ምኽሪ መጽናዕቲ
ካብቲ ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርከብ ንፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ እተዋህበ መግለጺታት ትጥቀምዶ ኣለኻ፧
እዚ መግለጺታት እዚ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣዕሚቝካ ኽትኵዕት ይሕግዘካ እዩ። ብዛዕባ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስለምንታይ ከም እተጻሕፈ፡ ንመን ከም ዚምልከት፡ ወይ ብዛዕባ ትርጉም ገሊኡ ቓላት ወይ ሓረጋት ይገልጽ እዩ።
ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ ዀነ ኣብ JW Library® ኻብ ዚርከብ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ መሐበሪ ምርምር ብቐጥታ ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ነዚ መወከሲታት እዚ ንምርካብ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ምዕራፍ ድሕሪ ምኽፋትካ፡ ኣብቲ መጽናዕታዊ ኽፋል ዚብሃል ሸነኽ ርአ።
ነዚ መወከሲታት እዚ ኽትጥቀም ከለኻ፡ ነቲ እተሓትመሉ ዕለት ኣቕልበሉ። እቲ ሓደስቲ ዓንቀጻት ኣብ ላዕሊ እዩ ዚወጽእ። እቲ ኣብ ታሕቲ ዚርከብ ናይ ቀደም ዓንቀጻት፡ ካብኡ ንደሓር ዝነጸረ ርድኢት ወጺኡሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ መሐበሪ ምርምር ዘሎ መወከሲ ፍቕድታት፡ እቲ ሓበሬታ ምስ ተፈነወ ብኡብኡ ኣብ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ ኺርከብ ይከኣል እዩ።
ኣብ JW Library ዘሎ መወከሲ ፍቕድታት ምእንቲ ኺዓዪ፡ መሐበሪ ምርምር ጽዓን፣ ኪዝምን ከሎ እውን ኣራግፎ። ከምኡ ንምግባር ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ምዕራፍ ድሕሪ ምኽፋትካ፡ ኣብ ላዕለዋይ ሸነኽ መጽናዕታዊ ኽፋል ጠውቕ።