ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 14

መዝሙር 56 ንሓቂ ኣጥርያ

“ናብ ብስለት ንገስግስ”

“ናብ ብስለት ንገስግስ”

“ናብ ብስለት ንገስግስ።”እብ. 6:1

ኣትኵሮ

ብሱል ክርስትያን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ብኸመይ ከም ዚሓስብን ብኸመይ ስጕምቲ ኸም ዚወስድን ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነ ኸም ዚገብርን ተምሃር።

1. የሆዋ ኻባና እንታይ እዩ ዚደሊ፧

 ውሉድ ኣብ ዚውለደሉ እዋን፡ ወለዲ ፍሉይ ሓጐስ እዩ ዚስምዖም። ይኹን እምበር፡ ንውላዶም ዚፈትውዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሓዋሩ ሕጻን ኰይኑ ኺነብር ኣይደልይዎን እዮም። ዕቤት እንተ ዘይገይሩ፡ ኣመና እዩ ዜተሓሳስቦም። ብተመሳሳሊ፡ ሰዓብቲ የሱስ ንምዃን ናይ መጀመርታ ስጕምትታትና ኽንስጕም ከለና፡ የሆዋ ይሕጐስ እዩ፣ ንሓዋሩ ግና ብመንፈሳዊ መዳይ ታተ እናበልና ኽንነብር ኣይኰነን ዚደልየና። (1 ቈረ. 3:1) ኣብ ክንዳኡስ፡ “ብሱላት ኩኑ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ።—1 ቈረ. 14:20

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 ብሱል ክርስትያን ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ከመይ ጌርና ኢና ናብ ክርስትያናዊ ብስለት እንበጽሕ፧ ዕጹም መንፈሳዊ ብልዒ ኣብ ዕቤትና እንታይ ግደ ኣለዎ፧ ብርእስና እምብዛ ኽንተኣማመን ዘይብልናኸ ስለምንታይ ኢና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንርኢ ኢና።

ብሱል ክርስትያን ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

3. ብሱል ክርስትያን ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

3 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ብሱል” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ፍጹም፡” “ምሉእ፡” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። a (1 ቈረ. 2:6) ካብቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ሕጻናት ዝነበርናሉ ደረጃ ናብቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ሰብኡት ወይ ኣንስቲ እንዀነሉ ደረጃ ምስ ዓበና፡ ብሱላት ንኸውን ኢና። ልክዕ እዩ፡ ናብቲ ሸቶ ድሕሪ ምብጻሕና እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ካብ ምግባር ከነቋርጽ የብልናን። (1 ጢሞ. 4:15) ኵላትና እንተላይ እውን ዕድመና ንኣሽቱ ዘበልና ብመንፈሳዊ መዳይ ክንበስል ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ሓደ ክርስትያን ናብ ብስለት ከም ዝበጽሐ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

4. ብሱል ክርስትያን ብምንታይ እዩ ዚልለ፧

4 ብሱል ክርስትያን ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዚሓትቶ ብቕዓታት ደኣ እዩ ኼማልእ ዚጽዕር እምበር፡ ንሱ ዚደልዮ እናመረጸ ኣይኰነን ዚስዕብ። ልክዕ እዩ፡ ዘይፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ጌጋታት ይገብር እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣተሓሳስባኡ ዀነ ተግባሩ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዚሰማማዕ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ የርኢ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሓድሽ ስብእና ይለብስ፡ ኣተሓሳስባኡ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ንምስምማዕ ድማ፡ ብቐጻሊ ይጽዕር እዩ። (ኤፌ. 4:22-24) ብተወሳኺ፡ ኣብ ሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ተመርኲሱ ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር ገዛእ ርእሱ ስለ ዘሰልጠነ፡ ነዊሕ ዝርዝር ሕግታት ኣየድልዮን እዩ። ገዛእ ርእሱ ኺቈጻጸር ስለ ዚኽእል ከኣ፡ ውሳነኡ ንምትግባር ኣበርቲዑ ይዓዪ እዩ።—1 ቈረ. 9:26, 27

