ዓንቀጽ መጽናዕቲ 10
ኣብ ጉባኤ ዘለኹም ኵላትኩም፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ኪዓብዩ ሓግዝዎም
“ኵሉ ኣካል . . . ንዕቤት እቲ ሰብነት ኣበርክቶ ይገብር እዩ።”—ኤፌ. 4:16።
መዝሙር 85 ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ
መላለዪ *
1-2. ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ኪዓብዩ መን ኪሕግዞም ይኽእል፧
ኣብ ፊጂ እትነብር ኤሚ፡ “ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምሃሮ ዝነበርኩ እፈትዎ ነይረ እየ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ ነይረ እየ። ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ክሓብር ከይጀመርኩ ግና፡ ዜድሊ ለውጥታት ክገብርን ናብ ጥምቀት ዕቤት ክገብርን ኣይከኣልኩን ነይረ” ትብል። ተመክሮ ኤሚ እዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ዜጕልሓልና። ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጉባኤ ኻብ ዚርከቡ ኻልኦት ሓገዝ ምስ ዚረክብ እዩ ናብ ጥምቀት ቀጻሊ ዕቤት ኪገብር ዚኽእል።
2 ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ንወሰኽ ጉባኤ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 4:16) ኣብ ቫኑዋቱ እትነብር ሌላኒ ዝስማ ፈላሚት፡ “‘ቈልዓ ንምዕባይ፡ ምሉእ ቍሸት የድሊ’ ዚብል ብሂል ኣሎ። ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይመስለንን። ንሓደ ሰብ ናብ ሓቂ ንምምጻእ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ጉባኤ የድሊ” ኢላ ትዕዝብታ ትገልጽ። ሓደ ቘልዓ ብሱል ኰይኑ ምእንቲ ኺዓቢ፡ ኣባላት ስድራ ቤትን ፈተውትን መምህራንን እጃም ኣለዎም። ነቲ ቘልዓ ብምትብባዕን ኣገዳሲ ትምህርትታት ብምምሃርን ከምኡ ይገብሩ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ ኣስፋሕቲ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመኽርዎምን ኬተባብዕዎምን ሰናይ ኣብነት ኪዀንዎምን ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ናብ ጥምቀት ንምዕባይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ።—ምሳ. 15:22።
3. ካብቲ ኣናን ዶሪንን ሌላኒን ዝሃብዎ ሓሳብ እንታይ ትምሃር፧
3 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሕ ኣስፋሒ ነቲ ኻልኦት ኣስፋሕቲ ንተምሃራዩ ዚገብሩሉ ሓገዝ ተሓጒሱ ኪቕበል ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ሞልዶቫ ፍልይቲ ፈላሚ ኰይና እተገልግል ኣና፡ “ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ኪገብር ኪጅምር ከሎ፡ ሓደ ሰብ ጥራይ ንዅሉ እቲ ዜድልዮ ዮሃ. 13:35።
ኼማልኣሉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ” ትብል። ኣብታ ሃገር እቲኣ ፍሉይ ፈላሚ ዀይኑ ዜገልግል ዶሪን እውን፡ “መብዛሕትኡ ግዜ ኻልኦት ኣስፋሕቲ፡ ኣነ ዘይሓሰብክዎ ልቢ እቲ ተምሃራይ ዚትንኪ ነገር ይዛረቡ እዮም” ይብል። ሌላኒ ኸኣ፡ “እቲ ተምሃራይ ዚርእዮ ፍቕርን ለውሃትን፡ ንህዝቢ የሆዋ ኼለልዮም ይሕግዞ እዩ” ብምባል ካልእ ምኽንያት ትጠቅስ።—4. ኣብዛ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧
4 ይኹን እምበር፡ ‘መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘይመርሓሉ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይረ እየ ኽሕግዞ ዝኽእል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንዕደም ከለና እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል፡ እቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ምስ ጀመረ ኸኣ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል እስከ ንርአ። ሽማግለታት ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ኪዓብዩ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉ እውን ክንርኢ ኢና።
ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዕደም ከለኻ
5. ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዕደም ከለኻ፡ እንታይ ግደ እዩ ዘሎካ፧
5 ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቃል ኣምላኽ ንተምሃራይ ናይ ምርዳእ ሓላፍነት ብቐዳምነት ናይ መምህር እዩ። እቲ መምህር ናብ መጽናዕቲ እንተ ዓዲሙካ፡ ንርእስኻ ኸም ሓጋዚኡ ጌርካ ኽትርእያ ኣሎካ። ኣብቲ መጽናዕቲ ዘሎካ ግደ ንዕኡ ምድጋፍ እዩ። (መክ. 4:9, 10) እሞ ደኣ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፍረ ዘለዎ ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
6. ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተዓዲምካ ኽትከይድ ከለኻ፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 20:18 ዚርከብ ስርዓት ብኸመይ ክትዓይየሉ ትኽእል፧
6 ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተዳሎ። ፈለማ ነቲ መምህር፡ ብዛዕባ እቲ ተምሃራይ እተወሰነ ነገር ኪነግረካ ሕተቶ። (ምሳሌ 20:18 ኣንብብ።) ከምዚ ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ፦ “ድሕረ ባይታ እቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ ምስኡ እንታይ ኢኹም ከተጽንዑ፧ ኣብዚ መጽናዕቲ እዚ እንታይ ሸቶ እዩ ዘሎካ፧ ኣብቲ መጽናዕቲ ኽገብሮ ወይ ክብሎ ዘሎኒ ወይ ዘይብለይ ነገር ኣሎ ድዩ፧ ነቲ መጽናዕቲ፡ ዕቤት ንምግባር እንታይ ኬተባብዖ ይኽእል፧” እቲ መምህር መሸም ምስጢራዊ ሓበሬታ ኣይነግረካን እዩ። እቲ ዜካፍለካ ነገር ግና፡ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጆይ ዝስማ ሚስዮናዊት ምስተን ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትዕድመን ሰባት ከምዚ ዓይነት ምይይጥ ትገብር እያ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “እዚ ምይይጥ እዚ ነታ ብጸይተይ፡ ነታ ተምሃሪት ክትግደሰላን ኣብቲ መጽናዕቲ ብኸመይ ኣበርክቶ ኽትገብር ከም እትኽእል ክትፈልጥን ይሕግዛ” ትብል።
7. ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተዓዲምካ ኽትከይድ ከለኻ፡ ነቲ መጽናዕቲ ኽትዳሎ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
7 ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተዓዲምካ፡ ነቲ እትመያየጡሉ ትምህርቲ እንተ ተዳሎኻሉ ጽቡቕ እዩ። (እዝ. 7:10) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዶሪን ዚብሃል ሓው፡ “መገላግልተይ ንመጽናዕቲ ኺዳሎ ኸሎ የሐጕሰኒ እዩ። ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ትርጉም ብዘለዎ መገዲ ኺሳተፍ ይኽእል እዩ” ይብል። ብተወሳኺ ድማ፡ እቲ ተምሃራይ፡ ክልቴኹም ኣጸቢቕኩም ከም እተዳሎኹም ኬስተብህል እዩ። እዚ ድማ ንዕኡ ሰናይ ኣብነት ኪዀኖ እዩ። ዋላ እውን ነቲ ትምህርቲ ኣጸቢቕካ ኽትዳሎ እንተ ዘይከኣልካ፡ እተወሰነ ግዜ ወሲድካ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ርኣዮ።
8. ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተቕርቦ ጸሎት ትርጉም ዘለዎ ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
