ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 37

መዝሙር 118 “እምነት ወስኸና”

ክሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት ክንጻወር እትሕግዘና መልእኽቲ

ክሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት ክንጻወር እትሕግዘና መልእኽቲ

“ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረና እምንቶ ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና [ንሓዞ።]እብ. 3:14

ኣትኵሮ

ኣብታ ናብ እብራውያን እተላእከት መልእኽቲ፡ ክሳዕ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እሙናት ኴንና ኽንጻወር ዚሕግዘና ትምህርቲ ንረክብ።

1-2. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ናብ እብራውያን ዝለኣኻ ደብዳበ ኺጽሕፍ ከሎ፡ እቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ዅነታት ከመይ ይመስል ነበረ፧ (ለ) እዛ ብድራኸ መንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈት መልእኽቲ እዋናዊት ዝነበረት ብኸመይ እያ፧

 ኣብተን ድሕሪ ሞት ክርስቶስ ዝነበራ ዓመታት፡ እቶም ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዚነብሩ ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ከቢድ ሽግር ኣሕሊፎም እዮም። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ቈመት፡ ሽዑ ንሽዑ ብርቱዕ መስጐጕቲ ተላዕላ። (ግብ. 8:1) ድሕሪ 20 ዓመት ኣቢሉ ኸኣ፡ ነዞም ሰዓብቲ የሱስ ከቢድ ቍጠባዊ ጸገማት ኣጋጠሞም፣ እዚ ምናልባት ሳዕቤን እቲ ኣቐዲሙ ነታ ዓዲ ሃስይዋ ዝነበረ ጥሜት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 11:27-30) እንተዀነ ግና፡ ኣብ ከባቢ 61 ድ.ክ.፡ እቶም ክርስትያናት ተዛማዲ ሰላም ነበሮም። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ እዮም ነታ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፋ መልእኽቲ እተቐበሉ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣዝያ እዋናዊት እያ ነይራ።

2 እቲ ነዞም እብራውያን ክርስትያናት ዝነበሮም ሰላም ንነዊሕ ግዜ ዚቕጽል ስለ ዘይነበረ፡ እታ እተላእከትሎም ደብዳበ እዋናዊት እያ ነይራ። ጳውሎስ ነቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዜጋጥሞም ጸበባ ኺጻወሩ ዜኽእሎም ግብራዊ ምኽሪ ጸሓፈሎም። ምኽንያቱ፡ እቲ የሱስ ተነብይዎ ዝነበረ፡ ስርዓት ኣይሁድ ዜብቅዓሉ ግዜ ይቐርብ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 21:20) ርግጽ እዩ፡ እቲ ጥፍኣት ዚመጸሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ጳውሎስ ይኹን እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያት ብልክዕ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ግናኸ፡ ነቲ ዝተረፈ ግዜ፡ ከም እምነትን ተጻዋርነትን ዝኣመሰለ ባህርያት ብምምዕባል፡ ርእሶም ንምድላው ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።—እብ. 10:25፣ 12:1, 2

3. ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት፡ መልእኽቲ እብራውያን ብፍሉይ እተገድሶም ስለምንታይ እያ፧

3 ንዓና እውን ካብቲ እቶም እብራውያን ክርስትያናት ዘሕለፍዎ ዚብርትዕ ጸበባ ይጽበየና ኣሎ። (ማቴ. 24:21፣ ራእ. 16:14, 16) ስለዚ እምበኣር፡ ንገለ ኻብቲ የሆዋ ነቶም ክርስትያናት ዝሃቦም፡ ንዓና እውን ኪጠቕመና ዚኽእል ግብራዊ ምኽሪ ንመርምር።

“ናብ ብስለት ንገስግስ”

4. ኣይሁድ ክርስትያናት እንታይ ብድሆታት እዩ ኣጓኒፍዎም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

