ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 10

ስለምንታይ ትጥመቕ፧

ስለምንታይ ትጥመቕ፧

“ነፍሲ ወከፍኩም . . . ይጠመቕ።”—ግብ. 2:38

መዝሙር 34 ብንጽህና ኽመላለስ እየ

መላለዪ a

1-2. ሰባት ኪጥመቑ ኸለዉ መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ንስኻኸ እንታይ ኢኻ ኽትሓስበሉ ዘሎካ፧

 ሕጹያት ጥምቀት ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ ቕድሚ ጥምቀት ዚቐርበሎም ክልተ ሕቶታት ኪምልሱ ኸለዉ ኣብ ድምጾም እምነቶም ትሰምዕ። ሽዑ፡ ኣባላት ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ብሓጐስ ፍንጭሕ እዮም ዚብሉ። እቶም ተጠመቕቲ ኻብ ማይ ኪወጹ ኸለዉ ድሙቕ ጣቕዒት ትሰምዕ፡ ገጾም እውን ብሓጐስ ኪበርህ ትርኢ። ብገምጋም ኣብ ሰሰሙን ኣሽሓት ሰባት ነዚ ስጕምቲ እዚ ይወስዱ፡ ማለት ህይወቶም ዝወፈዩ መሰኻኽር የሆዋ ኣምላኽ ኰይኖም ይጥመቑ ኣለዉ።

2 ንስኻኸ ኸመይ ኢኻ፧ ጥምቀት ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ኣብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ “ንየሆዋ . . . ዚደልዮ” ሰብ ብምዃንካ ኣዚኻ ፍሉይ ኢኻ። (መዝ. 14:1, 2) ብዕድመ ንእሽቶ ኹን ወይ ዓብዪ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንዓኻ እያ ተጻሒፋ። እቶም ጥሙቓት ዘበልና እውን ነቲ ንየሆዋ ንዘለኣለም ንምግልጋል ዝገበርናዮ ቘራጽነት ከነደልድል ንደሊ ኢና። እምበኣር፡ ካብቲ ንየሆዋ እነገልግለሉ ሓያሎ ምኽንያታት ሰለስተ እስከ ብሓባር ንመርምር።

ሓቅን ጽድቅን ትፈቱ ኢኻ

ሰይጣን ነቲ ጽቡቕ ስም የሆዋ ንኣሽሓት ዓመታት ኣጸሊምዎ፡ ሕጂ እውን የጸልሞ ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 3-4 ርአ)

3. ኣገልገልቲ የሆዋ ሓቅን ጽድቅን ዘበለ ዚፈትዉ ስለምንታይ እዮም፧ (መዝሙር 119:128, 163)

3 የሆዋ ንህዝቡ፡ “ሓቂ . . . ፍተዉ” ኢሉ ኣዚዝዎም ኣሎ። (ዘካ. 8:19) የሱስ ድማ ንሰዓብቱ ጽድቂ ኺስዕቡ ተማሕጺንዎም ኣሎ። (ማቴ. 5:6) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ቅኑዕን ሰናይን ንጹህን ዘበለ ንምግባር ሓያል ድሌት ኬሕድር ኣለዎ ማለት እዩ። እሞኸ ሓቅን ጽድቅን ዘበለ ትፈቱ ዲኻ፧ ነዚ ኸም እትፈቱ ርግጸኛታት ኢና። ሓሶትን ጌጋን እከይን ዘበለ ትጸልእ ኢኻ። (መዝሙር 119:128, 163 ኣንብብ።) ሓሶት ንባህርያት እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ ሰይጣን እዩ ዜንጸባርቕ። (ዮሃ. 8:44፣ 12:31) ሓደ ኻብ ሸቶታት ሰይጣን ከኣ፡ ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኣምላኽ ምጽላም እዩ። ሰይጣን ካብ ዕልወት ኤደን ኣትሒዙ ብዛዕባ ኣምላኽና ሓሶት ይነዝሕ ኣሎ። ንየሆዋ፡ ከም ፈታዊ ርእሱን መታለልን ገዛኢ ገይሩ እዩ ዚስእሎ፣ ንደቂ ሰብ ጽቡቕ ነገር ከም ዝሓብኣሎም ገይሩ እዩ ዚስእሎ። (ዘፍ. 3:1, 4, 5) ሰይጣን ብዛዕባ የሆዋ ዚነዝሖ ሓሶት ከኣ፡ ንኣእምሮን ንልብን ሰባት ይምርዞ ኣሎ። ሰባት ‘ሓቂ ዘይፈትዉ’ ምስ ዚዀኑ፡ ሰይጣን ናብ ኵሉ ዓይነት ዓመጻን እከይን እዩ ዚመርሖም።—ሮሜ 1:25-31