8 ጸሎት ኣገዳሲ ኽፋል መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ስለዚ፡ ኽትጽሊ እንተ ተሓቲትካ እንታይ ከም እትብል ኣቐዲምካ ሕሰበሉ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ጸሎትካ ትርጉም ዘለዎ ኪኸውን እዩ። (መዝ. 141:2) ኣብ ጃፓን እትነብር ሃናኤ፡ ሓንቲ ምስ መምህራ ዝመጸት ሓብቲ ንዘቕረበቶ ጸሎት ክሳዕ ሕጂ ትዝክሮ እያ። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ምስ የሆዋ ጥብቂ ዕርክነት ከም ዘለዋ ኽርኢ ኽኢለ እየ፣ ከምኣ ኸኣ ክኸውን ደልየ። ኣብ ጸሎታ ስመይ ምስ ጠቐሰት ከኣ እተፈቶኹ ዀይኑ ተሰሚዑኒ።”
9. ብመሰረት ያእቆብ 1:19፡ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መምህር ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
9 ኣብቲ መጽናዕቲ ነቲ መምህር ደግፎ። ኣብ ናይጀርያ እትነብር ኦማሙዮቪ ዝስማ ፍልይቲ ፈላሚት ከምዚ ትብል፦ “ሓጋዚ ዝዀነ መገላግልቲ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ይከታተል እዩ። ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ኸኣ ይገብር እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቲ መምህር ነቲ መጽናዕቲ ኸም ዚመርሖ ስለ ዜስተውዕል፡ ብዙሕ ኣይዛረብን እዩ።” እሞ ደኣ ኣብቲ መጽናዕቲ መዓስን ብኸመይን እጃምካ ኸም እተበርክት ከመይ ጌርካ ትፈልጥ፧ (ምሳ. 25:11) እቲ መምህርን እቲ ተምሃራይን ኪዛራረቡ ኸለዉ ብኣቓልቦ ስማዕ። (ያእቆብ 1:19 ኣንብብ።) ከምኡ እንተ ጌርካ ጥራይ ኢኻ ኣብ ግቡእ ግዜ ንምዝራብ ድሉው ክትከውን እትኽእል። ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለት እውን ክትጥቀም ኣሎካ። ንኣብነት፡ ዘረባ ኸተብዝሕ፡ እቲ መምህር ኪገልጽ ከሎ ኽትኰልፎ፡ ወይ ሓድሽ ጕዳይ ከተልዕል የብልካን። ኰይኑ ግና፡ ብሓጺር ሓሳብ፡ ምሳሌ፡ ወይ ሕቶ ጌርካ ነቲ ዚቐርብ ዘሎ ትምህርቲ ንምንጻር ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብዙሕ ተወሳኺ ሓሳብ ክትህብ ከም ዘይትኽእል ይስምዓካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ተምሃራይ እንተ ንኢድካዮ፡ ብሕታዊ ተገዳስነት እውን እንተ ኣርኢኻዮ፡ ኣብ ዕቤቱ ብዙሕ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።
10. ተመክሮኻ ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዞ ይኽእል፧
10 ተመክሮኻ ኣካፍል። ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ መዳይ፡ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝፈለጥካ፡ ጸገም ብኸመይ ከም ዝሰገርካ፡ ወይ ኢድ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ከም ዝረኣኻ ነቲ ተምሃራይ ኣሕጽር ኣቢልካ ኽትነግሮ ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 78:4, 7) እቲ ተምሃራይ ካብ ተመክሮኻ ብዙሕ ኪጥቀም ይኽእል እዩ። እምነቱ ኽትድልድል፡ ወይ ናብ ጥምቀት ንምዕባይ ኪተባባዕ ይኽእል ይኸውን። ንዜጋጥሞ ፈተና ብኸመይ ከም ዚሰግሮ እውን ይርኢ ይኸውን። (1 ጴጥ. 5:9) ሕጂ ፈላሚ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ኣብ ብራዚል ዚነብር ጋብሪኤል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዜጽንዓሉ ዝነበረ እዋን ብዛዕባ ዝረኸቦ ጥቕሚ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ተመክሮ ኣሕዋት ምስ ሰማዕኩ፡ የሆዋ ንጸገማትና ኸም ዚርእዮ ተማሂረ። ንሳቶም ኪሰግርዎ እንተ ኽኢሎም፡ ኣነ እውን እኽእል እየ።”
ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣኼባታት ምስ መጸ
11-12. ናብ ኣኼባታት ንዚመጽእ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ጌርና ኽንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
