ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 17

ዘይተጸበኻዮ ጸገማት ኬጓንፈካ ኸሎ፡ የሆዋ ኺድግፈካ እዩ

ዘይተጸበኻዮ ጸገማት ኬጓንፈካ ኸሎ፡ የሆዋ ኺድግፈካ እዩ

“ሽግር ጻድቕ ብዙሕ እዩ፣ የሆዋ ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።”—መዝ. 34:19

መዝሙር 44 ጸሎት ሓደ ትሑት

መላለዪ a

1. እንታይ ኢና እንኣምን፧

 ንሕና ህዝቢ የሆዋ ዘበልና ኣምላኽና ኸም ዜፍቅረናን ብሉጽ ህይወት ኪህልወና ኸም ዝደልን ንፈልጥ ኢና። (ሮሜ 8:35-39) ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንትግብሮ ኸለና እውን፡ ወትሩ ኸም እንጥቀም ንኣምን ኢና። (ኢሳ. 48:17, 18) እንተዀነ ግና፡ ዘይተጸበናዮ ጸገማት እንተ ኣጓኒፉና እንታይ ኢና እንገብር፧

2. እንታይ ጸገማት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧ እዚ ጸገማት እዚኸ እንታይ ኢልና ኸም እንሓስብ እዩ ኺገብረና ዝኽእል፧

2 ንዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ንኣብነት፡ ኣባል ስድራ ቤትና ብገለ የጕህየና ይኸውን። ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንገብሮ ነገራት ዚድርት ከቢድ ጸገም ጥዕና የጋጥመና ይኸውን። ከቢድ ዕንወት ዜስዕብ ባህርያዊ ሓደጋ የጓንፈና ይኸውን። ወይ ከኣ ብሰንኪ እምነትና ንስጐጕ ንኸውን። ከምዚ ዓይነት ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ‘ስለምንታይ እዩ እዚ ዜጋጥመኒ ዘሎ፧ ገለ ጌጋዶ ገይረ እየ፧ እዝስ በረኸት የሆዋ ኸም ዝረሓቐኒ ድዩ ዜመልክት፧’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ከምዝስ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ እንተ ተሰሚዑካ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ምስ ተመሳሳሊ ስምዒታት ተቓሊሶም እዮም።—መዝ. 22:1, 2፣ ኣን. 1:2, 3

3. ካብ መዝሙር 34:19 እንታይ ንምሃር፧

3 መዝሙር 34:19 ኣንብብ። ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ንዚርከብ ክልተ ኣገዳሲ ነጥቢ እሞ ኣስተብህሉ፦ (1) ጻድቃን ጸገማት የጋጥሞም እዩ። (2) የሆዋ ኻብ ፈተናታትና የናግፈና እዩ። ብኸመይ እዩ የሆዋ ዜናግፈና፧ ሓደ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዘሎና ህይወት፡ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ትጽቢት ኪህልወና ብምሕጋዝ እዩ። የሆዋ ንዕኡ ኸነገልግሎ ኸለና ሓጐስ ከም እንረክብ እኳ ቓል እንተ ኣተወልና፡ ሕጂ ጭንቀት ኣልቦ ህይወት ከም እንመርሕ ውሕስነት ኣይኣተወልናን። (ኢሳ. 66:14) የግዳስ፡ ኣብ መጻኢ፡ ማለት ኣብቲ ንዘለኣለም ክንሕጐሰሉ ዚደልየና ህይወት ከነተኵር እዩ ዚምሕጸነና። (2 ቈረ. 4:16-18) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ መዓልቲ መዓልቲ ኸነገልግሎ ይሕግዘና እዩ።—ድጕ. 3:22-24

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

4 ካብቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩን ኣብዚ ግዜና ዘለዉን እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ። ቀጺልና ኸም እንርእዮ ዘይተጸበናዮ ጸገማት ኬጓንፈና ይኽእል እዩ። ናብ የሆዋ እንተ ተጸጊዕና ግና፡ ንሱ ብርግጽ ኪድግፈና እዩ። (መዝ. 55:22) ነቶም ኣብነታት ክንርእዮም ከለና፡ ‘ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት እንታይ ምገበርኩ፧ እዞም ኣብነታት እዚኦም ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበረኒ ትውክልቲ ዜደልድሉለይ ብኸመይ እዮም፧ ካብዚ እንታይ ክምሃር እኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ

ያእቆብ ነቲ መታለሊ ዝዀነ ኣኮኡ ላባን ን20 ዓመት ኣብ ዘገልገለሉ እዋን፡ የሆዋ ባረኾ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. ያእቆብ ብሰንኪ ላባን እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ዘይተጸበይዎ ጸገማት የጓንፎም ነይሩ እዩ። ያእቆብ ሓደ ኣብነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሱ ኻብ ኣዋልድ እቲ ብየሆዋ ዚኣምን ዝነበረ ዘመዱ ላባን ሰበይቲ ኼእቱ ኻብ ኣቦኡ ትእዛዝ ተዋህቦ፣ የሆዋ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾ እውን መረጋገጺ ተዋህቦ። (ዘፍ. 28:1-4) ስለዚ፡ ያእቆብ ቅኑዕ ዘበለ ገበረ። ካብ ምድሪ ከነኣን ናብቲ ላባን ዚነብረላ ዓዲ ተጓዕዘ። ላባን ከኣ ልያን ራሄልን ዚብሃላ ኣዋልድ ነበራኦ። ያእቆብ ነታ ራሄል እትብሃል ንእሽቶ ጓል ላባን ኣፍቀራ። ንዓኣ ቕድሚ ምምርዓዉ ኸኣ ሸውዓተ ዓመት ንኣቦኣ ኼገልግሎ ፍቓደኛ ዀነ። (ዘፍ. 29:18) እንተዀነ ግና፡ ኣብ መወዳእታ ኸምቲ ዝሓሰቦ ኣይኰነን ኰይኑሉ። ላባን ነታ ልያ እትብሃል ዓባይ ጓሉ ኸም ዚምርዖ ብምግባር ኣታለሎ። ድሕሪ ሰሙን ላባን ንያእቆብ፡ ንራሄል ኪምርዓዋ ፈቐደሉ። እንተዀነ ግና፡ ያእቆብ ተወሳኺ ሸውዓተ ዓመት ንምግልጋል ፍቓደኛ ኪኸውን ነበሮ። (ዘፍ. 29:25-27) ብዘይካዚ፡ ላባን ንያእቆብ ዓስቢ ስራሑ ዓሰርተ ሳዕ እናቐያየረ እውን ኣታሊልዎ እዩ። ኵሉዅሉ ላባን ንያእቆብ 20 ዓመት መዝመዞ!—ዘፍ. 31:41, 42

6. ያእቆብ እንታይ ካልእ ጸገማት እዩ ኣሕሊፉ፧

6 ብተወሳኺ፡ ያእቆብ ካልእ ጸገማት ኣሕሊፉ እዩ። ዓብዪ ስድራ እዩ ገይሩ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና ደቁ ኣይቃደዉን እዮም ነይሮም። ሕሉፍ ሓሊፎም ንሓዎም ዮሴፍ፡ ንባርነት ሸጥዎ። ስምኦንን ሌዊን ዚብሃሉ ኽልተ ደቂ ያእቆብ ከኣ ኣብ ስድራ ቤቶም ውርደት፡ ኣብ ስም የሆዋ ኸኣ ወቐሳ ኣምጽኡ። ብዘይካዚ፡ ራሄል ካልኣይ ውላዳ ኽትወልድ ከላ ሞተት፣ በዚ ኸምዚ ድማ ያእቆብ፡ ዚፈትዋ ሰበይቱ ሰኣነ። ብሰንኪ ብርቱዕ ጥሜት ከኣ ኣብ እዋን እርጋኑ ናብ ግብጺ ኺግዕዝ ተገደደ።—ዘፍ. 34:30፣ 35:16-19፣ 37:28፣ 45:9-11, 28

