ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 16

ንየሆዋ ዓቕምኻ ብምሃብ፡ ተሓጐስ

ንየሆዋ ዓቕምኻ ብምሃብ፡ ተሓጐስ

“ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር።”—ገላ. 6:4

መዝሙር 37 ብምሉእ ነፍሰይ ንየሆዋ አገልግሎ እየ

መላለዪ a

1. እንታይ እዩ ዓሚቝ ሓጐስ ዜምጽኣልና፧

 የሆዋ ኽንሕጐስ ይደልየና እዩ። ስለምንታይሲ፡ ሓጐስ ሓደ መዳይ ፍረ እቲ ቕዱስ መንፈሱ እዩ። (ገላ. 5:22) ካብ ምቕባል፡ ምሃብ ስለ ዘሐጕስ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ክንሳተፍ ከለና፡ ንኣሕዋትና እውን ብእተፈላለየ መገዲ ኽንሕግዞም ከለና፡ ዓሚቝ ሓጐስ ይስምዓና እዩ።—ግብ. 20:35

2-3. (ሀ) ኣብ ገላትያ 6:4 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሕጉሳት ንምዃን እንታይ ክልተ ረቛሒታት ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

2 ኣብ ገላትያ 6:4 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ሕጉሳት ንምዃን ዚሕግዝ ክልተ ረቛሒታት ጠቒሱ ኣሎ። (ኣንብብ።) ቀዳማይ፡ ንየሆዋ ዓቕምና ኽንህቦ ኣሎና። ምሉእ ዓቕምና ንህቦ እንተ ዄንና፡ ሕጉሳት ንኸውን ኢና። (ማቴ. 22:36-38) ካልኣይ፡ ርእስና ምስ ካልኦት ከነነጻጽር የብልናን። ሳላ ጥዕናና፡ ስልጠናና፡ ወይ ተውህቦና ኽንገብሮ እንኽእል ነገር እዚ ይኹን እቲ፡ ንየሆዋ ኸነመስግኖ ኣሎና። ከመይሲ፡ ኵሉ እቲ ዘሎና፡ ካብኡ ኢና ረኺብናዮ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ካልኦት ኣብ ገሊኡ መዳይ ኣገልግሎት ዕዉታት እንተ ዀይኖም፡ ክእለቶም ንየሆዋ ንምውዳስ ደኣ እምበር፡ ገዛእ ርእሶም ንምውዳስ፡ ወይ ንጥቕሚ ርእሶም ስለ ዘየውዓልዎ፡ በዚ ኽንሕጐስ ኣሎና። ስለዚ፡ ገዛእ ርእስና ምሳታቶም ኣብ ክንዲ እነወዳድር፡ ካባታቶም ክንምሃር ኣሎና።

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና እጃም ድሩት ኰይኑ ምስ ዚስምዕና፡ ነዚ ስምዒት እዚ ብኸመይ ከም እነሰንፎ ኽንርኢ ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ ዘሎና ተውህቦ ኸመይ ጌርና ኣጸቢቕና ኸም እንጥቀመሉን ካብ ናይ ካልኦት ኣብነት እንታይ ከም እንምሃርን ክንርኢ ኢና።

ዓቕምና ድሩት ኰይኑ ምስ ዚስምዓና

ኣብ ኵሉ ደረጃታት ህይወትና ብዓቕምና እንተ ኣገልጊልና፡ የሆዋ በዚ ባህ ይብሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-6 ርአ) b

4. እንታይ ኵነታት እዩ ናብ ጓሂ ኺመርሓና ዚኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

