ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 16

ወትሩ ነቲ በጃ ኣማስወሉ

ወትሩ ነቲ በጃ ኣማስወሉ

‘ወዲ ሰብ ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ እዩ መጺኡ።’—ማር. 10:45

መዝሙር 18 ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

መላለዪ *

1-2. እቲ በጃ ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ እዩ ዜድልየና፧

እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ ኣዳም ምስ ሓጥአ፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ እዩ ኣጥፊኡ። ንርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንናይ መጻኢ ደቁ እውን ለኪምዎም እዩ። እቲ ኣዳም ዝገበሮ ነገር፡ መመኽነይታ ኪቐርበሉ ዚኽእል ኣይኰነን። ኰነ ኢሉ እዩ ሓጢኣት ገይሩ። ደቁ ደኣኸ፧ ኣብቲ ሓጢኣቱ መሸም እጃም ኣይነበሮምን። (ሮሜ 5:12, 14) ካብቲ ንኣቦኦም ዚግብኦ ፍርዲ ሞት ንምድሓን ኪግበር ዚከኣል ነገር ነይሩዶ፧ እወ! ኣዳም ደድሕሪ ምሕጣኡ፡ የሆዋ ንሚልዮናት ዘርኢ ኣዳም ካብ መርገም ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ ከም ዜድሕኖም ኪገልጽ ጀሚሩ እዩ። (ዘፍ. 3:15) ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ኸኣ ንወዱ፡ ካብ ሰማይ ልኢኽዎ እዩ፣ ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ፡ የሱስ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ኢሉ እዩ።—ማር. 10:45፣ ዮሃ. 6:51

2 እቲ በጃ ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ በጃ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ነገር መሊስካ ንምዕዳግ ተባሂሉ የሱስ ዝኸፈሎ ዋጋ የመልክት። (1 ቈረ. 15:22) ስለምንታይ እዩ በጃ ዜድልየና፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ብዛዕባ ፍትሒ ዘለዎ ስርዓት፡ ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት ከም ዝዀነ ኣብ ሕጊ ሙሴ ሰፊሩ ኣሎ። (ዘጸ. 21:23, 24) ኣዳም ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ እዩ ኣጥፊኡ። የሱስ ከኣ ነቲ ኣምላኽ ዚሓትቶ ፍትሒ ምእንቲ ኼማልእ ኢሉ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ እዩ ሰዊኡ። (ሮሜ 5:17) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም በቲ በጃ ዚኣምኑ፡ “ኣቦ ዘለኣለም” ኰይኑሎም እዩ።—ኢሳ. 9:6፣ ሮሜ 3:23, 24

3. ብመሰረት ዮሃንስ 14:31ን 15:13ን፡ የሱስ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ኺስውእ ፍቓደኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡን ንዓናን ዓባይ ፍቕሪ ስለ ዘላቶ፡ ህይወቱ ኺስውእ ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። (ዮሃንስ 14:31፣ 15:13 ኣንብብ።) በታ ፍቕሪ እቲኣ ተደሪኹ ድማ፡ ንጽህናኡ ኽሳዕ መወዳእታ ኺሕሉን ፍቓድ ኣቦኡ ኺፍጽምን ቈሪጹ እዩ። ነዚ ኸኣ ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን እዩ ፈጺምዎ። በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኺፍጸም እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ብዙሕ ስቓይ ኬሕልፍ ኣምላኽ ስለምንታይ ከም ዝፈቐደ ኽንርኢ ኢና። ነቲ በጃ ኣጸቢቑ የማስወሉ ብዛዕባ ዝነበረ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣሕጽር ኣቢልና ኽንርኢ ኢና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና ብኸመይ ከነርኢ ኸም እንኽእል፡ ነቲ የሆዋን የሱስን ዘዳለዉልና መስዋእቲ ዘሎና ሞሳ ድማ ብኸመይ ከነዕዝዝ ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

የሱስ ኪስቀ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሱስ ንዓና በጃ ኪኸፍለልና ኢሉ ዘሕለፎ ግፍዒ ሕሰብ! (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

