ታሪኽ ህይወት
ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍክዎ ዜዕግብ ህይወት
ብ1951፡ ናብታ ኣብ ካናዳ፡ ኣብ ኣውራጃ ኲበክ እትርከብ፡ ሩወን እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ በጻሕኩ። በቲ እተዋህበኒ ኣድራሻ መሰረት ከኣ ኣብ ሓደ ማዕጾ ዃሕኳሕኩ። ማርሰል ፊልቶ a ዚብሃል ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠነ ሚስዮናዊ ድማ ማዕጾ ኸፈተለይ። ንሱ ነዊሕ፡ ወዲ 23 ዓመት፡ ኣነ ኸኣ ሓጺር፡ ወዲ 16 ዓመት እየ ነይረ። ነታ ኸም ፈላሚ እተዋህበኒ ምድብ እትገልጽ ደብዳበ ኸኣ ኣርኣኽዎ። ንሱ ድማ ነታ ደብዳበ ድሕሪ ምንባቡ ጠመተኒ እሞ፡ “ናብዚ ኸም ዝመጻእካ ኣዴኻ ትፈልጥ ድያ፧” ኢሉ ሓተተኒ።
ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ዓበኹ
ብ1934፡ ቲምንስ ኣብ እትብሃል፡ ኣብ ኦንታርዮ፡ ካናዳ ኣብ እትርከብ ከተማ ዕደና እየ ተወሊደ። ወለደይ ካብ ስዊዘርላንድ ዝመጹ ስደተኛታት እዮም ነይሮም። ኣብ ከባቢ 1939 ከኣ ኣደይ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸተንብብን ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትእከብን ጀመረት። ንዓይን ንሽዱሽተ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ድማ ምስኣ ትወስደና ነበረት። ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት።
ኣቦይ ብውሳነ ናይ ኣደይ ኣይተሓጐሰን፡ ኣደይ ግና ሓቂ ትፈቱ ስለ ዝነበረት፡ እምንቲ ዀይና ኽትቅጽል ቈሪጻ እያ ነይራ። ኣብ መጀመርታ 1940ታት፡ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ካናዳ ኣብ እተኣገደሉ እዋን እውን ከይተረፈ ኸምኡ ምግባር ቀጺላ እያ። ኣቦይ ንኣደይ ብቓላቱ ይሃስያ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳ ግና ብሕያውነትን ብኣኽብሮትን ትሕዞ ነበረት። እቲ ጽቡቕ ምሳሌኣ ኸኣ ኣነን ኣሕዋተይን ሓቂ ኽንቅበል ሓጊዙና እዩ። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ድሕሪ ግዜ፡ ኣቦይ ኣረኣእያኡ ብምዕራይ ንስድራ ቤትና ብሓልዮት ኪከናኸን ጀመረ።
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ
ኣብ ነሓሰ 1950፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ፡ “ቲኦክራስያዊ ወሰኽ” ዘርእስቱ ኣኼባ ተኣከብኩ። ካብ መላእ ዓለም ምስ ዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ምስ ተራኸብኩን መሳጢ ቓለ መጠይቓት እቶም ተመረቕቲ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምስ ሰማዕኩን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ኽገብር ተለዓዓልኩ። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክካፈል ድማ ወሰንኩ። ናብ ቤት ምስ ተመለስኩ፡ ሽዑሽዑ ፈላሚ ክኸውን ኣመልከትኩ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካናዳ ግና ፈለማ ኽጥመቕ ከም ዘሎኒ ብጽሑፍ ሓሳብ ኣቕረበለይ። ብ1 ጥቅምቲ 1950 ከኣ ተጠመቕኩ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ ፈላሚ ብምዃን ናብታ ካፐስኬሲንግ እትብሃል ናይ መጀመርታ ምድበይ ከድኩ። እታ ኸተማ እቲኣ ኻብቲ ሽዑ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ቦታ ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ርሒቓ እተርከብ እያ ነይራ።
