ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 11

ንጥምቀት ብኸመይ ትዳሎ፧

ንጥምቀት ብኸመይ ትዳሎ፧

“ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧”—ግብ. 8:36

መዝሙር 50 ጸሎት ወፈያ

መላለዪ a

ኣብ ብዘላ ዓለም ዚነብሩ ንኣሽቱን ዓበይትን ዕቤት ገይሮም ይጥመቑ (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)

1-2. ንጥምቀት ገና ዘይተዳሎኻ እንተ ዄንካ፡ ስለምንታይ ኢኻ ተስፋ ኽትቈርጽ ዘይብልካ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

 ክትጥመቕ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ጽቡቕ ሸቶ ኢኻ ኣውጺእካ ዘለኻ። እሞ ደኣ ሕጂ ነዚ ስጕምቲ እዚ ንምውሳድ ድሉው ዲኻ፧ ድሉው ከም ዝዀንካ እንተ ኣሚንካ፡ ሽማግለታት እውን ምሳኻ እንተ ተሰማሚዖም፡ ኣብ ዚቕጽል ኣጋጣሚ ኻብ ምጥማቕ ድሕር ኣይትበል። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዜሐጕስ ህይወት እዩ ዚህልወካ።

2 በቲ ሓደ ሸነኽ ግና ቅድሚ ጥምቀት ተወሳኺ ዕቤት ክትገብር ከም ዜድልየካ ተነጊሩካ ይኸውን። ወይ እውን ንስኻ ባዕልኻ ነዚ ኣስተውዒልካ ትኸውን። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ብዕድመ ንእሽቶ ኹን ዓብዪ፡ ናብቲ ኣገዳሲ ሸቶ እቲ ንምብጻሕ ዕቤት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

“እንታይ ይኽልክለኒ፧”

3. ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ንፊልጶስ እንታይ ኢሉ እዩ ሓቲትዎ፧ እዚኸ እንታይ ሕቶ እዩ ዜልዕል፧ (ግብሪ ሃዋርያት 8:36, 38)

3 ግብሪ ሃዋርያት 8:36, 38 ኣንብብ። ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ፡ ንፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ፡ “ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ኢትዮጵያዊ ኺጥመቕ እዩ ደልዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣገዳሲ ስጕምቲ ብሓቂዶ ተዳልዩ ነይሩ እዩ፧

እቲ ኢትዮጵያዊ ብዛዕባ የሆዋ ብቐጻሊ ኺፈልጥ ቈሪጹ ነበረ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

4. እቲ ኢትዮጵያዊ ብቐጻሊ ኺምሃር ይደሊ ኸም ዝነበረ ብኸመይ ኣርእዩ፧

4 እቲ ኢትዮጵያዊ “ኼምልኽ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ነበረ።” (ግብ. 8:27) ስለዚ፡ እምነቱ ናብ ኣይሁድነት ዝቐየረ ጵሮሴሊት እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸኣ፡ ብዛዕባ የሆዋ ተማሂሩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ብዝያዳ ኺምሃር ተሃንጥዩ ነበረ። ስለምንታይሲ፡ ፊልጶስ ኣብ መገዲ ኺረኽቦ ኸሎ እንታይ ኪገብር ድዩ ጸኒሕዎ፧ ትንቢት ኢሳይያስ እዩ ኼንብብ ጸኒሕዎ። (ግብ. 8:28) እቲ ዜንብቦ ዝነበረ ዕጹም መንፈሳዊ ምግቢ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ሒደት መሰረታዊ ሓቅታት ብምፍላጥ ጥራይ ኣይዓገበን፣ የግዳስ፡ ብቐጻሊ ኺምሃር ይደሊ ነይሩ እዩ።

5. እቲ ኢትዮጵያዊ ሓቂ ምስ ተማህረ፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧

5 እቲ ሰብኣይ እቲ ኣብ ትሕቲ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ ዜገልግል ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እዩ ነይሩ፣ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘባ ስልጣን ዝነበሮ” ሰብ እዩ ነይሩ። (ግብ. 8:27) ስለዚ፡ ብዙሕ ሓላፍነታት እተሰከመ ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ ሰብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ዘምልኸሉ ግዜ መዲቡ ነበረ። ሓቂ ኺምሃር ብምኽኣሉ ጥራይ ዕጉብ ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ነቲ እተማህሮ ተግቢርዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንየሆዋ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ንምምላኽ፡ ካብ ኢትዮጵያ ነዊሕ ጕዕዞ ገበረ። እቲ ጕዕዞ እቲ ብዙሕ ግዜን ወጻእን ዚሓትት ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ሰብኣይ እቲ ግና፡ ዝኸፈለ ኸፊሉ ንየሆዋ ኼምልኾ ይደሊ ነይሩ እዩ።

