ዓንቀጽ መጽናዕቲ 11
መዝሙር 129 ክንጻወር ኢና
ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ክትጸንዕ ትኽእል ኢኻ
“ምእንቲ ስመይ ኢልካ ድማ ጸኒዕካ ኢኻ።”—ራእ. 2:3።
ኣትኵሮ
ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽንጸንዕ ንኽእል ኢና።
1. ገለ ኻብቲ ኽፍሊ ውድብ የሆዋ ብምዃንና ዚርከብ በረኸት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧
ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት፡ ክፍሊ ውድብ የሆዋ ብምዃንና ብሓቂ ተባሪኽና ኢና። ኵነታት ዓለም እናኣንቈልቈለ ኪኸይድ ከሎ፡ የሆዋ ብኣሕዋትን ብኣሓትን ዝቘመ ሓድነት ዘለዎ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ሂቡና ኣሎ። (መዝ. 133:1) ብዘይካዚ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትና ፍቕሪ ምእንቲ ኺዓስል ይሕግዘና ኣሎ። (ኤፌ. 5:33–6:1) ናይ ሓቂ ውሽጣዊ ሰላም ክንረክብ ዜኽእለና ልቦናን ጥበብን እውን ሂቡና ኣሎ።
2. እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
2 ወትሩ ንየሆዋ ብተኣማንነት ምእንቲ ኸነገልግሎ ግና፡ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ቕር ኬብለና ይኽእል እዩ። ጕድለትና ዕሽሽ ኢልና ምሕላፍ እውን የጸግመና ይኸውን። ምናዳ ጌጋታትና ንደጋግሞ እንተ ዄንና፡ ከምኡ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ (1) ክርስትያን ብጻይና ቕር ኬብለና ኸሎ፡ (2) መጻምድትና ኼጕህየና ኸሎ፡ (3) ብገዛእ ርእስና ኽንጕሂ ኸለና፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽንጸንዕ ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሰለስቲኡ ዅነታት በብሓደ ኽንምርምሮ ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ካብ ዚርከቡ ተመሳሳሊ ዅነታት ዘሕለፉ እሙናት ኣገልገልቲ እንታይ ከም እንምሃር እውን ክንርኢ ኢና።
ክርስትያን ብጻይካ ቕር ኬብለካ ኸሎ ጽናዕ
3. ህዝቢ የሆዋ እንታይ ጸገም እዩ ዜጋጥሞም፧
3 ጸገም። ገሊኦም ክርስትያናት ብጾትና ቕጭ ዜምጽኣልና ባህርያት ኣለዎም። ገሊኦም ከኣ የጕህዩና ወይ ሕማቕ ነገር ይገብሩና ይዀኑ። እቶም ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎም እውን ይጋገዩ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ገሊኦም ሰባት፡ እዛ ውድብ እዚኣ ብሓቂ ውድብ ኣምላኽ እንተ ዀይና ይጠራጠሩ እዮም። ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን “ብሓድነት” ንኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዜገልግሉ፡ ምስቶም ቅር ዘበልዎም ሰባት ዝነበሮም ርክብ ይበትኩ፡ ወይ ከኣ ናብ ኣኼባታት ምኻድ ይሓድግዎ። (ጸፎ. 3:9) እዝስ ጥበባዊ ስጕምቲ ድዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኻብ ዘሎ ተመሳሳሊ ጸገም ዘሕለፈ ሰብ እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ።
4. ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎ፧
4 መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነት። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ክርስትያናት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዘይፍጹማት ምዃኖም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መጀመርታ ምስ ጉባኤ ኺሕወስ እኳ እንተ ፈተነ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ኣይኣመንዎን። (ግብ. 9:26) ኣብ ካልእ ግዜ ድማ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ብድሕሪኡ ንስሙ ዜጸልም ነገር ተዛረቡ። (2 ቈረ. 10:10) ብዘይካዚ፡ ሓላፍነት እተሰከሙ ኣሕዋት፡ ንገሊኦም