ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 15

ብዛዕባ እቲ ግራውቲ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧

ብዛዕባ እቲ ግራውቲ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧

“ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም፡ ግራውቲ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ ርኣዩ።”—ዮሃ. 4:35

መዝሙር 64 ኣብ ቀውዒ ብሓጐስ ንሳተፍ

መላለዪ *

1-2. የሱስ ነቲ ኣብ ዮሃንስ 4:35, 36 ዘሎ ቓላት እተዛረበ ስለምንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

የሱስ ብግራውቲ ኣቢሉ ሓለፈ፣ እቲ ግራውቲ ድማ ሓድሽ ብቋል ስገም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃ. 4:3-6) ስገም ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ ኣቢሉ እዩ ንዓጺድ ዚበጽሕ። ስለዚ፡ የሱስ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም፡ ግራውቲ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ ርኣዩ” ምባሉ ግር ዜብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 4:35, 36 ኣንብብ።) እሞ ደኣ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

2 የሱስ ብዛዕባ ምሳልያዊ ዓጺድ ሰባት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እዚ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ቀቅድሚኡ እንታይ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ። የሱስ ብዙሕ ግዜ ምስ ሳምራውያን ርክብ እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ቀቅድሚ እዚ ግና ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ሰቢኹላ ነይሩ እዩ፡ ንሳ እውን ሰሚዓቶ እያ። ብዛዕባ እቲ ‘ንዓጺድ ዝጻዕደወ’ ግራውቲ ኺዛረብ ከሎ፡ እታ ሰበይቲ ብዛዕባ የሱስ ዝነገረቶም ሳምራውያን ተወሳኺ ኺፈልጡ ደልዮም ናብኡ ገጾም ይመጹ ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 4:9, 39-42) ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዚህብ ሓደ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ እዚ ዛንታ እዚ፡ “ህንጥዮት እቶም. . . ህዝቢ ንዓጺድ ከም ዝቐረበ እኽሊ ምዃኖም እዩ ኣርእዩ” ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ።

ግራውትና “ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ” ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)

3. ንሰባት ከምቲ የሱስ ዚርእዮም ጌርካ ትርእዮም እንተ ዄንካ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ስብከትካ ዚመሓየሽ፧

3 እሞ ደኣ ብዛዕባ እቶም ብስራት እትሰብከሎም ሰባት እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧ ንዓጺድ ከም ዝበጽሐ እኽሊ ጌርካ ዲኻ እትርእዮም፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ሰለስተ ነገር ክትገብር ኢኻ። ቀዳማይ፡ ብዝያዳ ናይ ህጹጽነት መንፈስ ክትሰብኽ ኢኻ። ከመይሲ፡ ግዜ ዓጺድ ንእተወሰነ እዋን እዩ ዚጸንሕ፣ ስለዚ ግዜ የልቦን። ካልኣይ፡ ሰባት ነቲ ብስራት ኪሰምዑ ምስ ረኣኻ ኽትሕጐስ ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት “ብግዜ ቐውዒ [ኸም] ዚሕጐሱ” ይገልጽ እዩ። (ኢሳ. 9:3) ሳልሳይ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ወደ መዝሙር ኪኸውን ተኽእሎ ኸም ዘለዎ ጌርካ ኽትርእዮ ኢኻ፣ ስለዚ ድማ፡ ንተገዳስነቱ ንምስሓብ ኣቀራርባኻ ኽትቀያይር ኢኻ።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኻብ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ክንምሃር ኢና፧

4 ገሊኦም ሰዓብቲ የሱስ ንሳምራውያን፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪዀኑ ኸም ዘይክእሉ ገይሮም ይርእይዎም ነይሮም እዮም፣ የሱስ ግና ከምኡ ገይሩ ኣይረኣዮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ተኽእሎ ኸም ዘለዎም ገይሩ እዩ ዚርእዮም ነይሩ። ንሕና እውን ኣብ ክልና ንዘለዉ ሰባት፡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ጌርና ኽንርእዮም ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ካብኡ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (1) ብዛዕባ እምነት እቶም ዚሰብከሎም ሰባት ብኸመይ ከም ዝፈለጠ፡ (2) ንተገዳስነቶም ብኸመይ ከም ዘስተውዓለ፡ (3) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንምዃን ተኽእሎ ኸም ዘለዎም ገይሩ ብኸመይ ከም ዝረኣዮም ክንምርምር ኢና።

እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧

5. ጳውሎስ ነቶም ኣብ ምኵራብ ዚእከቡ ሰባት ኪርድኣሎም ዚኽእል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ ነይሩ፧

5 ጳውሎስ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ምኵራባት ኣይሁድ ይሰብኽ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝነበረት ምኵራብ፡ ‘ሰለስተ ሰንበት ምስ ኣይሁድ ብቕዱሳት ጽሑፋት ተዛራሪቡ እዩ።’ (ግብ. 17:1, 2) ጳውሎስ ኣብ ምኵራብ ፍዅስ ይብሎ ነይሩ ይኸውን እዩ። ከመይሲ፡ ኣይሁዳዊ እዩ። (ግብ. 26:4, 5) ንኣይሁድ ኪርድኣሎም ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ብምትእምማን ኪሰብከሎም ይኽእል ነይሩ እዩ።—ፊል. 3:4, 5

6. እቶም ጳውሎስ ኣብ ዕዳጋ ኣቴና ዝረኸቦም ሰባት ካብቶም ኣብ ምኵራብ ዝሰበኸሎም ሰባት ብኸመይ እዮም እተፈልዩ ዝነበሩ፧

6 ጳውሎስ ፈለማ ኻብ ተሰሎንቄ፡ ድሕሪኡ ድማ ካብ ቤርያ ምስ ተሰጕጐ፡ ናብ ኣቴና ኸደ። ኣብኡ ድማ፡ “ኣብ ምኵራብ ምስ ኣይሁድን ንኣምላኽ ምስ ዜምልኹ ኻልኦትን . . . ይዛራረብ ነበረ።” (ግብ. 17:17) ኣብ ዕዳጋ ኺሰብኽ ከሎ ግና፡ እተፈልዩ ሰማዕቲ ኣጓነፍዎ። ገለ ኻብቶም ሰማዕቱ ንመልእኽቱ ኸም “ሓድሽ ትምህርቲ” ገይሮም ዝረኣዩ ፈላስፋታትን ካልኦት ኣህዛብን ነይሮም እዮም። ንሳቶም ድማ፡ “ንኣእዛንናስ ሓድሽ ነገር ኢኻ እተስምዓና ዘለኻ” በልዎ።—ግብ. 17:18-20

7. ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 17:22, 23፡ ጳውሎስ ንኣቀራርባኡ ዘተዓራረየ ብኸመይ እዩ፧

