ዓንቀጽ መጽናዕቲ 39
መዝሙር 125 ‘መሓርቲ ሕጉሳት እዮም’
ካብ ምሃብ ዚርከብ ዝዓበየ ሓጐስ ኣስተማቕር
“ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብ. 20:35።
ኣትኵሮ
ካብ ምሃብ እንረኽቦ ሓጐስ እንዕቅበሉን እነብዝሓሉን መገድታት።
1-2. ካብ ብምቕባል፡ ብምሃብ እንሕጐስ ኴንና እተፈጠርና ምዃንና ብኸመይ ይጠቕመና፧
የሆዋ ንደቂ ሰብ ኪፈጥሮም ከሎ፡ ካብ ብምቕባል ንላዕሊ ብምሃብ ከም ዚሕጐሱ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። (ግብ. 20:35) እዚ ማለት ግና ክንቅበል ከለና ፈጺምና ኣይንሕጐስን ኢና ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ህያብ ክንቅበል ከለና ጽቡቕ ከም ዚስምዓና ተመኪርናዮ ኣለና። ወሃብቲ ምስ እንኸውን ግና ብዝበለጸ ኢና እንሕጐስ። የሆዋ ንጥቕምና ኢሉ እዩ ኸምኡ ገይሩ ፈጢሩና። ስለምንታይ፧
2 የሆዋ ኸምኡ ገይሩ ስለ ዝፈጠረና፡ ባዕልና ሓጐስ ክንረኽበሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ። ክንህብ ዜኽእለና ተወሳኺ ኣጋጣሚታት ብምንዳይ፡ ሓጐስና ኸነዕዝዝ ንኽእል ኢና። እዝስ ዜገርም መዳይ ኣፈጣጥራና ደይኰነን፧—መዝ. 139:14።
3. የሆዋ፡ “ሕጉስ ኣምላኽ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ስለምንታይ እዩ፧
3 ቅዱሳት ጽሑፋት ምሃብ ከም ዜሐጕስ የረጋግጸልና እዩ። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ፡ “ሕጉስ ኣምላኽ” ኢሉ እንተ ጸውዖ ኣየገርመናን እዩ። (1 ጢሞ. 1:11) የሆዋ ናይ መጀመርታን ካብ ኵሉ ዝዓበየን ወሃቢ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ እውን ኢና ዘለና” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ግብ. 17:28) እወ፡ “ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን” ካብ የሆዋ እዩ።—ያእ. 1:17።
4. ዝያዳ ሓጐስ ከነስተማቕር ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
4 ኵላትና ኻብ ምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ብዝያዳ ኸነስተማቕር ንደሊ ንኸውን። ከም የሆዋ ለጋሳት ብምዃን ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 5:1) ነዚ ኽንምርምር ከለና፡ ሰባት ንልግስናና ዘየማስዉሉ መሲሉ ኣብ ዚስምዓና እዋን እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ነስተብህል። እዚ መዘኻኸሪታት እዚ፡ ነቲ ኻብ ምሃብ እንረኽቦ ሓጐስ ክንዕቅቦን ክንውስኸሉን ኪሕግዘና እዩ።
ከም የሆዋ ለጋስ ኩን
5. የሆዋ እንታይ ስጋዊ ነገራት እዩ ዚህበና፧
5 የሆዋ ልግሲ ዜርእየሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ ገለ ኣብነታት ንርአ። የሆዋ ስጋዊ ነገራት ይህበና እዩ። መጋየጺ ኣይህልወናን ይኸውን፣ ሳላ የሆዋ ግና መብዛሕትና ዜድልየና ነገራት ኣሎና። ንኣብነት፡ ምግቢ፡ ክዳን፡ መጽለሊ ይህበና እዩ። (መዝ. 4:8፣ ማቴ. 6:31-33፣ 1 ጢሞ. 6:6-8) ነዚ ዅሉ ስጋዊ ነገራት ግና ግዴታ ዀይንዎ ድዩ ዜማልኣልና፧ ከምኡ ኣይኰነን! ስለምንታይ ደኣሉ የሆዋ እዚ ዅሉ ዚገብረልና፧
6. ካብ ማቴዎስ 6:25, 26 እንታይ ንምሃር፧