4. ንኣማውታ የሱስ ግለጾ።

4 ነታ የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እሞ ብኣእምሮና ንስኣላ። ኬዕቍብዎ ዚኽእሉ ለጌዎን መላእኽቲ ኺጽውዕ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ብወተሃደራት ሮሜ ኺተሓዝን ብዘይንሕስያ ኺግረፍን ፈቒዱ እዩ። (ማቴ. 26:52-54፣ ዮሃ. 18:3፣ 19:1) ንሳቶም ከኣ ንስጋኡ ዚቐልጥ ሓለንጊ እዮም ተጠቒሞም። ድሕርዚ፡ ኣብቲ እተጀላልዐ ዝባኑ ኸቢድ ጕንዲ ኣሰከምዎ። የሱስ ነቲ ጕንዲ ናብቲ ዚቕተለሉ ቦታ እናጐተቶ ኪኸይድ እኳ እንተ ጀመረ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ንሓደ ሓላፍ መገዲ ኺጾረሉ ገደድዎ። (ማቴ. 27:32) የሱስ ኣብታ ዚሞተላ ቦታ ምስ በጽሐ፡ እቶም ቀተልቱ ንኣእዳዉን ንኣእጋሩን ኣብቲ ጕንዲ ሸንከርዎ። እቲ ኽብደት ሰብነቱ ኸኣ ነቲ ብመስማር እተሸንከረ ኣካላቱ ጀልዖ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ፈተውቱ ይሓዝኑ፡ ኣዲኡ እውን ትነብዕ ነይራ እያ፣ መራሕቲ ኣይሁድ ግና የላግጹሉ እዮም ነይሮም። (ሉቃ. 23:32-38፣ ዮሃ. 19:25) በዚ ኸምዚ፡ ንሰዓታት ተቐንዝዩ እዩ። ልቡን ሳናቡኡን ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ውጥረት እዩ ነይሩ፣ ምስትንፋስ እውን እናኣጸገሞ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። ትንፋሱ ኽትሓልፍ ከላ፡ ብዓወት ናይ መወዳእታ ጸሎት ጸለየ። ድሕርዚ፡ ርእሱ ምስ ኣድነነ፡ ህይወቱ ኣሕሊፉ ሃበ። (ማር. 15:37፣ ሉቃ. 23:46፣ ዮሃ. 10:17, 18፣ 19:30) ቅልጡፍ ኣማውታ ኣይኰነን ሞይቱ፣ የግዳስ፡ ብዜሳቕን ብዜዋርድን መገዲ እዩ ሞይቱ!

5. ንየሱስ ካብቲ ኣማውታኡ ንላዕሊ ዝኸበዶ እንታይ እዩ ነይሩ፧

5 ንየሱስ ግና ኣማውታኡ ኣይኰነን ዝኸበደ ፈተና ዀይንዎ። የግዳስ፡ እቲ ንሞት እተፈርደሉ ኽሲ እዩ ብዝያዳ ኣጨኒቕዎ ነይሩ። ከም ተጻራፊ ጌርካ፡ ማለት ንኣምላኽ ወይ ንስም ኣምላኽ ኣኽብሮት ከም ዘይብሉ ጌርካ ብሓሶት ተኸሲሱ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 26:64-66) እዚ ኽሲ እዚ ንየሱስ ኣመና ስለ ዘጨነቖ፡ እቲ ውርደት እቲ ኻብኡ ኺሓልፍ ንኣቦኡ ለሚንዎ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 26:38, 39, 42) እሞ ደኣ የሆዋ ነቲ ፍቑር ወዱ ኺስቀን ኪመውትን ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ሰለስተ ምኽንያት እስከ ንርአ።

6. የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኪስቀል ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

6 ቀዳማይ፡ የሱስ ንኣይሁድ ካብ መርገም ሓራ ንምግባር፡ ኣብ ጕንዲ ኺስቀል ነይርዎ እዩ። (ገላ. 3:10, 13) ኣይሁድ ሕጊ ኣምላኽ ከም ዚሕልዉ እኳ እንተ ተሰማምዑ፡ ኣይሓለውዎን። ስለዚ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዘርኢ ኣዳም ብምዃኖም ዝነበሮም ሓጢኣት፡ መርገም ነይርዎም እዩ። (ሮሜ 5:12) ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤል ዝሃቦ ሕጊ፡ ሞት ዜፍርድ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ኪቕተል ከም ዚግብኦ ተሓጊጉ ነይሩ እዩ። ምስ ሞተ ኸኣ ሬሳኡ ኣብ ጕንዲ ይስቀል ነይሩ እዩ። * (ዘዳ. 21:22, 23፣ 27:26) ስለዚ፡ የሱስ ኣብ ጕንዲ ስለ እተሰቕለ፡ ነቶም ዘይተቐበልዎ ህዝቢ ኻብ መስዋእቱ ኺጥቀሙ መገዲ ኸፊቱሎም እዩ።

