ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 15

ካብ ተኣምራት የሱስ እንታይ ንምሃር፧

ካብ ተኣምራት የሱስ እንታይ ንምሃር፧

“ጽቡቕ እናገበረን . . . እናኣሕወየን ኣብታ ምድሪ ኸም ዝዞረ ትፈልጡ ኢኹም።”—ግብ. 10:38

መዝሙር 13 ክርስቶስ ኣርኣያና

መላለዪ a

1. ነቲ የሱስ ዝገበሮ ቐዳማይ ተኣምር ግለጾ።

 ኣብ ኣጋ መወዳእታ 29 ድ.ክ.፡ ማለት ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎት የሱስ ዝዀነ ነገር እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። የሱስን ኣዲኡ ማርያምን ገሊኦም ደቂ መዛሙርቱን ናብ ሓደ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ ተዓደሙ። ቃና ኻብታ የሱስ ዝዓበየላ ኸተማ ናዝሬት ብሸነኽ ሰሜን እትርከብ ቍሸት እያ ነይራ። ማርያም ንስድራ ቤት እቶም ተመራዓውቲ ፈታዊቶም ብምንባራ፡ ነቶም ኣጋይሽ ንምግልጋል ተዓጢቓ ዝነበረት እያ እትመስል። ኣብ መንጎ እቲ መርዓ ግና ነቶም ስድራ ቤትን ነቶም ተመራዓውትን ኬሕፍር ዚኽእል ጸገም ተፈጥረ፡ እቲ ወይኒ ተወድአ። b ምናልባት ካብቲ ትጽቢት እተገብረሎም ንላዕሊ ኣጋይሽ ስለ ዝመጹ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ማርያም ናብ ወዳ ቐሪባ፡ “ወይኒ የብሎምን” በለቶ። (ዮሃ. 2:1-3) እሞ ደኣ የሱስ እንታይ ገበረ፧ ማይ ናብ “ጽቡቕ ወይኒ” ብምልዋጥ፡ ተኣምር ገበረ።—ዮሃ. 2:9, 10

2-3. (ሀ) የሱስ ንተኣምራዊ ሓይሉ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሉ፧ (ለ) ነቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንተ መርሚርናዮ፡ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

2 ድሕርዚ እውን፡ የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዙሕ ተኣምር ገይሩ እዩ። c በቲ ተኣምራዊ ሓይሉ ኣቢሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ሓጊዙ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ክልተ ኻብቲ ተኣምራቱ ጥራይ እኳ፡ ኣብቲ ቐዳማይ 5,000 ሰብኡት፡ ኣብቲ ኻልኣይ ከኣ 4,000 ሰብኡት ስለ ዝመገበ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣንስትን ቈልዑን ደሚርካ ንልዕሊ 27,000 መጊቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 14:15-21፣ 15:32-38) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እውን፡ ብዙሓት ሕሙማት ኣሕውዩ እዩ። (ማቴ. 14:14፣ 15:30, 31) እቶም ህዝቢ ነቲ የሱስ ንዓታቶም ንምፍዋስን ንምምጋብን ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ኣዝዮም የስተንክሩ ነይሮም እዮም!

3 እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ንዓና ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብዚ ተኣምራት እዚ እንረኽቦ እምነት ዜደልድል ትምህርትታት ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ነቲ የሱስ ተኣምራት ኪገብር ከሎ ዘርኣዮ ትሕትናን ርሕራሐን ብኸመይ ክንቐድሖ ኸም እንኽእል ክንምርምር ኢና።

ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እንረኽቦ ትምህርቲ

4. ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ብዛዕባ መን ኢና እንምሃር፧

4 የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ብዛዕባኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኣቦኡ እውን እምነት ዜደልድል ትምህርትታት ይምህረና እዩ። ስለምንታይሲ፡ እቲ ተኣምራት ካብ የሆዋ እዩ ነይሩ። ግብሪ ሃዋርያት 10:38 ከምዚ ትብለና፦ “ኣምላኽ ንዕኡ [ንየሱስ] ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረን ንዅሎም እቶም ድያብሎስ ዝጨቈኖም እናኣሕወየን ኣብታ ምድሪ ኸም ዝዞረ ትፈልጡ ኢኹም።” ኣብ ኵሉ እቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት፡ እንተላይ ኣብቲ ዝገበሮ ተኣምራት ንኣተሓሳስባን ንስምዒታትን ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘንጸባረቐ እውን ኣይንረስዕ። (ዮሃ. 14:9) ሕጂ እምበኣር፡ ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንረኽቦ ሰለስተ ትምህርትታት ንርአ።