6 የሆዋ ስለ ዜፍቅረና፡ ዜድልየና ዘበለ የማልኣልና እዩ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:25, 26 ዘሎ ቓላት የሱስ እሞ ንርኣዮ። (ኣንብብ።) የሱስ ንፍጥረት እዩ ኸም ኣብነት ጠቒሱ ዘሎ። ብዛዕባ ኣዕዋፍ፡ “ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን” ድሕሪ ምባል፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሰማያዊ ኣቦኹም . . . ይምግበን” በለ። ድሕሪኡ፡ “ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧” ኢሉ ሓተተ። እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ንኣምለኽቱ ኻብ እንስሳታት ንላዕሊ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። ንድሌት እንስሳታት ዚሓሊ ኻብ ኰነ፡ ንዓና እውን ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ ልክዕ ከም ሓደ ሓላዪ ኣቦ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ እዩ ንስድራ ቤቱ ዜድሊ ዘበለ ዜማልኣሎም።—መዝ. 145:16፣ ማቴ. 6:32።
7. ከም የሆዋ ለጋሳት እንዀነሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
7 ንሕና እውን ከም የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኽና ብስጋዊ መገዲ ኽንሕግዝ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ምግቢ ይኹን ክዳን ዜድልዮ ሓው ትፈልጥዶ፧ ነቲ ሰብ እቲ ንምሕጋዝ የሆዋ ኺጥቀመልካ ይኽእል እዩ። ህዝቢ የሆዋ ብፍላይ ኣብ እዋን ሓደጋ ብልግሲ ብምሃብ እዮም ዚፍለጡ። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ኣሕዋትን ኣሓትን ምግብን ክዳንን ካልእ ዜድሊ ነገራትን ንኣሕዋቶም ለጊሶምሎም እዮም። ካልኦት እውን ንዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድጋፍ ብልግሲ ወፍዮም እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ንዚካየድ ዘሎ ዕዮ ረድኤት ንምምዋል ሓጊዙ እዩ። ነቲ ኣብ እብራውያን 13:16 ዘሎ፡ “ሰናይ ምግባርን ዘሎኩም ምምቓልን ኣይትረስዑ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ባህ ይብሎ እዩ” ንዚብል ቃል ተግቢሮምዎ እዮም።
8. ካብ ሓይሊ የሆዋ ብኸመይ ንጥቀም፧ (ፊልጲ 2:13)
8 የሆዋ የበርትዕ እዩ። የሆዋ ነቶም እሙናት ኣምለኽቱ ኻብቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ተሓጒሱ የካፍሎም እዩ። (ፊልጲ 2:13 ኣንብብ።) ከቢድ ፈተና ንምቅዋም ወይ ንምጽዋር ብርታዐ ኺውሃበካ ጸሊኻዶ ትፈልጥ፧ ወይ እውን ኣብታ መዓልቲ ዕዮኻ ኽትዓዪ ዜኽእለካ ሓይሊ ኺውሃበካ ጸሊኻ ትኸውን። ጸሎትካ ምስ ተመለሰ፡ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት መሸም ትሰማማዕ ኢኻ።—ፊል. 4:13።
9. ሓይልና ኣብ እንጥቀመሉ መገዲ ኸም የሆዋ ለጋሳት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
9 ዘይፍጹማት ሰባት እኳ እንተ ዀንና፡ ሓይልና ኣብ እንጥቀመሉ መገዲ ግና ከም የሆዋ ለጋሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ፡ ቃል ብቓሉ ንኻልኦት ሓይሊ ወይ ጕልበት ክንህቦም ኣይንኽእልን ኢና። ግናኸ ጕልበትና ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወይ ንዝሓመሙ ክርስትያናት፡ ዜድልዮም ንምዕዳግ ክንልኣኾም ወይ ኣብ ዕዮ ገዛ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ኵነታትና ዚፈቕደልና እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይን ምጽጋንን ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። ሓይልና ብኸምዚ መገዲ ንጥቀመሉ እንተ ዄንና፡ ነቶም ንየሆዋ ዜምልኽዎ ኽንሕግዞም ኢና።
