ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 13

ብፍጥረት ጌርኩም ንደቅኹም ብዛዕባ የሆዋ ምሃርዎም

ብፍጥረት ጌርኩም ንደቅኹም ብዛዕባ የሆዋ ምሃርዎም

“ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧”—ኢሳ. 40:26

መዝሙር 11 ፍጥረት ንኣምላኽ ይውድሶ

መላለዪ a

1. ወለዲ ንደቆም እንታይ ኪገብሩሎም እዮም ዚደልዩ፧

 ኣቱም ወለዲ፡ ደቅኹም ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ንምሕጋዝ፡ ድሌት ከም ዘሎኩም ንፈልጥ ኢና። ኣምላኽ ግና ብዓይኒ ኣይርአን እዩ። እሞ ደኣ ደቅኹም ንኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዘሎ ገይሮም ምእንቲ ኺርእይዎን ምእንቲ ኪቐርብዎን ብኸመይ ኢኹም ክትሕግዝዎም እትኽእሉ፧—ያእ. 4:8

2. ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ብኸመይ ኪምህርዎም ይኽእሉ፧

2 ውሉዳት ንየሆዋ ምእንቲ ኪቐርብዎ ኽንሕግዘሉ እንኽእል ሓደ ኣገዳሲ መገዲ ምሳታቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር እዩ። (2 ጢሞ. 3:14-17) ኰይኑ ግና፡ ውሉዳት ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩሉ ዚኽእሉ ኻልእ መገዲ ኸም ዘሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ፡ ኣቦ ንወዱ ኣብ ባህርያት የሆዋ ኼተኵር መዘኻኸሪ ይህቦ ኸም ዘሎ ጌርካ ተሓቢሩ ኣሎ፣ ባህርያት የሆዋ ድማ ኣብ ፍጥረት ኪርአ ይከኣል እዩ። (ምሳ. 3:19-21) ካብዚ ቐጺልና፡ ወለዲ ብፍጥረት ገይሮም ንደቆም ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኺምህሩሉ ዚኽእሉ መገድታት ክንርኢ ኢና።

ብፍጥረት ጌርኩም ንደቅኹም ምሃርዎም—ብኸመይ፧

3. ወለዲ ንደቆም ብኸመይ እዮም ኪሕግዝዎም ዘለዎም፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ፡ . . . ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ” ይብል። (ሮሜ 1:20) ኣቱም ወለዲ፡ ምስ ደቅኹም ኣብ ግዳም ግዜ ምሕላፍ መሸም ባህ ከም ዚብለኩም ኣየጠራጥርን እዩ። ስለዚ፡ ደቅኹም ነቲ ኣብ መንጎ “ግብሪ” የሆዋን ዜደንቕ ባህርያቱን ዘሎ ምትእስሳር ምእንቲ ኺርኣዮም፡ ነቲ ግዜ እቲ ተጠቐሙሉ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ወለዲ ኻብ የሱስ እንታይ ኪምሃሩ ኸም ዚኽእሉ እስከ ንርአ።

4. የሱስ ብፍጥረት ገይሩ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃስ 12:24, 27-30)

4 የሱስ ብፍጥረት ገይሩ ብኸመይ ከም ዝመሃረ እሞ ነስተብህል። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንኳዃትን ንዕምባባታት ሹሻንን ኪዕዘቡ ነገሮም። (ሉቃስ 12:24, 27-30ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።) የሱስ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝዀነ ዓይነት እንስሳ ወይ ተኽሊ ኺጠቅስ ምኸኣለ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ደቀ መዛሙርቱ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ዓይነት ዑፍን ዕምባባን እዩ ጠቒሱ። ደቀ መዛሙርቱ ኳዃት ኪነፍሩ፡ ዕምባባታት እውን ኣብ መሮር ኪዕምብብ ርእዮም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ኪዛረብ ከሎ፡ ናብዚ ነገራት እዚ ብኣእዳዉ ኼመልክት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነዚ ኣብነታት እዚ ድሕሪ ምጥቃሱኸ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ልግስናን ለውሃትን እቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ሓያል ትምህርቲ እዩ ሂብዎም። እወ፡ የሆዋ ኸምቲ ንኳዃትን ንዕምባባታት መሮርን እተኸናኸኖም፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ እውን ይምግቦምን ይኸድኖምን እዩ።