5. ብምንታይ ተደሪኹ እዩ የሱስ ተኣምራት ዚገብር ነይሩ፧ (ማቴዎስ 20:30-34)

5 ቀዳማይ፡ የሱስን ኣቦኡን ኣጸቢቖም የፍቅሩና እዮም። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በቲ ተኣምራዊ ሓይሉ ገይሩ ጸገማት ንዘለዎም ሰባት ብምሕጋዝ፡ ንሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅር ኣርእዩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ክልተ ዕዉራት ናብኡ ጨርሑ። (ማቴዎስ 20:30-34 ኣንብብ።) ሽዑ፡ የሱስ ‘ደንገጸሎም፡’ ድሕሪኡ እውን ኣሕወዮም። እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ደንጊጹሎም” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ግሲ ኣብ ውሽጥና ንዚስምዓና ሓያል ርሕራሐ ተመልክት። እዛ መግለጺት ፍቕሪ ዝዀነት ሓያል ርሕራሐ፡ ንጥሙያት ኪምግብ፡ ንድዉያት እውን ኬሕዊ ደሪኻቶ እያ። (ማቴ. 15:32፣ ማር. 1:41) እቲ ኣምላኽ “ርሕራሐ” ዝዀነ የሆዋን ወዱን ኣጸቢቖም ከም ዜፍቅሩናን ስቓይና ኸም ዜሳቕዮምን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 1:78፣ 1 ጴጥ. 5:7) ንዅሉ እቲ ንደቂ ሰብ ዜሳቕዮም ዘሎ ጸገማት ኬወግድዎ ኸም ዚደልዩ መሸም ዜጠራጥር ኣይኰነን!

6. ኣምላኽ ንየሱስ እንታይ ሓይሊ እዩ ሂብዎ፧

6 ካልኣይ፡ ኣምላኽ ንየሱስ፡ ንዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ንምፍታሕ ዜኽእል ሓይሊ ሂብዎ እዩ። የሱስ በቲ ዝገበሮ ተኣምራት ኣቢሉ፡ ነቲ ንሕና ባዕልና ኽንፈትሖ ዘይንኽእል ጸገማት ኪፈትሓልና ዜኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ጸገማት ደቂ ሰብ ካብ ሱሩ ንምፍታሕ ዓቕሚ ኸም ዘለዎ፡ ማለት ነቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኰነ ነቲ እዚ ዜስዕቦ ሕማምን ሞትን ንምፍታሕ ዓቕሚ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። (ማቴ. 9:1-6፣ ሮሜ 5:12, 18, 19) ብተኣምራቱ ኣቢሉ “ዅሉ” ሕማም ኬሕዊ ኸም ዚኽእል፡ ዋላ እውን ምዉታት ኬተንስእ ከም ዚኽእል ኣርእዩ እዩ። (ማቴ. 4:23፣ ዮሃ. 11:43, 44) ብርቱዕ ህቦብላ ንምቍጽጻርን እኩያት መናፍስቲ ንምስዓርን ዜኽእል ሓይሊ እውን ኣለዎ። (ማር. 4:37-39፣ ሉቃ. 8:2) የሆዋ ንወዱ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓይሊ ብምሃቡ ብዙሕ ኢና እንጸናናዕ!

7-8. (ሀ) ተኣምራት የሱስ እንታይ እምንቶ እዩ ዜሕድረልና፧ (ለ) ኣብዛ እትመጽእ ዘላ ሓዳስ ዓለም፡ ምናዳ ነየናይ ተኣምር ኢኻ ተሃንጢኻ እትጽበ ዘለኻ፧

