ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 18

‘እቲ ጕያ ወድእ’

‘እቲ ጕያ ወድእ’

“እቲ ጕያ ወዲአ።”—2 ጢሞ. 4:7

መዝሙር 129 ክንጻወር ኢና

መላለዪ *

1. ኵላትና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

ሓሚምካ ወይ ደኺምካ ኸለኻ፡ ኣብ ሓደ ኸቢድ ቅድድም ጕያ ኽትሳተፍ ምደለኻዶ፧ ኣይምደለኻን። ሃዋርያ ጳውሎስ ግና ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ቅድድም ከም ዘለዉ ገሊጹ እዩ። (እብ. 12:1) ንኣሽቱ ዀንና ዓበይቲ፡ ድልዱላት ንኹን ድኹማት፡ ኵላትና ነቲ የሆዋ ዘቕረበልና ሽልማት ንምርካብ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኽንጻወር ኣሎና።—ማቴ. 24:13

2. ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4:7, 8 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ጳውሎስ ተቢዑ ኺዛረብ ይኽእል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

2 ጳውሎስ፡ ‘እቲ ጕያ ስለ ዝወድአ፡’ ተቢዑ ኺዛረብ ይኽእል ነይሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:7, 8 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ ጕያ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧

ቅድድም ጕያ እንታይ እዩ፧

3. ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ ቅድድም ጕያ እዩ ተዛሪቡ፧

3 ጳውሎስ በቲ ኣብ ጥንታዊ ግሪኽ ዚግበር ዝነበረ ጸወታታት ገይሩ ኣገዳሲ ትምህርትታት ምሂሩ እዩ። (1 ቈረ. 9:25-27፣ 2 ጢሞ. 2:5) ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት፡ ንክርስትያናዊ ህይወት ምስ ቅድድም ጕያ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (1 ቈረ. 9:24፣ ገላ. 2:2፣ ፊል. 2:16) ሓደ ሰብ ርእሱ ንየሆዋ ወፍዩ ኺጥመቕ ከሎ፡ ነዚ “ጕያ” እዚ ይጅምር እዩ። (1 ጴጥ. 3:21) ካብ የሆዋ ሽልማት ናይ ዘለኣለም ህይወት ምስ ረኸበ ድማ፡ ነታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ይሰግር እዩ።—ማቴ. 25:31-34, 46፣ 2 ጢሞ. 4:8

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

4 ኣብ መንጎ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጕያን ክርስትያናዊ ህይወትን እንታይ ምስስላት ኣሎ፧ ብዙሕ ዜመሳስሎ ነገራት ኣሎ። ሰለስተ ኻብኡ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ቅኑዕ መገዲ ኽንስዕብ ኣሎና፣ ካልኣይ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ከነተኵር ኣሎና፣ ሳልሳይ፡ ኣብ መገዲ ንዜጋጥመና ብድሆታት ክንሰግሮ ኣሎና።

ቅኑዕ መገዲ ስዓብ

ኵላትና ነቲ ክርስትያናዊ መገዲ ህይወት ክንስዕብ ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 5-7 ርአ) *

5. እንታይ መገዲ ኢና ኽንስዕብ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

5 ቃል ብቓሉ ኣብ ዚግበር ጕያ፡ ጐየይቲ ነቲ እቶም ኣዳለውቲ ዝሓንጸጹሎም መገዲ ኺስዕቡ ኣለዎም። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ሽልማት ናይ ዘለኣለም ህይወት እንተ ደሊና፡ መገዲ ክርስትያናዊ ህይወት ክንስዕብ ኣሎና። (ግብ. 20:24፣ 1 ጴጥ. 2:21) ሰይጣንን ኣብነቱ ዚስዕቡ ዘበሉን ግና ካልእ መገዲ ኽንስዕብ እዮም ዚደልዩ፣ ‘ምሳታቶም ክንጐዪ’ ይደልዩና እዮም። (1 ጴጥ. 4:4) ነቲ እንስዕቦ መገዲ ህይወት የላግጹሉ እዮም፡ እቲ መገዶም ዝሓሸ ኸም ዝዀነን ናብ ናጽነት ከም ዚመርሕን ይማጐቱ እዮም። መጐተኦም ግና ሓሶት እዩ።—2 ጴጥ. 2:19

