ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 14

“በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ”

“በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ”

“ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።”—ዮሃ. 13:35

መዝሙር 106 ፍቕሪ ነማዕብል

መላለዪ a

ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ፍቕሪ ምስ ረኣዩ፡ ብኸመይ እዮም ዚጽለዉ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ)

1. ኣብ ኣኼባታትና ዚእከቡ ብዙሓት ግዱሳት ብምንታይ እዮም ዚማረኹ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

 ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣኼባ ኸም እተኣከቡ ጌርና እሞ ንስኣል። በቲ እተገብረሎም ጽቡቕ ኣቀባብላን በቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝረኣይዎ ፍቕርን ኣጸቢቖም እዮም ተማሪኾም። ካብቲ ኣኼባ ናብ ገዛኦም ኪምለሱ ኸለዉ፡ እታ ሰበይቲ ንሰብኣያ፡ ‘ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍልይ ዜብሎም ነገር ኣሎ። ብሓቂ እየ ፈትየዮም’ ትብሎ።

2. ስለምንታይ እዮም ገሊኦም ተዓንቂፎም፧

2 እታ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘላ ፍቕሪ ብሓቂ እተደንቕ እያ። ልክዕ እዩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍጹማት ኣይኰኑን። (1 ዮሃ. 1:8) ስለዚ፡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብዝያዳ ብዝፈለጥናዮም መጠን፡ ገሊኡ ጕድለታቶም ይርኣየና እዩ። (ሮሜ 3:23) እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ገሊኦም ሰባት ብናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ተዓንቂፎም እዮም።

3. ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ብምንታይ እዮም ዚልለዩ፧ (ዮሃንስ 13:34, 35)

3 ንቕዱስ ጽሑፋዊ ፍረ ነገር እዛ ዓንቀጽ እሞ ተመሊስካ ርኣዮ። (ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ።) መለለዪት ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ እንታይ እያ፧ ፍቕሪ ደኣ እያ እምበር፡ ፍጽምና ኣይኰነትን። የሱስ፡ ‘በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ንስኻትኩም ክትፈልጡ ኢኹም’ ከም ዘይበለ እውን ኣስተብህል። የግዳስ፡ “በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢሉ እዩ ተዛሪቡ። በዚ ኸምዚ ኣቢሉ ድማ፡ ሰዓብቱ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ እቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ እውን ነቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ በታ ኣብ መንጎኦም ዘላ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኸም ዜለልይዎም እዩ ሓቢሩ።

4. ገሊኦም ብዛዕባ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ኪፈልጡ እዮም ዚደልዩ፧

4 ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት፡ ‘ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ብፍቕሪ ዚልለዩ ብኸመይ እዮም፧ የሱስ ንሃዋርያቱ ፍቕሪ ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧ ሰባት ሎሚ ኣብነት የሱስ ኪስዕቡ ዚኽእሉኸ ብኸመይ እዮም፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና እውን፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንሓስበሉ ኣሎና። ከምኡ ምግባር፡ ምናዳ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዘይፍጽምና ኽንርኢ ኸለና፡ ብዝያዳ ፍቕሪ ኸነርኢ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 5:2

ፍቕሪ መለለዪት ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

5. ነቲ ኣብ ዮሃንስ 15:12, 13 ዚርከብ ቃላት የሱስ ግለጾ።

5 የሱስ፡ ሰዓብቱ ፍልይቲ ብዝዀነት ዓይነት ፍቕሪ ኸም ዚልለዩ ንጹር ገይርዎ እዩ። (ዮሃንስ 15:12, 13 ኣንብብ።) የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ” ኢሉ ኸም ዝኣዘዞም ነስተብህል። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸም ዝገለጾ፡ ጥቕሚ ርእሳ ብዛዕባ እትስውእ ፍቕሪ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ንክርስትያን ብጻይካ ኽትሞተሉ እውን እያ እተለዓዕለካ። b

6. ቃል ኣምላኽ ንኣገዳስነት ፍቕሪ ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧

6 ቃል ኣምላኽ ንፍቕሪ ብዙሕ እዩ ዜተኵረላ። ብዙሓት ሰባት ነዘን ዚስዕባ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፈትውወን እዮም፦ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃ. 4:8) “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።” (ማቴ. 22:39) “ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ።” (1 ጴጥ. 4:8) “ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።” (1 ቈረ. 13:8) እዚ ፍቕድታት እዝን ሓያሎ ኻልእ ፍቕድታትን ነዛ ጽብቕቲ ባህርይ ከነማዕብላን ከነርእያን ከም ዘሎና ንጹር ይገብረልና እዩ።