5. ወለዲ ንውሉዶም ብዛዕባ የሆዋ ኺምህሩ ኸለዉ፡ ካብ ፍጥረት እንታይ ኣብነታት ኪጥቀሙ ይኽእሉ፧

5 ኣቱም ወለዲ፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ኣብ ኣመሃህራኹም ኣብነት የሱስ ክትስዕቡ እትኽእሉ፧ ምናልባት ንውሉድኩም ብዛዕባ እትፈትውዎ ሓደ ዓይነት ፍጥረት፡ ንበል ብዛዕባ ሓደ እንስሳ ወይ ብዛዕባ ሓደ ተኽሊ ኽትነግርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ ኽትገብሩ ኸለኹም፡ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዚምህሮ ምግላጽ ኣይትረስዑ። ድሕሪኡ፡ ንውሉድኩም ብዛዕባ እቲ ንሱ ዚፈትዎ እንስሳ ወይ ተኽሊ ኽትሓትትዎ ትኽእሉ ኢኹም። በቲ ንሱ ዚፈትዎ ፍጥረት ጌርኩም ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኽትምህርዎ ኸለኹም ከኣ፡ ካብ ካልእ ግዜ ብዝያዳ ብኣቓልቦ ይሰምዓኩም ይኸውን።

6. ካብ ኣደ ክሪስቶፈር እንታይ ንምሃር፧

6 ወለዲ ብፍጥረት ገይሮም ብዛዕባ የሆዋ ንምግላጽ፡ ንነዊሕ ግዜ ብዛዕባ ሓደ እንስሳ ወይ ተኽሊ ምርምር ኪገብሩ የድልዮም ድዩ፧ ግድን ከምኡ ኺገብሩ ኣየድልዮምን እዩ። የሱስ ብዛዕባ ኣመጋግባ ኳዃት ወይ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ዕምባባታት ሹሻን ነዊሕ መግለጺ ኣይሃበን። ልክዕ እዩ፡ ውሉድኩም ሓሓሊፉ ብዛዕባ ተፈጥሮ ዓሚቝ ምይይጥ ምግባር የሐጕሶ ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኣገዳሲ ነጥቢ ንምምሕልላፍ፡ ቀሊል ትዕዝብቲ ወይ ሕቶ እኹል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ክሪስቶፈር ዝስሙ ሓው ብዛዕባ ቝልዕነቱ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ማማ ነቲ ኣብ ዙርያና ዘሎ ፍጥረት ምእንቲ ኸነድንቕ ቀሊል ሓሳባት እያ እትህበና ነይራ። ንኣብነት፡ ናብ ጥቓ ኣኽራን ክንከይድ ከለና፡ ‘እዚ ኣኽራን ክሳዕ ክንደይ ገዚፍን ውቁብን ምዃኑ እሞ ርኣዩ! የሆዋስ ዜደንቕ ደይኰነን፧’ ትብለና ነይራ። ናብ ጥቓ ውቅያኖስ ክንከይድ ከለና ኸኣ፡ ‘እዚ ማዕበላት ዘለዎ ሓይሊ እሞ ርኣይዎ። ኣምላኽሲ ሓያል ደይኰነን፧’ ትብለና ነይራ።” ኣብ መደምደምታ፡ ክሪስቶፈር፡ “እዚ ዜመራምር ቀሊል ሓሳባት፡ ኣባና ዓብዪ ጦብላሕታ እዩ ሓዲጉ” ይብል።

7. ደቅኹም ብዛዕባ ፍጥረት ምእንቲ ኺሓስቡ፡ ብኸመይ ከተሰልጥንዎም ትኽእሉ፧

7 ደቅኹም እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ ብዛዕባ ፍጥረት ብዕምቈት ኪሓስቡን ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኺምሃሩን ከተሰልጥንዎም ትኽእሉ ኢኹም። ንሓደ ፍጥረት ኣምላኽ ድሕሪ ምጥቃስ፡ “እዚ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ እንታይ ይምህረካ፧” ኢልኩም ክትሓትትዎም ትኽእሉ ኢኹም። ምናልባት በቲ ምላሾም የገርሙኹም ይዀኑ።—ማቴ. 21:16

መዓስ ኢኹም ንደቅኹም ብፍጥረት ጌርኩም ክትምህርዎም እትኽእሉ፧

8. እስራኤላውያን ወለዲ “ኣብ መገዲ” ኪኸዱ ኸለዉ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዝነበሮም፧