4 እቶም ቅድም ኣይሁድ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ዓብዪ ብድሆ ነበሮም። ኣይሁድ ሓደ እዋን ብየሆዋ እተሓርዩ ህዝቢ እዮም ነይሮም። የሩሳሌም ምድራዊት መንበሪት መንግስቲ ኣምላኽ ክትከውን ከላ፡ እታ ቤተ መቕደስ ከኣ ማእከል ንጹህ ኣምልኾ እያ ነይራ። ኵሎም እሙናት ኣይሁድ እውን ከምቲ ሃይማኖታውያን መራሕቶም ዝኣዘዝዎም ገይሮም ንሕጊ ሙሴ የኽብርዎ ነበሩ። ንኣመጋግባ፡ ንግዝረት፡ ምስ ኣህዛብ ዘለዎም ርክብ ብዚምልከት ከኣ በዚ ሕጊ እዚ ይምርሑ ነበሩ። ድሕሪ ሞት የሱስ ግና የሆዋ ንመስዋእትታት ኣይሁድ ነጸጎ። እዚ ኸኣ ነቶም ነቲ ሕጊ ዚስዕቡ ዝነበሩ ኣይሁድ ክርስትያናት ብድሆ ዀኖም። (እብ. 10:1, 4, 10) ከም እኒ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝኣመሰሉ ብሱላት ክርስትያናት እውን ከይተረፉ ነዚ ሓድሽ ለውጥታት ምልማድ ከቢድዎም እዩ። (ግብ. 10:9-14፣ ገላ. 2:11-14) ስለዚ እምበኣር፡ እቶም ክርስትያናት ብሰንኪ እዚ ሓድሽ እምነቶም፡ ዕላማ መጥቃዕቲ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ኰኑ።

ክርስትያናት ካብቶም ተጻረርቶም ዝዀኑ ሃይማኖተኛታት ኣይሁድ ንዚመጾም ዝነበረ ሓሶት ብምንጻግ፡ ኣብ ሓቂ ኺጸንዑ ነበሮም (ሕጡብ ጽሑፍ 4-5 ርአ)


5. ክርስትያናት ነየናይ እዮም ኪጥንቀቑሉ ዝነበሮም፧

5 እብራውያን ክርስትያናት ብኽልተ ወገን ተቓውሞ ነበሮም። በቲ ሓደ ወገን፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ከም ከሓድቲ ገይሮም ይርእይዎም ነበሩ። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ፡ ገሊኦም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና በሃልቲ ኻብ መስጐጕቲ ምእንቲ ኼምልጡ ኢሎም፡ ገሊኡ መዳያት ሕጊ ሙሴ ኪኽበር ከም ዘለዎ ይማጐቱ ነበሩ። (ገላ. 6:12) እሞ ደኣ፡ ነቶም እሙናት ክርስትያናት ንሓቂ ኣጥቢቖም ምእንቲ ኺሕዝዋ እንታይ ሓጊዝዎም፧

6. ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዘተባበዖም፧ (እብራውያን 5:14–6:1)

6 ጳውሎስ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ ንኣመንቲ ብጾቱ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣዕሚቖም ኪዅዕቱ ኣተባብዖም። (እብራውያን 5:14–6:1 ኣንብብ።) ብቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ገይሩ ኸኣ፡ ኣምልኾ ክርስትና ኻብ ኣይሁድነት ከም ዚበልጽ ኣረድኦም። a ኣብ ሓቂ ዘለዎም ፍልጠትን ዓሚቝ ምርዳእን እናወሰኸ እንተ ኸይዱ፡ ምእንቲ ኸይታለሉ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ኬለልዩን ኪነጽጉን ከም ዜዕጥቖም ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

7. ሎሚ እንታይ ዓይነት ብድሆታት ኣሎና፧

7 ንሕና እውን ከምቶም እብራውያን ክርስትያናት፡ ኣንጻር እቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ዝዀነ ሓበሬታታትን መረዳእታታትን የጋጥመና እዩ። ተጻረርቲ ንስነ ምግባር ዚምልከት መጽሓፍ ቅዱሳዊ እምነትና ብምቅዋም፡ ተጻዋርነት ከም ዘይብልናን ጨካናት ከም ዝዀንናን ይዛረቡ እዮም። ኣካይዳ እዛ ዓለም እዚኣ ኻብቲ ፍጹም ዝዀነ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ እናረሓቐ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። (ምሳ. 17:15) ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ተጻረርትና ተስፋ ኬቝርጹናን ኬስሕቱናን ኢሎም ዚገብርዎ ፈተነ ንምልላይን ንምቅዋምን ዘሎና ኽእለት ከነደልድሎ ይግባእ።—እብ. 13:9

