ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 9

ኣቱም መንእሰያት፡ ካልኦት ምእንቲ ኺኣምኑኹም እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

ኣቱም መንእሰያት፡ ካልኦት ምእንቲ ኺኣምኑኹም እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

“ከም ኣውሊ ዝበሉ ጭፍራ መንእሰያት ኣለዉኻ።”—መዝ. 110:3

መዝሙር 39 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ይሃልወና

መላለዪ *

1. መንእሰያት ኣሕዋት እንታይ ጸጋታት እዩ ዘለዎም፧

ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ብዙሕ ከተበርክቱ ትኽእሉ ኢኹም። መብዛሕትኹም ብዙሕ ሓይልን ጕልበትን ኣሎኩም። (ምሳ. 20:29) ንጉባኤኹም ብዙሕ ክትጠቕሙ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዄንኩም እትሽየሙሉ እዋን ብሃንቀውታ ትጽበይዎ ትዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ካልኦት ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ንምዕያይ ገና ንኣሽቱ ወይ ዘይምኩራት ገይሮም ከም ዚርእዩኹም ይስምዓኩም ይኸውን። ገና እኳ መንእሰያት እንተ ዀንኩም፡ እቶም ኣብ ጉባኤኹም ዘለዉ ሰባት ምእንቲ ኺኣምኑኹምን ኬኽብሩኹምን፡ ክትገብርዎ እትኽእሉ ነገራት ኣሎ።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ህይወት ንጉስ ዳዊት ከነተኵር ኢና። ኣብ ህይወት እቶም ኣሳን ዮሳፋጥን ዚብሃሉ ኽልተ ነገስታት ይሁዳ ዘጋጠመ ነገር እውን ኣሕጽር ኣቢልና ኽንርኢ ኢና። ነዞም ሰለስተ ሰባት እዚኦም እንታይ ብድሆታት ከም ዘጋጠሞም፡ ንሳቶም ነዚ ንምፍታሕ እንታይ ከም ዝገበሩ፡ መንእሰያት ኣሕዋት ድማ ካባታቶም እንታይ ከም ዚምሃሩ ኽንምርምር ኢና።

ካብ ንጉስ ዳዊት ተምሃር

3. መንእሰያት ነቶም ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዚሕግዙሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

3 ዳዊት ብግዜ ንእስነቱ ኣኽቢርካ ዚርአ ኽእለታት ኣማዕቢሉ ነይሩ እዩ። ብንጹር መንፈሳዊ ሰብ እዩ ነይሩ፣ ነቲ ናይ ሙዚቃ ኽእለቱ ብምምዕባል ከኣ፡ ነቲ ብኣምላኽ እተሸመ ንጉስ ዝነበረ ሳኦል ጠቒምዎ እዩ። (1 ሳሙ. 16:16, 23) እሞ ደኣ ኣቱም መንእሰያት፡ ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኻልኦት ዚጠቅም ክእለት ኣሎኩምዶ፧ እወ፡ መብዛሕትኹም ኣሎኩም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ ታብለቶም ወይ ካልእ ኤለክትሮኒካዊ ናውቶም ንብሕታዊ መጽናዕቲ ወይ ንኣኼባ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ ዜርእዮም ይደልዩ እዮም። እቲ ብዛዕባ እዚ ናውቲ እዚ ዘሎኩም ፍልጠት ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ብዙሕ ኪጠቕሞም ይኽእል እዩ።

ዳዊት ንኣባጊዕ ኣቦኡ ኺጓሲ ኸሎ፡ ሓላፍነት ዚስምዖን እሙንን እዩ ነይሩ፣ ካብ ድቢ እኳ ይከላኸለለን ነይሩ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

