ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 16

“ሓውኪ ኺትንስእ እዩ”!

“ሓውኪ ኺትንስእ እዩ”!

“የሱስ ድማ፡ [ንማርታ] ‘ሓውኪ ኺትንስእ እዩ’ በላ።”—ዮሃ. 11:23

መዝሙር 151 ኪጽውዕ

መላለዪ a

1. ሓደ ቘልዓ ብዛዕባ ትንሳኤ ዘለዎ ተስፋ ብኸመይ እዩ ገሊጹ፧

 ማትዩ ዝስሙ ቘልዓ ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ስለ ዝነበሮ፡ ብተደጋጋሚ መጥባሕቲ ኺገብር ኣድለዮ። ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከሎ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ሓደ ኣብ ፈነወ JW ዝወጸ ወርሓዊ መደብ ረኣዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ መደብ፡ ንዝሞቱ ሰብና ብትንሳኤ ብዛዕባ ምቕባል እተርኢ ሙዚቃዊት ቪድዮ ረኣዩ። b እቲ መደብ ምስ ተወድአ፡ ማትዩ ንወለዱ ብኣእዳዎም ሒዙ፡ “ማማ፡ ባባ፡ ርኢኹምዶ፧ ዋላ እውን እንተ ሞይተ፡ ብትንሳኤ ኽትንስእ እየ። ክትጽበዩኒ ትኽእሉ ኢኹም፣ ዋላ ሓንቲ ኣይከውንን እየ” በሎም። እቶም ወለዲ፡ ተስፋ ትንሳኤ ንወዶም ክሳዕ ክንደይ ህያው ከም ዝዀነሉ ምስ ረኣዩ፡ እንታይ ከም እተሰምዖም እሞ ገምቶ።

2-3. ንተስፋ ትንሳኤ ኸነስተንትነሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2 በብእዋኑ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ መጻኢ ትንሳኤ ኸነስተንትን ኣሎና። (ዮሃ. 5:28, 29) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንህይወት ዜስግእ ሕማም መዓስ ከም ዜጋጥመና ወይ እንፈትዎ ሰብና መዓስ ከም ዚሞተና ኣይንፈልጥን ኢና። (መክ. 9:11፣ ያእ. 4:13, 14) ተስፋ ትንሳኤ ነዚ ጸገማት እዚ ኽንጻወር ይሕግዘና እዩ። (1 ተሰ. 4:13) እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጠናን ኣዝዩ ኸም ዜፍቅረናን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት የረጋግጸልና እዩ። (ሉቃ. 12:7) የሆዋ ኣምላኽ ካብ ስብእናናን ተዘክሮታትናን ዋላ ሓንቲ ኸየጕደለ ዳግም ዚፈጥረና ኻብ ኰነ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚፈልጠና እሞ ገምቶ! ዋላ እውን እንተ ሞትና ብትንሳኤ ኣቢሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ መገዲ ዚኸፍተልና ኻብ ኰነኸ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረና እሞ ሕስብ ኣብሎ!

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፈለማ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ስለምንታይ ክንኣምን ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ነቲ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” ዚብል ኣብ ቀንዲ ጥቕስና ዘሎ ቓላት ዜጠቓልል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እምነት ዜደልድል ዛንታ ኽንምርምሮ ኢና። (ዮሃ. 11:23) ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ተስፋ ትንሳኤ ብዝያዳ ህያው ምእንቲ ኪዀነልና እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንምሃር ኢና።

ኣብ ተስፋ ትንሳኤ እንኣምን ስለምንታይ ኢና፧

4. ኣብ ሓደ ተስፋ ንምእማን፡ ብዛዕባ እንታይ ነገራት ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን ዘሎካ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