8. ናብ መንፈሳዊ ብስለት ክንግስግስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 ነቲ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ናብ መንፈሳዊ ብስለት ኪግስግሱ ዝሃቦም ምኽሪ ኸነቕልበሉ ይግባእ። እዚ ኸኣ፡ ዓሚቝ ፍልጠት ሓቂ ምውህላልን ኣተሓሳስባ የሆዋ ምሓዝን ዜጠቓልል እዩ። እዚ ድሕሪ ወፈያን ጥምቀትን እውን ዚቕጽል መስርሕ እዩ። ኣብ ሓቂ ዝጸናሕናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ኵላትና ቓል ኣምላኽ ብስሩዕ ከነንብብን ከነጽንዕን ይግባእ። (መዝ. 1:2) ጽቡቕ መደብ ብሕታዊ መጽናዕቲ እንተ ኣልዩና፡ ነታ ጳውሎስ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝለኣኻ መልእኽቱ ዘጕለሓ ባህርይ ከነደልድል ይሕግዘና እዩ። እታ ባህርይ እቲኣ እምነት እያ።—እብ. 11:1, 6

“ምስቶም ህይወቶም ንምድሓን ዚኣምኑ” ኢና

9. ነቶም እብራውያን ክርስትያናት ድልድልቲ እምነት እተድልዮም ዝነበረት ስለምንታይ እዩ፧

9 እቶም እብራውያን ክርስትያናት ካብቲ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዚመጽእ ጸበባ ንምድሓን ድልድልቲ እምነት ተድልዮም ነበረት። (እብ. 10:37-39) የሱስ ንሰዓብቱ፡ የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርእዮም ናብ ኣኽራን ኪሃድሙ ኸም ዘለዎም ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። እቲ ምኽሩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዚነብሩ ዀነ ነቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዚነብሩ፡ ኰታስ ንዅሎም ክርስትያናት ዚምልከት እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 21:20-24) ሰባት ኣብቲ ግዜ እቲ ብወራሪ ሰራዊት እንተ ሰጊኦም፡ ናብ ከም የሩሳሌም ዝኣመሰለት ብመካበብያ እተኸብበት ከተማ ኸይዶም እዮም ዚዕቈቡ ነይሮም። ናብ ኣኽራን ምህዳም ግና ሕማቕ ውሳነ እዩ ዚመስል ነይሩ፡ ድልድልቲ እምነት እውን ዚሓትት እዩ ነይሩ።

10. ድልድልቲ እምነት እንታይ ኪገብሩ እያ ንክርስትያናት እተለዓዕሎም፧ (እብራውያን 13:17)

10 ብዘይካዚ፡ እቶም እብራውያን ክርስትያናት ነቶም የሱስ ነታ ጉባኤ ንምምራሕ ዚጥቀመሎም ዝነበረ ሰባት ኪኣምንዎም ነይርዎም እዩ። እቶም ዚመርሕዎም ዝነበሩ ኣሕዋት ከኣ ንዅሎም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብ ግቡእ ግዜን ስርዓት ብዝሓለወ መገድን መምርሒታት የሱስ ንምስዓብ ዚሕግዝ ዝርዝር መምርሒታት ሂቦም ኪዀኑ ኣለዎም። (እብራውያን 13:17 ኣንብብ።) እታ ኣብ እብራውያን 13:17፡ “ተኣዘዝዎም” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ሓደ ሰብ ነቲ መምርሒ ዚህብ ዘሎ ሰብ ካብ ዘለዎ እምነት ተላዒሉ ኸም ዚእዘዞ ተመልክት። እዚ ኸኣ መምርሒ ንምሃብ ስልጣን ስለ ዘለዎ ኢልካ ጥራይ ካብ እተርእዮ ተኣዛዝነት ንላዕሊ የጠቓልል። ስለዚ፡ እቶም እብራውያን ክርስትያናት፡ እቲ ጸበባ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ኣብቶም መምርሒ ኺህቡ ሓላፍነት እተዋህቦም ሰባት ዝነበረቶም እምነት ኪሃንጹ ነበሮም። ኣብ ግዜ ሰላም መምርሒታት እቶም ዚመርሕዎም ብተኣዛዝነት እንተ ስዒቦም፡ ኣብ እዋን ጸገም ከምኡ ንምግባር ዝቐለለ እዩ ዚዀነሎም።

11. ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ድልድልቲ እምነት እተድልዮም ስለምንታይ እያ፧

11 ልክዕ ከምቶም መልእኽቲ ጳውሎስ እተላእከትሎም ቀዳሞት ክርስትያናት እምነት እተድልዮም ዝነበረት፡ ንሕና እውን እምነት ተድልየና እያ። ምኽንያቱ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኸም ዝኣኸለ ዚገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጠንቀቕታ ይነጽግዎን የላግጹሉን እዮም ዘለዉ። (2 ጴጥ. 3:3, 4) ብተወሳኺ፡ ብርቱዕ ጸበባ ኸመይ ከም ዚመስል መጽሓፍ ቅዱስ ብእተወሰነ ዚገልጸልና እኳ እንተ ዀነ፡ ገና ዘይንፈልጦ ብዙሕ ነገር ኣሎ። ስለዚ፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ኸም ዚመጽእን የሆዋ ኸም ዜዕቍበናን ድልድልቲ እምነት ተድልየና እያ።—ኣን. 2:3

12. ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኽንድሕን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

12 እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡” ሎሚ የሆዋ ንዓና ንምምራሕ ዚጥቀመሉ ዘሎ መትረብ ምዃኑ ዘሎና እምነት ከነደልድል ይግባእ። (ማቴ. 24:45) ከምቲ እቶም እብራውያን ክርስትያናት፡ ሮማውያን ምስ መጽዎም መምርሒ እተዋህቦም፡ ንሕና እውን ምናልባት እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ጀመረ፡ ህይወት ዜድሕን ዝርዝር መምርሒ ይውሃበና ይኸውን። እምበኣር፡ ኣብቲ እቶም ኣብ ውድብ የሆዋ መሪሕ ግደ ዘለዎም ኣሕዋት ዚህቡና መምርሒ ዘሎና እምነት እነደልድለሉ ግዜ ሕጂ እዩ። ሎሚ ነቲ ዚህቡና መምርሒ ምስዓብ ዜሸግረና እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ንዚውሃበና መምርሒ ብምትእምማን ክንቅበል ዘይሕሰብ እዩ።

13. ኣብ እብራውያን 13:5 ዘሎ ምኽሪ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

13 እብራውያን ክርስትያናት፡ ኪሃድሙ ንዚውሃቦም ምልክት እናተጸበዩ፡ “ፍቕሪ ገንዘብ” ዘይብሉ ቐሊል ናብራ ኺነብሩ ነበሮም። (እብራውያን 13:5 ኣንብብ።) ገሊኦም ጥሜትን ድኽነትን ኣሕሊፎም ነይሮም እዮም። (እብ. 10:32-34) ገሊኦም ድማ ቅድሚኡ ምእንቲ እቲ ብስራት ጸገማት ኪጻወሩ ፍቓደኛታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ሽዑ ግና ንሃብቲ ኸም መዕቈቢ ኺርእይዎ ጀሚሮም ነይሮም ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ዝዀነ ይኹን መጠን ገንዘብ ካብቲ ዚመጾም ዝነበረ ጥፍኣት ኬዕቍቦም ኣይክእልን እዩ ነይሩ። (ያእ. 5:3) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ እቶም ንስጋዊ ነገራት ፍቕሪ ዝነበሮም ዘበሉ፡ ኣባይቶምን ንብረቶምን ሓዲጎም ኪሃድሙ ኣዝዩ ኸቢድዎም ኪኸውን ኣለዎ።

14. ድልድልቲ እምነት እንተ ኣልያትና፡ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ንእንገብሮ ውሳነታት እትጸልዎ ብኸመይ እያ፧

