ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 18

ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ፡ ንሓድሕድና ንተባባዕ

ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ፡ ንሓድሕድና ንተባባዕ

“ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ።”—እብ. 10:24, 25

መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ

መላለዪ a

1. ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ እንህብ ስለምንታይ ኢና፧

 ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እንእከብ ስለምንታይ ኢና፧ ብቐዳምነት ንየሆዋ ንምውዳስ ኢና እንእከብ። (መዝ. 26:12፣ 111:1) ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋናት ንሓድሕድና ንምትብባዕ ኢና እንእከብ። (1 ተሰ. 5:11) ኣእዳውና ኸነልዕልን ሓሳብ ክንህብን ከለና፡ ንኽልቲኡ እዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ ኣበርክቶ ንገብር ኢና።

2. ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ንምሃብ እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ዘሎና፧

2 ኣብ ሰሰሙን፡ ኣብ ኣኼባታትና ሓሳብ ንምሃብ ኣጋጣሚታት ኣሎና። ንኣብነት፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብቲ ኣብ ጉባኤ ዚግበር መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኽንሳተፍ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣኼባታት መንጎ ሰሙን ከኣ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሃብቲ፡ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፡ ከምኡ እውን ምይይጥ ኣብ ዚፈቅድ ካልእ ክፍልታት ሓሳብ ክንህብ ንኽእል ኢና።

3. እንታይ ብድሆታት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧ እብራውያን 10:24, 25ከ ብኸመይ ክትሕግዘና ትኽእል፧

3 ኵላትና ንየሆዋ ኽንውድሶን ንክርስትያናት ብጾትና ኸነተባብዖምን ንደሊ ኢና። ሓሳብ ክንህብ ከለና ግና፡ ብድሆታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ሓሳብ ብዛዕባ ምሃብ ክንጭነቕ ንኽእል ኢና፡ ወይ ከኣ ተሳትፎ ንምግባር ብርቱዕ ድሌት እናሃለወና ኽነሱ፡ ከምቲ እንደልዮ ዕድል ኣይውሃበናን ይኸውን። እሞ ደኣ ነዚ ብድሆታት እዚ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ ኣብታ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ነዚ ዚኸውን መልሲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ኣኼባና ዘለዎ ኣገዳስነት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንሓድሕድና ንተባባዕ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። (እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።) ካልኦት ተኣከብቲ በቲ እምነትና እንገልጸሉ ቐሊል ቃላት ኪተባብዑ ኸም ዚኽእሉ እንተ ኣስተውዒልና፡ ሓሳብ ንምሃብ እምብዛ ኣይንጭነቕን ኢና። ብዙሕ ዕድል እንተ ዘይረኺብና ኸኣ፡ በቲ ኻልኦት ሓሳብ ንምሃብ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ንሕጐስ ኢና።—1 ጴጥ. 3:8

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ሰለስተ ነጥብታት ኢና ኽንመያየጥ፧

4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፈለማ ሒደት ወሃብቲ ሓሳብ ኣብ ዘለውዎ ንእሽቶ ጉባኤ ብኸመይ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ከም እንኽእል ክንመያየጥ ኢና። ድሕሪኡ፡ ብዙሓት ወሃብቲ ሓሳብ ኣብ ዘለውዎ ዓብዪ ጉባኤ ብኸመይ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ትሕዝቶ እቲ እንህቦ ሓሳባት ንኻልኦት ዜተባብዕ ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

ኣብ ንእሽቶ ጉባኤ ንሓድሕድና ንተባባዕ

5. ሒደት ተኣከብቲ ጥራይ እንተ ኣሊና፡ ብኸመይ ኢና ንሓድሕድና ኽንተባባዕ እንኽእል፧

5 ኣብ ንእሽቶ ጉባኤ ወይ ጕጅለ ብዙሓት ወሃብቲ ሓሳብ ኣይህልዉን ይዀኑ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ነቲ ኣኼባ ዚመርሕ ሓው፡ ሓሳብ ኪህብ ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ንምርካብ እተወሰነ ግዜ ኺጽበ የድልዮ ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ኣኼባ ጐተት ዝበለ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ። እዚ ኸኣ ዜተባብዕ ኣይኰነን። እሞ ደኣ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኢድካ ብተደጋጋሚ ንምልዓል ፍቓደኛ ኹን። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ካልኦት ተኣከብቲ እውን ብዝያዳ ንምስታፍ ኪልዓዓሉ ይኽእሉ እዮም።

