ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ካልኣይ ሳሙኤል 21:7-9 ዳዊት ንመፊቦሸት ከም ‘ዝራሕርሓሉ፡’ ጸኒሑ ግና ኪቕተል ኣሕሊፉ ኸም ዝሃቦ እትገልጽ ስለምንታይ እያ፧

ነዚ ጸብጻብ እዚ፡ ላዕለ ላዕሉ ጥራይ ዜንብብዎ ገሊኦም ሰባት ከምኡ ኢሎም ይሓትቱ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ኣብዚ ጸብጻብ እዚ፡ መፊቦሸት ዝስሞም ክልተ ሰብኡት እዮም ተጠቒሶም ዘለዉ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠመ ምስ እንምርምር ድማ፡ ትምህርቲ ንረክብ ኢና።

ሳኦል ንጉስ እስራኤል፡ ክልተ ኣዋልድን ሸውዓተ ኣወዳትን ነበርዎ። ቦኽሪ ወዱ፡ ዮናታን እዩ ነይሩ። ጸኒሑ ድማ፡ እቲ ንጉስ ካብታ ሰበይቲ ወሰኑ ዝነበረት ሪጽጳ፡ መፊቦሸት ዝስሙ ወዲ ወለደ። እቲ ዜገርም ድማ፡ ዮናታን እውን መፊቦሸት ዝስሙ ወዲ ነይሩዎ እዩ። ስለዚ፡ ወዲ ንጉስ ሳኦልን ወዲ ወዱን ሞኽሲ እዮም ነይሮም።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ንጉስ ሳኦል ኣንጻር እቶም ምስ እስራኤላውያን ዚነብሩ ዝነብሩ ጊብዖናውያን ተላዕለ፣ ኬጽንቶም ድማ ፈተነ። ንብዙሓት ካባታቶም እውን ቀቲሉ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ዝገበሮ ጌጋ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ብግዜ እያሱ፡ ሹማምንቲ እስራኤል ንጊብዖናውያን ኪዳን ሰላም ኣትዮምሎም ነይሮም እዮም።—እያ. 9:3-27

እቲ ኺዳን፡ ብግዜ ንጉስ ሳኦል እውን ጽኑዕ እዩ ነይሩ። ንጉስ ሳኦል ግና፡ ነቲ ኺዳን ዕሽሽ ኢሉ ንጊብዖናውያን ኬጽንቶም ፈተነ። እዚ ድማ፡ “ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ቤቱን ዕዳ ደም” ኣስዓበ። (2 ሳሙ. 21:1) ኣብ መወዳእታ፡ ዳዊት ነገሰ። እቶም ብህይወት ዝተረፉ ጊብዖናውያን ድማ፡ ብዛዕባ እቲ እተፈጸመ ዓብዪ በደል ነገርዎ። ዳዊት ከኣ፡ የሆዋ ነታ ምድሪ ምእንቲ ኺባርኻ፡ ስለቲ ሳኦል ዝፈጸሞ ዜስካሕክሕ ተግባር ብኸመይ ዕርቂ ኺገብር ከም ዚኽእል ሓተቶም። ጊብዖናውያን ገንዘብ ኣይሓተቱን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሸውዓተ ደቂ እቲ ‘ኼጥፍኦም እተተናዀሎም’ ሰብኣይ ኣሕሊፉ ኺህቦምን ኪቐትልዎምን ሓተቱ። (ዘሁ. 35:30, 31) ዳዊት ከኣ ከምቲ ዝበልዎ ገበረሎም።—2 ሳሙ. 21:2-6

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሳኦልን ዮናታን ኣብ ውግእ ስለ ዝሞቱ፡ ብህይወት ተሪፉ ዝነበረ መፊቦሸት ወዲ ዮናታን እዩ። መፊቦሸት ብሰንኪ ሓደጋ ኻብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ኣእጋሩ ሰንኪሉ ስለ ዝነበረ፡ ኣቦሓጎኡ ንጊብዖናውያን ኬጥቅዖም ከሎ፡ እጃም ኣይነበሮን። ዳዊት ምስ ዮናታን ኪዳን ዕርክነት ኣትዩ ነበረ። እዚ ኸኣ ንዅሎም ዘርኢ ዮናታን፡ እንተላይ ንወዱ ንመፊቦሸት ዚጠቅም እዩ ነይሩ። (1 ሳሙ. 18:1፣ 20:42) እቲ ጸብጻብ ድማ፡ “ንጉስ [ዳዊት] ግና ንመፊቦሸት ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሳኦል፡ ምእንቲ እቲ . . . ኣብ ቅድሚ የሆዋ እተገብረ ማሕላ ኢሉ ራሕርሓሉ” ይብል።—2 ሳሙ. 21:7

ምስናይ እዚ ግና፡ ዳዊት ንጊብዖናውያን ሕቶኦም ፈጺሙሎም እዩ። ንኽልተ ደቂ ሳኦልን (ሓደ ኻብኦም መፊቦሸት ዚስሙ) ንሓሙሽተ ደቂ ጓል ሳኦልን ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም። (2 ሳሙ. 21:8, 9) እቲ ዳዊት ዝወሰዶ ስጕምቲ ኸኣ፡ ነታ ምድሪ ኻብ ዕዳ ደም ነጻ ገበራ።

ካብዚ ታሪኽ እዚ፡ ጠቓሚ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። ሕጊ ኣምላኽ ብንጹር፡ “ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታቶም ኣይቀተሉ” ይብል። (ዘዳ. 24:16) እቶም ክልተ ደቂ ሳኦልን እቶም ሓሙሽተ ደቂ ጓሉን ንጹሃት እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ የሆዋ ንቕትለቶም ኣይምሰመሮን ነይሩ። እቲ ሕጊ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሰብ ብሓጢኣቱ ጥራይ ይቀተል” እዩ ዚብል። ሳኦል ንጊብዖናውያን ኬጽንቶም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ እቶም እተቐትሉ ሸውዓተ ዘርኢ ሳኦል ኣብቲ ጉዳይ እተወሰነ እጃም ነይርዎም ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ እዞም ሸውዓተ ብሰሪ ሓጢኣቶም እዮም ሞይቶም።

እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ሓደ ሰብ ንዝፈጸሞ ግጉይ ተግባር፡ ‘መምርሒ ስለ እተዋህበኒ እዩ’ ኢሉ ብኣተሓሳስባኡ ዀነ ብዘረባኡ ኼማኻኒ ኸም ዘይክእል ይሕብረና። ሓደ ጥበብ ዝሓዘለ ምሳሌ፡ “ንመገዲ ኣእጋርካ ኣጣጥሓዮ፣ ኵሉ ጐደናታትካ ኸኣ ጽኑዕ ኪኸውን እዩ” ይብል።—ምሳ. 4:24-27፣ ኤፌ. 5:15