4. የሆዋ፡ “ኣምላኽ ሓቂ” ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

4 የሆዋ፡ “ኣምላኽ ሓቂ” እዩ፣ ነቶም ዜፍቅርዎ እውን ዋላ ሓንቲ ኸይሓባብአ ሓቂ ይምህሮም እዩ። (መዝ. 31:5) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ልዕል የብሎም፡ ካብ ናይ ሰይጣን ሓሶት እውን ሓራ የውጽኦም እዩ። ብዘይካዚ እውን የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ ብቕንዕናን ብጽድቅን ኪመላለሱ ይምህሮም እዩ። በዚ ኸምዚ እውን፡ ንርእሶም ኣኽብሮት ኪህልዎምን ውሽጣዊ ሰላም ኪረኽቡን ይኽእሉ። (ምሳ. 13:5, 6) ንዓኻኸ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ ኸምኡ ገይሩልካዶ፧ መገድታት የሆዋ ንዅሎም ደቂ ሰብ፡ ዋላ እውን ንዓኻ ብሉጽ ምዃኑ ተማሂርካ ኢኻ። (መዝ. 77:13) ስለዚ ድማ፡ ንጽድቂ ኣምላኽ ክትድግፍ ደሊኻ። (ማቴ. 6:33) ንሓቂ ኽትጣበቕን እቲ ኣምላኽና የሆዋ እተሓምየሉ ነገር ሓሶት ምዃኑ ኸተረጋግጽን ደሊኻ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኸምኡ እትገብር፧

5. ከመይ ጌርካ ኢኻ ሓቅን ቅኑዕን ዘበለ ኽትድግፍ እትኽእል፧

5 ብናብራ ህይወትካ ኣቢልካ፡ “ነቲ ሰይጣን ዝነዝሖ ሓሶት እነጽጎ፡ ንየሆዋ እውን እድግፎ እየ። የሆዋ ልዑላዊ ገዛእየይ ኪኸውን እደሊ እየ፡ እቲ ንሱ ቕኑዕ ዝበሎ ኽገብር እውን እደሊ እየ” ዚብል መልእኽቲ ኸተመሓላልፍ ትኽእል ኢኻ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኸምዚ ዓይነት መትከል ክትሕዝ እትኽእል፧ ናብ የሆዋ ብጸሎት ቀሪብካ ርእስኻ ንዕኡ ወፊ፡ ነዚ ወፈያኻ እዚ ድማ ብጥምቀት ኣርኢ። እምበኣር፡ ሓቅን ቅኑዕን ዘበለ ምፍታው፡ ንጥምቀት ዜለዓዕል ሓያል ድራኸ እዩ።

ንየሱስ ክርስቶስ ተፍቅሮ ኢኻ

6. መዝሙር 45:4 ንየሱስ ክርስቶስ ከተፍቅሮ ዜለዓዕል እንታይ ምኽንያታት እያ ኣቕሪባ ዘላ፧

6 ንየሱስ ክርስቶስ እተፍቅሮ ስለምንታይ ኢኻ፧ ኣብ መዝሙር 45:4 ዚርከብ ጽቡቕ ምኽንያታት እሞ ርአ። (ኣንብብ።) የሱስ ምእንቲ ሓቅን ትሕትናን ጽድቅን ይቐውም እዩ። ሓቅን ጽድቅን ትፈቱ እንተ ዄንካ፡ ንየሱስ ክርስቶስ እውን ተፍቅሮ ኢኻ። የሱስ ምእንቲ ሓቅን ቅኑዕን ዘበለ ኸመይ ገይሩ ብትብዓት ከም እተጣበቐ እሞ ሕሰብ። (ዮሃ. 18:37) ኰይኑ ግና፡ ብኸመይ እዩ የሱስ ነቲ ትሕትና ዘለዋ ኣገዳስነት ዘጕልሐ፧

