ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 19

ኣብታ የሆዋ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ዘሎና እምነት ብኸመይ ከነደልድል ንኽእል፧

ኣብታ የሆዋ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ዘሎና እምነት ብኸመይ ከነደልድል ንኽእል፧

“[የሆዋ] ነቲ ዚብሎስ ኣይገብሮንዶ፧”—ዘሁ. 23:19

መዝሙር 142 ንተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዛ

መላለዪ a

1-2. ሓዳስ ዓለም ክትመጽእ እናተጸበና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

 የሆዋ ነዚ ስርዓት እዚ፡ ጽድቂ ብዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ከም ዚትክኦ ኣተስፍዩና ኣሎ፣ ንሕና ድማ ነዚ ተስፋ እዚ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። (2 ጴጥ. 3:13) ሓዳስ ዓለም መዓስ ከም እትመጽእ እኳ እንተ ዘይፈለጥና፡ ብዙሕ ክንጽበ ኸም ዘይብልና ዚሕብር መርትዖታት ግና ኣሎና።—ማቴ. 24:32-34, 36፣ ግብ. 1:7

2 ክሳዕ ሽዑ ግና ኣብ ሓቂ ዝጸናሕናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ኵላትና ኣብቲ ተስፋ እቲ ዘሎና እምነት ከነደልድል ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ድልድልቲ እምነት እኳ ኽትደክም ትኽእል እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጕድለት እምነት፡ “ብቐሊሉ ዚሓላልኸና ሓጢኣት” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (እብ. 12:1) እምነትና ምእንቲ ኸይትደክም ነቲ ሓዳስ ዓለም ኣብ ቀረባ ኸም እትመጽእ ዜርኢ መርትዖታት በብግዜኡ ኽንክልሶ ኣሎና።—እብ. 11:1

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብታ የሆዋ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ዘሎና እምነት እነደልድለሉ ሰለስተ መገድታት ክንርኢ ኢና። እዚ ድማ፡ (1) ብዛዕባ እቲ በጃ ብምስትንታን፡ (2) ብዛዕባ ሓይሊ የሆዋ ብዕምቈት ብምሕሳብ፡ (3) ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ግዜ ብምሕላፍ እዩ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንኣንባቆም ዝሃቦ መልእኽቲ፡ ሎሚ ንእምነትና ብኸመይ ከም ዜደልድለልና ኽንመያየጥ ኢና። ፈለማ ግና፡ ገለ ኻብቲ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ድልድልቲ እምነት ከነሕድረሉ ዜድሊ ሕጂ ኼጋጥመና ዚኽእል ኵነታት ንርአ።

ድልድልቲ እምነት ዜድልየሉ ዅነታት

4. ድልድልቲ እምነት ዜድልየሉ እንታይ ውሳነታት ኢና እንገብር፧

4 መዓልቲ መዓልቲ፡ ድልድልቲ እምነት ዜድልየሉ ውሳነታት ንገብር ኢና። ንኣብነት፡ ንዕርክነት፡ ንመዘናግዒ፡ ንትምህርቲ፡ ንሓዳር፡ ንውሉዳት፡ ንዓለማዊ ስራሕ ዚምልከት ውሳነታት ንገብር ኢና። ስለዚ፡ ‘እቲ ዝገብሮ ውሳነታት፡ እዚ ስርዓት እዚ ግዝያዊ ምዃኑን በታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ዚትካእ ምዃኑን ከም ዝኣምን የርኢ ድዩ፡ ወይስ ውሳነታተይ በቶም “ድሕሪ ሞት ኵሉ ነገራት የብቅዕ እዩ” ኢሎም ዚሓስቡ ሰባት እዩ ዚጽሎ ዘሎ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና። (ማቴ. 6:19, 20፣ ሉቃ. 12:16-21) ሓዳስ ዓለም ከም ዝቐረበት እምነትና እንተ ኣደልዲልና፡ ብሉጽ ውሳነታት ክንገብር ኢና።

5-6. ኣብ እዋን ጭንቂ ድልድልቲ እምነት እተድልየና ስለምንታይ እያ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

