ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 16

ስማዕን ፍለጥን ራሕርሕን

ስማዕን ፍለጥን ራሕርሕን

“ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ደጊም ደጋዊ ትርኢት ርኢኹም ኣይትፍረዱ።”—ዮሃ. 7:24

መዝሙር 101 ብሓድነት ንዕየ

መላለዪ *

1. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ዜጸናንዕ ሓቂ እዩ ዚገልጸልና፧

ሰባት ኣብ ሕብሪ ቘርበትካ፡ መልክዕ ገጽካ፡ ወይ ግዝፊ ሰብነትካ ተመርኲሶም ኪፈርዱኻ ምደለኻዶ፧ ከም ዘይትደሊ ፍሉጥ እዩ። የሆዋ በቲ ዓይኒ ሰብ እትርእዮ ገይሩ ዘይፈርደና ምዃኑ ብዙሕ የሐጕሰና እዩ። ንኣብነት፡ ሳሙኤል ንደቂ እሴይ ኪርእዮም ከሎ፡ የሆዋ ዚርእዮ ኣይኰነን ርእዩ። የሆዋ ንሳሙኤል፡ ሓደ ኻብ ደቂ እሴይ ንጉስ እስራኤል ከም ዚኸውን ነጊርዎ ነይሩ እዩ። ኣየናዮም ግና እዩ ዚነግስ፧ ሳሙኤል ነቲ ኤልያብ ዝስሙ በዅሪ ወዲ እሴይ ምስ ረኣዮ፡ “ብርግጽ እቲ ቕቡእ የሆዋ ኣብ ቅድሚኡ እንሀ” ኢሉ እዩ። ኤልያብ ንንጉስ ዚበቅዕ ትርኢት ነይርዎ እዩ። የሆዋ ግና ንሳሙኤል፡ “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት” ኢሉ እዩ መሊሱሉ። እሞኸ ኻብዚ እንታይ ንምሃር፧ የሆዋ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ የሆዋ ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” ኢሉ ተዛሪብዎ እዩ።—1 ሳሙ. 16:1, 6, 7

2. ኣብ ዮሃንስ 7:24 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ንሰባት ብደጋዊ ትርኢቶም ክንፈርዶም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

2 ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ኵላትና ንሰባት ብደጋዊ ትርኢቶም ናይ ምፍራድ ዝንባለ ኣሎና። (ዮሃንስ 7:24 ኣንብብ።) ዓይንና ግና ብዛዕባ ሰብ ብዙሕ ኣይነግረናን እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ሓደ በሊሕን ምኩርን ሓኪም እኳ ንሓደ ተሓካሚ ርእይ ኣቢሉ ብዙሕ ኪፈልጥ ኣይክእልን እዩ። ናይቲ ተሓካሚ ሕክምናዊ ታሪኽ፡ ስምዒታት፡ ወይ ምልክታት ሕማም ኪፈልጥ እንተ ዀይኑ፡ ጽን ኢሉ ኺሰምዖ ኣለዎ። ምናልባት እውን ንውሽጣዊ ኽፋል ሰብነቱ ንምርኣይ ራጂ ይእዝዘሉ ይኸውን። ከምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ ነቲ ጸገም ብጌጋ ኺርድኦ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ደጋዊ ትርኢት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምርኣይ ጥራይ፡ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦም ኣይንኽእልን ኢና። ንደጋዊ ትርኢቶም ሰጊርና፡ ውሽጣዊ ስብእናኦም ንምርኣይ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ልክዕ እዩ፡ ልቢ ኸነንብብ ስለ ዘይንኽእል፡ ንሰባት ከምቲ የሆዋ ዚርድኦም ጌርና ኣይንርድኦምን ኢና። ንየሆዋ ንምምሳል ግና ዚከኣለና ኽንጽዕር ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚጥቀስ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኽንመስሎ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

3 የሆዋ ንኣምለኽቱ ብኸመይ እዩ ዚሕዞም፧ ይሰምዖም እዩ። ድሕረ ባይታኦምን ኵነታቶምን ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ይርሕርሓሎም እዩ። የሆዋ ንዮናስን ንኤልያስን ንኣጋርን ንሎጥን ከመይ ገይሩ ኸምኡ ኸም ዝገበረሎም ክንምርምር ከለና፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዘሎና ርክብ ንየሆዋ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእል ንርአ።

ብኣቓልቦ ስምዓዮም

4. ስለምንታይ ኢና ብዛዕባ ዮናስ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ዚኽእል፧

4 ብዛዕባ ዮናስ ዘሎና እንፈልጦ ነገር ድሩት ብምዃኑ፡ ዘይእሙን ወይ እውን ጠላም ጌርና ንሓስቦ ንኸውን። ንነነዌ ፍርዲ ኺእውጀላ ኻብ የሆዋ ቐጥታዊ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ነይሩ። ዮናስ ግና ኣብ ክንዲ ዚእዘዝ፡ ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ናብ እትኸይድ መርከብ ተሰቕለ፡ “ካብ የሆዋ ርሒቑ” ኪኸይድ እውን ሓሰበ። (ዮና. 1:1-3) ንስኻ ንዮናስ ካልእ ዕድል ምሃብካዮዶ፧ ምናልባት ኣይምሃብካዮን። የሆዋ ግና ካልእ ዕድል ኪውሃቦ ኸም ዚግባእ እዩ ኣሚኑ።—ዮና. 3:1, 2

5. ካብቲ ኣብ ዮናስ 2:1, 2, 9 ዚርከብ ቃላት ብዛዕባ ዮናስ እንታይ ትፈልጥ፧

5 ዮናስ ብሓቂ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ ኣብ ጸሎቱ ተራእዩ እዩ። (ዮናስ 2:1, 2, 9 ኣንብብ።) ዮናስ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ሳዕ ጸልዩ ኪኸውን ኣለዎ፣ እቲ ኣብዚ እተጠቕሰ ጸሎት ከኣ፡ ካብ እተዋህቦ ተልእኾ ዚሃድም ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባኡ ኻልእ ተወሳኺ ነገራት እውን ይሕብረና እዩ። ካብቲ ቓላቱ፡ ትሑትን ኣመስጋንን ንየሆዋ ኺእዘዝ ዝቘረጸን ሰብ ምዃኑ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። የሆዋ ስግር እቲ ተግባራት ዮናስ ብምርኣይ፡ ንጸሎቱ ምስማዑን ነብዪ ዀይኑ ኪቕጽል ምፍቃዱን እምበኣር ኬገርመና የብሉን።

ነቲ ሓቂ እንተ ፈሊጥናዮ፡ ብዝያዳ ኽንድንግጽ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ) *

6. ስለምንታይ ኢና ብኣቓልቦ ኽንሰምዕ ዘሎና፧

6 ንሰባት ብኣቓልቦ ንምስማዕ፡ ትሑታትን ዕጉሳትን ክንከውን ኣሎና። እዚ ድማ እንተ ወሓደ ብሰለስተ መገዲ ይኽሕሰና እዩ። ቀዳማይ፡ ብዛዕባ ሰባት ተሃዊኽና ኣብ ግጉይ መደምደምታ ኣይንበጽሕን ኢና። ካልኣይ፡ ስምዒታትን ድራኸታትን ኣሕዋትና ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ብዝያዳ ድንጋጽ ከነርኢ ይሕግዘና እዩ። ሳልሳይ፡ ነቲ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ሓደ ነገር ኪፈልጥ ንሕግዞ ንኸውን። ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ ርእስና ስምዒት እኳ ብቓላት ክሳዕ እንገልጾ፡ እንታይ ምዃኑ ኣይንርድኦን ኢና። (ምሳ. 20:5) ሓደ ኣብ እስያ ዚነብር ሽማግለ፡ “ቅድሚ ምስማዐይ ብምዝራብ ዝገበርክዎ ጌጋ ትዝ ይብለኒ እዩ። ንሓንቲ ሓብትና ኣብ ኣኼባ እትህቦ ሓሳባት ከተመሓይሾ ኸም ዘለዋ ነጊረያ። ጸኒሐ፡ ንባብ ከም ዜጸግማን ሓሳብ ንምሃብ ብዙሕ ጻዕሪ ኸም እትገብርን ፈሊጠ” ኢሉ ጌጋኡ ይእመን። እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ፡ “ከይሰምዐ” ምኽሪ ኺህብ የብሉን!—ምሳ. 18:13

7. ካብቲ የሆዋ ንኤልያስ ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ትምሃር፧

7 ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምኽንያት ድሕረ ባይታኦም፡ ባህሎም፡ ወይ ባህርያቶም፡ ብዛዕባ ስምዒታቶም ምዝራብ የጸግሞም እዩ። ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ልቦም ዘሎ ንምግላጽ ከነቕልለሎም እንኽእል፧ ኤልያስ ካብ ኢዛቤል ኣብ ዝሃደመሉ እዋን፡ የሆዋ ንዕኡ ብኸመይ ከም ዝሓዞ ንዘክር። ኤልያስ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ስምዒታቱ ምሉእ ብምሉእ ንምግላጽ ሓያሎ መዓልትታት ወሲዱሉ እዩ። የሆዋ ድማ ብኣቓልቦ ሰሚዕዎ እዩ። ድሕሪኡ፡ ንኤልያስ ኣተባቢዕዎ፡ ኣገዳሲ ዕዮ እውን ሂብዎ እዩ። (1 ነገ. 19:1-18) ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፍዅስ ኢልዎም ኪዛረቡና ግዜ ይወስድ ይኸውን፣ ግናኸ፡ ከምኡ እንተ ገይሮም ጥራይ ኢና ናይ ሓቂ ስምዒቶም ክንርዳእ እንኽእል። ዕጉሳት ብምዃን ንየሆዋ እንተ መሲልናዮ፡ ኪኣምኑና ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ፡ ስምዒቶም ኬካፍሉና ድሉዋት ምስ ኰኑ፡ ብኣቓልቦ ኽንሰምዖም ኣሎና።

ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ፍለጦም

8. ብመሰረት ዘፍጥረት 16:7-13፡ ብኸመይ እዩ የሆዋ ንኣጋር ሓጊዝዋ፧

8 ኣጋር ገረድ ሳራይ ንኣብራም ሰበይቲ ኽትኰኖ ምስ ተዋህበት፡ ናይ ዕሽነት ተግባር ገይራ ነይራ እያ። ከመይሲ፡ ኣጋር ምስ ጠነሰት፡ ነታ ውሉድ ዘይነበርዋ ሳራይ ክትንዕቃ ጀመረት። እቲ ዅነታት ኣመና ስለ ዝኸፍአ፡ ሳራይ ንኣጋር ሰጐጎታ። (ዘፍ. 16:4-6) በቲ ዘይፍጹም ኣረኣእያና ኽንርኢ ኸለና፡ ኣጋር ናይ ኢዳ ዝረኸበት ክፍእቲ ሰበይቲ ኸም ዝዀነት ጌርና ኽንርእያ ንኽእል ኢና። የሆዋ ግና ንኣጋር ብኻልእ ዓይኒ እዩ ርእይዋ። መልኣኹ ድማ ልኢኹላ እዩ። እቲ መልኣኽ ምስ ረኸባ ኸኣ፡ ኣረኣእያኣ ኸተዐሪ ሓጊዝዋን ባሪኽዋን እዩ። ኣጋር ድማ፡ የሆዋ ይርእያ ኸም ዝነበረን ንዅሉ ዅነታታ ኸም ዚፈልጦን ተሰሚዕዋ እዩ። ስለዚ፡ ንየሆዋ “ዚርእየኒ” ኢላ ኣብ ርእሲ ምግላጻ፡ “ኣታ ዚርኢ ኣምላኽ” ኢላ ጸዊዓቶ እያ።—ዘፍጥረት 16:7-13 ኣንብብ።

9. ኣምላኽ ኣብቲ ንኣጋር ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ እዩ ኣብ ግምት ኣእትዩ፧

9 የሆዋ ኣብ ኣጋር እንታይ እዩ ርእዩ፧ ንዅሉ ድሕረ ባይታኣን ንዅሉ እቲ ዘሕለፈቶን ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (ምሳ. 15:3) ኣጋር ኣብ እንዳ እብራዊ እትነብር ግብጻዊት እያ ነይራ። ሓድሓደ ግዜ፡ ጓና ኸም ዝዀነት ኰይኑዶ ይስምዓ ነይሩ ይኸውን፧ ስድራ ቤታን ዓዳን ትናፍቕ ነይራ ደዀን ትኸውን፧ በይና ኣይኰነትን ሰበይቲ ኣብራም ነይራ። ንእተወሰነ ግዜ፡ ገሊኦም እሙናት ሰብኡት ልዕሊ ሓንቲ ሰበይቲ ኣእትዮም ነይሮም እዮም። እዚ ግና ካብ መጀመርታ ዕላማ የሆዋ ኣይነበረን። (ማቴ. 19:4-6) ስለዚ ድማ እዩ እዚ ዅነታት እዚ ጠንቂ ቕንእን ቂምን ዝዀነ። የሆዋ ነቲ ኣጋር ንሳራይ ዘርኣየቶ ንዕቀት ዚኸውን ብቑዕ መመኽነይታ ኸም ዘሎ ገይሩ እኳ እንተ ዘይረኣዮ፡ ንድሕረ ባይታን ንዅነታትን ኣጋር ኣብ ግምት ከም ዘእተዎ ግና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ብዝያዳ ፍለጦም (ሕጡብ ጽሑፍ 10-12 ርአ) *

10. ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከመይ ጌርና ኽንፈልጦም ንኽእል፧

10 ንሕና ድማ ሓዴና ነቲ ሓዴና ኽንርድኣሉ ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ፍለጦም። ቅድሚ ኣኼባታትን ድሕሪኡን ኣዕልሎም፡ ኣብ ኣገልግሎት ምሳታቶም ሓቢርካ ኣገልግል፡ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ ምሳኻ እኽለ ማይ ኪጥዕሙ ዓድሞም። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ እታ ምስ ሰብ ዘይትቐርብ እትመስል ሓብቲ ሓፋር ምዃና ኽትፈልጥ፡ እቲ ፈታው ገንዘብ ጌርካ ዝሓሰብካዮ ሓው ለጋስ ምዃኑ ኽትርኢ፡ ወይ እቶም ደንጕዮም ናብ ኣኼባታት ዚመጹ ስድራ ቤት ተቓውሞ የጋጥሞም ምህላዉ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። (እዮ. 6:29) እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ “ወልፋሳት” ክንከውን የብልናን። (1 ጢሞ. 5:13) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዛዕባ እቲ ንባህርያቶም ዝቐረጾ ነገራትን ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ።

11. ሽማግለታት ንኣባጊዖም ኣጸቢቖም ኪፈልጥዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

11 ምናዳ ሽማግለታት ነቶም ዚጓስይዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ኪፈልጥዎም ኣለዎም። ኣርቱር ንዝስሙ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሓው ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ንሱን ሓደ ኻልእ ሽማግለን ንሓንቲ ሓፋርን ቍጥብትን እትመስል ሓብቲ በጽሕዋ። ኣርቱር ከምዚ ይብል፦ “ሰብኣያ ካብቲ እተመርዓዉሉ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸም ዝሞተ ፈሊጥና። ጸገማት እናሃለዋ ኽነሱ፡ ብመንፈሳዊ ድልዱላት ዝዀና ኽልተ ኣዋልድ ኣዕብያ እያ። ሕጂ ግና ኣዒንታ ኺጠልማኣ ጀሚረን፣ ብሕዱር ጭንቀት እውን ክትሳቐ ጀሚራ። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ዘለዋ ፍቕርን ኣብኡ ዘለዋ እምነትን ድልዱል እዩ ዘሎ። ካብ ጽቡቕ ኣብነት እዛ ሓብቲ ብዙሕ ክንምሃር ከም እንኽእል ፈሊጥና።” (ፊል. 2:3) እዚ ሓላው ወረዳ እዚ፡ ኣብነት የሆዋ እዩ ስዒቡ። የሆዋ ንኣባጊዑን ነቲ ዜሕልፋኦ መከራን ይፈልጦ እዩ። (ዘጸ. 3:7) ንኣባጊዖም ኣጸቢቖም ዚፈልጡ ሽማግለታት ንኣባጊዖም ብዝያዳ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።

12. ዪፕ ዪ ዝስማ ሓብቲ ንሓንቲ ኣብ ጉባኤኣ እትርከብ ሓብቲ ስለ ዝፈልጠታ ብኸመይ ተጠቒማ፧

12 ንሓደ ዜሕርቐካ ክርስትያን ብጻይካ ድሕረ ባይታኡ ኽትፈልጥ ከለኻ፡ ክትድንግጸሉ ትጅምር ኢኻ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ዪፕ ዪ ዝስማ ኣብ እስያ እትነብር ሓብቲ፡ “ሓንቲ ኣብ ጉባኤና እትርከብ ሓብቲ ኣመና ዓው ኢላ እያ እትዛረብ። ስነ ስርዓት ዘይትፈልጥ ገይረ እየ ዝርእያ ነይረ። ኣብ ኣገልግሎት ምስኣ ምስ ዓየኹ ግና፡ ወለዳ ኣብ ዕዳጋ ዓሳ ኺሸጡ ኸለዉ ትሕግዞም ከም ዝነበረት ፈሊጠ። ዓማዊል ንምስሓብ ዓው ኢላ ኽትዛረብ ነይርዋ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ኸኣ፡ “ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ምእንቲ ኽርድኦም፡ ድሕረ ባይታኦም ክፈልጥ ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ” ትብል። ንኣሕዋትካ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ ጻዕሪ የድሊ እዩ። ነቲ ልብኻ ጋህ ከተብል እተዋህበካ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ እንተ ስዒብካ ግና፡ ነቲ ን“ዅሉ ዓይነት ሰብ” ዚፈቱ የሆዋ ትመስሎ ኢኻ።—1 ጢሞ. 2:3, 4፣ 2 ቈረ. 6:11-13

ራሕርሓሎም

13. ኣብ ዘፍጥረት 19:15, 16 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ሎጥ ምስ ደንጐየ፡ እቶም መላኽእቲ እንታይ ገይሮም፧ ስለምንታይከ፧

13 ሎጥ ኣብ ህይወቱ ኣብ ወሳኒ ግዜ፡ ነቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ መምርሒታት ንምሕላው ተደናጕዩ እዩ። ክልተ መላእኽቲ ናብ ሎጥ መጺኦም፡ ንስድራ ቤቱ ሒዙ ኻብ ሶዶም ኪወጽእ ኣዘዝዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቶም ኪገልጹሉ ኸለው፡ “ነዛ ቦታ እዚኣ ኸነጥፍኣ ኢና” በልዎ። (ዘፍ. 19:12, 13) ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ሎጥን ስድራ ቤቱን ገና ኻብ ቤቶም ኣይወጹን ነይሮም። ስለዚ፡ እቶም መላእኽቲ መሊሶም ንሎጥ ኣጠንቀቕዎ። ንሱ ግና “ደንጐየ።” ንሎጥ ግዲ ኸም ዘይነበሮ፡ ወይ እውን ዘይእዙዝ ከም ዝዀነ ጌርና ንፈርዶ ንኸውን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብእኡ ተስፋ ኣይቈረጸን። “የሆዋ ስለ ዝራሕርሓሉ፡” እቶም መላእኽቲ ንሎጥን ንስድራ ቤቱን ብኢዶም ሒዞም ካብታ ኸተማ ኣውጽእዎም።—ዘፍጥረት 19:15, 16 ኣንብብ።

14. የሆዋ ንሎጥ ኪርሕርሓሉ ዝደረኾ እንታይ ምኽንያታት ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል፧

14 የሆዋ ንሎጥ ኪርሕርሓሉ ዝደረኾ፡ ብዙሕ ምኽንያታት ነይርዎ እዩ። ሎጥ ካብ ቤቱ ምውጻእ ዝደንጐየ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ዝነበሩ ሰባት ስለ ዝፈርሀ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ሓደጋታት እውን ነይሩ እዩ። ሎጥ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ኣብ ቀረባ ዚርከብ ስንጭሮ ኣብ ጐዳጕዲ ቕጥራን ዝወደቑ ኽልተ ነገስታት ሰሚዑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 14:8-12) ሰበይትን ውሉዳትን ስለ ዝነበራኦ፡ ብዛዕባ ስድራ ቤቱ ተጨኒቑ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሃብታም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሶዶም ጽቡቕ ቤት ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 13:5, 6) ልክዕ እዩ፡ እዚ ዅሉ ረቛሒታት እዚ ንየሆዋ ብኡብኡ ንዘይምእዛዝ መመኽነይታ ዚኸውን ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብቲ ሎጥ ዝገበሮ ጌጋ ኣይኰነን ኣተኲሩ፣ የግዳስ፡ “ጻድቕ” ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ርእይዎ።—2 ጴጥ. 2:7, 8

ንሰባት ንሰምዖም እንተ ዄንና፡ ብኸመይ ከም እንርሕርሓሎም ክንፈልጥ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ) *

15. ንተግባራት ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ እንፈርድ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

15 ንተግባራት ካልእ ሰብ ኣብ ክንዲ እትፈርድ፡ እንታይ ከም ዚስምዖ ኽትርዳእ ዚከኣለካ ግበር። ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ቨሮኒካ ዝስማ ሓብቲ ኸምኡ ኽትገብር እያ ጽዒራ። ብዛዕባኡ ኸምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “ሓንቲ ሓብቲ ወትሩ ዀርፈፍ ዝበለት እያ እትመስል ነይራ። ኵሉ ሳዕ ካብ ካልኦት ትፍለ ነይራ እያ። ሓድሓደ ግዜ፡ ናብኣ ንምቕራብ እፈርህ ነይረ። ግናኸ፡ ‘ኣነ ኣብ ቦታኣ እንተ ዝነብር ነይረ፡ መሓዛ መድለየትኒ’ ኢለ ሓሲበ። ስለዚ፡ እንታይ ከም ዚስምዓ ኽሓትታ ወሲነ። ንሳ ድማ ኣብ ልባ ዘሎ ኽትገልጸለይ ጀሚራ! ሕጂ ብዝያዳ ኽርድኣ እኽእል እየ።”