7 ሳልሳይ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ እተተስፈወ በረኸት ከም እተምጽኦ ምሉእ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። እቲ የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝገበሮ ተኣምራት፡ ሰማያዊ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኰነ ብዝሰፍሐ ደረጃ እንታይ ከም ዚገብር ይምህረና። ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ እንታይ ከም እንረክብ እሞ ንሕሰብ። ንዅሉ እቲ ንደቂ ሰብ ዜጥቅዖም ዘሎ ሕማምን ስንክልናን ስለ ዜወግዶ፡ ፍጹም ጥዕና ኺህልወና እዩ። (ኢሳ. 33:24፣ 35:5, 6፣ ራእ. 21:3, 4) ጥሜት ኰነ ባህርያዊ ሓደጋ ኸቶ ኣይኪህሉን እዩ። (ኢሳ. 25:6፣ ማር. 4:41) “ኣብ መቓብር” ዘለዉ እንፈትዎም ሰብና ኺትንስኡ ኸለዉ ብዓብዪ ሓጐስ ክንቅበሎም ኢና። (ዮሃ. 5:28, 29) እሞ ደኣ ኣብዛ እትመጽእ ዘላ ሓዳስ ዓለም፡ ምናዳ ነየናይ ተኣምር ኢኻ ተሃንጢኻ እትጽበ ዘለኻ፧

8 የሱስ ተኣምራት ኪገብር ከሎ፡ ዓብዪ ትሕትናን ርሕራሐን ኣርእዩ እዩ፣ ነዚ ባህርያት እዚ ድማ ንሕና ኽንቐድሖ ይግባእ። እምበኣር፡ ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ። በቲ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ እውን ንጀምር።

ብዛዕባ ትሕትና እንረኽቦ ትምህርቲ

9. የሱስ ኣብ ሓደ መርዓ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ (ዮሃንስ 2:6-10)

9 ዮሃንስ 2:6-10 ኣንብብ። ኣብቲ መርዓ፡ ወይኒ ምስ ተወድአ፡ የሱስ ገለ ነገር ንምግባር ግዴታ ነይርዎ ድዩ፧ ኣይነበሮን። መሲሕ ብተኣምራዊ መገዲ ማይ ናብ ወይኒ ኸም ዚቕይር ዚገልጽ ትንቢት ኣይነበረን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ መርዓኻ መስተ እንተ ዚውዳእ ከመይ ከም ዚስመዓካ እሞ ገምቶ። የሱስ ነቶም ስድራ፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም ተመራዓውቲ ደንጊጹሎም ኪኸውን ኣለዎ፣ ካብ ውርደት እውን ኪሰትሮም ደለየ። ስለዚ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ተኣምራት ገበረ። ኣስታት 390 ሊትሮ ዚኣክል ማይ ናብ ጽቡቕ ወይኒ ቐየሮ። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ እቲ ዝተረፈ ወይኒ ኣብ መጻኢ ምእንቲ ኺጥቀሙሉ ወይ ተሸይጡ ነቶም ተመራዓውቲ ምእንቲ ኺጠቕሞም ኢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቶም ተመራዓውቲ ብዙሕ ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም።

ብዛዕባ ዝገበርናዮ ነገራት ብዘይምምካሕ፡ ንየሱስ ንምሰሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ) e

10. ገለ ኻብቲ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣገዳሲ ዝርዝር ነጥብታት እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ገለ ኻብቲ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣገዳሲ ዝርዝር ነጥብታት እስከ ንርአ። የሱስ ነቲ ኣጋንእ እምኒ ባዕሉ ብማይ ከም ዘይመልኦዶ ኣስተብሂልና፧ ናብ ርእሱ ኣትኵሮ ኣብ ክንዲ ዚስሕብ፡ ነቶም ገላዉ እዩ ኺመልእዎ ነጊርዎም። (ፍቕዲ 6, 7) ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ምስ ለወጦ እውን፡ ነቲ ወይኒ ናብቲ ኣቦ ዳስ ባዕሉ ኣይወሰዶን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቶም ገላዉ እዩ ኺወስድዎ ነጊርዎም። (ፍቕዲ 8) ብዘይካዚ እውን፡ ጽዋእ ወይኒ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣጋይሽ ኣልዒሉ፡ ‘ገለ ኻብቲ ዝለወጥክዎ ወይኒ ጥዓሙ!’ ኢሉ ኣይተመክሐን።

11. ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምር እንታይ ንምሃር፧

11 ካብቲ የሱስ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠሉ ተኣምር እንታይ ንምሃር፧ ትሕትና ኢና እንምሃር። የሱስ በቲ ተኣምር እቲ ኣይተመክሐን፣ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ብዝዀነ ይኹን ዝገበሮ ነገር ከቶ ኣይተመክሐን። ብኣንጻሩ፡ ብትሕትና ተደሪኹ ዅሉ ኽብርን ምስጋናን ንኣቦኡ እዩ ብተደጋጋሚ ዚህብ ነይሩ። (ዮሃ. 5:19, 30፣ 8:28) ርእስና ትሕት ብምባል ንየሱስ እንተ መሲልናዮ፡ በቲ ዝገበርናዮ ነገራት ኣይንምካሕን ኢና። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝገበርና ንግበር ብዘየገድስ፡ ብርእስና ዘይኰነስ፡ በቲ ዜደንቕ ኣምላኽና ንመካሕ። (ኤር. 9:23, 24) ዚግብኦ ኽብሪ እውን ንሃቦ። ስለምንታይሲ፡ ብዘይ ሓገዙ ዋላ ሓንቲ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና።—1 ቈረ. 1:26-31

12. ንትሕትና የሱስ ክንቀድሓሉ እንኽእል ካልእ ኣብነት እንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

12 ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ትሕትና ኽንቀድሓሉ እንኽእል ካልእ መገዲ እስከ ንርአ። ነዚ ዚስዕብ እሞ ኣብ ኣእምሮና ንስኣሎ፦ ንበል ሓደ መንእሰይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ናይ መጀመርታ ህዝባዊ መደረኡ ኺዳሎ ኸሎ፡ ሓደ ሽማግለ ንዕኡ ንምሕጋዝ ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፉ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ እቲ መንእሰይ ሓው ዜተባብዕ መደረ ኣቕሪቡ፣ እታ ጉባኤ እውን በዚ ተሓጒሳ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ሓደ ሓው ናብቲ ሽማግለ ቕርብ ኢሉ፡ ‘ሓውና እከለ ጽቡቕ መደረ ኣቕሪቡ’ ይብሎ። እሞ ደኣ እቲ ሽማግለ፡ ‘እወ፡ ኣነ ግና ንዕኡ ንምሕጋዝ ነዊሕ ግዜ እየ ኣሕሊፈ’ ኺብልሲ ግቡእ ድዩ፧ ወይስ ብትሕትና ተደሪኹ፡ ‘እወ፡ ጽቡቕ ኣቕሪቡ። ብሓቂ እዩ ኣሐቢኑና’ ኺብል እዩ ዘለዎ፧ ትሑታት እንተ ዄንና፡ በቲ ንኻልኦት ዝገበርናሎም ክንምስገን ኣይንጽዕርን ኢና። የሆዋ ነቲ እንገብሮ ኸም ዚርእዮን ከም ዜኽብሮን ስለ እንፈልጥ፡ ዕግበት ይስምዓና እዩ። (ምስ ማቴዎስ 6:2-4 ኣረኣኢ፣ እብ. 13:16) ትሑታት ብምዃን ንየሱስ እንተ መሲልናዮ፡ እዚ ንየሆዋ ባህ የብሎ እዩ።—1 ጴጥ. 5:6

ብዛዕባ ርሕራሐ እንረኽቦ ትምህርቲ

13. የሱስ ናብ ከተማ ናይን ምስ ቀረበ እንታይ እዩ ርእዩ፧ እንታይከ እዩ ገይሩ፧ (ሉቃስ 7:11-15)

13 ሉቃስ 7:11-15 ኣንብብ። ኣብ መፋርቕ ኣገልግሎት የሱስ እንታይ ከም ዝዀነ እሞ ኣብ ኣእምሮና ንስኣል። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ኣብ ጥቓ ሹነም ኣብ ገሊላ እትርከብ ናይን ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፣ ሹነም ቅድሚኡ ኣስታት 900 ዓመት ይገብር ነብዪ ኤልሳእ ወዲ ሓንቲ ሰበይቲ ዘተንስኣላ ኸተማ እያ ነይራ። (2 ነገ. 4:32-37) የሱስ ናብ ኣፍ ደገ ኸተማ ናይን ኪቐርብ ከሎ፡ ናብ ቀብሪ ምስ ዚኸዱ ብዙሓት ሰባት ተራኸበ። ሓንቲ መበለት ሓደ ወዳ ስለ ዝሞታ እዮም ናብ ቀብሪ ዚኸዱ ነይሮም፣ ስለዚ፡ እቲ ዅነታት ብሓቂ ዜሕዝን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ እዛ ሓዘንተኛ ኣደ በይና ኣይኰነትን ነይራ፣ ካብታ ኸተማ ብዙሓት ህዝቢ ምስኣ ነይሮም እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ነታ ሓዘንተኛ ኣደ ሓደ ዜደንቕ ነገር ገበረላ፣ እወ፡ ንወዳ ኣተንስኣላ! እዚ ትንሳኤ እዚ፡ ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ኣብ ወንጌላት ብዝርዝር ተጠቒሱ ዚርከብ ሰለስተ ትንሳኤ እቲ ቐዳማይ እዩ።

