ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 26

“ናባይ ተመለሱ”

“ናባይ ተመለሱ”

“ናባይ ተመለሱ፡ ኣነ እውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ።”—ሚል. 3:7

መዝሙር 102 ‘ንድኹማት ንደግፍ’

መላለዪ *

1. ሓደ ጠፊኡ ዝነበረ በጊዕ ኪምለስ ከሎ፡ የሆዋ እንታይ ይስምዖ፧

ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ንገዛእ ርእሱ፡ ንነፍሲ ወከፍ በጊዑ ብለውሃት ምስ ዚከናኸን ሕያዋይ ጓሳ ኣመሳሲልዋ ኣሎ። ንዝጠፍአት ዘበለት እውን የናድያ እዩ። የሆዋ ንዝሓደግዎ እስራኤላውያን፡ “ናባይ ተመለሱ፡ ኣነ እውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢልዎም እዩ። “ኣይልወጥን እየ” እውን ስለ ዝበለ፡ ስምዒቱ ኸም ዘይተቐየረ ንፈልጥ ኢና። (ሚል. 3:6, 7) የሱስ እውን፡ ሓደ ጠፊኡ ዝነበረ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኪምለስ ከሎ፡ የሆዋን መላእኽትን ብዙሕ ከም ዚሕጐሱ ገሊጹ እዩ።—ሉቃ. 15:10, 32

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

2 ሕጂ እምበኣር፡ ነቶም ካብ የሆዋ ዝጠፍኡ ኣብ ምሕጋዝ ዜተኵር ሰለስተ ምሳሌታት የሱስ ንመርምር። ገለ ኻብቲ ንጥፉእ በጊዕ ኪምለስ ንምሕጋዝ ዜድልየና ባህርያት ድማ ክንርኢ ኢና። ንድኹማት ንምድጋፍ እንገብሮ ጻዕሪ ብዙሕ ከም ዚኽሕስ እውን ክንርኢ ኢና።

ንዝጠፍአት ሰልዲ ነናድያ

3-4. እታ ኣብ ሉቃስ 15:8-10 እተጠቕሰት ሰበይቲ ነታ ዝጠፍአት ድራክማ ኣጸቢቓ ዘናደየታ ስለምንታይ እያ፧

3 ነቶም ናብ የሆዋ ኺምለሱ ዚደልዩ ንምርካብ፡ ብርቱዕ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተመዝጊቡ ኣብ ዚርከብ ምሳሌ፡ የሱስ ንሓንቲ ሰበይቲ ሰልዲ ድራክማ ምስ ጠፍኣታ ብኸመይ ከም እትደልያ ገሊጹ ኣሎ። እታ ምሳሌ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብቲ ንምንዳይ ዚግበር ጻዕሪ እያ እተተኵር።—ሉቃስ 15:8-10 ኣንብብ።

4 የሱስ ንስምዒት እታ ንዝጠፍአት ሰልዲ ድራክማ ዝረኸበት ሰበይቲ ገሊጽዎ ኣሎ። ብግዜ የሱስ፡ ገሊአን ኣይሁዳውያን ኣዴታት ንጓለን ኣብ መዓልቲ መርዓኣ ዓሰርተ ድራክማ ይህባኣ ነይረን እየን። ምናልባት እዛ ሰልዲ እዚኣ ሓንቲ ኻብተን እተዋህባኣ ዓሰርተ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ሰልዲ ኣብ ባይታ ኸም ዝወደቐት እያ ገሚታ። ስለዚ፡ መብራህቲ ኣብሪሃ ቝሊሕሊሕ ኢላ ደለየታ፡ ግናኸ ኣይረኸበታን። ምናልባት እታ ብዘይቲ እትዓዪ መብራህታ ነታ ንእሽቶ ሰልዲ ብሩር ንምርካብ እኹል ብርሃን ኣየብርሀትላን ትኸውን። ኣብ መወዳእታ፡ እታ ሰበይቲ ንብዘሎ ቤታ ተጠንቂቓ ዀስተረቶ። ኣብቲ ዝኣከበቶ ርስሓት ከኣ እታ ድራክማ ብብርሃን እቲ መብራህቲ ምሊሕ ምሊሕ እናበለት ረኸበታ። እታ ሰበይቲ በዚ ኣዝያ እያ ተሓጒሳ! ንኣዳኖታታን ንጐረባብታን ጸዊዓ ድማ ሓጐሳ ኣካፈለተን።

