ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሰነ 2020

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 3-30 ነሓሰ 2020 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

“ስምካ ይቀደስ”

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 23፦ 3-9 ነሓሰ 2020። ንዅሎም መስተውዓልቲ ፍጥረታት እንታይ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ ኣጋጢምዎም ዘሎ፧ ነቲ ጕዳይ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ንዕኡ መዓልቦ ኣብ ምግባርከ እንታይ ግደ ኣሎና፧ ነዝን ምስዚ ንዚዛመድ ሕቶታትን መልሱ ምርዳእና፡ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ከነደልድል ይሕግዘና እዩ።

“ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ሓደ ግበረለይ”

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 24፦ 10-16 ነሓሰ 2020። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ገለ ኽፋል እቲ ኣብ መዝሙር 86:11, 12 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት ንጉስ ዳዊት ከነተኵር ኢና። ንስም የሆዋ ምፍራህ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ነቲ ዓብዪ ስም ኣኽብሮት ከነሕድር ዚድርኽ እንታይ መሰረት ኣሎና፧ ብፈተና ምእንቲ ኸይንስነፍ ፍርሃት ኣምላኽ ዕቝባ ዚዀነናኸ ብኸመይ እዩ፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ ገላትያ 5:22, 23 ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት ጥራይ ድዩ መዳያት “ፍረ መንፈስ”፧

‘ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከናድየን እየ’

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 25፦ 17-23 ነሓሰ 2020። ገሊኦም ንየሆዋ ሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ዘገልገሉ ሰባት ካብ ጉባኤ በብቝሩብ ዝረሓቑ ብኸመይ እዮም፧ ኣምላኽ ብዛዕባኦም እንታይ ይስምዖ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ትህበሉ እያ። ካብቲ የሆዋ ነቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንግዜኡ ኻብኡ በብቝሩብ ዝረሓቑ ሰባት ዝሓገዘሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እውን ትገልጽ እያ።

“ናባይ ተመለሱ”

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 26፦ 24-30 ነሓሰ 2020። የሆዋ ነቶም ምስ ጉባኤ ዝነበሮም ሕብረት ዘቋረጹ፡ ናብኡ ኺምለሱ ይደልዮም እዩ። ነቶም ካብ የሆዋ “ናባይ ተመለሱ” ዚብል ዕድመ ዚቕበሉ ዘበሉ ንምትብባዕ ብዙሕ ክንገብር ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከምኡ ንምግባር ከመይ ጌርና ኽንሕግዞም ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።