ሰቦም ንዝሞትዎም ርሕራሐና ብምርኣይ፡ ንየሱስ ንምሰሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-16 ርአ)

14. ገለ ኻብቲ ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ 7 ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣገዳሲ ነጥብታት እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ገለ ኻብቲ ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ 7 ዚርከብ ኣገዳሲ ዝርዝር ነጥብታት እስከ ንርአ። የሱስ ነታ ሓዘንተኛ ኣደ “ረኣያ” ኸም ዚብል፡ ድሕሪኡ እውን “ደንገጸላ” ኸም ዚብልዶ ኣስተብሂልና፧ (ፍቕዲ 13) ስለዚ፡ ቀቅድሚ ሬሳ ወዳ እናኸደት ክትበኪ ምስ ተዓዘበ፡ ልቡ ብርሕራሐ ተመልአ። እንተዀነ ግና፡ ድንጋጽ ጥራይ ተሰሚዕዎ ብእኡ ኣየብቀዐን፣ የግዳስ፡ ርሕራሐኡ ኣርኣያ። “ደጊም ኣይትብከዪ” ኢሉ ኣጸናንዓ። ድሕሪኡ እውን ሓደ ነገር ገበረላ። እወ፡ እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ነቲ ወዲ ኣተንሲኡ “ንኣዲኡ ሃባ።”—ፍቕዲ 14, 15

15. ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምር እንታይ ንምሃር፧

15 ካብቲ የሱስ ንወዲ እታ መበለት ብምትንሳእ ዝገበሮ ተኣምር እንታይ ንምሃር፧ ንሓዘንተኛታት ርሕራሐ ኸነርእዮም ከም ዚግባእ ኢና እንምሃር። ልክዕ እዩ፡ ከም የሱስ ምዉታት ከነተንስእ ኣይንኽእልን ኢና። እንተዀነ ግና፡ ከም የሱስ ኣስተብሃልቲ ብምዃን፡ ንሓዘንተኛታት ክንርሕርሓሎም ንኽእል ኢና። ብቓል ኰነ ብግብሪ ንምሕጋዞም ዚከኣለና ብምግባር፡ ርሕራሐና ኸነርእዮም ንኽእል ኢና። d (ምሳ. 17:17፣ 2 ቈረ. 1:3, 4፣ 1 ጴጥ. 3:8) ሒደት ቃላትን ንኣሽቱ ተግባራትን እኳ ብዙሕ ትርጉም ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

16. ከምቲ ብተዋስኦ ኣብ ስእሊ ዚርአ ዘሎ፡ ካብ ተመክሮ እታ ጓላ ዝሞተታ ኣደ እንታይ ትምሃር፧

16 ሓደ ተመክሮ እስከ ንርአ። ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ እናዘመረት ከላ፡ ኣብ ጥቓኣ ደው ዝበለት ኣደ ትነብዕ ከም ዘላ ኣስተብሃለት። እታ መዝሙር ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ እያ ነይራ፣ እታ ኣደ እውን ኣብ ቀረባ ግዜ ጓላ ዝሞተታ እያ ነይራ። እታ ሓብቲ ነዚ ትፈልጥ ብምንባራ፡ ብኡብኡ ናብታ ኣደ ኸይዳ ሕቝፍ ኣበለታ፡ ነቲ ዝተረፈ መዝሙር እውን ምስኣ ሓቢራ ዘመረት። እታ ኣደ ጸኒሓ እዚ ዝሓደገላ ተዘክሮ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንኣሕዋትን ኣሓትን ምሉእ ፍቕሪ ተሰማዓኒ” ትብል። ናብቲ ኣኼባ ብምኻዳ ብዙሕ እያ ተሓጒሳ። ‘ሓገዝ እንረኽበሉ ኣብኡ፡ ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ’ ምዃኑ ድማ ገሊጻ ኣላ። ሰቦም ንዝሞቶምን “መንፈሶም ንእተደቝሰን” ርሕራሐ ኸነርኢ ኢልና እንገብሮ ነገራት የሆዋ የስተብህለሉን ኣኽቢሩ ይርእዮን እዩ።—መዝ. 34:18

