ፕሮጀክት መጽናዕቲ
መንፈሳውያን ሰባት ጥበባዊ ውሳነታት ይገብሩ
ዘፍጥረት 25:29-34 ኣንብብ እሞ፡ ካብ ኤሳውን ያእቆብን መኖም ጥበባዊ ውሳነ ኸም ዝገበረ ርአ።
ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳብ ኣዕሚቝካ ዅዓት። ኣቐዲሙ እንታይ ኰይኑ ነይሩ፧ (ዘፍ. 25:20-28) ድሕሪኡኸ እንታይ ኰይኑ፧—ዘፍ. 27:1-46።
ዝርዝር ነጥብታት ንምርካብ ኣዕሚቝካ ዅዓት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ በዅሪ ውሉድ እንታይ መሰልን ግቡእን ነይርዎ፧—ዘፍ. 18:18, 19፣ w10 1/5 13።
-
ሓደ ሰብ ኣብ ሓረግ ወለዶ መሲሕ ንምእታው ግድን በዅሪ ኪኸውን ነይርዎ ድዩ፧ (w17.12 14-15)
ትምህርቲ ርኸብ፡ ነቲ ትምህርቲ እውን ተግብሮ። ያእቆብ ካብ ኤሳው ንላዕሊ ንብዅርና ኣኽቢሩ ዚርኢ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (እብ. 12:16, 17፣ w03 15/10 28-29) የሆዋ ብዛዕባ እዞም ክልተ ኣሕዋት ከመይ ተሰሚዕዎ፧ ስለምንታይከ፧ (ሚል. 1:2, 3) ኤሳው ኣብ ዝሓሸ ውሳነታት ንምብጻሕ እንታይ ኪገብር ነይርዎ፧
-
ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ኣብ ከም ኣምልኾ ስድራ ቤት ዝኣመሰለ ሰሙናዊ ንጥፈታት ከመይ ገይረ እየ ንመንፈሳዊ ነገራት ከም ዘማስወሉ ዘርኢ፧’