ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 11

ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ብርታዐ ትረክብ፧

ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ብርታዐ ትረክብ፧

“እቲ ተጻዋርነት . . . ዚህብ ኣምላኽ።”—ሮሜ 15:5

መዝሙር 94 ንኣምላኽ ስለቲ ቓሉ ነመስግኖ

መላለዪ *

1. ህዝቢ የሆዋ እንታይ ዓይነት ፈተናታት እዩ ዜጋጥሞም፧

ኣጸጋሚ ፈተና የጋጥመካዶ ኣሎ፧ ምናልባት ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ጐዲኡካ ይኸውን። (ያእ. 3:2) ወይ ከኣ መሳርሕትኻ ወይ መማህርትኻ ንየሆዋ ብምግልጋልካ የላግጹልካ ይዀኑ። (1 ጴጥ. 4:3, 4) ወይ ድማ ኣባላት ቤተ ሰብካ ናብ ኣኼባታት ከይትኸይድ ወይ እምነትካ ንኻልኦት ከይትነግር ደው ኬብሉኻ ይፍትኑ ይዀኑ። (ማቴ. 10:35, 36) እቲ ፈተና ኣመና ኣጸጋሚ እንተ ዀይኑ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ክትሓድጎ ትሓስብ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ የሆዋ ነቲ ጸገም ክትክእሎ ጥበብ ከም ዚህበካን ክትጻወር ሓይሊ ኸም ዚህበካን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።

2. ብመሰረት ሮሜ 15:4፡ ንባብ ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

2 የሆዋ ኣብ ቃሉ፡ ዘይፍጹማት ሰባት ከቢድ ጸገማት ብኸመይ ከም ዝሰገሩ ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ኣስፊሩ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ካባታቶም ምእንቲ ኽንምሃር ኢሉ እዩ። ንሃዋርያ ጳውሎስ ከምኡ ኢሉ ኺጽሕፍ እዩ ደሪኽዎ። (ሮሜ 15:4 ኣንብብ።) ነዚ ዛንታታት እዚ ኸነንብብ ከለና፡ እተወሰነ መጸናንዕን ተስፋን ንረክብ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምንባብ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ቅዱሳት ጽሑፋት ንኣተሓሳስባና ኪቐርጾ፡ ንልብና እውን ኪትንክዮ ኽንፈቅድ ኣሎና። እሞ ደኣ ንሓደ ጸገም ንምስጋር መምርሒ ኽንደሊ ኸለና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ነዚ ኣርባዕተ ደረጃ ዘለዎ ሜላ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና፦ (1ጸሊ፡ (2ብኣእምሮኻ ስኣል፡ (3ኣስተንትን፡ (4ተግብር። እዚ እንታይ ከም ዜጠቓልል በብሓደ እስከ ንርአ። * ድሕሪኡ በዚ ሜላ መጽናዕቲ እዚ ተጠቒምና፡ ካብ ንጉስ ዳዊትን ሃዋርያ ጳውሎስን ክንምሃር ኢና።

1. ጸሊ

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማርካ፡ ካብኡ ብኸመይ ከም እትጥቀም ንምፍላጥ፡ ንየሆዋ ለምኖ (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማርካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ስለምንታይከ፧

3 (1ጸሊ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማርካ፡ ካብቲ እተንብቦ ብኸመይ ከም እትጥቀም ንምፍላጥ፡ ንየሆዋ ለምኖ። ንኣብነት፡ ንሓደ ጸገም ክትሰግሮ ዚሕግዝ ምኽሪ እንተ ደሊኻ፡ የሆዋ ኻብ ቃሉ ኺመርሓካ ዚኽእል ስርዓታት ንምርካብ ኪሕግዘካ ለምኖ።—ፊል. 4:6, 7፣ ያእ. 1:5

2. ብኣእምሮኻ ስኣል

ገዛእ ርእስኻ ኣብ ቦታ እቲ ኣብቲ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብ ኣእቱ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

4. ንሓደ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ህያው ንምግባር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

4 (2ብኣእምሮኻ ስኣል። የሆዋ ብኣእምሮና ናይ ምስኣል ዜደንቕ ክእለት ሂቡና ኣሎ። ንሓደ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ህያው ምእንቲ ኽትገብሮ ነቲ ትርኢት ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ገዛእ ርእስኻ ድማ ኣብ ቦታ እቲ ኣብቲ ዛንታ እተጠቕሰ ሰብ ኣእቱ። ነቲ ንሱ ዚርእዮ ነገራት ክትርኢ ፈትን፣ ነቲ ስምዒቱ እውን ኪስምዓካ ጽዓር።