7. ብኸመይ እዩ የሆዋ ንያእቆብ ሞገሱ ዘርኣዮ፧

7 ያእቆብ ነዚ ዅሉ ጸገማት እናኣሕለፈ ኽነሱ፡ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንሱ ዘተስፈዎ ተስፋታትን ዘለዎ እምነት ኣየጥፍአን። የሆዋ እውን ብግዲኡ ንያእቆብ ሞገሱ ኣርኣዮ። ንኣብነት፡ ላባን ንያእቆብ ኬታልሎ ህርድግ ይብል እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ንያእቆብ ብስጋዊ መዳይ ባረኾ። ብዘይካዚ፡ ያእቆብ ምስቲ ሞይቱ ኢሉ ቐቢጽዎ ዝነበረ ወዱ ዮሴፍ ምስ ተራኸበ፡ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘመስገኖ እሞ ሕሰቦ! እቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንፈተናታቱ ኺሰግር ኣኺልዎ እዩ። (ዘፍ. 30:43፣ 32:9, 10፣ 46:28-30) ንሕና እውን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ናይ ቀረባ ዕርክነት ዓቂብና ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ዘይተጸበናዮ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ኽንሰግሮ ንኽእል ኢና።

8. ንጉስ ዳዊት እንታይ ኪገብር እዩ ዚምነ ነይሩ፧

8 ንጉስ ዳዊት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም ኵሉ ትምኒቱ ኣይኰነን ኪገብር ክኢሉ። ንኣብነት፡ ንኣምላኹ ቤተ መቕደስ ኪሃንጽ ብርቱዕ ድሌት ነበሮ። ነዚ ድሌቱ ድማ ንነብዪ ናታን ነገሮ። ናታን ከኣ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ ግበር” ኢሉ መለሰሉ። (1 ዜና 17:1, 2) እዚ ቓላት እዚ ንዳዊት ክሳዕ ክንደይ ከም ዘተባብዖ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና። ምናልባት፡ ብኡብኡ ነቲ ዓብዪ ዕዮ ህንጸት ኪውጥን ጀሚሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

9. ዳዊት ዜሕዝን መልእኽቲ ምስ መጾ እንታይ ገበረ፧

9 ነዊሕ ከይጸንሐ ግና እቲ ነብዪ የሆዋ ዜሕዝን መልእኽቲ ሒዙ ተመልሶ። “በታ ለይቲ እቲኣ” የሆዋ ንናታን፡ ዳዊት ነታ ቤተ መቕደስ ከም ዘይሃንጻ፡ ኣብ ክንዳኡስ ሓደ ኻብ ደቁ ኸም ዚሃንጻ ነገሮ። (1 ዜና 17:3, 4, 11, 12) እሞ ደኣ ዳዊት እዚ መልእኽቲ ምስ በጽሖ እንታይ ገበረ፧ ሸቶኡ ኣዐረየ። ንወዱ ሰሎሞን ዜድልዮ ነገራት፡ ማለት ነቲ ህንጸት ዚኸውን ገንዘብን ንዋትን ኣብ ምእካብ ኣተኰረ።—1 ዜና 29:1-5

10. የሆዋ ንዳዊት ዝባረኾ ብኸመይ እዩ፧

10 የሆዋ ንዳዊት፡ ነታ ቤተ መቕደስ ንሱ ኸም ዘይሃንጻ ምስ ሓበሮ፡ ብኡብኡ ኺዳን ኣተወሉ፣ ሓደ ኻብ ዘርኡ ንዘለኣለም ከም ዚገዝእ ቃል ኣተወሉ። (2 ሳሙ. 7:16) ዳዊት ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣብ ትሕቲ እቲ ሓደ ኻብ ሓረግ ወለዶኡ ዝዀነ ንጉስ፡ ማለት ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ብህይወት ይነብር ከም ዘሎ ምስ ፈለጠ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚሕጐስ እሞ ገምቶ! ካብዚ ዛንታ እዚ፡ ንየሆዋ ኸምቲ እንምነዮ ኽንገብረሉ እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ንሱ ግና ብዘይተጸበናዮ መገዲ ኸም ዚባርኸና ንምሃር።

11. እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ እተጸበይዎ ግዜ እኳ እንተ ዘይመጸት፡ ብኸመይ እዮም እተባረኹ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 6:7)