5. ነቶም ካብ ጉባኤ ዝጠፍኡ ምርካብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣብዛ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ንዝጠፍአ ነገር ምርካብ ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ነቶም ካብ ጉባኤ ዝጠፍኡ ንምርካብ ጻዕሪ የድልየና ይኸውን። ምሳና ዝነበሮም ሕብረት ካብ ዜቋርጹ ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ ይኸውን። ምናልባት እውን ናብ ካልእ ቦታ ግዒዞም ይዀኑ፣ ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋት ድማ ኣይፈልጥዎምን ይዀኑ። ኣብዛ ህሞት እዚኣ ግና፡ ገለ ኻብቶም ዘይንጡፋት ናብ የሆዋ ኺምለሱ ሃረር ከም ዚብሉ ኣየጠራጥርን እዩ። ንየሆዋ ምስቶም ስድራ ቤቱ ዝዀኑ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ሓቢሮም ኬገልግልዎ ይደልዩ እዮም፣ ግናኸ፡ ሓገዝና የድልዮም እዩ።

6. ንዘይንጡፋት ንምርካብ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ፡ ኵላቶም ኣስፋሕቲ ጉባኤ ኺሳተፉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

6 እሞ ደኣ ንዘይንጡፋት ኣብ ምንዳይ መን ኪሳተፍ ይኽእል፧ ኵላትና፡ ማለት ሽማግለታትን ፈለምትን ኣባላት ስድራ ቤቶምን ኣስፋሕቲ ጉባኤን እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና። ዘይንጡፍ ዝዀነ ዓርኪ ወይ ዘመድ ኣሎካዶ፧ ኣብ በቤት ወይ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ክትሳተፍ ከለኻ፡ ዘይንጡፍ ኣስፋሒ ረኺብካዶ ትፈልጥ፧ እቲ ሰብ እቲ ምብጻሕ ኪግበረሉ ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ኣድራሻኡ ወይ ተሌፎኑ ንሽማግለታት ጉባኤ ኽትህበሉ ኸም እትኽእል ግለጸሉ።

7. ካብ ተመክሮ ሓደ ቶማስ ኢልና ዝሰመናዮ ሽማግለ እንታይ ትምሃር፧

7 ሽማግለታት ነቶም ናብ የሆዋ ኺምለሱ ዚደልዩ ንምርካብ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ኪወስዱ ይኽእሉ፧ ኣብ ስጳኛ ዚነብር ቶማስ * ዝስሙ ሽማግለ ዝሃቦ ሓሳብ እስከ ንርአ። ንሱ ንልዕሊ 40 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ጉባኤ ኺምለሱ ሓጊዙ እዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ፈለማ፡ ንኣሕዋትን ንኣሓትን፡ ዘይንጡፍ ኣስፋሒ ሕጂ ኣበይ ከም ዚነብር ይፈልጡ እንተ ዀይኖም እሓትቶም። ወይ ድማ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ዝሓደግዎ ሰባት ይዝክሩ እንተ ዀይኖም ንኣስፋሕቲ እሓትቶም። ብዙሓት ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ንምንዳይ ዚገብር ጻዕሪ እጃም ከም ዘለዎም ስለ ዚስምዖም፡ ብውዕዉዕ ስምዒት እዮም ምላሽ ዚህቡ። ደሓር፡ ነቶም ዘይንጡፋት ኣሕዋት ወይ ኣሓት ክበጽሖም ከለኹ፡ ብዛዕባ ደቆምን ቤተ ሰቦምን እሓትት እየ። ገሊኦም ዘይንጡፋት ንደቆም ናብ ኣኼባታት የምጽእዎም ነይሮም እዮም፣ እቶም ደቆም ድማ ኣብ ሓደ እዋን ኣስፋሕቲ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንሳቶም እውን ናብ የሆዋ ምእንቲ ኺምለሱ ሓገዝ ኪግበረሎም ይከኣል እዩ።”