7. ኣምላኽ ንወዱ ኺስቀ ዝፈቐደሉ ኻልኣይ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

7 ኣምላኽ ንወዱ ኺስቀ ዝፈቐደሉ ኻልኣይ ምኽንያት እስከ ንርአ። ንየሱስ ነቲ ኣብ መጻኢ ኸም ሊቀ ኻህናት ዝነበሮ ግደ እዩ ዜሰልጥኖ ነይሩ። የሱስ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ ተመኪርዎ እዩ። ጸቕጢ ኣመና ስለ ዝበርትዖ፡ “ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን” ልማኖ ኣቕሪቡ እዩ። ብርቱዕ ስምዒታዊ ጭንቂ ስለ ዘሕለፈ እውን፡ ዜድልየና ዘበለ ይርድኣልና፡ ‘ክንፍተን ከለና ድማ ኪረድኣና ይኽእል እዩ።’ የሆዋ፡ “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ዚኽእል ሊቀ ኻህናት ስለ ዝሸመልና፡ ብዙሕ ነመስግኖ ኢና!—እብ. 2:17, 18፣ 4:14-16፣ 5:7-10

8. ኣምላኽ ንየሱስ ብኸቢድ ፈተና ኺፍተን ዝፈቐደሉ ሳልሳይ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

8 የሆዋ ንየሱስ ኣመና ኺስቀ ዝፈቐደሉ ሳልሳይ ምኽንያት፡ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ምእንቲ ኺምለስ ኢሉ እዩ፦ ሰባት ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና ንኣምላኽ ውፉያት ኪዀኑ ይኽእሉ ድዮም፧ ሰይጣን፡ ‘ኣይፋል’ እዩ ዚብል። ሰባት ንኣምላኽ፡ ምእንቲ ጥቕሞም ኢሎም ከም ዜገልግልዎ እዩ ዚማጐት። ከም ኣቦኦም ኣዳም ከኣ፡ ንየሆዋ ውፉያት ከም ዘይኰኑ እዩ ዚኣምን። (እዮ. 1:9-11፣ 2:4, 5) የሆዋ ብተኣማንነት ወዱ ርግጸኛ ብምንባሩ፡ ንየሱስ ክሳዕ እቲ ሰብ ኪጻወሮ ዚኽእል መወዳእታ ደረጃ ኺፍተን ፈቒዱ እዩ። የሱስ ከኣ ንጽህናኡ ብምሕላው፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ መርትዖ ኣቕሪቡ እዩ።

ነቲ በጃ ዓሚቝ ሞሳ ዝነበሮ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ

9. ሃዋርያ ዮሃንስ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧

9 ብዛዕባ እቲ በጃ ዚውሃብ ትምህርቲ፡ ንእምነት ብዙሓት ክርስትያናት ኣደልዲሉ እዩ። ተቓውሞ እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ስብከቶም ቀጺሎም፡ ክሳዕ ግዜ እርጋኖም ከኣ ኵሉ ዓይነት ፈተና ተጻዊሮም እዮም። ሕጂ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ንሱ ብዛዕባ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ በጃን ንልዕሊ 60 ዓመት ዚኸውን ብተኣማንነት ሓቂ ሰበኸ። ኣብ መወዳእታ 90ታት ዕድሚኡ፡ ንሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዜስግእ ጌርካ ስለ እተራእየ፡ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተኣስረ። ገበኑኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ “ብምዝራበይን ብዛዕባ የሱስ ብምምስካረይን” ኢሉ ባዕሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ራእ. 1:9) ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት እምነትን ተጻዋርነትን ኰን እዩ!

10. ዮሃንስ ነቲ በጃ ኸም ዘማሰወሉ ኣብ ጽሑፋቱ ብኸመይ ተራእዩ ኣሎ፧

10 ዮሃንስ ንየሱስ ዘላቶ ዓማቝ ፍቕርን ነቲ በጃ ዘለዎ ሞሳን ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፎ ጽሑፋቱ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ጽሑፋቱ ኸኣ ልዕሊ 100 ሳዕ ነቲ በጃ ወይ ነቲ ኻብቲ በጃ ዚርከብ ጥቕምታት ጠቒሱ ኣሎ። ንኣብነት፡ “ሓደ እኳ ዝሓጥአ እንተሎ፡ ኣብ ኣቦ ረዳኢ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ እቲ ጻድቕ ኣሎና” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ዮሃ. 2:1, 2) ብዘይካዚ፡ እቲ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ንኣገዳስነት እቲ “ብዛዕባ የሱስ [ዚግበር] ዕዮ ምስክርነት” የጕልሕ እዩ። (ራእ. 19:10) ብንጹር እምበኣር፡ ዮሃንስ ነቲ በጃ ኣጸቢቑ የማስወሉ ነይሩ እዩ። ንሕናኸ ንሞሳና ኸመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧

ነቲ በጃ ዘሎካ ምስጋና ኸመይ ጌርካ ኸተርኢ ትኽእል፧

ነቲ በጃ ብሓቂ ነማስወሉ እንተ ዄንና፡ ክንሓጥእ ንዚቐርበልና ፈተና ንጻረር ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) *

11. ንፈተና ንምጽራር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

11 ነቲ ኽትሓጥእ ዜጋጥመካ ፈተና ተጻረሮ። ነቲ በጃ ብሓቂ ነማስወሉ እንተ ዄንና፡ ‘ክፍተን ከለኹ ብዙሕ ክጻረር ኣየድልየንን እዩ። ሓጢኣት ምስ ገበርኩ፡ ይቕረታ ኽልምን እየ’ ዚብል ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣይህልወናን እዩ። የግዳስ፡ ጌጋ ኽንገብር ክንፍተን ከለና፡ ‘የሆዋን የሱስን እዚ ዅሉ ገይሮምለይ ኬብቅዑ፡ ከመይ ገይረ ኸምዚ እገብር፧’ ኢና እንብል። ምስዚ ብምስምማዕ ከኣ፡ ንየሆዋ፡ “ኣብ ፈተና ኣይተእትወና” ኢልና ብርታዐ ኺህበና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 6:13

12. ነቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 3:16-18 ዚርከብ ምኽሪ ኸመይ ጌርና ኽንትግብሮ ንኽእል፧

12 ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ኣፍቅሮም። ፍቕሪ ኸነርኢ ኸለና፡ ነቲ በጃ ኢና ሞሳ እነርኢ ዘለና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሱስ ህይወቱ ምእንታና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን እዩ ኣሕሊፉ ሂቡ። ምእንታኦም ካብ ሞተ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዓብዪ ዋጋ ኣለዎም ማለት እዩ። (1 ዮሃንስ 3:16-18 ኣንብብ።) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ፡ ብኣተሓሕዛና ኣቢልና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 4:29, 31-5:2) ንኣብነት፡ ኪሓምሙ ኸለዉ፡ ወይ ባህርያዊ ሓደጋታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ወይ ካልእ ከቢድ መከራ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ንሕግዞም ኢና። እንተዀነ ግና፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይና ብግብሩ ወይ ብዘረባኡ እንተ ኣጕህዩና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

13. ስለምንታይ ኢና ይቕረ በሃልቲ ኽንከውን ዘሎና፧

13 ንክርስትያን ብጻይካ ትቕየሞ ዲኻ፧ (ዘሌ. 19:18) ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ ነዚ ምኽሪ እዚ ስዓቦ፦ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን። ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።” (ቈሎ. 3:13) ንሓውና ወይ ንሓብትና ይቕረ ብዝበልና መጠን፡ ነቲ በጃ ብሓቂ ኸም እነማስወሉ ንሰማያዊ ኣቦና ነርእዮ ኢና። እሞ ደኣ ነዚ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት ብቐጻሊ ሞሳና ኸነዕዝዝ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነዕዝዝ ንኽእል፧

14. ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ እነዕዝዘሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

14 ስለቲ በጃ ንየሆዋ ኣመስግኖ። ኣብ ህንዲ እትነብር 83 ዓመት ዝዕድሚኣ ጆኣና ዝስማ ሓብቲ፡ “ነቲ በጃ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ጸሎተይ ምጥቃስን ስሊኡ ምምስጋንን ኣገዳሲ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ትብል። ኣብ ናይ ብሕቲ ጸሎትካ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብታ መዓልቲ ዝገበርካዮ ጌጋታት ሕሰብ፡ ንየሆዋ ድማ ይቕረ ኺብለልካ ለምኖ። ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርካ ግና፡ ሓገዝ ሽማግለታት እውን ኬድልየካ እዩ። ንሳቶም ከኣ ኪሰምዑኻን ካብ ቃል ኣምላኽ ፍቕራዊ ምኽሪ ኺህቡኻን እዮም። የሆዋ ብመስዋእቲ የሱስ ገይሩ ብመንፈሳዊ መዳይ ‘ምእንቲ ኼሕውየካ’ ድማ፡ ምሳኻ ዀይኖም ኪጽልዩ እዮም።—ያእ. 5:14-16