ክርስትያናት ኪዕንቅፍ ዚኽእል ግጉይ ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ ረኣየ። (ገላ. 2:11, 12) ሓደ ኻብቶም ናይ ቀረባ ብጾቱ ዝነበረ ማርቆስ እውን ኣመና ኣጕሃዮ። (ግብ. 15:37, 38) ጳውሎስ ብሓደ ኻብዚ ጸገማት እዚ ተዓንቂፉ ምስቶም ዘጕሃይዎ ሰባት ዝነበሮ ርክብ ኪበትኽ ምኸኣለ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣይቀየረን፡ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል እውን ኣየቋረጸን። እሞ ደኣ ንጳውሎስ ኪጸንዕ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧
5. ጳውሎስ ብኣሕዋቱን ብኣሓቱን ተስፋ ኸይቈርጽ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ቈሎሴ 3:13, 14) (ስእሊ እውን ርአ።)
5 ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ፍቕሪ ነይርዎ እዩ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ድማ ኣብ ዘይፍጽምናኦም ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰናይ ባህርያቶም ኬተኵር ሓጊዛቶ እያ። ብተወሳኺ እውን፡ እዛ ፍቕሪ እዚኣ ነቲ ኣብ ቈሎሴ 3:13, 14 ተመዝጊቡ ዘሎ ባዕሉ ዝጸሓፎ ነገር ኪገብር ሓጊዛቶ እያ። (ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ንማርቆስ ብኸመይ ይቕረ ኸም ዝበለሉ እስከ ንርአ። ማርቆስ ንጳውሎስ፡ ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ሓዲግዎ እኳ እንተ ኸደ፡ ጳውሎስ በዚ ቒም ኣይሓዘን። ጸኒሑ ጳውሎስ ናብታ ኣብ ቈሎሴ ዝነበረት ጉባኤ ጽብቕቲ ደብዳበ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ንማርቆስ፡ “ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ኢሉ ብምጽዋዕ ከም መዓይይቱ ገይሩ ነኣዶ። (ቈሎ. 4:10, 11) ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ፡ ማርቆስ ኪልኣኸሉ ሓተተ። (2 ጢሞ. 4:11) ብንጹር ከም እንርእዮ እምበኣር፡ ጳውሎስ ብኣሕዋቱ ተስፋ ኣይቈርጽን እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ኻብ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧
6-7. ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይፍጽምና እናሃለዎም ክነሱ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንዓታቶም ጸኒዕና ኸነፍቅሮም እንኽእል፧ (1 ዮሃንስ 4:7)
6 ትምህርቲ። የሆዋ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ጸኒዕና ፍቕሪ ኸነርእዮም እዩ ዚደሊ። (1 ዮሃንስ 4:7 ኣንብብ።) ሓደ ሰብ ክርስትያናዊ ባህርይ እንተ ጐዲልዎ፡ ብዘይ ሓልዮት ስለ እተዛረበ ደኣ እምበር፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመላለስ ከም ዚደሊ ጌርና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 12:18) ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልገልቱ፡ ጕድለታት እናሃለዎም ክነሱ የፍቅሮም እዩ። ጌጋታት ክንገብር ከለና፡ ምሳና ዘለዎ ርክብ ኣይበትኽን እዩ፣ ንሓዋሩ እውን ኣይቅየምን እዩ። (መዝ. 103:9) እምበኣር፡ ነቲ ይቕረ ዚብለልና ኣቦና ኽንመስሎ ኣሎና።—ኤፌ. 4:32–5:1።