6-7. ሓሳብ ብዛዕባ ምሃብ ዘሎና ጭንቀት ብኸመይ ክንንኪ ንኽእል፧

6 ሓሳብ ምሃብ ዜጨንቐካ እንተ ዀይኑኸ፧ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ይስምዖም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ብዝያዳ ንምትብባዕ፡ ጭንቀትካ እትንከየሉ መገድታት ስለምንታይ ዘይተናዲ፧ እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧

7 ኣብ ዝቐደመ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ገሊኡ ምኽሪ ኺሕግዘካ ይኽእል ይኸውን። b ንኣብነት፡ ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ። (ምሳ. 21:5) ነቲ ዚጽናዕ ትምህርቲ ኣጸቢቕካ እንተ ፈሊጥካዮ፡ ሓሳብ ንምሃብ ኪቐልለካ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ሓጺር ሓሳብ ሃብ። (ምሳ. 15:23፣ 17:27) ሓጺር መልሲ ትህብ እንተ ዄንካ፡ ብዙሕ ኣይክትጭነቕን ኢኻ። ሓደ ወይ ክልተ ምሉእ ሓሳባት ዝሓዘ ሓጺር ሓሳብ እንተ ሂብካ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብቲ ብዙሕ ነጥብታት ዘጠቓለለ ነዊሕ ሓሳብ ብዝሓሸ ኺርድእዎ ይኽእሉ እዮም። ብናትካ ኣዘራርባ ሓጺር ሓሳብ ብምሃብ፡ ኣጸቢቕካ ኸም እተዳሎኻን ነቲ ትምህርቲ ብንጹር ከም እተረዳእካዮን ከተርኢ ኢኻ።

8. የሆዋ ነቲ ዚከኣለና ንምግባር እንጽዕሮ ጻዕርታት ብኸመይ ይርእዮ፧

8 ንገሊኡ ኻብዚ እተዋህበ ምኽሪ ድሕሪ ምትግባርካ እኳ፡ ካብ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ንላዕሊ ሓሳብ ምሃብ እንተ ጨኒቑካኸ፧ የሆዋ ነቲ ዚከኣለካ ንምግባር እትጽዕሮ ልባዊ ጻዕርታት ከም ዜማስወሉ ኣይትጠራጠር። (ሉቃ. 21:1-4) ዚከኣለካ ዅሉ ምግባር ኪብሃል ከሎ፡ እምብዛ ኽትዋጠር ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። (ፊል. 4:5) እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ወስን፡ ንምትግባሩ ሸቶ ኣውጽእ፡ ብህዱእ ልቢ እውን ጸሊ። ኣብ ፈለማ ሓደ ሓጺር ሓሳብ ጥራይ ንምሃብ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ንሓድሕድና ንተባባዕ

9. ኣብ ዓበይቲ ጉባኤታት እንታይ ኬጋጥም ይኽእል፧

9 ኣብ ጉባኤኹም ብዙሓት ኣስፋሕቲ እንተ ኣልዮም፡ ካልእ ብድሆ ኼጋጥመካ ይኽእል እዩ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ሓሳብ ኪህቡ ስለ ዚደልዩ፡ ሓሳብ ንምሃብ ብዙሕ ዕድል ኣይትረክብን ትኸውን። ንኣብነት፡ ዳንየል ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ምሃብ የሐጕሳ እዩ። c ከም ክፍሊ ኣምልኾኣን ንኻልኦት ከም እተተባብዓሉ መገድን ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ እምነት ከም እተደልድለሉ ኣጋጣምን ገይራ እያ እትርእዮ። ናብ ዝዓበየ ጉባኤ ምስ ገዓዘት ግና፡ ሓሳብ ንምሃብ ብዙሕ ዕድል ኣይረኸበትን። ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ኣብ ምሉእ ኣኼባ ሓንቲ መልሲ እኳ ትስእን ነበረት። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “በዚ ተበሳጭየ። ፍሉይ መሰለይ ዝሰኣንኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ብተደጋጋሚ ኸምኡ ምስ ኣጋጠመካ፡ ‘ኰነ ኢሎም ድዮም፧’ ኢልካ ኽትሓስብ ኢኻ እትጅምር” ትብል።