4 ኣብ ሓደ ተስፋ ኽንኣምን እንተ ዄንና፡ እቲ ዘተስፈወና ሰብ ወይ ኣምላኽ ነቲ ዝበሎ ንምፍጻም ድሌት ከም ዘለዎ፡ ከምኡ እውን ሓይሊ ወይ ክእለት ከም ዘለዎ ኽንኣምን ኣሎና። ነዚ ብምሳሌ እስከ ነብርሃዮ። ንበል ቤትካ ብሰንኪ ህቦብላ ኸቢድ ጕድኣት ወሪድዋ። ድሕሪኡ ሓደ ፈታዊኻ መጺኡ፡ ‘ንቤትካ ዳግም ንምህናጽ ክሕግዘካ እየ’ ኢሉ ኣተስፍዩካ። ካብ ልቡ ስለ ዝዀነ፡ ንዓኻ ንምሕጋዝ ድሌት ከም ዘለዎ ትኣምን። ክኢላ ሃናጺ እንተ ዀይኑ፡ ዜድሊ ናውቲ እውን እንተ ኣልይዎ፡ ክእለት ከም ዘለዎ ትፈልጥ። ስለዚ፡ ነቲ ዘተስፈወካ ነገር ከም ዚፍጽሞ ትኣምን። እሞ ደኣ ኣምላኽ ነቲ ዘተስፈወና ትንሳኤ ንምፍጻም ዜኽእል ድሌትን ሓይልን ኣለዎዶ፧

5-6. የሆዋ ንምዉታት ንምትንሳእ ድሌት ከም ዘለዎ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

5 እሞ ደኣ የሆዋ ንምዉታት ንምትንሳእ ድሌት ኣለዎዶ፧ እወ፡ ብዘይ ጥርጥር ድሌት ኣለዎ። ብመንፈሱ ብምድራኽ፡ ንብዙሓት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ናይ መጻኢ ተስፋ ትንሳኤ ኺጽሕፉ ደሪኽዎም እዩ። (ኢሳ. 26:19፣ ሆሴ. 13:14፣ ራእ. 20:11-13) የሆዋ ሓደ ነገር እንተ ኣተስፍዩ ኸኣ፡ ወትሩ ይፍጽሞ እዩ። (እያ. 23:14) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ የሆዋ ንምዉታት ንምትንሳእ ብርቱዕ ሃንቀውታ ኣለዎ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧

6 ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝዀነ እዮብ እተዛረቦ ቓላት እሞ ንርአ። ዋላ እውን እንተ ሞይቱ፡ የሆዋ ንዕኡ መሊሱ ህያው ንምግባር ሃረር ከም ዚብል ርግጸኛ እዩ ነይሩ። (እዮ. 14:14, 15፡ እ.ጽ.) የሆዋ ንዅሎም እቶም ሞይቶም ዘለዉ ኣምለኽቱ ይናፍቖም እዩ። ጥዕናን ሓጐስን ሂቡ መሊሱ ህያዋን ንምግባር ሃረር ይብል እዩ። እቶም ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ንምፍላጥ ኣጋጣሚ ኸይረኸቡ ዝሞቱ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ደኣኸ፧ እቲ ፈቃር ኣምላኽና ንዓታቶም እውን ኬተንስኦም ይደሊ እዩ። (ግብ. 24:15) ፈተውቱ ንምዃንን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባርን ኣጋጣሚ ኺህቦም ይደሊ እዩ። (ዮሃ. 3:16) ብንጹር እምበኣር፡ የሆዋ ንምዉታት ንምትንሳእ ድሌት ኣለዎ።

7-8. የሆዋ ንምዉታት ንምትንሳእ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

7 የሆዋ ንምዉታት ንምትንሳእ ሓይሊ ኣለዎዶ፧ እወ! ንሱ፡ “ኵሉ ዚኽእል” እዩ። (ራእ. 1:8) ስለዚ፡ ንዝዀነ ጸላኢ፡ እንተላይ ንሞት ንምስዓር ዜኽእል ሓይሊ ኣለዎ። (1 ቈረ. 15:26) ነዚ ምፍላጥና፡ ብርታዐን መጸናንዕን ይዀነና እዩ። ተመክሮ ሓንቲ ኤማ ኣርኖልድ ዝስማ ሓብቲ እሞ ንርአ። ንሳን ስድራ ቤታን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብርቱዕ ናይ እምነት ፈተናታት ኣሕሊፎም እዮም። እትፈትዎም ሰባት ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ ምስ ሞቱ፡ ንጓላ፡ “ሞት ንደቂ ሰብ ንሓዋሩ ኣብ ማእሰሩ ዚሕዞም እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ካብ ኣምላኽ ዚብርትዕ ኣይምዀነንዶ፧” ኢላ ኣጸናንዓታ። እወ፡ ካብ የሆዋ ዚብርትዕ ዋላ ሓደ የልቦን! እቲ ህይወት ዝፈጠረ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ነቶም ዝሞቱ መሊሱ ህይወት ኪህቦም ይኽእል እዩ።