11 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ዘይተጸበይዎ ጸገማት ኣጓኒፍዎም እዩ። ንኣብነት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ተሃንጥዮም እዮም ዚጽበዩ ነይሮም፣ መዓስ ከም እትመጽእ ግና ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። (ግብ. 1:6, 7) እሞ ደኣ እንታይ ገበሩ፧ ኣብ ዕዮ ስብከት ብትግሃት ዓየዩ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እናተዘርግሐ ምስ ከደ ኸኣ፡ የሆዋ ንጻዕርታቶም ይባርኾ ኸም ዘሎ ጭቡጥ መርትዖ ረኣዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 6:7 ኣንብብ።

12. ጥሜት ምስ ኰነ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ እዮም ዝገበሩ፧

12 ሓደ ግዜ፡ “ኣብ ኵላ ዓለም” ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። (ግብ. 11:28) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን በዚ ተጸልዉ። እቲ ሽዑ ዘጋጠሞም ሕጽረት ምግቢ ብኸመይ ከም ዝጸለዎምሲ ኽትግምቶዶ ትኽእል፧ መሸም ርእስታት ስድራ ቤት ንቤተ ሰቦም ዜድሊ ብኸመይ ከም ዜማልኡ ጨኒቕዎም ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ደልዮም ዝነበሩ መንእሰያትከ ብኸመይ ኰን ተጸልዮም ይዀኑ፧ መደቦም ኬዳናጕይዎ ኸም ዘለዎም ተሰሚዕዎም ደዀን ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ እቶም ክርስትያናት ምስቲ ዅነታት ተዋሃሂዶም ህይወቶም ቀጸሉ። ብእተኻእሎም መጠን ይሰብኩ ነበሩ፡ ስጋዊ ጥሪቶም እውን ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቶም ተሓጕሶም ኣካፈልዎም።—ግብ. 11:29, 30

13. እቶም ኣብቲ እዋን ጥሜት ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ በረኸት እዮም ረኺቦም፧

13 እሞ ደኣ እቶም ኣብቲ እዋን ጥሜት ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ በረኸት እዮም ረኺቦም፧ እቶም ረድኤት እተቐበሉ ደገፍ የሆዋ ብዓይኖም ርእዮም እዮም። (ማቴ. 6:31-33) ምስቶም ዝረድእዎም ክርስትያናት ብጾቶም እውን ብዝያዳ ተቐራሪቦም ኪዀኑ ኣለዎም። እቶም ወፈያታት ዝገበሩ ወይ ኣብ ዕዮ ረድኤት እተኻፈሉ ኸኣ፡ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ረኺቦም እዮም። (ግብ. 20:35) ምስቲ ለውጢ ተዋሃሂዶም ኪመላለሱ ኸለዉ፡ የሆዋ ንዅላቶም ባሪኽዎም እዩ።

14. ንበርናባስን ንጳውሎስን እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧ እንታይ ፍረኸ እዮም ዝረኸቡ፧ (ግብ. 14:21, 22)

14 ብዘይካዚ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዙሕ ሳዕ መስጐጕቲ ይወርድ ነይሩ እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ከይተጸበይዎ እዩ መስጐጕቲ ዜጓንፎም ነይሩ። ንኣብነት፡ በርናባስን ሃዋርያ ጳውሎስን ኣብ ልስጥራ እናሰበኹ ኸለዉ ዘጋጠሞም እሞ ንርአ። ኣብ ፈለማ፡ እቶም ህዝቢ ጽቡቕ ገይሮም ተቐበልዎም። ደሓር ግና፡ ተጻረርቲ “ነቶም ህዝቢ ሓቢሎም” ንጳውሎስ ብዳርባ እምኒ ጨፍጨፍዎ፣ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ሓዲጎምዎ ኸዱ። (ግብ. 14:19) በርናባስን ጳውሎስን ግና ናብ ካልእ ዓዲ ኸይዶም ሰበኹ። እሞ ደኣ እንታይ ፍረ ረኸቡ፧ “ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ” ገበሩ፣ ቃላቶምን ኣብነቶምን ከኣ ንክርስትያናት ብጾቶም ኣበርትዖም። (ግብሪ ሃዋርያት 14:21, 22 ኣንብብ።) በርናባስን ጳውሎስን ኣብ ትሕቲ ሃንደበታዊ መስጐጕቲ ስለ ዘይተሓለሉ፡ ብዙሓት ተጠቒሞም እዮም። ንሕና እውን ነቲ የሆዋ ዝሃበና ዕዮ ኸይተሓለልና እንተ ዓዪና፡ ክንባረኽ ኢና።