10. ሓይሊ ቓላት ንኻልኦት ብዚጠቅም መገዲ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
10 ቃላት ሓይሊ ኸም ዘለዎ እውን ኣይትረስዕ። ልባዊ ናእዳ ብዛዕባ ዜድልዮ ሰብ ክትሓስብ ትኽእልዶ፧ ምጽንናዕ ዜድልዮ ሰብከ ትፈልጥዶ፧ ስለምንታይ ተበግሶ ወሲድካ ነቲ ሰብ እቲ ዘይተዘራርቦ፧ ብኣካል ወይ ብተሌፎን ከተዛርቦ፡ ወይ እውን ብካርድ፡ ብኢመይል፡ ወይ ብሞባይል መልእኽቲ ኽትልእከሉ ትኽእል ኢኻ። ውሕሉል ቃላት ክትመርጽ ኣየድልየካን እዩ። ክርስትያን ብጻይካ እሙን ኰይኑ ምእንቲ ኪቕጽል ወይ ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዖ፡ ቀሊልን ካብ ልቢ ዝመነጨን ሒደት ቃላት ጥራይ እዩ ዜድልዮ።—ምሳ. 12:25፣ ኤፌ. 4:29።
11. የሆዋ ንጥበቡ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ፧
11 የሆዋ ጥበብ ይህብ እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐዲላቶ ኸኣ፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ያእ. 1:5) እዚ ቓላት እዚ ኸም ዚሕብረና፡ የሆዋ ንጥበቡ ንበይኑ ጥራይ ኣይዓቝሮን እዩ። ንኻልኦት ብልግሲ የካፍሎም እዩ። ጥበብ ኪህብ ከሎ፡ “ከይነቐፈ” ኸም ዚህብ ድማ ኣስተብህለሉ። መምርሒኡ ስለ ዝደለና ኣየነኣእሰናን እዩ። እኳ ደኣስ ጥበብ ክንደሊ ይምሕጸነና እዩ።—ምሳ. 2:1-6።
12. ጥበብና ኸነካፍል እንኽእለሉ እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎና፧
12 ንሕናኸ ጥበብና ንኻልኦት ብምክፋል ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእልዶ፧ (መዝ. 32:8) ህዝቢ የሆዋ ነቲ እተማህርዎ ንኻልኦት ኬካፍሉ ዚኽእሉሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይረኽቡ እዮም። ንኣብነት፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ንሓደስቲ ነሰልጥን ኢና። ሽማግለታት ከኣ ንኣገልገልቲ ጉባኤን ንጥሙቓት ኣሕዋትን፡ ኣብ ጉባኤ ንእተዋህቦም ዕዮ ብኸመይ ከም ዚዓይዩ ብትዕግስቲ ይሕግዝዎም እዮም። እቶም ኣብ ዕዮ ህንጸትን ጽገናን ተመክሮ ዘለዎም ከኣ፡ ነቶም ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎም ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጻታት ኪዓይዩ የሰልጥንዎም እዮም።
13. ንኻልኦት ከነሰልጥን ከለና፡ ብኸመይ ኢና ነቲ የሆዋ ጥበቡ ዜካፍለሉ ኣገባብ ክንቀድሖ እንኽእል፧
13 እቶም ንኻልኦት ዜሰልጥኑ ዘበሉ፡ ነቲ የሆዋ ንጥበቡ ዜካፍለሉ ኣገባብ ይቐድሕዎ እዮም። የሆዋ ብልግሲ እዩ ጥበብ ዚህብ። ንሕና እውን ነቶም እነሰልጥኖም ሰባት ብናጻ ኢና ፍልጠትናን ተመክሮናን እነካፍሎም። እቶም ዚስልጥኑ ሰባት ንቦታና ምእንቲ ኸይወስድዎ ኢልና ፍልጠትና ኣይንሓብኣሎምን ኢና። ወይ ከኣ ‘ንዓይ ዘሰልጠነኒ ሰብ የብለይን! ንሱ ኸኣ ባዕሉ ይሰልጥን’ ዚብል ኣረኣእያ ኣይንሕዝን ኢና። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ቦታ የብሉን። እኳ ደኣስ ፍልጠትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ገዛእ ርእስና” እውን ብሓጐስ ንህብ ኢና። (1 ተሰ. 2:8) ንሳቶም እውን “ንኻልኦት ኪምህሩ ዚበቕዑ” ኪዀኑ ተስፋ ንገብር ኢና። (2 ጢሞ. 2:1, 2) በዚ ኸምዚ፡ ክፋል እቲ ሓጐስ ዜፍሪ ቐጻሊ ዓንኬል ልግሲ ንኸውን።
ሰባት ንልግስና ዘየማስዉሉ መሲሉ ምስ ዚርኣየና
14. መብዛሕትኦም ንልግስና ምላሽ ዚህቡሉ ብኸመይ እዮም፧