ንጥፉኣት ኣወዳትን ኣዋልድን የሆዋ ንምለሶም

8. ኣብታ ኣብ ሉቃስ 15:17-24 እትርከብ ምሳሌ እቲ ጥፉእ ወዲ፡ እቲ ኣቦ ነቲ እተነስሐ ወዱ ብኸመይ እዩ ተቐቢልዎ፧

8 ነቶም ናብ የሆዋ ኺምለሱ ዚደልዩ ኽንሕግዞም እንተ ዄንና፡ እንታይ ባህርያት እዩ ዜድልየና፧ ካብታ የሱስ ብዛዕባ እቲ ኻብ ቤቱ ዝጠፍአ ወዲ ዝመሰላ ምሳሌ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 15:17-24 ኣንብብ።) ኣብታ ምሳሌ፡ እቲ ወዲ ናብ ልቡ ኸም እተመልሰን ናብ ቤቱ ኺምለስ ከም ዝወሰነን ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ኣቦ ኸኣ ጐይዩ ኸይዱ ሓቘፎ፣ በዚ ኸምዚ እውን፡ ንወዱ ኸም ዜፍቅሮ ኣረጋገጸሉ። እቲ ወዲ ንሕልናኡ ዚርብሾ ነገር ነይርዎ እዩ፡ ወዲ ኺብሃል ከም ዘይበቅዕ እውን እዩ ተሰሚዕዎ ነይሩ። ኣብ ልቡ ዘሎ ስምዒት ምስ ኣፍሰሰ ድማ፡ እቲ ኣቦ ደንገጸሉ። ድሕሪኡ፡ ንወዱ ኸም ዕሱብ ዘይኰነስ፡ ከም ፍቑር ኣባል ስድራ ቤቱ ገይሩ ናብ ቤቱ ሓንጐፋይ ኢሉ ኸም እተቐበሎ ንምርግጋጽ፡ ግብራዊ ስጕምትታት ወሰደ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ነቲ እተነስሐ ወዲ ድግስ ደገሰሉ፡ ብሉጽ ክዳን እውን ከደኖ።

9. ንዘይንጡፋት ናብ የሆዋ ኺምለሱ ንምሕጋዝ፡ እንታይ ባህርያት የድልየና፧ (“ ኪምለሱ ንዚደልዩ ብኸመይ ንሕግዞም፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

9 የሆዋ ኸምቲ ኣብታ ምሳሌ ተጠቒሱ ዚርከብ ኣቦ እዩ። ንዘይንጡፋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን የፍቅሮም እዩ፣ ናብኡ ኺምለሱ እውን ይደልዮም እዩ። ንሕና ድማ ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ፡ ምእንቲ ኺምለሱ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ብወገንና ትዕግስትን ድንጋጽን ፍቕርን ይሓትት እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ነዚ ባህርያት እዚ ኸነርኢ እንኽእል፧

10. ንሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ ኺጥዒ ንምሕጋዝ፡ ትዕግስቲ እንታይ እጃም ኣለዋ፧

10 ሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኺሓዊ ግዜ ስለ ዜድልዮ፡ ዕጉሳት ክንከውን ኣሎና። ዘይንጡፋት ዝነበሩ ብዙሓት ኣስፋሕቲ፡ ካብ ሽማግለታትን ካብ ካልኦት ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣስፋሕትን ተደጋጋሚ ምብጻሕ ምስ ተገብረሎም ምላሽ ከም ዝሃቡ ይገልጹ እዮም። ናንሲ ዝስማ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ እትነብር ሓብቲ ኸምዚ ኢላ ጽሒፋ ኣላ፦ “ኣብ ጉባኤና እትርከብ ናይ ቀረባ መሓዛይ ብዙሕ ሓጊዛትኒ እያ። ከም ዓባይ ሓብተይ እያ እትፈትወኒ ነይራ። ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍናዮ ጽቡቕ ግዜ ተዘክረኒ ነይራ። ስምዒተይ ክገልጸላ ኸለኹ፡ ብትዕግስቲ ትሰምዓኒ ነይራ፣ ምኽሪ ንምሃብ እውን ኣይትስከፍን እያ ነይራ። ኵሉ ግዜ ንምሕጋዝ ድልውቲ ዝዀነት ናይ ሓቂ ፈታዊት ኰይናትለይ እያ።”