7 መወዳእታ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝያዳ ኽንቀራረብ ከም ዜድልየና እውን ኣይንረስዕ። መስጐጕቲ እናጻዕጽዐ ኪኸይድ ኢና እንጽበ። ምናልባት እውን ብምኽንያት እምነትና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዳጐን ንኸውን። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙና፡ ካብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደገፍ ኬድልየና እዩ። (ምሳ. 17:17) ኣብ ስጳኛ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ጁሰፕ a ዚብሃል ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ብምኽንያት ገለልትነቱ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ነገር ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ብሓባር ስለ እንነብር፡ ክርስትያን ብጻይና ቕጭ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። ንሓድሕድና ኽንተዓጋገስን ይቕረ ኽንባሃሃልን ነይሩና። እዚ ድማ ኣብ መንጎና ሓድነት ኪሰፍንን ንሓድሕድና ኽንተሓላለን ሓጊዙና። ንየሆዋ ብዘየገልግሉ እሱራት ኢና ተኸቢብና ኔርና። ኣብ ሓደ እዋን፡ ስለ እተጐዳእኩ ኢደይ ተጀኒኑ ነይሩ። ስለዚ፡ ባዕለይ ክገብሮ ዘይክእል ነገራት ነይሩ። ሓደ ሓው ግና፡ ክዳውንተይ ሓጺቡለይ፡ ብኻልእ መገድታት እውን ተኸናኺኑኒ። ኣብቲ ብሓቂ ሓገዝ ዜድልየኒ እዋን፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ርእየ እየ።” ስለዚ፡ ንጸገማትና ሕጂ ኽንፈትሖ ዜለዓዕል ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና።
መጻምድትኻ ኼጕህየካ ኸሎ ጽናዕ
8. ሰብ ሓዳር እንታይ ጸገም ኬጋጥሞም ይኽእል፧
8 ጸገም። ኵሉ ሓዳር ጸገማት ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምርዑዋት ሰባት፡ “ኣብ ስጋኦም ጸበባ ይህልዎም እዩ” ብምባል ብግልጺ ይሕብረና። (1 ቈረ. 7:28) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ ሓዳር፡ ክልተ በበይኑ ባህርያት ዘለዎም ዘይፍጹማት ሰባት እዮም ብሓደ ዚጣመሩ። ስለዚ፡ እተፈላለየ ዚፈትውዎን ዚጸልእዎን ነገራት ኣለዎም። ብዘይካዚ፡ እተፈላለየ ባህሊ ወይ ድሕረ ባይታ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ቅድሚ መርዓ ዘይተራእየ ባህርያት እውን ኪቕልቀል ይኽእል እዩ። እዚ ነገራት እዚ፡ ግጭት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ኣብቲ ጸገም እቲ ዘለዎም እጃም ኣለልዮም ኣብ ክንዲ ዚፈትሕዎ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ኪወቓቐሱ ይኽእሉ እዮም። ኪፈላለዩ ወይ ኪፋትሑ ኸም ዘለዎም ገይሮም እውን ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ብመውስቦ ተስፋ ምቝራጽ፡ ንጸገማቶም ፍታሕ ይኸውን ድዩ፧ b ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ኻብ እትርከብ ኣብ ኣጸጋሚ ሓዳር ዝጸንዐት ኣብነት እስከ ንምሃር።
9. ንኣቢጋይል እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢምዋ፧
9 መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነት። ኣቢጋይል ሰበይቲ እቲ ናባል ዚብሃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጨካን፡ ግብሩ እውን ክፉእ” ተባሂሉ እተገልጸ ሰብኣይ እያ ነይራ። (1 ሳሙ. 25:3) ስለዚ፡ ምስዚ ሰብኣይ እዚ ምንባር ኣጸጋሚ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እሞ ደኣ ኣቢጋይል ካብቲ ሓዳራ ብቐሊሉ እትወጸሉ መገዲ ኸተናዲ ምኸኣለትዶ፧ እቲ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን እተቐብአ ዳዊት ንሰብኣያን ንሰቡን ኪቐትሎም ተሃንዲዱ ምስ ተላዕለ፡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ተኸፊቱላ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 25:9-13) ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢጋይል ክትሃድም እሞ ዳዊት ዝሓሰቦ ኺገብር ክትሓድጎ ምኸኣለት ነይራ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ጣልቃ ብምእታው፡ ንናባል ብህይወት ኪሓድጎ ለመነቶ። (1 ሳሙ. 25:23-27) ስለምንታይ እያ ኸምኡ ገይራ፧
10. ኣቢጋይል ኣብቲ ኣጸጋሚ ሓዳር ክትጸንዕ ዘለዓዓላ እንታይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧
10 ኣቢጋይል ንየሆዋ ፍቕሪ ነበራ። ነቲ ንሱ ንመውስቦ ዘውጽኦ መለክዒታት እውን ኣኽብሮት ነበራ። ነቲ ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን ኬመራዕዎም ከሎ ዝበሎ ነገር እውን ትፈልጦ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። (ዘፍ. 2:24) ብዘይካዚ፡ መውስቦ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕዱስ ምዃኑ ትፈልጥ ነይራ እያ። ንኣምላኽ ከተሐጕሶ ትደሊ ነይራ እያ፣ እዚ ድማ ንቤታ፡ እንተላይ ንሰብኣያ ዚከኣላ ኽትገብር ኣለዓዒልዋ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ዳዊት ንናባል ምእንቲ ኸይቀትሎ ቐልጢፋ ስጕምቲ ወሰደት። ነቲ ዘይወዓለቶ ጌጋ ይቕረታ ንምሕታት እውን ፍቓደኛ እያ ነይራ። የሆዋ ነዛ ተባዕን ጥቕሚ ርእሳ እትስውእን ሰበይቲ ይፈትዋ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ኣንስትን ሰብኡትን ካብ ኣቢጋይል እንታይ ይምሃሩ፧
11. (ሀ) የሆዋ ኻብ ሰብ ሓዳር እንታይ እዩ ዚጽበ፧ (ኤፌሶን 5:33) (ለ) ካብቲ ካርመን ሓዳራ ንምድሓን ዝገበረቶ ጻዕሪ እንታይ ተማሂርካ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
11 ትምህርቲ። የሆዋ ንሰብ ሓዳር፡ ኣጸጋሚ መጻምድቲ እናሃለዎም እኳ፡ ንስርዓት መውስቦ ኣኽቢሮም ኪርእይዎ እዩ ዚደልዮም። ሰብ ሓዳር ጸገማቶም ንምፍታሕ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከም ዚዓስል ንምግባር ኪጽዕሩ ኸለዉ ባህ እዩ ዚብሎ። (ኤፌሶን 5:33 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ንካርመን እንታይ ከም ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ካብ እትምርዖ ኣስታት ሽዱሽተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከተጽንዕ ጀመረት፡ ጸኒሓ ድማ ተጠምቀት። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠማ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሰብኣየይ ነዚ ኣይፈተዎን” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ብየሆዋ ቐኒኡ። ኪጸርፈንን ‘ክሓድገኪ እየ’ ኢሉ ኼፈራርሃንን እውን ጀሚሩ” ትብል። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሓዳራ ጸንዐት። ን50 ዓመት፡ ኣብ ፍቕርን ኣኽብሮትን እተመስረተ ሓዳር ኪህልዋ ጸዓረት። ብዛዕባ እቲ ዝረኸበቶ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ብዝያዳ ኸስተውዕልን ንሰብኣየይ ብሜላ ኽዛረቦን ከም ዘሎኒ ተማሂረ። መውስቦ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕዱስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጥኩ፡ ሓዳረይ ምእንቲ ኸይፈርስ ዚከኣለኒ ዘበለ ዅሉ ገይረ። ንየሆዋ ስለ ዘፍቅሮ፡ ብሓዳረይ ተስፋ ኣይቈረጽኩን።” c እምበኣር፡ ኣብ ሓዳርካ ጸገማት እንተ ተላዒሉ፡ የሆዋ ኸም ዚድግፈካን ክትጸንዕ ከም ዚሕግዘካን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።
ብገዛእ ርእስኻ ኽትጕሂ ኸለኻ ጽናዕ
12. ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ እንታይ ጸገም እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧
12 ጸገም። ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ ብገዛእ ርእስና ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። ብሰንኪ ሓጢኣትና “እተሰብረን እተደቝሰን ልቢ” ኺህልወና ኸም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። (መዝ. 51:17) ሮበርት ዝስሙ ሓው ኣገልጋሊ ጉባኤ ንምዃን ንነዊሕ ዓመታት ጸዓረ። እንተዀነ ግና፡ ከቢድ ሓጢኣት ብምፍጻሙ፡ ንየሆዋ ኸም ዝጠለሞ ተገንዘበ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ሕልናይ ኣመና እዩ ደቚሱኒ። ድሕሪኡ፡ ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ተሰሚዑኒ። ሽዑ በኽየ፡ ናብ የሆዋ እውን ጸልየ። ‘ድሕሪ ሕጂ ኣምላኽ ኣይሰምዓንን እዩ’ ኢለ ኽሓስብ ትዝ ይብለኒ። ‘ንምንታይ እዩ እሞ ዚሰምዓኒ፧ ኣነ ኣጕህየዮ እየ’ ኢለ እውን ሓሲበ።” ብሓጢኣት እንተ ወዲቕና፡ እቲ እተደቝሰ ልብና፡ የሆዋ ብኣና ተስፋ ኸም ዝቘረጸ ስለ ዚኣምን፡ ብገዛእ ርእስና ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና። (መዝ. 38:4) ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብቲ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ ኽነሱ፡ ጸኒዑ ንየሆዋ ዘገልገለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ እሙን ሰብ ተምሃር።
13. ሃዋርያ ጴጥሮስ እንታይ ከቢድ ሓጢኣት እዩ ገይሩ፧ ናብኡ ዝመርሖኸ እንታይ እዩ፧
13 መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነት። ድሮ እታ የሱስ እተቐትለላ ለይቲ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ተኸታታሊ ጌጋታት ገበረ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ኣብ ህይወቱ ኻብ ኵሉ ዝኸፍአ ሓጢኣት ፈጸመ። ፈለማ፡ ብርእሱ እምብዛ ተኣማመነ፣ ካልኦት ሃዋርያት ንየሱስ እኳ እንተ ሓደግዎ፡ ንሱ ግና እሙን ከም ዚኸውን ተመክሐ። (ማር. 14:27-29) ድሕሪኡ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ፡ ኪነቅሕ ንእተዋህቦ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ኣይሰምዐን። (ማር. 14:32, 37-41) እዚ ኸይኣክል ድማ፡ ንየሱስ ምስ ጭፍራ ሰባት ሓዲግዎ ሃደመ። (ማር. 14:50) ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ንየሱስ “ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ሰለስተ ሳዕ ከሓደ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን መሓለ። (ማር. 14:66-71) እሞ ደኣ ጴጥሮስ ክብደት ሓጢኣቱ ምስ ተረድኦ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ምኽኣል ስኢኑ በኸየ፡ ምናልባት እውን ብናይ በደለኛነት ስምዒት ተደቚሱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማር. 14:72) ድሕሪ እተወሰነ ሰዓታት፡ ፈታዊኡ የሱስ ምስ ተቐትለ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጐሃየ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ከም ዘይረብሕ ኰይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ።
14. ጴጥሮስ ንየሆዋ ጸኒዑ ንምግልጋል እንታይ ሓገዝ እዩ ረኺቡ፧ (ስእሊ ርአ።)
14 ጴጥሮስ ንየሆዋ ጸኒዑ ኼገልግል ዝሓገዞ እተፈላለየ ምኽንያታት ነይርዎ። ቅድም ቀዳድም፡ ገዛእ ርእሱ ኣይፈለየን። የግዳስ፡ ናብቶም መንፈሳውያን ኣሕዋቱ እዩ ኸይዱ፣ ንሳቶም እውን ኣጸናኒዖምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። (ሉቃ. 24:33) ብተወሳኺ ድማ፡ የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ንጴጥሮስ ተራእይዎ እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ኣተባቢዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃ. 24:34፣ 1 ቈረ. 15:5) ኣብ ካልእ ግዜ ድማ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ ስለቲ ጕድለቱ ኣብ ክንዲ ዚገንሖ፡ ዝዓበየ ሓላፍነታት ሃቦ። (ዮሃ. 21:15-17) ጴጥሮስ ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበረ፡ ብገዛእ ርእሱ ግና ተስፋ ኣይቈረጸን። ስለምንታይ፧ ጐይታኡ የሱስ ብእኡ ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ስለ ዝኣመነ እዩ። ደገፍ መንፈሳውያን ኣሕዋቱ እውን ኣይተፈልዮን። እሞ ደኣ ኻብ ጴጥሮስ እንታይ ንምሃር፧