7 ግብሪ ሃዋርያት 17:22, 23 ኣንብብ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣቴና ዝነበሩ ኣህዛብ ከምቲ ኣብ ምኵራብ ንዚረኽቦም ኣይሁድ ገይሩ ኣይኰነን መልእኽቱ ኣቕሪቡሎም። ‘እዞም ሰብ ኣቴና እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧’ ኢሉ ገዛእ ርእሱ ሓቲቱ ኪኸውን ኣለዎ። ንኸባቢኡ ኣጸቢቑ ምስ ተዓዘበ ኸኣ፡ ነቲ ሃይማኖታዊ ልምድታቶም ኣስተብሃለሉ። ድሕሪኡ፡ ኣብ መንጎ ኣምልኾኦምን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ሓቅን ሓባራዊ ባይታ ኣናደየ። ሓደ ወሃብ ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣይሁዳዊ ክርስትያን ብምዃኑ፡ ኣረማውያን ዝዀኑ ግሪኻውያን ነቲ ኣይሁድን ክርስትያናትን ዜምልኽዎ ‘ናይ ሓቂ’ ኣምላኽ ከም ዘየምልኹ ይፈልጥ ነይሩ እዩ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኰይኑ ግና፡ እቲ ንሱ ዚሰብከሎም ኣምላኽ ከም ሓቂ ንኣቴናውያን ሓድሽ ከም ዘይኰነ ኼርኢ እዩ ጽዒሩ” ኢሉ ኣሎ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ኣብ ኣቀራርባኡ ተዓጻጻፊ ንምዃን ድሉው እዩ ነይሩ። ንሰብ ኣቴና ኸኣ መልእኽቱ ኻብቲ ኼምልኽዎ ዚጽዕሩ ዝነበሩ “ዘይተፈልጠ ኣምላኽ” ከም ዝመጸ እዩ ነጊርዎም። ኣህዛብ ንቕዱሳት ጽሑፋት ዘይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ጳውሎስ ብኣታቶም ተስፋ ኣይቈረጸን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንዓጺድ ከም ዝበጽሐ እኽሊ እዩ ርእይዎም፣ ነቲ ብስራት ዜቕርበሉ መገዲ ድማ ኣተዓራርዩ እዩ።

ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ብምስዓብ፡ ኣስተብሃሊ ኹን፡ ኣብ ኣቀራርባኻ ተዓጻጻፊ ኹን፡ ተኽእሎ ሰባት እውን ርአ (ሕጡብ ጽሑፍ 8, 12, 18 ርአ) *

8. (ሀ) ሃይማኖታዊ እምነት እቶም ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት ከመይ ጌርካ ኸተስተውዕል ትኽእል፧ (ለ) ሓደ ሰብ ናቱ ሃይማኖት ከም ዘለዎ እንተ ነጊሩካ፡ እንታይ ክትብሎ ትኽእል፧

8 ከም ጳውሎስ፡ ኣስተብሃሊ ኹን። እምነት እቶም ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት ንምፍላጥ ምልክታት ርአ። እቲ ብዓል ቤት ኣብ ቤቱ ወይ ኣብ ማኪናኡ እንታይ ስልማት ገይሩ ኣሎ፧ ስሙ፡ ኣድራሻኡ፡ ኣመለኻኽዓኡ፡ ወይ ቃላቱ ብዛዕባ ሃይማኖቱ ይሕብረካ ድዩ፧ ምናልባት ናቱ ሃይማኖት ከም ዘለዎ ነጊሩካ ይኸውን። ሓንቲ ፍሉቱራ ዝስማ ሓብቲ ኸምኡ ምስ ዜጋጥማ፡ “‘ከም ናተይ እምነት ይሃልወካ’ ኽብለካ ኢለ ኣይኰንኩን መጺአ፣ የግዳስ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸዛርበካ ኢለ እየ” ኢላ እያ እትምልስ።

9. ምስ ሓደ ሃይማኖተኛ ሰብ እንታይ ሓባራዊ ባይታ ኽትረክብ ትኽእል፧

9 ምስ ሃይማኖተኛታት ሰባት ብዛዕባ እንታይ ጕዳያት ክትመያየጥ ትኽእል፧ ሓባራዊ ባይታ ንምርካብ ጽዓር። ምናልባት ሓደ ኣምላኽ ጥራይ የምልኽ ይኸውን፣ ወይ ንየሱስ ከም መድሓኒ ደቂ ሰብ ገይሩ ይቕበሎ ይኸውን፣ ወይ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ዜብቅዕ ኽፉእ ዘመን ንነብር ከም ዘለና ይኣምን ይኸውን። ኣብቲ ሓባራዊ እምነታትኩም ተመስሪትካ፡ ነቲ ሰብ ብዚስሕቦ መገዲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቕርበሉ።

10. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንጽዕር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