5. ዘይብሱል ክርስትያን እንታይ ሓደጋታት እዩ ኼውድቖ ዚኽእል፧ (ኤፌሶን 4:14, 15)

5 በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ዘይብሱል ክርስትያን “ብጥበራ ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ብዚኸውን ጕርሕን” ኪታለል፡ ብዛዕባ ውዲት ብዚውረ ወረን ብኸሓድትን ከኣ ብቐሊሉ መገዱ ኺስሕት ይኽእል እዩ። b (ኤፌሶን 4:14, 15 ኣንብብ።) ብዘይካዚ ድማ፡ ብቐሊሉ ኪቐንእ፡ ኪብኣስ፡ ኪቕየም ወይ ብፈተና ኺወድቕ ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 3:3

6. ናብ ብስለት ዚግበር ዕቤት ምስ ምንታይ ኪመሳሰል ይኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ኣቐዲምካ ኸም እተጠቕሰ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንመንፈሳዊ ብስለት ምስ ኣካላዊ ዕቤት የመሳስሎ እዩ። ቈልዓ ልቦና ስለ ዚጐድሎ፡ ናይ ዓበይቲ ዕቝባን ክትትልን የድልዮ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣደ ንንእሽቶ ጓላ፡ ብኢዳ ሒዛ ጽርግያ ተሳግራ ትኸውን። እታ ጓል እናዓበየት ምስ ከደት ከኣ፡ ባዕላ ኽትሰግር እኳ እንተ ተፈቕደላ፡ ቅድሚ ምስጋራ ማካይን ከይህልዋ የማነ ጸጋም ክትርኢ ይንገራ ይኸውን። ዓባይ ምስ ኰነት ግና፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ንምርሓቕ ናይ ካልኦት ክትትል ኣየድልያን እዩ። ከምቲ ቘልዑ ኻብ ሓደጋታት ንምርሓቕ ካብ ዓበይቲ ሓገዝ ዜድልዮም፡ ዘይብሱላት ክርስትያናት እውን ካብ መንፈሳዊ ሓደጋታት ንምርሓቕን ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባርን ናይ ብሱላት ክርስትያናት ሓገዝ የድልዮም እዩ። ብሱላት ክርስትያናት ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ ግና፡ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ኣተሓሳስባ የሆዋ ኺፈልጡ ይጽዕሩ፡ ብእኡ ተመስሪቶም እውን ስጕምቲ ይወስዱ እዮም።

ዘይብሱላት ክርስትያናት ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነታት ከም ዚገብሩ ኺምሃሩ የድልዮም እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)


7. ብሱላት ክርስትያናት ናይ ካልኦት ሓገዝ የድልዮም ድዩ፧

7 ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ብሱል ክርስትያን ናይ ዋላ ሓደ ሓገዝ ኣየድልዮን እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ብሱላት ሰባት እውን ሓድሓደ ግዜ ኻብ ካልኦት ሓገዝ ኪሓትቱ የድልዮም እዩ። ይኹን እምበር፡ ዘይብሱል ሰብ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ኻልኦት ኪነግርዎ ወይ ባዕሉ ኺገብሮ ዚግባእ ውሳነ ኻልኦት ኪገብሩሉ ይጽበ እዩ። ብሱል ክርስትያን ግና፡ ካብ ጥበብን ተመክሮን ካልኦት ዚጥቀም እኳ እንተ ዀነ፡ “ጾሩ ኺጸውር” የሆዋ ኸም ዚጽበዮ ይፈልጥ እዩ።—ገላ. 6:5