4 ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ብሰንኪ እርጋን ወይ ጸገም ጥዕና ዓቕሞም ኪድረት ከሎ፡ ነዚ ምቕባል የሸግሮም እዩ። ንኣብነት፡ ካሮል ከምኡ እዩ ተሰሚዕዋ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይዳ ተገልግል ነይራ እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ 35 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ መርሐት፡ ንገሊኦም እውን ርእሶም ወፍዮም ኪጥመቑ ሓገዘት። ስለዚ፡ ካሮል ኣብ ኣገልግሎታ ጽቡቕ ፍረ እያ ረኺባ! ድሕርዚ ግና ጥዕና ሰኣነት፡ ብሰንኪ እዚ እውን ዓዲ ውዒል ኰነት። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ካሮል ከምዚ ትብል፦ “ናይ ጥዕና ጸገም ስለ ዘሎኒ፡ ከምቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ኽገብር ኸም ዘይክእል እፈልጥ እየ። እንተዀነ ግና፡ ከማታቶም እምንቲ ዘይኰንኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። እዚ ኣብ መንጎ ድሌትን ክዉንነትን ዘሎ ቓልሲ እዩ፣ ንምጽዋሩ እውን ኣዝዩ ኸቢድ እዩ።” ካሮል ንየሆዋ ዚከኣላ ኽትገብር እያ እትደሊ። እዚ ኣዝዩ ዚንኣድ እዩ! እቲ ርሕሩሕ ኣምላኽና ነዚ ሰናይ መንፈሳ ኸም ዜማስወሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

5. (ሀ) ዓቕምና ድሩት ብምዃኑ እንተ ጕሂና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ (ለ) ኣብታ ስእሊ ኸም ዚርአ፡ እቲ ሓው ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምሉእ ዓቕሙ ዚህብ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

5 ሓድሓደ ግዜ፡ ዓቕምኻ ድሩት ብምዃኑ እትጕሂ እንተ ዄንካ፡ ገዛእ ርእስኻ፡ ‘የሆዋ ኻባይ እንታይ እዩ ዚጽበ፧’ ኢልካ ሕተት። የሆዋ ዓቕምኻ ኽትህቦ እዩ ዚጽበ፣ ነቲ ህሉው ኵነታትካ እዩ ኣብ ግምት ዜእቱ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እስከ ንርአ፦ ኣብ 80ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሓብቲ፡ ማዕረ እቲ ኣብ 40ታት ዕድሚኣ ኸላ እተገልግሎ ዝነበረት ክትገብር ብዘይምኽኣላ ትጕሂ። ዓቕማ ትገብር እኳ እንተላ፡ እዚ ግና ንየሆዋ ባህ ከም ዘየብሎ ትሓስብ። ብሓቂ ግና ከምኡ ድዩ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ። እዛ ሓብቲ እዚኣ ኣብ 40ታት ዕድሚኣ ዓቕማ እያ ሂባ፡ ኣብ 80ታት ዕድሚኣ እውን ዓቕማ እያ ሂባ። ስለዚ፡ ዓቕማ ኻብ ምሃብ ኣየቋረጸትን። ኣገልግሎትና ንየሆዋ ባህ ከም ዘየብሎ ዀይኑ ኺስምዓና እንተ ጀሚሩ፡ ንዕኡ ባህ ብዛዕባ ዜብሎ ነገራት መለክዒ ዚሰርዕ፡ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ዓቕምና እንተ ጌርና፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና፡ “ንፉዕ” ይብለና እዩ።—ምስ ማቴዎስ 25:20-23 ኣረኣኢ።

6. ካብ ማሪያ እንታይ ንምሃር፧

6 ኣብቲ ኽንገብሮ ዘይንኽእል ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኽንገብሮ እንኽእል እንተ ኣተኲርና፡ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ማሪያ ንዝስማ ሓብቲ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ንኣገልግሎታ ዚድርት ሕማም ኣጋጠማ። ኣብ ፈለማ፡ ብሰንኪ እዚ ጭንቀት ኣሕዲራን ዘይትረብሕ ኰይኑ ተሰሚዕዋን ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ጉባኤኣ ዘላ ኻብ ዓራት ክትትንስእ ዘይትኽእል ሓብቲ ምስ ሓሰበት፡ ክትሕግዛ ወሰነት። ማሪያ እንታይ ከም ዝገበረት ክትገልጽ ከላ፡ “ምስኣ ብተሌፎንን ብደብዳበን ንምስባኽ ምድላዋት ገይረ። ብሓባር በብዘገልገልና መጠን፡ ንሓብተይ ክሕግዛ ብምኽኣለይ ሓጐስን ዕግበትን ተሰሚዑኒ እየ ናብ ገዛይ ዝምለስ” ትብል። ንሕና እውን ኣብቲ ኽንገብሮ ዘይንኽእል ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኽንገብሮ እንኽእል እንተ ኣተኲርና፡ ሓጐስና ኺውስኽ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ዝያዳ ኽንገብር እንኽእል እንተ ዄንና፡ ወይ ኣብ ገሊኡ መዳይ ኣገልግሎት የሆዋ ጽቡቕ ከነበርክት እንኽእል እንተ ዄንና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

ውህበት እንተ ኣልዩካ፡ ብእኡ ጌርካ ‘ኣገልግል’!

7. ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት እንታይ ግብራዊ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧

7 ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብታ ቐዳመይቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈት መልእኽቱ ንኣሕዋቱ፡ ነቲ ዘለዎም ውህበታትን ክእለታትን ንክርስትያናት ብጾቶም ንምህናጽ ኪጥቀሙሉ ተማሕጺንዎም እዩ። ጴጥሮስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ከከም እቲ እተቐበሎ ውህበት፡ ከም ሕያዎት ኣመሓደርቲ . . . ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ጴጥ. 4:10) ካልኦት ከይቀንኡ ወይ ተስፋ ኸይቈርጹ ኢልና፡ ብውህበታትና ምሉእ ብምሉእ ካብ ምጥቃም ክንቍጠብ የብልናን። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንየሆዋ ምሉእ ዓቕምና ኣይኰንናን እንህቦ።

8. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 4:6, 7፡ ስለምንታይ ኢና ብውህበታትና ኽንምካሕ ዘይብልና፧

8 ንውህበታትና ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ ኣሎና። እንተዀነ ግና፡ ብእኡ ኸይንምካሕ ክንጥንቀቕ ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 4:6, 7 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ምናልባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ዕዉት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። በቲ ውህበት እቲ ጌርካ ኻብ ምግልጋል ኣይትቈጠብ! በቲ ውህበት እቲ ጌርካ ምግልጋልን ብእኡ ምምካሕን ግና ክልተ እተፈላለየ ነገር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጅማር ጽቡቕ ተመክሮ ረኺብካ ንበል። ነቶም ኣብ ጕጅለኻ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ብዛዕባኡ ኽትነግሮም ተሃንጢኻ ኣለኻ። ምስቶም ጕጅለኻ ምስ ተራኸብካ ግና፡ ሓንቲ ሓብቲ መጽሔት ብምብርካት ዝረኸበቶ ተመክሮ ኸተዘንትወሎም ትጸንሓካ። ንሳ መጽሔት ኣበርኪታ፡ ንስኻ ድማ መጽናዕቲ ኣጀሚርካ። ሽዑ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ እቶም ጕጅለ ብተመክሮኻ ኸም ዚተባብዑ ትፈልጥ ኢኻ። ነታ መጽሔት ዘበርከተት ሓብቲ ሓጐሳ ኸይተጥፍኣላ ኢልካ ግና፡ ነቲ ተመክሮ ንኻልእ ግቡእ እዋን ኪጸንሓልካ ትውስን ትኸውን። እዚ ዝገበርካዮ ነገር፡ ለውሃት እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ግና ደው ኣይተብል። ውህበት ኣሎካ፡ ብእኡ ጌርካ ኣገልግል!

9. ንውህበታትና ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧

9 ዝዀነ ተውህቦና ኻብ ኣምላኽ እተዋህበና ምዃኑ ኣይንረስዕ። ነዚ ውህበታት እዚ ኸኣ ገዛእ ርእስና ኽብ ንምባል ዘይኰነስ፡ ንጉባኤ ንምህናጽ ክንጥቀመሉ ኣሎና። (ፊል. 2:3) ጕልበትናን ግዜናን ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ክንጥቀመሉ ኸለና፡ ዜሐጕስ ነገር ይህልወና እዩ። እዚ ዜሐጕስ ነገር ዚህልወና ኸኣ፡ ሓለፋ ኻልኦት ስለ ዝገበርና፡ ወይ ካብ ካልኦት ስለ ዝበለጽና ዘይኰነስ፡ ውህበታትና ንየሆዋ ንምውዳስ ስለ እተጠቐምናሉ እዩ።

10. ገዛእ ርእስና ምስ ካልኦት ምንጽጻር ቅኑዕ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