8 እስራኤላውያን ወለዲ “ኣብ መገዲ” ኪኸዱ ኸለዉ፡ ንደቆም ብዛዕባ ትእዛዛት የሆዋ ኺምህርዎም ተነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 11:19) ኣብ እስራኤል ድማ መገድታት ብገጠራት ኣቢሉ እዩ ዚሓልፍ ነይሩ። ኣብኡ ኸኣ በብዓይነቱ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ዕምባባታትን ኪርአ ይከኣል ነይሩ እዩ። እስራኤላውያን ወለዲ ንደቆም ሒዞም ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ብዛዕባ ፍጥረት የሆዋ ኼዕልልዎም ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኣቱም ወለዲ፡ ብፍጥረት ጌርኩም ንደቅኹም ንምምሃር፡ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ሕጂ፡ ገሊኦም ወለዲ ብኸመይ ከምኡ ኸም ዝገበሩ እስከ ንርአ።

9. ካብ ፑኒታን ካብ ካትያን እንታይ ትምሃር፧

9 ኣብ ህንዲ ኣብ እትርከብ ዓባይ ከተማ እትነብር ፑኒታ ዝስማ ኣደ ኸምዚ ትብል፦ “ንቤተ ሰብና ንምብጻሕ ናብ ገጠር ክንከይድ ከለና፡ ንደቅና ብዛዕባ እቲ መስተንክር ፍጥረት የሆዋ ንምምሃር ኣጋጣሚ ኸም ዝረኸብና ጌርና ኢና እንርእዮ። ደቀይ ካብቲ ጽቕጥቅጥ ዝመልኦ ጐደናታትን ሰባት ዝበዝሕዎ ኸተማን ኣብ ዚርሕቁሉ እዋን ብዛዕባ ፍጥረት ብዝያዳ ኸም ዚርድኡ እዩ ዚስምዓኒ።” ኣቱም ወለዲ፡ ደቅኹም ነቲ ምሳኻትኩም ኣብ ውቁብ ቦታ ዘሕለፍዎ ግዜ ኣይርስዕዎን እዮም። ኣብ ሞልዶቫ እትነብር ካትያ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “እቲ ኻብ ቍልዕነተይ ኣጸቢቐ ዝዝክሮ ነገራት፡ እቲ ምስ ወለደይ ኣብ ገጠር ዘሕለፍክዎ ግዜያት እዩ። ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ፡ ሓንሳእ ደው ኢለ ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ነገራት ክዕዘብን ብፍጥረት ኣቢለ ንዕኡ ኽርእዮን ስለ ዝመሃሩኒ አመስግኖም እየ።”

ኣብ ከተማ እኳ፡ ንደቅኻ ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር ዜኽእል ፍጥረት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ወለዲ ኻብ ከተማ ወጻኢ ምጋሽ ዜጸግሞም እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (“ ንወለዲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

10 ናብ ገጠር ክትከዱ ዘይትኽእሉ እንተ ዄንኩምከ፧ ኣብ ህንዲ ዚነብር ኣሞል ዝስሙ ሰብ ከምዚ ይብል፦ “ኣብዚ ኣነ ዝነብሮ ዓዲ፡ ወለዲ ነዊሕ ሰዓታት ኪሰርሑ ኣለዎም፣ ናብ ገጠር ምጋሽ ከኣ፡ ክቡር እዩ። ይኹን እምበር፡ ናብ ንእሽቶ መናፈሻ ኼድካ ወይ ኣብ ናሕሲ ዄንካ ንፍጥረት ክትዕዘብ ወይ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኽትዛረብ ትኽእል ኢኻ።” ኣቱም ወለዲ፡ ተጠንቂቕኩም እንተ ተዓዚብኩም፡ ኣብ ከባቢ ገዛኹም ንደቅኹም ክትምህሩሉ እትኽእሉ ብዙሕ ፍጥረታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። (መዝ. 104:24) ምናልባት ኣዕዋፍ፡ ሓሸራታት፡ ኣትክልቲ፡ ወይ ካልእ ነገራት ክትረኽቡ ትኽእሉ ትዀኑ። ኣብ ጀርመን እትነብር ካሪና፡ “ኣደይ ዕምባባታት ትፈቱ እያ። ስለዚ፡ ብግዜ ንእስነተይ ሒዛትኒ ኽትዛወር ከላ፡ ወትሩ ጽቡቕ ዕምባባታት ተርእየኒ ነይራ” ትብል። ኣቱም ወለዲ፡ ነቲ ውድብና ብዛዕባ ፍጥረት ንደቅኹም ንምምሃር ዘዳለወቶ ሓያሎ ቪድዮታትን ጽሑፋትን እውን ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም። እወ፡ ኵነታትኩም እዚ ይኹን እቲ፡ ደቅኹም ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ምእንቲ ኺዕዘቡ፡ ክትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም። ሕጂ ገለ ኻብቲ ንደቅኹም ክትምህርዎም እትኽእሉ ባህርያት የሆዋ እስከ ንርአ።