14 ብፍላይ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ለጋሳት ክንከውን ከለና፡ ንሳቶም ከኣ የመስግኑና እዮም። ናይ ምስጋና ካርድ ይልእኩልና ወይ ብኻልእ መገዲ ምስጋናኦም ይገልጹልና እዮም። (ቈሎ. 3:15) ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ምስጋና ኽንቅበል ከለና፡ ሓጐስና ይውስኽ እዩ።
15. ካልኦት ዘየማስዉ ምስ ዚዀኑ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዚግባእ፧
15 ከም ሓቂ ግና፡ ገሊኦም ሞሳኦም ዘይገልጹ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ግዜና፡ ጕልበትና፡ ወይ ጥሪትና ምስ ሃብና፡ እቲ ተቐባሊ ኣስተብሂልሉ እንተ ዀይኑ ኽንጠራጠር ንጅምር ኢና። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙና፡ ሓጐስና ኸይነጥፍእ ወይ ከይንምረር ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧ ነቲ ኣብ ቀንዲ ጥቕስና፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:35 ዘሎ ቓላት ንዘክር። እቲ ኻብ ምሃብ እንረኽቦ ሓጐስ፡ ኣብ ምላሽ እቲ ተቐባሊ እተመርኰሰ ኣይኰነን። ካልኦት ንልግስና ዘየማሰዉሉ እንተ መሰለና እኳ፡ ብምሃብ ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ገለ መገድታት ንርአ።
16. ክንህብ ከለና ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵር ዘሎና፧
16 ንየሆዋ ኣብ ምምሳል ኣተኵር። የሆዋ ንሰባት፡ ዋላ እኳ ዘየመስግኑ እንተ ዀኑ፡ ጽቡቕ ነገራት ይህቦም እዩ። (ማቴ. 5:43-48) ንዓና እውን፡ “ክትፍደዩ ኸይተጸበኹም” ሃቡ እዩ ዚብለና፡ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ‘ዓስብና ብዙሕ ከም ዚኸውን’ ቃል ኣትዩልና ኣሎ። (ሉቃ. 6:35) “ከይተጸበኹም” ኪብል ከሎ፡ መግለጺ ምስጋና እውን ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ‘ሕጉሳት ወሃብቲ’ ምስ እንኸውን፡ ስለቲ ንኻልኦት ዝገበርናሎም ጽቡቕ ነገር፡ የሆዋ ዓስብና ይህበና እዩ።—ምሳ. 19:17፣ 2 ቈረ. 9:7።
17. ግቡእ ኣመለኻኽታ ኽንዕቅብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሉቃስ 14:12-14)
17 እቲ ኣብ ሉቃስ 14:12-14 ዘሎ ኣገዳሲ ስርዓት፡ ክንህብ ከለና ግቡእ ኣመለኻኽታ ኽንሕዝ ይሕግዘና እዩ። (ኣንብብ።) ነቶም ውሬታ ዚመልሱልና ምዕዳም ወይ ብኻልእ መገዲ ምልጋስ ጌጋ እዩ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ብኸፊል እውን ይኹን ገለ ኺግበረልና እናተጸበና ንህብ ከም ዝነበርና እንተ ኣስተብሂልናኸ፧ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ሓሳብ ንፈትኖ። ንሓደ ኺገብረልና ዓቕሚ ዘይብሉ ሰብ ሰናይ ንግበረሉ። ሽዑ፡ ንየሆዋ ስለ ዝመሰልናዮ ኽንሕጐስ ኢና። እዚ ኣመለኻኽታ እዚ ኸኣ፡ ሰባት ነቲ ዝገበርናሎም ምስ ዘየማስዉሉ እኳ፡ ሓጐስና ኽንዕቅብ የኽእለና እዩ።
18. ንኻልኦት ሕድገታት ክንገብረሎም ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
18 ውሽጣዊ ድራኸ ኻልኦት ኣብ ሕቶ ኣይተእቱ። (1 ቈረ. 13:7) ካልኦት ሞሳኦም እንተ ዘይገሊጾም፡ ንርእስና ከምዚ ኢልና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና፦ ‘ናይ ሓቂ ዘይመማሰውቲ ስለ ዝዀኑ ድዮም ወይስ ሞሳኦም ምግላጽ ስለ ዝረስዑ ጥራይ እዩ፧’ ምናልባት እውን ከምቲ እተጸበናዮ ምላሽ ዘየርኣዩሉ ኻልእ ምኽንያታት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ገሊኦም ነቲ እተገብረ ኣጸቢቖም እናኣማሰዉሉ ኽነሶም፡ ሞሳኦም ምግላጽ ግና ይኸብዶም ይኸውን። ብፍላይ ቀደም ንኻልኦት ዚሕግዙ ዝነበሩ እንተ ዀይኖም፡ ሕጂ ሓገዝ ኪቕበሉ የሕፍሮም ይኸውን። እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ክርስትያናዊት ፍቕርና ንብጾትና ሕድገታት ብምግባር፡ ካብ ምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ክንዕቅብ ተለዓዕለና እያ።—ኤፌ. 4:2።