6. ካብ ኣብነት ብራያን እንታይ ተማሂርካ፧

6 ምስቶም ብናይ ሰይጣን ዓለም እተጸልዉ ሰባት ሓቢሮም ዚጐይዩ ዘበሉ፡ እቲ ዝመረጽዎ መገዲ ናብ ባርነት ደኣ እምበር፡ ናብ ናጽነት ከም ዘይመርሕ ነዊሕ ከይጸንሑ ይፈልጡ እዮም። (ሮሜ 6:16) ኣብነት ብራያን እስከ ንርአ። ወለዱ ብመገዲ ክርስትያናዊ ህይወት ኪመላለስ እዮም ዜተባብዕዎ ነይሮም። መንእሰይ ምስ ኰነ፡ እቲ መገዲ ዜሐጕሶ እንተ ዀይኑ ኺጠራጠር ጀመረ። ስለዚ፡ ምስቶም ብስርዓታት ሰይጣን ዚመላለሱ ኺጐዪ ወሰነ። ብዛዕባኡ ድማ፡ “እቲ ዝምነዮ ዝነበርኩ ናጽነት፡ ናብ ጐዳኢ ኣመላት ከም ዚመርሓኒ ኣይተገንዘብኩን ነይረ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ሓሽሽ እወስድን ኣልኮላዊ መስተ አብዝሕን ርኹስ ናብራ እነብርን ነበርኩ። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ሓያሎ ዓመታት፡ ቀስ ብቐስ ሓያል ሓሽሽ እወስድ ስለ ዝነበርኩ፡ ባርያ እተፈላለየ ዓይነት ሓሽሽ ኰንኩ። . . . ንገዛእ ርእሰይ ንምድጋፍ [ድማ] ሓሽሽ ክሸይጥ ጀመርኩ” ይብል። ኣብ መወዳእታ፡ ብራያን ብስርዓታት የሆዋ ኺነብር ወሰነ። መገዱ ቐዪሩ ድማ፡ ብ2001 ተጠምቀ። ሕጂ መገዲ ክርስትያናዊ ህይወት ይስዕብ ብምህላዉ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣለዎ። *

7. ብመሰረት ማቴዎስ 7:13, 14፡ እንታይ ክልተ መገዲ እየን ኣብ ቅድሜና ዘለዋ፧

7 እምበኣር፡ ቅኑዕ መገዲ ኽንመርጽ ኣሎና። ሰይጣን ንዅላትና በታ “ናብ ህይወት እትወስድ” ቀጣን መገዲ ምጕያይ ሓዲግና፡ ናብታ መብዛሕትኦም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዚመላለሱላ ገፋሕ መገዲ ኽንመላለስ እዩ ዚደልየና። እታ መገዲ እቲኣ ብዙሓት ዚፈትውዋን ቀላልን እያ። ግናኸ፡ “ናብ ጥፍኣት እትወስድ” እያ። (ማቴዎስ 7:13, 14 ኣንብብ።) ብቕንዕቲ መገዲ ምእንቲ ኽንመላለስን ካብታ መገዲ ምእንቲ ኸይነላግስን፡ ንየሆዋ ኽንኣምኖን ክንሰምዖን ኣሎና።

ኣተኵር፡ ኣይትተዓንቀፍ፡ መዕንቀፊ እውን ኣይትኹን

ነተኵር፡ መዐንቀፊ እውን ኣይንኹን (ሕጡብ ጽሑፍ 8-12 ርአ) *

8. ሓደ ጐያዪ እንተ ተዓንቂፉ፡ እንታይ እዩ ዚገብር፧

8 ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ዚቀዳደሙ ተወዳደርቲ ምእንቲ ኸይዕንቀፉ፡ ቀቅድሚኦም ዘሎ እናጠመቱ እዮም ዚጐይዩ። ኰይኑ ግና፡ ብኻልእ ጐያዪ ኺዕንቀፉ ወይ ብንእሽቶ ጕድጓድ ኪዕንቀፉ ይኽእሉ እዮም። እንተ ወዲቖም፡ ተንሲኦም ጕያኦም ይቕጽሉ እዮም። ብቐዳምነት ኣብቲ መዐንቀፊ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽን ኣብቲ ተስፋ ዚገብሩሉ ሽልማቶምን እዮም ዜተኵሩ።