‘እቲ ዘይርአ ባህርይ የሆዋ ብንጹር ይርአ’

11. ወለዲ ንደቆም፡ ፍቕሪ የሆዋ ምእንቲ ኼስተውዕሉ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

11 ደቅኹም ንፍቕሪ የሆዋ ምእንቲ ኼስተውዕልዎ፡ ናብቲ እንስሳታት ንውላዶም ዚከናኸኑሉ መገዲ ኸተመልክትዎም ትኽእሉ ኢኹም። (ማቴ. 23:37) ፍጥረት በበይኑ ዓይነት ምዃኑ እውን ከተጕልሑሎም ትኽእሉ ኢኹም። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ካሪና ኸምዚ ትብል፦ “ብእግሪ ኽንዛወር ከለና፡ ሓንሳእ ደው ኢለ፡ ነፍሲ ወከፍ ዕምባባ በይና ዝዓይነታ ምዃና፡ ጽባቐኣ ኸኣ ንፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ከም ዜንጸባርቕ ክዕዘብ፡ ኣደይ ተተባብዓኒ ነይራ። ሕጂ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ነቲ በበይኑ ዓይነትን ንድፍን ሕብርን ዕምባባታት ተጠንቂቐ እየ ዝዕዘቦ። እዚ ድማ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረና የዘኻኽረኒ እዩ።”

ንደቅኻ ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽ ንምምሃር፡ ብዛዕባ እቲ መስተንክር ንድፊ ሰብነትና ኸተጕልሓሎም ትኽእል ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ወለዲ ንደቆም፡ ንጥበብ ኣምላኽ ኬስተውዕልዎ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧ (መዝሙር 139:14) (ስእሊ እውን ርአ።)

12 ብዘይካዚ፡ ደቅኹም ንጥበብ ኣምላኽ ኬስተውዕልዎ ሓግዝዎም። የሆዋ ኻባና ኣጸቢቑ ዚበልጽ ጥበብ ከም ዘለዎ ኣየጠራጥርን እዩ። (ሮሜ 11:33) ንኣብነት፡ እቲ ንደበናታት ዜቕውም ማይ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ኸመይ ገይሩ ብቐሊሉ ኣንሳፊፉ ኸም ዚኸይድ ክትሕብርዎም ትኽእሉ ኢኹም። (እዮ. 38:36, 37) ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰብነትና ዚርአ ድንቂ ንድፊ እውን ከተጕልሑሎም ትኽእሉ ኢኹም። (መዝሙር 139:14 ኣንብብ።) ቭላዲሚር ዝስሙ ኣቦ ኸመይ ገይሩ ኸምኡ ኸም ዝገበረ ኺገልጽ ከሎ፡ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፦ “ሓደ መዓልቲ ወድና ኻብ ብሽክለታኡ ብምውዳቑ ቘሲሉ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግና ቍስሉ ሓውዩ። ኣነን ሰበይተይን ከኣ፡ የሆዋ ንዋህዮታትና ባዕሎም ገዛእ ርእሶም ከም ዚጽግኑ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም ገሊጽናሉ። ኣብቲ ሰባት ዝሰርሕዎ ነገር ከምዚ ዚገብር ከም ዘይረኣና እውን ሓቢርናዮ። ንኣብነት፡ ማኪና ሓደጋ ምስ ኣጋጠማ፡ ገዛእ ርእሳ ኣይትጽግንን እያ። እዚ ነገር እዚ ድማ ንወድና ብዛዕባ ጥበብ የሆዋ ኺርዳእ ሓጊዝዎ።”

13. ወለዲ ንደቆም ንሓይሊ ኣምላኽ ኬስተውዕልዎ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧ (ኢሳይያስ 40:26)