11 ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ዕቤት ኪገብር እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኣዘውቲሩ ኺእከብን ካብኡ ኺጥቀምን ኣለዎ። (እብ. 10:24, 25) መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ መምህሩ እዩ ናብ ኣኼባ ንፈለማ ግዜ ኺመጽእ ዚዕድሞ። ናብ ኣኼባ ምስ መጸ፡ ብቐጻሊ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺመጽእ፡ ኵላትና ኸነተባብዖ ንኽእል ኢና። ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧
12 ነቲ ተምሃራይ ጽቡቕ ጌርካ ተቐበሎ። (ሮሜ 15:7) እቲ ተምሃራይ ኣብ ኣኼባታት ጽቡቕ ኣቀባብላ እንተ ተገይሩሉ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ንምምጻእ ኪተባባዕ እዩ። ስለዚ፡ ከይተሰክፎ እናተጠንቀቕካ፡ ጽቡቕ ጌርካ ሰላም በሎ፡ ምስ ካልኦት እውን ኣፋልጦ። ንዕኡ ዚከናኸኖ ኸም ዘለዎ ጌርካ ኣይትሕሰብ፣ ምናልባት መምህሩ ደንጕዩ ይመጽእ ይኸውን፡ ወይ ካልእ ሓላፍነታት ይህልዎ ይኸውን። ነቲ ተምሃራይ ብኣቓልቦ ስምዓዮ፡ ብሕታዊ ተገዳስነት እውን ኣርእዮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ኣቀባብላ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧ ቅድሚ ሒደት ዓመታት እተጠምቀ፡ ሕጂ ድማ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ድሚትሪ ዝበሎ እስከ ንርአ። ንሱ ብዛዕባ እቲ ንፈለማ ናብ ኣኼባ ዝመጸሉ እዋን ዘለዎ ተዘክሮ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “እናፈራህኩ ኣብ ወጻኢ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይነ ኽጽበ ኸለኹ ሓደ ሓው ርእዩኒ፣ ተማሊኡኒ ኸኣ ናብ ውሽጢ ኣትዩ። ብዙሓት መጺኦም ሰላም ኢሎምኒ። እዚ ብሓቂ ኣገሪሙኒ። ነቲ ኣኼባ ኣመና ስለ ዝፈቶኽዎ፡ ምሉእ ሰሙን መዓልቲ መዓልቲ ኣኼባ ኪኸውን ተመንየ። ኣብ ካልእ ርእየዮ ዘይፈልጥ እየ ርእየ።”
13. ኣካይዳኻ ኣብ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧
13 ሰናይ ኣብነት ኩን። ኣካይዳኻ ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኸም ዝረኸበ ንምእማን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 5:16) ሕጂ ኣብ ሞልዶቫ ፈላሚ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ቪታሊ ኸምዚ ይብል፦ “ካብ ኣነባብራን ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኻልኦት ሰባት ተማሂረ እየ። እዚ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ምስ ኣምላኽ ከም ዚመላለሱ ኣእሚኑኒ እዩ።”
14. እቲ ሰናይ ኣብነትካ ንሓደ ሰብ ቀጻሊ ዕቤት ኪገብር ኪሕግዞ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
14 እቲ ተምሃራይ ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ ብቕዓት ንምጥራይ፡ ነቲ እተማህሮ ኺትግብሮ ኣለዎ። እዚ ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። እቲ ተምሃራይ ንስኻ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ብኸመይ ከም እተጠቐምካ ኺርኢ ኸሎ ግና፡ ንዓኻ ንምምሳል ይለዓዓል 1 ቈረ. 11:1) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሃናኤ ዘሕለፈቶ ተመክሮ እስከ ንርአ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ትምህርቲ፡ ህያው ኣብነታት እዮም ኰይኖምለይ። ብኸመይ ከም ዘተባብዕን ይቕረ ኸም ዝብልን ፍቕሪ ኸም ዘርእን ርእየ እየ። ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ ሓድሕዶም ጽቡቕ እዮም ዚዛረቡ። ኣነ ድማ ንዓታቶም ክመስል ደልየ።”
ይኸውን። (15. ኣብ ምሳሌ 27:17 ከም እተገልጸ፡ ናብ ኣኼባታት ምስ ዚመጽእ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ክንተዓራረኽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