4. መንእሰያት ኣሕዋት ከም ዳዊት እንታይ ባህርያት ኬማዕብሉ ኣለዎም፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ዳዊት ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ሓላፍነት ዚስምዖን እሙንን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ብግዜ ንእስነቱ ንኣባጊዕ ኣቦኡ ብትግሃት ይሕሉ ነይሩ እዩ። እዚ ሓደገኛ ዕዮ እዩ ነይሩ። ዳዊት ኣብ ካልእ ግዜ ብዛዕባ እዚ ንንጉስ ሳኦል፡ “ጊልያኻ መጓሰ ኣቦኡ ይጓሲ ነይሩ፣ ኣንበሳ መጺኡ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ ምስ ወሰደ፡ ድቢ እውን ከምኡ ምስ ገበረ፡ ኣነ ደድሕሪኡ ወጺአ ቐቲለዮ፡ ካብ ኣፉ እውን ኣናጊፈ” ኢሉ ገሊጹሉ እዩ። (1 ሳሙ. 17:34, 35) ዳዊት ንድሕንነት እተን ኣባጊዕ ሓላፍነት ይስምዖ ነይሩ እዩ፣ ብትብዓት ድማ ተቓሊሱለን እዩ። መንእሰያት ኣሕዋት ንዚውሃቦም ዕዮ ብትግሃት ብምፍጻም፡ ንዳዊት ኪመስልዎ ይኽእሉ እዮም።

5. ብመሰረት መዝሙር 25:14፡ መንእሰያት ኣሕዋት ኪገብርዎ ዚኽእሉ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር እንታይ እዩ፧

5 ዳዊት ብንእስነቱ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ ኣማዕቢሉ ነይሩ እዩ። እቲ ርክብ እቲ ኸኣ ካብቲ ዝነበሮ ትብዓት ወይ በገና ናይ ምውቃዕ ክእለት ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። የሆዋ ንዳዊት ኣምላኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ቀረባ ዓርኩ እውን እዩ ነይሩ። (መዝሙር 25:14 ኣንብብ።) ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ እቲ ኽትገብርዎ እትኽእሉ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር፡ ምስ ሰማያዊ ኣቦኹም ዘሎኩም ርክብ ምድልዳል እዩ። እዚ ኸኣ ተወሳኺ ፍሉይ መሰላት ክትረኽቡ የኽእለኩም ይኸውን።

6. ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ዳዊት እንታይ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም፧

6 ዳዊት ነቲ ኻልኦት ሰባት ብዛዕባኡ ዝነበሮም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኺሰግር ነይርዎ እዩ። ንኣብነት፡ ምስ ጐልያድ ኪዋጋእ ፍቓደኛ ምስ ኰነ፡ ንጉስ ሳኦል፡ “ንስኻ ቘልዓ ኢኻ” ብምባል ኬጐናድቦ ፈቲኑ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 17:31-33) ኣቐድም ኣቢሉ እውን ሓዉ፡ ሓላፍነት ከም ዘይስምዖ ገይሩ ነቒፍዎ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 17:26-30) የሆዋ ግና ንዳዊት ከም ዘይብሱል ወይ ሓላፍነት ከም ዘይስምዖ ገይሩ ኣይረኣዮን። ስለምንታይሲ፡ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ዳዊት ድማ ኣብ ዓርኩ የሆዋ ብምውካል፡ ንጐልያድ ወቒዑ ኪቐትሎ ኽኢሉ እዩ።—1 ሳሙ. 17:45, 48-51

7. ካብ ተመክሮ ዳዊት እንታይ ትምሃር፧

7 ካብ ተመክሮ ዳዊት እንታይ ትምሃር፧ ዕጉስ ክትከውን ከም ዘሎካ ኢኻ እትምሃር። እቶም ቈልዓ ኸለኻ ዚፈልጡኻ፡ ከም ዓብዪ ሰብ ገይሮም ኪርእዩኻ ግዜ ይወስደሎም ይኸውን። የሆዋ ግና ደጋዊ ትርኢትካ ጥራይ ከም ዘይርኢ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። መን ምዃንካን እንታይ ክእለት ከም ዘሎካን ይፈልጥ እዩ። (1 ሳሙ. 16:7) ስለዚ፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ኣደልድል። ዳዊት ንግብርታት ፍጥረት የሆዋ ብምዕዛብ ከምኡ ገይሩ እዩ። እዚ ግብርታት እዚ ብዛዕባ ፈጣሪ እንታይ ከም ዚገልጽ እውን ሓሲቡ እዩ። (መዝ. 8:3, 4፣ 139:14፣ ሮሜ 1:20) ብተወሳኺ ድማ፡ ብርታዐ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኽትውከል ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃንካ ገሊኦም መማህርትኻ የላግጹልካ ድዮም፧ ከምኡ ዚገብሩ እንተ ዀይኖም፡ ነቲ ጸገም እቲ ምእንቲ ኽትጻወሮ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ። ኣብ ቃሉን ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ ድማ ተግብር። የሆዋ ንጸገማት ክትሰግር ብዝሓገዘካ መጠን ከኣ፡ ኣብኡ ዘሎካ እምንቶ ኺዓቢ እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ካልኦት ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎካ ትውክልቲ ብዝረኣዩ መጠን ኣባኻ ዘለዎም እምነት ኪውስኽ እዩ።