7. ትሕትና የሱስ ሰሓቢ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

7 የሱስ ነቲ ትሕትና ዘለዎ ኣገዳስነት ብኣብነቱ ኣቢሉ እዩ ኣርእዩ። ንኣብነት፡ ኵሉ ኽብሪ ንኣቦኡ ኸም ዚውሃብ እዩ ገይሩ ደኣ እምበር፡ ዋላ ሓንቲ ኽብሪ ንርእሱ ኣይወሰደን። (ማር. 10:17, 18፣ ዮሃ. 5:19) ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕትና ኽትርኢ ኸለኻስ እንታይ ይስምዓካ፧ ንወዲ ኣምላኽ ከተፍቅሮን ክትስዕቦንዶ ኣይትለዓዓልን፧ ብርግጽ መሸም ትለዓዓል ኢኻ። ስለምንታይ እዩ ግና የሱስ ትሑት ኰይኑ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ ትሕትና ዘለዎ ኣቦኡ የፍቅሮን ይመስሎን እዩ። (መዝ. 18:35፣ እብ. 1:3) እሞ ደኣ ናብቲ ንባህርያት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዜንጸባርቕ የሱስሲ ኣይትሰሓብንዶ፧

8. የሱስ ንጉስና ብምዃኑ ፍቕሪ እንህቦ ስለምንታይ ኢና፧

8 የሱስ ብሉጽ ገዛኢ ስለ ዝዀነ፡ ንንጉስ ዚግባእ ፍቕሪ ንህቦ ኢና። የሆዋ ባዕሉ ንወዱ ኣሰልጢንዎ፡ ገዛኢ ገይሩ እውን ሸይምዎ እዩ። (ኢሳ. 50:4, 5) ብዛዕባ እታ የሱስ ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ ዘርኣየና ፍቕሪ እውን እሞ ሕሰብ። (ዮሃ. 13:1) የሱስ ንጉስካ ብምዃኑ፡ ፍቕርኻ ኣጸቢቑ ይግብኦ እዩ። እቶም ብሓቂ ዜፍቅርዎ፡ ማለት እቶም ኣዕሩኸይ ኢሉ ዚጽውዖም ትእዛዛቱ ብምሕላው እዮም ፍቕሮም ዜርእይዎ። (ዮሃ. 14:15፣ 15:14, 15) ዓርኪ ወዲ ኣምላኽ ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ!

9. ጥምቀት ክርስትያናት ምስ ጥምቀት ክርስቶስ ብኸመይ ይመሳሰል፧

9 ሓደ ኻብቲ የሱስ ዝኣዘዞ ትእዛዛት ከኣ፡ ሰዓብቱ ኺጥመቑ ዝሃቦ ትእዛዝ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ኣብዚ መዳይ እዚ ንሱ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ብገሊኡ መገድታት ኣብ መንጎ ጥምቀቱን ጥምቀት ሰዓብቱን ፍልልያት ኣሎ። (“ ኣብ መንጎ ጥምቀት የሱስን ጥምቀት ሰዓብቱን ዘሎ ፍልልይ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ብገሊኡ መገድታት ግና ይመሳሰል እዩ። የሱስ ኪጥመቕ ከሎ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ንምግባር እዩ ገዛእ ርእሱ ኣቕሪቡ። (እብ. 10:7) ብተመሳሳሊ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ርእሶም ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዝወፈዩ ንምርኣይ እዮም ዚጥመቑ። ድሕሪኡ፡ ህይወቶም ፍቓዶም ኣብ ምግባር ዘይኰነስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እዩ ዜተኵር። ስለዚ፡ ኣብነት ጐይታኦም እዮም ዚስዕቡ።

10. ንየሱስ ዘሎካ ፍቕሪ ንጥምቀት ኬለዓዕለካ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

