ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሚያዝያ 2020

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 1 ሰነ–5 ሓምለ 2020 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ካብ ሰሜን ዚመጽእ መጥቃዕቲ!

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 14፦ 1-7 ሰነ 2020። ነቲ ኣብ ዮኤል ምዕራፍ 1ን 2ን ዘሎና ግንዛበ ምትዕርራይ ክንገብር ዜድልየሉ ኣርባዕተ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ እቲ ግራውቲ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 15፦ 8-14 ሰነ 2020። ንእምነትን ንተገዳስነትን ንተኽእሎን እቶም እንረኽቦም ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው ከመይ ጌርና ንየሱስን ንሃዋርያ ጳውሎስን ክንመስሎም ከም እንኽእል ኣስተብህል።

ስማዕን ፍለጥን ራሕርሕን

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 16፦ 15-21 ሰነ 2020። የሆዋ ንዮናስን ንኤልያስን ንኣጋርን ንሎጥን ብፍቕሪ ሓጊዝዎም እዩ። ንሕና እውን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዘሎና ርክብ ንየሆዋ ብኸመይ ከም እንመስሎ ርአ።

“ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ”

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 17፦ 22-28 ሰነ 2020። ምስ የሱስ ናይ ቀረባ ርክብ ከነማዕብልን ክንሕሉን ብድሆታት ኣሎና። ግናኸ፡ ነዚ ብድሆታት እዚ ክንሰግሮ ንኽእል ኢና።

‘እቲ ጕያ ወድእ’

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 18፦ 29 ሰነ–5 ሓምለ 2020። ኵላትና ሓድሓደ ግዜ ብእርጋን ንሽገር ዜማስን ሕማም ንሓምም እኳ እንተ ዀንና ንህይወት ኣብ ዚግበር ጕያ ብተጻዋርነት ክንዕወትን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