10. ሓሳብ ንምሃብ ዘሎና ዕድል ብኸመይ ከነስፍሕ ንኽእል፧

10 ከምቲ ንዳንየል እተሰምዓ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ተስፋ ቘሪጽካ ስቕ ኢልካ ኣብ ኣኼባታት ክትሰምዕ ትሓስብ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ሓሳብ ንምሃብ ጻዕሪ ኻብ ምግባር ኣይተቋርጽ። እሞ ደኣ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ናብ ኵሉ ኣኼባታት፡ ብርክት ዝበለ ሓሳባት ተዳሊኻ ኽትከይድ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ መጽናዕቲ ሓሳብ ንምሃብ ዕድል እንተ ዘይተዋሂቡካ፡ ኣብቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽፋል እቲ ኣኼባ ኣጋጣሚታት ትረክብ ትኸውን። ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኽትዳሎ ኸለኻ፡ ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ምስ ፍረ ነገር እታ ዓንቀጽ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ሕሰብ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ብምሉኡ ትምህርቲ፡ ጽቡቕ ሓሳብ ንምሃብ ድሉው ኴንካ ኽትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ፡ ንምግላጹ ዜጸግም ዝዓመቘ ሓቅታት ኣብ ዚግለጸሉ ሕጡብ ጽሑፋት ሓሳብ ንምሃብ ተዳሎ። (1 ቈረ. 2:10) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ኽፋል እቲ ትምህርቲ ኺጽናዕ ከሎ፡ ኢዶም ዜልዕሉ ብዙሓት ኣይህልዉን ይዀኑ። ነዚ ምኽርታት እዚ ድሕሪ ምትግባርካ፡ ሓሳብ ንምሃብ ዕድል እንተ ስኢንካኸ፧ ነቲ ዚመርሕ ሓው ኣበየነይቲ ሕቶ ሓሳብ ክትህብ ከም እትደሊ ኽትሕብሮ ትኽእል ኢኻ።

11. ፊልጲ 2:4 እንታይ ክንገብር እያ እተተባብዓና፧

11 ፊልጲ 2:4 ኣንብብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንክርስትያናት፡ ንጥቕሚ ኻልኦት ኪጥምቱ ኣተባቢዕዎም እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ኣኼባታት ብኸመይ ክንዓይየሉ ንኽእል፧ ካልኦት እውን ከማና ኺሳተፉ ኸም ዚደልዩ ኽንዝክር ኣሎና።

ከምቲ ኣብ ዕላል ንስኻ በይንኻ ጥራይ ክትዛረብ ዘይትደሊ፡ ኣብ ኣኼባታት እውን ካልኦት ሓሳብ ኪህቡ ፍቐደሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ኣብ ኣኼባታት ንዚርከቡ ኻልኦት እነተባብዓሉ ጽቡቕ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

12 ነዚ ዚስዕብ እስከ ሕሰበሉ። ምስ ፈተውትኻ ኸተዕልል ከለኻ፡ ንምዝራብ ዕድል ክሳዕ ዚስእኑ ዘረባ ተብዝሕ ዲኻ፧ ኣይፋልን! ኣብቲ ዕላል ኪሳተፉ ኢኻ እትደልዮም። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣኼባታት ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ሓሳብ ኪህቡ ኢና እንደሊ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ሓደ ኻብቲ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን እነተባብዓሉ መገዲ፡ እምነቶም ኪገልጹ ኣጋጣሚ ብምሃብ እዩ። (1 ቈረ. 10:24) ከመይ ጌርና ኸምኡ ኸም እንገብር እስከ ንርአ።

13. ብዙሓት ካብቶም ተኣከብቲ ሓሳብ ምእንቲ ኺህቡ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