7. ሰይጣን ንሰባት ብናይ ሓቂ ፍቕሪ ገይሩ ሓድነት ኬምጽኣሎም ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧

7 ብዙሓት ሰባት፡ ‘ናይ ሓቂ ሃይማኖት ብኸመይ ትልለ፧ ኵለን ሃይማኖታት ሓቂ ንምህር እየን ዚብላ፣ ብዛዕባ ኣምላኽ ግና እተፈላለየ ነገራት እየን ዚምሃራ’ ኢሎም ይሓትቱ እዮም። ሰይጣን ብዙሓት ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ብምፍጣር፡ ንሰባት ኣደናጊርዎም ኣሎ። ንሓድሕዶም ዚፋቐሩ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚነብሩ ክርስትያናት ኣሕዋት ግና ፈጺሙ ኺፈጥር ኣይከኣለን። የሆዋ ጥራይ እዩ ኸምኡ ኺገብር ዚኽእል። ስለምንታይሲ፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኻብ የሆዋ እያ፣ ንኣምለኽቱ መንፈሱን በረኸቱን ምስ ሃቦም እያ እትፈሪ። (1 ዮሃ. 4:7) ስለዚ፡ የሱስ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ጥቕሚ ርእሳ ብእትስውእ ፍቕሪ ኸም ዚልለዩ ምዝራቡ ዜገርም ኣይኰነን።

8-9. ብዙሓት ውልቀ ሰባት በቲ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኣይዎ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብኸመይ እዮም ተጸልዮም፧

8 ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ ብዙሓት ሰባት ንናይ ሓቂ ሰዓብቱ በቲ ኣብ መንጎኦም ዘላ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣለልዮምዎም እዮም። ንኣብነት፡ ኢያን ዝስሙ ሓው ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣኼባ ዞባ እተኣከበሉ እዋን ኣይርስዖን እዩ። እቲ ኣኼባ ኣብ ጥቓ ገዛኡ ኣብ ዚርከብ ስታድዩም እዩ ተገይሩ ነይሩ። ኢያን ድማ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሓደ ስፖርታዊ ውድድር ንምርኣይ ናብቲ ስታድዩም ከይዱ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝረኣዮ ፍልልይ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብቲ ኣኼባ [ዞባ] እቲ ዝረኣኽዎ ግና ኣመና እተፈልየ እዩ ነይሩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትሑታትን ጽቡቕ እተኸድኑን እዮም ነይሮም፣ ደቆም እውን ስርዓት ዘለዎም እዮም ነይሮም” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ እቲ ኽረኽቦ ሃረር ዝብሎ ዝነበርኩ ዕግበትን ሰላምን ነበሮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ዝቐረበ መደረታት ዋላ ሓንቲ ኣይዝክርን እየ፣ ኣካይዳ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ነባሪ ጦብላሕታ ኣሕደረለይ” ይብል። c እዚ ኣካይዳ እዚ፡ ሳላ እታ ኣብ መንጎና ዘላ ናይ ሓቂ ፍቕሪ እዩ ኺርከብ ተኻኢሉ። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብሓቂ ስለ እነፍቅሮም፡ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ኢና እንሕዞም።

9 ጆን ዚብሃል ሓው እውን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከብ ምስ ጀመረ፡ ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ኣሕዲሩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “በቲ ኣብኡ ዝረኣኽዎ ምሕዝነት . . . ኣዝየ ስለ እተተንከፍኩ፡ [ፍጹማት] መሲሎም ተራእዩኒ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ድማ፡ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝረኸብክዋ ኣእመነኒ።” d ብተደጋጋሚ ዘጋጠመ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት፡ ህዝቢ የሆዋ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃኖም የረጋግጽ እዩ።

10. ምናዳ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ኸነርእየሉ እንኽእል እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዘሎና፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