መንእሰያት ኣሕዋት ብትሕትና ተደሪኾም፡ ንኻልኦት ብብዙሕ መገድታት ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)

8-9. ዳዊት ንጉስ ክሳዕ ዚኸውን፡ ብትዕግስቲ ኺጽበ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ መንእሰያት ኣሕዋትከ ኻብ ኣብነቱ እንታይ ይምሃሩ፧

8 ንዳዊት ዘጋጠሞ ኻልእ ብድሆ እስከ ንርአ። ንጉስ ኪኸውን ምስ ተቐብአ፡ ብወግዒ ንጉስ ይሁዳ ዀይኑ ኣብ ዝፋን ክሳዕ ዚድይብ፡ ብዙሕ ዓመታት ተጸብዩ እዩ። (1 ሳሙ. 16:13፣ 2 ሳሙ. 2:3, 4) እሞ ደኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ብትዕግስቲ ኺጽበ እንታይ ሓጊዝዎ፧ ተስፋ ብምቝራጽ ኣብ ክንዲ ዚለምስ፡ ኣብቲ ኺገብሮ ዚኽእል ነገር እዩ ኣተኲሩ። ንኣብነት፡ ሃዲሙ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ ጸላእቲ እስራኤል ይዋጋእ ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንዶብ ይሁዳ ይከላኸል ነይሩ እዩ።—1 ሳሙ. 27:1-12

9 መንእሰያት ኣሕዋት ካብ ዳዊት እንታይ ይምሃሩ፧ ነቲ ዘሎኩም ኣጋጣሚታት፡ ንኣሕዋትኩም ንምግልጋል ተጠቐሙሉ። ንኣብነት፡ ተመክሮ ሪካርዶ * ዝስሙ ሓው እስከ ንርአ። ወዲ 10 ዓመት ኣቢሉ ኻብ ዚኸውን ኣትሒዙ፡ ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል እዩ ዚምነ ነይሩ። ግናኸ፡ ድሉው ኣይነበረን። በዚ ኣብ ክንዲ ዚሕለል ወይ ኣብ ክንዲ ዚምረር፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ እጃም ኣስፊሑ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ዜድሊ ዕቤት ምግባረይ ጽቡቕ እዩ ነይሩ። ዝረኸብክዎ ዘበለ ተገዳስነት ኣብ ምክትታልን ፍረ ዘለዎ ተመላሊስካ ምብጻሓት ኣብ ምግባርን ኣተኲረ እየ። ንፈለማ እዋን እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሐ። ተመክሮ እናኣጥረኹ ምስ ከድኩ ኸኣ፡ ዝነበረኒ ምትእምማን ወሲኹ።” ሕጂ ሪካርዶ ንፉዕ ስሩዕ ፈላምን ኣገልጋሊ ጉባኤን ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

10. ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ዳዊት ኣገዳሲ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ እንታይ እዩ ገይሩ፧