5 ብዘይካዚ፡ ድልዱል እምነት ዜድልዮ ፈተናታት የጋጥመና እዩ። መስጐጕቲ፡ ከቢድ ሕማም፡ ወይ ተስፋ ኬቝርጽ ዚኽእል ካልእ ኵነታት የጋጥመና ይኸውን። ኣብ ፈለማ፡ ነቲ ፈተናና ብትብዓት ንገጥመሉ ንኸውን። እንተዀነ ግና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መብዛሕትኡ ፈተናታት ንነዊሕ ግዜ ይቕጽል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ ፈተናታት ንምጽዋርን ንየሆዋ ብሓጐስ ንምግልጋልን ድልድልቲ እምነት ተድልየና።—ሮሜ 12:12፣ 1 ጴጥ. 1:6, 7

6 ኣብ ትሕቲ ፈተና ኽንከውን ከለና፡ እታ የሆዋ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ዘይትመጽእ ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። እዝስ እምነትና ድኽምቲ ምዃና ዜርኢ ድዩ፧ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ነዚ እተብርህ ምሳሌ እስከ ንርአ። ኣብ መንጎ ኣመና ቘራሪ ኽረምቲ ኸለና፡ ድሕሪኡ ሓጋይ ዘይመጽእ ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። ሓጋይ ግና ምምጻኡ ኣይተርፎን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣመና ኽንድቈስ ከለና፡ ሓዳስ ዓለም ከም ዘይትመጽእ ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። እምነትና ድልድልቲ እንተ ዀይና ግና፡ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ንፈልጥ ኢና። (መዝ. 94:3, 14, 15፣ እብ. 6:17-19) ከምዚ ዓይነት እምንቶ እንተ ኣሕዲርና፡ ንኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህቦ ንኽእል ኢና።

7. እንታይ ኣረኣእያ ኢና ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና፧

7 ድልድልቲ እምነት ዜድልየሉ ኻልእ መዳይ እስከ ንርአ፣ እዚ ድማ ዕዮ ስብከት እዩ። ብዙሓት ካብቶም እንሰብከሎም ሰባት፡ እቲ ብዛዕባ እታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ዚገልጽ “ብስራት” ዘይከውን ትምኒት ኰይኑ ይስምዖም እዩ። (ማቴ. 24:14፣ ህዝ. 33:32) እቲ ጥርጣረኦም ኪጸልወና ኣይንደልን ኢና። ብኣታቶም ምእንቲ ኸይንጽሎ፡ ወትሩ እምነትና ኸነደልድል ኣሎና። ከምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል ሰለስተ መገድታት እስከ ንርአ።

ነቲ በጃ ኣስተንትነሉ

8-9. ብዛዕባ እቲ በጃ ምስትንታን ንእምነትና ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

8 ሓደ ኻብቲ እምነትና ኸነደልድለሉ እንኽእል መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ብምስትንታን እዩ። እቲ በጃ፡ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ውሕስነት ይዀነና እዩ። እቲ በጃ ስለምንታይ ከም እተዳለወን እንታይ መስዋእቲ ኸም እተኸፍለሉን ብዕምቈት እንተ ሓሲብናሉ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓሸት ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህብ ዘተስፈዎ ተስፋ ዘሎና እምነት ይድልድል እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧

9 እሞ ደኣ እቲ በጃ እንታይ መስዋእቲ እዩ ተኸፊሉሉ፧ የሆዋ ነቲ ኣጸቢቑ ዚፈትዎ በዅሪ ወዱ እዩ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኺውለድ ካብ ሰማይ ልኢኽዎ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኵሉ ዓይነት ጸገማት ኣሕሊፉ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብዜሳቒ መገዲ እዩ ሞይቱ። ብሓቂ የሆዋ ልዑል ዋጋ እዩ ኸፊሉ! እቲ ፈቃር ኣምላኽና ንሓጺር እዋን ጥራይ ዝሓሸ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ወዱ ኺሳቐን ኪመውትን ኣይምፈቐደን ነይሩ። (ዮሃ. 3:16፣ 1 ጴጥ. 1:18, 19) ኣዝዩ ልዑል ዋጋ ስለ ዝኸፈለ ግና፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ብርግጽ ኪኸፍተልና እዩ።