8 ኣምላኽ ንምዉታት ንምትንሳእ ክእለት ከም ዘለዎ ዜእምነና ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ ደረት ኣልቦ ተዘክሮ ስለ ዘለዎ እዩ። ንዅሎም ከዋኽብቲ በብስሞም ይጽውዖም እዩ። (ኢሳ. 40:26) ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ሰባት ከኣ ይዝክሮም እዩ። (እዮ. 14:13፣ ሉቃ. 20:37, 38) ብዛዕባ እቶም ዜተንስኦም ሰባት፡ ደቀቕቲ ዝርዝር ነገራት እኳ ብቐሊሉ ኺዝክር ይኽእል እዩ። ነቲ ዝወረስዎ ጂንን ነቲ ኣብ ህይወቶም ዘሕለፍዎ ተመክሮታትን ንዅሉ ተዘክሮታቶምን ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ።

9. ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ናይ መጻኢ ትንሳኤ እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧

9 እምበኣር፡ የሆዋ ነቲ ናይ መጻኢ ትንሳኤ ንምፍጻም ድሌትን ሓይልን ስለ ዘለዎ፡ ኣብዚ ዘተስፈዎ ተስፋ ኽንኣምን ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ ድማ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ትንሳኤ እንኣምነሉ ኻልእ ምኽንያት ኣሎና። የሆዋ ንሰባት ኣተንሲኡ እዩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንየሱስን ንሒደት እሙናት ሰባትን፡ ምዉታት ኬተንስኡ ሓይሊ ሂብዎም እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ሓደ ኻብቲ የሱስ ዝገበሮ ትንሳኤ እስከ ንመርምር። እዚ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 11 ተመዝጊቡ ይርከብ።

የሱስ፡ ዚፈትዎ ዓርኩ ሞቶ

10. የሱስ ኣብቲ ኻብ ቢታንያ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዚርከብ ቦታ ኣብ ዚሰብከሉ እዋን እንታይ ነገር እዩ ኣጋጢሙ፧ ንሱኸ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ዮሃንስ 11:1-3)

10 ዮሃንስ 11:1-3 ኣንብብ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ 32 ድ.ክ. ኣብ ቢታንያ ዝዀነ ነገር እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። የሱስ ኣብታ ቝሸት እቲኣ፡ ኣልኣዛርን ማርያምን ማርታን ዚብሃሉ ናይ ቀረባ ፈተውቲ ነበርዎ። (ሉቃ. 10:38-42) እንተዀነ ግና፡ ኣልኣዛር ሓመመ፡ ኣሓቱ ማርያምን ማርታን እውን በዚ ተጨነቓ። ስለዚ፡ ነቲ ኻብ ቢታንያ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ መገዲ ኽልተ መዓልቲ ርሒቑ ዝነበረ የሱስ መልእኽቲ ለኣኻሉ። (ዮሃ. 10:40) እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቲ መልእኽቲ ናብ የሱስ ቅድሚ ምብጻሑ፡ ኣልኣዛር ሞተ። የሱስ ዓርኩ ኸም ዝሞተ እኳ እንተ ፈለጠ፡ ኣብቲ ዘለዎ ኽልተ መዓልቲ ጸንሐ። ድሕሪኡ፡ ናብ ቢታንያ ነቐለ። ስለዚ፡ የሱስ ናብ ቢታንያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣልኣዛር ካብ ዚመውት ራብዕቲ ገይሩ ነበረ። የሱስ ንፈተውቱ ዚጠቅምን ንኣምላኽ ክብሪ ዜምጽእን ነገር እዩ ኺገብር ደልዩ ነይሩ።—ዮሃ. 11:4, 6, 11, 17

11. ካብዚ ዛንታ እዚ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ንምሃር፧

11 ካብዚ ዛንታ እዚ ብዛዕባ ዕርክነት ንምሃር ኢና። ማርያምን ማርታን ናብ የሱስ ኣብ ዝለኣኻኦ መልእኽቲ ናብ ቢታንያ ኺመጽእ ኣይኰናን ሓቲተናኦ። እቲ ዝፈትዎ ዓርኩ ኸም ዝሓመመ ጥራይ እየን ገሊጸናሉ። (ዮሃ. 11:3) ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ የሱስ ካብ ርሑቕ ኬተንስኦ ምኸኣለ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ጥቓ እተን ፈተውቱ ዝዀና ማርያምን ማርታን ንምዃን ናብ ቢታንያ ኪኸይድ ወሰነ። ንስኻኸ ዋላ እውን ርድኣኒ ኸይበልካዮ ጐይዩ መጺኡ ዚሕግዘካ ፈታዊ ኣሎካዶ፧ ከምዚ ዓይነት ፈታዊ እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ “ግዜ ጭንቂ” ኸም ዚድግፈካ ትተኣማመነሉ ኢኻ። (ምሳ. 17:17) ንሕና እውን ከም የሱስ ንኻልኦት ከምዚ ዓይነት ፈተውቲ ኽንኰኖም ንኽእል ኢና። ሕጂ ናብቲ ዛንታ ንመለስ እሞ ድሕሪኡ ዝዀነ ነገራት ንርአ።