3. ኣስተንትን

ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮን ንዓኻ ብኸመይ ከም ዚምልከተካን ኣጸቢቕካ ሕሰብ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. ምስትንታን እንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርካኸ ኢኻ ኸተስተንትን እትኽእል፧

5 (3ኣስተንትን። ምስትንታን ኪብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮን ንዓኻ ብኸመይ ከም ዚምልከተካን ኣጸቢቕካ ምሕሳብ ማለት እዩ። ምስትንታን ሓሳባት ብምትእስሳርን ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዕምቝ ዝበለ ርድኢት ንምሓዝን ይሕግዘካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ዘይተስተንትን እንተ ዄንካ፡ ምሉእ ስእሊ ዘይኰነስ፡ እተቘራረጸ ስእሊ ኢኻ እትርኢ ዘለኻ። ምስትንታን ነዚ እተቘራረጸ ስእሊ ገጣጢምካ ምሉእ ስእሊ ኽትርኢ የኽእለካ። ንምስትንታን ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትሓትትን መልሲ ኽትረኽበሉን ትኽእል ኢኻ፦ ‘ኣብዚ ዛንታ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብ ንጸገሙ ንምፍታሕ እንታይ እዩ ገይሩ፧ የሆዋ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎ፧ ነዚ እተምሃርክዎ ትምህርትታት ፈተናታት ንምጽዋር ብኸመይ ክትጥቀመሉ እኽእል፧’

4. ተግብር

ነቲ እተምሃርካዮ ነገር፡ ዝሓሸ ውሳነታት ንምግባር፡ ዝያዳ ሰላም ንምርካብ፡ እምነትካ ድማ ንምድልዳል ተጠቐመሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ነቲ እተምሃርናዮ ኽንትግብሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 (4ተግብር። የሱስ፡ ነቲ እተምሃርናዮ ዘይንትግብሮ እንተ ዄንና፡ ከምቲ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሃነጸ ሰብኣይ ምዃንና ገሊጹ ኣሎ። እቲ ሰብኣይ እቲ ዚገብሮ ጻዕሪ ኸንቱ እዩ ዚኸውን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ዝናምን ውሒዝን ነታ ቤት ምስ ደፍኣ፡ እታ ቤት ትወድቕ እያ። (ማቴ. 7:24-27) ብተመሳሳሊ፡ ጸሊናን ብኣእምሮና ስኢልናን ኣስተንቲንናን ከነብቅዕ ነቲ እተምሃርናዮ ዘይንትግብሮ እንተ ዄንና፡ ጻዕርና ኸንቱ እዩ ዚኸውን። እምነትና ብፈተናታት ወይ ብመስጐጕቲ ምስ ተፈተነት ከኣ ኣይትጸንዕን እያ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ እንተ ኣጽኒዕናን ነቲ እተምሃርናዮ እንተ ተግቢርናዮን፡ ዝሓሸ ውሳነታት ንገብር፡ ዝያዳ ሰላም ንረክብ፡ ዝደልደለት እምነት ድማ ነማዕብል። (ኢሳ. 48:17, 18) ሕጂ እምበኣር፡ በዚ ዝረኣናዮ ኣርባዕተ ደረጃ ጌርና፡ ኣብ ህይወት ንጉስ ዳዊት ካብ ዘጋጠመ ሓደ ኣጋጣሚ እንታይ ከም እንምሃር ንርአ።

ካብ ንጉስ ዳዊት እንታይ ትምሃር፧

7. ሕጂ እንታይ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ኽንምርምር፧

7 ዝኣመንካዮ ፈታዊኻ ወይ ኣባል ስድራ ቤትካ ጠሊሙካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ዛንታ እቲ ንኣቦኡ ዝጠለመን መንግስቲ ኺምንዝዕ ዝፈተነን ኣቤሴሎም ወዲ ንጉስ ዳዊት ብምምርማር፡ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።—2 ሳሙ. 15:5-14, 31፣ 18:6-14

