ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 14

‘ኣስኣሰሩ ስዓብ’

‘ኣስኣሰሩ ስዓብ’

“ክርስቶስ እኳ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ ኣርኣያ እናሓደገልኩም ምእንታኹም መከራ ጸጊቡ እዩ።”—1 ጴጥ. 2:21

መዝሙር 13 ክርስቶስ ኣርኣያና

መላለዪ *

የሱስ ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ ኢሉ ኣርኣያ ሓዲጉልና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)

1-2. ከመይ ጌርና ኢና ኣሰር የሱስ ክንስዕብ እንኽእል፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

ምስ ብዙሓት ሰባት ብሑጻ ኣብ እተሸፈነ በረኻ ብእግርኻ ትጐዓዝ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ሓደ ምኩር መራሒ ኸኣ ይመርሓኩም ኣሎ። ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ኣሰር ኣእጋሩ ኣብቲ ሑጻ ይሓድግ ኣሎ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ እቲ ዚመርሓኩም ሰብ ቀዲሙ ስለ ዝኸደ፡ ክትርእዮ ኣይከኣልካን! ኰይኑ ግና፡ በዚ ኣይትስምብድን። የግዳስ፡ ንስኻን መጓዕዝትኻን ኣስኣሰር እቲ ዚመርሓኩም ሰብ ትስዕቡ!

2 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብዛ እክይቲ ዓለም ስለ እንነብር፡ ኣብ ሓደገኛ በረኻ ንጐዓዝ ኣለና ኺብሃል ይከኣል እዩ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ የሆዋ ፍጹም መራሕ መገዲ ሂቡና ኣሎ፣ ንሱ ድማ እቲ ኣስኣሰሩ ኽንስዕቦ ዚግባእ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (1 ጴጥ. 2:21) ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ጴጥሮስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ንየሱስ ምስ መራሕ መገዲ እዩ ኣመሳሲልዎ። ከምቲ መራሕ መገዲ ኣሰር ዚሓድግ፡ የሱስ ከኣ ክንስዕቦ እንኽእል ኣሰር ሓዲጉልና ኣሎ። እምበኣር ኣሰሩ ብዛዕባ ምስዓብ፡ ‘እንታይ፧’ ‘ስለምንታይ፧’ ‘ብኸመይ፧’ ዚብል ሰለስተ ሕቶታት ነበግስ።

ኣስኣሰር የሱስ ምስዓብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

3. ኣስኣሰር ምስዓብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

3 ኣስኣሰር ምስዓብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ ነተን “ምምልላስ” ወይ “ኣእጋር” ዚብላ ቓላት፡ ምስ ኣነባብራ ሰብ የተሓሕዘን እዩ። (ዘፍ. 6:9፣ ምሳ. 4:26) ሓደ ሰብ ዚሓድጎ ኣብነት ምስቲ ኪኸይድ ከሎ ዚሓድጎ ኣሰር ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣስኣሰር ሓደ ሰብ ምስዓብ ኪብሃል ከሎ፡ ኣብነቱ ምስዓብ፡ ንዕኡ ምምሳል ማለት እዩ።

4. ኣስኣሰር የሱስ ምስዓብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4 እሞ ደኣ ኣስኣሰር የሱስ ምስዓብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ብሓጺሩ፡ ኣብነቱ ምስዓብ ማለት እዩ። ኣብዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ፍረ ነገርና እዚ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ንመከራ ብምጽዋር ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕበሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:18-25) ከም ሓቂ፡ ብምሉኡ ኣነባብራ የሱስ፡ ማለት ኵሉ እቲ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት፡ ክንስዕቦ ዚግባእ ኣብነት ይዀነና እዩ።

5. ዘይፍጹማት ሰባት ብሓቂዶ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ፍጹም ኣብነት ኪስዕቡ ይኽእሉ እዮም፧ ግለጽ።

5 ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀነና፡ ብሓቂዶ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ክንስዕብ ንኽእል ኢና፧ እወ፡ ንኽእል ኢና። ጴጥሮስ ‘ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ’ ኬተባብዕ ከሎ፡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኽንስዕብ ከም ዘይተማሕጸነ ኣይንረስዕ። ኣሰር የሱስ ተጠንቂቕና እንተ ስዒብና፡ ማለት ከም ዘይፍጹማት ሰባት መጠን ዚከኣለና እንተ ጌርና፡ ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ‘ከምቲ የሱስ እተመላለሶ ጌርኩም ተመላለሱ’ ኢሉ እተዛረቦ ንስዕብ ኣለና ማለት እዩ።—1 ዮሃ. 2:6

ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6-7. ኣስኣሰር የሱስ እንተ ስዒብና ንየሆዋ ንቐርቦ ኣለና ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

6 ኣስኣሰር የሱስ እንተ ስዒብና፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ንቐርቦ ኢና። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ቀዳማይ፡ ንኣምላኽ ባህ ብዜብል መገዲ ኸመይ ጌርና ኽንነብር ከም እንኽእል ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። (ዮሃ. 8:29) ስለዚ፡ ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ ከለና፡ ንየሆዋ ባህ ነብሎ ኢና። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸኣ ነቶም ኣዕሩኹ ኪዀኑ ዚጽዕሩ ሰባት ከም ዚቐርቦም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ያእ. 4:8

7 ካልኣይ፡ የሱስ ንኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ መሲልዎ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኪብል ዝኸኣለ። (ዮሃ. 14:9) ንባህርያት የሱስን ነቲ ምስ ሰባት ዝነበሮ ርክብን እንተ ቐዲሕናዮ፡ ንኣብነት ነቲ ንሓደ ድዉይ ዘርኣዮ ድንጋጽን ነቲ ንሓንቲ ዜቐንዙ ሕማም ዝነበራ ሰበይቲ ዘርኣያ ሓልዮትን ነተን ሰበን ዝሞተን ኣንስቲ ዘርኣየን ርሕራሐን እንተ ቐዲሕናዮ፡ ንየሆዋ ኢና እንመስሎ ዘለና። (ማር. 1:40, 41፣ 5:25-34፣ ዮሃ. 11:33-35) ንየሆዋ ብዝያዳ ብዝመሰልናዮ መጠን ከኣ፡ ብዝያዳ ኢና እንቐርቦ ዘለና።

8. ኣስኣሰር የሱስ ምስዓብ፡ ንዓለም ‘ንምስዓር’ ስለምንታይ ከም ዚሕግዘና ግለጽ።

8 ኣስኣሰር የሱስ እንተ ስዒብና፡ በዛ እክይቲ ዓለም ካብ መገድና ኣይነስግልን ኢና። የሱስ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ “ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ኺብል ክኢሉ እዩ። (ዮሃ. 16:33) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ብኣተሓሳስባን ብሸቶታትን ብተግባራትን እዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዘይተጸልወ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ኣትኵሮኡ ወትሩ ኣብቲ ናብ ምድሪ እተላእከሉ ምኽንያት፡ ማለት ሓቅነት የሆዋ ኣብ ምርግጋጽ እዩ ገይሩ ነይሩ። ንሕናኸ፧ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ናብ ካልእ ከም እነስግል ዚገብር ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ወትሩ ኸም የሱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እንተ ኣተኲርና፡ ንሕና እውን ንዓለም ‘ክንስዕራ’ ኢና።—1 ዮሃ. 5:5

9. ብመገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምምልላስ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

9 ኣስኣሰር የሱስ እንተ ስዒብና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንረክብ ኢና። ሓደ ሃብታም ጐበዝ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ምስ ሓተተ፡ የሱስ፡ “ንዓ . . . ሰዓብየይ ኩን” ኢሉ መሊሱሉ እዩ። (ማቴ. 19:16-21) ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዘይኣምኑ ንዝነበሩ ገሊኦም ኣይሁድ እውን፡ “ኣባጊዐይ . . . ይስዕባኒ እየን። ኣነ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 10:24-29) ነቲ ብትምህርትታቱ ተገዳስነት ዝሓደሮ ኒቆዲሞስ ዚብሃል ኣባል ዋዕላ ኣይሁድ ድማ፡ ‘እቶም ብእኡ ዚኣምኑ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረኽቡ’ ገሊጹሉ እዩ። (ዮሃ. 3:16) ንሕና ድማ ነቲ የሱስ ብቓልን ብኣብነትን ዝመሃሮ ትምህርቲ ብምትግባር፡ ብእኡ ኸም እንኣምን ከነርኢ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ብመገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንመላለስ ኢና።—ማቴ. 7:14

ኣስኣሰር የሱስ እንስዕብ ብኸመይ ኢና፧

10. ንየሱስ ብዝሓሸ ‘ንምፍላጥ፡’ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ዮሃንስ 17:3)

10 ኣስኣሰር የሱስ ቅድሚ ምስዓብና፡ ንዕኡ ኽንፈልጦ ኣሎና። (ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።) ንየሱስ ‘ምፍላጥ፡’ ቀጻሊ መስርሕ እዩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝሓሸ ኽንፈልጦ፡ ማለት ባህርያቱን ኣተሓሳስባኡን መለክዒታቱን ክንፈልጥ ኣሎና። ኣብ ሓቂ ዝጸናሕናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ንየሆዋን ንወዱን ንምፍላጥ ቀጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።