12. የሱስ ንማርታ እንታይ ኢሉ እዩ ዘተስፈዋ፧ እዚ ባዶ ተስፋ ዘይኰነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ዮሃንስ 11:23-26)

12 ዮሃንስ 11:23-26 ኣንብብ። ማርታ፡ የሱስ ናብ ቢታንያ ኸም ዝቐረበ ምስ ፈለጠት፡ ክትረኽቦ ጐይያ ኸደት። ሽዑ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። (ዮሃ. 11:21) እወ፡ የሱስ ንኣልኣዛር ኬሕውዮ ምኸኣለ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ካብዚ ዚዓቢ መስተንክር ነገር እዩ ኺገብር ሓሲቡ ነይሩ። ስለዚ፡ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” ኢሉ ኣተስፈዋ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ” ብምባል ነቲ ዘተስፈዋ ነገር ዜራጕድ ተወሳኺ ምኽንያት ሃባ። እወ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ሞትን ሓይሊ ሂብዎ እዩ። ኣቐዲሙ ንሓንቲ ጓል ደድሕሪ ሙማታ ኣተንሲእዋ እዩ፣ ንሓደ ጐበዝ እውን በታ ዝሞተላ መዓልቲ ኣተንሲእዎ እዩ። (ሉቃ. 7:11-15፣ 8:49-55) እንተዀነ ግና፡ ንሓደ ኻብ ዚመውት ራብዕቲ ዝገበረ እሞ ሬሳኡ ኺምሽምሽ ዝጀመረ ምዉት ኬተንስእ ይኽእልዶ፧

“ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ”

የሱስ ነተን ዝሓዘና ፈተውቱ ብዙሕ ራሕርሓለን (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ)

13. ኣብ ዮሃንስ 11:32-35 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ፡ ማርያምን ካልኦትን ኪነብዑ ምስ ረኣየ እንታይ ተሰሚዕዎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ዮሃንስ 11:32-35 ኣንብብ። ነቲ ስዒቡ ዝዀነ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ። ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር እውን ናብ የሱስ መጸት። ንሳ ድማ ልክዕ ከም ሓብታ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። ንሳን እቶም ምስኣ ዝነበሩ ኻልኦትን ኣመና ሓዚኖም ነበሩ። የሱስ፡ ንሳቶም ኪበኽዩ ምስ ረኣየን ምስ ሰምዐን፡ ኣመና ሓዘነ። በቲ ነተን ፈተውቱ እተሰምዖ ርሕራሐ ኸብዱ ስለ እተበልዐ ኸኣ ነብዐ። ሞት ሰብካ ዜስዕቦ ስቓይ ይርድኦ እዩ። ስለዚ፡ ንብዓተን ኪደርዘለን ብርቱዕ ድሌት ሓደሮ!

14. የሱስ ብኽያት ማርያም ርእዩ ምንባዑ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

14 የሱስ ብኽያት ማርያም ርእዩ ምንባዑ፡ የሆዋ ናይ ርሕራሐ ኣምላኽ ምዃኑ ይምህረና። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ንሓሳባትን ንስምዒታትን ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ እዩ ዜንጸባርቖ። (ዮሃ. 12:45) ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ዚበኽዩ ፈተውቱ ኸም ዝራሕርሓሎም ከነንብብ ከለና፡ የሆዋ እውን ነቶም ዚሓዝኑ ኣጸቢቑ ኸም ዚድንግጸሎም ክንድምድም ንኽእል ኢና። (መዝ. 56:8) እዝስ ናብቲ ለዋህ ኣምላኽና ብዝያዳ ኸም እትቐርብ ዚገብረካ ደይኰነን፧

የሱስ ኣብ ልዕሊ ሞት ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣርኣየ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ)