14 መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኸም ዚመጽእ ርግጸኛታት እንተ ዄንና፡ ካብ ፍቕረ ንዋይ ንርሕቕ ኢና። ኣብቲ እዋን እቲ ሰባት፡ “ብሩሮም ኣብ ጐደናታት ኪድርብዩ” እዮም፣ ምኽንያቱ፡ “ብመዓልቲ ነድሪ የሆዋ ብሩሮም ኰነ ወርቆም ኣይኬድሕኖምን እዩ።” (ህዝ. 7:19) ንሕና ኸኣ፡ ሕጂ ገንዘብ ኣብ ምእካብ ኣብ ክንዲ እነተኵር፡ ቀሊል ናብራ ኽንነብር ዜኽእለና ውሳነታት ክንገብር ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ብዘየድሊ ዕዳን ብስጋዊ ነገራትን ኣይንወሓጥን ኢና። ነቲ ሕጂ ዘሎና ጥሪት እውን ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኣይንህቦን ኢና። (ማቴ. 6:19, 24) መወዳእታ እዚ ስርዓት ኪመጽእ ክንጽበ ኸለና፡ እምነትና ብስጋዊ ነገራት ይኹን ብኻልእ ነገራት ክትፍተን እያ።

“ተጻዋርነት የድልየኩም ኣሎ”

15. እቶም እብራውያን ክርስትያናት፡ ብፍላይ ተጻዋርነት ዜድልዮም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

15 ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ዅነታት እናኸፍአ ብምኻዱ፡ እቶም እብራውያን ክርስትያናት ንእምነቶም ዚፍትን ነገራት ኪጻወሩ ነበሮም። (እብ. 10:36) ገለ ኻባታቶም ከቢድ መስጐጕቲ እኳ እንተ ኣሕለፉ፡ መብዛሕትኦም ግና ኣብ እዋን ተዛማዲ ሰላም እዮም ክርስትና ተቐቢሎም። ጳውሎስ ከም ዝጠቐሶ፡ ከበድቲ ፈተናታት እኳ እንተ ኣሕለፉ፡ ገና ኸም ናይ የሱስ ዝኣመሰለ ኽሳዕ ሞት ዜብጽሕ ፈተና ኣየጋጠሞምን ነይሩ። (እብ. 12:4) ክርስትና ምስ ኣስፋሕፍሐ ግና፡ እቶም ኣይሁድ ዝዀኑ ተጻረርቲ እውን ብዝያዳ ኣኽረርቲ ዀኑ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ መጽሓፍ እብራውያን ቅድሚ ምጽሓፉ፡ ሒደት ዓመታት ኣቐዲሙ ኣብ የሩሳሌም ስለ እተራእየ፡ ናዕቢ ተላዕለ። ልዕሊ 40 ዚዀኑ ኣይሁድ ከኣ፡ “ንጳውሎስ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ውዲት ገይሮም ብመርገም ተመሓሓሉ።” (ግብ. 22:22፣ 23:12-14) ከምዚ ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ጽልእን እናሃለወ ድማ፡ እቶም ክርስትያናት ንኣምልኾ ኺእከቡ፡ ነቲ ብስራት ኪሰብኩ፡ እምነቶም እውን ኬደልድሉ ነበሮም።

16. እታ ናብ እብራውያን እተላእከት ደብዳበ፡ ብዛዕባ መስጐጕቲ ቕኑዕ ኣመለኻኽታ ኺህልወና እትሕግዝ ብኸመይ እያ፧ (እብራውያን 12:7)

16 እቶም እብራውያን ክርስትያናት ነቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ ተቓውሞታት ምእንቲ ኺጻወርዎ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ፈተናታት ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺህልዎም ከም ዚግባእ ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ሓደ ክርስትያን ምእንቲ ኺስልጥን እምነቱ ኽትፍተን የሆዋ ኺፈቅድ ከም ዚኽእል ገለጸሎም። (እብራውያን 12:7 ኣንብብ።) ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጠና፡ ንሓደ ክርስትያን ኣገዳሲ ክርስትያናዊ ባህርይ ኪዅስኵስን ኪዅልዕን ይሕግዞ እዩ። እቶም እብራውያን ክርስትያናት እውን ኣብቲ እቲ ፈተናታት ኣብ መወዳእታ ዜፍርዮ ውጽኢት ምትኳሮም ነቲ ፈተናታት ኪጻወርዎ ዝቐለለ ዀነሎም።—እብ. 12:11