10 ኣብ መእተዊ ኸም እተገልጸ፡ ፍጹም ክርስትያን የልቦን። ሓድሓደ ግዜ፡ ክርስትያናት ብጾትና ዜጕህየና ዘረባ ይዛረቡ፡ ወይ ዜጕህየና ነገር ይገብሩ እዮም። e (ያእ. 3:2) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት፡ በቲ እንህቦ ምላሽ ኣቢልና ክርስትያናዊ ፍቕሪ ንምርኣይ ፍሉይ ኣጋጣሚ ይኽፈተልና እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ካብቲ የሱስ ዝሓደገልና ኣብነት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧—ዮሃ. 13:15

የሱስ ንሃዋርያቱ ፍቕሪ ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧

ሃዋርያት ሕማቕ ባህርያት ምስ ኣርኣዩ እኳ፡ የሱስ ብፍቕሪ ሓዞም (ሕጡብ ጽሑፍ 11-13 ርአ)

11. ያእቆብን ዮሃንስን እንታይ ሕማቕ ባህርይ ከም ዝነበሮም እዮም ኣርእዮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 የሱስ ካብ ሰዓብቱ ፍጽምና ኣይተጸበየን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሞገስ የሆዋ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ነቲ ዘይድለ ባህርያቶም ኪእርሙ ብፍቕሪ እዩ ሓጊዝዎም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ያእቆብን ዮሃንስን ዚብሃሉ ኽልተ ኻብ ሃዋርያቱ ኣብ መንግስቱ ምርኡይ ቦታ ምእንቲ ኺውሃቦም ብኣዲኦም ኣቢሎም ሓተትዎ። (ማቴ. 20:20, 21) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ትዕቢትን ህርፋን ስልጣንን ከም ዘለዎም ኣርኣዩ።—ምሳ. 16:18

12. ሕማቕ ባህርያት ዘርኣዩ ያእቆብን ዮሃንስን ጥራይ ድዮም ነይሮም፧ ግለጽ።

12 ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ሕማቕ ባህርያት ዘርኣዩ ያእቆብን ዮሃንስን ጥራይ ኣይነበሩን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ዝተረፉ ሃዋርያት እንታይ ከም ዝገበሩ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ በቶም ክልተ ኣሕዋት ተቘጥዑ” ይብለና። (ማቴ. 20:24) ሽዑ፡ ያእቆብን ዮሃንስን ምስቶም ዝተረፉ ሃዋርያት ተሪር ቃላት ከም እተማላለሱ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና። ምናልባት እቶም ካልኦት ሃዋርያት፡ ‘ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምርኡይ ቦታ እትሓትቱስ መን ዝዀንኩም መሲልኩም ኢኹም፧ ንስኻትኩም ጥራይ ኣይኰንኩምን ምስ የሱስ ብትግሃት ዝዓየኹም። ንሕና እውን ማዕረኹም እዚ ፍሉይ ሓላፍነት ይግብኣና እዩ’ ኢሎምዎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ እተፈጥረ ዅነታት እዚ ይኹን እቲ፡ ሕውነታዊ ፍቕሮም ንግዜኡ ተዘሪጉ ነይሩ እዩ።

13. የሱስ ጕድለት ሃዋርያቱ ምስ ረኣየ፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ማቴዎስ 20:25-28)

13 እሞ ደኣ የሱስ ኣብቲ ዅነታት እቲ እንታይ እዩ ገይሩ፧ በቶም ሃዋርያት ኣይተቘጥዐን። ዝሓሸ ትሕትና ዘለዎም፡ ንሓድሕዶም እውን ብዝያዳ ዚፋቐሩ ዝሓሹ ሃዋርያት ከም ዜናዲ ኣይተዛረበን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነዞም ቅኑዓት ሰባት ብትዕግስቲ ተዛረቦም። (ማቴዎስ 20:25-28 ኣንብብ።) እዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ንመጀመርታ ወይ ንመወዳእታ ግዜ መኖም ከም ዚዓቢ እተኸራኸሩሉ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ብፍቕሪ እዩ ሒዝዎም።—ማር. 9:34፣ ሉቃ. 22:24

