ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 15

“ብቓል . . . ኣርኣያ” ዲኻ፧

“ብቓል . . . ኣርኣያ” ዲኻ፧

“ነቶም እሙናት፡ ብቓል፡ . . . ኣርኣያ ኹኖም።”—1 ጢሞ. 4:12

መዝሙር 90 ንሓድሕድና ንተባባዕ

መላለዪ a

1. ክእለት ዘረባ ኻበይ እዩ ተዋሂቡና፧

 ክእለት ዘረባ ኻብቲ ፈቃር ኣምላኽና እተዋህበና ውህበት እዩ። እቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ካብ ዚፍጠር ኣትሒዙ፡ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ናይ ምዝርራብ ክእለት ነይርዎ እዩ። ሓደስቲ ቓላት ብምፍጣር ከኣ ማህደረ ቓላቱ ኼስፍሕ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣዳም በዚ ኽእለቱ እዚ ገይሩ ንዅሎም እንስሳታት ሰምይዎም እዩ። (ዘፍ. 2:19) ንፈለማ ግዜ ምስ ካልእ ሰብ፡ ማለት ምስታ ጽብቕቲ ሰበይቱ ሄዋን ኪዛራረብ ምስ ከኣለ፡ ብዙሕ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ!—ዘፍ. 2:22, 23

2. ክእለት ዘረባ ኣብ ሕሉፍ ኰነ ሕጂ ኣብ ሕማቕ መዓላ ዝወዓለ ብኸመይ እዩ፧

2 ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ውህበት ዘረባ ኣብ ሕማቕ መዓላ ወዓለ። ሰይጣን ድያብሎስ ንሄዋን ሓሶት ተዛረባ፣ እቲ ሓሶት እቲ ድማ ንሰባት ናብ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን መርሖም። (ዘፍ. 3:1-4) ድሕርዚ ኸኣ፡ ኣዳም ጌጋኡ ንሄዋን ምስ ኣላገበላ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንየሆዋ ምስ ኣላገበሉ፡ ንልሳኑ ብሕማቕ መገዲ ተጠቕመላ። (ዘፍ. 3:12) ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል ምስ ቀተሎ፡ ንየሆዋ ሓሰዎ። (ዘፍ. 4:9) ድሕርዚ፡ ካብ ዘርኢ ቃየል ዝዀነ ላሜክ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ዓመጻ ዜንጸባርቕ ግጥሚ ገጠመ። (ዘፍ. 4:23, 24) ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዅነታትከ ኸመይ እዩ፧ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኸይተሰከፉ ብግህዶ ጽዩፍ ቃላት ኪጥቀሙ ንሰምዕ ኢና። ሕማቕ ዘረባ ዘይብሉ ፊልም ምርካብ እውን ኣጸጋሚ እዩ። ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽዩፍ ቃላት ይሰምዑ እዮም፣ ዓበይቲ እውን ኣብ ስራሕ ነዚ ዘረባ እዚ ይቃልዑ እዮም። ረሳሕ ዘረባ፡ ኣብዛ ዓለምና ዘሎ ስነ ምግባራዊ መለክዒታትን ስርዓት ዘረባን የንቈልቍል ከም ዘሎ ዚሕብር እዩ።

3. ካብ ምንታይ ሓደጋ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ሕማቕ ዘረባ ምስማዕ ክንለምድ እሞ፡ ንሕና ባዕልና ሕማቕ ዘረባ ምዝራብ ክንጅምር ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ፡ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ንደሊ ኢና፣ እዚ ድማ ጽዩፍ ዘረባ ዘይምዝራብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን የጠቓልል እዩ። ነቲ ዜደንቕ ውህበት ዘረባ ብኣወንታዊ መገዲ፡ ማለት ንኣምላኽ ንምውዳስ ክንጥቀመሉ ንደሊ ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከመይ ጌርና (1) ኣብ ኣገልግሎት፡ (2) ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ፡ (3) ኣብ መዓልታዊ ዝርርባትና ኸምኡ ኸም እንገብር ክንምርምር ኢና። ፈለማ ግና፡ የሆዋ ብዘረባና ስለምንታይ ከም ዚግደስ እስከ ንርአ።