8. ብሱላት ክርስትያናት ሓደ ኻብቲ ሓደ ዚፈላለዩ ብኸመይ እዮም፧

8 ከምቲ ዓበይቲ ሰባት እተፈላለየ ትርኢት ዘለዎም፡ ብሱላት ክርስትያናት እውን ኣብ ከም ጥበብን ትብዓትን ልግስን ድንጋጸን ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ባህርያት ይፈላለዩ እዮም። ብተወሳኺ፡ ክልተ ብሱላት ክርስትያናት ተመሳሳሊ ዅነታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ተቐባልነት ዘለዎ እተፈላለየ ውሳነታት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ምናዳ ምስ ሕልና ኣብ ዚተሓሓዝ ጕዳያት፡ ከምኡ የጋጥም እዩ። ነዚ ስለ ዚፈልጡ ድማ፡ ምስዚ ፍልልያት ብዚተሓሓዝ፡ ሓደ ነቲ ሓደ ኣይፈርዶን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ሓድነቶም እዮም ዜተኵሩ።—ሮሜ 14:10፣ 1 ቈረ. 1:10

ከመይ ጌርና ኢና ናብ ክርስትያናዊ ብስለት እንበጽሕ፧

9. መንፈሳዊ ዕቤት ብግዜ ጥራይ ክንበጽሖ እንኽእል ነገር ድዩ፧ ግለጽ።

9 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ብኣካላዊ መዳይ ዕቤት ንገብር ኢና። መንፈሳዊ ብስለት ግና ብግዜ ጥራይ ዚብጻሕ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ብስራት ተቐቢሎም፡ ተጠሚቖም፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም፡ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ተማሂሮም ነይሮም እዮም። (ግብ. 18:8-11) ኰይኑ ግና፡ ካብ ዚጥመቑ ገለ ዓመታት ምስ ሓለፈ እኳ፡ ብዙሓት ገና ኣይበሰሉን ነይሮም። (1 ቈረ. 3:2) እሞ ደኣ መንፈሳዊ ዕቤትና ምእንቲ ኸይጕተት እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

10. ናብ ብስለት ንምብጻሕ እንታይ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና፧ (ይሁዳ 20)

10 ናብ ብስለት ንምብጻሕ፡ ፈለማ ብሱላት ንምዃን ድሌት ከነሕድር ኣሎና። ‘ዘይልብምና ዚፈትዉ’ ሰባት፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሕጻናት ኰይኖም ስለ ዚነብሩ፡ ዕቤት ኣይገብሩን እዮም። (ምሳ. 1:22) ከምቶም ብኣካላዊ መዳይ ዓበይቲ ኽነሶም ወለዶም ውሳነታት ዚገብሩሎም ሰባት ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ መንፈሳዊ ዕቤት ናይ ምግባር ሓላፍነትና ኽንስከሞ ንደሊ ኢና። (ይሁዳ 20 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ናብ ብስለት ንምብጻሕ ጻዕሪ ትገብር እንተ ኣሊኻ፡ “ድሌትን ንምግባር ዓቕምን” ምእንቲ ኽትረክብ ናብ የሆዋ ጸሊ።—ፊል. 2:13

11. ናብ ብስለት ምእንቲ ኽንበጽሕ፡ እንታይ ሓገዝ እዩ ተዳልዩልና ዘሎ፧ (ኤፌሶን 4:11-13)

11 የሆዋ ባዕልና ናብ ብስለት ክንበጽሕ ኣይጽበየናን እዩ። እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጓሶትን መምህራን ኰይኖም ዜገልግሉ ኣሕዋት፡ ንነፍሲ ወከፍና ብመንፈሳዊ መዳይ “እኹል” ሰብ ክንከውን ማለት፡ “ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ” ክንበጽሕ ይሕግዙና እዮም። (ኤፌሶን 4:11-13 ኣንብብ።) ኣብ ርእሲ እዚ፡ “ሓሳብ ክርስቶስ” ምእንቲ ኺህልወና፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ይሕግዘና እዩ። (1 ቈረ. 2:14-16) ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ኣርባዕተ ወንጌላት፡ የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝነበሮ ኣተሓሳስባን ኣዘራርባን ተግባራትን ተመዝጊቡልና ኣሎ። ንኣተሓሳስባን ንተግባራትን የሱስ እንተ ቐዲሕካዮ፡ ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ።