19-20. ክንህብ ከለና ትዕግስቲ ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
19 ተዓገስ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ንልግሲ ብዚምልከት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ንእንጌራኻ ናብ ማያት ደርብዮ፣ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታትሲ መሊስካ ኽትረኽቦ ኢኻ።” (መክ. 11:1) እዘን ቃላት ከም ዚሕብራኦ ገሊኦም ንልግስና፡ “ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት” እዮም ዜማስዉሉ። ነዚ ሓቂ እዚ ዜብርህ ተመክሮ ንርአ።
20 ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት፡ ሓንቲ ሰበይቲ ሓላው ወረዳ ንሓንቲ ሓዳስ እተጠምቀት ሓብቲ፡ እምንቲ ዀይና ኽትቅጽል ዜተባብዕ ልቢ ዚትንኪ ደብዳበ ሰደደትላ። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት እታ ሓብቲ ኸምዚ ኢላ መልሲ ጸሓፈት፦ “ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ከይተረድኣኪ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝሓገዝክኒ ኽገልጸልኪ ኢለ እየ ዝጽሕፈልኪ ዘለኹ። [ደብዳቤኺ] ኣዝያ እተተባብዕ እያ ነይራ፡ ልበይ ዝተንከየትኒ ግና እታ ጥቕሲ እያ፡ ፈጺመ ኣይርስዓን እየ።” a እታ ሓብቲ ንገለ ኻብቲ ዘሕለፈቶ ጸገማት ምስ ጠቐሰት ቀጺላ ኸምዚ በለት፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ኵሉ ነገር ሕደግዮ ይመጸኒ፣ ንሓቂ ይኹን ንዅሉ ሓላፍነታት ኪሓድጎ እደሊ። ግናኸ እታ ዝጻሓፍክለይ ጥቕሲ ኣብ ልበይ ኰይና ትውጥጠኒ እሞ፡ . . . ብእምነት እቕጽል።” ወሲኻ ድማ፡ “ኣብዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመት ከምዚ ገይሩ ጽልዋ ዘሕደረለይ ካልእ ነገር የሎን” በለት። እታ ሰበይቲ ሓላው ወረዳ “ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት” ነዛ ደብዳበ ምስ ተቐበለት፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሰት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንሕና እውን ብገለ መገዲ ምስ ለገስና፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ መግለጺ ምስጋና ኽንቅበል ንኽእል ኢና።
21. ከም የሆዋ ለጋስ ክትከውን ዝቘረጽካ ስለምንታይ ኢኻ፧
21 ከምዚ እተገልጸ፡ የሆዋ ፍሉይ ክእለት ሂቡ እዩ ፈጢሩና። ምቕባል ዜሐጕሰና እኳ እንተ ዀነ፡ ዝያዳ ሓጐስ እንረክብ ግና ክንህብ ከለና እዩ። ንክርስትያናት ብጾትና ኽንሕግዝ ከለና ባህ ይብለና እዩ። ሞሳኦም ኪገልጹ ኸለዉ ኸኣ ንሕጐስ ኢና። እቲ ተቐባሊ የመስግን ኣየመስግን ብዘየገድስ፡ ንሕና ቕኑዕ ነገር ብምግባርና ሕጉሳት ንኸውን ኢና። ዝሃብና እንተ ሃብና፡ ‘የሆዋ ኻብኡ ዚበዝሕ ኪህበና ኸም ዚኽእል’ ኣይንረስዕ። (2 ዜና 25:9) ብምሃብ ዝመጸ ንየሆዋ ኽንበልጾ ኣይንኽእልን ኢና! ብተወሳኺ፡ ካብ የሆዋ ውሬታ ኸም ምርካብ ገይሩ ዜሕጕስ ካልእ የልቦን። እምበኣር፡ ከም ሰማያዊ ኣቦና ለጋሳት ንምዃን ቈራጽነት ንግበር።
መዝሙር 17 “እደሊ እየ”
b መግለጺ ስእሊ፦ ኣብዚ ተዋስኦ፡ እታ ሰበይቲ ሓላው ወረዳ መተባብዒ ትልግስ። ድሕሪ ዓመታት ከኣ ናይ ምስጋና ደብዳበ ትመጻ።