የሆዋ ብዘረባና ይግደስ

ዘረባኻ ኣብ ልብኻ ብዛዕባ ዘሎ ነገራት እንታይ ይገልጽ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-5 ርአ) d

4. ብመሰረት ሚልክያስ 3:16፡ የሆዋ ብዘረባና ዚግደስ ስለምንታይ እዩ፧

4 ሚልክያስ 3:16 ኣንብብ። ስለምንታይ እዩ የሆዋ ስማት እቶም ከም ዚፈርህዎን ንስሙ ኸም ዜስተንትኑሉን ኣብ ዘረባኦም ዜርእዩ ሰባት ኣብ ‘መጽሓፍ መዘከርታኡ’ ዚጽሕፎ፧ ዘረባና ኣብ ልብና እንታይ ከም ዘሎ ይገልጽ እዩ። የሱስ፡ “ኣፍሲ ኻብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 12:34) እቲ እንዛረቦ ዘረባ፡ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም እነፍቅሮ የርኢ እዩ። የሆዋ ድማ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣብ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ይደልዮም እዩ።

5. (ሀ) ኣምልኾና ምስ ዘረባና ብኸመይ ይተኣሳሰር፧ (ለ) ኣብታ ስእሊ ኸም ዚርአ፡ ብዛዕባ ዘረባና እንታይ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

5 ኣዘራርባና ኣብቲ የሆዋ ብዛዕባ ኣምልኾና ዘለዎ ኣረኣእያ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። (ያእ. 1:26) ገለ ኻብቶም ንኣምላኽ ዘየፍቅሩ ሰባት፡ ብቝጥዓን ብሕሰምን ብትምክሕትን ይዛረቡ እዮም። (2 ጢሞ. 3:1-5) መሸም ከማታቶም ክንከውን ኣይንደልን ኢና። የግዳስ፡ ብዘረባና ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ኢና እንደሊ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ወይ ኣብ ኣገልግሎት ጥዑምን ልኡምን ዘረባ እናተዛረብና፡ ኣብ ቤትና ንኣባላት ስድራ ቤትና ተሪርን ኣሻዅን ቃላት ንዛረቦም እንተ ዄንና፡ የሆዋ ባህ ይብሎ ድዩ፧—1 ጴጥ. 3:7

6. እቲ ሰናይ ኣዘራርባ ኪምበርሊ እንታይ ጽቡቕ ፍረ እዩ ኣፍርዩ፧

6 ንውህበት ዘረባ ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመሉ ኸለና፡ ካልኦት ሰባት ኣምለኽቲ የሆዋ ምዃንና ኼለልዩ ይኽእሉ እዮም። ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት፡ “ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዜገልግሎን ዘየገልግሎን” ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ኪርእዩ ንሕግዞም ኢና። (ሚል. 3:18) ኪምበርሊ b ዝስማ ሓብቲ ነዚ ኣብ ህይወታ ተመኪራቶ እያ። ኣብ ቤት ትምህርታ ኣብ እተዋህባ ፕሮጀክት ምስ ሓንቲ ጓል ክፍላ ኽትዓዪ ተመደበት። ብሓባር ድሕሪ ምዕያየን፡ ኪምበርሊ ኻብ ካልኦት ተምሃሮ እተፈልየት ምዃና፡ እታ ጓል ክፍላ ኣስተብሃለት። ስለምንታይሲ፡ ንኻልኦት ብድሕሪአን ኣይትነቕፈንን እያ፡ ዘረባኣ ኣወንታዊ እዩ፡ ጽዩፍ ቃላት እውን ኣይትጥቀምን እያ። ስለዚ እታ ጓል ክፍላ በዚ ተመሰጠት፣ ኣብ መወዳእታኡ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ፍቓደኛ ዀነት። ንሰባት ናብ ሓቂ ብዚስሕብ መገዲ ኽንዛረብ ከለና፡ የሆዋ ባህ እዩ ዚብሎ!

7. በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ዘረባ እንታይ ክንገብር ኢና እንለዓዓል፧

7 ኵላትና ንየሆዋ ኽብሪ ብዜምጽኣሉን ምስ ኣሕዋትና ብዜቀራርበናን መገዲ ኢና ኽንዛረብ እንደሊ። እምበኣር፡ ሕጂ “ብቓል . . . ኣርኣያ” እንዀነሉ ገለ ግብራዊ መገድታት እስከ ንርአ።

ኣብ ኣገልግሎት ኣርኣያ ኹን

ኣብ ኣገልግሎት ንእንረኽቦም ሰባት ብለውሃት ምዝራብ፡ ንየሆዋ ባህ የብሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)

8. የሱስ በቲ ኣብ ኣገልግሎት እተጠቕመሉ ኣዘራርባ ኣቢሉ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧

8 ሰባት ኬቘጥዑኻ ኸለዉ፡ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ተዛረብ። የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ሰኽራምን በላዕን ወኪል ድያብሎስን ሰንበት ዜፍርስን ንኣምላኽ ዚጸርፍን ተባሂሉ ብሓሶት ተኸሲሱ እዩ። (ማቴ. 11:19፣ 26:65፣ ሉቃ. 11:15፣ ዮሃ. 9:16) ንሱ ግና ተቘጢዑ ኣይመለሰን። ንሕና እውን ካልኦት ሰባት ሕማቕ ኪዛረቡና ኸለዉ፡ ከምቲ የሱስ ሕማቕ ዘይመለሰ፡ ሕማቕ ክንምልስ የብልናን። (1 ጴጥ. 2:21-23) ልክዕ እዩ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ርእስኻ ምግታእ ቀሊል ኣይኰነን። (ያእ. 3:2) እሞ ደኣ እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

9. ኣብ ዕዮ ስብከት ዘረባና ንምቍጽጻር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

9 ሓደ ብዓል ቤት ኣሉታዊ ዘረባ ምስ ዚዛረበካ፡ ኣብቲ ዘረባኡ ኣይተተኵር። ሳም ዝስሙ ሓው፡ “እቲ ብዓል ቤት ሓቂ ኺሰምዕ ከም ዜድልዮ፡ ኪልወጥ እውን ተኽእሎ ኸም ዘለዎ፡ ኣብዚ ነገራት እዚ እየ ዘተኵር” ይብል። ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ሰብ ቤት ዚቝጥዑ፡ ኣብ ዘይጥዕሞም ግዜ ስለ እንኸዶም እዩ። እተቘጥዐ ሰብ እንተ ኣጋጢሙና፡ ከምቲ ሉሲያ ዝስማ ሓብቲ እትገብሮ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ሓጺር ጸሎት ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ኣብ ጸሎትና እውን ምእንቲ ኽንሃድእን ተሪር ወይ ሕማቕ ዘረባ ምእንቲ ኸይንዛረብን ንየሆዋ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና።

10. ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 4:13፡ እንታይ ሸቶ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

10 ዝያዳ ውጽኢታዊ መምህር ኩን። ጢሞቴዎስ ምኩር ክርስትያን ኣገልጋሊ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ብቐጻሊ መንፈሳዊ ምምሕያሽ ኪገብር ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:13 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ውጽኢታውያን መምህራን ክንከውን እንኽእል፧ ጽቡቕ ክንዳሎ ኣሎና። እቲ ዜሐጕስ፡ ዝሓሽና መምህራን ክንከውን ዚሕግዝና በበይኑ ዓይነት ናውቲ ኣሎና። ነታ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ ዘርእስታ ብሮሹርን ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ ዘሎ “ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ” ዚብል ክፋልን እንተ ተወኪስና፡ ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እሞኸ ነዚ ናውቲ እዝስ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧ ጽቡቕ እንተ ተዳሊና፡ ፍርህና ይቕንጠጥ እዩ፡ ብምትእምማን እውን ክንዛረብ ንኽእል ኢና።

11. ገሊኦም ክርስትያናት ዝሓሹ መምህራን ኪዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