ንሓይሊ የሆዋ ብዕምቈት ሕሰበሉ

10. ብመሰረት ኤፌሶን 3:20፡ የሆዋ እንታይ እዩ ኺገብር ዚኽእል፧

10 እምነትና እነደልድለሉ ኻልኣይ መገዲ፡ ብዛዕባ ሓይሊ የሆዋ ብዕምቈት ብምሕሳብ እዩ። ንሱ ንዅሉ እቲ ዘተስፈወና ንምፍጻም ዜኽእል ሓይሊ ኣለዎ። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ብዓይኒ ሰባት ዘይከኣል ይመስል ይኸውን። የሆዋ ግና፡ ሰባት ኪፍጽምዎ ዘይክእሉ ነገራት ብተደጋጋሚ የተስፉ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ንሱ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ። (እዮ. 42:2፣ ማር. 10:27) መሸም ተራ ነገራት ኬተስፉ ኣይንጽበዮን ኢና።—ኤፌሶን 3:20 ኣንብብ።

11. ካብቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ዜደንቕ ተስፋታት ሓደ ኣብነት ሃብ። (“ ገለ ኻብቲ እተፈጸመ ዜደንቕ ተስፋታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

11 ገለ ኻብቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ንህዝቡ ዘተስፈዎም ዘይከውን ዚመስል ነገራት እስከ ንርአ። ንኣብርሃምን ንሳራን፡ ብግዜ እርግናኦም ወዲ ኸም ዚወልዱ ኣተስፍይዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 17:15-17) ብተወሳኺ እውን ንኣብርሃም፡ ዘርኡ ንምድሪ ከነኣን ከም ዚወርስዋ ነጊርዎ ነይሩ እዩ። እቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ እስራኤላውያን፡ ኣብ ግብጺ ባሮት ኰይኖም ኣብ ዝነበሩሉ ሓያሎ ዓመታት፡ እቲ ተስፋ እቲ ዘይፍጸም እዩ ዚመስል ነይሩ። ከም ሓቂ ግና፡ ተፈጺሙ እዩ። ድሕርዚ፡ እታ ብዕድመ ደፊኣ ዝነበረት ኤልሳቤጥ ውሉድ ከም እትወልድ የሆዋ ገለጸ። ነታ ድንግል ዝነበረት ማርያም እውን፡ ነቲ ብዛዕባ ምምጻኡ ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ ኣብ ገነት ኤደን እተነግረሉ ወዱ ኸም እትወልድ ነገራ!—ዘፍ. 3:15

12. ኣብ እያሱ 23:14ን ኢሳይያስ 55:10, 11ን ብዛዕባ ሓይሊ የሆዋ እንታይ መረጋገጺ ኢና እንረክብ፧

12 ንዅሉ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታትን ነዚ ብኸመይ ከም ዚፍጽሞን ኣጸቢቕና ምስ እንሓስበሉ፡ ንሓዳስ ዓለም ኬምጽኣ ሓይሊ ኸም ዘለዎ እምነትና ነደልድል ኢና። (እያሱ 23:14፣ ኢሳይያስ 55:10, 11 ኣንብብ።) ከምዚ እንተ ጌርና ኸኣ፡ እታ እተተስፈወት ሓዳስ ዓለም ሕልሚ ወይ ትምኒት ጥራይ ከም ዘይኰነት ንኻልኦት ብዝሓሸ ኸነረድእ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ምስቲ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ብዚተሓሓዝ፡ የሆዋ ባዕሉ፡ “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ” ኢሉ ኸም እተዛረበ ኣይንረስዕ።—ራእ. 21:1, 5

ንህይወትካ ብመንፈሳዊ ንጥፈታት ምልኣዮ

ኣኼባታት ጉባኤ

እዚ መንፈሳዊ ንጥፈት እዚ ንእምነትካ ዜደልድላ ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ኣኼባታት ጉባኤ ንእምነትና ዜድልድላ ብኸመይ እዩ፧ ግለጽ።

13 እምነትና ኸነደልድለሉ እንኽእል ሳልሳይ መገዲ፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ግዜ ብምምዳብ እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ኣኼባታት ጉባኤ ብኸመይ ከም እንጥቀም እስከ ንርአ። ንሓያሎ ዓመታት ኣብ እተፈላለየ መዳያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘገልገለት ኣና ኸምዚ ትብል፦ “ኣኼባታት ንእምነተይ ከም መልህቕ ብምዃን እዩ ዜደልድላ። ዋላ እኳ እቲ ተዛራባይ ናይ ምምሃር ክእለቱ ድሩት እንተ ዀነ ወይ ሓድሽ ነገር እንተ ዘየካፈለ፡ ብዙሕ ግዜ ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሓሸ ኽርዳእ ዜኽእለኒ ነገር እሰምዕ እየ። እዚ ድማ ንእምነተይ የደልድላ እዩ።” b ንሕና እውን ካብቲ እቶም ተኣከብቲ ዚህብዎ እምነት ዚሃንጽ ሓሳባት ከም እንጥቀም ኣየጠራጥርን እዩ።—ሮሜ 1:11, 12፣ 10:17