ኣብ 1951፡ ፈረንሳይኛ ኺዛረቡ ዚኽእሉ ኣስፋሕቲ ናብታ ኣብ ካናዳ እትርከብ ፈረንሳይኛ ዚዝረበላ ኣውራጃ ኲበክ
ኪግዕዙ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሓሳብ ኣቕረበ። ኣብቲ ቦታ እቲ ዝያዳ ዓየይቲ የድልዩ ነበሩ። ፈረንሳይኛን እንግሊዝኛን እናተዛረብኩ ስለ ዝዓበኹ፡ ነቲ ጻውዒት ተቐበልክዎ፡ ናብ ሩወን ከኣ ተመደብኩ። ኣብኡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዘዘንተኽዎ ኣድራሻ ጥራይ እዩ ነይሩኒ። ኵሉ ነገር ግና ጽቡቕ እዩ ዀይኑለይ። ምስ ማርሰል ኣዕሩኽ ኰንና፡ ኣብ ኲበክ ከኣ ንኣርባዕተ ዓመት ኣገልገልኩ፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ፍሉይ ፈላሚ ዀንኩ፣ ዜሐጕስ ግዜ እየ ኣሕሊፈ።ጊልዓድን እተናውሐ ትጽቢትን
ኣብ ኲበክ ከለኹ፡ ኣብ ሳውዝ ላንሲንግ፡ ኒው ዮርክ ኣብ እተገብረ መበል 26 ክፍሊ ጊልዓድ ክምሃር ምስ ተዓደምኩ፡ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ብ12 ለካቲት 1956 ከኣ ተመረቕኩ፡ ናብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ፡ ሕጂ ጋና b እትብሃል ሃገር ከኣ ተመደብኩ። ናብኡ ቕድሚ ምኻደይ ግና፡ ሰነዳት ጕዕዞ ኽሳዕ ዚዳሎ “ንሒደት ሰሙናት” ናብ ካናዳ ኽምለስ ነበረኒ።
ኣብ ቶሮንቶ ግና ነቲ ሰነዳት እናተጸበኹ ሸውዓተ ወርሒ ገበርኩ። እዚ ዅሉ እዋን፡ ኣብ ቤት እንዳ ክሪፕስ እየ ተቐሚጠ ነይረ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ምስ ጓሎም ሺላ ተላለናን ተፋቐርናን። ንመርዓ ኽሓትታ እናበልኩ ኸለኹ፡ ቪዛይ መጸ። ኣነን ሺላን ነዚ ብጸሎት ሓሰብናሉ፡ ናብ ምድበይ ክኸይድ ከኣ ወሰንና። ኣብ መጻኢ ኽንመራዖ ንኽእል እንተ ዄንና ንምውሳን ድማ፡ ደብዳበ ምጽሕሓፍ ክንቅጽል ተሰማማዕና። እቲ ውሳነ ቐሊል ኣይነበረን፣ ደሓር ከም ዝረኣናዮ ግና ቅኑዕ ውሳነ ኢና ጌርና።
ንወርሒ፡ ብባቡርን ብናይ ጽዕነት መርከብን ብነፋሪትን ምስ ተጓዓዝኩ፡ ኣብ ኣክራ፡ ጋና በጻሕኩ። ኣብኡ ሓላው ኣውራጃ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ። እዚ ምድብ እዚ፡ ናብ ኵሉ ኽፋላት ጋናን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ኣይቮሪ ኮስትን (ሕጂ ኮት ዲቭዋር) ቶጎላንድን (ሕጂ ቶጎ) ምጕዓዝ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብናይ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ማኪና በይነይ እየ ዝጕዓዝ ነይረ። ኣዝየ ኸኣ እፈትዎ ነበርኩ።
ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ኣብ ኣኼባ ወረዳታት ዕዮ ይውሃበኒ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ ኣይነበረናን። ስለዚ፡ እቶም ኣሕዋት ካብቲ ብርቱዕ ጸሓይ መጽለሊ ምእንቲ
ኪኸውን፡ ኣርቃይ ከም ኣዕኑድ ድሕሪ ምትካል፡ ብጨናፍር ስየ ገይሮም ዳስ ይሰርሑ ነበሩ። ንምግቢ ንምዕቃብ ዚኸውን መዝሓሊታት ስለ ዘይነበረ ኸኣ፡ እንስሳታት ብህይወቶም ከለዉ ኣብ ቀረባ የጽንሕዎም እሞ፡ ንተኣከብቲ ምግቢ ምስ ኣድለየ ኸኣ ይሓርድዎም ነበሩ።ኣብቲ ዓበይቲ ኣኼባታት ዜገርም ተመክሮታት የጋጥም ነበረ። ሓደ እዋን፡ ሀርብ ጀኒንግስ c ዚብሃል ሚስዮናዊ መደረ እናሃበ ኸሎ፡ ሓደ ዝራብዕ ካብቲ መመገቢ ቦታ ኣምለጠ። ብመንጎ እቲ መድረኽን እቶም ተኣከብትን ጐየየ። ሀርብ መደረኡ ደው ኣበለ፡ እቲ ዝራብዕ ከኣ ናብ ዜብሎ ጠፍኦ። ኣርባዕተ ድልዱላት ኣሕዋት ግና ሒዞም፡ ናብቲ መመገቢ ቦታ መለስዎ፡ እቶም ተኣከብቲ ኸኣ ኣጣቕዑሎም።