11 ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ መምህራን ብምዕዛብን ካባታቶም ትምህርቲ ብምውሳድን፡ ዝሓሽና መምህራን ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሳም፡ ገሊኦም ክርስትያናት ንፉዓት መምህራን ኪዀኑ ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑ ገዛእ ርእሱ ይሓትት እዩ። ሜላታቶም የጽንዕ፡ ኣብነቶም ኪስዕብ እውን ይጽዕር እዩ። ታልያ ዝስማ ሓብቲ ኸኣ፡ ኣብቲ ምኩራት ተዛረብቲ ህዝባዊ መደረ ዜማዕብሉሉ መገዲ ተቕልብ እያ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም እትዛረብን ብዙሕ ግዜ ዚልዓል ርእሰ ነገራት ብኸመይ ከም እተረድእን ክትምሃር ክኢላ እያ።

ኣብ ኣኼባታት ኣርኣያ ኹን

ኣብ ኣኼባታት ብምሉእ ልቢ ምዝማር፡ ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኣሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ)

12. ገሊኦም እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም፧

12 ኵላትና ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዓው ኢልና ብምዝማርን ብግቡእ እተዳሎናሉ ሓሳባት ብምሃብን፡ ኣኼባታትና ዕዉት ኪኸውን ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (መዝ. 22:22) ገሊኦም ሰባት ምዝማር ወይ ኣብ ኣኼባ ሓሳብ ምሃብ ይኸብዶም እዩ። ንዓኻኸ ይኸብደካ ድዩ፧ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ገሊኦም ነዚ ፍርሆም ንምስናፍ እንታይ ከም ዝሓገዞም ክትፈልጥ ትደሊ ትኸውን።

13. ኣብ ኣኼባታት ብምሉእ ልብና ንምዝማር፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

13 ብምሉእ ልብኻ ዘምር። መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንዝምር ከለና፡ ብቐዳምነት ኣብቲ ንየሆዋ ንምውዳስ ዘሎና ድሌት ኢና ኸነተኵር ዘሎና። ሳራ ዝስማ ሓብቲ፡ መዝሙር ክሳዕ ክንድቲ ዘይትኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓ። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ብመዝሙር ክትውድሶ ትደሊ እያ። ነዚ ዕላማኣ ንምውቃዕ ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ኣኼባታት ንዚቐርብ ካልእ ክፍልታት እትዳለወሉ፡ ንመዝሙር እውን ኣብ ገዛኣ ምድላው ሓጋዚ ዀይኑ ረኺባቶ እያ። ንመዝሙራት ትለማመደሉ፡ እቲ ግጥሚ ምስቲ ዚቐርብ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ እውን ከተለሊ ትጽዕር እያ። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ኸኣ፡ “እዚ ኣብቲ ናይ ምዝማር ክእለተይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ቓላት ብዝያዳ ኸተኵር ይሕግዘኒ እዩ” ትብል።

14. ሓፋር እንተ ዄንካ፡ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ንምሃብ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

14 ኣዘውቲርካ ሓሳብ ሃብ። ልክዕ እዩ፡ እዚ ንገሊኦም ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ታልያ፡ “ድምጸይ ህዱእ ብምዃኑ ንስክፍታይ ካልኦት ሰባት ዘየስተብህሉሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብተፈጥሮይ ኣመና ስክፍቲ እየ። ስለዚ፡ ሓሳብ ምሃብ ኣዝዩ ይኸብደኒ እዩ” ትብል። እንተዀነ ግና፡ ሓሳብ ካብ ምሃብ ድሕር ኣይትብልን እያ። ንኣኼባታት ክትዳሎ ኸላ፡ እቲ ቐዳማይ ምላሽ ሓጺርን ቀጥታውን ኪኸውን ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ተእቱ እያ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ሓጺርን ቀሊልን ቀጥታውን ምላሽ እንተ ሃብኩ፡ ጌጋ የብሉን። እቲ ዚመርሕ ሓው እውን ከምኡ እዩ ዚደሊ” ትብል።