ዕጹም መንፈሳዊ ብልዒ ዘለዎ ግደ

12. “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርስቶስ” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧

12 ናብ ብስለት ምእንቲ ኽንበጽሕ፡ ስግር እቲ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርስቶስ፡” ማለት ስግር እቲ መሰረታዊ ትምህርትታት ክርስትና ኽንከይድ ኣሎና። ገለ ኻብዚ መሰረታዊ ትምህርትታት ንስሓን እምነትን ጥምቀትን ትንሳኤን ኪጥቀስ ይከኣል። (እብ. 6:1, 2) እዚ ትምህርትታት እዚ፡ መሰረት ክርስትና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ጰንጠቈስጠ እተኣከቡ ሰባት ኪሰብከሎም ከሎ፡ ነዚ ትምህርትታት እዚ ጠቒሱሎም ኣሎ። (ግብ. 2:32-35, 38) ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንምዃን ነዚ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ኽንቅበሎ ኣሎና። ንኣብነት፡ እቶም ንትምህርቲ ትንሳኤ ዘይቅበሉ፡ ንብምሉኡ እምነት ክርስትና ኸም ዚነጽግዎ ጳውሎስ ኣጠንቂቑ ኣሎ። (1 ቈረ. 15:12-14) እንተዀነ ግና፡ ብመሰረታዊ ፍልጠት ሓቂ ጥራይ ክንዓግብ የብልናን።

13. ካብቲ ኣብ እብራውያን 5:14 ተጠቒሱ ዘሎ ዕጹም መንፈሳዊ ብልዒ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ዕጹም መንፈሳዊ ብልዒ ግና፡ ዘይከም ናይ መጀመርታ ትምህርቲ፡ ሕግታት የሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መሰረታዊ ስርዓታት እውን የጠቓልል እዩ። እዚ ድማ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኽንርዳእ የኽእለና። ካብዚ ብልዒ እዚ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ንቓል ኣምላኽ ከነጽንዖን ከነስተንትነሉን ተጠንቂቕና ኽንትግብሮ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና ንየሆዋ ባህ ዜብል ውሳነታት ንምግባር ኢና ገዛእ ርእስና እነሰልጥን። cእብራውያን 5:14 ኣንብብ።

ዕጹም መንፈሳዊ ብልዒ ንምገብ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ብኸመይ ከም እንገብር ንምሃር ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ) d


14. ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ናብ ብስለት ኪዓብዩ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

14 ዘይብሱላት ክርስትያናት ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ውሳነ ዚግበረሉ ዅነታት ኬጋጥሞም ከሎ ይኸብዶም እዩ። ብዛዕባ እቲ ነገር እቲ ዚምልከት ሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘየልዩ፡ ገሊኦም ዝደለይዎ ኺገብሩ ኸም ዚኽእሉ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ገሊኦም ከኣ፡ ዋላ እኳ ዝርዝር ሕጊ ኣብ ዘየድልዮ መዳያት፡ ‘ግበር’ ወይ ‘ኣይትግበር’ ዚብል ሕጊ ኺውሃቦም ይሓትቱ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ንጣኦታት እተሰውአ ምግቢ ኺበልዑ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ንጳውሎስ ሓቲቶምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንሱ ግና፡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚግባእ ኣብ ክንዲ ዚነግሮም፡ ሕልናኦም ዘለዎ ግደ ኣፍለጦም፡ ነፍሲ ወከፍ “ናይ ምምራጽ መሰል” ከም ዘለዎ እውን ሓበሮም። ብተወሳኺ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ሕልናኡ ኸይጠሓሰ፡ ንኻልኦት እውን ከይዓንቀፈ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪውስን ከም ዚኽእል ገለጸሎም። (1 ቈረ. 8:4, 7-9) እምበኣር፡ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩ እዩ ዚሕግዞም ነይሩ። ኣብ ሰብ ኣብ ክንዲ ዚምርኰሱ፡ ወይ ዝርዝር ሕግታት ኣብ ክንዲ ዚደልዩ፡ ልቦናኦም ኪጥቀሙሉ እዩ ዜሰልጥኖም ነይሩ።

15. ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

15 ካብቲ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስያናት ዝጸሓፈሎም ነገር፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ገሊኦም መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ስለ ዘቋረጹ፡ “ዕጹም [መንፈሳዊ] ብልዒ ዘይኰነስ፡ ጸባ ዜድልየኩም ኴንኩም ኣለኹም” ኢልዎም እዩ። (እብ. 5:12) ማዕረ እቲ ብጉባኤ ኣቢሉ ዚግለጽ ዝነበረ ሓቅታት ኪስጕሙ ኣይከኣሉን። (ምሳ. 4:18) ንኣብነት፡ ቅድሚኡ ኣስታት 30 ዓመት ይገብር ሕጊ ሙሴ ብመሰረት መስዋእቲ ክርስቶስ እኳ እንተ ተሳዕረ፡ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት ግና ነቲ ሕጊ እቲ ይጣበቑሉ ነይሮም እዮም። (ሮሜ 10:4፣ ቲቶ. 1:10) እቶም ካብ ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት ነቲ ኣተሓሳስባኦም እቲ ንምዕራይ 30 ዓመት ዚኸውን ግዜ ነይርዎም እዩ። ነታ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ናብ እብራውያን ዝጸሓፋ መልእኽቲ ዘንበባ ዘበለ ሰብ፡ ዕጹም መንፈሳዊ ብልዒ ኸም ዝሓዘት ኪርኢ ይኽእል እዩ። እቶም ክርስትያናት እቲኦም፡ ክርስትያናዊ ስርዓት ኣምልኾ ብሉጽ ምዃኑ ዘለዎም እምነት ንምድልዳል፡ ካብ ኣይሁድ ተቓውሞ እናኣጋጠሞም ክነሱ ኸኣ ተቢዖም ስብከቶም ንምቕጻል፡ እዛ መልእኽቲ እዚኣ እያ እተድልዮም ነይራ።—እብ. 10:19-23

ብርእስኻ እምብዛ ኣይትተኣማመን

16. ናብ ብስለት ንምብጻሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንታይ እውን ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

16 ናብ ብስለት ንምብጻሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብስለትና ዓቂብና ንምምልላስ እውን ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ብርእስና እምብዛ ኽንተኣማመን የብልናን። (1 ቈረ. 10:12) ቀጻሊ ዕቤት ንገብር ከም ዘሎና ንምርግጋጽ፡ ‘ብቐጻሊ ርእስና ኽንፍትን’ ኣሎና።—2 ቈረ. 13:5

17. ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ብስለት ዓቂብካ ምምልላስ ዘለዎ ተገዳስነት እተጕልሕ ብኸመይ እያ፧

17 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ብስለቶም ዓቂቦም ኪመላለሱ ኸም ዜድልዮም ኣጕሊሑ ኣሎ። ንሳቶም ብሱላት ክርስትያናት እኳ እንተ ነበሩ፡ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ መፈንጠራ ኸይኰኖም ኣጠንቂቕዎም ኣሎ። (ቈሎ. 2:6-10) እቲ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣጸቢቑ ዚፈልጦም ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ኤጳፍራስ ከኣ፡ “ኣብ መወዳእታ ምሉኣት” ወይ ብሱላት ኰይኖም ምእንቲ ኪቘሙ፡ ኵሉ ሳዕ ይጽልየሎም ነበረ። (ቈሎ. 4:12) እሞ ደኣ እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስን ኤጳፍራስን መንፈሳዊ ብስለት ዓቂብካ ንምምልላስ ብሕታዊ ጻዕርን ደገፍ ኣምላኽን ከም ዜድሊ ተረዲእዎም ነይሩ እዩ። ንሰብ ቈሎሴ ኸኣ ዜጋጥሞም ጸገማት ብዘየገድስ፡ ብሱላት ክርስትያናት ኰይኖም ኪመላለሱ እዮም ዚደልይዎም ነይሮም።