ኣብዚ ግዜና

15. ካብ ሓውና ኣለክሳንደር ህዩ ማክሚላን እንታይ ትምሃር፧

15 ኣብቲ ቕድሚ 1914 ዝነበረ ዓመታት ህዝቢ የሆዋ ልዑል ትጽቢታት እዩ ነይርዎም። ንኣብነት፡ ሓውና ኣለክሳንደር ህዩ ማክሚላን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ሓውና ማክሚላን ከምቶም ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ክርስትያናት ይሓስብ ብምንባሩ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሰማያዊ ዓስቡ ዚረክብ መሲልዎ ነበረ። ኣብቲ ኣብ መስከረም 1914 ዘቕረቦ መደረ ኸኣ፡ “ምናልባት እዚ ንመወዳእታ ዘቕርቦ ህዝባዊ መደረ ኪኸውን ይኽእል እዩ” ኢሉ ተዛረበ። ከም ሓቂ ግና፡ እቲ መደረ ናይ መወዳእታኡ ኣይነበረን። ጸኒሑ ሓውና ማክሚላን፡ “ምናልባት ገሌና ብኡብኡ ናብ ሰማይ ንምኻድ እምብዛ ተሃዊኽና ኔርና ኽንከውን ንኽእል ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኣብ ዕዮ ጐይታ ትሑዛት ክንከውን እዩ ነይሩና” በለ። ሓውና ማክሚላን ኣብቲ ዕዮ እቲ ትሑዝ እዩ ነይሩ። ቀናእ ኣገልጋሊ እዩ ነይሩ። ብምኽንያት ገለልትነቶም ንእተኣስሩ ብዙሓት ኣሕዋት ኣተባቢዑ እዩ። ብዕድመ ምስ ደፍአ እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ኣኼባታት ጉባኤ ኣይበኵርን እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ነቲ ዓስቡ እናተጸበየ፡ ንግዜኡ ጽቡቕ ገይሩ ስለ እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ ተረቢሑ፧ ብ1966 ቀቅድሚ ሙማቱ፡ “ሎሚ እምነተይ ከም ቀደማ ድልድልቲ እያ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። እዝስ ኵላትና ኽንቀድሖ ዚግባእ ብሉጽ ኣመለኻኽታዶ ኣይኰነን፧ ምናዳ ኻብቲ ዝሓሰብናዮ ንላዕሊ ንዝነውሐ ግዜ እተጸበና ዘበልና፡ ነዚ ኣመለኻኽታ እዚ ኸነማዕብል ኣሎና!—እብ. 13:7

16. ሓውና ሀርበርት ጀኒንግስን ሰበይቱን እንታይ ዘይተጸበይዎ ጸገም እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ያእቆብ 4:14)

16 ብዙሓት ህዝቢ የሆዋ ምስ ዘይተጸበይዎ ጸገማት ጥዕና ይቃለሱ እዮም። ንኣብነት፡ ሓውና ሀርበርት ጀኒንግስ b ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ነቲ ንሱን ሰበይቱን ኣብ ጋና ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘሕለፍዎ ዜሐጕስ ህይወት ገሊጹ ኣሎ። እንተዀነ ግና፡ ከቢድ ናይ ጠባይ ምቅይያር ኬስዕብ ዚኽእል ሕማም ኣጋጠሞ። ሓውና ጀኒንግስ ካብ ያእቆብ 4:14 ቓላት ብምውሳድ፡ ነዚ ጸገም እዚ፡ “ዘይተጸበናዮ ‘ጽባሕ’” ኢሉ ጸውዒዎ ኣሎ። (ኣንብብ።) “ነቲ ክውንነት ብምቕባል . . . ጋናን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽትናን ገዲፍና [ብምኽንያት ሕክምና] ናብ ካናዳ ንኽንምለስ ተዳለና” ኢሉ እውን ጽሒፉ ኣሎ። ሓውና ጀኒንግስን ሰበይቱን ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ብተኣማንነት ምእንቲ ኼገልግሉ የሆዋ ሓጊዝዎም እዩ።