11. ንእተጐድአ ስምዒት ንምህዳእ ድንጋጽ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

11 ድንጋጽ ከም ዜረስርስ ዘይቲ እዩ፣ ንእተጐድአ ስምዒትና ኼሕውዮ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ጉባኤ ንዚርከብ ካልእ ኣስፋሒ ሕማቕ ስምዒት ሒዞም ይጸንሑ እዮም። እዚ ስምዒት እዚ ኸኣ፡ ነቲ ናብ የሆዋ ኺምለሱ ዝነበሮም ትምኒት ይደፍኖ እዩ። ገሊኦም ድማ ኣደዳ ዘይፍትሓዊ ተግባር ከም ዝዀኑ ይስምዖም ይኸውን። ዘረባኦም ዚሰምዖምን ስምዒቶም ዚርድኣሎምን ሰብ የድልዮም እዩ። (ያእ. 1:19) ኣብ ሓደ እዋን ዘይንጥፍቲ ዝነበረት ማሪያ፡ “እትሰምዓኒ እዝንን ዝነብዓላ መንኵብን እትመርሓኒ ደጋፊት ኢድን እየ ደልየ ነይረ” ትብል።

12. ፍቕሪ የሆዋ ንዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ናብ ህዝቡ ብኸመይ ከም ዚስሕቦም ብምሳሌ ኣረድእ።

12 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ ኸም ድባራ ወይ ገመድ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ገመድ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ነዛ እትስዕብ ምሳሌ እስከ ንርአ፦ ብማዕበል ኣብ ዚናወጽ ባሕሪ ትጥሕል ከም ዘለኻ እሞ ሓደ ሰብ መንሳፈፊ ጃኬት ከም ዝደርበየልካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እቲ ጃኬት እቲ ኸኣ ነቲ ኸይትጥሕል እትገብሮ ጻዕሪ ስለ ዜቕልለልካ፡ ነቲ ሓገዝ ብርግጽ ተማስወሉ ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ እቲ መንሳፈፊ ጃኬት ብህይወት ንምጽናሕ እኹል ኣይኰነን። ከመይሲ፡ እቲ ማይ ቈራሪ እዩ፣ ናብ ጃልባ እንተ ዘይደዪብካ ኸኣ ብህይወት ክትጸንሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ገመድ ደርብዩ ናብ ጃልባ ኺስሕበካ ኣለዎ። የሆዋ ብዛዕባ እቶም ካብኡ ዝረሓቑ እስራኤላውያን፡ “ብኣግማድ ሰብ፡ ብድባራታት ፍቕሪ ስሒበዮም” ኢሉ እዩ። (ሆሴ. 11:4) ሎሚ እውን ብዛዕባ እቶም ንዕኡ ምግልጋል ዘቋረጹ፡ ኣብ ጸገማትን ጭንቀትን ከኣ ዚጥሕሉ ዘለዉ ሰባት ተመሳሳሊ እዩ ዚስምዖ። ከም ዜፍቅሮም ኪፈልጡ ይደልዮም እዩ፣ ናብኡ እውን ኪስሕቦም ይደሊ እዩ። ንዓኻ ድማ፡ ንዓታቶም ፍቕሩ ንምግላጽ ኪጥቀመልካ ይኽእል እዩ።