9. እንተ ተዓንቂፍና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

9 ኣብ ጕያና፡ ብዙሕ ሳዕ ንዕንቀፍ ኢና፡ ማለት ኣብ እንብሎ ወይ ኣብ እንገብሮ ብዙሕ ሳዕ ንጋገ ኢና። ወይ ድማ መጓይይትና ዚጐድኣና ጌጋታት ይገብሩ ይዀኑ። እዚ ዘይንጽበዮ ነገር ኣይኰነን። ኵላትና ዘይጹማት ኢና፣ ኵላትና እውን በታ ጸባብ መገዲ ህይወት ኢና እንጐዪ ዘለና። ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ንሓድሕድና “ንዳፋፋእ” ንኸውን ኢና። ጳውሎስ እውን፡ ሓድሓደ ግዜ ሓደ ኣብቲ ሓደ “ቕር ዜብል ነገር” ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ገሊጹ ኣሎ። (ቈሎ. 3:13) ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ መዐንቀፊና ኣብ ክንዲ እነተኵር፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሽልማት ነተኵር። እንተ ተዓንቂፍና፡ ተንሲእና ንጕየ። ሕኒን በሃልትን ተቐየምትን እንተ ዄንና እሞ ምትንሳእ እንተ ኣቢና፡ ናብታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ኣይክንበጽሕን፡ ሽልማትና እውን ኣይክንረክብን ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብታ ናብ ህይወት እትወስድ ጸባብ መገዲ ንዚጐይዩ ኻልኦት ዕንቅፋት ክንከውን ንኽእል ኢና።

10. ከመይ ጌርና ኢና ንኻልኦት “መዐንቀፊ” ኻብ ምዃን እንቝጠብ፧

10 ሓደ ኻብቲ ንመጓይይትና “መዐንቀፊ” ኻብ ምዃን እንቝጠበሉ መዳይ፡ መሰልና ኸም ዝዀነ ጥራይ ኣብ ክንዲ እንማጐት ዚከኣል እንተ ዀይኑ ንምርጫኦም ብምኽባር እዩ። (ሮሜ 14:13, 19-21፣ 1 ቈረ. 8:9, 13) በዚ ኣገዳሲ መገዲ እዚ ኸኣ፡ ከምቶም ቃል ብቓሉ ጐየይቲ ኣይኰንናን። ንሳቶም ንሓድሕዶም እዮም ዚወዳደሩ፣ ነፍሲ ወከፍ ጐያዪ ድማ ነቲ ሽልማት ንበይኑ ኺወስድ እዩ ዚጽዕር። ብቐዳምነት ከኣ ብዛዕባ ጥቕሞም እዮም ዚሓስቡ። ስለዚ፡ ናብ ቅድሚት ንምኻድ ኪዳፍኡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መንጎና ግና ውድድር የልቦን። (ገላ. 5:26፣ 6:4) ሸቶና ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ነታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ክሰግሩን ሽልማት ህይወት ኪረኽቡን ምሕጋዝ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ፡ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ኽንዓይየሉ ንጽዕር ኢና።—ፊል. 2:4

11. ጐያዪ ኣብ ምንታይ እዩ ዜተኵር፧ ስለምንታይከ፧

11 ጐየይቲ ነቲ ቐቅድሚኦም ዘሎ መገዲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ እውን የተኵሩ እዮም። ነታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ብዓይኖም ኪርእይዋ ዘይክእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነታ ሕንጻጽ ኪሰግርዋን ሽልማቶም ኪቕበሉን ከለዉ ብኣእምሮኦም ይስእልዎ እዮም። ኣዘውቲሮም ብዛዕባ እቲ ሽልማት ምሕሳቦም ድማ፡ ንፍናኖም የለዓዕሎ እዩ።

12. እንታይ እዩ የሆዋ ብለውሃት ኣዳልዩልና ዘሎ፧

12 ኣብቲ ንሕና እንጐይዮ ጕያ፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ነቲ ጕያ እንተ ወዲኦም ዓስቢ ኸም ዚህቦም ውሕስነት ኣትዩሎም ኣሎ፣ እቲ ዓስቢ ኸኣ ኣብ ሰማይ ወይ ገነት ኣብ እትኸውን ምድሪ ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ህይወትና ኽሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ከም ዚኸውን ብኣእምሮና ምእንቲ ኽንስእሎ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ ዓስቢ እዚ ይገልጸልና እዩ። ነቲ ተስፋ እቲ ኣብ ኣእምሮናን ኣብ ልብናን ብዝያዳ ህያው ብዝገበርናዮ መጠን፡ ዝዀነ ይኹን መዐንቀፊ ንሓዋሩ ኣይኪዕንቅፈናን እዩ።

ብድሆታት እኳ እንተ ኣጋጠምካ፡ ጕያኻ ቐጽል

ብሕታዊ ጸገማት እናሃለወና ኽነሱ፡ ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ጕያ ኽንቅጽል ንደሊ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 13-20 ርአ) *