10 እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ብርታዐና ምስ ድኽመት ካልእ ሰብ ብምውድዳር፡ ኣብ መጻወድያ ኽንኣቱ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ጽቡቕ ህዝባዊ መደረ የቕርብ ይኸውን። እዚ ብርታዐኡ እዩ። ብልቡ ግና መደረታት ምቕራብ ንዜሸግሮ ሓው ይንዕቆ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እቲ ሓደ ሓው ንሰባት ኣብ ምእንጋድ፡ ንደቁ ኣብ ምስልጣን፡ ወይ ብቕንኣት ኣብ ምግልጋል ብሉጽ ክእለት ይህልዎ ይኸውን። ውህበታቶም ንየሆዋ ንምግልጋልን ንኻልኦት ንምሕጋዝን ዚጥቀሙሉ ኣዝዮም ብዙሓት ክኢላታት ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዘለዉና ብዙሕ ነመስግን ኢና!

ካብ ኣብነታት ካልኦት ተምሃር

11. የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ንምስዓብ ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 ገዛእ ርእስና ምስ ካልኦት ከነነጻጽር እኳ እንተ ዘይብልና፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ዝሓደግዎ ኣብነታት ግና ንምሃር ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ የሱስ እስከ ንርአ። ንሱ ፍጹም እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቲ ጽቡቕ ባህርያቱን መገድታቱን ክንምሃር ንኽእል ኢና። (1 ጴጥ. 2:21) ኣብነቱ ብጥብቂ ንምስዓብ ዚከኣለና እንተ ጌርና፡ ዝሓሽና ኣገልገልቲ የሆዋ ንኸውን፡ ኣብ ኣገልግሎትና እውን ብዝያዳ ውጽኢታውያን ንኸውን ኢና።

12-13. ካብ ንጉስ ዳዊት እንታይ ንምሃር፧

12 ዘይፍጹማት ክነሶም ክንመስሎም ዘሎና ብዙሓት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ቃል ኣምላኽ ይርከቡ እዮም። (እብ. 6:12) ብዛዕባ ንጉስ ዳዊት እሞ ሕሰብ። የሆዋ ንዕኡ፡ “ከም ልበይ ዝዀነ ሰብኣይ” ወይ ብመሰረት ካልእ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልዕሊ ዅሉ ባህ ዜብለኒ ዓይነት ሰብ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። (ግብ. 13:22) ዳዊት ግና ፍጹም ኣይነበረን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ከቢድ ጌጋታት ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ጽቡቕ ኣብነት ይዀነና እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ምስ ተኣረመ፡ መመኽነይታ ኬቕርብ ኣይፈተንን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ እተዋህቦ ሓያል ምኽሪ ተቐቢሉ፡ በቲ ዝገበሮ ድማ ካብ ልቡ ጕህዩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ የሆዋ ይቕረ ኢሉሉ እዩ።—መዝ. 51:3, 4, 10-12

13 ገዛእ ርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ብምሕታት፡ ካብ ዳዊት ክንምሃር ንኽእል ኢና፦ ‘ምኽሪ ኺውሃበኒ ኸሎ፡ እንታይ ምላሽ እየ ዝህብ፧ ጌጋታተይ ብቕልጡፍ እእመን ድየ፡ ወይስ መመኽነይታ ከቕርብ እየ ዝፍትን፧ ብጌጋታተይ ተቐላጢፈ ንኻልኦት እወቅስ ድየ፧ ጌጋታተይ ንዘይምድጋምከ ዚከኣለኒ እጽዕር ድየ፧’ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚርከቡ ኻልኦት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ከተንብብ ከለኻ፡ ተመሳሳሊ ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ምስቲ ንዓኻ ዜጋጥመካ ዘሎ ዚመሳሰል ጸገማትዶ ኣጋጢምዎም፧ እንታይ ዚንኣድ ባህርያት ኣርእዮም፧ ብዘይካዚ ኸኣ፡ ‘ከምዚ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’ ኢልካ ዅሉ ሳዕ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።