ኣገልግሎት ወፍሪ

እዚ መንፈሳዊ ንጥፈት እዚ ንእምነትካ ዜደልድላ ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ኣገልግሎት ንእምነትና ዜደልድላ ብኸመይ እዩ፧

14 ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንሳተፍ ከለና እውን፡ እምነትና ነደልድል ኢና። (እብ. 10:23) ንልዕሊ 70 ዓመት ንየሆዋ ዘገልገለት ባርባራ ኸምዚ ትብል፦ “ዕዮ ስብከት እምነት ዜደልድል ኰይኑ እየ ረኺበዮ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ዜደንቕ ተስፋታት ንኻልኦት ብዝያዳ ብዝነገርኩ መጠን፡ እምነተይ ብዝያዳ ህያውን ድልድልትን እያ እትኸውን።”

ብሕታዊ መጽናዕቲ

እዚ መንፈሳዊ ንጥፈት እዚ ንእምነትካ ዜደልድላ ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ብሕታዊ መጽናዕቲ እምነትና ዜደልድለልና ብኸመይ እዩ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

15 እምነትና ዜደልድል ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈት ከኣ፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ እዩ። ሱዛን ንመጽናዕቲ ዚኸውን መደብ ምውጻእ ሓጋዚ ዀይኑ ኸም ዝረኸበቶ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ሰንበት ናይ ዚቕጽል ሰሙን መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እየ ዘጽንዕ። ሰኑይን ሰሉስን ንኣኼባ መንጎ ሰሙን እየ ዝዳሎ። ኣብቲ ዝተረፈ መዓልትታት ከኣ፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ እየ ዝገብር።” በዚ ኸምዚ፡ ስሩዕ መደብ መጽናዕቲ ስለ እትስዕብ፡ እምነታ ብቐጻሊ ትሃንጽ እያ። ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገለት ኣይሪን ከኣ፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ንእምነታ ዜደልድል ኰይኑ እያ ረኺባቶ። ንሳ ድማ፡ “የሆዋ እተነበዮ ትንቢታት ክሳብ ዝደቐቐ ዝርዝሩ ኺፍጸም ምርኣይ የደንቐኒ እዩ” ትብል። c

“ብርግጽ ኪመጽእ እዩ”

16. የሆዋ ንኣንባቆም ዝሃቦ መረጋገጺ፡ ንዓና እውን ዚምልከተና ስለምንታይ እዩ፧ (እብራውያን 10:36, 37)

16 ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኺመጽእ ነዊሕ ተጸብዮም እዮም። ብኣረኣእያ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ዚፍጽመሉ ግዜ ዝደንጐየ ኺመስል ይኽእል እዩ። የሆዋ ነዚ ስምዒት እዚ ስለ ዚርድኦ፡ ንነብዪ ኣንባቆም ከምዚ ዚስዕብ ዚብል መረጋገጺ ሂብዎ እዩ፦ “እቲ ራእይሲ ገና ንምዱብ ግዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታኡ ይቕልጥፍ ኣሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፡ እንተ ደንጐየ እኳ፡ ተጸበዮ!” (ኣን. 2:3) ኣምላኽ ነዚ መረጋገጺ እዚ ንኣንባቆም ጥራይ ድዩ ሂብዎ፡ ወይስ እዚ ቓላት እዚ ንዓና እውን ይምልከት እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ፡ እዚ ቓላት እዚ ነቶም ንሓዳስ ዓለም ዚጽበዩ ክርስትያናት ከም ዚምልከት ገሊጹ እዩ። (እብራውያን 10:36, 37 ኣንብብ።) እወ፡ እቲ እተተስፈወልና ድሕነት ዝደንጐየ እኳ እንተ መሰለ፡ “ብርግጽ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ።”