17. ሓውና ጀኒንግስ ንክርስትያናት ብጾቱ ብኣብነቱ ዝጠቐሞም ብኸመይ እዩ፧

17 እቲ ሓውና ጀኒንግስ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ብግልጺ እተዛረቦ ቓላት፡ ኣብ ካልኦት ዓብዪ ጦብላሕታ ሓዲጉ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ ኢላ ጽሒፋ ኣላ፦ “ከምዛ ዓንቀጽ እዚኣ ገይራ ዝደረኸትኒ . . . ኣይረኸብኩን። . . . [ሓውና] ጀኒንግስ ነቲ ዝነበሮ ሕማም ንኺከናኸን ኢሉ ዝነበሮ ሓላፍነት ምግዳፉ፡ ንዅነታተይ ብሚዛናዊ መገዲ ንኽርእዮ ሓገዘኒ።” ሓደ ሓው እውን ብተመሳሳሊ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ንዓሰርተ ዓመት ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዀይነ ድሕሪ ምግልጋለይ፡ ብሰንኪ ናይ ኣእምሮ ሕማም ነዚ ሓላፍነት እዚ ኽሓድጎ ነበረኒ። . . . ዋላ ሓንቲ ዘይረብሕ ኰይኑ ይስምዓኒ ብምንባሩ እጭነቕ ነበርኩ። እቲ [ሓውና] ጀኒንግስ ዘርኣዮ ዘይምሕላል ግና ኣተባቢዑኒ እዩ።” እዚ ድማ፡ ዘይተጸበናዮ ጸገማት ክንጻወር ከለና ንኻልኦት ከነተባብዕ ከም እንኽእል የዘኻኽረና። ዋላ እውን ህይወትና ኸምቲ እንምነዮ እንተ ዘይኰነልና፡ ህያዋን ኣብነታት እምነትን ተጸዋርነትን ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 5:9

ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና፡ ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ዘይተጸበናዮ ጸገማት ናብኡ ብዝያዳ ኬቕርበና ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. ኣብዚ ስእልታት ብተዋስኦ ቐሪቡ ኸም ዘሎ፡ ካብታ ኣብ ናይጀርያ እትነብር መበለት እንታይ ንምሃር፧

18 ከም ለበዳ ኮቪድ-19 ዝኣመሰለ ሕማቕ ኵነታት ንብዙሓት ህዝቢ የሆዋ ጸልዩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣብ ናይጀርያ እትርከብ መበለት፡ ሒደት ምግቢ ጥራይ ተረፋ። ሓደ ንግሆ፡ ጓላ ነተን ተሪፈን ዘለዋ ናይ መወዳእታ ሩዝ ምስ በልዓ እንታይ ከም ዚገብራ ሓተተታ። እታ ሓብቲ ንጓላ፡ ገንዘብ ወይ ምግቢ እኳ እንተ ዘይብለን፡ ነታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ኪመስላኣ ኸም ዘለወን፡ ማለት ነታ ዝተረፈት ምግቢ ምስ ኣዳለዋ ምሉእ ትውክልተን ኣብ የሆዋ ኺገብራ ኸም ዘለወን ሓበረታ። (1 ነገ. 17:8-16) ኰይኑ ግና፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ምሳሕ እንታይ ከም ዚበልዓ ምሕሳብ ገና ኸይጀመራ ኸለዋ፡ ካብ ክርስትያናት ብጾተን ረድኤት መጸን። እቲ ረድኤት ከኣ ንልዕሊ ኽልተ ሰሙን ዚኣክል ምግቢ ነበረ። ድሕርዚ፡ እታ ሓብቲ፡ ነቲ ንጓላ ዝበለታ ነገር ክሳዕ ክንድዚ የሆዋ ብቐረባ ይሰምዖ ምንባሩ ትፈልጥ ከም ዘይነበረት ገሊጻ ኣላ። እወ፡ ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና፡ ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ዘይተጸበናዮ ጸገማት ናብኡ ብዝያዳ እዩ ዜቕርበና።—1 ጴጥ. 5:6, 7