13. እቶም ቃል ብቓሉ ጐየይቲ ዘይብሎም እንታይ ነገር እዩ ዘሎና፧

13 ኣብ ጸወታታት ግሪኽ ዚጐይዩ ዝነበሩ ጐየይቲ ኸም ድኻምን ስቓይን ዝኣመሰለ ብድሆታት ኪሰግሩ ነይርዎም እዩ። ነዚ ምእንቲ ኪኽእልዎ፡ ስልጠናኦምን ብርታዐኦምን ጥራይ እዩ ዚሕግዞም ነይሩ። ንሕና እውን ኣብቲ ጕያ ብኸመይ ከም እንጐዪ ስልጠና ንረክብ ኢና። ግናኸ፡ እቶም ጐየይቲ እቲኦም ዘይብሎም ነገር ኣሎና። ካብቲ ዘይውዳእ ሓይሊ ኣምላኽ ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ናብ የሆዋ እንተ ተጸጊዕና፡ ከም ዜሰልጥነና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ዜበርትዓና እውን ቃል ኣትዩልና እዩ።—1 ጴጥ. 5:10

14. ብድሆታት ንምስጋር፡ 2 ቈረንቶስ 12:9, 10 ብኸመይ ትሕግዘና፧

14 ጳውሎስ ብዙሕ ብድሆታት ነይርዎ እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ዘጋጥሞ ዝነበረ ጸርፍን መስጐጕትን፡ ሓድሓደ ግዜ ይደክም ነይሩ እዩ፣ ነቲ “ኣብ ስጋይ እሾዅ” ዝበሎ ነገር እውን ክጻወር ነይርዎ እዩ። (2 ቈረ. 12:7) በዚ ብድሆታት እዚ ኣብ ክንዲ ዚሕለል ግና፡ እዚ ናብ የሆዋ ንምጽጋዕ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ርእይዎ። (2 ቈረንቶስ 12:9, 10 ኣንብብ።) ነዚ ኣረኣእያ እዚ ብምሓዙ ኸኣ፡ ኣብ ኵሉ ፈተናታቱ የሆዋ ሓጊዝዎ እዩ።

15. ንጳውሎስ እንተ መሲልናዮ፡ እንታይ ኢና እንርኢ፧

15 ንሕና እውን ብእምነትና ንጽረፍ ወይ ንስጐጕ ንኸውን። ጸገም ጥዕና ወይ ኣካላዊ ድኻም ይህልወና ይኸውን። ንጳውሎስ እንተ መሲልናዮ ግና፡ ኵሉ እዚ ብድሆታት እዚ፡ ፍቕራዊ ደገፍ የሆዋ እንርእየሉ ኣጋጣሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

16. ጽቡቕ ጥዕና ዘይብልካ እኳ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

16 ኣብ ዓራት ደቂስካ ወይ ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ኮፍ ኢልካ እትውዕል ዲኻ፧ ኣብራኽካ ደኺመን ወይ ኣዒንትኻ ሓሚቐን ድየን፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ምስ መንእሰያትን ጥዑያትን ሓቢርካ ኽትጐዪ ትኽእል ዲኻ፧ ብርግጽ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡን ዝማሰኑን ክርስትያናት ኣብ መገዲ ህይወት ይጐይዩ ኣለዉ። ነዚ ዕዮ እዚ ብሓይሎም ኪገብርዎ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ብመስመር ተሌፎን ብምስማዕ ወይ ብቪድዮ ብምክትታል እዮም ካብ የሆዋ ብርታዐ ዚረኽቡ። ንሓካይምን ንኣለይቲ ሕሙማትን ንኣዝማዶምን ብምምስካር ከኣ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ይሳተፉ እዮም።

17. የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣካላዊ ዓቕሞም ድሩት ዝዀነ ሰባት ከመይ ይስምዖ፧