13 የሆዋ ኣዒንትና ናብ ሰማያት ኣልዒልና ኽንርኢ፡ እቲ ዜደንቕ ሓይሉ ንዩኒቨርስ ብኸመይ ከም ዘቘሞ እውን ክንሓስብ ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። (ኢሳይያስ 40:26 ኣንብብ።) ንስኻትኩም እውን ንደቅኹም ናብ ሰማይ ኪጥምቱን ብዛዕባኡ ኼስተንትኑን ከተተባብዕዎም ትኽእሉ ኢኹም። ቲንግቲንግ ዝስማ ኣብ ታይዋን እትነብር ሓብቲ ብዛዕባ ቝልዕነታ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ሓደ ግዜ ኣደይ ኣብ መሮር ክንሓድር ሒዛትኒ ኸደት። ኣብቲ ቦታ እቲ ድማ ናይ ከተማ መብራህትታት ስለ ዘየሎ፡ ብዙሓት ከዋኽብቲ ኽንርኢ ኸኣልና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዛዕባ ጸቕጢ መዛኑ ብዙሕ እጭነቕ ነይረ እየ፣ ንየሆዋ ብተኣማንነት ከገልግሎ ዝኽእል እንተ ዀይነ እውን እሓስብ ነይረ እየ። ኣደይ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዅሉ እዚ ኸዋኽብቲ ንምፍጣር እተጠቕመሉ ሓይሊ ኽሓስብ ኣተባብዓትኒ። ንዜጋጥመኒ ዝዀነ ይኹን ፈተና ንምስጋር እውን በቲ ሓይሊ እቲ ኽጥቀም ከም ዝኽእል ክዝክር ኣተባብዓትኒ። ኣብቲ መገሻና፡ ንፍጥረት ድሕሪ ምዕዛበይ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽፈልጦ ተለዓዓልኩ፣ ነቲ ንዕኡ ንምግልጋል ዘሎኒ ቘራጽነት እውን ኣደልደልኩ።”

14. ወለዲ ንደቆም የሆዋ ሕጉስ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ንምምሃር ከመይ ገይሮም እዮም ብፍጥረት ኪጥቀሙ ዚኽእሉ፧

14 የሆዋ ሕጉስ ምዃኑ፡ ንዓና እውን ክንሕጐስ ከም ዚደልየና፡ ካብ ፍጥረት ክንርኢ ንኽእል ኢና። መብዛሕትኦም እንስሳታት፡ እንተላይ ኣዕዋፍን ዓሳታትን ጸወታ ኸም ዚፈትዉ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ተዓዚቦም እዮም። (እዮ. 40:20) ደቅኹም ሓደ እንስሳ ኺጻወት ከሎ ብምርኣዮም ስሒቖምዶ ይፈልጡ፧ ምናልባት ሓንቲ ዒዋል ደድሕሪ ዅዕሶ ኽትጐዪ፡ ወይ ኰራዅር ንሓድሕዶም ኪቃለሱ ኸለዉ ርእዮም ይዀኑ። ኣብ ዚቕጽል እዋን፡ ደቅኹም ብጸወታ እንስሳታት እንተ ስሒቖም፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ንሕጉስ ኣምላኽ ከም እነገልግል ስለምንታይ ዘይተዘኻኽርዎም፧—1 ጢሞ. 1:11

ብስድራ ቤት ሓቢርኩም ብፍጥረት የሆዋ ተሓጐሱ

ደቅኻ ምሳኻ ሓቢሮም ንተፈጥሮ ኣብ ዜስተማቕሩሉ እዋን፡ ብዛዕባ ስምዒታቶም ንምዝራብ ኪፈዅሶም ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ወለዲ ንደቆም፡ ነቲ ኣብ ልቦም ዘሎ ሓሳባት ከም ዚገልጹ ንምግባር እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ (ምሳሌ 20:5) (ስእሊ እውን ርአ።)