13. ሕውነታዊት ፍቕሪ ሓያል ምዃና ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።

13 ንዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅሮምን ንሕና ኸም እነፍቅሮምን ከነረጋግጸሎም ኣሎና። እቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ፓብሎ ንልዕሊ 30 ዓመት ዘይንጡፍ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ሓደ ንግሆ፡ ካብ ገዛ ኽወጽእ ከለኹ፡ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ጥዕምቲ ሓብቲ ረኺባትኒ፡ ብፍቕሪ ድማ ኣዛሪባትኒ። ከም ቈልዓ ኽነብዕ ጀሚረ። ንዓይ ክትዛረበኒ የሆዋ ኸም ዝለኣኻ ዀይኑ ኸም እተሰምዓኒ ነጊረያ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ናብ የሆዋ ኽምለስ ወሲነ።”

ንድኹማት ብፍቕሪ ንደግፎም

14. ብመሰረት እታ ኣብ ሉቃስ 15:4, 5 እትርከብ ምሳሌ፡ እቲ ጓሳ ነታ ጥፍእቲ በጊዕ ምስ ረኸባ እንታይ እዩ ገይሩ፧

14 ንዘይንጡፋት ዘበሉ ብቐጻሊ ኽንድግፎም ኣሎና። ከምቲ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ዚርከብ ጥፉእ ወዲ፡ ስምዒታዊ በሰላ ይህልዎም ይኸውን። ብሰንኪ እቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዜጋጥሞም ነገራት ከኣ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ድኹማት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ነታ ኣብ የሆዋ ዘላቶም እምነት ዳግም ንምህናጽ ክንሕግዞም ኣሎና። ኣብ ምሳሌ እታ ጥፍእቲ በጊዕ፡ እቲ ጓሳ ነታ በጊዕ ኣብ መንኵቡ ተሰኪሙ ናብተን መጓሰ ኸም ዝመለሳ የሱስ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ጓሳ ነታ ጥፍእቲ በጊዕ ንምርካብ ድሮ ግዜን ጕልበትን ኣህሊኹ ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እታ በጊዕ ባዕላ ናብተን መጓሰ ኽትምለስ ዜኽእል ብርታዐ ኸም ዘይብላ ስለ ዝፈለጠ፡ ኪስከማ ኸም ዘለዎ ኣስተውዒሉ ነይሩ እዩ።—ሉቃስ 15:4, 5 ኣንብብ።

15. ነቶም ናብ የሆዋ ኺምለሱ ዚደልዩ ድኹማት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ (“ ኣዝያ ኽብርቲ ንዋት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

15 ንዘይንጡፋት ዘበሉ ኻብ ድኻሞም ንምብርታዕ፡ ግዜናን ጕልበትናን ክንውፊ የድልየና ይኸውን። ብመንፈስ የሆዋን ብቓሉን ብጉባኤኡ ኣቢሉ ብዚውሃበና ጽሑፋትን ግና፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪድልድሉ ሓገዝ ኽንህቦም ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:1) ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧ ሓደ ምኩር ሽማግለ፡ “መብዛሕትኦም ዘይንጡፋት ዘበሉ ብሓቂ ናብ የሆዋ ኺምለሱ ኸም ዚደልዩ ምስ ወሰኑ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ የድልዮም እዩ” ይብል። * ስለዚ፡ ንዘይንጡፍ ኣስፋሒ መጽናዕቲ ኽትመርሕ እንተ ተሓቲትካ፡ ነቲ ፍሉይ ኣጋጣሚ እቲ ተሓጒስካ ኽትቅበሎ ይግባእ። እቲ ሽማግለ እቲ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እቲ መጽናዕቲ ዚመርሕ ኣስፋሒ፡ ነቲ ዘይንጡፍ ኣስፋሒ ምስጢሩ ዚስምዖ ናይ ቀረባ ፈታዊ ኪዀነሉ ኣለዎ” እውን ኢሉ እዩ።

ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ሓጐስ

16. ሰማያዊ ደገፍ ከም ዘሎና ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

16 ናብ የሆዋ ኺምለሱ ንዚደልዩ ዘይንጡፋት ንምርካብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ፡ መላእኽቲ ኣብ ጐድንና ዀይኖም ከም ዚዓይዩ ዚሕብር ብዙሕ ተመክሮታት ኣሎ። (ራእ. 14:6) ንኣብነት፡ ኣብ ኤኳዶር ዚነብር ሲልቭዮ ናብ ጉባኤ ምእንቲ ኺምለስ፡ ሓገዝ ደልዩ ኻብ ልቡ ጸለየ። ገና እናጸለየ ኸሎ፡ ደወል ማዕጾኡ ተደወለ። ክልተ ሽማግለታት እዮም ነይሮም። ኣብቲ ምብጻሕ እቲ ኸኣ፡ ተሓጒሶም ዜድሊ ሓገዝ ኪገብሩሉ ጀመሩ።

17. ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ድኹማት ዝዀኑ ምስ እንሕግዞም እንታይ ዓስቢ ኢና እንረክብ፧

17 ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ድኹማት ዝዀኑ ናብ የሆዋ ኺምለሱ እንተ ደጊፍናዮም፡ ብዙሕ ሓጐስ ንረክብ ኢና። ንዘይንጡፋት ፍሉይ ቈላሕታ ዚገብረሎም ሳልቫዶር ዝስሙ ፈላሚ ኸምዚ ይብል፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ ሓጐስ ንብዓተይ ምዕጋት ይኣብየኒ እዩ። የሆዋ ንሓደ ኻብ ፍቑራት ኣባጊዑ፡ ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ዘድሓኖን ኣነ እውን ምስኡ ኣብዚ ዕዮ እዚ ኽተሓባበር ፍሉይ መሰል ከም ዝረኸብኩን ክሓስብ ከለኹ፡ ባህ ይብለኒ እዩ።”—ግብ. 20:35

18. ዘይንጡፍ ኣስፋሒ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧

18 ምስ ህዝቢ የሆዋ ዝነበረካ ሕብረት ኣቋሪጽካ እንተ ኣሊኻ፡ ሕጂ እውን የሆዋ ኸም ዜፍቅረካ ኸነረጋግጸልካ ንፈቱ። ናብኡ ኽትምለስ ይደልየካ እዩ። ናብኡ ምእንቲ ኽትምለስ ከኣ፡ እተወሰነ ስጕምትታት ክትወስድ ኣሎካ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ኸምቲ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እተጠቕሰ ኣቦ፡ ክትምለስ ይጽበየካ ኣሎ፡ ተሓጒሱ እውን ናብ ቤቱ ኪቕበለካ እዩ።

መዝሙር 103 ውህበት ሰባት ዝዀኑ ጓሶት

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ነቶም ምስ ጉባኤ ዝነበሮም ሕብረት ዘቋረጹ፡ ናብኡ ኺምለሱ ይደልዮም እዩ። ነቶም ካብ የሆዋ “ናባይ ተመለሱ” ዚብል ዕድመ ዚቕበሉ ዘበሉ ንምትብባዕ ብዙሕ ክንገብር ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከምኡ ንምግባር ከመይ ጌርና ኽንሕግዞም ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 7 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 15 ገሊኦም ዘይንጡፋት ዘበሉ ኻብታ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወሰነ ኽፋላት የጽንዑ ይዀኑ፣ ገሊኦም ከኣ፡ ካብታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወሰነ ምዕራፋት የጽንዑ ይዀኑ። ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ፡ ነዚ መጽናዕቲ እዚ ንምምራሕ መን ዝሓሸ ብቕዓት ከም ዘለዎ ይውስን።

^ ሕ.ጽ. 68 መግለጺ ስእሊ፦ ሰለስተ ኣሕዋት ንሓደ ኺምለስ ዚደሊ ሓው ይሕግዝዎ። እቲ ሓደ ብተሌፎን ምስኡ ቐጻሊ ርክብ ይገብር፡ እቲ ሓደ ድማ የሆዋን ኣሕዋትን ከም ዜፍቅርዎ የረጋግጸሉ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ንዘረባኡ ይሰምዖን ንስምዒቱ ይርድኣሉን።