17. ሓንቲ ሓብቲ ነቲ የሆዋ ንኣንባቆም ዝሃቦ ምኽሪ ብኸመይ ዓይያትሉ፧

17 ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ “ተጸበዮ” ዚብል የሆዋ ዝሃቦም ምኽሪ ዓይዮምሉ እዮም፣ ገሊኣቶም ከኣ ንሓያሎ ዓመታት እዮም ተጸብዮም። ንኣብነት፡ ሉዊስ ብ1939 እያ ንየሆዋ ኸተገልግል ጀሚራ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቕድሚ ምውዳአይ ኣርማጌዶን እትመጽእ ይመስለኒ ነይሩ። ከምኡ ግና ኣይኰነን። ኣብቲ ዘሕለፍክዎ ዓመታት፡ ዛንታታት እቶም እተጸበዩ ምንባብ፡ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺበዮ እየ። እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታኦም ተመዝጊቡ ዚርከብ እኒ ኖህን ኣብርሃምን ዮሴፍን ካልኦትን፡ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎም ዓስቢ ቕድሚ ምርካቦም ነዊሕ እዮም ተጸብዮም። ብትዕግስቲ ምጽባይ ንዓይ ኰነ ንኻልኦት፡ ሓዳስ ዓለም ከም ዝቐረበት ክንኣምን ኣኽኢሉና እዩ።” ነዊሕ ዘገልገሉ ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ምስዚ ሓሳብ እዚ ይሰማምዑ እዮም።

18. ኣብ ፍጥረት እንዕዘቦ ነገራት፡ ሓዳስ ዓለም ከም እትመጽእ እምነትና ዜደልድለልና ብኸመይ እዩ፧

18 ሓዳስ ዓለም ሕጂ ኸም ዘየላ፡ ዚከሓድ ኣይኰነን። ገለ ኻብቲ ሕጂ ዘለዉ ነገራት ግና ከዋኽብትን ኣእዋምን እንስሳታትን ሰባትን ኪጥቀሱ ይከኣሉ። እዞም ነገራት እዚኦም ዘይነበሩሉ ግዜ እኳ እንተ ነበረ፡ ኵላቶም ሕጂ ብሓቂ ኸም ዘለዉ ግና ዋላ ሓደ ኣይጠራጠርን እዩ። የሆዋ ስለ ዝፈጠሮም እዮም ሕጂ ኺህልዉ ኽኢሎም። (ዘፍ. 1:1, 26, 27) ኣምላኽና ሓዳስ ዓለም ንምቛም እውን ዕላማ ገይሩ ኣሎ። ነዚ ዕላማኡ ድማ ኪፍጽሞ እዩ። ኣብታ ሓዳስ ዓለም፡ ሰባት ፍጹም ጥዕና ረኺቦም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ከምቲ ህልውና እዚ ኣብ ዙርያና ዘሎ ዩኒቨርስ ዘየጠራጥር፡ ሓዳስ ዓለም እውን ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ብርግጽ ክትመጽእ እያ።—ኢሳ. 65:17፣ ራእ. 21:3, 4

19. ከመይ ጌርካ ኢኻ እምነትካ ኸተደልድል እትኽእል፧

19 ክሳዕ ሽዑ፡ እምነትካ ንምድልዳል ዚከኣለካ ግበር። ነቲ በጃ ዘሎካ ሞሳ ኣዕዝዝ። ንሓይሊ የሆዋ ብዕምቈት ሕሰበሉ። ንህይወትካ ኸኣ ብመንፈሳዊ ንጥፈታት ምልኣዮ። በዚ ኸምዚ፡ ካብቶም “ብእምነትን ብትዕግስትን ነቲ ተስፋታት ዚወርስዎ” ሰባት ክትከውን ኢኻ።—እብ. 6:11, 12፣ ሮሜ 5:5

መዝሙር 139 ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ

a ሎሚ ብዙሓት ሰባት ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ኣይኣምኑላን እዮም። ሕልሚ፡ ጽውጽዋይ፡ ወይ ዘይከውን ትምኒት ከም ዝዀነት ገይሮም እዮም ዚሓስብዋ። ንሕና ግና ኵሉ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ርግጸኛታት ኢና። ይኹን እምበር፡ እምነትና ህያው ኰይና ምእንቲ ኽትቅጽል፡ ወትሩ ኸነደልድላ ኣሎና። ብኸመይ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ኽትገልጸልና እያ።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

c ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ሓያሎ ዓንቀጻት፡ ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “መጽሓፍ ቅዱስ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ “ትንቢት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “እቲ የሆዋ እተነበዮ ይፍጸም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።