11. ኣርባዕተ ወንጌላት እንታይ እዩ ሒዙ ዘሎ፧

11 የሆዋ ንወዱ ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣብ ቃሉ ኣርባዕተ ወንጌላት ኣስፊሩልና ኣሎ። እቲ ወንጌላት ከኣ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ታሪኻዊ ዛንታ ሒዙ ኣሎ። እቲ ዛንታ ድማ የሱስ እንታይ ከም ዝበለ ይነግረና፡ እንታይ ከም ዝገበረ ይሕብረና፡ ከመይ ከም እተሰምዖ እውን ይገልጸልና እዩ። እዚ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ‘ከነስተብህለሉ’ ይሕግዘና እዩ። (እብ. 12:3) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣሰር፡ ኣብኡ ንረኽቦ ኢና። ስለዚ፡ ንወንጌላት ብምምርማር፡ ንየሱስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ ንኽእል ኢና።

12. ካብ ወንጌላት ከመይ ጌርና ኢና ምሉእ ብምሉእ ኽንጥቀም እንኽእል፧

12 ካብ ወንጌላት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ኣንቢብና ጥራይ ክንሓልፎ የብልናን። የግዳስ፡ ግዜ ወሲድና ተጠንቂቕና ኸነጽንዖን ብዕምቈት ከነስተንትነሉን ኣሎና። (ምስ እያሱ 1:8፡ እግረ ጽሑፍ ኣረኣኢ።) ቀጺልና ንወንጌላት ከነስተንትነሉን ክንትግብሮን ዚሕግዘና ኽልተ ሓሳባት እስከ ንርአ።

13. ከመይ ጌርካ ኢኻ ንጸብጻባት ወንጌል ህያው ክትገብሮ እትኽእል፧

13 ቀዳማይ፡ ንጸብጻባት ወንጌል ህያው ግበሮ። እቲ ኣብቲ ዛንታ ዚኸውን ነገራት ምእንቲ ኺርኣየካን ኪስምዓካን፡ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ በቲ ውድብ የሆዋ ዘዳለወቶ ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ ምርምር ግበር። ነቲ ኣብ ከባቢ እቲ እተጽንዖ ዘለኻ ኽፋል ዘሎ ሓሳባት፡ ማለት ነቲ ቕድሚኡ ወይ ነቲ ድሕሪኡ ዘሎ ሓሳባት መርምሮ። ነቲ ድሕረ ባይታን ነቲ ዅነታትን ኪገልጸልካ ዚኽእል ሓበሬታ ኣናዲ። ነቲ እተጽንዖ ዘለኻ ጸብጻብ፡ ምስቲ ኣብ ካልእ ወንጌል ዘሎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ኣረኣእዮ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ጸሓፊ ወንጌል ኣብ ካልእ ወንጌል ዘይርከብ ኣገዳሲ ነጥቢ ይጠቅስ እዩ።

14-15. ከመይ ጌርና ኢና ንጸብጻባት ወንጌል ኣብ ህይወትና ኽንትግብሮ እንኽእል፧

14 ካልኣይ፡ ነቲ ጸብጻባት ወንጌል ኣብ ህይወትካ ተግብሮ። (ዮሃ. 13:17) ሓደ ጸብጻብ ወንጌል ተጠንቂቕካ ድሕሪ ምጽናዕካ፡ ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ህይወተይ ክትግብሮ ዝኽእል ትምህርቲ ኣሎዶ፧ ነዚ ጸብጻብ እዚ ንሰብ ንምሕጋዝ ብኸመይ ክጥቀመሉ እኽእል፧’ ንሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ኣእምሮኻ ሕሰብ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ግቡእ ግዜ፡ እቲ እተምሃርካዮ ነገራት ብፍቕርን ብሜላን ኣካፍሎ።

15 ነዚ ኽልተ ሓሳባት ከመይ ጌርና ኽንትግብሮ ኸም እንኽእል ዚሕብር ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብዚ ኣብነት እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ እታ የሱስ ኣብታ ቤተ መቕደስ እተዓዘባ ድኻ መበለት ክንምርምር ኢና።