17 ኣካላዊ ዓቕምኻ ድሩት ምዃኑ ኣብ መገዲ ህይወት ንምጕያይ ዓቕሚ ኸም ዘይብልካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። የሆዋ በቲ ኣብኡ ዘሎካ እምነትን በቲ ዘርኣኻዮ ተጻዋርነትን እዩ ዜፍቅረካ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሓገዙ የድልየካ ኣሎ፣ ንሱ እውን ኣይኪሓድገካን እዩ። (መዝ. 9:10) ኣብ ክንዳኡስ፡ ናባኻ ብዝያዳ ኪቐርብ እዩ። ሓንቲ ኸቢድ ጸገም ጥዕና ዘለዋ ሓብቲ ኸምዚ ዚብል ሓሳብ ሂባ ኣላ፦ “ጸገማት ጥዕናይ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ንምንጋር ዘሎኒ ኣጋጣሚ እናነከየ እዩ ኸይዱ። ኰይኑ ግና፡ ንእሽቶ ጻዕርታተይ እኳ ንልቢ የሆዋ ኸም ዘሐጕሶ እፈልጥ እየ፣ እዚ ድማ የሐጕሰኒ እዩ።” ተስፋ ኽትቈርጽ ከለኻ፡ በይንኻ ኸም ዘይተሓደግካ ዘክር። ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ሕሰብ፣ ነቲ፡ “ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ . . . ብድኻም . . . ባህ ይብለኒ እዩ” ዚብል ዜተባብዕ ቃላቱ እውን ዘክር።—2 ቈረ. 12:10

18. ገሊኦም እንታይ ፍሉይ ጸገም እዩ ዘለዎም፧

18 ገሊኦም ኣብታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ዚጐይዩ ሰባት ካልእ ብድሆ የጋጥሞም እዩ። ካልኦት ዘይርእይዎን ዘይርድእዎን ብሕታዊ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ንኣብነት፡ ሕዱር ጭንቀት ይህልዎም ይኸውን። እዞም ፍቑራት ኣገልገልቲ የሆዋ ፍሉይ ጸገም ዜጋጥሞም ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰብ ኢዱ እንተ ተሰይራ ወይ ብብሽክለታ ስንኩላን ዚንቀሳቐስ እንተ ዀይኑ፡ ኵሉ ሰብ ንጸገሙ ይርእዮን ኪሕግዞ ይድረኽን እዩ። እቶም ስምዒታዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎም ግና ብደገ ጸገሞም ኣይርአን ይኸውን። ጭንቆም ማዕረ እቲ መሓውሩ እተሰብረ እኳ እንተ ዀነ፡ ማዕረ ርሕራሐ ኣይረኽቡን ይዀኑ።

19. ካብ መፊቦሸት እንታይ ንምሃር፧

19 ዓቕምኻ ድሩት እንተ ዀይኑ እሞ ሰብ ዘይርድኣካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ኣብነት መፊቦሸት ኬበርትዓካ ይኽእል እዩ። (2 ሳሙ. 4:4) መፊቦሸት ለሚሱ እዩ ነይሩ፣ ንጉስ ዳዊት እውን ብጌጋ ፈሪድዎ እዩ። መፊቦሸት ነዚ ፈተናታት እዚ ባዕሉ ኣይኰነን ኣምጺእዎ። ኰይኑ ግና፡ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣይሓዘን፣ የግዳስ፡ ነቲ ኣብ ህይወቱ ዝረኸቦ ኣወንታዊ ነገራት የማስወሉ ነይሩ እዩ። ስለቲ ዳዊት ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝገበረሉ ጽቡቕ የመስግን ነይሩ እዩ። (2 ሳሙ. 9:6-10) ስለዚ፡ ዳዊት ብጌጋ ምስ ፈረዶ፡ ንሱ ንዅሉ እቲ ዅነታት እዩ ኣብ ግምት ኣእትዩ። በቲ ዳዊት ዝገበሮ ጌጋ ኣይተመረረን። ብሰንኪ እቲ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ድማ ንየሆዋ ኣይወቐሶን። የግዳስ፡ ነቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስ ኣብ ምሕጋዝ እዩ ኣተኲሩ። (2 ሳሙ. 16:1-4፣ 19:24-30) የሆዋ ነቲ መፊቦሸት ዝሓደጎ ብሉጽ ኣብነት፡ ንጥቕምና ኢሉ ኣብ ቃሉ ኸም ዚምዝገብ ገይሩ ኣሎ—ሮሜ 15:4

20. ጭንቀት ንገሊኦም ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል፧ ግናኸ፡ ብዛዕባ እንታይ እዮም ኪተኣማመኑ ዚኽእሉ፧

