ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ካብቲ ኣብ መዝሙር 22:1 ዚርከብ ቃላት ዳዊት ዝጠቐሰ ስለምንታይ እዩ፧

ካብተን የሱስ ቅድሚ ሙማቱ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቓላቱ፡ እተን ኣብ ማቴዎስ 27:46 ዚርከባ፡ “ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧” ዚብላ ቓላት ኪጥቀሳ ይከኣላ እየን። የሱስ ከምዚ ኢሉ ብምዝራብ ንቓላት እቲ ኣብ መዝሙር 22:1 ዚርከብ ዳዊት እቲ ዘማሪ ፈጺምዎ እዩ። (ማር. 15:34) የሱስ ነዘን ቃላት እዚአን ዝጠቐሰ ከምቲ እተጸበዮ ብዘይምርካቡ ስለ ዝጐሃየ ወይ ንእተወሰነ እዋን እምነት ስለ ዝጐደሎ ጌርና ምድምዳም ትኽክል ኣይኰነን። ስለምንታይ ኪመውት ከም ዝነበሮ ምሉእ ብምሉእ ይርድኦ ነይሩ እዩ፣ ከምኡ ንምግባር ከኣ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 16:21፣ 20:28) ብዘይካዚ ድማ ኣብቲ ዝሞተሉ እዋን፡ የሆዋ ነቲ “ዜዕቍቦ ሓጹር” ከም ዜልግስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (እዮ. 1:10) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሱስ ኣማውታኡ ኽሳዕ ክንደይ ይጸንክር ብዘየገድስ እሙን ኪኸውን ምዃኑ ብዘየማትእ ኬርኢ የሆዋ ፈቒዱ እዩ።—ማር. 14:35, 36

እሞ ደኣ ስለምንታይ እዩ የሱስ ነዚ ኣብ መዝሙር ዚርከብ ቃላት ተዛሪቡ፧ ብርግጽ ንፈልጥ እኳ እንተ ዘይኰንና ገለ ኻብቲ ኪኸውን ዚኽእል ምኽንያታት እስከ ንርአ። *

የሱስ ነዘን ቃላት እዚአን ብምውሳእ፡ ኣብ ሞቱ የሆዋ ጣልቃ ከም ዘይኣቱ የጕልሕ ነይሩ ደዀን ይኸውን፧ የሱስ ብዘይ ሓገዝ የሆዋ በጃ ኪኸፍል ነይርዎ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰብ እዩ ነይሩ፣ “ኣብ ክንዲ ዅሉ ሞት [ምእንቲ] ኪጥዕም” ድማ ኪመውት ነይርዎ እዩ።—እብ. 2:9

የሱስ ካብታ መዝሙር ሒደት ቃላት ብምጥቃስ፡ ናብ ብዘላ እታ መዝሙር ከም ዚትኰር ይገብር ነይሩ ደዀን ይኸውን፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣይሁድ ሓያሎ መዝሙራት ይሽምድዱ ነይሮም እዮም። ሓንቲ ፍቕዲ እንተ ሰሚዖም፡ ንብዘላ እታ መዝሙር ይዝክርዋ ነይሮም እዮም። የሱስ ከምኡ ኺገብር ደልዩ እንተ ነይሩ፡ ነቶም ኣይሁድ ሰዓብቱ ነቲ ኣብታ መዝሙር ምስ ሞቱ ዚተሓሓዝ ሓያሎ ትንቢታት ኣዘኻኺርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መዝ. 22:7, 8, 15, 16, 18, 24) ኣብ ኣጋ መወዳእታ እታ መዝሙር ድማ፡ ንግስነት የሆዋ ዚረኽቦ ዓወት ክሳብ መወዳእታ ምድሪ ከም ዚዝርጋሕ ተገሊጹ ኣሎ።—መዝ. 22:27-31

የሱስ ካብ ቃላት ዳዊት ብምጥቃስ፡ ንጹህ ምዃኑ የጕልሕ ነይሩ ደዀን ይኸውን፧ የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ብዘይሕጋዊ ፍርዲ ንኣምላኽ ጸሪፍካ ተባሂሉ ተፈሪድዎ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 26:65, 66) እቲ ዋዕላ ለይቲ ብሃታሃታ እዩ ተኣኪቡ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ቕቡል ዝነበረ ሕጋዊ ስርዓታት ጠሪሱ ኣይሰማማዕን እዩ ነይሩ። (ማቴ. 26:59፣ ማር. 14:56-59) የሱስ ነታ ኸም እትሓስብ እትገብር ሕቶ ብምሕታት፡ እቲ ዓይነት መቕጻዕቲ እቲ ኸም ዘይግብኦ የጕልሕ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

