ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሎሚ ንጻውዒት መለኸት ብኸመይ ምላሽ ትህብ፧

ሎሚ ንጻውዒት መለኸት ብኸመይ ምላሽ ትህብ፧

ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት፡” የሆዋ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ ይመርሖምን ይሕብሕቦምን ከም ዘሎ፡ ኵላትና ንኣምን ኢና። (2 ጢሞ. 3:1) እምበኣር፡ ንመሪሕነቱ ምላሽ ምሃብ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ። ንዅነታትና ምስቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዝነበሩሉ ግዜ ኸነመሳስሎ ንኽእል ኢና። ንሳቶም ንጻውዒት መለኸት ምላሽ ኪህቡ ነይርዎም እዩ።

የሆዋ ንሙሴ፡ “ነቲ ኣኼባ ንምጽዋዕን ነቲ ሰፈር ንምንቃልን” ኪጥቀመሉ ኽልተ መለኸት ብሩር ኪሰርሕ ኣዚዝዎ ነይሩ እዩ። (ዘሁ. 10:2) እቶም ካህናት ከኣ ነቲ መለኸታት ብእተፈላለየ መገዲ ይነፍሕዎ ነይሮም እዮም፣ እዚ ድማ ነቶም ህዝቢ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዝነበሮም ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ዘሁ. 10:3-8) ሎሚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብእተፈላለየ መገድታት መምርሒታት ይውሃቦም እዩ። ነቲ ጥንታዊ ጻውዒት መለኸት ዜዘኻኽረና ሰለስተ ኻብዚ መገድታት እዚ እስከ ንርአ። ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ዓበይቲ ኣኼባታት ኪመጹ ጻውዒት ይቐርበሎም እዩ፣ ንእተሸሙ ሓለውቲ ኸኣ ስልጠና ይውሃቦም እዩ፣ ንዅለን ጉባኤታት ዚኸውን ቲኦክራስያዊ መሰናድዎታት እውን ይመሓየሽ ወይ ምትዕርራይ ይግበረሉ እዩ።

ናብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዚቐርብ ጻውዒት

የሆዋ፡ “ብዘሎ እቲ ኣኼባ” ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ምብራቕ ሸነኽ እቲ ማሕደር ኪእከብ ምስ ዚደልዮ፡ እቶም ካህናት ንኽልቲኡ እቲ መለኸት ይነፍሕዎ ነይሮም እዮም። (ዘሁ. 10:3) ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደር ኣብ ኣርባዕተ ጕጅለ ዀይኖም ዝሰፈሩ ነገዳት ድማ፡ ነቲ ፍሉይ ጻውዒት ይሰምዕዎ ነይሮም እዮም። እቶም ካብቲ ኣፍ ደገ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ዝሰፈሩ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ምላሽ ኪህቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ገሊኦም ግና ርሒቖም ስለ ዚሰፍሩ፡ ናብቲ ቦታ እቲ ንምምጻእ ዝያዳ ግዜን ጻዕርን የድልዮም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ የሆዋ ንዅሎም ኪእከቡን ኪጥቀሙን ይደልዮም ነይሩ እዩ።

ሎሚ፡ ኣብ ማሕደር ኣይንእከብን ኢና፣ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ክንእከብ ግና ዕድመ ይቐርበልና እዩ። ገለ ኻብዚ ኣኼባታት እዚ ድማ፡ ኣገዳሲ ሓበሬታን መምርሕን እንረኽበሉ ኣኼባታት ዞባን ካልእ ፍሉይ ኣኼባታትን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዘለዋ ሃገራት፡ ህዝቢ የሆዋ ሕደ ዓይነት መደብ ኣኼባታት እዩ ዘለዎም። ስለዚ፡ እቶም ነቲ ዕድመ ዚቕበሉ፡ በቲ ኣኼባ ይሕጐሱ እዮም። ገሊኦም ካብ ካልኦት ዝረሓቐ ይጐዓዙ እዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ነቲ ጻውዒት ዚቕበሉ፡ እቲ ጻዕሮም ዚኽሕስ ከም ዝዀነ ይስምዖም እዩ።