17. ጳውሎስ መስጐጕቲ ብዛዕባ ምጽዋር እንታይ እዩ ተማሂሩ ነይሩ፧

17 ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት፡ ፈተናታት ብጽንዓት ኪጻወሩ ተማሕጸኖም። ብዛዕባ እዚ ኺጽሕፈሎም ብቑዕ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ኣቐዲሙ ሰጓጒ ስለ ዝነበረ፡ እንታይ ይጽበዮም ከም ዝነበረ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ መስጐጕቲ ብኸመይ ከም እትጻወር ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ምኽንያቱ፡ ክርስትያን ምስ ኰነ እተፈላለየ ዓይነት ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ። (2 ቈረ. 11:23-25) ስለዚ፡ ጳውሎስ ተጻዋርነት እንታይ ምዃኑ ብዜእምን መገዲ ኺዛረብ ይኽእል ነይሩ እዩ። ነቶም ክርስትያናት ከኣ ፈተናታት ኪጻወሩ ኸለዉ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘይኰነስ ኣብ የሆዋ ኺውከሉ ኣዘኻኸሮም። ብትብዓት ድማ፡ “የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ” ኺብል ክኢሉ እዩ።—እብ. 13:6

18. ንዅላትና ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ኼጋጥመና፧ ሕጂኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

18 ገሊኦም ኣሕዋትና ሕጂ እውን ይስጐጉ ኣለዉ። ብጸሎትን ብኻልእ ተግባራዊ መገድን ብተኣማንነት ክንድግፎም ንኽእል ኢና። (እብ. 10:33) እንተዀነ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም” ይብለና። (2 ጢሞ. 3:12) ስለዚ እምበኣር፡ ኵላትና ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ኸቢድ ግዜ ንዳሎ። እቲ ዜጋጥመና ዓይነት ፈተና ብዘየገድስ፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ምሉእ ብምሉእ ንተኣማመን። ኣብ ግዜኡ ኸኣ፡ የሆዋ ነቶም እሙናት ኣምለኽቱ ዕረፍቲ ኼምጽኣሎም እዩ።—2 ተሰ. 1:7, 8

19. ንብርቱዕ ጸበባ ኽንዳሎ ዚሕግዘና እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ኣሎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

19 ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ እዛ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ዝጸሓፋ ደብዳበ፡ ነቲ ዚጽበዮም ዝነበረ ጸበባ ኺጻወሩ ኸም ዝሓገዘቶም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ጳውሎስ ንኣሕዋቱ፡ ዓሚቝ ፍልጠትን ግንዛበን ቅዱሳት ጽሑፋት ኪህልዎም ተማሕጸኖም። ከምዚ ምግባሮም ከኣ፡ ነቲ ንእምነቶም ዜዳኽም ትምህርትታት ኬለልይዎን ኪቃወምዎን ኣዕጠቖም። ካብ የሱስን ካብቶም ነታ ጉባኤ ዚመርሕዋን ንዚውሃቦም መምርሒ ብቕልጡፍ ምእንቲ ኺስዕቡ ድማ እምነቶም ኬደልድሉ ኣተባብዖም። ንፈተናታት ቅኑዕ ኣረኣእያ ኸም ዜማዕብሉ ብምግባር፡ ማለት ንፈተናታት በቲ ፈቃር ኣቦኦም ዚስልጥኑሉ መገዲ ገይሮም ከም ዚርእይዎ ብምግባር ተጻዋርነት ኬማዕብሉ ሓገዞም። ንሕና እውን ነዚ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝሃበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ክሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት ክንጻወር ኢና።—እብ. 3:14

እሙናት ክርስትያናት ስለቲ ተጻዋርነቶም ተባረኹ። ካብ ይሁዳ ምስ ሃደሙ፡ ኣኼባኦም ኣየቋረጹን። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

መዝሙር 126 ንቕሑ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ

a ጳውሎስ፡ ኣምልኾ ክርስትና ኻብ ስርዓት ኣይሁድ ከም ዚበልጽ መርትዖ ንምቕራብ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ምዕራፍ ጥራይ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እንተ ወሓደ ሸውዓተ ሳዕ ጠቒሱ ኣሎ።—እብ. 1:5-13