13 ብቐዳምነት፡ ሓጺር ሓሳብ ሃብ፣ በዚ ኸምዚ፡ ንተወሳኺ ተሳትፎ ግዜ ትፈቅድ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሽማግለታትን ምኩራት ኣስፋሕትን ኣብነት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዋላ እውን ሓጺር ሓሳብ ክትህብ ከለኻ፡ ብዙሕ ነጥብታት ኣይትሸፍን። ኣብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ንዚርከብ ኵሉ ነጥብታት እንተ ሸፊንካዮ፡ ካልኦት ሓሳብ ዚህቡሉ ኺስእኑ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብዛ ሕጡብ ጽሑፍ እዚኣ ኽልተ ነጥብታት ኣሎ፡—‘ሓጺር ሓሳብ ሃብ’ ዚብልን ‘ብዙሕ ነጥብታት ኣይትሸፍን’ ዚብልን። ኣብዛ ሕጡብ ጽሑፍ እዚኣ፡ ሓሳብ ንምሃብ ዕድል እተዋህበካ ናይ መጀመርታ ሰብ እንተ ዄንካ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ሓደ ነጥቢ ጥራይ ዘይትዛረብ፧

ኣብ ምንታይ ኵነታት ኢና ኢድና ኻብ ምልዓል ክንቍጠብ እንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ) f

14. ክንደይ ሳዕ ኢድና ኸነልዕል ከም ዘሎና ንምውሳን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ክንደይ ሳዕ ኢድካ ኸተልዕል ከም ዘሎካ ንምውሳን ኣስተውዕል። ብዙሕ ሳዕ ኢድካ ተልዕል እንተ ዄንካ፡ ገና ዕድል ዘይረኸቡ ብዙሓት እናሃለዉ ኽነሶም፡ እቲ ዚመርሕ ሓው ንዓኻ ብተደጋጋሚ ንምሃብ ጸቕጢ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ንኻልኦት፡ ኢዶም ከም ዘየልዕሉ ኺገብሮም ይኽእል እዩ።—መክ. 3:7

15. (ሀ) ሓሳብ ንምሃብ ዕድል እንተ ዘይተዋሂቡና፡ እንታይ እዩ ኺስምዓና ዘይብሉ፧ (ለ) እቶም ዚመርሑ ኣሕዋት ንዅሉ ሰብ ኣብ ግምት ኬእትዉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (“ ትመርሕ እንተ ኣሊኻ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

15 ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኢዶም ዜልዕሉ እንተ ዀይኖም፡ ከምቲ እንደልዮ ብዙሕ ሓሳብ ንምሃብ ኣጋጣሚ ኣይንረክብን ንኸውን። ኣብ ገሊኡ ግዜያት፡ እቲ ዚመርሕ ሓው ሓንሳእ እውን እንተ ዀነ ዕድል ኣይህበናን ይኸውን። እዚ ዘየሐጕሰና እኳ እንተ ዀነ፡ በዚ ግና ቅሬታ ኺስምዓና የብሉን።—መክ. 7:9

16. ሓሳብ ንዚህቡ ሰባት ብኸመይ ከነተባብዖም ንኽእል፧

16 ሓሳብ ንምሃብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እንተ ዘይረኺብካ፡ ካልኦት ኪሳተፉ ኸለዉ ስለምንታይ ጽን ኢልካ ዘይትሰምዖም፧ ድሕሪኡ፡ እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ፡ ስለቲ ሓሳቦም ክትንእዶም ትኽእል ኢኻ። ኣሕዋትካን ኣሓትካን ከምቲ በቲ እትህቦ ሓሳብ ዚተባብዑ፡ በቲ ናእዳኻ እውን ኪተባብዑ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 10:21) ናእዳ ንሓድሕድና እንተባብዓሉ ኻልእ መገዲ እዩ።

ንሓድሕድና እንተባብዓሉ ተወሳኺ መገድታት

17. (ሀ) ወለዲ ንደቆም ግቡእ ሓሳብ ንምሃብ ብኸመይ ኬዳልውዎም ይኽእሉ፧ (ለ) ብመሰረት እዛ ቪድዮ፡ ሓሳብ ንምሃብ ክትዳሎ ኸለኻ፡ እንታይ ኣርባዕተ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