10 የሱስ ሓደ ወዲ የሆዋን ኣምላኽ ዝሸመልና ንጉስን ከም ዝዀነ ጌርካ ተቐቢልካዮ ኢኻ። የሱስ ትሑት ምዃኑ፡ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ኸም ዜንጸባርቖን እውን ትፈልጥ ኢኻ። ንዝጠመዩ ኸም ዝመገበ፡ ንዝሓዘኑ ኸም ዘጸናንዐ፡ ንሕሙማት እውን ከም ዘሕወየ ተማሂርካ ኢኻ። (ማቴ. 14:14-21) ሎሚ ንጉባኤኡ ብኸመይ ይመርሓ ኸም ዘሎ እውን ርኢኻ ኢኻ። (ማቴ. 23:10) ብዘይካዚ፡ ኣብ መጻኢ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኰነ፡ ካብዚ ዚበልጽ ከም ዚገብር ትፈልጥ ኢኻ። እሞ ደኣ ኸም እተፍቅሮ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧ ኣብነቱ ብምስዓብ ኢኻ ኸተርኢ እትኽእል። (ዮሃ. 14:21) ርእስኻ ንየሆዋ ብምውፋይን ብምጥማቕን፡ ከምኡ ምግባር ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

ንየሆዋ ኣምላኽ ተፍቅሮ ኢኻ

11. ንጥምቀት ዜለዓዕለካ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምኽንያት እንታይ እዩ ምበልካ፧ ስለምንታይከ፧

11 ንጥምቀት ዜለዓዕለካ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ የሱስ ኣብታ ኻብ ኵሉ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣምላኽ ነዚ ገሊጽዎ ኣሎ። እታ ትእዛዝ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ትብል። (ማር. 12:30) እሞ ደኣ እዚ ቓላት እዚ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ይገልጾዶ፧

የሆዋ ምንጪ ዅሉ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኸብካዮን ብሕጂ እትረኽቦን ጽቡቕ ነገራት እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ)

12. ንየሆዋ እተፍቅሮ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

12 ንየሆዋ እተፍቅረሉ ኣዝዩ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎካ። ንኣብነት፡ ንሱ “ምንጪ ህይወት” ምዃኑ፡ “ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን” ድማ ካብኡ ምዃኑ ተረዲኡካ እዩ። (መዝ. 36:9፣ ያእ. 1:17) ኵሉ እቲ ትሕጐሰሉ ዘለኻ ጽቡቕ ዘበለ ነገር ካብቲ ለጋስን ፈቃርን ኣምላኽና ዝመጸ እዩ።

13. እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ዜደንቕ ውህበት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ፡ የሆዋ ንዓና ዝሃበና ዜደንቕ ውህበት እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ ወዱን ዘሎ ሓያል ፍቕሪ እሞ ንሕሰብ። የሱስ፡ ‘ኣቦ የፍቅረኒ እዩ፡’ ከምኡ እውን ‘ኣነ ንኣቦ የፍቅሮ እየ’ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃ. 10:17፣ 14:31) እታ ኣብ መንጎኦም ዝነበረት ፍቕሪ ንቢልዮናት ዓመታት እናሓየለት እያ ኸይዳ። (ምሳ. 8:22, 23, 30) ስለዚ፡ ኣምላኽ ንወዱ ኺሳቐን ኪመውትን ኪፈቅድ ከሎ፡ እዚ ነገር እዚ ማዕረ ኽንደይ ከም ዘሳቐዮ ኽትግምት ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ንደቂ ሰብ፡ እንተላይ ንዓኻ ኻብ ዘለዎ ፍቕሪ ተላዒሉ ንዘለኣለም ንምንባር መገዲ ምእንቲ ኪኸፍተልና ኢሉ ነቲ ዜፍቅሮ ወዱ መስዋእቲ ገይሩ ንምሃብ ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። (ዮሃ. 3:16፣ ገላ. 2:20) ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ዜለዓዕለና ኻብዚ ዚዓቢ ምኽንያት ኪህሉ ኣይክእልን እዩ።

14. ኣብ ህይወትካ ኽትመርጾ እትኽእል ካብ ኵሉ ዝበለጸ ሸቶ እንታይ እዩ፧

14 ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ እናተምሃርካ ብዝኸድካ መጠን፡ ንዕኡ ዘሎካ ፍቕሪ እናዓበየ እዩ ኸይዱ። መሸም ሕጅን ንዘለኣለምን እናቐረብካዮ ኽትከይድ ኢኻ እትደሊ። ከምኡ ኽትገብር ከኣ ትኽእል ኢኻ። ንሱ እውን ንልቡ ኸተሐጕሶ መተባብዒ ይህበካ እዩ። (ምሳ. 23:15, 16) ነዚ ኸኣ ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እውን ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ፡ ኣነባብራኻ ንየሆዋ ብሓቂ ኸም እተፍቅሮ ኼርኢ እዩ። (1 ዮሃ. 5:3) ኣብ ህይወትካ ኽትመርጾ እትኽእል ካብ ኵሉ ዝበለጸ ሸቶ እዚ እዩ።

15. ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

15 ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧ ፈለማ፡ ርእስኻ ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝወፈኻ ብምግላጽ ፍሉይ ጸሎት ተቕርብ። (መዝ. 40:8) ድሕሪኡ፡ ነቲ ብብሕትኻ ዝገበርካዮ ወፈያ ብጥምቀት ተርኢ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ እዚ ዜሐጕስ ፍጻመ እዩ፣ ዓብዪ ነጥበ መቐይሮ እዩ። ድሕሪኡ፡ ሓድሽ ህይወት ኢኻ እትጅምር፣ ንርእስኻ ኢልካ ዘይኰነስ ንየሆዋ ኢልካ ኢኻ እትነብር። (ሮሜ 14:8፣ 1 ጴጥ. 4:1, 2) እዚ መሸም ዓብዪ ስጕምቲ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን፣ ብሓቂ እውን ከምኡ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሉጽ ህይወት ንምንባር መገዲ ኪኸፍተልካ እዩ። ብኸመይ፧

16. ከምቲ ኣብ መዝሙር 41:12 ተገሊጹ ዘሎ፡ የሆዋ ነቶም ህይወቶም ንዕኡ ንምግልጋል ዚውፍዩ ሰባት እንታይ ዓስቢ እዩ ዚህቦም፧

16 የሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ለጋስ እዩ። ዝሃብካ እኳ እንተ ሃብካዮ፡ ንሱ ብእተዓጻጸፈ መገዲ እዩ መሊሱ ዚህበካ። (ማር. 10:29, 30) ሎሚ ኣብዛ እትመውት ዘላ ኣረጊት ዓለም እውን ከይተረፈ፡ ማራኽን ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ኪህበካ እዩ። ድሕርዚ እውን ገና ኻልእ ነገራት ኣሎ። እቲ ብጥምቀት ዚጅምር ጕዕዞ ህይወትካ መወዳእታ የብሉን። ነቲ ፍቑር ኣቦኻ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ኣቦኻን ዘሎ ፍቕሪ እውን እናዓበየ ኪኸይድ እዩ። ስለዚ፡ ንሱ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፣ እወ፡ ንዘለኣለም ብህይወት ክትነብር ኢኻ።—መዝሙር 41:12 ኣንብብ።

17. ንየሆዋ እንታይ ኢኻ ኽትህቦ እትኽእል፧

17 ርእስኻ ወፊኻ ኽትጥመቕ ከለኻ፡ ንኣቦኻ ኣዝዩ ኽቡር ነገር ኢኻ እትህቦ። ንሱ ጽቡቕ ዘበለ ዅሉ፡ ሓጐስ ዜምጽኣልካ ዘበለ ዅሉ ሂቡካ እዩ። ንስኻ ድማ፡ ነቲ ወናኒ ሰማይን ምድርን ሓደ ዘይብሉ ነገር ክትህቦ ትኽእል ኢኻ፣ እወ፡ ብፍታውን ብተወፋይነትን ኣገልግሎት ከተቕርበሉ ትኽእል ኢኻ። (እዮ. 1:8፣ 41:11፣ ምሳ. 27:11) ንህይወትካ እሞ ኻብዚ ዝሓሸ ኣብ ምንታይ መዓላ ኸተውዕላ ትኽእል፧ ብዘይ ጥርጥር እምበኣር፡ እቲ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ንጥምቀት ዜለዓዕለካ ብሉጽ ምኽንያት እዩ።