ኣብ መንጎ ሰሙን፡ ኣብተን ኣብ ቀረባ ዚርከባ ኣቝሻት እናኸድኩ ነታ ዘ ኒው ዎርልድ ሶሳይቲ ኢን ኣክሽን ዘርእስታ ፊልም አርኢ ነበርኩ። ከምዚ ንምግባር፡ ጻዕዳ ዓለባ ኣብ ክልተ ዓንዲ ወይ ኣብ ክልተ ገረብ ዘርጊሐ ነቲ ፊልም ኣብኡ አርኢ ነበርኩ። እቶም ነበርቲ ኣቝሻት ነዚ ይፈትውዎ ነበሩ። መብዛሕትኦም ንፈለማ ግዜ እዮም ፊልም ዚርእዩ ነይሮም። ሰባት ኪጥመቑ ዜርኢ ትርኢት ኪርእዩ ኸለዉ፡ የጣቕዑ ነበሩ። እታ ፊልም እቲኣ፡ ነቶም ዝረኣይዋ ዘበሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ብሓድነት ዚመላለሱ ምዃኖም ኪርድኡ ሓጊዛቶም እያ።
ኣብ ኣፍሪቃ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ዚኸውን ምስ ጸናሕኩ፡ ኣብቲ ብ1958 ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተኣከብኩ። ንሺላ ምስ ረኸብኩዋ ኸኣ፡ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ንሳ ኣብ ኲበክ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና እያ ተገልግል ነይራ። ደብዳበ ንጸሓሓፍ ኔርና ኢና፡ ሽዑ ብኣካል ምስ ረኸብክዋ ግና ክትምርዓወኒ ሓተትክዋ፡ ንሳ እውን ንሕቶይ ተቐበለቶ። ናብ ሓውና ኖር d ደብዳበ ጽሒፈ ኸኣ፡ ሺላ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክትምሃር እሞ ምሳይ ኣብ ኣፍሪቃ ኸተገልግል ዚከኣል እንተ ዀይኑ ሕቶ ኣቕረብኩሉ። ንሱ እውን በዚ ተሰማምዐ። ኣብ መወዳእታ፡ ሺላ ናብ ጋና መጸት። ብ3 ጥቅምቲ 1959 ከኣ ኣብ ኣክራ ተመራዓውና። ኣብ ህይወትና ንየሆዋ ቐዳምነት ስለ ዝሃብና ኸኣ፡ በረኸቱ ዝረኸብና ዀይኑ ተሰምዓና።
ኣብ ካመሩን ብሓባር ኣገልገልና
ብ1961 ናብ ካመሩን ተመደብና። ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ምምስራት ክሕግዝ ስለ እተመደብኩ፡ ብስራሕ
ትሑዝ እየ ነይረ። ሓድሽ ኣገልጋሊ ጨንፈር ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ ዝምሃሮ ነገር ነበረኒ። ድሕሪኡ፡ ብ1965 ሺላ ጥንስቲ ምዃና ፈለጥና። ከም ሓቂ፡ እቲ ወለዲ ምዃን ዚብል ሓሳብ ንምልማዱ ግዜ ወሲዱለይ እዩ። ነዚ ሓድሽ ሓላፍነት ክንህንጠየሉን መደባት ከነውጽእን ምስ ጀመርና ግና፡ ዜሕዝን ነገር ኣጓነፈና።እቲ ሺላ ሒዛቶ ዝነበረት ጥንሲ ኸደ። ሓኪም ከም ዝሓበረና ኸኣ እቲ ዘይተወልደ ሕጻን፡ ወዲ እዩ ነይሩ። እዚ ቕድሚ 50 ዓመት ዘጋጠመ እኳ እንተ ዀነ፡ ክሳዕ ሎሚ ኣይረሳዕናዮን። በዚ ኣዚና እኳ እንተ ሓዘንና፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር፡ ኣብቲ እንፈትዎ ዕዮ ቐጸልና።
ኣብ ካመሩን፡ ክርስትያናት ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት ብምዃኖም ብዙሕ ግዜ ተሰጒጎም እዮም። ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ምርጫታት ከኣ እቲ ዅነታት ብዝያዳ ይጽንክር ነበረ። ብ13 ግንቦት 1970 ድማ ከምቲ ዝፈራህናዮ ዀነ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወግዒ ተኣገዱ። እቲ ጽቡቕ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ንሓሙሽተ ወርሒ ጥራይ ምስ ተጠቐምናሉ፡ መንግስቲ ወረሶ። ኵላትና ሚስዮናውያን ከኣ ንዓይን ንሺላን እውን ሓዊስካ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ተጠረዝና። ነቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ሓዲግናዮም ምኻድ ከቢዱና ነይሩ፣ ምኽንያቱ ድሕሬና እንታይ ከም ዜጋጥሞም የተሓሳስበና ነይሩ እዩ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፈረንሳ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ገበርና። ኣብኡ ዀይነ ድማ ነቶም ኣብ ካመሩን ዝነበሩ ኣሕዋት ዜድልዮም ዘበለ ንምምላእ ዚከኣለኒ ገበርኩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከኣ፡ ናብቲ ኣብ ካመሩን ንዝነበረ ዕዮ ዚከታተል ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይጀርያ ተመደብና። እቶም ኣብ ናይጀርያ ዝነበሩ ኣሕዋት ከኣ ብጽቡቕ ተቐበሉና፡ ንእተወሰነ ዓመታት ድማ ኣብኡ ኣገልገልና።
ከቢድ ውሳነ
ብ1973 ከቢድ ውሳነ ኽንገብር ነበረና። ሺላ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት የሸግራ ነበረ። ዓብዪ ኣኼባ ኽንእከብ ኢልና ኣብ ኒው ዮርክ ከለና ኸኣ እናነብዐት፡ “ካብዚ ንላዕሊ ክቕጽል ኣይክእልን እየ! መብዛሕትኡ እዚ ግዜ ብድኻምን ብሕማምን እየ ዘሕልፎ ዘለኹ” በለትኒ። ምሳይ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ን14 ዓመት ኣገልጊላ እያ። ብተኣማንነት ስለ ዘገልገለት ኣዅሪዓትኒ እያ፣ ድሕርዚ ግና ለውጥታት ክንገብር ነበረና። ንዅነታትና ምስ ተዛራረብናሉን ብጸሎት ኣጸቢቕና ምስ ሓሰብናሉን ከኣ፡ ንጥዕና ሺላ ጽቡቕ ጌርና ምእንቲ ኽንከናኸን ናብ ካናዳ ኽንምለስ ወሰንና። ልዕሊ ዅሉ፡ ኣገልግሎት ሚስዮናውነትን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትን ምሕዳግ ከቢድን ልቢ ዚሰብርን ውሳነ እዩ ነይሩ።
ኣብ ካናዳ፡ ምስ ሓደ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ መሸጢ ማኪና ዝነበሮ ዓርከይ ስራሕ ጀመርኩ። ኣፓርታማ ተኻረና፡ ዘገልገለ ኣቕሑ ገዛ ዓደግና፡ ብዘይ ዕዳ ኸኣ ናብራ ጀመርና። ሓደ እዋን ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንምለስ ንኽእል ዚብል ተስፋ ስለ ዝነበርና ድማ፡ ናብራና ቐሊል እዩ ነይሩ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ እዚ ተስፋና እዚ ኻብቲ ዝሓሰብናዮ ንላዕሊ ብቕልጡፍ ጋህዲ ዀነልና።
ኣብ ኖርቫል፡ ኦንታርዮ ኣብ ዝነበረ ዕዮ ህንጸት ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ፡ ኣብ ቀቀዳም እናኸድኩ እሕግዝ ነበርኩ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ሓላው እቲ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ክኸውን ሕቶ ቐረበለይ። ናይ ሺላ ጥዕና እናተመሓየሸ ስለ ዝኸደ፡
ነዚ ሓድሽ ዕዮ እዚ ትኽእሎ ዀይኑ ተሰምዓና። ስለዚ ኣብ ሰነ 1974፡ ናብ ኣፓርታማ እቲ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ገዓዝና። ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ስለ እተመለስና፡ በዚ ኣዚና ተሓጐስና።ናይ ሺላ ጥዕና ብቐጻሊ እናተመሓየሸ ኸደ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ከኣ፡ ዕዮ ወረዳ ኽንቅበል ከኣልና። እቲ ወረዳ፡ ኣብታ ብቘራሪ ኽራማታ እትፍለጥ ካናዳዊት ኣውራጃ ማኒቶባ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝነበሮም ጽቡቕ ቅርርብ ፈተናዮ። እቲ ቐንዲ ዜገድስ ኣበይ ከም እነገልግል ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ምግልጋልና ጥራይ ምዃኑ እውን ተምሃርና።
ኣገዳሲ ትምህርቲ ተምሃርኩ