15. ሓሳብ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

15 ሓፋራት ዘይኰኑ ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ ሓሳብ ካብ ምሃብ ይቝጠቡ ይዀኑ። ስለምንታይ፧ ጁልየት ዝስማ ሓብቲ፡ “እቲ ዝህቦ ሓሳባት ተራን ዘይበቅዕን ከይከውን ስለ ዝስከፍ፡ ሓሳብ ንምሃብ እወላወል እየ” ትብል። የሆዋ ግና ብዓቕምና ብሉጽ ሓሳባት ክንህብ ከም ዚደልየና ኽንርስዕ የብልናን። c ነቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንዕኡ ንምውዳስን ፈሪህና ስቕ ንዘይምባልን እንገብሮ ቘራጽነት ብዙሕ የማስወሉ እዩ።

ኣብ መዓልታዊ ዝርርባትካ ኣርኣያ ኹን

16. እንታይ ዓይነት ዘረባ ኢና ኸነወግድ ዘሎና፧

16 ኵሉ ዓይነት “ጸርፊ” ኣወግድ። (ኤፌ. 4:31) ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ ጽዩፍ ዘረባ ኻብ ከናፍር ክርስትያን ፈጺሙ ኺወጽእ የብሉን። እንተዀነ ግና፡ ክንጥቀቐሉ ዜድልየና ስዉር ዓይነት ጸርፊ እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ባህሊ፡ መበቈል፡ ወይ ዓሌት ክንዛረብ ከለና፡ ኣሉታዊ ንጽጽር ከይንገብር ክንጥንቀቕ ኣሎና። ብተወሳኺ፡ ብዚወግእ ቃላት ጌርና ንሰባት ክንጐድኦም ኣይንደልን ኢና። ሓደ ሓው ከምዚ ኢሉ ጕድለቱ ይእመን፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ንዓይ መስሓቕን ዘይጓዳእን ዚመስለኒ፡ ሃሳዪ ናይ ኣሽሙር ዘረባ እዛረብ ነይረ እየ። ከም ሓቂ ግና፡ እዚ ንስምዒት ሰባት ይጐድእ ነይሩ እዩ። ዘረባይ ንሰበይተይ ኰነ ንኻልኦት ሰባት ሕማቕን ዚጐድእን ኣብ ዝዀነሉ እዋናት፡ ሰበይተይ ንበይነይ ገይራ ብምንጋር ንዓመታት ብዙሕ ሓጊዛትኒ እያ።”

17. ምስ ኤፌሶን 4:29 ብምስምማዕ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንኻልኦት እንሃንጽ፧

17 ንኻልኦት ዚሃንጽ ዘረባ ተዛረብ። ኣብ ክንዲ ምንቃፍ ወይ ምምራር፡ ንምንኣድ ቅልጡፍ ኩን። (ኤፌሶን 4:29 ኣንብብ።) እስራኤላውያን ብዙሕ ዜመስግኑሉ ነገራት እኳ እንተ ነበሮም፡ ወግሐ ጸብሐ የማርሩ ነይሮም እዮም። ናይ ምምራር መንፈስ ብቐሊሉ ኺላባዕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ኣሉታዊ ወረ ሒዞም ምስ ተመልሱ፡ ‘ኵሎም እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምሪሞም እዮም።’ (ዘሁ. 13:31-14:4) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ናእዳ ኣወንታዊ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ጓል ይፍታሕ ሳላ እቲ ኻብ ኣዳኖታታ እትረኽቦ ዝነበረት ናእዳ፡ ኣብቲ ምድባ ጸኒዓ ንምቕጻል ብዙሕ ተተባቢዓ ኽትከውን ኣለዋ። (መሳ. 11:40) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሳራ፡ “ንሰባት ክንንእዶም ከለና፡ ብየሆዋ ኸም ዚፍቀሩን ኣብ ውድቡ ቦታ ኸም ዘለዎምን ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ንገብር ኢና” ትብል። ስለዚ፡ ንኻልኦት ካብ ልቢ እትንእደሉ ኣጋጣሚታት ኣናዲ።