ዜተባብዕ ፕሮጀክት መጽናዕቲ

17. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ተማሂርና፧

17 ኣብ ወንጌላት ተመዝጊቡ ዚርከብ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ዜተባብዕ ፕሮጀክት መጽናዕቲ ኪዀነና ይኽእል እዩ። እዚ ተኣምራት እዚ፡ የሆዋን የሱስን ኣጸቢቖም ከም ዜፍቅሩና፡ የሱስ ንዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ንምፍታሕ ሓይሊ ኸም ዘለዎ፡ ኣብቲ ቐሪቡ ዘሎ እተተስፈወልና በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ምሉእ እምንቶ ኸነሕድር ከም እንኽእል ይምህረና። ነዚ ዛንታታት እዚ ኽንምርምሮ ኸለና፡ ብዛዕባ እቲ ንባህርያት የሱስ ክንቀድሓሉ እንኽእል መገድታት ነስተንትን። እሞ ደኣ ኣብቲ የሱስ ዝገበሮ ኻልእ ተኣምራት ዜተኵር ብሕታዊ መጽናዕቲ ወይ ኣምልኾ ስድራ ቤት ንምግባር ንምንታይ መደብ ዘይተውጽእ፧ ነቲ ኻብኡ እትረኽቦ ትምህርትታት ድማ ንኻልኦት ከተካፍሎም ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ፡ ምስ ካልኦት ክትተሃናነጽ ትኽእል ኢኻ።—ሮሜ 1:11, 12

18. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

18 የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኣገልግሎቱ፡ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ንሱ ዝገበሮ ትንሳኤታት፡ እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ትንሳኤ ገበረ። እዚ ግና ካብ ካልኦት እተፈልየ እዩ ነይሩ። እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ሰብ ፈታዊኡ እዩ ነይሩ፣ እቲ ንዕኡ ዘተንስኣሉ ዅነታት እውን ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ። ካብዚ ኣብ ወንጌል ተመዝጊቡ ዚርከብ ተኣምር እንታይ ንምሃር፧ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ዘሎና እምነትከ ብኸመይ ከነደልድል ንኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ምላሽ ክንረኽበሉ ኢና።

መዝሙር 20 ፍቑር ወድኻ ሂብካ

a የሱስ ብርቱዕ ህቦብላ ኣህዲኡ፡ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት እውን ኣተንሲኡ እዩ። ኰታስ እቲ ተኣምራቱ ኣዝዩ መሳጢ እዩ! እዚ ጸብጻባት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ግና፡ ንምዝንጋዕ ዘይኰነስ፡ ንምምሃር ተባሂሉ እዩ። ነዚ ኽንምርምሮ ኸለና ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እምነትና ዜደልድል ትምህርትታት ንቐስም ኢና፣ ከነማዕብሎ ዚግባእ ባህርያት እውን ንረክብ ኢና።

b ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ኣብ ሃገራት ምብራቕ፡ እንግዶት ከም ግቡኦም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም፣ ንኣጋይሽ ዚኣኽሎም ጥራይ ምቕራብ ከም ጕድለት ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ሓደ ሰብ ብሓቂ ጽቡቕ ገይሩ ዜአንግድ እንተ ዀይኑ፡ ምናዳ ኣብ መርዓ፡ ኣኺሉ ዚተርፍ ሽሻይ እዩ ዜቕርብ ነይሩ።”

c ኣብ ወንጌላት፡ የሱስ ዝገበሮ ልዕሊ 30 ተኣምር ብንጹር ተጠቒሱ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ብዝርዝር ዘይኰነስ፡ ብጕጅለ እተገብረ ተኣምራት እውን ተጠቒሱ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ብምልእታ እታ ኸተማ” ናብኡ ተኣከበት፣ ንሱ ድማ “ሕማም ንዘለዎም ብዙሓት ኣሕወየ።”—ማር. 1:32-34

d ንሓዘንተኛታት ንምጽንናዕ እንታይ ክንብል ወይ ክንገብር ከም እንኽእል ሓሳባት ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2010 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ከም የሱስ ንሕዙናት ኣጸናንዓዮም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

e መግለጺ ስእሊ፦ እቶም ተመራዓውትን ኣጋይሾምን በቲ ጽቡቕ ወይኒ ኺሕጐሱ ኸለዉ፡ የሱስ ብድሕሪት ደው ኢሉ ኣሎ።