እቶም ካብ ዝዀነ ዓበይቲ ኣኼባታት ርሒቖም ኣብ ግሉል ጕጅለታት ዘለዉኸ፧ ሳላ ዘመናዊ ተክኖሎጂ፡ ብዙሓት ካብ ሕደ መደብ ኣኼባ ይጥቀሙ፡ ክፍሊ እቲ ዓብዪ ኣኼባ ኸም ዝዀኑ እውን ይስምዖም እዩ። ንኣብነት፡ ተወካሊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝገበሮ ሓደ ምብጻሕ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ነቲ ኣኼባ ናብታ ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ ኣብ ኒጀር እትርከብ ኣርሊት እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ዕደና ኣመሓላሊፍዎ ነይሩ። ኣብኣ ኸኣ 21 ኣሕዋትን ኣሓትን ግዱሳትን ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብ ርሑቕ ቦታ እኳ እንተ ነበሩ፡ ምስቶም 44,131 ዝቝጽሮም ተኣከብቲ ሓድነት ከም ዘለዎም እዩ ተሰሚዕዎም። ሓደ ሓው ድማ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ እዩ፦ “ነዚ ኣኼባ እዚ ኸም ዚመሓላለፍ ብምግባርኩም ካብ መዓሙቝ ልብና ዝነቐለ ምስጋና ይብጻሕኩም። ክሳዕ ክንደይ ኣብ ልብኹም ከም ዘለና እዩ ዳግም ኣርእዩና።”

ንእተሸሙ ሓለውቲ ዚቐርብ ጻውዒት

እስራኤላውያን ካህናት ሓደ መለኸት ጥራይ ኪነፍሑ ኸለዉ፡ “እቶም ሹማምንቲ፡ እቶም ርእስታት ኣሽሓት እስራኤል፡ ጥራይ” እዮም ናብቲ ድንኳን ምርኻብ ዚኸዱ ዝነበሩ። (ዘሁ. 10:4) ኣብኡ ኸኣ ካብ ሙሴ ሓበሬታን ስልጠናን ይውሃቦም ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ነገዳቶም ዘለዎም ሓላፍነታት ኪስከሙ የኽእሎም ነይሩ እዩ። ሓደ ኻብዞም ሹማምንቲ እዚኦም እንተ ትኸውን ኔርካ፡ ኣብኡ ንምእካብን ካብኡ ንምጥቃምን ዚከኣለካዶ ኣይምገበርካን፧

ሎሚ፡ ሽማግለታት ጉባኤ “ሹማምንቲ” ኣይኰኑን፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሓልዮቶም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ እውን ኣይጕይተቱሉን እዮም። (1 ጴጥ. 5:1-3) ነቲ መጓሰ ንምጕሳይ ግና ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም። ስለዚ፡ ከምቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዚውሃብ ዝኣመሰለ ተወሳኺ ስልጠና ኺውሃቦም ጻውዒት ኪቐርበሎም ከሎ፡ ቅልጡፍ ምላሽ ይህቡ እዮም። ኣብቲ ትምህርትታት እቲ ድማ፡ ንጉባኤ ዚምልከት ጕዳያት ከመይ ገይሮም ብዝበለጸ መገዲ ኸም ዚዓይዩ ይምሃሩ እዮም። እዚ ኸኣ ንመንፈሳውነት ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም ኣስፋሕቲ ኽብ የብል እዩ። ኣብ ሓደ ኻብዘን ኣብያተ ትምህርቲ እዚአን እኳ እንተ ዘይተኣከብካ፡ ካብቶም ኣብኡ እተኣከቡ ጥቕሚ ትረክብ ከም ዘለኻ ኣየጠራጥርን እዩ።

ንምትዕርራያት ዚግበር ጻውዒት

ሓድሓደ ግዜ፡ እስራኤላውያን ካህናት ተለዋዋጢ ደሃይ መለኸት ይነፍሑ ነይሮም እዮም። እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንብዘሎ እቲ ሰፈር ኪግዕዝ ከም ዝደለዮ ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ዘሁ. 10:5, 6) ነቲ ሰፈር እቲ ምግዓዝ፡ ዜደንቕ ውዳበ ዚርኣየሉ ተግባር እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኵሉ በብእጃሙ ብዙሕ ኪጽዕር ነይርዎ። ገሊኦም ብዛዕባኡ እተሓዋወሰ ስምዒት ይህልዎም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧

ምናልባት ገሊኦም እቲ ንምግዓዝ ዚግበር ጻውዒት እምብዛ ኸም ዝበዝሐ ወይ ሃንደበት ይመጽእ ከም ዘሎ ይስምዖም ይኸውን። ከመይሲ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ደበና ኻብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ጥራይ ይጸንሕ” ነይሩ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ “ክልተ መዓልቲ፡ ወይ ወርሒ፡ ወይ ካብኡ ዝነውሐ” እዋን ይጸንሕ ነይሩ እዩ። (ዘሁ. 9:21, 22) እቲ ሰፈርከ ብድምር ክንደይ ሳዕ እዩ ግዒዙ፧ ኣብ ዘሁልቍ ምዕራፍ 33፡ እስራኤላውያን ዝሰፈሩሉ ኣስታት 40 ቦታታት ተጠቒሱ ኣሎ።

ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም እስራኤላውያን፡ ጽላል ዘለዋ ቦታ ይረኽቡ ነይሮም እዮም። እዚ መሸም ኣብቲ “ዓብይን ዜፍርህን በረኻ” እፎይ ዜብል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘዳ. 1:19) ስለዚ፡ እንተ ግዒዞም፡ ዝሓሸ ቦታ ኺረኽቡ ኸም ዘይክእሉ ኺስምዖም ይኽእል እዩ።

እቶም ነገዳት ኪነቕሉ ምስ ጀመሩ፡ ገሊኦም ንተራኦም ምጽባይ የጸግሞም ይኸውን። ኵላቶም ነቲ ተለዋዋጢ ደሃይ መለኸት ድሕሪ ምስማዖም፡ ኵላቶም ኣይኰኑን ብሓንሳእ ዚነቕሉ። እቲ ተለዋዋጢ ደሃይ መለኸት ነቶም ብምብራቕ ዚሰፍሩ ነገዳት፡ ማለት ንነገዳት ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን ኪነቕሉ ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ዘሁ. 2:3-7፣ 10:5, 6) ንሳቶም ምስ ነቐሉ፡ እቶም ካህናት ካልኣይ ሳዕ ተለዋዋጢ ደሃይ መለኸት ይነፍሑ ነይሮም እዮም፣ እዚ ድማ ነቶም ብደቡብ ዝሰፈሩ ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ኪነቕሉ ዚሕብር እዩ ነይሩ። እቶም ካህናት በዚ ኸምዚ ብዘሎ እቲ ሰፈር ክሳዕ ዚነቅል መለኸት ይነፍሑ ነይሮም እዮም።

ንስኻ እውን ምናልባት ብዛዕባ ገሊኡ ውድባዊ ምትዕርራይ እተሓዋወሰ ስምዒት ተሰሚዑካ ይኸውን። ብዙሕ ሃንደበታዊ ለውጥታት ምስ መጸ፡ ልዕሊ ዓቕምኻ ዝዀነ ዀይኑ ተሰሚዑካ ይኸውን። ወይ ድማ ምናልባት ገሊኡ መሰናድዎ ጥዒሙካ ምስ ጸንሐ፡ ኣብኡ ለውጢ ኸይግበር ተመኒኻ ትኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቲ ለውጢ ንምልማድ ግዜ ስለ ዘድለየካ፡ ትዕግስትኻ ተፈቲኑ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ዚግባእ ጌርና ምላሽ ክንህብ እንተ ጽዒርና፡ በረኸት ኣምላኽ ክንርኢ ኢና።

ብግዜ ሙሴ፡ የሆዋ ንሚልዮናት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ በረኻ መሪሕዎም እዩ። ብዘይ ሓልዮቱን መምርሒኡን፡ ብህይወት ኪቕጽሉ ኣይምኸኣሉን። ሎሚ፡ ሳላ መሪሕነት የሆዋ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ብህይወት ንቕጽል ኣለና። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንብልጽግ ኣለና! እምበኣር፡ ከምቲ እሙናት እስራኤላውያን ንጻውዒት መለኸት ምላሽ ዚህቡ ዝነበሩ፡ ንሕና እውን ኵላትና ነዚ ናይ ሎሚ ጻውዒት ምላሽ ንሃብ!