ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእሰ ግትኣት—ስምረት የሆዋ ንምርካብ ዜድሊ ኣገዳሲ ባህርይ

ርእሰ ግትኣት—ስምረት የሆዋ ንምርካብ ዜድሊ ኣገዳሲ ባህርይ

“ዘመደይ ምሳይ ምስ ተባእሰ፡ ብጐረሮኡ ሓኒቐዮ። ክቐትሎ እየ ደልየ ነይረ።”—ፖል።

“ኣብ ገዛ፡ ብንእሽቶ እየ ዝቝጣዕ ነይረ። ሽዑ፡ ኣቕሑ፡ መጻወቲታት፡ ወይ ዝረኸብክዎ ዅሉ እሰባብር ነይረ እየ።”—ማርኮ።

ምናልባት ክሳዕ ክንድዚ ኣይንቝጣዕን ንኸውን። ግናኸ፡ ኵላትና ሓድሓደ ግዜ ገዛእ ርእስና ምቍጽጻር ንስእን ኢና። እዚ ብቐዳምነት፡ ካብቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ሓጥእ ባህርያት ስለ ዝወረስና እዩ። (ሮሜ 5:12) ከም ፖልን ማርኮን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ሰባት፡ ንቝጥዓኦም ምቍጽጻር የሸግሮም እዩ። ገሊኦም ከኣ ንሓሳባቶም ምቍጽጻር የጸግሞም እዩ። ብዛዕባ ፍርሆም ይሓስቡ ወይ ብኣሉታዊ ሓሳብ ይርበሹ እዮም። ገሊኦም ድማ ኣብ ምንዝርና ንምስታፍ፡ ኣልኮላዊ መስተ ንምብዛሕ፡ ወይ ሓሽሽ ንምውሳድ ዜጋጥሞም ፈተና ምስጋር ይጽገሙ እዮም።

እቶም ንሓሳባቶምን ንትምኒታቶምን ንተግባራቶምን ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኪኸውን ዚሓድጉ፡ ህይወቶም ኬበላሽዉ ይኽእሉ እዮም። ካብ ከምዚ ዝበለ ሳዕቤን ግና ክንስተር ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ርእሰ ግትኣት ብምምዕባል። ርእሰ ግትኣት ምእንቲ ኸነማዕብል፡ ነዚ ሰለስተ ሕቶታት እስከ ንመርምሮ፦ (1) ርእሰ ግትኣት እንታይ እዩ፧ (2) ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (3) ነዚ ሓደ መዳይ “ፍረ መንፈስ” ዝዀነ ባህርይ ከመይ ጌርና ኸነማዕብሎ ንኽእል፧ (ገላ. 5:22, 23) ድሕሪኡ፡ ሓድሓደ ግዜ ርእስና ኣብ ዘይገታእናሉ እዋን፡ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

ርእሰ ግትኣት እንታይ እዩ፧

ርእሱ ዚገትእ ሰብ ሃንደራእ ኢሉ ስጕምቲ ኣይወስድን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣምላኽ ዜጕሂ ዘረባ ኸይዛረብ ወይ ንኣምላኽ ዜጕሂ ተግባር ከይገብር ርእሱ ይገትእ እዩ።

የሱስ ብርግጽ ርእሱ ገቲኡ እዩ

ርእሰ ግትኣት እንታይ ከም ዜጠቓልል የሱስ ኣርእዩና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኸምዚ ይብል፦ “ምስ ተጸርፈ፡ መሊሱ ኣይጸረፈን። መከራ ኺጸግብ ከሎ ድማ፡ ነቲ ብጽድቂ ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር፡ ኣየፈራርሀን።” (1 ጴጥ. 2:23) የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ተጻረርቲ ምስ ጸረፍዎ፡ ርእሱ ገቲኡ እዩ። (ማቴ. 27:39-44) ኣቐዲሞም ተጻባእቱ ዝዀኑ መራሕቲ ሃይማኖት ብዘረባኡ ኺጠልፍዎ ምስ ፈተኑ ድማ፡ ብዜደንቕ መገዲ ርእሱ ገቲኡ እዩ። (ማቴ. 22:15-22) ገሊኦም ቍጡዓት ኣይሁድ ኪድርብዩሉ ኣእማን ምስ ኣልዓሉ እውን፡ ዜደንቕ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ዓጸፌታ ኣብ ክንዲ ዚመልስ፡ እቲ ዛንታ ብዛዕባኡ፡ “ተሓብአ፡ ካብ ቤተ መቕደስ እውን ወጸ” ይብለና።—ዮሃ. 8:57-59

ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ንኽእልዶ፧ ብእተወሰነ ደረጃ ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ክርስቶስ እኳ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ ኣርኣያ እናሓደገልኩም ምእንታኹም መከራ ጸጊቡ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:21) ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ኣስኣሰር እቲ የሱስ ርእሱ ብምግታእ ዝሓደጎ ኣብነት ክንስዕብ ንኽእል ኢና። ከምኡ ምግባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ርእሰ ግትኣት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ስምረት የሆዋ ንምርካብ፡ ርእሰ ግትኣት ከነማዕብል ኣሎና። ንየሆዋ ንነዊሕ እዋን ብተኣማንነት ዘገልገልና እኳ እንተ ዀንና፡ ንተግባርናን ንዘረባናን እንተ ዘይተቘጻጺርናዮ፡ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ኪበላሾ ይኽእል እዩ።

እቲ ኣብ ሓደ እዋን “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዝነበረ ሰብ ኵሉ፡ ዓቃል” ዝነበረ ሙሴ እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ። (ዘሁ. 12:3) ንሓያሎ ዓመታት ነቲ እስራኤላውያን ዜቕርቡሉ ዝነበሩ መረረ ብትዕግስቲ ድሕሪ ምጻሩ፡ ርእሱ ኺቈጻጸር ኣይከኣለን። ማይ ስኢኖም ምስ ኣማረሩ፡ ንሱ ተቘጥዐ። ነቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ኣቱም ዓለውቲ ሕጂ ስምዑ! ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧” ኢሉ ተሪር ዘረባ ተዛረቦም።—ዘሁ. 20:2-11

ሙሴ ርእሱ ኣይገትአን። ነቲ ብተኣምራዊ መገዲ ማይ ከም ዚወጽእ ዝገበረ የሆዋ ኸኣ ክብሪ ኣይሃቦን። (መዝ. 106:32, 33) ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ የሆዋ ንዕኡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣቱ ኣይፈቐደሉን። (ዘሁ. 20:12) ሙሴ ኸኣ ክሳዕ እታ ዕለተ ሞቱ፡ ቍጥዓኡ ብዘይምቍጽጻሩ በዚ ይጠዓስ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—ዘዳ. 3:23-27

ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ኣብ ሓቂ ንነዊሕ እዋን ዝጸናሕና እኳ እንተ ዀንና፡ ነቶም ዘበሳጨዉና ወይ ነቶም ኪእረሙ ዘለዎም ሰባት ብንዕቀት ክንዛረቦም የብልናን። (ኤፌ. 4:32፣ ቈሎ. 3:12) ልክዕ እዩ፡ ብዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና፡ ሓድሓደ ግዜ ትዕግስትና ይውዳእ እዩ። ግናኸ፡ ንሙሴ ንዘክሮ። ነቲ ንነዊሕ ግዜ ብተኣማንነት ዝፈጸምናዮ ኣገልግሎት፡ ሓንሳእ ርእስና ብዘይምግታእና ኸነበላሽዎ ኣይንደልን ኢና። እሞ ደኣ ነዚ ኣገዳሲ ባህርይ እዚ ንምምዕባል እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ከመይ ጌርካ ኢኻ ርእሰ ግትኣት እተማዕብል፧

መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ጸሊ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ርእሰ ግትኣት ሓደ መዳይ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ መንፈሱ ነቶም ዚልምንዎ ይህቦም እዩ። (ሉቃ. 11:13) የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ዜድልየና ሓይሊ ኺህበና ይኽእል እዩ። (ፊል. 4:13) ከም እኒ ፍቕሪ ዝኣመሰለ ኻልእ መዳያት ፍረ መንፈስ ከነማዕብል እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ርእስና ኽንገትእ የኽእለና እዩ።—1 ቈረ. 13:5