14. ሃዋርያት የሱስ ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋህው እዮም ዓብዮም፧

14 የሱስ ንኣተዓባብያ እቶም ሃዋርያት ኣብ ግምት ኣእትዩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃ. 2:24, 25) እቶም ሃዋርያት ኣብ ዝዓበየሉ ማሕበረ ሰብ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ንስልጣንን ንቦታን ዓብዪ ኣትኵሮ እዮም ዚገብሩሉ ነይሮም። (ማቴ. 23:6) ብዘይካዚ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ተመጻደቕቲ እዮም ነይሮም። f (ሉቃ. 18:9-12) የሱስ፡ እዚ ሃዋህው እዚ ነቲ እቶም ሃዋርያት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶምን ብዛዕባ ኻልኦትን ዘለዎም ኣረኣእያ ኸም ዚጸልዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ምሳ. 19:11) ስለዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኺጋገዩ ኸም ዚኽእሉ ይጽበ ነይሩ እዩ፣ ምስ ተጋገዩ ኸኣ፡ ብዓቕሊ እዩ ሒዝዎም። ጽቡቕ ልቢ ኸም ዘለዎም ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ንትዕቢቶምን ንህርፋን ስልጣኖምን ብፍቕሪ ኺትክእዎ ብትዕግስቲ እዩ ሓጊዝዎም።

ኣብነት የሱስ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15. ካብቲ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን እተተሓሓዘ ጕዳይ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

15 ካብቲ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን እተተሓሓዘ ጕዳይ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምርኡይ ቦታ ብምሕታቶም ጌጋ እዮም ገይሮም። እቶም ዝተረፉ ሃዋርያት እውን፡ እቲ ዅነታት ንሓድነቶም ኪዘርጎ ብምፍቃዶም ጌጋ እዮም ገይሮም። የሱስ ግና ንዅሎም እቶም 12 ሃዋርያት ብለውሃትን ብፍቕርን እዩ ሒዝዎም። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ እቲ ኻልኦት ሰባት ዚገብርዎ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕና ንጌጋታቶምን ንጕድለታቶምን እንህቦ ምላሽ እውን የገድስ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ብሓደ ክርስትያን ብጻይና ኽንጕሂ ኸለና፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘እቲ ንሱ ዝገበሮ ነገር ኣመና ዚርብሸኒ ስለምንታይ እዩ፧ ክዓይየሉ ዚግባእ ሕማቕ ባህርይ ከም ዘሎኒ ድዩ ዚሕብር፧ እቲ ዘጕሃየኒ ሰብ፡ ጸገማት የሕልፍ ደዀን ይህሉ ይኸውን፧ ዜቘጥዕ ምኽንያት ከም ዘሎኒ እኳ እንተ ተሰምዓኒ፡ ነቲ በደል ዕሽሽ ብምባል፡ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኸርኢ እኽእልዶ፧’ ንኻልኦት ብፍቕሪ ብዝሓዝና መጠን፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ምዃንና ኢና እነርኢ።

16. ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ተወሳኺ ነገር ክንምሃር ንኽእል፧

16 ንክርስትያናት ብጾትና ኽንርድኣሎም ከም ዘሎና እውን፡ ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ንምሃር ኢና። (ምሳ. 20:5) ልክዕ እዩ፡ የሱስ ልቢ ኼንብብ ይኽእል እዩ። ንሕና ግና ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ዘይፍጽምና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንርኢ ኸለና፡ ክንዕገሶም ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 4:1, 2፣ 1 ጴጥ. 3:8) ብዛዕባ ኣተዓባብያኦም እንተ ፈሊጥና፡ ከምኡ ምግባር ይቐልለና እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

17. ሓደ ገያሺ ሓላዊ ንክርስትያን ሓዉ ብዝያዳ ኺፈልጦ ስለ ዝጸዓረ ብኸመይ ተጠቒሙ፧

17 ሓደ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘገልገለ ገያሺ ሓላዊ ምስ ሓደ ተሪር ዝባህርዩ ዀይኑ እተሰምዖ ሓው ብዛዕባ ዝነበሮ ርክብ ኣዘንትዩ ኣሎ። እሞ ደኣ እቲ ሓላው ወረዳ እንታይ እዩ ገይሩ፧ “ካብቲ ሓው ኣብ ክንዲ ዝርሕቕ . . . ዝያዳ ኽፈልጦ እየ ቘሪጸ” ብምባል እንታይ ከም ዝገበረ ገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ብምግባሩ ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ ንባህርይ ሓዉ ዝጸለዎ ኣተዓባብያ ፈለጠ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ከምዚ ይብል፦ “እቲ ሓው ነዚ ኣተዓባብያኡ ንምዕራይ ብዙሕ ከም እተቓለሰን ክሳዕ ክንደይ ከም እተመሓየሸን ምስ ተረድኣኒ ኣድነቕክዎ። እንቀራረብ ኣዕሩኽ ድማ ኰንና።” እወ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክንርድኦም እንተ ጽዒርና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፍቕሪ ንምርኣይ ዝቐለለ እዩ ዚዀነልና።