8. ሓገዝ የሆዋ ምእንቲ ኽትረክብ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

8 (1ጸሊ። ነዚ ዛንታ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመካ ግፍዒ እንታይ ከም ዚስምዓካ ንየሆዋ ንገሮ። (መዝ. 6:6-9) ስምዒትካ ብንጹር ግለጸሉ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ጸገም ክትጻወር ዚሕግዝ ስርዓታት ምእንቲ ኽትረክብ ንየሆዋ ለምኖ።

9. ነቲ ኣብ መንጎ ዳዊትን ኣቤሴሎምን ዘጋጠመ ነገራት ጽምቝ ኣቢልካ ብኸመይ ትገልጾ፧

9 (2ብኣእምሮኻ ስኣል። ነዚ ዛንታ እሞ ሕሰቦ፡ ንጉስ ዳዊት ብኸመይ ከም እተጸልወ ኸኣ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት በቶም ህዝቢ ምእንቲ ኺፍቶ፡ ንዓመታት ጽዒሩ እዩ። (2 ሳሙ. 15:7) ግዜኡ ኸም ዝኣኸለ ዀይኑ ምስ ተሰምዖ ኸኣ፡ ነቶም ህዝቢ ኸም ንጉስ ገይሮም ኪቕበልዎ ምእንቲ ኼዳልውዎም ናብ ኵሎም እስራኤል ሰለይቲ ልኢኹ። ነቲ ናይ ቀረባ ዓርክን ኣማኻርን ዝነበረ ኣሒቶፌል ድማ ኣብቲ ዕልዋ ኺሓብር ኣእሚንዎ። ድሕርዚ፡ ኣቤሴሎም ከም ዝነገሰ ኣዊጁ፡ ንዳዊት ሒዙ ኪቐትሎ እውን ፈቲኑ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ዳዊት ከቢድ ሕማም ሓሚሙ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መዝ. 41:1-9) ኰይኑ ግና፡ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ውዲት ሰሚዑ፡ ካብ የሩሳሌም ድማ ሃዲሙ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ሰራዊት ኣቤሴሎም ምስቶም እሙናት ሰራዊት ዳዊት ተዋጊኦም። ኣብኡ ድማ እቶም ዓለወኛታት ሰራዊት ተሳዒሮም፡ ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት እውን ተቐቲሉ።

10. ንጉስ ዳዊት እንታይ ኪገብር ምኸኣለ ነይሩ፧

10 ቀጺልካ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ፡ ዳዊት ከመይ ይስምዖ ኸም ዝነበረ ብኣእምሮኻ ስኣል። ንኣቤሴሎም ይፈትዎ፡ ንኣሒቶፌል እውን ይኣምኖ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ክልቲኦም እዞም ናይ ቀረባ ብጾቱ ጠሊሞምዎ። ብዙሕ ጐዲኦምዎ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኪቐትልዎ ፈቲኖም። ዳዊት ነቶም ካልኦት ፈተውቱ ምስ ኣቤሴሎም ከም ዝሓበሩ ገይሩ ብምሕሳብ፡ ኣባታቶም ዝነበሮ እምነት ኬጥፍእ ምኸኣለ ነይሩ። ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ኪሓስብን ካብታ ሃገር በይኑ ንምህዳም ኪውጥንን ምኸኣለ ነይሩ። ወይ እውን ተስፋ ቘሪጹ ኺሕለል ምኸኣለ ነይሩ። ዳዊት ግና ዋላ ሓደ ኻብዚ እተጠቕሰ ኣይገበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣጸጋሚ ፈተና ሰጊርዎ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኺገብር ዝኸኣለ፧

11. ዳዊት ከቢድ ጸገማት ምስ ኣጋጠሞ እንታይ እዩ ገይሩ፧

11 (3ኣስተንትን። ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ስርዓታት ክትምሃር ትኽእል፧ “ዳዊት ንገዛእ ርእሱ ንምሕጋዝ እንታይ ገይሩ፧” ንእትብል ሕቶ ምላሽ ሃበላ። ዳዊት ኣይሰምበደን፡ ብታህዋኽ እውን ሕማቕ ውሳነታት ኣይገበረን። ብፍርሂ ብምልማስ እውን ውሳነ ንምግባር ኣይተደናጐየን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብጸሎት ካብ የሆዋ ሓገዝ ለሚኑ። ንፈተውቱ እውን ኪሕግዝዎ ሓቲትዎም። ነቲ ውሳነታቱ ንምትግባር እውን፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሲዱ። ብዙሕ እኳ እንተ ተጐድአ፡ ንዅሉ ኺጥርጥርን ኪምረርን ኣይጀመረን። የግዳስ፡ እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምነት ኰነ እቲ ኣብ ፈተውቱ ዝነበሮ እምነት ቀጻሊ እዩ ነይሩ።