ንርእሰ ግትኣትካ ኻብ ዜዳኽም ዝዀነ ይኹን ነገር ርሓቕ

ንርእሰ ግትኣትካ ኻብ ዜዳኽም ዝዀነ ይኹን ነገር ርሓቕ። ንኣብነት፡ ግጉይ ባህርያት ካብ ዜርኢ ወብሳይታትን መዘናግዒታትን ርሓቕ። (ኤፌ. 5:3, 4) ከም ሓቂ፡ ጌጋ ኽንገብር ካብ ዚፍትነና ዝዀነ ይኹን ነገር ክንርሕቕ ኣሎና። (ምሳ. 22:3፣ 1 ቈረ. 6:12) ንኣብነት፡ ብጾታዊ ርኽሰት ዚፍተን ሰብ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ናይ ፍቕሪ መጻሕፍትን ፊልምታትን ኪርሕቕ የድልዮ ይኸውን።

ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ይኸብደና ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ እንተ ጽዒርና፡ የሆዋ ርእስና ንምግታእ ዜኽእል ሓይሊ ይህበና እዩ። (2 ጴጥ. 1:5-8) ሓሳባትናን ዘረባናን ተግባራትናን ክንቈጻጸር ድማ ይሕግዘና እዩ። እቶም ኣቐዲምካ እተጠቕሱ ፖልን ማርኮን፡ ቍጥዓኦም ኪቈጻጸሩ ኽኢሎም እዮም። ሓደ ኻልእ ሓው ከኣ ማኪና ኺዝውር ከሎ ብዙሕ ግዜ ይቝጣዕ ነበረ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ምስ ሰብ ተባኢሱ እዩ። እሞ ደኣ ብዛዕባኡ እንታይ ገይሩ፧ ከምዚ ይብል፦ “መዓልቲ መዓልቲ ኣበርቲዐ ጸልየ። ብዛዕባ ርእሰ ግትኣት ዚገልጽ ዓንቀጻት ኣጽኒዐ፡ ሓጋዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብኣእምሮይ ሸምዲደ። ንብዙሕ ዓመታት ክቃለስ እኳ እንተ ነበረኒ፡ መዓልቲ ኽትጅምር ከላ ህዱእ ክኸውን ሸቶ ኣውጺአ እየ ዝብገስ። ምእንቲ ኸይህወኽ ከኣ፡ ናብ ቘጸራይ ብኣጋኡ እየ ዝነቅል።”

ርእስና ምግታእ እንተ ስኢንና

ሓድሓደ ግዜ፡ ርእስና ምግታእ ንስእን ኢና። ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ምቕራብ የሕፍረና ይኸውን። ግናኸ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኢና ብዝያዳ ኽንጽሊ ዜድልየና። ስለዚ፡ ብኡብኡ ናብ የሆዋ ጸሊ። ይቕረ ኺብለልካ ለምኖ፡ ሓገዙ ድለ፡ ነቲ ጌጋ እቲ ኸይትደግሞ ድማ ቈራጽነት ግበር። (መዝ. 51:9-11) የሆዋ ነቲ ምሕረት ንምርካብ ካብ ልቢ እተቕርቦ ጸሎትካ ኣይንዕቆን እዩ። (መዝ. 102:17) ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ደም ወዲ ኣምላኽ “ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና” ዚብል መዘኻኸሪ ሂቡና ኣሎ። (1 ዮሃ. 1:7፣ 2:1፣ መዝ. 86:5) የሆዋ ንሰብኣውያን ኣገልገልቱ፡ ብተደጋጋሚ ይቕረ ኺብሉ ኸም ዚጽበዮም ኣይንረስዕ። ስለዚ፡ ንሱ እውን ንዓና ኸምኡ ኸም ዚገብረልና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ማቴ. 18:21, 22፣ ቈሎ. 3:13

ሙሴ ኣብ በረኻ ንግዜኡ ርእሱ ምግታእ ምስ ሰኣነ፡ የሆዋ ጕህዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ይቕረ ኢልዎ እዩ። ቃል ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ፡ ብሉጽ ኣብነት እምነት ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። (ዘዳ. 34:10፣ እብ. 11:24-28) የሆዋ ንሙሴ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣቱ ኣይፈቐደሉን፣ ኰይኑ ግና፡ ናብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኼእትዎ፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ እውን ኪኸፍተሉ እዩ። ንሕና እውን ነቲ ኣገዳሲ ባህርይ ዝዀነ ርእሰ ግትኣት እንተ ኣማዕቢልና፡ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ ኪኽፈተልና እዩ።—1 ቈረ. 9:25