18. ኣብ ክርስትያን ብጻይና ቕሬታ እንተ ኣልዩና፡ እንታይ ኢልና ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧ (ምሳሌ 26:20)

18 ሓድሓደ ግዜ፡ ቅር ንዘበለና ክርስትያን ብጻይና ቐሪብና ኸነዛርቦ ዝሓሸ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ፈለማ ግና፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘እቲ እተፈጥረ ነገር ምሉእ ብምሉእ ተረዲኡኒ ድዩ፧’ (ምሳ. 18:13) ‘ብዘይፍላጥ ዝገበሮ ደዀን ይኸውን፧’ (መክ. 7:20) ‘ኣነኸ ተመሳሳሊ ጌጋዶ ገይረ እፈልጥ፧’ (መክ. 7:21, 22) ‘ነቲ ሰብ ቀሪበ ምስ ዘዘራርቦ፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ዝዓበየ ጸገም ድየ ኽፈጥር፧’ (ምሳሌ 26:20 ኣንብብ።) ግዜ ወሲድና ነዚ ሕቶታት እዚ እንተ ሓሲብናሉ፡ ካብቲ ንሓውና ዘሎና ፍቕሪ ተላዒልና ነቲ ጕዳይ ዕሽሽ ክንብሎ ንለዓዓል ንኸውን።

19. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

19 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብደረጃ ጕጅለ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃኖም የርእዩ ኣለዉ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይፍጽምና እናሃለዎም ክነሱ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ምስ እነርእዮም ከኣ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ምዃንና ነርኢ ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና ኸኣ፡ ንኻልኦት ሰባት ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኬለልይዋ፡ ኣብ ኣምልኾ እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እውን ኪጽምበሩና ንሕግዞም ንኸውን። እምበኣር፡ ነታ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀነት ፍቕሪ ወትሩ ነርኢ።

መዝሙር 17 “እደሊ እየ”

a ብዙሓት ሰባት በታ ኣብ መንጎና ዘላ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ናብ ሓቂ ይስሓቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት ኢና፣ ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ንክርስትያን ብጻይና ብፍቕሪ ምሓዝ ይኸብደና ይኸውን። እምበኣር፡ ፍቕሪ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ ምዃና፡ ኣብ ካልኦት ሰባት ዘይፍጽምና ኽንርኢ ኸለና እውን ብኸመይ ንየሱስ ከም እንመስሎ እስከ ንመርምር።

c ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2012 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 13-14 ዝወጸት፡ “ኣብ መወዳእታ፡ ህይወተይ ዕላማ ኺህልዋ ኽኢሉ እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

d ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2012 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 18-19 ዝወጸት፡ “ጽቡቕ ህይወት ዝነበረኒ እዩ ዚመስል ነይሩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

e እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ብሽማግለታት ኪትሓዝ ዘለዎ ኸቢድ ሓጢኣት ኣይኰነትን እትገልጽ ዘላ፣ ገለ ኻብዚ ኸቢድ ሓጢኣት እዚ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10 ተዘርዚሩ ኣሎ።

f ድሕርዚ ነዊሕ ጸኒሑ ሓደ ረቢ ኸምዚ ዚስዕብ ከም ዝበለ ተሓቢሩ ኣሎ፦ “ኣብ ዓለም ማዕረ ኣብርሃም ጻድቃን ዝዀኑ እንተ ወሓዱ ሰላሳ ሰባት ኣለዉ። ሰላሳ እንተ ኣልዮም፡ ኣነን ወደይን ክልተ ኻባታቶም ኢና፣ ዓሰርተ እንተ ኣልዮም፡ ኣነን ወደይን ክልተ ኻባታቶም ኢና፣ ሓሙሽተ እንተ ኣልዮም፡ ኣነን ወደይን ክልተ ኻባታቶም ኢና፣ ክልተ እንተ ኣልዮም፡ ንሳቶም ኣነን ወደይን ኢና፣ ሓደ ጥራይ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ሰብ እቲ ኣነ እየ።”