15. ግዜ ወሲድና ብዛዕባ እቲ በጃ ኸነንብብን ከነስተንትንን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 ነቲ በጃ ኣስተንትነሉ። 73 ዓመት ዝዕድሚኣ ራጃማኒ ዝስማ ሓንቲ ሓብቲ፡ “ብዛዕባ እቲ የሱስ ዘሕለፎ መከራ ኸንብብ ከለኹ፡ ኣዒንተይ ንብዓት ቅጽርጽር ይብለኒ እዩ” ትብል። ንስኻ እውን ወዲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ መከራ ኸም ዘሕለፈ ምሕሳብ ይኸብደካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ መስዋእቲ ብዝያዳ ብዘስተንተንካ መጠን ንዕኡን ንኣቦኡን ዘላትካ ፍቕሪ ትዓምቝ እያ። እሞ ደኣ ነቲ በጃ ምእንቲ ኸተስተንትነሉ፡ ነዚ ርእሰ ነገር እዚ ስለምንታይ ፍሉይ መጽናዕቲ ዘይትገብረሉ፧

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸመይ ገይሮም ንመስዋእቱ ብቐሊል ድራር ከም ዚዝክርዎ የርእዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ በጃ ምምሃር ብኸመይ ይጠቕመና፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

16 ብዛዕባ እቲ በጃ ንኻልኦት ምሃር። ብዛዕባ እቲ በጃ ንኻልኦት ብዝነገርና መጠን ንዕኡ ዘሎና ሞሳ ይዓቢ እዩ። የሱስ ስለምንታይ ከም ዝሞተ ዚምህር ብሉጽ ናውቲ ኣሎና። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ኣብ ትምህርቲ 4 ዘሎ፡ ሓሳባት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እቲ ትምህርቲ፡ “የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዎ። ወይ ከኣ ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ዘሎ ሓሳባት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እታ ምዕራፍ፡ “በጃ—ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዋ። ኣብ ዓዓመት ከኣ፡ ኣብ ዝኽሪ ሞት የሱስ ብምእካብን ንኻልኦት ኣብኡ ኺሓብሩና ብቕንኣት ብምዕዳምን፡ ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና ኸነዕዝዝ ንኽእል ኢና። የሆዋ ብዛዕባ ወዱ ንኻልኦት ክንምህር ዝሃበና ዕዮስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ!

17. እቲ በጃ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝሃቦም ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 እምበኣር፡ ነቲ በጃ ዓሚቝ ሞሳ ኸነማዕብልን ክንዕቅብን ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና። ሳላ እቲ በጃ፡ ዘይፍጹማት ክነስና፡ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪህልወና ኽኢሉ እዩ። ሳላ እቲ በጃ፡ ግብሪ ድያብሎስ ምሉእ ብምሉእ ኺፈርስ እዩ። (1 ዮሃ. 3:8) ሳላ እቲ በጃ፡ እቲ የሆዋ ንምድሪ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኺፍጸም እዩ። ብዘላ ምድሪ ገነት ክትከውን እያ። ኣብኡ እትረኽቦ ዘበለ ሰብ፡ ንየሆዋ ኼፍቅሮን ኬገልግሎን እዩ። እምበኣር፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ ዘሎና ሞሳ መዓልቲ መዓልቲ እነርእየሉ መገድታት ነናዲ!

መዝሙር 20 ፍቑር ወድኻ ሂብካ

^ ሕ.ጽ. 5 የሱስ ተሳቕዩ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምልሰልና እያ። ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ እውን ከተዕዝዘልና እያ።

^ ሕ.ጽ. 6 ሮማውያን ንእተዀነነ ገበነኛ ብህይወቱ ኸሎ ኣብ ጕንዲ ናይ ምሽንካር ወይ ናይ ምእሳር ልምዲ ነይርዎ እዩ፣ የሆዋ ድማ ንወዱ በዚ ኸምዚ ኺመውት ፈቒዱ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 55 መግለጺ ስእሊ፦ ኣሕዋት ነቲ ንነፍሲ ወከፎም ዚቐርበሎም ፈተናታት ይጻረርዎ፡—ነቲ ሓዲኦም ሕማቕ ምስሊ ኺርኢ፡ ነቲ ሓዲኦም ሽጋራ ኼትክኽ፡ ነቲ ሓዲኦም ድማ ጉቦ ኪቕበል ፈተናታት ይቐርበሎም።