10 ኣብ ህይወት ዳዊት ዘጋጠመ ኻልእ ነገር እስከ ንርአ። ንሱን ሰቡን እናሃደሙ ይነብሩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ሓደ ግዜ ንስድራ ቤቶም ሓዲጎም ናብ ውግእ ወፈሩ። ሽዑ ድማ፡ ጸላኢ ንኣባይቶም ወሪሩ ንስድራ ቤቶም ማሪኹ ወሰደ። ዳዊት ምኩር ተዋጋኢ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ምሩኻት ንምድሓን ባዕሉ ብሉጽ ስልቲ ኺምህዝ ከም ዚኽእል ገይሩ ኺሓስብ ምኸኣለ እዩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ካብ የሆዋ መምርሒ ደለየ። ብኻህን ኣብያታር ኣቢሉ ኸኣ፡ “ነዚ ዘማቲ ጭፍራስ ክስዕቦዶ፧” ኢሉ ንየሆዋ ሓተቶ። የሆዋ ኸኣ ከምኡ ኺገብር ነገሮ፣ ዕዉት ከም ዚኸውን እውን ኣረጋገጸሉ። (1 ሳሙ. 30:7-10) ካብዚ እንታይ ትምሃር፧

መንእሰያት ኣሕዋት ካብ ሽማግለታት ምኽሪ ኺሓትቱ ኣለዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ውሳነታት ቅድሚ ምግባርካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

11 ውሳነታት ቅድሚ ምግባርካ፡ ምኽሪ ሕተት። ንወለድኻ ኣማኽር። ካብ ምኩራት ሽማግለታት እውን ጽቡቕ ምኽሪ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ነዞም እተሸሙ ሰባት ይኣምኖም እዩ፣ ንስኻ እውን ክትኣምኖም ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ንዓታቶም፡ ንጉባኤ ኸም እተዋህቡ “ውህበት” ገይሩ እዩ ዚርእዮም። (ኤፌ. 4:8) ኣስኣሰር እምነቶም ብምስዓብን ነቲ ዚህብዎ ጥበብ ዝሓዘለ ሓሳባት ብምስማዕን፡ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ሕጂ፡ ካብ ንጉስ ኣሳ እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ።

ካብ ንጉስ ኣሳ ተምሃር

12. ኣሳ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን እንታይ ባህርያት እዩ ነይርዎ፧

12 ንጉስ ኣሳ ብንእስነቱ ትሑትን ተባዕን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ንኣቦኡ ኣብያ ተኪኡ ምስ ነገሰ፡ ኣንጻር ኣምልኾ ጣኦት ወፈራ ገበረ። “ንይሁዳ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎ፡ ሕግን ትእዛዝን ከኣ ኪሕልዉ ነገሮም።” (2 ዜና 14:1-7) ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ 1,000,000 ሰራዊት ሒዙ ንይሁዳ ኺወርር ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣሳ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ብጥበብ ናብ የሆዋ ተማህለለ፦ “ኦ የሆዋ፡ እቶም እትረድኦም ብዙሓት ይኹኑ ወይ ሓይሊ ዘይብሎም ይኹኑ ዜገድሰካ ኣይኰነን። ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ብኣኻ ተኣሚንና . . . ኣለና እሞ፡ ርድኣና።” እዚ ጽቡቕ ቓላት እዚ፡ ኣሳ ኣብቲ የሆዋ ንዕኡን ንህዝቡን ንምድሓን ዘለዎ ኽእለት ክሳዕ ክንደይ እምንቶ ኸም ዝነበሮ እዩ ዜርኢ። በዚ ኸምዚ፡ ኣሳ ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ተወከለ፣ “የሆዋ ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን . . . ሰዓሮም።”—2 ዜና 14:8-12