12. የሆዋ ንዳዊት ንምሕጋዝ እንታይ እዩ ገይሩ፧

12 የሆዋ ንዳዊት ብኸመይ ሓጊዝዎ፧ እተወሰነ ምርምር እንተ ጌርና፡ የሆዋ ንዳዊት ነቲ ፈተና ኺጻወር ዜኽእሎ ብርታዐ ኸም ዝሃቦ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። (መዝ. 3:1-8፣ ልዕለ ጽሑፍ) የሆዋ ነቲ ዳዊት ዝገበሮ ውሳነታት ባሪኽዎ እዩ። ነቶም እሙናት ፈተውቲ ዳዊት እውን፡ ንንጉሶም ንምክልኻል ኪዋግኡ ኸለዉ ደጊፍዎም እዩ።

13. ሓደ ሰብ ኣመና እንተ ጐዲኡካ፡ ከመይ ጌርካ ንዳዊት ክትመስሎ ትኽእል፧ (ማቴዎስ 18:15-17)

13 (4ተግብር። ‘ንዳዊት ብኸመይ ክመስሎ እኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ሓደ ጸገም ንምፍታሕ፡ ብኡብኡ ስጕምቲ ኽትወስድ የድልየካ ይኸውን። ነቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 18 እተመዝገበ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ብቐጥታ ኽትትግብሮ፡ ወይ ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ክትትግብሮ የድሊ ይኸውን። (ማቴዎስ 18:15-17 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ብስምዒት ተደሪኽካ ብታህዋኽ ውሳነታት ኣይትግበር። ህዱእ ልብን ጥበብን ምእንቲ ኺህበካ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ። ኣብ ፈተውትኻ ዝነበረካ እምነት ኣይተጥፍእ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዚህቡኻ ሓገዝ ተቐበል። (ምሳ. 17:17) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ እቲ የሆዋ ኣብ ቃሉ ዚህበካ ምኽሪ ስዓብ።—ምሳ. 3:5, 6

ካብ ጳውሎስ እንታይ ትምሃር፧

14. እንታይ ኵነታት እዩ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 1:12-16፣ 4:6-11, 17-22 ከም እተተኵር ኪገብረካ ዚኽእል፧

14 ካብ ኣባላት ቤተ ሰብካ ምጽራር የጋጥመካ ኣሎዶ፧ ወይ ድማ ዕዮ ህዝቢ የሆዋ ኣመና ኣብ እተቐየደሉ ወይ ኣብ እተኣገደሉ ሃገር ዲኻ እትነብር፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ 2 ጢሞቴዎስ 1:12-16፣ 4:6-11, 17-22 ብምንባብ፡ ክትተባባዕ ትኽእል ኢኻ። * ጳውሎስ ነዚ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ እዩ ጽሒፍዎ።

15. ንየሆዋ እንታይ ክትልምኖ ትኽእል፧

15 (1ጸሊ። ነቲ ጥቕስታት ቅድሚ ምንባብካ፡ ብዛዕባ እቲ ጸገምካን ንሱ ዚፈጥረልካ ስምዒትን ንየሆዋ ንገሮ። ስምዒትካ ብንጹር ግለጸሉ። ድሕሪኡ፡ ካብቲ ንጳውሎስ ዘጋጠሞ ፈተናታት ነቲ ዜጋጥመካ ጸገም ክትሰግር ዚሕግዘካ ስርዓታት ምእንቲ ኸተስተውዕል፡ ንየሆዋ ኺሕግዘካ ለምኖ።

16. ንዅነታት ጳውሎስ ከመይ ጌርካ ጽምቝ ኣቢልካ ትገልጾ፧

16 (2ብኣእምሮኻ ስኣል። ንስኻ ኣብ ቦታ ጳውሎስ ከም ዘለኻ ጌርካ ብኣእምሮኻ ስኣል። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሰንሰለት ተኣሲሩ እዩ ነይሩ። ቅድሚኡ ተኣሲሩ ዚፈልጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ግና ከም ዚቕተል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ገሊኦም ብጾቱ ጠንጢኖምዎ ነይሮም እዮም፣ ኣካላዊ ድኻም እውን ይስምዖ ነይሩ እዩ።—2 ጢሞ. 1:15