6-7. እቲ ኢትዮጵያዊ ነቲ ንየሆዋ ዝነበሮ ፍቕሪ ብቐጻሊ ዘዕበየ ብኸመይ እዩ፧

6 እቲ ኢትዮጵያዊ ኻብ ፊልጶስ፡ መንነት እቲ መሲሕን ካልእ ኣገዳሲ ሓቅታትን ተማህረ። (ግብ. 8:34, 35) በቲ የሱስ ዝገበረሉ መሸም ልቡ ተተንክዩ ኪኸውን ኣለዎ። እሞ ደኣ ነዚ እንታይ ምላሽ ሂቡ፧ ከምቲ ዝነበሮ ዀይኑ፡ ማለት ሕፉር ጵሮሴሊት ኰይኑ ኪቕጽል ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ንየሆዋን ንወዱን ዘለዎ ፍቕሪ ዓበየ። ሰዓቢ የሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ኺጥመቕ ብምውሳን ከኣ፡ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጢ ገበረ። ፊልጶስ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ድሉው ምዃኑ ስለ ዝረኣየ ኣጥመቖ።

7 ኣብነት እቲ ኢትዮጵያዊ እንተ ስዒብካ፡ ንጥምቀት ድሉው ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንስኻ እውን ብምትእምማን፡ “ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” ክትብል ትኽእል ኢኻ። ሕጂ እምበኣር፡ ከመይ ጌርካ ኸምቲ ንሱ ዝወሰዶ ዓይነት ስጕምትታት ክትወስድ ከም እትኽእል ንርአ፦ ንሱ ብቐጻሊ ተማሂሩ፡ ነቲ እተማህሮ ተግቢርዎ፡ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ እውን ብቐጻሊ ኣዕብዩ እዩ።

ብቐጻሊ ተምሃር

8. ዮሃንስ 17:3 እንታይ ክትገብር እያ እተለዓዕለካ፧

8 ዮሃንስ 17:3ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ። እዘን የሱስ እተዛረበን ቃላት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ኣለዓዒለናኻዶ፧ ብዙሓት ሰባት በዘን ቃላት እዚአን እዮም መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ተለዓዒሎም። እዘን ቃላት እዚአን ግና፡ ብቐጻሊ ኽንምሃር እውን የለዓዕላና ድየን፧ እወ። ነቲ ‘በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ምፍላጥ’ ፈጺምና ኣይከነቋርጽን ኢና። (መክ. 3:11) ንዘለኣለመ ኣለም ብቐጻሊ ኽንምሃር ኢና። ብዝያዳ ብእተምሃርና መጠን ከኣ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ኢና።—መዝ. 73:28

9. መሰረታዊ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

9 ልክዕ እዩ፡ ብዛዕባ የሆዋ እትምሃሮ ትምህርቲ፡ ብመሰረታዊ ነገራት እዩ ዚጅምር። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ ነዚ መሰረታዊ ትምህርቲ፡ “መባእታዊ ነገራት” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ከምዚ ኺብል ከሎ ግና፡ ነቲ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ” የነኣእሶ ኣይኰነን ነይሩ፣ የግዳስ፡ ምስቲ ንሕጻን ዚዕንግል ጸባ እዩ ዜመሳስሎ ነይሩ። (እብ. 5:12፣ 6:1) እንተዀነ ግና፡ ንዅሎም ክርስትያናት ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት ሰጊሮም ኪግስግሱ፡ ዝዓመቘ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ እውን ኪምሃሩ ተማሕጺንዎም ኣሎ። እሞኸ ነቲ ዝዓመቘ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ትብህጎዶ፧ ብቐጻሊ ኽትዓቢ፡ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን እውን ብቐጻሊ ኽትምሃር ትደሊዶ፧