እታ ድኻ መበለት ኣብቲ ቤተ መቕደስ

16. ነቲ ኣብ ማርቆስ 12:41 ተመዝጊቡ ዘሎ ዛንታ ግለጾ።

16 ነቲ ጸብጻብ ህያው ግበሮ። (ማርቆስ 12:41 ኣንብብ።) ነቲ ዅነታት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። እዋኑ 11 ኒሳን 33 ድ.ክ. እዩ ነይሩ፣ ማለት የሱስ ኪመውት ሒደት መዓልትታት እዩ ተሪፍዎ ነይሩ። የሱስ ንመብዛሕትኡ ኽፋል እታ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ምምሃር እዩ ኣሕሊፍዎ። እቶም ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ ኸኣ ይጻረርዎ ነይሮም እዮም። ኣቐዲሞም ገለ ኻባታቶም ንስልጣኑ ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ ነይሮም እዮም። ገሊኦም ከኣ ብኸቢድ ሕቶታት ገይሮም ኣብ መቐራቕሮ ኼእትውዎ ፈቲኖም ነይሮም እዮም። (ማር. 11:27-33፣ 12:13-34) ድሕርዚ ኸኣ፡ የሱስ ናብ ካልእ ኽፋል እታ ቤተ መቕደስ ከደ። ኣብኡ ድማ፡—ኣብቲ ኣጸድ ኣንስቲ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቦታ፡—እቲ መመጽወቲ ኣብ መንደቕ እቲ ኣጸድ ተነቢሩ ኺርኢ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብ መንጽር ተቐሚጡ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ መመጽወቲ ኸመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ኺርኢ ጀመረ። ብዙሓት ሃብታማት ድማ ብዙሕ ሰልዲ ኼውድቑ ረኣየ። ምናልባት ነቲ ሰልዶም ኣብቲ መመጽወቲ ኼውድቕዎ ኸለዉ፡ ጨርባሕባሕ ኪብል ከሎ ይሰምዕ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

17. እታ ኣብ ማርቆስ 12:42 እተጠቕሰት ድኻ መበለት እንታይ ገይራ፧

17 ማርቆስ 12:42 ኣንብብ። ድሕሪ እተወሰነ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንኣቓልቦ የሱስ ሰሓበቶ። ንሳ ድኻ መበለት እያ ነይራ። ህይወት ንዓኣ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ ነይሩ፣ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ እኳ ብዙሕ ትቃለስ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ኰይኑ ግና፡ ሰላሕ ኢላ ናብቲ መመጽወቲ ኸይዳ፡ ዚረብሕ ዋጋ ዘይብለን ክልተ ሰናቲም ኣውደቐት፣ ምናልባት እተን ሰናቲም ጭል እውን ኣይበላን ይዀና። የሱስ ክልተ ለብጣ ኸም ዘውደቐት ፈሊጡ ነይሩ እዩ። እተን ሰናቲም ከኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበራ ዝነኣሳ ሰልዲ እየን ነይረን። ሓንቲ ኻብተን ካብ ኣዕዋፍ ዝሓሰረት ጭሩ ገበላ ኺዕድጋ ዚኽእላ እውን ኣይነበራን።

18. ብመሰረት ማርቆስ 12:43, 44፡ የሱስ ብዛዕባ ወፈያ እታ መበለት እንታይ እዩ ኢሉ፧

18 ማርቆስ 12:43, 44 ኣንብብ። የሱስ በታ መበለት ኣዝዩ ተመሰጠ። ስለዚ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ናብታ መበለት እናኣመልከተ፡ “እዛ ድኻ መበለት እዚኣ፡ ካብ ናይ ኵሎም . . . ዚበዝሕ እያ ኣውዲቓ” በሎም። “ኵላቶምሲ [ምናዳ እቶም ሃብታማት] ኻብ ተረፎም እዮም ኣውዲቖም፡ ንሳ ግና ካብ ስእነታ፡ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ መነባብሮኣ እያ ኣውዲቓ” ኢሉ ገለጸሎም። እታ እምንቲ መበለት ነታ ዘላታ ገንዘብ ክትህብ ከላ፡ ንህይወታ ኣብተን ሓለይቲ ኢድ የሆዋ እያ እትገድፍ ነይራ።—መዝ. 26:3

ከም የሱስ፡ ነቶም ንየሆዋ ብሉጾም ዚህቡ ሰባት ንኣዶም (ሕጡብ ጽሑፍ 19-20 ርአ) *

19. ካብቲ የሱስ ብዛዕባ እታ ድኻ መበለት እተዛረቦ ቓላት እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንረክብ፧