15. የሆዋ እንታይ እምነት ከነሕድር እዩ ዚደልየና፧ (መዝሙር 86:5፣ ሮሜ 8:38, 39) (ስእሊ እውን ርአ።)
15 ትምህርቲ። የሆዋ ኸም ዜፍቅረናን ይቕረ ኸም ዚብለልናን ክንኣምን ይደልየና እዩ። (መዝሙር 86:5፣ ሮሜ 8:38, 39 ኣንብብ።) ክንሓጥእ ከለና፡ ሕማቕ እዩ ዚስምዓና። እዚ ንቡርን ግቡእን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ፍቕሪ ወይ ይቕረታ ኸም ዘይግብኣና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኡብኡ ሓገዝ ክንረክብ ኣሎና። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሮበርት፡ “ንፈተና ንምጽራር ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ብርታዐ ስለ እተወከልኩ እየ ኣብ ሓጢኣት ወዲቐ” ይብል። ስለዚ፡ ምስ ሽማግለታት ኪዛራረብ ከም ዘለዎ ተገንዘበ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ይብል፦ “ነዚ ስጕምቲ እዚ ምስ ወሰድኩ፡ ነታ ፈቃር ኢድ የሆዋ ብኣታቶም ኣቢለ ብኡብኡ ርእየያ። እቶም ሽማግለታት ብኣይ ተስፋ ኣይቈረጹን። የሆዋ ኸም ዘይሓደገኒ ኽኣምን ከኣ ሓጊዞምኒ።” ንሕና እውን ካብ ሓጢኣትና እንተ ተነሲሕና፡ ዜድሊ ሓገዝ እንተ ኣናዲና፡ ጌጋታትና ንዘይምድጋም እውን ዚከኣለና እንተ ጽዒርና፡ የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅረናን ይቕረ ኸም ዚብለልናን ክንኣምን ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 1:8, 9) እቲ እምነት እቲ ኸኣ ክንዕንቀፍ ወይ ክንወድቕ ከለና፡ ብገዛእ ርእስና ተስፋ ኸይንቘርጽ ይሕግዘና።
16. ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንምጽናዕ ቈሪጽካ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧
16 የሆዋ ነቲ ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት ንዕኡ ንምግልጋል እንገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ዜጕሂ ነገራት እኳ እናኣጋጠመና፡ ብሓገዙ ኽንጸንዕ ንኽእል ኢና። ዋላ እኳ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቅር እንተ ኣበሉና፡ ንዓታቶም ፍቕሪ ኸነማዕብል፡ ይቕረ እውን ክንብለሎም ንኽእል ኢና። ኣብ ሓዳርና ንዚፍጠር ጸገማት ንምፍታሕ ዚከኣለና ብምግባር እውን፡ ንኣምላኽና ዘሎና ፍቕርን ንስርዓቱ ዘሎና ኣኽብሮትን ከነርኢ ንኽእል ኢና። ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና እውን፡ ሓገዝ የሆዋ ኸነናዲ፡ ፍቕሩን ይቕረታኡን ክንቅበል፡ ኣብ ኣገልግሎቱ እውን ንቕድሚት ክንግስግስ ንኽእል ኢና። እወ፡ ‘ሰናይ ንምግባር እንተ ዘይሰልኪና፡’ ብዙሕ በረኸት ከም እንዓጽድ ርግጸኛታት ኢና።—ገላ. 6:9።
ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽንጸንዕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
-
ክርስትያን ብጻይና ቕር ኬብለና ኸሎ
-
መጻምድትና ኼጕህየና ኸሎ
-
ብገዛእ ርእስና ኽንጕሂ ኸለና
መዝሙር 139 ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ
a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b ቃል ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ከይፈላለዩ እዩ ዚምዕድ፣ እንተ ተፈላልዮም ከኣ፡ ዋላ ሓዲኦም ኪምርዓዉ መሰል ከም ዘይብሎም እዩ ብንጹር ዚገልጽ። ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ ገሊኡ ዅነታት ኪፋላለዩ ይውስኑ ይዀኑ። ብዛዕባ እዚ ንምፍላጥ፡ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ተወሳኺ ሓበሬታ 4 ዚርከብ፡ “ምፍልላይ ሰብ ሓዳር” ዚብል ርአ።
c ካልእ ኣብነት እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org ዝወጸት ብናይ ሓሶት ሰላም ኣይትታለል!—ዳረል ፍራይሲንገርን ዲቦራ ፍራይሲንገርን ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።