ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 13

መዝሙር 127 ከመይ ዝበልኩ እየ ክኸውን ዚግብኣኒ!

ብስምረት የሆዋ ተጸናናዕ

ብስምረት የሆዋ ተጸናናዕ

“ዝሰመርኩኻ።”ሉቃ. 3:22

ኣትኵሮ

ብዛዕባ ስምረት የሆዋ ነቲ ብውልቅኻ ዘሎካ ጥርጣረታት ብኸመይ ከም እትሰግሮ።

1. ገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ምስ ምንታይ ስምዒት እዮም ዚቃለሱ፧

 የሆዋ ንህዝቡ ብደረጃ ጕጅለ ኸም ዚሰምሮም ምፍላጥና ብዙሕ እዩ ዜጸናንዓና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋስ ብህዝቡ ባህ ይብሎ እዩ” ይብል። (መዝ. 149:4) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ገሊኦም ተስፋ ኪቘርጹ ኸለዉ፡ ‘የሆዋ ንዓይ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ይሰምረኒ ድዩ፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት እተቓለሱሉ እዋናት ነይሩ እዩ።—1 ሳሙ. 1:6-10፣ እዮ. 29:2, 4፣ መዝ. 51:11

2. መን እዮም ስምረት የሆዋ ዚረኽቡ፧

2 ዘይፍጹማት ሰባት ስምረት የሆዋ ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ብኸመይ ኢና ስምረቱ እንረክብ፧ ብየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን ክንጥመቕን ኣሎና። (ዮሃ. 3:16) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ካብ ሓጢኣትና ኸም እተነሳሕናን ንኣምላኽ ፍቓዱ ኽንገብር ከም እተመባጻዕናሉን ኣብ ቅድሚ ሰባት ከነርኢ ንኽእል። (ግብ. 2:38፣ 3:19) የሆዋ ነዚ ስጕምትታት እዚ ብምውሳድ ምስኡ ርክብ ከነማዕብል ከለና ደስ እዩ ዚብሎ። ምስ መብጽዓ ወፈያና ተሰማሚዕና ንምምልላስ ዚከኣለና ኽሳዕ ዝገበርና፡ የሆዋ ይሰምረና እዩ፡ ከም ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ገይሩ እውን ይርእየና እዩ።—መዝ. 25:14

3. ሕጂ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 እንተዀነ ግና፡ ገሊኦም ሰባት ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብሎም ኰይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይ እዩ የሆዋ ስምረቱ ዚገልጽ፧ ሓደ ክርስትያን ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዎ እምንቶኡ ኼደልድል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ገሊኦም ስምረት የሆዋ ኸም ዘይብሎም ኰይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧

4-5. ዋላ እኳ ኸም ዘይንረብሕ ኰይኑ እንተ ተሰምዓና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

4 ብዙሓት ሰባት ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ዋጋ ኸም ዘይብሎም ኰይኑ ይሰምዖም እዩ። (መዝ. 88:15) ንኣብነት፡ ኣድሪያን ዝስሙ ሓው፡ “ካብ ቀደመይ ኣትሒዘ ዋጋ ኸም ዘይብለይ ኰይኑ እዩ ዚስመዓኒ ነይሩ። ብግዜ ቝልዕነተይ፡ ኣነ ናብ ገነት ንምእታው ከም ዘይበቅዕ ስለ ዝደምደምኩ፡ ስድራይ ናብ ገነት ምእንቲ ኺኣትዉ እጽሊ ነይረ” ይብል። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ስድራ ዘዕበይዎ ቶኒ ድማ፡ “ወለደይ ከም ዚፈትዉኒ ወይ ብኣይ ከም ዚሕበኑ ነጊሮምኒ ኣይፈልጡን እዮም። ኵሉ ሳዕ ‘ገና ኸተመሓይሾ ዚግባእ ነገር ኣሎ’ እየ ዝብሃል ነይረ” ይብል።

5 ሓድሓደ ግዜ፡ ከም ዘይንረብሕ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ የሆዋ ናብኡ ኸም ዝሰሓበና ኽንዝክር ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 6:44) ንዓና እኳ እንተ ዘይተራእየና፡ ንሱ ግና ኣባና ጽቡቕ ነገር ርእዩ እዩ፡ ንልብና እውን ይፈልጦ እዩ። (1 ሳሙ. 16:7፣ 2 ዜና 6:30) ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽቡራት ምዃንና ኺገልጸልና ኸሎ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና።—1 ዮሃ. 3:19, 20

6. ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ሕሉፍ ሓጢኣቱ ኸመይ ተሰሚዕዎ፧

6 ገሌና ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥና ዝገበርናዮ ነገራት ናይ በደለኛነት ስምዒት ኬሕድረልና ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 4:3) ዋላ እሙናት ክርስትያናት ምስቲ ሓጢኣት ንምግባር ዘለዎም ዝንባለ ይቃለሱ እዮም። እሞኸ፡ ልብኻ ይኹንነካ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን፡ ምስ ተመሳሳሊ ስምዒት ከም እተቓለሱ ብምዝካር ተጸናናዕ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዘይፍጽምናኡ ኺሓስብ ከሎ፡ መከረኛ ኸም ዝዀነ ተሰሚዕዎ እዩ። (ሮሜ 7:24) ልክዕ እዩ፡ ጳውሎስ ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ሓጢኣቱ ተነሲሑን ተጠሚቑን ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ካብ ኵሎም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፡” ከምኡ እውን ካብ ሓጥኣን “ኣውራ እየ” ኢሉ ኣሎ።—1 ቈረ. 15:9፣ 1 ጢሞ. 1:15

7. ብዛዕባ ሕሉፍ ሓጢኣትና እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

7 እንተ ተነሲሕና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ይቕረ ኸም ዚብለልና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (መዝ. 86:5) ስለዚ፡ እቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ናይ ብሓቂ ዜጣዕሰና እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ነቲ ዝኣተወልና ቓል ከም ዚፍጽም፡ ማለት ይቕረ ኸም ዚብለልና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ቈሎ. 2:13

8-9. ንየሆዋ ንምሕጓስ ከም ዘይንበቅዕ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ነዚ ስምዒት እዚ ብኸመይ ከነሰንፎ ንኽእል፧

8 ኵላትና ንየሆዋ ብምሉእ ዓቕምና ኸነገልግሎ ንደሊ ኢና። እንተዀነ ግና፡ ገሊኦም ሰባት ስምረቱ ንምርካብ ብቑዓት ከም ዘይኰኑ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ኣማንዳ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ንየሆዋ ዚከኣለኒ ዘበለ ዅሉ ምሃብ ኪብሃል ከሎ፡ ኵሉ ሳዕ ዝያዳ ኽገብር ከም ዘሎኒ ገይረ እየ ዝሓስብ ነይረ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ልዕሊ ዓቕመይ ንምግባር እየ ዝጽዕር ነይረ። እዚ ምዃን ምስ ኣበየኒ፡ ከምቲ ኣነ ብርእሰይ ዝጕሂ፡ የሆዋ እውን ብኣይ ከም ዝጐሃየ ገይረ እየ ዝሓስብ ነይረ።”

9 ንየሆዋ ንምሕጓስ ከም ዘይንበቅዕ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ነዚ ስምዒት ብኸመይ ከነሰንፎ ንኽእል፧ የሆዋ ተሪር ወይ ዘይተዓጻጸፍ ከም ዘይኰነ ንዘክር። ልዕሊ ዓቕምና ኣይጽበየናን እዩ። ዚከኣለና ኽሳዕ ዝገበርና በቲ እንገብሮ ሕጉስ እዩ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቶም ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሶም ዘገልገልዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት ነስተንትን። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ጳውሎስ ንሕሰብ። ንሱ ንዓመታት ብቕንኣት ኣገልጊሉ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸር ኪሎ ሜተራት ተጓዒዙ፡ ብዙሓት ጉባኤታት እውን ኣቚሙ እዩ። ኣብ ኵነታቱ ዘጋጠሞ ለውጢ ኸም ድላዩ ኸይሰብኽ ዕንቅፋት ምስ ኰኖ ግና፡ ስምረት ኣምላኽ ስኢኑ ድዩ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ብቐጻሊ ዚከኣሎ ይገብር ነበረ፣ የሆዋ እውን ባረኾ። (ግብ. 28:30, 31) ብተመሳሳሊ፡ ንየሆዋ ኽንህቦ እንኽእል ነገር፡ ከከም ግዜኡ ኺቀያየር ይኽእል እዩ። እቲ ንዕኡ ዜገድሶ ነገር፡ ከምኡ ንምግባር ዘለዓዓለና ምኽንያት እዩ። ሕጂ ገለ ኻብቲ የሆዋ ስምረቱ ዚገልጸሉ መገድታት እስከ ንርአ።

ብኸመይ እዩ የሆዋ ስምረቱ ዚገልጽ፧

10. የሆዋ ስምረቱ ኺገልጸልና ኸሎ ብኸመይ ኢና “ኽንሰምዖ” እንኽእል፧ (ዮሃንስ 16:27)

10 ብመጽሓፍ ቅዱስ። የሆዋ ነቶም ዚፈትዎም ስምረቱ ይገልጸሎም እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ፡ ንየሱስ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ማቴ. 3:17፣ 17:5) ንስኻኸ የሆዋ ስምረቱ ኺገልጸልካ ምደለኻዶ፧ የሆዋ ኻብ ሰማይ ኣይዛረበናን እዩ፣ ብቓሉ ኣቢሉ ግና ይዛረበና እዩ። ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ቃላት የሱስ ከነንብብ ከለና፡ ከም ዚሰምረና “ኽንሰምዕ” ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 16:27 ኣንብብ።) የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ዘይፍጹማት ክነሶም እሙናት ዝዀኑ ሰዓብቱ ስምረቱ ኸም ዝገለጸሎም ከነንብብ ከለና፡ የሆዋ ኸምኡ ኸም ዝበለና ጌርና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 15:9, 15

የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ስምረቱ ይገልጸልና (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)


11. መከራ ዜጋጥመና ምዃኑ፡ ስምረት የሆዋ ኸም ዝሰኣንና ዘየመልክት ስለምንታይ እዩ፧ (ያእቆብ 1:12)

11 ብተግባራቱ። የሆዋ ኺሕግዘና ይደሊ እዩ። ንኣብነት፡ ብስጋዊ መዳይ ዜድልየና ዘበለ ኼማልኣልና ይደሊ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ከምቲ እቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ ብመከራ ዝሓለፈ፡ የሆዋ ንዓና እውን መከራ ኼጓንፈና ይፈቅድ ይኸውን። (እዮ. 1:8-11) መከራ ስለ ዘጋጠመና፡ ስምረት ኣምላኽ ስኢንና ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን ኣብኡ ዘሎና እምነትን ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኸነርኢ እዩ ኣጋጣሚ ዚኸፍተልና። (ያእቆብ 1:12 ኣንብብ።) መከራ ኽንጻወር ከለና ኸኣ፡ ፍቕራዊ ሓልዮቱን ደገፉን ንርኢ ኢና።