17 ኣብ ኣኼባታት ንሓድሕድና እንተባብዓሉ እንታይ ተወሳኺ መገድታት ኣሎ፧ ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንደቅኻ፡ ምስ ዕድሚኦም ዚመጣጠን ሓሳብ ኪህቡ ኣዳልዎም። (ማቴ. 21:16) ሓድሓደ ግዜ፡ ከም ናይ ሓዳር ጸገማት ወይ ስነ ምግባራዊ ጕዳያት ዝኣመሰለ ረዚን ትምህርቲ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ይጽናዕ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ መጽናዕቲ እቲ እውን እንተ ዀነ፡ ቈልዓ ሓሳብ ኪህበሉ ዚኽእል ሓደ ወይ ክልተ ሕጡብ ጽሑፍ ኣይሰኣንን እዩ። ብተወሳኺ እውን ንደቅኻ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ኢዶም ዘልዓሉሉ ኣጋጣሚታት፡ ሓሳብ ኪህቡ ግድን ዕድል ከም ዘይውሃቦም ኣረድኣዮም። እዚ ነገር እዚ እንተ ገሊጽካሎም፡ ንዓታቶም ዘይኰነስ ንኻልኦት ዕድል ኪውሃቦም ከሎ በዚ ኣይኪጕህዩን እዮም።—1 ጢሞ. 6:18 d

18. ሓሳብ ክንህብ ከለና ናብ ገዛእ ርእስና ኣትኵሮ ኻብ ምስሓብ ክንቍጠብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ምሳሌ 27:2)

18 ኵላትና ንየሆዋ ዜኽብርን ንክርስትያናት ብጾትና ዚሃንጽን ሓሳባት ክንዳሎ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 25:11) ሓድሓደ ግዜ፡ ሓጺር ብሕታዊ ተመክሮና ነካፍል እኳ እንተ ዀንና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እምብዛ ኻብ ምዝራብ ግና ክንቍጠብ ኣሎና። (ምሳሌ 27:2 ኣንብብ፣ 2 ቈረ. 10:18) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ኣብ ህዝቡ ብሓፈሻን ኢና ኸነተኵር እንጽዕር። (ራእ. 4:11) ልክዕ እዩ፡ ኣብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ብሕታዊ ሓሳባትና ኽንገልጽ እትሓትት ሕቶ እንተ ኣልያ፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ እትቕጽል ሕጡብ ጽሑፍ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ኣላ።

19. (ሀ) ንዅሎም እቶም ኣብ ኣኼባና ዚእከቡ እንተ ሓሊናሎም እንታይ ፍረ ኢና እንረክብ፧ (ሮሜ 1:11, 12) (ለ) ካብቲ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ንምሃብ ዘሎካ ኣጋጣሚ ብብሕትኻ እንታይ ኢኻ እተማስወሉ፧

19 ብኸመይ ሓሳብ ክንህብ ከም ዚግባእ መምርሒ ዚኸውን ጽኑዕ ሕግታት እኳ እንተ ዘየሎ፡ ኵላትና ዜተባብዕ ተሳትፎ ንምግባር ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ከምኡ ንምግባር፡ ብዝያዳ ሓሳብ ክንህብ የድሊ ይኸውን። ወይ በቲ ሓሳብ ንምሃብ እተዋህበና ኣጋጣሚታት ክንዓግብ፡ ካልኦት ብዚህብዎ ሓሳባት እውን ክንሕጐስ የድልየና ይኸውን። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኣብ ጥቕሚ ኻልኦት ብምትኳር፡ ኵላትና “ንሓድሕድና ኽንተባባዕ” ንኽእል ኢና።—ሮሜ 1:11, 12 ኣንብብ።

መዝሙር 93 ኣኼባና ባርኸልና

a ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ክንህብ ከለና፡ ንሓድሕድና ንተባባዕ ኢና። ገሊኦም ግና ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ምሃብ የጨንቖም እዩ። ገሊኦም ከኣ ሓሳብ ኪህቡ እናደለዩ፡ ብዙሕ ዕድል ኣይረኽቡን። ኣብ ክልቲኡ ዅነታት፡ ኵላትና ምእንቲ ኽንተባባዕ፡ ከመይ ጌርና ንሓድሕድና ኸነስተብህል ወይ ክንተሓላለ ንኽእል፧ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዜነቓቕሕ ሓሳባትከ ብኸመይ ክንህብ ንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ኽትገልጸልና እያ።

b ተወሳኺ ምኽሪ ንምርካብ፡ ናይ ጥሪ 2019 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 8-13፡ ከምኡ እውን ናይ 1 መስከረም 2003 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-22 ተወከስ።

c ስም ተቐዪሩ እዩ።

f መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ዓብዪ ጉባኤ፡ ሓደ ኣቐዲሙ ሓሳብ ዝሃበ ሓው፡ ካልኦት ሓሳብ ምእንቲ ኺህቡ ኢዱ ኣየልዕልን።