10. ገሊኦም መጽናዕቲ ዚኸብዶም ስለምንታይ እዩ፧

10 ንመብዛሕትና፡ መጽናዕቲ ይኸብደና እዩ። ንስኻኸ ኸመይ ኢኻ፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕ ጌርካ ምንባብን ምጽናዕን ተማሂርካዶ፧ ካብ መጽናዕቲ ብዙሕ ሓጐስን ጥቕምን ትረክብዶ፡ ወይስ ካብ መጻሕፍቲ ኽትምሃር ከም ዘይትኽእል ጌርካ ኢኻ ደምዲምካ ዘለኻ፧ ከምዚ ዚስመዓካ እንተ ዀይኑ፡ ከማኻ ዚስምዖም ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንሱ ፍጹምን ብሉጽን መምህር እዩ።

11. ብኸመይ እዩ የሆዋ “ዓብዪ መምህር” ምዃኑ ዘርኣየ፧

11 የሆዋ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኺዛረብ ከሎ፡ “ዓብዪ መምህርካ” ኢሉ ገሊጹልና ኣሎ። (ኢሳ. 30:20, 21) ንሱ ዕጉስን ለዋህን ሓላይን መምህር እዩ። ጽቡቕ ጐድኒ ተምሃሮኡ ኺርኢ እዩ ዚጽዕር። (መዝ. 130:3) ካብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ንላዕሊ እውን ኣይጽበየናን እዩ። ነቲ ዜደንቕ ውህበት ዝዀነ ሓንጐልካ ኸም ዝነደፎ ኣይትረስዕ። (መዝ. 139:14) ኵላትና ብተፈጥሮና ጽምኢ ትምህርቲ ኣሎና። ፈጣሪና ኸኣ፡ ንዘለኣለም ክንምሃርን በዚ ኽንሕጐስን እዩ ዚደልየና። ስለዚ፡ ሕጂ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ‘ባህጊ’ ኣማዕብል። (1 ጴጥ. 2:2) ክትበጽሖ እትኽእል ሸቶታት ኣውጽእ፡ ንንባብን ንመጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርካዮ መደብ እውን ስዓብ። (እያ. 1:8) ብበረኸት የሆዋ ኸኣ፡ ብዛዕባኡ ምንባብን ትምህርቲ ምቕሳምን እናፈቶኻዮ ኽትከይድ ኢኻ።

12. ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትና ኣብ የሱስ ከነተኵር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ግዜ ወሲድካ ብስሩዕ ኣስተንትን። ምናዳ ኣብዚ ኣጸጋሚ ግዜያት ንየሆዋ ኸነገልግሎ እንተ ዄንና፡ ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ ኣሎና። (1 ጴጥ. 2:21) የሱስ ብዛዕባ እቲ ንሰዓብቱ ዜጋጥሞም ብድሆታት ብግልጺ ተዛሪቡ እዩ። (ሉቃ. 14:27, 28) ኰይኑ ግና፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ኸምኡ ዕዉታት ከም ዚዀኑ እውን ይተኣማመን ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 16:33) እምበኣር፡ ንህይወት የሱስ ብዝርዝር ኣጽንዓዮ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ምእንቲ ኽትመስሎ እውን ሸቶታት ኣውጽእ።

13. እንታይ ንምርካብ ኢኻ ንየሆዋ ብቐጻሊ ኽትልምኖ ዘሎካ፧ ስለምንታይከ፧

13 ፍልጠት በይኑ ግና እኹል ኣይኰነን። ፍልጠት ዜድልየሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትምሃርን ንዕኡ ምእንቲ ኸተፍቅሮን ብእኡ ምእንቲ ኽትኣምንን እዩ። (1 ቈረ. 8:1-3) ብዝያዳ ብእተመሃርካ መጠን፡ ዝያዳ እምነት ምእንቲ ኸተጥሪ፡ ንየሆዋ ብቐጻሊ ለምኖ። (ሉቃ. 17:5) ንሱ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ብልግሲ ምላሽ ይህብ እዩ። ኣብ ልክዕ ፍልጠት ኣምላኽና እተመስረተት ናይ ሓቂ እምነት ከኣ፡ ተወሳኺ ስጕምቲ ኽትወስድ ክትሕግዘካ እያ።—ያእ. 2:26