12. ካብ ተመክሮ ዲሚትሪ እንታይ ንምሃር፧

12 ንኣብነት፡ ኣብ እስያ ዚነብር ዲሚትሪ ዚብሃል ሓው ዘሕለፎ እስከ ንርአ። ንሱ ስርሑ ሰኣነ፡ ንሓያሎ ኣዋርሕ እውን ስራሕ ኪረክብ ኣይከኣለን። ስለዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዎ ተሳትፎ ኺውስኽ ወሰነ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምነት ኣርኣየ። እንተዀነ ግና፡ ኣዋርሕ እኳ እንተ ሓለፈ፡ ስራሕ ኪረክብ ኣይከኣለን። ድሕርዚ፡ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጠሞ፡ ካብ ዓራት እውን ኪትንስእ ኣይከኣለን። ከም ሰብኣይን ከም ኣቦን ዋጋ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ ኺስምዖ ጀመረ። ስምረት የሆዋ ስኢኑ እንተ ዀይኑ እውን ኪሓስብ ጀመረ። ድሕሪኡ፡ ሓደ ምሸት ጓሉ ወረቐት ሓተመት። ኣብታ ወረቐት ከኣ፡ “ብርታዐኹም ኣብ ምህዳእኩምን ኣብ ምውካልኩምን ኪኸውን እዩ” ዚብል ኣብ ኢሳይያስ 30:15 ዚርከብ ቃላት ነበረ። ናብ ጥቓ ዓራቱ መጺኣ ድማ፡ “ባባ ሕማቕ ኪስምዓካ ኸሎ፡ ነዛ ጥቕሲ ኽትዝክራ ትኽእል ኢኻ” በለቶ። ድሚትሪ ኸኣ፡ ስድራ ቤቱ ሳላ የሆዋ እኹል ምግብን ክዳንን መንበርን ከም ዘለዎም ኣስተውዓለ። “ስለዚ፡ ክሃድእን ኣብ ኣምላኸይ ክውከልን እዩ ነይሩኒ” በለ። ተመሳሳሊ ፈተና የጋጥመካ እንተ ኣልዩ፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየልካን መከራኻ ኽትጻወር ከም ዚሕግዘካን ክትኣምኖ ትኽእል ኢኻ።

የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ስምረቱ ይገልጸልና (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ) a


13. የሆዋ ስምረቱ ንምግላጽ ብመን እዩ ኺጥቀም ዚኽእል፧ ብኸመይ፧

13 ብክርስትያናት ብጾትና። የሆዋ ንዓና ስምረቱ ንምግላጽ ብኣሕዋትናን ብኣሓትናን ይጥቀም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ግቡእ ግዜ ዜተባብዕ ቃላት ከም ዚዛረቡና ኺገብር ይኽእል እዩ። ኣብ እስያ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ትሕቲ ውጥረት ኣብ ዝዀነትሉ እዋን ከምዚ ዓይነት መተባብዒ ረኺባ እያ። እታ ሓብቲ እቲኣ ስራሓ ሰኣነት፡ ከቢድ ሕማም እውን ሓመመት። ድሕርዚ፡ ሰብኣያ ኸቢድ ሓጢኣት ገበረ፡ ካብ ሽምግልናኡ እውን ተሰረዘ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ፡ “እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ እኳ ኺርድኣኒ ኣይከኣለን። ምናልባት ገለ ጌጋ ስለ ዝገበርኩ፡ ስምረት የሆዋ ስኢነ ኢለ ኽሓስብ ጀሚረ” ትብል። ስለዚ፡ እዛ ሓብቲ የሆዋ ስምረቱ ኼረጋግጸላ ለመነቶ። እሞኸ ብኸመይ እዩ ስምረቱ ገሊጹላ፧ “ሽማግለታት ጉባኤ ኣዛራሪቦምኒ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረኒ እውን ኣረጋጊጾምለይ” ብምባል ትገልጽ። ኣብ ካልእ ግዜ እውን መሊሳ ሓገዝ የሆዋ ለመነት። ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዘጋጠመ ኽትገልጽ ከላ ኸኣ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ጉባኤና ኻብ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ደብዳበ መጺኣትኒ። ነቲ ዜጸናንዕ ቃላቶም ከንብቦ ከለኹ፡ የሆዋ ኸም ዝሰምዓኒ ተሰሚዑኒ” ትብል። እወ፡ የሆዋ ብዙሕ ግዜ በቲ ሰባት ዚዛረቡና ጥዑም ቃላት ኣቢሉ ስምረቱ ይገልጸልና እዩ።—መዝ. 10:17

የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ስምረቱ ይገልጸልና (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ) b