እንታይ ትጽበ ኣለኻ፧

18. እንታይ ሕቶታት ኢኻ ገዛእ ርእስኻ ኽትሓትት እትኽእል፧

18 እሞ ደኣ፡ ‘ክትጥመቕ ዲኻ፧’ ንእትብል ሕቶ እንታይ ምላሽ ኢኻ እትህብ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ባዕልኻ ጥራይ ኢኻ ምላሽ ክትህበላ እትኽእል። ኰይኑ ግና፡ ‘እንታይ እየ ዝጽበ ዘለኹ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ እንተ ሓቲትካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ግብ. 8:36) ነቲ ዝረኣናዮ ሰለስተ ምኽንያታት ኣይትረስዕ። ቀዳማይ፡ ሓቅን ጽድቅን ዘበለ ትፈቱ ኢኻ። ስለዚ፡ ‘ኵሉ ሰብ ሓቂ ዚዛረበሉን ብቕንዕና ዚመላለሰሉን ግዜ ኽርኢ እደሊ ድየ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ካልኣይ፡ ንየሱስ ክርስቶስ ተፍቅሮ ኢኻ። ስለዚ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ ንጉሰይ ኪኸውን፡ ኣነ እውን ኣብነቱ ኽስዕብ እደሊ ድየ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ሳልሳይ፡ ልዕሊ ዅሉ ንየሆዋ ተፍቅሮ ኢኻ። ስለዚ፡ ‘ንየሆዋ በቲ ኸም ኣምላኸይ መጠን ዘቕርበሉ ኣገልግሎት ገይረ ንልቡ ኸሐጕሶ እደሊ ድየ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ነዘን ሕቶታት እዚአን ‘እወ’ ኢልካ እንተ መሊስካ፡ ስለምንታይ ዘይትጥመቕ፧ እንታይ ትጽበ ኣለኻ፧—ግብ. 16:33

19. ንጥምቀት ሰጋእ መጋእ ክትብል ዘይብልካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (ዮሃንስ 4:34)

19 ንጥምቀት ሰጋእ መጋእ ትብል እንተ ኣሊኻ፡ ነዚ የሱስ እተጠቕመሉ ምሳሌ ሕሰበሉ። (ዮሃንስ 4:34 ኣንብብ።) የሱስ ፍቓድ ኣቦኡ ምግባር፡ ምስ ብልዒ ኸም ዘመሳሰሎ ኣስተብህል። ስለምንታይ፧ ብልዒ ንዓና ይጠቕመና እዩ። ኵሉ እቲ የሆዋ ዚሓትተና ነገራት ንጥቕምና ምዃኑ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ ዚጐድኣና ነገር ክንገብር ኣይደልየናን እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ ኽትጥመቕ ድዩ ዚደልየካ፧ እወ። (ግብ. 2:38) ስለዚ፡ ነዚ ትእዛዝ እዚ ምሕላው ንጥቕምኻ ምዃኑ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ጥዑም ምግቢ ንምብላዕ ዘይትወላወል እንተ ዄንካ፡ ስለምንታይ ንጥምቀት ሰጋእ መጋእ እትብል፧

20. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

20 እሞ ደኣ እንታይ ትጽበ ኣለኻ፧ ብዙሓት፡ “ገና ኣይተዳሎኹን” ኢሎም ይምልሱ ይዀኑ። ልክዕ እዩ፡ ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ ንምጥማቕ እትገብሮ ውሳነ፡ ኣብ ህይወትካ ዝዓበየ ውሳነ እዩ። ስለዚ፡ ግዜ ወሲድካ ተጠንቂቕካ ኽትሓስበሉን ኣጸቢቕካ ኽትዳለወሉን ይግባእ። እንተዀነ ግና፡ ነዚ ስጕምቲ እዚ ንምውሳድ ልባዊ ድሌት እንተ ኣልዩካ፡ ሕጂ ንምድላው እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብዚ ዚስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

መዝሙር 28 ፈታው የሆዋ ምዃን

a ጥምቀት ንዅሉ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ። እሞ ደኣ ሓደ ተምሃራይ ነዚ ስጕምቲ ንምውሳድ ዚድርኾ እንታይ እዩ፧ ብሓንቲ ቓል፡ ፍቕሪ እያ። ግናኸ ንምንታይን ንመንን ዘለዎ ፍቕሪ እዩ ነዚ ዚድርኾ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንረክብ ኢና። ጥሙቓት ክርስትያናት ምስ ኰንና፡ እንታይ ዓይነት ህይወት ከም ዚህልወና እውን ክንርኢ ኢና።