15 ምስቲ ተምሃራይ ተዓራረኽ። እቲ ተምሃራይ ናብ ኣኼባታት ብቐጻሊ ኺመጽእ ምስ ጀመረ፡ ወትሩ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርእዮ። (ፊል. 2:4) ከምኡ ንምግባር ከኣ ኣዛርቦ። ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቱ ኸይኣቶኻ፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ኣወንታዊ ለውጥታት ክትንእዶ፡ ብዛዕባ መጽናዕቱን ስድራ ቤቱን ስራሑን እውን ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዝርርብ እዚ ኼቀራርበኩም ይኽእል እዩ። ምስ ሓደ ተምሃራይ ክትተዓራረኽ ከለኻ፡ ናብ ጥምቀት ኪዓቢ ኢኻ እትሕግዞ ዘለኻ። (ምሳሌ 27:17 ኣንብብ።) ሃናኤ ሕጂ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ብዛዕባ እቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣኼባታት እተኣከበትሉ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ ጉባኤ መሓዙት ስለ ዝገበርኩ፡ ንኣኼባታት ተሃንጥየ እየ ዝጽበዮ ነይረ። ዋላ እውን ደኺመ ኸለኹ ኸኣ፡ ናብ ኣኼባ እኸይድ ነይረ። ምስተን ሓደስቲ መሓዙተይ ዝነበረኒ ቕርርብ ፈትየዮ። እዚ ኸኣ ምስተን ከም ናተይ ዓይነት እምነት ዘይብለን ሰባት ዝነበረኒ ቕርርብ ክበትኽ ሓጊዙኒ እዩ። ናብ የሆዋን ናብ ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ብዝያዳ ክቐርብ ደልየ። ስለዚ፡ ክጥመቕ ወሲነ።”
16. ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጉባኤ ምእንቲ ኸይጋየሽ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
16 እቲ ተምሃራይ ቀጻሊ ዕቤትን ለውጥታትን ኪገብር ከሎ፡ ኣብታ ጉባኤ ቦታ ዘለዎ ምዃኑ ኸም ዚስምዖ ግበር። ተቐባል ጋሻ ብምዃን፡ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። (እብ. 13:2) ሕጂ ኣብ ሞልዶቫ ዜገልግል ዘሎ ደኒስ ነቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረሉ እዋን ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ኣነን ሰበይተይን ናብ እንዳ ኣሕዋት ንዕደም ኔርና ኢና። ንሳቶም ሓገዝ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝረኣዩ ኸኣ ንሰምዕ ኔርና ኢና። እዚ ኣተባቢዑና እዩ። እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ድማ ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኸም እንደልን ዜደንቕ ህይወት ከም ዚጽበየናን ክንኣምን ሓጊዙና እዩ።” ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፋሒ ምስ ኰነ፡ ናብ ኣገልግሎት ክትዕድሞ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ብራዚል ዚነብር ዲዬጎ ዝስሙ ኣስፋሒ፡ “ብዙሓት ኣሕዋት ናብ ኣገልግሎት ዓዲሞምኒ እዮም። እዚ ድማ ኣጸቢቐ ኽፈልጦም ዘኽኣለኒ ብሉጽ መገዲ እዩ ነይሩ። ከምኡ ኽገብር ከለኹ ብዙሕ ተማሂረ እየ። ናብ የሆዋን ናብ የሱስን ከኣ ብዝያዳ ቐሪበ እየ።”
ሽማግለታት ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧
17. ሽማግለታት ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧
17 ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግዜ ሃቦም። ኣቱም ሽማግለታት፡ እቲ ፍቕራዊ ተገዳስነትኩም ንተምሃሮ ናብ ጥምቀት ኪዓብዩ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ኣብ