17. ጳውሎስ እንታይ ኪገብር ምኸኣለ ነይሩ፧

17 ጳውሎስ፡ ‘ካልእ ምርጫታት እንተ ዝገብር፡ ኣይምተኣሰርኩን ነይረ’ ኢሉ ኣብ ሕሉፍ ኬተኵር ምኸኣለ ነይሩ። በቶም ዝጠንጠንዎ ሰብ ኣውራጃ እስያ ድማ ኪምረር ምኸኣለ ነይሩ። ንኻልኦት ፈተውቱ እውን ብዓይኒ ጥርጣረ ኺርእዮም ምኸኣለ ነይሩ። ጳውሎስ ግና፡ ዋላ ሓደ ኻብዚ እተጠቕሰ ነገራት ኣይገበረን። ስለምንታይ እዩ ብምትእምማንን ብተስፋን ኪቕጽል ዝኸኣለ፧

18. ጳውሎስ ኣብቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እንታይ እዩ ገይሩ፧

18 (3ኣስተንትን። “ጳውሎስ ንገዛእ ርእሱ ብኸመይ ሓጊዙ፧” ንእትብል ሕቶ ምላሽ ሃበላ። ሞት ኣንጸላልይዎ ኣብ ዝነበረ እዋን እኳ፡ ነቲ ዓብዪ ጕዳይ፡ ማለት ንየሆዋ ኽብሪ ምምጻእ ኣይረስዖን። ንኻልኦት ብኸመይ ኬተባብዖም ከም ዚኽእል እውን ይሓስብ ነይሩ እዩ። ኣዘውቲሩ ብምጽላይ እውን ናብ የሆዋ ተጸጊዑ እዩ። (2 ጢሞ. 1:3) ኣብቶም ዝጠንጠንዎ ሰባት እምብዛ ኣብ ክንዲ ዜተኵር፡ ነቶም ብተኣማንነት ግብራዊ ሓገዝ ዝሃብዎ ፈተውቱ ስለቲ ፍቕራዊ ደገፎም ብዙሕ ኣመስጊንዎም እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ቃል ኣምላኽ የጽንዕ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 3:16, 17፣ 4:13) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ የሆዋን የሱስን ከም ዜፍቅርዎ ምሉእ እምንቶ ነይርዎ እዩ። ንሳቶም ኣይጠንጠንዎን፡ ስለቲ ብተኣማንነት ዘቕረቦ ኣገልግሎት ዓስቡ ኸም ዚህብዎ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

19. የሆዋ ንጳውሎስ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎ፧

19 የሆዋ ንጳውሎስ፡ ክርስትያን ብምዃኑ መስጐጕቲ ኸም ዜሕልፍ ኣጠንቂቕዎ ነይሩ እዩ። (ግብ. 21:11-13) እሞ ደኣ የሆዋ ንጳውሎስ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎ፧ ጸሎቱ መሊሱሉ እዩ፣ ሓይሊ እውን ሂብዎ እዩ። (2 ጢሞ. 4:17) ጳውሎስ ነቲ እተጋደለሉ ዓስቡ ኸም ዚረክብ መረጋገጺ ተዋሂብዎ እዩ። የሆዋ እውን ንእሙናት ፈተውቲ ጳውሎስ ብምድራኽ፡ ግብራዊ ደገፍ ሂብዎ እዩ።

20. ንሮሜ 8:38, 39 ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንጳውሎስ ክንመስሎ እንኽእል፧

20 (4ተግብር። ‘ከመይ ገይረ ንጳውሎስ ክመስሎ እኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ንሕና እውን ከም ጳውሎስ፡ ነቲ ብምኽንያት እምነትና ዚመጽእ መስጐጕቲ ኽንጽበዮ ኣሎና። (ማር. 10:29, 30) ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህናና ምእንቲ ኽንሕሉ፡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኽንጽጋዕ ኣሎና፡ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ እውን ኪህልወና ኣለዎ። ሓደ ኻብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገራት ከኣ፡ ንየሆዋ ኽብሪ ምምጻእ ምዃኑ ወትሩ ኽንዝክር ኣሎና። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይጥንጥነናን ነታ ፍቕሩ ሓደ እኳ ኺበትካ ኸም ዘይክእልን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ሮሜ 8:38, 39 ኣንብብ፣ እብ. 13:5, 6

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተጠቕሱ ኻልኦት ሰባት ተምሃር

21. ኣይያን ሄክቶርን ነቲ ዘጋጠሞም ብድሆታት ኪሰግሩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

21 ኵነታትና ብዘየገድስ፡ ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣይያ ዝስማ ኣብ ጃፓን እትነብር ፈላሚት፡ ዛንታ ዮናስ ነቲ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ዝነበራ ፍርሂ ኸተሰንፍ ከም ዝሓገዛ ገሊጻ ኣላ። ኣብ ኢንዶነዥያ ዚነብር ሄክቶር ዝስሙ መንእሰይ ከኣ፡ ወለዱ ንየሆዋ ዘየገልግሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብኣብነት ሩት ተላዓዒሉ ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃርን ንየሆዋ ኼገልግሎን ክኢሉ እዩ።

22. ካብ ድራማታት መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ካብቲ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” ዚብል ዓምዲ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ብዝያዳ ኽትጥቀም እትኽእል፧

22 እሞ ደኣ ኼበርትዑኻ ዚኽእሉ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧ እቲ ውድብና እተዳልዎ ቪድዮታትን ድራማዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን እቲ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” ዚብል ዓምድን፡ ንዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ህያው ይገብሮ እዩ። * ነዚ ጽቡቕ ምርምር እተገብረሉ ዛንታታት ቅድሚ ምርኣይካ፡ ምስማዕካ፡ ወይ ምንባብካ፡ ክትትግብሮ እትኽእል ነጥብታት ምእንቲ ኽትረክብ፡ ንየሆዋ ለምኖ። ኣብ ቦታ እቲ ኣብቲ ዛንታ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብ ከም ዝዀንካ ጌርካ ብኣእምሮኻ ስኣል። እዞም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ከም ዝገበሩ፡ ንሱ ኸኣ ንጸገማቶም ኪሰግሩ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ኣስተንትን። ድሕሪኡ፡ ነቲ ዝረኸብካዮ ትምህርቲ ተግብሮ። ንየሆዋ፡ ስለቲ ዚህበካ ዘሎ ሓገዝ ኣመስግኖ። ንኻልኦት እተተባብዓሉን እትድግፈሉን መገድታት ብምንዳይ ከኣ፡ ነቲ እተዋህበካ ሓገዝ ዘሎካ ሞሳ ኣርኢ።

23. ብመሰረት ኢሳይያስ 41:10, 13፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብረልና እዩ ቓል ኣትዩልና፧

23 ኣብዛ ሰይጣን ዚቈጻጸራ ዓለም ዘሎ ህይወት ኪጽንክረና፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ልዕሊ ዓቕምና ኪዀነና ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ኰይኑ ግና፡ ክንጭነቕ ወይ ክንፈርህ የብልናን። የሆዋ እንታይ ነሕልፍ ከም ዘለና ይፈልጥ እዩ። ክንወድቕ ከለና፡ በታ ጽንዕቲ የማነይቲ ኢዱ ኸም ዚሕዘና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (ኢሳይያስ 41:10, 13 ኣንብብ።) ኣብ ደገፉ ምሉእ እምንቶ ብምሕዳር፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብርታዐ ኽንረክብን ንዝዀነ ጸገም ክንሰግርን ንኽእል ኢና።

መዝሙር 96 ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓያሎ ዛንታታት፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኸም ዜፍቅሮምን ዝዀነ ፈተና ኺሰግሩ ኸም ዚሕግዞምን የረጋግጽ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብዚ ዛንታታት እዚ ብዝያዳ ኽትጥቀም ዜኽእል ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትገብር ከም እትኽእል ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 2 እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሜላ መጽናዕቲ፡ ሓደ ኣማራጺ ጥራይ እዩ። ካልእ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ሓሳባት፡ ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “መጽሓፍ ቅዱስ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ምርዳእን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ኺርከብ ይከኣል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 14 ኣብ ጉባኤ ኣብ ዚግበር መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ነዚ ጥቕስታት እዚ ኣይተንብቦ።

^ ሕ.ጽ. 22ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ—ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን” ኣብ jw.org ርአ። (ናብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > እምነት ኣብ ኣምላኽ ኪድ።)