20 ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሕ ስለ ዚጭነቑ፡ ኣብ መዓልታዊ ዚግበር ማሕበራዊ ርክባት ንምስታፍ ኣመና ይፈርሁን ይስከፉን እዮም። ሰባት ኣብ እተኣከቡሉ ምዃን ዜጸግሞም እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ኣኼባታት ጉባኤን ካብ ኣኼባታት ወረዳን ካብ ኣኼባታት ዞባን ግና ኣይበዅሩን እዮም። ንዘይፈልጥዎ ሰብ ምዝራብ ዚኸብዶም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ግና ንሰባት ይዛረብዎም እዮም። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ በይንኻ ዘይምዃንካ ኸነረጋግጸልካ ንፈቱ። ብዙሓት ሰባት ተመሳሳሊ ቓልሲ ኣለዎም እዩ። የሆዋ በቲ ብምሉእ ነፍስኻ እትገብሮ ጻዕሪ ባህ ከም ዚብሎ ዘክር። ክሳዕ ሎሚ ዘይምሕላልካ እኳ ይባርኸካን ዜድልየካ ብርታዐ ይህበካን ከም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ እዩ። * (ፊል. 4:6, 7፣ 1 ጴጥ. 5:7) ብኣካላዊ ወይ ብስምዒታዊ መዳይ ዓቕምኻ ድሩት ክነሱ ንየሆዋ ተገልግሎ እንተ ኣሊኻ፡ ንየሆዋ ባህ ተብሎ ኸም ዘለኻ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።

21. ብሓገዝ የሆዋ፡ ኵላትና እንታይ ክንገብር ንኽእል ኢና፧

21 እቲ ዜሐጕስ፡ ኣብ መንጎ እቲ ቓል ብቓሉ ዚግበር ጕያን ኣብ መንጎ እቲ ጳውሎስ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጕያን ፍልልያት ኣሎ። ኣብቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቓሉ ዚገበር ጕያ፡ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ሽልማት ዚረክብ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ክርስትያናዊ መገዲ እንገብሮ ጕያ ግና፡ ብተኣማንነት ዚጻወር ዘበለ ዅሉ፡ ሽልማት ናይ ዘለኣለም ህይወት ይቕበል እዩ። (ዮሃ. 3:16) ኣብቲ ቓል ብቓሉ ዚግበር ጕያ፡ ኵሎም ጐየይቲ ኣካላዊ ብቕዓት ዘለዎም ኪዀኑ ኣለዎም፣ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንምዕዋት ዘለዎም ዕድል ኣመና ይጸብብ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ብዙሓት ካባና ኣካላዊ ዓቕምና ድሩት ክነሱ፡ ንጻወር ኣለና። (2 ቈረ. 4:16) ብሓገዝ የሆዋ ኸኣ፡ ኵላትና ነቲ ጕያ ኽንውድኦ ኢና!

መዝሙር 144 ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!

^ ሕ.ጽ. 5 ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ብእርጋን ይሽገሩ ኣለዉ፣ ሓያሎ እውን ዜማስን ሕማም ኣለዎም። ኵላትና ድማ ሓድሓደ ግዜ ንደክም ኢና። ስለዚ፡ ኣብ ጕያ ምስታፍ ኢልና ኽንሓስብ ከለና፡ ከቢድ ይመስለና ይኸውን። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከመይ ጌርና ዅላትና ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረበሉ ንህይወት ዚግበር ጕያ ብተጻዋርነት ክንጐዪን ክንዕወትን ከም እንኽእል ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 20 ንጭንቀት ብኸመይ ከም እትኽእሎ ዚገልጽ ተወሳኺ ግብራዊ ሓሳባትን ተመክሮታት እቶም ጭንቀት ተጻዊሮም ዚነብሩ ሰባትን እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org®፡ ናይ ግንቦት 2019 ፈነወ ርአ። ኣብ ትሕቲ ቤተ መጻሕፍቲ > ፈነወ JW (እንግሊዘኛ)።

^ ሕ.ጽ. 63 መግለጺ ስእሊ፦ እዚ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ኣብ ኣገልግሎት ትሑዝ ምዃኑ፡ ኣብ ክርስትያናዊ መገዲ ኺመላለስ ይሕግዞ።

^ ሕ.ጽ. 65 መግለጺ ስእሊ፦ ንኻልኦት ኣልኮላዊ መስተ ኺውስኹ ግዲ ብምባል ወይ ንርእስና እውን ይኣኽለኒ ብዘይምባል፡ መዐንቀፊ ኽንከውን ንኽእል።

^ ሕ.ጽ. 67 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ኣብ ሆስፒታል ምስ ደቀሰ እውን እንተ ዀነ፡ ነቶም ዚከናኸንዎ ሰብ ሞያ ብምምስካር ኣብቲ ክርስትያዊ ጕያ ይቕጽል።