ኣኼባታት ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ከተዛርብዎምዶ ትኽእሉ፧ ምናዳ ሓሳብ ኪህቡ ምስ ጀመሩ፡ ስማቶም ትዝክርዎ እንተ ዄንኩም ንተገዳስነትኩም ኬስተውዕሉሉ እዮም። ኣብ መደባትኩም ምትዕርራይ ብምግባር፡ ንሓደ ኣስፋሒ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሰኒኹምዎ ኽትከዱ ትኽእሉዶ፧ ኣብቲ ተምሃራይ ካብቲ እትሓስብዎ ንላዕሊ ጽልዋ ኺህልወኩም ይኽእል እዩ። ኣብ ናይጀርያ ዚነብር ጃኪ ዝስሙ ፈላሚ ኸምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “ብዙሓት ተምሃሮይ፡ እቲ ናብ መጽናዕቲ ሒዘዮ ዝመጻእኩ ሓው፡ ሽማግለ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ይስምብዱ እዮም። ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ፓስተርና ፈጺሙ ኸምኡ ኣይገብርን እዩ። ንሃብታማት ጥራይ እዩ ዚበጽሖም፣ ንዓታቶም እውን እንተ ኸፊሎምዎ እዩ ዚበጽሖም’ ኢሉኒ።” እቲ ተምሃራይ እቲ፡ ሕጂ ኣብ ኣኼባታት ይእከብ ኣሎ።18. ሽማግለታት ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:28 ተዋሂብዎም ዘሎ ሓላፍነት ብኸመይ ኪፍጽሙ ይኽእሉ፧
18 ንመምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ኣሰልጥንዎምን ኣተባብዕዎምን። ኣቱም ሽማግለታት፡ ንኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎቶም፡ እንተላይ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ውጽኢታውያን ኪዀኑ ናይ ምስልጣን ከቢድ ሓላፍነት ኣሎኩም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28 ኣንብብ።) ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሜኹም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ዜሕፍሮ እንተ ዀይኑ፡ ንስኻትኩም ክትመርሑሉ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጃኪ ኸምዚ ይብል፦ “ሽማግለታት ኣዘውቲሮም ብዛዕባ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮም ተምሃሮ ይሓትቱኒ እዮም። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ ኬጸግመኒ ኸሎ፡ ጠቓሚ ምኽሪ ይህቡኒ እዮም።” ሽማግለታት ንመምህራን ንምትብባዕን ንምልዕዓልን ብዙሕ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። (1 ተሰ. 5:11) ምስዚ ብዚተሓሓዝ ጃኪ ኸምዚ ይብል፦ “ሽማግለታት ኬተባብዑንን ንጻዕረይ ከም ዜድንቕዎ ኺነግሩንን ከለዉ ደስ ይብለኒ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ሃሩር እትሰትዮ ዝሑል ማይ ንመንፈሰይ የሐድሶ እዩ። እቲ ናእዳኦም ንርእሰ ምትእምማነይ የዕዝዞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ ንዝረኽቦ ሓጐስ እውን ይውስኸሉ እዩ።”—ምሳ. 25:25።
19. ኵላትና እንታይ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል፧
19 ዋላ እውን ሕጂ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕ እንተ ዘየለና፡ ንሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ኪገብር ግና ክንሕግዞ ንኽእል ኢና። ጽቡቕ ጌርና ተዳሊና ዘረባ ኸየብዛሕና ሓሳብ ብምሃብ፡ ነቲ መምህር ክንድግፎ ንኽእል ኢና። እቶም ተምሃሮ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጹ ኽንተዓራረኾም ንኽእል ኢና፣ ሰናይ ኣብነት እውን ክንኰኖም ንኽእል ኢና። ሽማግለታት ድማ ነቶም ተምሃሮ ግዜ ብምሃብ፡ ነቶም መምህራን ከኣ ብምስልጣንን ብምንኣድን ኬተባብዕዎም ይኽእሉ እዮም። ከም ሓቂ ኸኣ፡ ሓደ ሰብ ንኣቦና የሆዋ ኼፍቅሮን ኬገልግሎን ኣብ ምሕጋዝ ንእሽቶ እጃም እኳ ኸም ዘበርከትና ኻብ ምፍላጥ ዚዓቢ ሓጐስ እንታይ ኣሎ፧
መዝሙር 79 ኪጸንዑ ኣሰልጥኖም
^ ሕ.ጽ. 5 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሕ ኵላትና ኸይንኸውን ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ንሰብ ናብ ጥምቀት ኪዓቢ ኽንሕግዝ ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነፍሲ ወከፍና ንተምሃራይ ናብቲ ሸቶ እቲ ኺበጽሕ ብኸመይ ክንሕግዞ ኸም እንኽእል ክንርኢ ኢና።