15. ኣብ ዮሃንስ 11:41-44 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ኣብቲ ኣልኣዛር ተነቢሩሉ ዝነበረ መቓብር ብዛዕባ ዝዀነ ነገራት ግለጽ። (ስእሊ እውን ርአ።)

15 ዮሃንስ 11:41-44 ኣንብብ። የሱስ ናብቲ ኣልኣዛር ተነቢሩሉ ዝነበረ መቓብር ምስ በጽሐ፡ ነቲ እምኒ ኼልግስዎ ነገሮም። ማርታ ግና እቲ ሬሳ ጨንዩ ኪኸውን ከም ዘለዎ ገለጸትሉ። የሱስ ከኣ፡ “እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምረኣኺዶ ኣይበልኩኽን፧” ኢሉ መለሰላ። (ዮሃ. 11:39, 40) ድሕርዚ፡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸለየ። በቲ ቐጺሉ ዚገብሮ ነገር ንየሆዋ እዩ ኽብሪ ኺህብ ደልዩ። ድሕርዚ የሱስ፡ “ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ኣልኣዛር ከኣ ካብቲ መቓብር ወጸ! በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ነገር ገበረ።—ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2008 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “የሱስ ናብ መቓብር ኣልኣዛር ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝበጽሐ ስለምንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

16. እቲ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 11 ዚርከብ ዛንታ ነቲ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ዝነበረና እምነት ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

16 ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 11 ዘንበብናዮ ዛንታ ነቲ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ዘሎና እምነት የደልድለልና እዩ። ብኸመይ፧ የሱስ ንማርታ፡ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” ኢሉ ኸም ዘተስፈዋ ኣይንረስዕ። (ዮሃ. 11:23) የሱስ ከም ኣቦኡ፡ ነቲ ተስፋ እቲ ንምፍጻም ድሌትን ሓይልን ኣለዎ። እቲ ንብዓቱ፡ ንሰባት ካብ ሞት ንምትንሳእን ንሓዘኖም ንምድባስን ልባዊ ሃረርታ ኸም ዘለዎ እዩ ዜርኢ። ኣልኣዛር ካብቲ መቓብር ምስ ወጸ ኸኣ፡ የሱስ ንምዉታት ንምትንሳእ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኸም ብሓድሽ ኣመስኪሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ንማርታ፡ “እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምረኣኺዶ ኣይበልኩኽን፧” ዝበላ ቓላት እውን ንሕሰብ። (ዮሃ. 11:40) ኣምላኽ ዘተስፈወና ትንሳኤ ኸም ዚፍጸም ንምእማን እኹል ምኽንያታት ኣሎና። ነዚ ተስፋ እዚ ብዝያዳ ህያው ንምግባር ግና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ተስፋ ትንሳኤ ብዝያዳ ህያው ምእንቲ ኪዀነልና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

17. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ዛንታታት ትንሳኤ ኸነንብብ ከለና እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

17 ብዛዕባ ትንሳኤ እተመዝገበ ዛንታታት ኣንብብን ኣስትንትነሉን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ምድራዊ ህይወት ብዛዕባ ዝተንስኡ ሸሞንተ ሰባት ዚገልጽ ዛንታታት ተመዝጊቡ ኣሎ። c እሞ ደኣ ነዚ ዛንታታት በብሓደ ስለምንታይ ተጠንቂቕካ ዘይትምርምሮ፧ ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ብሓቂ ብህይወት ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ምንባሮም ኣይትረስዕ። ብዛዕባ እቲ ኻብኡ ኽትረኽቦ እትኽእል ትምህርትታት ሕሰብ። ነፍሲ ወከፍ ኣብነት ነቲ ኣምላኽ ንሰባት ዳግም ህያው ንምግባር ዘለዎ ድሌትን ሓይልን ከም ዜርኢ ዘክር። ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዛዕባ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ትንሳኤ ኣስተንትን። እዚ ድማ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዝተንስኣሉ ትንሳኤ እዩ። እዚ ትንሳኤኡ ኸኣ ብኣማእታት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም እተረጋገጸን ንእምነትና ድልዱል መሰረት ከም ዚዀናን ዘክር።—1 ቈረ. 15:3-6, 20-22

18. ነቲ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ዚገልጽ መዝሙራትና ኸመይ ጌርና ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

