 እንታይ ኢና ተማሂርና፧ እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም፡ ሕጂ ይኹን ኣብ እዋን ብርቱዕ ጸበባ ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ኣብ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን እተን ኣጣልን ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ኸኣ የሱስ ነቶም እሙናት ዝዀኑ “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪኸዱ ብቑዓት ከም ዝዀኑ ገይሩ ኺፈርዶም እዩ።—ማቴ. 25:46

19 ንቕቡኣት ዚምልከት መጠንቀቕታ ዝሓዘ ኽልተ ምሳሌታት እውን ርኢና ኢና። ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እተን ለባማት ደናግልን እተን ዓያሹ ደናግልን፡ ሓሙሽተ ኻባታተን ጥበበኛታት እየን ነይረን። ነቲ መርዓዊ ኽሳዕ ዚመጽእ ኪጽበያኦ ድሉዋትን ንቑሓትን እየን ነይረን። እተን ዓያሹ ደናግል ግና ድሉዋት ኣይነበራን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ መርዓዊ ናብቲ መርዓ ኺኣትዋ ኣይፈቐደለንን። ንሕና እውን የሱስ ነዚ ስርዓት እዚ መወዳእታ ኽሳዕ ዚገብረሉ ንምጽባይ ድሉዋት ክንከውን ይግብኣና። ብተወሳኺ፡ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እተን ታለንት፡ ትጉሃት ዝዀኑ ኽልተ እሙናት ባሮት ርኢና ኔርና። ንሳቶም ምእንቲ ጐይታኦም ኣበርቲዖም ዓይዮምን ብጐይታኦም ተናኢዶምን እዮም። እቲ ሃካይ ባርያ ግና ተሰጕጐ። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ክሳዕ መወዳእታ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ንኹን። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ቅቡኣት ዘበሉ ብየሱስ ናብ ሰማያዊ ዓስቦም ምእንቲ ‘ኺውሰዱ’ ብንቕሓት ኪከታተሉ ኸም ዘለዎም ርኢና። እዞም ቅቡኣት እዚኦም ናብ የሱስ ኣብ ሰማይ ‘ዚእከቡሉ እዋን’ ሃረር ኢሎም ይጽበዩ ኣለዉ። ድሕሪ ውግእ ኣርማጌዶን ከኣ ኣብ መርዓ እቲ ገንሸል፡ መርዓት የሱስ ኪዀኑ እዮም።—2 ተሰ. 2:1፣ ራእ. 19:9

20. የሆዋ ነቶም ንመጠንቀቕታኡ ዜቕልቡሉ እንታይ ኪገብረሎም እዩ፧

20 እቲ ፍርዲ ይቐርብ እኳ እንተሎ፡ እንፈርሃሉ ምኽንያት ግና የብልናን። እሙናት እንተ ዄንና፡ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ‘ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ምእንቲ ኽንቀውም ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ’ ኺህበና እዩ። (2 ቈረ. 4:7፣ ሉቃ. 21:36) ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ፡ ነቲ ኣብ ምሳሌታት የሱስ ዘሎ መጠንቀቕታ እንተ ኣቕሊብናሉ፡ ንሰማያዊ ኣቦና ኸነሐጕሶ ኢና። ብጸጋ የሆዋ፡ ስምና “ኣብታ መጽሓፍ [ህይወት] ተጻሒፉ” ኺርከብ እዩ።—ዳን. 12:1፣ ራእ. 3:5

መዝሙር 26 ዝገበርኩምሎም’ዩ ዝገበርኩምለይ

a ኣብ ናይ ግንቦት 2024 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ ፍርድታት የሆዋ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “‘ክትነቅሕ’ ዲኻ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ቕብእቲ ሓብቲ ንሓንቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸበታ መንእሰይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓላ።