ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 36

መዝሙር 89 ክትባረኽ ተኣዘዝ

“ገበርቲ ቓል ኩኑ”

“ገበርቲ ቓል ኩኑ”

“ገበርቲ ቓል ኩኑ፣ . . . ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።”ያእ. 1:22

ኣትኵሮ

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ኸነንብብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንኸነስተንትነሉን ንኽንትግብሮን ዘሎና ድሌት ከነሐይል ክትሕግዘና እያ።

1-2. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሕጉሳት ዚገብሮም እንታይ እዩ፧ (ያእቆብ 1:22-25)

 የሆዋን እቲ ፍቑር ወዱን ሕጉሳት ክንከውን እዮም ዚደልዩና። እቲ ጸሓፊ መዝሙር 119:2 ኸምዚ ይብለና፦ “መዘኻኸሪታቱ ዚሕልዉ፡ ብዅሉ ልቦም ድማ ዚደልይዎ፡ ሕጉሳት እዮም።” የሱስ ድማ ወሲኹ፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን . . . እዮም!” ብምባል የረጋግጸልና።—ሉቃ. 11:28

2 ከም ኣምለኽቲ የሆዋ መጠን ሕጉሳት ህዝቢ ኢና። ስለምንታይ፧ ብዙሕ ምኽንያታት እኳ እንተ ሃለወና፡ እቲ ኻብ ኵሉ ኣገዳሲ ግና ቃል ኣምላኽ ብስሩዕ ከነንብብ፡ ዘንበብናዮ እውን ክንትግብር እንጽዕር ምዃንና እዩ።ያእቆብ 1:22-25 ኣንብብ።

3. ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘንበብናዮ እንተ ተግቢርናዮ ብኸመይ ንጥቀም፧

3 “ገበርቲ ቓል” ምስ እንኸውን፡ እተፈላለየ ጥቕምታት ኢና እንረክብ። ሓደ ኻብኡ፡ ከምኡ ምግባር ንየሆዋ ኣብ ምሕጓስ ወሳኒ ስጕምቲ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ንየሆዋ ኸም ዘሐጐስናዮ ምፍላጥና ኸኣ የሐጕሰና እዩ። (መክ. 12:13) ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ዘንበብናዮ ኣብ ተግባር እንተ ደኣ ኣውዒልናዮ፡ ህይወት ስድራ ቤትና ነመሓይሽ፡ ምስ ኣመንቲ ብጾትና ኸኣ ድልዱል ዕርክነት ንምስርት። ነዚ ኣብ ህይወትካ ርኢኻዮ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ካብቲ ንመገድታት የሆዋ ዘይስዕቡ ሰባት ዜጓንፎም ጸገማት ትስተር። ስለዚ ኸኣ ኢና ምስቲ ንጉስ ዳዊት ዝበሎ እንሰማማዕ። ንሱ ብመዝሙር ገይሩ ንሕግን ንትእዛዛትን ንፍርድታትን የሆዋ ድሕሪ ምዝርዛሩ፡ “ንዕኡ ምሕላው ከኣ ዓብዪ ዓስቢ ኣለዎ” ብምባል ደምደመ።—መዝ. 19:7-11

4. ገበርቲ ቓል ኣምላኽ ምዃን ቀሊል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ልክዕ እዩ፡ ገበርቲ ቓል ኣምላኽ ምዃን ኵሉ ግዜ ቐሊል ኣይኰነን። የሆዋ እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ምእንቲ ኺርድኣና ግና፡ ዋላ እውን ብዕዮ ትሑዛት ንኹን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ንምጽናዕን ግዜ ኽንምድብ ኣሎና። ስለዚ እምበኣር፡ ብስሩዕ ከነንብብ ዚሕግዘና ገለ ሓሳባት ንርአ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ዘንበብናዮ ኸነስተንትነሉን ኣብ ህይወትና ኽንዓይየሉን ዚሕግዘና መገድታት ክንምርምር ኢና።

ቃል ኣምላኽ ንምንባብ ግዜ መድብ

5. መብዛሕትኡ ግዜና ኣብ ምንታይ ኢና እነሕልፎ፧

5 ህዝቢ የሆዋ ብዕዮ ትሑዛት ኢና። ዝበዝሐ ግዜና እተፈላለየ መንፈሳዊ ሓላፍነታትና ኣብ ምዕማም ኢና እነሕልፎ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ካባና ንርእሶምን ንስድራ ቤቶምን ዜድሊ ንምምላእ ዓለማዊ ስራሕ ይሰርሑ እዮም። (1 ጢሞ. 5:8) ብዙሓት ክርስትያናት ከኣ ንዝሓመሙ ወይ ብዕድመ ንዝደፍኡ ቤተ ሰቦም ይኣልዩ እዮም። ኵላትና ድማ ጥዕናና ኽንከናኸን የድልየና እዩ፣ እዚ ኸኣ ግዜ ዚሓትት እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ሓላፍነታት ከኣ፡ ናይ ጉባኤ ዕዮ ኣሎና። እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሓላፍነትና ግና፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ምክፋል እዩ። እሞ ደኣ እዚ ዅሉ ሓላፍነታት እናሃለወካ ኽነሱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ከተንብብ፡ ነቲ ዘንበብካዮ ኸኣ ምእንቲ ኸተስተንትነሉን ኣብ ህይወትካ ኽትዓይየሉን ብኸመይ ግዜ ኽትምድብ ትኽእል፧

6. ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳምነት ክትህቦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኻብቲ ‘እቲ ዚሓይሽ እንምርምረሉ’ መገዲ እዩ፣ ስለዚ ብቐዳምነት ክንሰርዖ ይግባእ። (ፊል. 1:10) እታ ናይ ፈለማ መዝሙር ብዛዕባ ሕጉስ ሰብ ከምዚ ትብል፦ “ንሱ ብሕጊ የሆዋ . . . ይድሰት፣ ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን ብትሕቲ መልሓሱ የንብቦ።” (መዝ. 1:1, 2) እዚ ብንጹር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ግዜ ምምዳብ ከም ዜድሊ የዘኻኽረና። መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ እቲ ዝበለጸ ግዜ መዓስ እዩ፧ ናይ ኵላትና መልሲ ኺፈላለ ናይ ግድን እዩ። ብሓጺሩ ግና፡ እቲ ዝበለጸ ግዜ፡ እቲ ብስሩዕ ከተንብበሉ እትኽእል ግዜ እዩ። ሓደ ቪክቶር ዚብሃል ሓው፡ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባበይ ንግሆ እየ ዝገብር። ንግሆ ምትንሳእ ዘይፈቱ እኳ ኽነሰይ፡ ብዙሕ ኣቓልቦ ዚሰርቕ ነገር ስለ ዘይህሉ ግና ኣእምሮይ ብሩህ ኰይኑ ብዝያዳ ኸተኵር እኽእል እየ” ይብል። ንዓኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ፡ ንዓይ ብሉጽ ዝዀነ ግዜ መዓስ እዩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።

ብስሩዕ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ፡ ንዓኻ ብሉጽ ዝዀነ ግዜ መዓስ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)


ነቲ ዘንበብካዮ ኣስተንትነሉ

7-8. ካብቲ ዘንበብናዮ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይንጥቀም ኪገብረና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

7 ብዙሕ ጽሑፋት ነንብብ እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ሓሳቡ ኸየስተብሃልናሉ ንሓልፍ ንኸውን። ሓደ ነገር ድሕሪ ምንባብካ፡ ነዊሕ ከይጸናሕካ ንመብዛሕትኡ እቲ ዘንበብካዮ ረሲዕካዮዶ ትፈልጥ፧ ኵላትና ኸምዚ የጋጥመና እዩ። እቲ ዜሕዝን፡ ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከምኡ የጋጥመና እዩ። መዓልቲ መዓልቲ እተወሰነ ምዕራፋት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ንምድብ ንኸውን። እዚ ዚንኣድ እዩ። ምኽንያቱ፡ ሸቶ ኸነውጽእን ንሸቶና ኽንስዕቦን ኣሎና። (1 ቈረ. 9:26) ይኹን እምበር፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብኡ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ግና ካብዚ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና።

8 ነዚ ንጽጽር እሞ ሕሰበሉ፦ ዝናም ንህይወት ኣገዳሲ እዩ። ብሓንሳእ ብዙሕ እንተ ዘኒሙ ግና፡ እቲ መሬት ዓዘቕቲ እዩ ዚኸውን። ተወሳኺ ዝናም ከኣ ኣየድልዮን እዩ። እቲ ሓመድ ነቲ ማይ ምእንቲ ኺሰትዮን ንኣትክልቲ ብዚምሽእ መገዲ ምእንቲ ኺጥቀመሉን ግዜ የድልዮ እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብታህዋኽ ኣይኰንናን ከነንብብ ዘሎና፣ ምኽንያቱ፡ ብፍጥነት ንሓልፎ እንተ ዄንና፡ ነቲ ዘንበብናዮ ኸነስተብህለሉን ክንዝክሮን ክንትግብሮን ኣይንኽእልን ኢና።—ያእ. 1:24

ከምቲ መሬት ነቲ ዝዘነመ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ግዜ ዜድልዮ፡ ንሕና እውን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘንበብናዮ ኽንዓይየሉን ክንትግብሮን ግዜ የድልየና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)


9. መጽሓፍ ቅዱስ ብፍጥነት ናይ ምንባብ ልማድ እንተ ኣልዩና፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ብፍጥነት ተንብብ ከም ዘለኻ ኣስተብሂልካዶ ትፈልጥ፧ ሽዑ እንታይ ክትገብር ይግባእ፧ ህድእ በል። ብዛዕባ እንታይ ተንብብ ከም ዘለኻ ወይ ከም ዘንበብካ ኽትሓስብ ፈትን። ከምዚ ምግባር ኪኸብደካ የብሉን። እቲ ንኸተስተንትን ዚውሃበካ መተባብዒ ዚኸብደካ መሲሉ እንተ ተራእዩካ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ኽትሓስብ ጥራይ እዩ መተባብዒ ዚውሃበካ ዘሎ። ንምሕሳብ ወይ ንምስትንታን ግዜ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ነቲ ናይ መጽናዕቲ ግዜኻ ኸተስፍሖ ትኽእል ኢኻ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሒደት ጥቕስታት ጥራይ ድሕሪ ምንባብ ነቲ ዝተረፈ ግዜ ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ንምሕሳብ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቪክቶር፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ፡ ሕጽር ዝበለ፡ ምናልባት እውን ሓደ ምዕራፍ ጥራይ እየ ዘንብብ። ንግሆ ስለ ዘንብብ ከኣ ምሉእ መዓልቲ ነቲ ዘንበብክዎ ኽሓስበሉ እውዕል እየ” ይብል። ስለዚ፡ እቲ እትጥቀመሉ ሜላ ብዘየገድስ፡ ካብቲ ዘንበብካዮ ብግቡእ ክትጥቀም ብዜኽእለካ ፍጥነት ኣንብብ።—መዝ. 119:97፣ “ ክትሓስበሉ ዘሎካ ሕቶታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

10. ነቲ እተምሃርካዮ ብኸመይ ክትትግብሮ ኸም እትኽእል ብኣብነት ኣረድእ። (1 ተሰሎንቄ 5:17, 18)

10 መጽሓፍ ቅዱስ እተንብበሉ ግዜ፡ መዓስ ምዃኑ ወይ ስፍሓቱ ብዘየገድስ፡ ነቲ ዘንበብካዮ እትትግብረሉ መገድታት ኣናዲ። ሓደ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ነዚ ሓበሬታ እዚ፡ ሕጂ ወይ ኣብ ቀረባ ግዜ ብኸመይ ክትግብሮ እኽእል፧’ ንኣብነት፡ ኣብ ንባብካ 1 ተሰሎንቄ 5:17, 18 ተንብብ ንበል። (ኣንብብ።) ነዘን ክልተ ፍቕዲ ድሕሪ ምንባብካ፡ ሓንሳእ ደው ኣቢልካ፡ ክሳዕ ክንደይ ብተደጋጋሚ ኸም እትጽልን ክሳዕ ክንደይ ብዕምቈት ከም እትጽልን ትሓስብ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኸተመስግነሎም እትደሊ ነገራት ትሓስብ። ምናልባት፡ ብዛዕባ ሰለስተ ነገራት ፈሊኻ ንየሆዋ ኸተመስግኖ ትደሊ ትኸውን። በዘን ብኣትኵሮ ዘጽናዕካለን ሒደት ደቓይቕ፡ ብእተወሰነ መጠን ሰማዕን ተግባርን ቃል ኣምላኽ ኢኻ እትኸውን። ካልእ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ መዓልቲ መዓልቲ ነዚ ሜላ እዚ እንተ ደጋጊምካዮ እትረኽቦ ጥቕሚ እሞ ሕሰቦ! እወ፡ ከም ገባሪ ቓል ኣምላኽ እናዓበኻ ኽትከይድ ኢኻ። ግናኸ፡ ብዙሕ ክትሰርሓሉ ዘሎካ ነገራት ከም ዘሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ እንታይ ትገብር፧

ሚዛናዊ ሸቶታት ኣውጽእ

11. ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዚውሃብ ምኽሪ ኻብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዀይኑ ኺስምዓካ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

11 መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን መምርሒታቱ ኣብ ተግባር እተውዕለሉ መገዲ ኸተናድን ከለኻ፡ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ፦ ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ንኣድልዎ ዚምልከት ምኽሪ ተንብብ ንበል። (ያእ. 2:1-8) ስለዚ፡ ንኻልኦት ኣብ እትሕዘሉ መገዲ ምትዕርራይ ክትገብር ከም ዘሎካ ትግንዘብ፡ ለውጥታት ክትገብር እውን ትውስን። ጽቡቕ! ንጽብሒቱ ኸኣ፡ ዘረባኻ ምቍጽጻር ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት ተንብብ። (ያእ. 3:1-12) ሽዑ፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ኣሉታዊ ዘረባ ኸም እተዛረብካ ትዝክር። ስለዚ፡ ኣወንታውን ዚሃንጽን ዘረባ ጥራይ ክትዛረብ ትውስን። ኣብቲ ድሕሪኡ ዘሎ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ ኸኣ፡ ዓርኪ ዓለም ክትከውን ከም ዘይብልካ ዚገልጽ ሓሳብ ተንብብ። (ያእ. 4:4-12) ሽዑ ኸኣ ኣብ መዘናግዒ ብዝያዳ መራጺ ኽትከውን ከም ዚግብኣካ ተስተብህል። ኣብቲ ራብዓይ መዓልቲ ግና፡ እቲ ኽትዓይየሉ ዚግብኣካ ነገራት ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ልዕሊ ዓቕምኻ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ።

12. መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ ለውጥታት ክትገብር ከም ዚግብኣካ እንተ ተረዲኡካ፡ ተስፋ ኽትቈርጽ ዘይብልካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

12 ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ክትገብር እንተ ደሊኻ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። እዚ ነገር እዚ፡ ጽቡቕ ልቢ ኸም ዘሎካ ዜርኢ እዩ። ሓደ ትሑትን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኺዓይየሉ ዚግባእ ኪረክብ ኢሉ እዩ ቅዱሳት ጽሑፋት ዜንብብ። a ብተወሳኺ፡ “ሓድሽ ስብእና” ምልባስ፡ ቀጻሊ መስርሕ ምዃኑ ኣይትረስዕ። (ቈሎ. 3:10) እሞ ደኣ፡ ብቐጻሊ ገባሪ ቓል ኣምላኽ ኣብ ምዃን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

13. ሚዛናዊ ሸቶታት ከተውጽእ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ኵሉ እቲ ዘንበብካዮ ብሓንሳእ ኣብ ተግባር ከተውዕሎ ኻብ እትጽዕር፡ ሚዛናዊ ሸቶታት ኣውጽእ። (ምሳ. 11:2) ንኣብነት፡ ከምዚ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ፦ ክትዓይየሎም ዘሎካ ነጥብታት ጽሓፍ፡ ሓደ ወይ ክልተ ብቐዳምነት ክትዓይየሉ እትደሊ ፍለ። ነቲ ዝተረፈ ኸኣ ኣብ ካልእ እዋን ትዓይየሉ። እሞ በየን እንተ ጀመርካ ይሓይሽ፧

ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብካዮ ብሓንሳእ ክትዓይየሉ ኻብ እትጽዕር፡ ስለምንታይ ሚዛናዊ ሸቶታት ዘይተውጽእ፧ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ኣተኵር (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ)


14. በየናይ ሸቶታት ክትጅምር ትኽእል፧

14 በቲ ብቐሊሉ ኽትወቕዖ እትኽእል ሸቶ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ በቲ ብዙሕ ምትዕርራይ ክትገብረሉ እትደሊ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ። ሸቶኻ ምስ ኣነጸርካ፡ በቲ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ ወይ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብሃል ናውቲ ጌርካ ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ግበር። ብዛዕባ ሸቶኻ፡ “ድሌትን ንምግባር ዓቕምን” ምእንቲ ኺህበካ ናብ የሆዋ ጸሊ። (ፊል. 2:13) ድሕሪኡ፡ ነቲ እተምሃርካዮ ኣብ ተግባር ኣውዕሎ። ኣብቲ ናይ ፈለማ ሸቶኻ ዝረኸብካዮ ኣሳልጦ፡ ነቲ ኻልእ ሸቶታትካ ኽትዓይየሉ ኼለዓዕለካ እዩ። ኣብ ሓደ መዳይ ክርስትያናዊ ኣነባብራኻ ወይ ክርስትያናዊ ባህርያትካ ምምሕያሽ እንተ ጌርካ፡ ኣብቲ ኻልእ መዳያት ምምሕያሽ ንምግባር ኪቐልለካ እዩ።

‘ቃል ኣምላኽ ኣባኻ ይዕየ’

15. ካብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዜንበብዎ ብዙሓት ሰባት፡ ህዝቢ የሆዋ እተፈልዩ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (1 ተሰሎንቄ 2:13)

15 ገለ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ ከም ዘንበብዎ ይዛረቡ። ግናኸ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ይኣምኑሉ ድዮም፧ ኣብ ተግባር የውዕልዎ ድዮም፧ ኣብ ህይወቶምከ ጽልዋ ኺገብር ይፈቕዱሉ ድዮም፧ እቲ ዜሕዝን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይዚ ሕቶታት መልሲ ‘ኣይፋል’ ዚብል እዩ። ህዝቢ የሆዋ ግና ካብዚ እተፈለና ኢና። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ፡ ከም ቃል ኣምላኽ” ጌርና ኢና እንቕበሎ። ኣብ ህይወትና ይዓዪ ኸም ዘሎ ኸነርኢ እውን ንጽዕር ኢና።1 ተሰሎንቄ 2:13 ኣንብብ።

16. ገበርቲ ቓል ንምዃን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

16 ቃል ኣምላኽ ምንባብን ኣብ ተግባር ምውዓልን ኵሉ ግዜ ቐሊል ኣይኰነን። ምናልባት ንንባብ ዚኸውን ግዜ ኽንስእን ንኽእል ኢና። ወይ ብፍጥነት ከነንብቦ ንፍተን ንኸውን፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ከይተረዳእናዮ ንሓልፍ። ወይ እውን እቲ ኽንገብሮ ዚግባእ ምትዕርራይ ልዕሊ ዓቕምና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። እቲ ዕንቅፋት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ኪስገር ዘይከኣል ኣይኰነን። ብሓገዝ የሆዋ ዅሉ ይከኣል እዩ። ስለዚ፡ ሓገዙ ንምቕባል፡ ዚርስዑ ሰማዕቲ ዘይኰነስ ገበርቲ ቓል እውን ንምዃን ቈራጽነት ንግበር። ብዘይ ጥርጥር እምበኣር፡ ብዝያዳ ንቓል ኣምላኽ ብዘንበብናዮን ብዝተግበርናዮን መጠን ሓጐስና እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ።—ያእ. 1:25

መዝሙር 94 ንኣምላኽ ስለቲ ቓሉ ነመስግኖ

a ኣብ jw.org፡ መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧—ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።