18 ነቲ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ዚገልጽ “መንፈሳዊ ዜማ” ወይ መዝሙራት ኣጸቢቕካ ተጠቐመሉ። d (ኤፌ. 5:19) ከምዚ ዝኣመሰለ መዝሙራት ንትንሳኤ ብዝያዳ ህያው ይገብረልና፡ ኣብቲ ኽቡር ተስፋ ዘሎና እምነት እውን የደልድለልና እዩ። ስለዚ፡ ስምዓዮ፡ ተለማመዶ፡ ትርጉም እቲ ግጥሙ እውን ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ተመያየጡሉ። ነቲ ግጥምታት ኣብ ኣእምሮኻን ኣብ ልብኻን ቅረጾ። ድሕሪኡ፡ ንህይወትካ ዜስግእ ፈተና እንተ ኣጋጢሙካ ወይ እትፈትዎ ሰብካ እንተ ሞይቱካ፡ መንፈስ የሆዋ ነዚ መዝሙራት እዚ ኽትዝክር፡ ካብኡ እውን መጸናንዕን ብርታዐን ክትረክብ ኪሕግዘካ እዩ።

19. ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ኢና ብኣእምሮና ኽንስእል እንኽእል፧ (“ እንታይ ኢልካ ኢኻ ኽትሓትቶም፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

19 ነቲ ብኣእምሮ ናይ ምስኣል ክእለትካ ተጠቐመሉ። የሆዋ፡ ገዛእ ርእስና ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣእቲና ናይ ምስኣል ክእለት ሂቡና እዩ። ሓንቲ ሓብቲ፡ “ገዛእ ርእሰይ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣእትየ ብዙሕ ሳዕ ስለ ዝስእል፡ ነቲ ኣብ ገነት ዚዕምብብ ጽገሬዳ ኸም ዜሽትቶ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ትብል። ምስቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ክትራኸብ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ምስ መን ኢኻ ኽትራኸብ እትደሊ፧ ንዕኡኸ እንታይ ሕቶታት ኢኻ ኽትሓትቶ፧ ብዘይካዚ፡ ምስቶም ሞይቶም ዘለዉ እትፈትዎም ሰብካ ኽትራኸብ ከለኻ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ብዛዕባ እቲ እትራኸቡሉ ህሞት እውን ዝርዝር ነገራት ብኣእምሮኻ ስኣል። ንኣብነት፡ እንታይ ከም እትዛራረቡ፡ ብኸመይ ከም እትተሓቛቘፉ፡ ዋላ እውን ነቲ ሽዑ ዚስዕረኩም ናይ ሓጐስ ንብዓት ስኣሎ።

20. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

20 ተስፋ ትንሳኤ ብምርካብና፡ ንየሆዋ ኣዚና ኢና እነመስግኖ! የሆዋ ነዚ ንምፍጻም ድሌትን ሓይልን ስለ ዘለዎ፡ እዚ ተስፋ እዚ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ነዚ ኣብዚ ኽቡር ተስፋ ዘሎና እምነት ነደልድል። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንቀርብ ኢና። ንሱ ድማ ንነፍሲ ወከፍና፡ ‘እትፈትዎ ሰብካ ኺትንስእ እዩ!’ ኢሉ ኣተስፍዩና ኣሎ።

መዝሙር 147 ተስፋ ህይወት ዘለኣለም

a ሰብካ እንተ ሞይቱካ፡ ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዜጸናንዓካ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ነዚ ተስፋ እዚ ግና ንኻልኦት ብኸመይ ክትገልጸሎም ትኽእል፧ ተስፋ ትንሳኤ ብዝያዳ ህያው ምእንቲ ኪዀነልካኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ዘሎና እምነት ንምድልዳል እያ ተዳልያ።

b እታ ሙዚቃዊት ቪድዮ Just Around the Corner ዚብል ኣርእስቲ እዩ ዘለዋ፣ ኣብ ናይ ሕዳር 2016 ፈነወ ድማ እያ ወጺኣ።

c ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2015 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 4 ዘላ፡ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ሸሞንተ ትንሳኤ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

d እዚ ዚስዕብ ኣብታ ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’ ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ መዝሙራት ርአ፦ “ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ” (መዝሙር 139)፡ “ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!” (መዝሙር 144)፡ “ኪጽውዕ” (መዝሙር 151)። ኣብ jw.org ዚርከብ፡ “Just Around the Corner,” “The New World to Come,” “You Will See” ዘርእስቱ ናይ ፈለማ መዝሙራት እውን ርአ።