10 ሰባት ንገለ ኻብቲ ሃይማኖቶም ዚምህሮ ትምህርቲ ኸይኣምኑሉ ኸም ዚኽእሉ እውን ኣብ ግምት ኣእቱ። ስለዚ፡ ሃይማኖት ሓደ ሰብ እንታይ ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጥካ እውን እንተ ዀነ፡ ንሱ ብውልቁ እንታይ ከም ዚኣምን ክትፈልጥ ፈትን። ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ዴቪድ ዝስሙ ፍሉይ ፈላሚ፡ “ሕጂ ብዙሓት ሰባት ንፍልስፍና ምስ ሃይማኖታዊ እምነታት ሓናፊጾም እዮም ዚኣምኑ” ይብል። ኣብ ኣልባንያ እትነብር ዶናልታ ኸኣ፡ “ገሊኦም ሰባት ሃይማኖት ከም ዘለዎም ይነግሩና፣ ጸኒሖም ግና ከም ሓቂ ብኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ ይነግሩና እዮም” ትብል። ኣብ ኣርጀንቲና ዚነብር ሚስዮናዊ ሓው ከም ዝገለጾ ድማ፡ ገሊኦም ሰባት ኣብ ስላሴ ዚኣምኑ ምዃኖም እኳ እንተ ተዛረቡ፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ምዃኖም ግና ኣይኣምኑን እዮም። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ነዚ ምስ እትፈልጥ፡ ምስቲ ሰብ እቲ ሓባራዊ ባይታ ንምንጻፍ ይቐልለካ እዩ” ይብል። ስለዚ፡ ሰባት ብሓቂ እንታይ ከም ዚኣምኑ ኽትፈልጥ ጽዓር። ድሕሪኡ ኸም ጳውሎስ፡ “ንዅሎም ዓይነት ሰባት ኵሉ” ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—1 ቈረ. 9:19-23

እንታይ እዩ ዜገድሶም፧

11. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 14:14-17 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ጳውሎስ መልእኽቱ ንሰብ ልስጥራ ብዚስሕብ መገዲ ኣቕሪቡሎም፧

11 ግብሪ ሃዋርያት 14:14-17 ኣንብብ። ጳውሎስ ንሰማዕቱ ዜገድሶም ነገራት የስተውዕል እሞ ኣቀራርባኡ የተዓራሪ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ልስጥራ እተዛረቦም ሰባት ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዙሕ ፍልጠት ኣይነበሮምን፡ ወይ እውን ጠሪሱ ፍልጠት ኣይነበሮምን። ስለዚ፡ ጳውሎስ ንዓታቶም ኪርድኦም ዚኽእል መረዳእታታት እዩ ተጠቒሙ። ብዛዕባ ፍርያም ወቕትን ዜሐጕስ ህይወትን ከኣ ተዛሪብዎም። ሰማዕቱ ብቐሊሉ ኺርድእዎ ዚኽእሉ ቓላትን ኣብነታትን ድማ ተጠቒሙ።

12. ከመይ ጌርካ ኢኻ ተገዳስነት ሓደ ሰብ ከተስተውዕልን ኣቀራርባኻ ኸተተዓራርን እትኽእል፧

12 ተገዳስነት ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት ንምስትውዓል ልቦናኻ ተጠቐመሉ፡ ኣብ ኣቀራርባኻ እውን ተዓጻጻፊ ኹን። ናብ ሓደ ሰብ ወይ ናብ ገዛኡ ኽትቀርብ ከለኻ፡ እንታይ ከም ዜገድሶ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ ኣብዚ እውን ኣስተብሃሊ ኹን። ምናልባት ኣትክልቲ ኪዅስኵስ፡ መጽሓፍ ኬንብብ፡ ማኪናኡ ኼዐሪ፡ ወይ ኣብ ካልእ ንጥፈት ኪሳተፍ ጸኒሑ ይኸውን። ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኺገብሮ ዝጸንሐ ነገር ስለምንታይ ምይይጥ ንምጅማር ዘይትጥቀመሉ፧ (ዮሃ. 4:7) ኣከዳድና እውን ብዛዕባ እቲ ሰብ ኪሕብረካ ይኽእል እዩ፣ ዜግነቱ፡ ስራሑ፡ ወይ ዚፈትዎ ጋንታ ስፖርት እንታይ ምዃኑ ኺነግረካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ጉስታቮ ኸምዚ ኢሉ ተመክሮኡ የዘንቱ፦ “ምስ ሓደ ኣብ ማልያኡ ስእሊ ውሩይ ደራፋይ ዝለጠፈ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ዝርርብ ጀሚረ። ብዛዕባኡ ምስ ሓተትክዎ፡ ነቲ ደራፋይ ስለምንታይ ከም ዚፈትዎ ነጊሩኒ። እዚ ዝርርብ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሑ፡ ሕጂ ድማ ሓውና ዀይኑ ኣሎ።”

13. ንሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ክትዕድሞ ከለኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ማራኺ ኽትገብረሉ እትኽእል፧

13 ንሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ክትዕድሞ ኸለኻ፡ ማራኺ ግበረሉ፣ መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዚሕግዞ ኣርእዮ። (ዮሃ. 4:13-15) ንኣብነት፡ ፖፒ ዝስማ ሓብቲ ናብ ቤት ሓንቲ ተገዳስነት ዘርኣየት ሰበይቲ ኽትኣቱ ተዓደመት። ፖፒ ኸኣ፡ እታ ሰበይቲ ብዛዕባ ትምህርቲ መጽናዕቲ ዝገበረት ፕሮፌሰር ከም ዝዀነት ዚሕብር ወረቐት ምስክር ኣብ መንደቕ ተሰቒሉ ምስ ረኣየት፡ ንሕና እውን ንሰባት ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብኣኼባታትን ኣቢልና ኸም እንምህር ኣጕልሓትላ። እታ ሰበይቲ ድማ መጽናዕቲ ኽትገብር ፍቓደኛ ዀነት፡ ንጽብሒቱ ናብ ኣኼባ ኸደት፡ ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት እውን ኣብ ኣኼባ ወረዳ ተኣከበት። ድሕሪ ዓመት ኣቢላ ኸኣ ተጠምቀት። እምበኣር፡ ‘ተመላሊስካ ምብጻሕ ንዝገብረሎም ሰባት እንታይ እዩ ዜገድሶም፧ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪስሕቦም ብዚኽእል መገዲ ኽገልጸሎምዶ እኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።

14. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ ከም ዚሰማምዖ ጌርካ ኽትመርሕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

14 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጀመርካ፡ መጽናዕቲ ብዝመራሕካ ቝጽሪ ንድሕረ ባይታን ተገዳስነትን ተምሃራይካ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣቐዲምካ ነንውልቂ ተዳሎ። ክትዳሎ ኸለኻ ድማ፡ እንታይ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተንብብ፡ እንታይ ቪድዮታት ከም እተርኢ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግላጽ እውን እንታይ ምሳሌታት ከም እትጥቀም ተዳሎ። ‘ንልቢ እዚ ተምሃራይ እዚ ዚማርኾን ዚትንክዮን እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። (ምሳ. 16:23) ኣብ ኣልባንያ፡ ፍሎራ ምስ ዝስማ ፈላሚት እተጽንዕ ዝነበረት ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ትምህርቲ ትንሳኤ ክቕበሎ ኣይክእልን እየ” ኢላታ። ፍሎራ ነቲ ትምህርቲ ኸተእምና ብዙሕ ኣይጸዓረትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ፈለማ ነቲ ትንሳኤ ዘተስፈወ ኣምላኽ ክትፈልጦ ኸም ዘለዋ ሓሲበ” ትብል። ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ዝገብራኦ መጽናዕቲ ፍቕርን ጥበብን ሓይልን የሆዋ ተጕልሕ ነይራ። ጸኒሓ እታ ተምሃሪት ብቐሊሉ ኣብ ትንሳኤ ኣሚና። ሕጂ፡ ብቕንኣት እተገልግል ናይ የሆዋ ምስክር እያ።

ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ተኽእሎ ኸም ዘለዎም ጌርካ ርኣዮም

15. ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 17:16-18፡ ኣብ ግሪኽ ዝነበረ እንታይ ነገር እዩ ንጳውሎስ ረቢሽዎ፧ ስለምንታይ እዩ ግና ብሰብ ኣቴና ተስፋ ዘይቈረጸ፧

15 ግብሪ ሃዋርያት 17:16-18 ኣንብብ። ኣቴና ብኣምልኾ ጣኦትን ምንዝርናን ኣረማዊ ፍልስፍናን ዝመልአት እኳ እንተ ነበረት፡ ጳውሎስ ግና ብሰብ ኣቴና ተስፋ ኣይቈረጸን፣ ጸርፎም እውን ኣይዓገቶን። ንሱ ንባዕሉ “ተጻራፍን ሰጓጕን ነቓጽን” እኳ እንተ ነበረ፡ ክርስትያን ኰይኑ እዩ። (1 ጢሞ. 1:13) ከምቲ የሱስ ነቲ ጳውሎስ ዝነበሮ ተኽእሎ ዝረኣየ፡ ጳውሎስ እውን ነቲ ሰብ ኣቴና ዝነበሮም ተኽእሎ ርእዩ እዩ። እዚ እምንቶኡ ድማ ጌጋ ኣይነበረን።—ግብ. 9:13-15፣ 17:34

16-17. ካብ ኵሉ ዓይነት ድሕረ ባይታ ዝዀኑ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እንታይ የርኢ፧ ኣብነት ሃብ።

16 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ድሕረ ባይታ እተኣኻኸቡ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኰይኖም እዮም። ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ ገሊኦም ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ ሓደ እዋን ገበነኛታት ከም ዝነበሩ ወይ ኣመና ብዕሉጋት ከም ዝነበሩ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ገሌኻትኩም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም። ግናኸ፡ . . . ተሓጺብኩም . . . ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (1 ቈረ. 6:9-11) እቶም ሰባት እቲኦም ተለዊጦም ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ተኽእሎ ኸም ዘለዎም ጌርካዶ ምረኣኻዮም፧

17 ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንምዃን ዜድሊ ለውጥታት ንምግባር ፍቓደኛታት ይዀኑ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ዩኪና ዝስማ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ፍልይቲ ፈላሚት፡ ኵሎም ዓይነት ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚቕበሉ ርእያ እያ። ሓደ ግዜ፡ ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጀልገድገድ ዝበለ ኽዳውንቲ እተኸድነት ውቃጦ ዝመልኣ ሰበይቲ ረኣየት። ዩኪና ድማ፡ “ኣብ ፈለማ፡ ሰገጥ ኢለ ነይረ፣ ድሕሪኡ ግና ክዛረባ ጀሚረ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያል ተገዳስነት ዘለዋ ዀይና እየ ረኺበያ፣ ገሊኡ ውቃጦኣ እኳ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ መዝሙር እተወስደ እዩ!” ትብል። ድሕርዚ፡ እታ ሰበይቲ ኸተጽንዕን ኣብ ኣኼባታት ክትእከብን ጀመረት። *

18. ንሰባት ክንፈርዶም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

18 የሱስ ነቲ እኽሊ ንዓጺድ ከም ዝበጽሐ ገይሩ ዝረኣዮ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ከም ዚስዕብዎ ስለ እተጸበየ ድዩ፧ ኣይፋልን። ብተዛማዲ ሒደት ጥራይ ብእኡ ኸም ዚኣምኑ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 12:37, 38) የሱስ ድማ ልቢ ሰባት ናይ ምንባብ ተኣምራዊ ኽእለት ነይርዎ እዩ። (ማቴ. 9:4) ኣብቶም ኣመንቲ ዚዀኑ ሒደት እኳ እንተ ኣተኰረ፡ ብቕንኣት ንዅሉ ሰቢኹ እዩ። ልቢ ሰባት ናይ ምንባብ ክእለት ዘይብልና ንሕና ግዳ ንኽሊ ወይ ንውልቀ ሰብ ምእንቲ ኸይንፈርድ ክንደይ ብዝያዳ ኽንጥንቀቕ ዘይግብኣና! ኣብ ክንዳኡስ፡ ተኽእሎ ሰባት ንርአ። ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዚነብር ማርክ ዝስሙ ሚስዮናዊ፡ “እቶም ዕቤት ኪገብሩ እዮም ዝብሎም ሰባት፡ ብዙሕ ግዜ መጽናዕቲ የቋርጹ እዮም። እቶም ነዊሕ ኣይከዱን እዮም ዝበልክዎም ግና ጽቡቕ ዕቤት ይገብሩ እዮም። ስለዚ፡ መንፈስ የሆዋ ኺመርሓና ምሕዳጉ ዝሓሸ ምዃኑ ተማሂረ እየ” ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ።

19. ኣብ ክልና ንዘለዉ ሰባት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮም ዘሎና፧

19 ንኽልና ኣብ ፈለማ ኽንርእዮ ኸለና፡ ብዙሕ ንዓጺድ ዝበጽሐ እኽሊ ኸም ዘይብሉ ይመስለና ይኸውን። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ከም ዝበሎም ግና ንዘክር። እቲ ግራውቲ ጻዕድዩ፡ ማለት ንዓጺድ ተዳልዩ እዩ ነይሩ። ሰባት ተቐዪሮም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ንሰባት፡ ደቀ መዛሙርቲ ንምዃን ተኽእሎ ኸም ዘለዎም፡ ከምኡ ድማ ከም “ክቡር ነገራት” ገይሩ እዩ ዚርእዮም። (ሃጌ 2:7) ብዛዕባ ሰባት ከም ናይ የሆዋን ከም ናይ የሱስን ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና፡ ብዛዕባ ድሕረ ባይታኦምን ተገዳስነቶምን ክንፈልጥ ኢና። ጠሪስና ኸም ዘይንፈልጦም ጌርና ዘይኰነስ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ጌርና ኽንርእዮም ኢና።

መዝሙር 57 ንዅሉ ዓይነት ሰብ ንስበኽ

^ ሕ.ጽ. 5 ብዛዕባ ኽልና ዘሎና ኣረኣእያ ንእንሰብከሉን ንእንምህረሉን መገዲ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስን ሃዋርያ ጳውሎስን ብዛዕባ ሰማዕቶም እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮም፡ ንሕና እውን ንእምነትን ንተገዳስነትን ንተኽእሎን እቶም እንረኽቦም ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው ከመይ ጌርና ንየሱስን ንሃዋርያ ጳውሎስን ክንመስሎም ከም እንኽእል ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 17 ኣብታ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስታ ዓምዲ ዚወጽእ ዓንቀጻት፡ ሰባት ኪቕየሩ ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ ተወሳኺ ኣብነታት ኣሎ። እዛ ዓምዲ እዚኣ፡ ክሳዕ 2017 ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ትወጽእ ነይራ። ሕጂ ድማ ኣብ jw.org® ትወጽእ ኣላ። ኣብ ትሕቲ ብዛዕባና > ተመክሮታት ርአ።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ሰብ ሓዳር ኣብ በቤት እናኸዱ ኼገልግሉ ኸለዉ፡ (1) ሓደ ቤት ብጽፈት ከም እተታሕዘን ብዕምባባታት ከም እተሰላለመን፡ (2) ኣብቲ ሓደ ቤት ቈልዑ ኸም ዘለዉ፡ (3) ሓደ ቤት ብውሽጡን ብደጊኡን ከም ዝወዘለ፡ (4) ኣብቲ ሓደ ቤት ድማ ሃይማኖተኛታት ከም ዘለዉ የስተብህሉ። ኣበየናይ ኢኻ ወደ መዝሙር ንምዃን ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ ኽትረክብ እትኽእል፧