19. ንሓውና ኣሊክሰይ የርሾቭ እንታይ መስጐጕቲ እዩ ኣጋጢምዎ፧

19 ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይተጸበይዎ መስጐጕቲ ኣጋጢምዎም እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ሩስያ ዚነብር ሓውና ኣሊክሰይ የርሾቭ ክንወስድ ንኽእል ኢና። ሓውና የርሾቭ ብ1994 ኣብ እተጠምቀሉ እዋን፡ ኣብታ ዓዲ ዝነበሩ ኣሕዋት እተወሰነ ናጽነት ነይርዎም እዩ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝመጸ ዓመታት ግና፡ ኣብ ሩስያ ዝነበረ ዅነታት ተለወጠ። ብ2020፡ እንዳ ሓውና የርሾቭ ተፈተሸ፡ ብዙሕ ጥሪቱ እውን ተገበተ። ድሕሪ እተወሰነ ኣዋርሕ፡ መንግስቲ ንሓውና የርሾቭ ገበነኛ ኢሉ ኸሰሶ። ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ፡ ነቲ ኽሲ መሰረት ዝዀነ ነገር ሓደ ንልዕሊ ዓመት ኣቢሉ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ተገዳስነት ዘሕደረ ዚመስል ሰብ ዝቐድሖ ቪድዮታት እዩ ነይሩ። ኣቤት ጥልመት!

20. ሓውና የርሾቭ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ዘደልደሎ ብኸመይ እዩ፧

20 እቲ ሓውና የርሾቭ ዘሕለፎ ፈተናስ ገለ ጽቡቕ ነገርዶ ኣፍርዩ፧ እወ። ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ደልዲሉ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “ኣነን ሰበይተይን ብዝያዳ ኢና ሓቢርና እንጽሊ። ነዚ ዅነታት እዚ ብዘይ ሓገዝ የሆዋ ኽወጾ ኸም ዘይክእል እፈልጥ እየ።” ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ከምዚ ይብል፦ “ብሕታዊ መጽናዕቲ ኣብቲ ምስ ምቝራጽ ተስፋ ዝገብሮ ቓልሲ ይሕግዘኒ እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ አስተንትን እየ። ክንሃድእን ብየሆዋ ኽንውከልን ከም ዘሎና ዜጕልሕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ብዙሕ ዛንታታት ኣሎ።”

21. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ተማሂርና፧

21 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ተማሂርና፧ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዘይተጸበናዮ ጸገማት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ኣገልገልቱ ወትሩ ይሕግዞም እዩ። ከምቲ ኣብታ ቐንዲ ጥቕስና ተሓቢሩ ዘሎ፡ “ሽግር ጻድቕ ብዙሕ እዩ፣ የሆዋ ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።” (መዝ. 34:19) እምበኣር፡ ኣብ ጸገማትና ዘይኰነስ፡ ኣብቲ የሆዋ ንዓና ንምሕጋዝ ዘለዎ ሓይሊ ነተኵር። ድሕሪኡ፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኽንብል ንኽእል ኢና።—ፊል. 4:13

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

a ኣብዚ ስርዓት እዚ፡ ዘይተጸበናዮ ጸገማት ኬጓንፈና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንእሙናት ኣምለኽቱ ኸም ዚድግፎም ርግጸኛታት ኢና። እሞ ደኣ የሆዋ ነቶም ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ ኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎም፧ ሎሚኸ ብኸመይ ይድግፈና ኣሎ፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩን ኣብዚ ግዜና ዘለዉን ኣብነታት ምስ እንምርምር፡ ነቲ የሆዋ ኸም ዚድግፈና ዘሎና እምነት የደልድለልና እዩ።