14. የሆዋ ብምንታይ እውን ኣቢሉ እዩ ስምረቱ ዚገልጸልና፧

14 የሆዋ ኻብ ክርስትያናት ብጾትና ብዚውሃበና ምኽሪ ኣቢሉ እውን ስምረቱ ይገልጸልና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ የሆዋ ንሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈሱ ብምድራኽ፡ ንክርስትያናት ብጾቱ 14 መልእኽትታት ከም ዚጽሕፈሎም ገበሮ። ኣብተን መልእኽትታት እቲአን ከኣ፡ ጽኑዕ ግናኸ ብፍቕሪ እተዋህበ ምኽሪ ኣሎ። ስለምንታይ እዩ የሆዋ ንጳውሎስ ከምዚ ዓይነት ምኽሪ ኺጽሕፍ ብመንፈሱ ዝደረኾ፧ የሆዋ ሕያዋይ ኣቦ እዩ፣ ‘ነቶም ደስ ዜብልዎ’ ደቁ እውን ይግስጾም እዩ። (ምሳ. 3:11, 12) ስለዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ እንተ ተዋሂቡና፡ ስምረት ኣምላኽ ከም ዝሰኣንና ዘይኰነስ፡ ስምረት ኣምላኽ ከም ዝረኸብና እዩ ዚሕብር። (እብ. 12:6) እሞ ደኣ፡ ስምረት የሆዋ ኸም ዝረኸብና ዚሕብር እንታይ ካልእ ነገራት ኣሎ፧

የሆዋ ኸም ዚሰምረና ዜርኢ ተወሳኺ መርትዖ

15. የሆዋ ንመን እዩ መንፈስ ቅዱሱ ዚህብ፧ እዚ ምትእምማን ዜሕድረልናኸ ስለምንታይ እዩ፧

15 የሆዋ ንዚሰምሮ ዘበለ መንፈስ ቅዱሱ ይህብ እዩ። (ማቴ. 12:18) ስለዚ፡ ‘ኣብ ህይወተይ ገለ መዳያት ፍረ መንፈስ ኣምላኽ እርኢዶ ኣለኹ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ካብቲ ንየሆዋ ቕድሚ ምፍላጥካ ዝነበረ እዋን፡ ሕጂ ብዝያዳ ትዕግስቲ ኸም ዘሎካስ ኣስተብሂልካዶ፧ ከም ሓቂ፡ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ብዝያዳ ብዝፈረኻ መጠን፡ ስምረት የሆዋ ኸም ዘሎካ ብዝያዳ ንጹር እዩ ዚዀነልካ።—“ እቲ ፍረ መንፈስ . . .” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

የሆዋ ኸም ዚሰምረካ ዚሕብር መርትዖ ብኸመይ ክትርኢ ትኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)


16. የሆዋ፡ ብስራት ንምስባኽ ንመን እዩ ዚጥቀም፧ እዚኸ እንታይ ስምዒት እዩ ዚፈጥረልካ፧ (1 ተሰሎንቄ 2:4)

16 የሆዋ ነቶም ዚሰምሮም፡ እቲ ብስራት ብሕድሪ ይህቦም እዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:4 ኣንብብ።) ጆስሊን ዝስማ ሓብቲ እቲ ብስራት ንኻልኦት ብምንጋር ብኸመይ ከም እተጠቕመት እስከ ንርአ። ሓደ መዓልቲ ጆስሊን ካብ ድቃሳ ኽትትንስእ ከላ ጭንቀት ተሰምዓ። ብዛዕባ እቲ ስምዒታ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓይለይ እተጸንቀቐ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። እንተዀነ ግና፡ ፈላሚት እየ ነይረ፣ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣገልግሎት ዝወጸላ መዓልቲ እያ ነይራ። ስለዚ፡ ጸልየ ናብ ኣገልግሎት ወጺአ” ትብል። በታ መዓልቲ እቲኣ ጆስሊን ምስ ሓንቲ ሜሪ እትብሃል መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ፍቓደኛ ዝዀነት ጥዕምቲ ሰበይቲ ተራኸበት። ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ ድማ፡ ሜሪ በታ ጆስሊን ናብ ገዛኣ መጺኣ ዝኳሕኵሐትላ መዓልቲ፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ትልምን ከም ዝነበረት ጠቐሰት። ጆስሊን ብዛዕባ እዚ ተመክሮ እዚ ኽትሓስብ ከላ፡ “የሆዋ ‘እሰምረኪ እየ’ ኸም ዝበለኒ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” ትብል። ልክዕ እዩ፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ንዕዮ ስብከትና ዚቕበሎ። ብስራት ንሰባት ንምንጋር ዚከኣለና እንተ ጌርና ግና፡ የሆዋ ብኣና ባህ ከም ዚብሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