18. ብመሰረት መዝሙር 15:1, 2፡ ስለምንታይ ኢና ሓቂ ኽንዛረብ ዘሎና፧ እዚኸ እንታይ የጠቓልል፧

18 ሓቂ ተዛረብ። ሓቂ ዘይንዛረብ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ፡ ኵሉ ዓይነት ሓሶት ይጸልእ እዩ። (ምሳ. 6:16, 17) ብዙሓት ሰባት ሎሚ ንሓሶት ከም ንቡር ክፍሊ ዘረባ ገይሮም ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሕና ግና ኣረኣእያ የሆዋ ኢና እንስዕብ። (መዝሙር 15:1, 2 ኣንብብ።) መሸም ውጹእ ሓሶት ኣይንዛረብን ኢና፣ ብዘይካዚ ግና፡ ንሰባት ናብ ግጉይ መደምደምታ ኸም ዚበጽሑ እውን ኣይንገብርን ኢና።

ኣሉታዊ ዝርርብ ናብ ኣወንታዊ ዘረባ ምቕያር፡ ሞገስ የሆዋ የምጽእ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

19. እንታይ ተወሳኺ ጥንቃቐ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

19 ጐዳኢ ወረ ኣይትንዛሕ። (ምሳ. 25:23፣ 2 ተሰ. 3:11) እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ጁልየት፡ ኣሉታዊ ወረ ብኸመይ ከም ዚጸልዋ ኽትገልጽ ከላ፡ ከምዚ ትብል፦ “ኣሉታዊ ወረ ምስማዕ፡ ሕማቕ ስምዒት እዩ ዚፈጥረለይ። ኣብቲ ዜውርዮ ዘሎ ሰብ ዘሎኒ እምነት ከም ዜጥፍእ እዩ ዚገብረኒ። ከመይሲ፡ እቲ ሰብ እቲ ብድሕረይ ብዛዕባይ ከም ዘየውሪ ኸመይ ገይረ እፈልጥ፧” እምበኣር፡ ሓደ ዕላል ናብ ሕማቕ ወረ ይቕየር ከም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልካ፡ ኣንፈቱ ቐይሮ።—ቈሎ. 4:6

20. ብዘረባኻ እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

20 ሕማቕ ዘረባ ኣብ ዘስፋሕፍሓላ ዓለም ስለ እንነብር፡ ዘረባና ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ምእንቲ ኪኸውን ክንጽዕር ኣሎና። ዘረባ ኻብ የሆዋ እተዋህበና ውህበት ምዃኑ ኣይንረስዕ፣ ንሱ ድማ ብዛዕባ ኣጠቓቕማና ይግደስ እዩ። ነቲ ንዘረባና ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ኣኼባታትን ኣብ መዓልታዊ ዝርርባትናን ብኣወንታዊ መገዲ ንምጥቃም እንገብሮ ልባዊ ጻዕርታት ይባርኾ እዩ። ጽልዋ እዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ስርዓት ምስ ኣብቅዐ፡ ንየሆዋ ብዘረባና ምኽባር ዝቐለለ ኪዀነልና እዩ። (ይሁ. 15) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ‘ብቓላት ኣፍካ’ ንየሆዋ ባህ ንምባል ቈራጽነት ግበር።—መዝ. 19:14

መዝሙር 121 ርእስና ኽንገትእ ኣሎና

a የሆዋ ዜደንቕ ውህበት ሂቡና ኣሎ፣ እዚ ድማ ውህበት ዘረባ እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ መብዛሕትኦም ሰባት ነዚ ውህበት እዚ ኸምቲ የሆዋ ዝሓለኖ ገይሮም ኣይጥቀሙሉን እዮም። ኣብዛ መለክዒታታ እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ዘሎ ዓለም፡ ዘረባና ንጹህን ሃናጽን ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ኣብ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ከለና፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽንእከብ ከለና፡ ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ክንዛራረብ ከለና፡ ዘረባና ንየሆዋ ባህ ዜብል ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽንርኢ ኢና።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

c ሓሳብ ብዛዕባ ምሃብ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ኣብ ናይ ጥሪ 2019 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንየሆዋ ኣብ ጉባኤ ወድሶ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ንሓደ እተቘጥዐ ብዓል ቤት ተሪር ምላሽ ይህቦ፣ ሓደ ሓው ኣብ ጉባኤ ኣይዝምርን፣ ሓንቲ ሓብቲ ሕማቕ ወረ ተውሪ።