15 ሓድሓደ ግዜ፡ ውሉዳት ንወለዶም፡ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ምንጋር ስለ ዚኸብዶም፡ ወለዲ ብዛዕባኦም ኣይፈልጡን እዮም። ከምዚ ዓይነት ኵነታት እንተ ኣልዩኩም፡ ንደቅኹም ነቲ ኣብ ልቦም ዘሎ ሓሳባት ከም ዚገልጹ ኽትገብርዎም የድልየኩም ይኸውን። (ምሳሌ 20:5 ኣንብብ።) ገሊኦም ወለዲ ምስ ደቆም ሓቢሮም ተፈጥሮ ኣብ ዚዕዘቡሉ እዋን ከምኡ ምግባር ዝቐለለ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ስለምንታይ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብቲ ዅነታት እቲ ንሓሳባት ውሉዳትን ወለድን ዚሰርቕ ብዙሕ ነገራት ስለ ዘየሎ እዩ። ኣብ ታይዋን ዚነብር ማሳሂኮ ዝስሙ ኣቦ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ካልእ ምኽንያት ይጠቅስ፦ “ምስ ደቅና ኣብ ግዳም ግዜ ኸነሕልፍ ከለና፡ ንኣብነት፡ ናብ ኣኽራን ክንድይብ ከለና ወይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኽንዛወር ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፍዅስ እዩ ዚብሎም። ስለዚ፡ ናይ ልቦም ኪገልጹልናን ሓሳቦም ኬካፍሉናን ዝቐለለ እዩ ዚዀነሎም።” እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ካትያ እውን ከምዚ ትብል፦ “ኣደይ ድሕሪ ትምህርቲ ናብ ውቁብ መናፈሻ ትወስደኒ ነይራ። ኣብቲ ፍዅስ ዚብለኒ ሃዋህው ድማ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ዘጋጠመኒ ወይ ብዛዕባ ዘጨነቐኒ ነገራት ክነግራ ይቐልለኒ ነይሩ።”

16. ከመይ ገይሮም እዮም ስድራ ቤታት ብፍጥረታት የሆዋ ኺዘናግዑን ኪዛነዩን ዚኽእሉ፧

16 ብዘይካዚ፡ ስድራ ቤታት ብፍጥረት የሆዋ ኺዛነዩን ኪዘናግዑን ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍቕሪ ኼሐይልዎ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንምስሓቕ . . . ግዜ ኣለዎ፡” “ንምስርሳር ከኣ ግዜ ኣለዎ” ይብል። (መክ. 3:1, 4፡ እ.ጽ.) የሆዋ ብተግባራት ኢዱ ኣቢሉ ኽንዘናግዓሉ እንኽእል ጥዑይ ንጥፈታት ሂቡና ኣሎ። ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ ተፈጥሮ ኣብ ዚርኣየሉ ሕዛእቲ፡ ኣብ ገጠራት፡ ኣብ ኣኽራን፡ ወይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብሓባር ግዜ ምሕላፍ የሐጕሶም እዩ። ገሊኦም ቈልዑ ኣብ መናፈሻ ምዕንዳር፡ ንእንስሳታት ምዕዛብ፡ ወይ ከኣ ኣብ ፈለግ፡ ኣብ ቀላይ፡ ወይ ኣብ ባሕሪ ምሕምባስ የሐጕሶም እዩ። ኣብ ግዳም ብፍጥረታት የሆዋ ኣብ እንኽበበሉ እዋን ንምዝንጋዕ ብዙሕ ኣጋጣሚ እዩ ዚኽፈተልና።

17. ወለዲ ንደቆም ብፍጥረት ኣምላኽ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኺሕግዝዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

17 ኣብታ ኣምላኽ ዜቝማ ሓዳስ ዓለም ወለድን ውሉዳትን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ብፍጥረት የሆዋ ኺሕጐሱ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ንእንስሳታት ኣይክንፈርሆምን ኢና፣ ንሳቶም እውን ኣይኪፈርሁናን እዮም። (ኢሳ. 11:6-9) በቲ የሆዋ ዝገበሮ ንምሕጓስ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ግዜ ኺህልወና እዩ። (መዝ. 22:26) እንተዀነ ግና፡ ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብፍጥረታት ኪሕጐሱ ንምምሃር ክሳዕ ሽዑ ኣይትጸበዩ። ብፍጥረት ጌርኩም ንደቅኹም ብዛዕባ የሆዋ ኽትምህርዎም ከለኹም፡ ምስቲ ንጉስ ዳዊት ዝነበሮ ሓሳብ ኪሰማምዑ እዮም። ንሱ፡ “ኦ የሆዋ፡ . . . ከም ግብርታትካ ዝበለ . . . የልቦን” ኢሉ ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ።—መዝ. 86:8

መዝሙር 134 ውሉዳት ካብ ኣምላኽ እተዋህቡ ሕድሪ እዮም

a ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ንፍጥረታት እናተዓዘቡ ምስ ክርስትያናት ወለዶም ዘሕለፍዎ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኣለዎም። ነቲ ወለዶም በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሞም ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዝሃብዎም ትምህርቲ ኣይርስዕዎን እዮም። ኣቱም ወለዲ፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብፍጥረት ጌርኩም ንደቅኹም ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ክትምህርዎም እትኽእሉ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ኽትህበላ እያ።