የሆዋ ኸም ዚሰምረካ ዚሕብር መርትዖ ብኸመይ ክትርኢ ትኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ) c


17. ካብቲ ቪኪ ብዛዕባ እቲ በጃ ዝሃበቶ ሓሳብ እንታይ ተማሂርካ፧ (መዝሙር 5:12)

17 የሆዋ ነቶም ዚሰምሮም ሰባት፡ ብመሰረት እቲ በጃ ይቕረ ይብለሎም እዩ። (1 ጢሞ. 2:5, 6) እንተዀነ ግና፡ በቲ በጃ እንኣምንን ርእስና ወፊና እተጠመቕናን ክነስና የሆዋ ኸም ዘይሰምረና ልብና ዚሓስብ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ንስምዒታትና ወትሩ ኽንኣምኖ ኸም ዘይብልና ኣይንረስዕ፣ ንየሆዋ ግና ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። እቶም በቲ በጃ ዚኣምኑ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ጻድቃን እዮም፣ ከም ዚባርኾም እውን ቃል ኣትዩ ኣሎ። (መዝሙር 5:12 ኣንብብ፣ ሮሜ 3:26) ቪኪ ዝስማ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ በጃ ምስትንታን ሓጋዚ ዀይኑ ረኺባቶ እያ። ሓደ መዓልቲ፡ ብዛዕባ እቲ በጃ ብዕምቈት ድሕሪ ምሕሳባ፡ “የሆዋ ንነዊሕ እዋን ከም እተዓገሰኒ . . . በርሃለይ። ኣነ ግና፡ ‘ፍቕርኻ ኣባይ ኪበጽሕ ዚኽእል ኣይኰነን። መስዋእቲ ወድኻ ድማ ሓጢኣተይ ኪሽፍን ዚበቅዕ ኣይኰነን’ እብል ከም ዝነበርኩ ተገንዘብኩ” ትብል። ብዛዕባ እቲ ውህበት በጃ ምስትንታና የሆዋ ኸም ዜፍቅራ ተሰምዓ። ንሕና እውን ብዛዕባ እቲ በጃ እንተ ኣስተንቲንና፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረናን ከም ዚሰምረናን ኪስምዓና ይኽእል እዩ።

የሆዋ ኸም ዚሰምረካ ዚሕብር መርትዖ ብኸመይ ክትርኢ ትኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)


18. ወትሩ ንሰማያዊ ኣቦና ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

18 ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ንምትግባር እናጸዓርና ኽነስና፡ ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ኽንቈርጽ፡ ስምረት የሆዋ እንተ ኣልዩና እውን ክንጠራጠር ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ተሰሚዑና፡ የሆዋ “ነቶም ዜፍቅርዎ” ኸም ዚሰምሮም ንዘክር። (ያእ. 1:12) እምበኣር፡ ብቐጻሊ ንየሆዋ ቕረቦ፡ ስምረቱ እውን ርአ። የሆዋ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ምዃኑ ኸኣ ከቶ ኣይትረስዕ።—ግብ. 17:27

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ገሊኦም ሰባት፡ የሆዋ ኸም ዘይሰምሮም ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧

  • ገለ ኻብቲ የሆዋ ስምረቱ ዚገልጸሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

  • ስምረት ኣምላኽ ከም ዘሎና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ

a መግለጺ ስእሊ፦ ተዋስኦ

b መግለጺ ስእሊ፦ ተዋስኦ

c መግለጺ ስእሊ፦ ተዋስኦ