ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጭንቀት ብኸመይ ክትጻወሮ ትኽእል፧

ንጭንቀት ብኸመይ ክትጻወሮ ትኽእል፧

ጭንቀት ኣብ ልብና ኸም ከቢድ ጾር ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳ. 12:25) እሞ ደኣ ኣብ ህይወትካ ብጭንቀት ተደቚስካዶ ትፈልጥ፧ ‘ድሕሪ ሕጅስ ኣይክእሎን እየ!’ ኢልካዶ ሓሲብካ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንበይንኻ ጥራይ ኣይኰነን። መብዛሕትና ንሰብና ንናቢ ኢና፡ እንፈትዎም ሰብና ሞይቶምና እዮም፡ ኣደዳ ባህርያዊ ሓደጋ ዄንና ኢና፡ ወይ ብኣካላውን ብኣእምሮኣውን ብስምዒታውን መዳይ ሓይልና ዚጽንቅቕ ኵነታት የጋጥመና እዩ። እሞ ደኣ ንጭንቀት ክንዋጽኣሉ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ a

ኣብነት ንጉስ ዳዊት ብምምርማር፡ ንጭንቀት ብኸመይ ክንጻወሮ ኸም እንኽእል ብዙሕ ንምሃር ኢና። ዳዊት ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣጋጢምዎ እዩ፣ ምስ ሞት እውን ከይተረፈ ተፋጢጡ እዩ። (1 ሳሙ. 17:34, 35፣ 18:10, 11) እሞ ደኣ ዳዊት ንጭንቀት ብኸመይ ተጻዊርዎ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

ዳዊት ንጭንቀቱ ብኸመይ ተጻዊርዎ፧

ዳዊት ተደራራቢ ጸገማት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ካብቲ ኪቐትሎ ዝደለየ ንጉስ ሳኦል እናሃደመ ኸሎ፡ ዘጋጠሞ ዅነታት እስከ ንርአ። ንሱን ሰቡን ካብ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምስ ተመልሱ፡ ጸላእቶም ብዝገበርዎ መጥቃዕቲ፡ ንብረቶም ተሰሪቑ፡ ኣባይቶም ብሓዊ ነዲዱ፡ ስድራ ቤቶም ከኣ ምሩኻት ኰይኖም ተወሲዶም ጸንሕዎም። ሽዑ ዳዊት እንታይ ገይሩ፧ “ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡን ንምብካይ ሓይሊ ኽሳዕ ዚስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ።” ንዳዊት ኣብ ርእሲ ጭንቀቱ ጭንቀት ዝወሰኸሉ ኸኣ፡ እቶም ዚኣምኖም ሰቡ “ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ይዛረቡ” ስለ ዝነበሩ እዩ። (1 ሳሙ. 30:1-6) ስለዚ፡ ሰለስተ ዓበይቲ ጸገማት ብሓንሳእ እዩ ኣጋጢምዎ፣ ቀዳማይ፡ ስድራ ቤቱ ኣብ ሓደጋ እዮም ነይሮም፣ ካልኣይ፡ ሰቡ ኸይቀትልዎ ፈሪሁ ነይሩ፣ ሳልሳይ ከኣ፡ ንጉስ ሳኦል ይሃድኖ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንዳዊት እተሰምዖ ጭንቀት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ!

እሞ ደኣ ዳዊት ቀጺሉ እንታይ ገበረ፧ ብኡብኡ “ብየሆዋ ኣምላኹ በርትዐ።” ከመይ ገይሩኸ እዩ ኸምኡ ዝገበረ፧ ዳዊት ሓገዝ ኬድልዮ ኸሎ ናብ የሆዋ ናይ ምጽላይ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ዝሃቦ ሓገዝ እውን ናይ ምስትንታን ልምዲ ነይርዎ እዩ። (1 ሳሙ. 17:37፣ መዝ. 18:2, 6) ስለዚ፡ መምርሒ የሆዋ ኸም ዜድልዮ ፈለጠ፣ እንታይ ከም ዚገብር ከኣ ንየሆዋ ሓተቶ። ካብ የሆዋ መምርሒ ምስ ተዋህቦ ድማ፡ ብኡብኡ ስጕምቲ ወሰደ። ከምኡ ስለ ዝገበረ ኸኣ፡ የሆዋ ንዕኡን ንሰቡን ባረኾም፣ ንሳቶም እውን ንስድራ ቤቶምን ንጥሪቶምን ኣምለሱ። (1 ሳሙ. 30:7-9, 18, 19) እሞ ደኣ ነቲ ዳዊት ዝገበሮ ሰለስተ ስጕምትታትሲ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸለየ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ዝገበረሉ ነገራት ኣስተንተነ፡ ብመሰረት መምርሒ የሆዋ እውን ስጕምቲ ወሰደ። ንሕናኸ ኸመይ ጌርና ኢና ንዳዊት እንመስሎ፧ ነዚ ሰለስተ መገድታት ንርአ።