13. ጸኒሑ ንኣሳ እንታይ እዩ ተላዒልዎ፧ ስለምንታይከ፧

13 ምስ 1,000,000 ሰራዊት ምግጣም ከቢድ ብድሆ ምዃኑ መሸም ትሰማምዓሉ ኢኻ። ኣሳ ኸኣ ነዚ እዩ ብዓወት ሰጊሩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ዝቐለለ ብድሆ ምስ ኣጋጠሞ፡ ንየሆዋ ኣየማኸሮን። እቲ እኩይ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ኣንጻሩ ምስ መጸ፡ ካብ ንጉስ ሶርያ ሓገዝ ሓተተ። እዚ ውሳነ እዚ፡ ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ኣምጺኡ። የሆዋ ብነብዪ ሓናኒ ኣቢሉ ንኣሳ፡ “ብንጉስ ሶርያ ስለ እተኣመንካ፡ ብየሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ስለ ዘይተኣመንካ፡ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ኻብ ኢድካ ኣምሊጡ እዩ” በሎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ ንኣሳ ቐጻሊ ውግእ ተላዕሎ። (2 ዜና 16:7, 9፣ 1 ነገ. 15:32) ካብዚ እንታይ ትምሃር፧

14. ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብ የሆዋ ኽትጽጋዕ እትኽእል፧ ከምኡ እንተ ጌርካኸ፡ ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 4:12 እንታይ ኢኻ እትኸውን፧

14 ወትሩ ትሑት ኴንካ ተመላለስ፡ ብቐጻሊ እውን ኣብ የሆዋ ተወከል። ክትጥመቕ ከለኻ፡ ኣብ የሆዋ ዓብዪ እምነትን ትውክልትን ከም ዘሎካ ኣርኢኻ ኢኻ። የሆዋ ድማ ኣባል ስድራ ቤቱ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ሂቡካ እዩ። ሕጂ እቲ ቝም ነገር፡ ብቐጻሊ ኣብ የሆዋ ምውካል እዩ። ህይወት ዚቕይር ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ኣብ የሆዋ ምውካል ቀሊል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ካልእ ግዜ ግና ከመይ ኢኻ፧ ከም መዘናግዕን ዓለማዊ ስራሕን ናይ ህይወት ሸቶታትን ዝኣመሰለ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ኣብ የሆዋ ምውካል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጥበብ ኣይትጸጋዕ። ንዅነታትካ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ድለ፣ ምስቲ መምርሒ ተሰማሚዕካ ኸኣ፡ ስጕምቲ ውሰድ። (ምሳ. 3:5, 6) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ኢኻ፡ ካብ ጉባኤኻ ኸኣ ኣኽብሮት ክትረክብ ኢኻ።—1 ጢሞቴዎስ 4:12 ኣንብብ።

ካብ ንጉስ ዮሳፋጥ ተምሃር

15. ኣብ 2 ዜና መዋእል 18:1-3፣ 19:2 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ንጉስ ዮሳፋጥ እንታይ ጌጋታት እዩ ገይሩ፧

15 መሸም ከም ኵላትና ዘይፍጹም ኢኻ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ጌጋታት ትገብር ኢኻ። እዚ ግና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከኣለካ ዅሉ ኻብ ምግባር ኪዓግተካ የብሉን። ኣብነት ንጉስ ዮሳፋጥ እስከ ንርአ። ንሱ ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት ነይርዎ እዩ። መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ንኣምላኽ ኣቦኡ . . . ደለዮ፡ ብትእዛዙ እውን ተመላለሰ።” ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ የሆዋ ኺምህርዎም ኢሉ ኸኣ፡ መሳፍንቲ ናብ ብዘሎ ኸተማታት ይሁዳ ሰደደ። (2 ዜና 17:4, 7) ዮሳፋጥ ቅኑዕ ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ሕማቕ ውሳነታት ይገብር ነይሩ እዩ። ሓደ እዋን ሕማቕ ውሳነ ብምግባሩ፡ ሓደ ተወካሊ የሆዋ ወቒስዎ ነይሩ እዩ። (2 ዜና መዋእል 18:1-3፣ 19:2 ኣንብብ።) ካብዚ ዛንታ እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧

ትጉሃትን እሙናትን መንእሰያት ኣሕዋት፡ ጽቡቕ ስም የጥርዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ካብ ተመክሮ ራጂቭ እንታይ ትምሃር፧