16. ስለምንታይ ኢና ርሕራሐ ምእንቲ ኸነማዕብል ሓገዝ ንምርካብ ክንጽሊ ዘሎና፧

16 ንዓና ምሉእ ብምሉእ ዚርድኣና የሆዋ ጥራይ እዩ። (ምሳ. 15:11) ስለዚ፡ ነቲ ንሱ ኣብ ካልኦት ዚርእዮ ምእንቲ ኽትርኢ፡ ብኸመይ ከም እትርሕርሕ ድማ ምእንቲ ኽትፈልጥ ሓገዙ ለምን። ጸሎት ንሓንቲ ኣንዠላ ዝስማ ሓብቲ ብዝያዳ ኽትርሕርሕ ሓጊዝዋ እዩ። ሓንቲ ኣብ ጉባኤኣ እትርከብ ሓብቲ ምስ ሰብ ዘይትሳነ ዀይና ነይራ እያ። ብዛዕባኡ ኣንዠላ ኸምዚ ኢላ ትእመን፦ “ነታ ሓብቲ ኽነቕፋን ከም ዘይትምልከተኒ ገይረ ዕሽሽ ክብላን ቀሊል እዩ ነይሩ። ግናኸ፡ ነዛ ሓብቲ እዚኣ ምእንቲ ኽርድኣ ንየሆዋ ኺሕግዘኒ ለሚነዮ።” እሞኸ የሆዋ ንጸሎት ኣንዠላ መሊስዎዶ፧ ንሳ ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ ትብል፦ “ናብ ኣገልግሎት ብሓባር ኬድና፡ ድሕሪኡ እውን ንሰዓታት ኣዕሊልና። ብርሕራሐ ድማ ሰሚዐያ። ሕጂ ብዝያዳ እየ ዝፈትዋ፣ ንምሕጋዛ እውን ቈሪጸ እየ።”

17. እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧

17 ኣየኖት ኣሕዋትን ኣሓትን ርሕራሐኻ ኸም ዜድልዮም ክትሓሪ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኵሎም ከም ዮናስን ኤልያስን ኣጋርን ሎጥን ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ገሊኡ ኻብቲ ጸገማት ከኣ ባዕሎም ዘምጽእዎ እዩ። ከም ሓቂ ድማ፡ ኵላትና ኣብ ገለ እዋን ባዕልና ኣብ ርእስና ጸገማት ነምጽእ ኢና። ስለዚ፡ የሆዋ ንሓድሕድና እንደናገጽ ክንከውን ይጽበየና እዩ። (1 ጴጥ. 3:8) ንየሆዋ እንተ ተኣዚዝናዮ፡ ንሓድነት እቲ ዜደንቕ ዓለምለኻዊ ስድራ ቤትና ንውስኸሉ ኢና። ስለዚ፡ ኣብ ንሓድሕድና ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ክንሰምዕን ክንፈልጥን ክንርሕርሕን ቈራጽነት ንግበር።

መዝሙር 87 ኣብ ኣኼባና ንተሓደስ

^ ሕ.ጽ. 5 ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ብዛዕባ ሰባትን ድራኸታቶምን ተቐላጢፍና ንግምት ኢና። የሆዋ ግና “ልቢ እዩ ዚርኢ።” (1 ሳሙ. 16:7) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንዮናስን ንኤልያስን ንኣጋርን ንሎጥን ከመይ ገይሩ ብፍቕሪ ኸም ዝሓገዞም ክትገልጸልና እያ። ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዘሎና ርክብ ንየሆዋ ኽንመስሎ እውን ክትሕግዘና እያ።

^ ሕ.ጽ. 52 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው በቲ ናብ ኣኼባ ደንጕዩ ዝመጸ ሓው ይርበሽ፡ ጸኒሑ ግና ዝደንጐየሉ ምኽንያት ብሰንኪ ሓደጋ ማኪና ምዃኑ ይፈልጥ።

^ ሕ.ጽ. 54 መግለጺ ስእሊ፦ እቲ ሓላው ጕጅለ ኣገልግሎት ኣብ ፈለማ ነታ ሓብቲ ምስ ካልኦት ክትሕወስ ከም ዘይትኽእል ገይሩ እኳ እንተ ረኣያ፡ ደሓር ግና ኣጸቢቓ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ክትከውን ከላ ከም እትሓፍርን ከም ዚኸብዳን ይፈልጥ።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ንኻልእ ሓብቲ ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ብዝያዳ ምስ ፈለጠታ፡ ከምቲ ኣቐዲማ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትርእያ ኸላ እትሓስቦ ዝነበረት ሕማቕ ዝጠባያን ንሰብ ዘይትሓልን ዘይምዃና ትፈልጥ።