ነቲ እተምሃርካዮ ብቐጻሊ ተግብሮ

ቅድሚ ማይ ኣይሂ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ነቲ ዚፈልጥዎ ነገር ብተኣማንነት ተግቢሮምዎ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ዝፈለጥናዮ ምትግባር ዘለዎ ኣገዳስነት ዘጕልሐ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ሰዓብቲ ክርስቶስ ነቲ እተማህርዎ ብቐጻሊ ኺትግብርዎ ኸም ዘለዎም፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣጕሊሑ ኣሎ። ነዚ ንምጕላሕ ከኣ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ኖህ ጠቒሱ ኣሎ። የሆዋ ንኖህ፡ ብማይ ኣይሂ ኣቢሉ ነቶም ብዘመኑ ዝነበሩ እኩያት ከም ዜጥፍኦም ነገሮ። ማይ ኣይሂ ይመጽእ ከም ዘሎ ምፍላጥ ጥራይ ንኖህን ስድራ ቤቱን ካብቲ ጥፍኣት ዜድሕኖም ኣይነበረን። ጴጥሮስ ነቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ እታ “መርከብ . . . ክትስራሕ ከላ” ዝነበረ እዋን እዩ ኣተኲሩሉ። (1 ጴጥ. 3:20) እወ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸብዎ ፍልጠት፡ መርከብ ብምስራሕ ኣብ መዓላ ኣውዒሎምዎ እዮም። (እብ. 11:7) ድሕርዚ፡ ጴጥሮስ ነቲ ኖህ ዝገበሮ ነገር ምስ ጥምቀት ብምምስሳል፡ “እቲ ነዚ ዚመስል ጥምቀት ድማ ሕጂ የድሕነኩም ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 3:21) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ሕጂ ንጥምቀት ንምድላው እትገብሮ ዘለኻ ዕዮ ምስቲ ኖህን ስድራ ቤቱን ንዓመታት መርከብ ንምህናጽ ዝገበርዎ ዕዮ ኸነመሳስሎ ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ንጥምቀት ድሉው ንምዃን እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

15. ናይ ሓቂ ንስሓ እንታይ የጠቓልል፧

15 ሓደ ኻብቲ ፈለማ ኽንገብሮ ዘሎና ነገራት ልባዊ ንስሓ እዩ። (ግብ. 2:37, 38) ናይ ሓቂ ንስሓ ናብ ናይ ሓቂ ለውጢ እዩ ዚመርሕ። እሞ ደኣ ኸም ምንዝርና፡ ትምባኾ፡ ወይ ጽዩፍን ጐዳእን ዘረባ ኻብ ዝኣመሰለ ንየሆዋ ባህ ዘየብል ልምድታት ርሒቕካዶ፧ (1 ቈረ. 6:9, 10፣ 2 ቈረ. 7:1፣ ኤፌ. 4:29) ክሳዕ ሕጂ ኸምኡ እንተ ዘይጌርካ፡ ነዚ ለውጥታት ንምግባር ጽዓር። ነቲ ምሳኻ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዕ ሰብ ኣዛርቦ ወይ ካብ ሽማግለታት ጉባኤ ሓገዝ ወይ መምርሒ ሕተት። ብዕድመ ንእሽቶ እንተ ዄንካ እሞ፡ ገና ምስ ወለድኻ ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ካብቲ ንጥምቀት ኪዓግተካ ዚኽእል ሕማቕ ኣመላት ሓራ ምእንቲ ኽትወጽእ፡ ካብ ወለድካ ሓገዝ ሕተት።

16. ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ እንታይ የጠቓልል፧

16 ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ እውን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን ኣብኡ ምስታፍን የጠቓልል። (እብ. 10:24, 25) ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንምስታፍ ብቕዓት ምስ ኣጥረኻ እውን፡ ነዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ልማድካ ግበሮ። ኣብቲ ህይወት ዜድሕን ዕዮ ብዝያዳ ብዝተሳተፍካ መጠን እናፈቶኻዮ ኽትከይድ ኢኻ። (2 ጢሞ. 4:5) ብዕድመ ንእሽቶ ብምዃንካ ገና ምስ ወለድኻ ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ‘ናብ ኣኼባታት ወይ ናብ ኣገልግሎት ንምኻድ ወለደይ ድዮም ዜዘኻኽሩኒ፡ ወይስ ብተበግሶይ እየ ኸምኡ ዚገብር፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ነዚ ነገራት እዚ ባዕልኻ ትገብሮ እንተ ኣሊኻ፡ እምነትካ ትገልጽ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ ፍቕርን ምስጋናን እውን ተርኢ ኢኻ ዘለኻ። እዚ ነገራት እዚ፡ ‘ንኣምላኽ ብዘሎካ ተወፋይነት ዚርአ ግብርታት፡’ ማለት ንየሆዋ እተቕርቦ ውህበታት እዩ። (2 ጴጥ. 3:11፣ እብ. 13:15) ኵሉ እቲ ብናጻን ብዘይ ጸቕጥን እንህቦ ውህበታት፡ ንኣምላኽና ባህ የብሎ እዩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 9:7 ኣረኣኢ።) ንየሆዋ ተሓጒስና ብሉጽና ኽንህቦ ስለ እንደሊ ኢና ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት እንገብር።

ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ብቐጻሊ ኣዕቢ

17-18. እንታይ ኣገዳሲ ባህርይ እዩ ናብ ጥምቀት ክትዓቢ ዚሕግዘካ፧ ስለምንታይከ፧ (ምሳሌ 3:3-6)

17 ናብ ጥምቀት ዕቤት ክትገብር ከለኻ፡ ጸገማት ኬጋጥመካ እዩ። ገሊኦም ብምኽንያት እታ ሓዳስ እምነትካ ይጻረሩኻ ይዀኑ፣ ካብኡ ሓሊፎም እውን ተቓውሞ ወይ መስጐጕቲ የውርዱልካ ይዀኑ። (2 ጢሞ. 3:12) ሕማቕ ኣመላትካ ኸተሰንፍ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ እውን፡ ሓሓሊፉ እዚ ሕማቕ ኣመላት ይደግሰካ ይኸውን። ወይ ከኣ ሸቶኻ ኣመና ርሑቕ ኰይኑ ስለ ዚስመዓካ፡ በዚ ዓቕሊ ተጽብብ ወይ ትበሳጮ ትኸውን። እሞ ደኣ ንምጽዋር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ሓደ ኣገዳሲ ባህርይ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ እዩ።

18 ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ጽቡቕ ባህርይ እዩ፣ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ባህርይ እዩ። (ምሳሌ 3:3-6 ኣንብብ።) ንኣምላኽ ዘሎካ ሓያል ፍቕሪ፡ ኣብ ህይወት ንዜጋጥመካ ጸገማት ብዓወት ንምስጋር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ብዙሕ ሳዕ ይጠቕሶ እዩ። እዚ ስጡም ርክብ እዚ፡ ዘየቋርጽ ወይ ዘይብተኽ እዩ። (መዝ. 100:5) ብመልክዕ ኣምላኽ ኢኻ ተፈጢርካ። (ዘፍ. 1:26) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኸምዚ ዓይነት ፍቕሪ ኸተንጸባርቕ እትኽእል፧

መዓልቲ መዓልቲ፡ ንየሆዋ ምስጋናኻ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ) b

19. ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ዘሎካ ምስጋና ብኸመይ ከተዕዝዞ ትኽእል፧ (ገላትያ 2:20)

19 ፈለማ ብምስጋና ጀምር። (1 ተሰ. 5:18) መዓልቲ መዓልቲ፡ ‘ብኸመይ እዩ የሆዋ ንዓይ ፍቕሪ ኣርእዩኒ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ድሕሪኡ፡ ነቲ ዝገበረልካ ነገራት ብዝርዝር እናጠቐስካ ብጸሎት ንየሆዋ ኣመስግኖ። እቲ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዝገበሮ ነገራት፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንዓኻ ኸም ዝገበረልካ ጌርካ ረኣዮ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ የሆዋ እዚ እዩ ኣስተውዒሉ። (ገላትያ 2:20 ኣንብብ።) ‘ከም ምላሹ ፍቕረይ ከርእዮ እደሊ ድየ፧’ ኢልካ ድማ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ፡ ፈተናታት ክትጻረርን ጸገማት ክትሰግርን ኪሕግዘካ እዩ። መንፈሳዊ ልማድካ ኣጽኒዕካ ኽትሕዝ፡ ንኣቦኻ ኸም እተፍቅሮ ድማ መዓልቲ መዓልቲ ብቐጻሊ ኸተርኢ ኺድርኸካ እዩ።