ኣብ ዕዮ ወረዳ ንእተወሰነ ዓመታት ምስ ዓየና፡ ብ1978 ኣብ ቤት-ኤል ካናዳ ኸነገልግል ተጸዋዕና። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ኸቢድ ትምህርቲ ተምሃርኩ። ኣብ ሞንትርያል ኣብ እተገብረ ፍሉይ ኣኼባ ናይ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን መደረ ብፈረንሳይኛ ኽህብ ተመደብኩ። እቲ ዜሕዝን፡ ኣቓልቦ ሰማዕቲ ዚስሕብ ኣይነበረን፣ ስለዚ ኸኣ ሓደ ኻብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዝዀነ ሓው ምኽሪ ሃበኒ። ከም ሓቂ፡ ንፉዕ ተዛራባይ ዘይምዃነይ ክፈልጥ ነይሩኒ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቲ ምኽሪ ብጽቡቕ ኣይተቐበልክዎን። እቲ ሓው እምብዛ ኸም ዝነቐፈንን ከም ዘይነኣደንን ኰይኑ ስለ እተሰምዓኒ፡ ምስቲ ሓው ክንሰማማዕ ኣይከኣልናን። ኣብ ክንዲ ኣብቲ ምኽሪ፡ እቲ ምኽሪ ኣብ እተዋህበሉ መገድን ኣብቲ ነቲ ምኽሪ ዝሃበ ሰብን ብምትኳረይ ተጋግየ እየ።
ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ሓደ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣዛረበኒ። ነቲ ምኽሪ ጽቡቕ ምላሽ ከም ዘይሃብኩሉ ተኣመንኩ፡ በቲ ዝገበርክዎ እውን ተጥዓስኩ። ድሕሪኡ ነቲ ምኽሪ ዝሃበኒ ሓው ኣዛረብክዎ። ንሱ ኸኣ ንይቕረታይ ብጽቡቕ ተቐበሎ። ካብቲ ተመክሮ እቲ፡ ብዛዕባ ትሕትና ፈጺመ ዘይርስዖ ትምህርቲ ተምሃርኩ። (ምሳ. 16:18) ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ሳዕ ናብ የሆዋ ጸልየ እየ፡ ደጊመ ንምኽሪ ብኣሉታ ኸይርኢ ኸኣ ቈሪጸ እየ።
ሕጂ ኣብ ቤት-ኤል ካናዳ 40 ዓመት ገይረ ኣለኹ፡ ካብ 1985 ጀሚረ ኸኣ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ኰይነ ኸገልግል መሰል ረኺበ እየ። ኣብ ለካቲት 2021 ግና እታ ዝፈትዋ ሰበይተይ ሺላ ሞተት። ኣብ ርእሲ እቲ ናታ ሓዘን፡ ናይ ጥዕና ጸገማት እውን ኣሎኒ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዕዮ ትሑዝ ስለ ዝዀንኩ ግና፡ “ነቲ ዚሓልፍ መዓልትታት . . . ኣየስተብህለሉን” እየ። (መክ. 5:20) ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ፈተናታት እኳ እንተ ኣሕለፍኩ፡ እቲ ዝረኸብክዎ ሓጐስ ግና ካብኡ ንላዕሊ እዩ። ኣብ ህይወተይ ንየሆዋ ቐዳምነት ስለ ዝሃብኩን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ን70 ዓመታት ስለ ዘገልገልኩን፡ ብዙሕ ተባሪኸ እየ። መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ከማይ ንየሆዋ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ኪህብዎ እጽሊ እየ። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ንየሆዋ ብምግልጋል ጥራይ ዚርከብ ዜዕግብ ህይወት ከም ዚህልዎም እተኣማመን እየ።
a ታሪኽ ህይወት ማርሰል ፊልቶ፡ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2000 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “የሆዋ መዕቆብየይን ሓይለይን ኢዩ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
b ክሳዕ 1957፡ እዚ ኽፋል ኣፍሪቃ እዚ ጎልድ ኮስት ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ብሪጣንያ ነበረ።
c ታሪኽ ህይወት ሀርበርት ጀኒንግስ፡ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2000 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
d ናታን ኖር ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዕዮና መሪሕ ግደ ዝነበሮ እዩ።