18. ንብሱላት ክርስትያናት እንታይ ኬጋጥሞም ይኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

18 ጳውሎስ ንእብራውያን፡ ብሱል ክርስትያን ስምረት ኣምላኽ ንሓዋሩ ኺስእን ከም ዚኽእል ኣጠንቂቕዎም እዩ። ልቢ ክርስትያን ኣመና እንተ ተሪሩ፡ ዘይንሳሕ ወይ ይቕረታ ኣምላኽ ዘይቅበል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዜሐጕስ፡ እቶም እብራውያን ክሳዕ እቲ ደረጃ እቲ ኣይበጽሑን። (እብ. 6:4-9) ኣብዚ ግዜና ገሊኦም ሰባት ዘይንጡፋት ድሕሪ ምዃኖም ወይ ድሕሪ ምውጋዶም እንተ ተነሲሖምከ፧ ብትሕትና ስለ እተነስሑ፡ ከምቶም ጳውሎስ ኣብ ጽሑፉ ዝጠቐሶም ዓይነት ሰባት ኣይኰኑን። ይኹን እምበር፡ ናብ የሆዋ ምስ ተመልሱ፡ ንሱ ዚህቦም ሓገዝ የድልዮም እዩ። (ህዝ. 34:15, 16) ስለዚ፡ መንፈሳዊ ብርታዐ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ መጽናዕቲ ዚመርሓሎም ብሱል ክርስትያን ብሽማግለታት ይምደበሎም ይኸውን።

የሆዋ ነቶም መንፈሳዊ ብርታዐ ዜድልዮም ድኹማት፡ ሓገዝ ዚረኽቡሉ መገዲ ኣዳልዩሎም ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)


19. እንታይ ሸቶ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

19 ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ትግስግስ እንተ ኣሊኻ፡ ኣብ ሸቶኻ ኽትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። እምበኣር፡ ኵሉ ሳዕ ዕጹም መንፈሳዊ ብልዒ ተመገብ፡ ኣተሓሳስባኻ እውን ናብ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኸም ዚቐርብ ግበሮ። ብሱል እንተ ዄንካ ድማ፡ ብስለትካ ዓቂብካ ንምምልላስ ዚከኣለካ ግበር።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ብሱል ክርስትያን ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

  • ከመይ ጌርና ኢና ናብ ክርስትያናዊ ብስለት እንበጽሕ፧

  • ብርእስና እምብዛ ኽንተኣማመን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

መዝሙር 65 ንገስግስ!

a ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ “ብሱል” ወይ “ዘይብሱል” ዚብል ቃላት እኳ እንተ ዘየሎ፡ እቲ ሓሳብ ግና ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ኣብ መንጎ ዘይለበመ ጐበዝን ኣብ መንጎ ጥበበኛ ብዓል ኣእምሮን ዘሎ ፍልልይ ተገሊጹ ኣሎ።—ምሳ. 1:4, 5

b ኣብቲ ኣብ jw.orgን JW Library®ን ዘሎ “ተወሳኺ ርእሰ ነገራት” ዚብል ዓምዲ ዝወጸት፡ “ካብ ግጉይ ሓበሬታ ተሓሎ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

c ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዝወጸ “ፕሮጀክት መጽናዕቲ” ርአ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው መዘናግዒ ኺመርጽ ከሎ፡ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተማህሮ ነገር ይትግብሮ።