20. ርእስኻ ንየሆዋ ምውፋይ እንታይ የጠቓልል፧ እዚ ውሳነ እዚኸ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

20 ድሕርዚ፡ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ፍሉይ ጸሎት ክትጽሊ ኼለዓዕለካ እዩ። ርእስኻ ንኣምላኽ ክትውፊ ኢኻ። ሓንሳእ ርእስኻ ንየሆዋ ምስ ወፈኻ፡ ሓደ ዜደንቕ ተስፋ እዩ ዚኽፈተልካ። ንዘለኣለም ናቱ ኢኻ እትኸውን። እቲ ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኸለኻ እትኣትዎ መብጽዓ፡ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ዓቐብን ቍልቍለትን ዚሰግር እዩ። ነዚ መብጽዓ ኸተሐድሶ ኸቶ ኣይኬድልየካን እዩ። ልክዕ እዩ፡ ርእስና ኽንውፊ ኸለና፡ ኣገዳሲ ውሳነ ኢና እንገብር ዘለና። እንተዀነ ግና፡ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣይትረስዕ፦ ኣብ ህይወትካ ብዙሕ ውሳነታት ክትገብር ኢኻ። ገለ ኻብኡ ድማ ኣዝዩ ጽቡቕ ውሳነታት እዩ። ይኹን እምበር፡ ርእስኻ ንየሆዋ ኻብ ምውፋይ ዚሓይሽ ውሳነ ፈጺምካ ኣይክትገብርን ኢኻ። (መዝ. 50:14) ሰይጣን ንንጽህናኻ ምእንቲ ኼባላሹ ኢሉ ነቲ ንኣቦኻ ዘሎካ ፍቕሪ ኼዳኽሞ ኺጽዕር እዩ። ስለዚ፡ ኪዕወት ኣይትፍቀደሉ! (እዮ. 27:5) ንየሆዋ ዘሎካ ሓያል ፍቕሪ ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ኽትመላለስን ናብ ሰማያዊ ኣቦኻ ብቐጻሊ ኽትቀርብን ኪሕግዘካ እዩ።

21. ጥምቀት መጀመርታ ደኣ እምበር፡ መወዳእታ ኣይኰነን እንብል ስለምንታይ ኢና፧

21 ርእስኻ ንየሆዋ ምስ ወፈኻ፡ ብዛዕባ እቲ ዚቕጽል እትወስዶ ኣገዳሲ ስጕምቲ ንሽማግለታት ጉባኤኻ ኣዘራርቦም። ኰይኑ ግና፡ ጥምቀት መጀመርታ ደኣ እምበር፡ መወዳእታ ኸም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። ንየሆዋ እተገልግለሉ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ኢኻ እትጅምር ዘለኻ። ስለዚ፡ ንኣቦኻ ዘሎካ ፍቕሪ ኻብ ሕጂ ኣደልድል። ፍቕርኻ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ እናሓየለ ኪኸይድ ሸቶታት ኣውጽእ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካይዳ ኸኣ ናብ ጥምቀት ኪመርሓካ እዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ እተደንቕ መዓልቲ እያ ኽትከውን። ኰይኑ ግና፡ እዚ መጀመርታ ጥራይ እዩ። እምበኣር፡ ንየሆዋን ንወዱን ዘሎካ ፍቕሪ ንዘለኣለም እናዓበየ ኪኸይድ ንምነየልካ!

መዝሙር 135 የሆዋ ዜቕርቦ ምሕጽንታ፦ ‘ወደየ፡ ጥበበኛ ኹን’

a ናብ ጥምቀት ዕቤት ንምግባር፡ ቅኑዕ ውሽጣዊ ድራኸ ኺህልወና ኣለዎ። ትኽክል ስጕምትታት እውን ክንወስድ ኣሎና። ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኸም ኣብነት ጌርና ብምውሳድ፡ ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥመቕ ዜኽእሎ ብቕዓት ንምጥራይ እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ ከም ዘለዎ ኽንምርምር ኢና።

b መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ንየሆዋ፡ ስለቲ ዝሃባ ነገራት ክሳዕ ክንደይ ከም እተመስግኖ ብጸሎት ትነግሮ።