ክትጭነቕ ከለኻ፡ ንዳዊት ምሰሎ

1. ጸሊ። ክንጭነቕ ከለና፡ ካብ የሆዋ ሓገዝን ጥበብን ንምርካብ ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ነዊሕ ጸሎት ብምጽላይን ኣብ ልብና ዘሎ ናብኡ ብምፍሳስን፡ ጾርና ኽንድርቢ ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ነዊሕ ንምጽላይ ኵነታትና ዘየፍቅደልና እንተ ዀይኑ፡ ብልብና ሓጺር ጸሎት ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ካብ የሆዋ ሓገዝ ብዝደለና ቝጽሪ፡ ነቲ ዳዊት ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዘርኣዮ እምንቶ ኢና እነቃልሕ፦ “የሆዋ ኸውሐይን ዕርደይን መናገፍየይን እዩ። ኣምላኸይ ዝምዕቈበሉ ኸውሐይ . . . እዩ።” (መዝ. 18:2) ንምዃኑ ጸሎት ብሓቂዶ ይሕግዝ እዩ፧ ካሊያ ዝስማ ፈላሚት ከምዚ ትብል፦ “ምስ ጸለኹ፡ ሰላም እዩ ዚስምዓኒ። ጸሎት ንኣተሓሳስባይ ምስ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኸም ዚሳነ እዩ ዚገብሮ፣ ኣብኡ ዘሎኒ እምንቶ እውን ይውስኽ እዩ።” እወ፡ ጸሎት፡ ጭንቀት ክንጻወር ዚሕግዘና፡ የሆዋ ዘዳለዎ ሓያል መሰናድዎ እዩ።

2. ኣስተንትን። ኣብ ህይወትካ ብዛዕባ ዘሕለፍካዮ ነገራት ምልስ ኢልካ ኸተስተንትን ከለኻ፡ ሳላ ሓገዝ የሆዋ ኽትጻወሮ ብዛዕባ ዝኸኣልካ ፈተናታት ክትዝክር ትኽእልዶ፧ የሆዋ ንዓና ብኸመይ ከም ዝሓገዝና፡ ኣብ ሕሉፍ ንዝነበሩ ኣገልገልቱ እውን ብኸመይ ከም ዝሓገዞም እንተ ኣስተንቲንና፡ ውሽጣዊ ብርታዐ ንርከብ፡ ኣብኡ እውን ብዝያዳ እምንቶ ነሕድር ኢና። (መዝ. 18:17-19) ጆሹዋ ዝስሙ ሽማግለ፡ “እተመለሰ ጸሎተይ እምዝግቦ እየ። እዚ ኸኣ ንየሆዋ ብዛዕባ ሓደ ነገር ፈልየ ምስ ሓተትክዎ፡ ዜድልየኒ ኸም ዝሃበኒ ኽዝክር ይሕግዘኒ እዩ” ይብል። እወ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ንጭንቀትና ኽንጻወር ዜኽእለና ሓድሽ ብርታዐ ንረክብ ኢና።

3. ስጕምቲ ውሰድ። ኣብ ሓደ ዅነታት እንታይ ከም እንገብር ቅድሚ ምውሳንና፡ ዜተኣማምን መምርሒ ንምርካብ ኣብ ቃል ኣምላኽ ምርምር ክንገብር ንኽእል ኢና። (መዝ. 19:7, 11) ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓንቲ ጥቕሲ ምርምር ምስ ዚገብሩ፡ ነታ ጥቕሲ ኣብ ህይወቶም ብኸመይ ከም ዚዓይዩላ ብዝሓሸ ኺርድኡ ይኽእሉ እዮም። ጀረድ ዝስሙ ሽማግለ ኸምዚ ኢሉ ይገልጽ፦ “ምርምር ክገብር ከለኹ፡ ንዅሉ መዳያት ሓንቲ ጥቕሲ ኽፈልጥን የሆዋ እንታይ ይነግረኒ ኸም ዘሎ ኽርዳእን ይሕግዘኒ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ልበይ ከሕድሮ ይሕግዘኒ እዩ፣ በዚ ኸምዚ እውን ብመምርሒኡ ተመርኲሰ ስጕምቲ ኽወስድ እኽእል።” ንሕና እውን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መምርሒ የሆዋ እንተ ደሊናን ነቲ መምርሒ እንተ ስዒብናዮን፡ እዚ ንጭንቀት ክንጻወሮ ይሕግዘና እዩ።

የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ

ዳዊት ንጭንቀቱ ንምጽዋር ሓገዝ የሆዋ ኸም ዜድልዮ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ንደገፍ የሆዋ ብዙሕ የማስወሉ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ “ብሓይሊ ኣምላኽ መንደቕ ክሓኵር እኽእል። እቲ ብብርታዐ ዚኸድነኒ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ” ኺብል ተለዓዒሉ እዩ። (መዝ. 18:29, 32) ዜጋጥመና ፈተናታት ክንሓዅሮ ኸም ዘይንኽእል መንደቕ ኪመስለና ይኽእል እዩ። ብሓገዝ የሆዋ ግና ኵሉ ፈተናታት ክንሰግር ንኽእል ኢና! እወ፡ ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ እንተ ጸሊና፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዝገበረልና ነገራት እንተ ኣስተንቲንና፡ ኣብ መምርሒኡ ተመርኲስና እውን ስጕምቲ እንተ ወሲድና፡ ንጭንቀትና ኽንጻወሮ ዚሕግዝ ብርታዐን ጥበብን ከም ዚህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና!

a ከቢድ ጭንቀት ዘለዎ ሰብ ሕክምናዊ ሓገዝ ኬድልዮ ይኽእል እዩ።