14. ንክርስትያናት ብጾትና ብምዕዛብ፡ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

14 ንንኣሽቱን ንዓበይትን ክርስትያናት ብጾትና ብምዕዛብ እውን፡ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ጉባኤኻ ብተኣማንነት ፈተና ዚጻወር ዘሎ ሰብዶ ኣሎ፧ ምናልባት ጸቕጢ መዛኑ፡ ካብ ስድራ ቤት ዜጋጥም ተቓውሞ፡ ወይ ጸገም ጥዕና ይጻወር ይህሉ ይኸውን። እሞኸ ኣብቲ ሰብ እቲ ንስኻ ብዝያዳ ኽትኵስኵሶ እትደሊ ዚንኣድ ባህርያት ርኢኻዶ፧ ነቲ ሰናይ ኣብነት እንተ ኣስተንቲንካሉ፡ ንፈተናታትካ ኽትጻወር ዜኽእል ግብራዊ መገድታት ክትምሃር ትኽእል ትኸውን። ክንመስሎም ዘሎና ህያዋን ኣብነታት እምነት ስለ ዘለዉና፡ ብዙሕ ነመስግን ኢና፣ እዚ ብሓቂ ዜሕጕስ ነገር እዩ!—እብ. 13:7፣ ያእ. 1:2, 3

በቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ተሓጐስ

15. ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብሓጐስ ክንቅጽል ዚሕግዘና እንታይ ምኽሪ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃበ፧

15 ኣብ ጉባኤ ሰላምን ሓድነትን ከም ዚሰፍን ንምግባር፡ ነፍሲ ወከፍና ብዓቕምና ኽንህብ ኣሎና። ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እስከ ንሕሰብ። ንሳቶም በበይኑ ውህበታትን ዕዮታትን ነይርዎም እዩ። (1 ቈረ. 12:4, 7-11) እዚ ግና ንውድድርን ንኽፍፍልን ጠንቂ ኣይኰኖምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጳውሎስ፡ ነፍሲ ወከፎም “ንምህናጽ ሰብነት ክርስቶስ” ኣበርክቶ ኺገብሩ ተማሕጸኖም። ንሰብ ኤፌሶን ድማ፡ “ኵሉ ኣካል ብግቡእ ምስ ዚዓዪ፡ ንርእሱ ብፍቕሪ ስለ ዚሃንጽ፡ እዚ ንዕቤት እቲ ሰብነት ኣበርክቶ ይገብር እዩ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ኤፌ. 4:1-3, 11, 12, 16) እቶም ከምኡ ዝገበሩ፡ ሰላምን ሓድነትን ከም ዚሰፍን ገይሮም እዮም፣ እዚ ባህርያት እዚ ድማ ሎሚ እውን ኣብ ጉባኤታትና ንርእዮ ኢና።

16. እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧ (እብራውያን 6:10)

16 ገዛእ ርእስኻ ምስ ካልኦት ከይተነጻጽር ቈራጽነት ግበር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ የሱስ ተምሃር፣ ባህርያቱ ንምቕዳሕ እውን ጽዓር። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚርከቡ ኣብነታትን ኣብዚ ግዜና ኻብ ዚርከቡ ኣብነታት እምነትን እውን ተጠቐም። ዓቕምኻ ኽትገብር ከለኻ፡ የሆዋ ‘ግብርኻ ዚርስዕ ዓማጺ ኸም ዘይኰነ’ ተኣማመን። (እብራውያን 6:10 ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንምሕጓስ ብምሉእ ነፍስኻ እትገብሮ ጻዕርታት ከም ዜማስወሉ ብምፍላጥ፡ በቲ ንዕኡ እተቕርቦ ኣገልግሎት ተሓጐስ።

መዝሙር 65 ንገስግስ!

a ኵላትና፡ ኣብነት ካልኦት ብምዕዛብ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እዚ ግና ሓደጋ ኣለዎ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካልኦት ዝዓመምዎ ኽንዕዘብ ከለና፡ ሓጐስና ኽንዕቅብ፡ በቲ ንጽጽር ድማ ከይንዕበ ወይ ከይንጕሂ ትሕግዘና።

b መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው መንእሰይ ከሎ፡ ኣብ ቤት-ኤል የገልግል። ድሕሪኡ ምስ ተመርዓወ፡ ምስ ሰበይቱ ፈላሚ ዀይኑ የገልግል። ውሉዳት ምስ ወለደ፡ ንደቁ ኣብ ኣገልግሎት የሰልጥነን። ሕጂ ብዕድመ ምስ ደፍአ ኸኣ፡ ብደብዳበ እናመስከረ፡ ብዓቕሙ የገልግል።