16 ንዚውሃበካ ምኽሪ ተቐበሎ፡ ድሕሪኡ እውን ተግብሮ። ምናልባት ከም መብዛሕትኦም መንእሰያት፡ ግቡእ ቀዳምነታት ምስራዕ ትሽገር ትኸውን። በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ተመክሮ ራጂቭ ዝስሙ ሓው እሞ ርአ። ንሱ ብዛዕባ ዕድመ ዅትትናኡ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብቲ ዓመታት እቲ ኣብ ህይወተይ እንታይ ከም ዝደሊ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ከም መብዛሕትኦም መንእሰያት ናብ ኣኼባታት ወይ ናብ ኣገልግሎት ካብ ምኻድ፡ ስፖርትን መዘናግዕን እየ ዝፈቱ ነይረ።” እሞ ደኣ ንራጂቭ እንታይ ሓጊዝዎ፧ ሓደ ግዱስ ሽማግለ እተወሰነ ምኽሪ ሂብዎ። ራጂቭ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 4:8 ዚርከብ ስርዓት ክሓስበሉ ሓጊዙኒ” ይብል። ራጂቭ ነቲ ምኽሪ ብትሕትና ተቐበሎ። ነቲ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ዚህቦ ነገራት ከኣ ዳግም መርመሮ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ንመንፈሳዊ ሸቶታት ቀዳምነት ክህቦ ወሲነ” ይብል። እሞኸ እዚ እንታይ ኣፍርዩሉ፧ እንታይ ከም ዘፍረየሉ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ምኽሪ እቲ ኻብ ዝቕበል ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይነ ንምግልጋል ብቕዓት ኣጥርየ” ይብል።

ንሰማያዊ ኣቦኻ ኣሐብኖ

17. ብዕድመ ዓበይቲ ዝዀኑ ሰባት ብዛዕባ እቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ መንእሰያት እንታይ ይስምዖም፧

17 ኣቱም መንእሰያት፡ ብዕድመ ዓበይቲ ዝዀኑ ሰባት ምሳኻትኩም “ብሓድነት” ንየሆዋ ምግልጋል፡ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። (ጸፎ. 3:9) ንቕንኣትኩምን ንጕልበትኩምን፡ ኰታስ ነቲ እትዓይዩሉ ውዕዉዕ መገዲ ይፈትውዎ እዮም። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ሞገስ ረኺብኩም ኢኹም።—1 ዮሃ. 2:14

18. ኣብ ምሳሌ 27:11 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ በቶም ዜገልግልዎ መንእሰያት እንታይ ይስምዖ፧

18 ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረኩምን ከም ዚኣምነኩምን ከቶ ኣይትረስዑ። ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ፈትዮም ዚመጹ ሰራዊት መንእሰያት ከም ዚህልዉ፡ የሆዋ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (መዝ. 110:1-3) ከም እተፍቅርዎን ብምሉእ ዓቕምኹም ከተገልግልዎ ኸም እትደልዩን ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ንኻልኦት ተዓገስዎም፡ ንርእስኹም እውን ተዓገስዋ። ጌጋታት ክትገብሩ ኸለኹም፡ ነቲ ዚውሃበኩም ስልጠናን ተግሳጽን ካብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ጌርኩም ተቐበልዎ። (እብ. 12:6) ንዚውሃበኩም ዘበለ ዕዮ ብትግሃት ዕየዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ኣብ ኵሉ ተግባርኩም፡ ንሰማያዊ ኣቦኹም ኣሐብንዎ።—ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።

መዝሙር 135 የሆዋ ዜቕርቦ ምሕጽንታ፦ ‘ወደየ፡ ጥበበኛ ኹን’

^ ሕ.ጽ. 5 መንእሰያት ኣሕዋት ብመንፈሳዊ መዳይ ኪበስሉ ኸለዉ፡ ንየሆዋ ብተወሳኺ መገድታት ኬገልግልዎ ይደልዩ እዮም። ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ዜድሊ ብቕዓት ምእንቲ ኼጥርዩ፡ ካብ ጉባኤኦም ኣኽብሮት ኪረኽቡን ነቲ ኣኽብሮት ኪዕቅብዎን ኣለዎም። እሞ ደኣ መንእሰያት ኣሕዋት እንታይ ስጕምትታት ኪወስዱ ይኽእሉ፧

^ ሕ.ጽ. 9 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።