የሱስ፡ እቲ ነዛ መዝሙር እዚኣ ዝጸሓፋ ዳዊት መከራ እኳ እንተ ወረዶ፡ እዚ ግና ሞገስ የሆዋ ኸም ዝሰኣነ ዜመልክት ከም ዘይኰነ ደዀን የዘኻኽር ነይሩ ይኸውን፧ እዛ ዳዊት ዘልዓላ ሕቶ፡ እምነት ከም ዝጐደሎ እተርኢ ኣይኰነትን። ነዛ ሕቶ እዚኣ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኣብ ድሕነት የሆዋ እምንቶ ኸም ዘለዎ ገሊጹ እዩ፡ የሆዋ እውን ብቐጻሊ ባሪኽዎ እዩ። (መዝ. 22:23, 24, 27) ብተመሳሳሊ፡ የሱስ “ወዲ ዳዊት” ኣብ ጕንዲ ስቅያት እኳ እንተ ተሰቕለ፡ እዚ ግና ሞገስ የሆዋ ከም ዝሰኣነ ዜመልክት ኣይኰነን።—ማቴ. 21:9

ንጽህና የሱስ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺርአ ኢሉ የሆዋ ዕቝባኡ ስለ ዘልገሰ፡ የሱስ በዛ ሕቶ እዚኣ ኣቢሉ ብርቱዕ ጓሂኡ ይገልጽ ነይሩ ደዀን ይኸውን፧ የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ናይ መጀመርታ ዕላማ የሆዋ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርታ ዕልወት እዩ እዚ ኣድልዩ። የሱስ ዋላ ሓደ ጌጋ ኣይገበረን። ነቲ ሰይጣን ዘልዓሎ ጕዳያት መልሲ ምእንቲ ኺህብን ንደቂ ሰብ በጃ ምእንቲ ኪኸፍልን ግና ኪስቀን ኪመውትን ኣድልዩ እዩ። (ማር. 8:31፣ 1 ጴጥ. 2:21-24) እዚ ኺፍጸም ዚከኣል ከኣ የሆዋ ንእተወሰነ እዋን ካብ የሱስ ንፈለማ ግዜ ዕቝባኡ እንተ ኣልጊሱ እዩ።

የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኣብቲ የሆዋ ንዕኡ በዚ ኣማውታ እዚ ኺመውት ዝፈቐደሉ ምኽንያት ከም ዜተኵሩ ደዀን ይገብር ነይሩ ይኸውን፧ * የሱስ ከም ገበነኛ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ሙማቱ፡ እዚ ንብዙሓት ከም ዜዐንቅፍ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (1 ቈረ. 1:23) ሰዓብቱ ኣብቲ ንሱ ዚሞተሉ ቐንዲ ምኽንያት እንተ ኣተኲሮም፡ ሞቱ ዘለዎ ናይ ሓቂ ትርጉም ኪርድኦም ይኽእል እዩ። (ገላ. 3:13, 14) በዚ ኸምዚ ኸኣ ከም ገበነኛ ዘይኰነስ ከም መድሓኒ ገይሮም ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም።

የሱስ ነዘን ቃላት እዚአን ዝጠቐሰሉ ምኽንያት እዚ ይኹን እቲ፡ መከራኡ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ካብዛ መዝሙር እዚኣ ድሕሪ ምጥቃሱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ “ተፈጺሙ!” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 19:30፣ ሉቃ. 22:37) እወ፡ የሆዋ ንግዜኡ ዕቝባኡ ምልጋሱ፡ የሱስ ነቲ ናብ ምድሪ እተላእከሉ ዕላማ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽም ኣኽኢልዎ እዩ። ንዅሉ እቲ ብዛዕባኡ “ኣብ ሕጊ ሙሴን ኣብ ነብያትን ኣብ መዝሙራትን” እተጻሕፈ ኺፍጽም እውን ኣኽኢልዎ እዩ።—ሉቃ. 24:44

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብታ ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ፡ “ካብተን የሱስ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቓላት እንምሃሮ ትምህርቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 9ን 10ን እውን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 4 የሱስ ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ዚዛረቦ ዝነበረ ዘረባ ወይ ኣብቲ ዜበግሶ ዝነበረ ሕቶ፡ ግድን ንስምዒቱ ይገልጽ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። እቶም ሰዓብቱ ሓሳባቶም ምእንቲ ኺገልጹ ኢሉ ኸምኡ ይገብር ነይሩ እዩ።—ማርቆስ 7:24-27፣ ዮሃንስ 6:1-5፣ ናይ 15 ጥቅምቲ 2010 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 4-5 ርአ።