19 ነቲ ጸብጻብ ኣብ ህይወትካ ተግብሮ። ‘ካብቲ የሱስ ብዛዕባ እታ ድኻ መበለት እተዛረቦ ቓላት እንታይ ክምሃር እኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ብዛዕባ እታ መበለት እውን ሕሰብ። ንየሆዋ ዝያዳ ኽትህቦ ድሌት ከም ዝነበራ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዚከኣላ ገይራ እያ፣ ንየሆዋ ብሉጻ ሂባቶ እያ። የሱስ ድማ ወፈያኣ ኣብ ኣዒንቲ ኣቦኡ ኽቡር ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ ንዓና ኣገዳሲ ትምህርቲ ሒዙልና ኣሎ፦ የሆዋ ብሉጽና ኽንህቦ ኸለና፡ ማለት ብምሉእ ልብናን ብምሉእ ነፍስናን ከነገልግሎ ኸለና ባህ ይብሎ እዩ። (ማቴ. 22:37፣ ቈሎ. 3:23) የሆዋ ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር ከለና ይሕጐስ እዩ። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ከም ኣገልግሎትናን ኣኼባታትናን ዝኣመሰለ ንኣምልኾና እንውፍዮ ግዜን ጕልበትን ይዓዪ እዩ።

20. ነቲ ኻብ ጸብጻብ እታ መበለት ዝረኸብካዮ ትምህርቲ ኸመይ ጌርካ ኽትትግብሮ ትኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

20 ነቲ ኻብ ጸብጻብ እታ መበለት ዝረኸብካዮ ትምህርቲ ኸመይ ጌርካ ኽትትግብሮ ትኽእል፧ ዝገብርዎ ጻዕርታት ንየሆዋ ባህ ከም ዜብሎ መረጋገጺ ብዛዕባ ዜድልዮም ሰባት ሕሰብ። ንኣብነት፡ ጥዕና ስለ ዝሰኣነት ወይ ሓይላ ስለ ዝደኸመ ኸም ቀደም ከተገልግል ብዘይምኽኣላ ሕማቕ ዚስምዓ ወይ ዘይትረብሕ ኰይኑ ዚስምዓ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲዶ ትፈልጥ፧ ወይ ድማ ብሰንኪ ሕዱር ዜሳቒ ሕማም ናብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባ ኣዘውቲሩ ኺመጽእ ብዘይምኽኣሉ ሕማቕ ዚስምዖ ሓውዶ ትፈልጥ፧ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ “ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል” ብምዝራብ ሓግዞም። (ኤፌ. 4:29) ነቲ ኻብታ ድኻ መበለት እተምሃርናዮ ዜተባብዕ ትምህርቲ ኣካፍሎም። እቲ ዜተባብዕ ቓላትካ፡ የሆዋ ብሉጽና ኽንህቦ ኸለና ብኣና ኸም ዚሕጐስ ኬዘኻኽሮም ይኽእል እዩ። (ምሳ. 15:23፣ 1 ተሰ. 5:11) ዋላ እውን እቲ ሰባት ዚገብርዎ ነገር ንእሽቶ እኳ እንተ መሰለ፡ ንየሆዋ ብሉጾም ብምሃቦም ትንእዶም እንተ ዄንካ፡ ኣስኣሰር የሱስ ኢኻ እትስዕብ ዘለኻ።

21. እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

21 ጸብጻባት ወንጌል ብዛዕባ ህይወት የሱስ ኣዝዩ ብዙሕ ዚነግረና ምዃኑ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ክንመስሎ ወይ ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ ዜኽእለና ምዃኑ ብዙሕ ከነመስግን ኣሎና! እሞ ደኣ ስለምንታይ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ወይ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ኣብ ወንጌላት ዘይተተኵር፧ ካብቲ መጽናዕቲ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ግና፡ ነቲ ጸብጻባት ህያው ክንገብሮን ኣብ ህይወትና ኽንትግብሮን ኣሎና። ኣስኣሰር እቲ የሱስ ዝገበሮ ኣብ ርእሲ ምስዓብና፡ ነቲ ዝበሎ እውን ክንሰምዕ ኣሎና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ካብተን የሱስ ቅድሚ ሙማቱ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቓላት እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 15 በዅሪ የሆዋ ይወደስ!

^ ሕ.ጽ. 5 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ‘ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ’ ኣሎና። እሞ ደኣ የሱስ እንታይ “ኣሰር” እዩ ሓዲጉልና፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዛ ሕቶ መልሲ ትህብ። ስለምንታይ ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ ከም ዘሎናን ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ከም እንኽእልን እውን ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እታ ድኻ መበለት ዝበሎ ድሕሪ ምስትንታና፡ ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ስለቲ ብምሉእ ነፍሳ እተቕርቦ ኣገልግሎት ትንእዳ።