ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 25

ን“ንኣሽቱ” ኣይትዓንቅፍ

ን“ንኣሽቱ” ኣይትዓንቅፍ

“ካብዞም ንኣሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ።”—ማቴ. 18:10

መዝሙር 113 ሰላምና

መላለዪ *

1. የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና እንታይ እዩ ገይሩልና፧

የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ናብኡ ስሒቡና እዩ። (ዮሃ. 6:44) እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ንዅሎም እዞም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ቢልዮናት ሰባት ተጠንቂቑ ድሕሪ ምምርማሩ፡ ኣባኻ ኽቡር ነገር ርእዩ እዩ፣ ንዕኡ ኼፍቅሮ ዚኽእል ቅኑዕ ልቢ ርእዩ እዩ። (1 ዜና 28:9) የሆዋ ይፈልጠካን ይርድኣካን የፍቅረካን እዩ። እዝስ ኣዝዩ ዜተባብዕ ደይኰነን፧

2. የሱስ ነቲ የሆዋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ በጊዑ ዘለዎ ተገዳስነት ብኸመይ መሲልዎ፧

2 የሆዋ ኣጸቢቑ ይሓልየልካ እዩ፣ ንዅሎም ክርስትያናት ኣሕዋትካን ኣሓትካን እውን ይሓልየሎም እዩ። የሱስ ነዚ ነጥቢ እዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ንየሆዋ ምስ ጓሳ ኣመሳሲልዎ እዩ። ካብ 100 ኣባጊዕ 1 እንተ ጠፊኣ፡ እቲ ጓሳ እንታይ እዩ ዚገብር፧ ‘ነተን 99 ኣብ ኣኽራን ሓዲጉ፡ ነታ ሓንቲ ዝጠፍአት ኪደሊ እዩ ዚኸይድ።’ እቲ ጓሳ ነታ በጊዕ ምስ ረኸባ፡ ብምጥፍኣ ኣይገንሓን እዩ። የግዳስ፡ ስለ ዝረኸባ ይሕጐስ እዩ። እቲ ኺመሓላለፍ እተደልየ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ ነፍሲ ወከፍ በጊዕ ንየሆዋ ተገድሶ እያ። የሱስ፡ “እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ፡ ሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ” ኢሉ እዩ።—ማቴ. 18:12-14

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 መሸም፡ ንዋላ ሓደ ኻብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምንጪ ጓሂ ኽንከውን ኣይንደልን ኢና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ንኻልኦት ከይንዕንቅፍ ክንጥንቀቕ እንኽእል፧ ሓደ ሰብ እንተ ተጐዲኡኸ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽንምልሶ ኢና። ፈለማ ግና ብዛዕባ እቶም ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 18 ተጠቒሶም ዘለዉ “ንኣሽቱ” እስከ ንምሃር።

እቶም “ንኣሽቱ” መን እዮም፧

4. እቶም “ንኣሽቱ” ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፧

4 እቶም “ንኣሽቱ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እዮም። ዕድሚኦም ብዘየገድስ፡ ብየሱስ ኪምሃሩ ፍቓደኛታት ብምዃኖም “ከም ቈልዑ” እዮም። (ማቴ. 18:3) ካብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ባህልን ዝመጹ እኳ እንተ ዀኑ፡ በበይኑ ባህርያት እውን እንተ ኣለዎም፡ ኵላቶም ብክርስቶስ ይኣምኑ እዮም። ንሱ እውን ኣዝዩ የፍቅሮም እዩ።—ማቴ. 18:6፣ ዮሃ. 1:12

5. ሓደ ሰብ ንሓደ ኻብ ህዝቢ የሆዋ ኺዕንቅፍ ወይ ኪጐድእ ከሎ፡ የሆዋ እንታይ ይስምዖ፧

5 የሆዋ ንዅሎም እዞም “ንኣሽቱ” ይፈትዎም እዩ። እንታይ ከም ዚስምዖ ንምፍላጥ፡ ብዛዕባ ቘልዑ እንታይ ከም ዚስምዓና እሞ ንሕሰብ። ንቘልዑ ንፈትዎም ኢና። ከም ናይ ዓበይቲ ዝበለ ብርታዐን ተመክሮን ጥበብን ስለ ዘይብሎም፡ ከነዕቍቦም ንደሊ ኢና። ዋላ ሓደ ኺጕዳእ ዘይንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ ምናዳ ቘልዑ ኺህሰዩ ኸለዉ ግና ብዝያዳ ንጕሂ፡ ካብኡ ሓሊፍና እውን ንቝጣዕ ኢና። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ኼዕቍበና ይደሊ እዩ። ሓደ ሰብ ንሓደ ኻብ ህዝቡ ኺዕንቅፍ ወይ ኪጐድእ ከሎ ኸኣ፡ ይጕሂ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ይቝጣዕ እዩ!—ኢሳ. 63:9፣ ማር. 9:42

6. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 1:26-29፡ ዓለም ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ምንታይ ገይራ እያ እትርእዮም፧

6 ብምንታይ ካልእ መገዲኸ እዮም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም “ንኣሽቱ” ዝዀኑ፧ ንምዃኑ ዓለም ንመን እያ ኸም ኣገደስቲ ገይራ እትርኢ፧ ንሃብታማትን ንውሩያትን ንሓያላትን። ብኣንጻሩ ግና፡ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ዘየገድሱን ዘይረብሑን “ንኣሽቱ” ገይራ እያ እትርእዮም። (1 ቈረንቶስ 1:26-29 ኣንብብ።) የሆዋ ግና ከምኡ ገይሩ ኣይኰነን ዚርእዮም።

7. የሆዋ ብዛዕባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንታይ ኪስምዓና እዩ ዚደሊ፧

7 የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ፡ ነቶም ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገልዎ ዘበሉ ዀኑ ነቶም ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ዘበሉ የፍቅሮም እዩ። ኵሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ቅድሚኡ ኣገደስቲ እዮም፣ ስለዚ፡ ኣብ ቅድሜና እውን ኣገደስቲ ኪዀኑ ኣለዎም። ንገሊኦም ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ንዅሎም ኣሕዋት ኣፍቅሩ” ተባሂሉ እዩ ተነጊሩና። (1 ጴጥ. 2:17) ንምዕቋቦምን ንምክንኻኖምን ዚከኣለና ኽንገብር ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ንሓደ ኻብ ኣሕዋትና ኸም ዝጐዳእናዮ ወይ ከም ዘጕሃናዮ እንተ ፈሊጥና፡ እቲ ሰብ እምብዛ ተኣፋፊ ኸም ዝዀነን ኪሰግሮ ኸም ዘለዎን ጌርና ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። እሞ ደኣ ገሊኦም ብምንታይ ቅር ኪብሎም ይኽእል፧ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሰንኪ ኣተዓባብያኦም ንርእሶም እምብዛ ኣትሒቶም ይርእዩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣብ ሓቂ ሓደስቲ እዮም፣ ንዘይፍጽምና ኻልኦት ሰባት ብኸመይ ከም ዚሕዝዎ ገና ኣይፈልጡን እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቲ ነገር ንምቕናዕ፡ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። ብተወሳኺ ድማ፡ ብቐሊሉ ቕር ዚብሎ ሰብ ነዚ ባህርዩ ንምውጋድ ኺጽዕር ኣለዎ። ናይ ኣእምሮ ሰላም ኪረክብን ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎን ኢሉ ኸምኡ ኺገብር ኣለዎ።

ንኻልኦት ኣብሊጽካ ርኣዮም

8. ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ልሙድ ኣረኣእያ እዩ ጸልይዎም ነይሩ፧

8 የሱስ ብዛዕባ እቶም “ንኣሽቱ” እተዛረበ ኻብ ምንታይ ተላዒሉ እዩ፧ ኣቐዲሞም ደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይዓቢ፧” ኢሎም ሓቲቶምዎ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 18:1) ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ፡ ብዛዕባ መዓርግን ደረጃን ልዑል ግምት እዩ ነይርዎም። ምስዚ ብዚተኣሳሰር ሓደ ምሁር፡ “ሰባት ምእንቲ ኽብረትን ስምን ዝናን ተቐባልነትን ኣኽብሮትን ኢሎም ህይወቶም ንምቕያርን ንሙማትን ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም” ኢሉ እዩ።

9. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ እዮም ኪገብሩ ነይርዎም፧

9 የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ኣብ ባህሊ ኣይሁድ ሱር ዝሰደደ መንፈስ ውድድር ካብ ልቦም ንምምሓው፡ ብዙሕ ኪጽዕሩ ኸም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ “እቲ ኣባኻትኩም ዝዓበየ ኸም ዝነኣሰ፡ እቲ ዚመርሕ እውን ከም ኣገልጋሊ ይኹን” ኢልዎም እዩ። (ሉቃ. 22:26) እምበኣር፡ ‘ንኻልኦት ካብ ርእስና ኣብሊጽና ኽንርኢ፡’ ንርእስና ኸኣ “ኸም ዝነኣሰ” ጌርና ኽንርኢ ይግባእ። (ፊል. 2:3) ነዚ ኣረኣእያ እዚ ብዝያዳ ብዘማዕበልና መጠን፡ ንኻልኦት ንምዕንቃፍ ዘሎና ዕድል ይጸብብ እዩ።

10. ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ እንታይ ዚብል ምኽሪ ኢና ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዘሎና፧

10 ኵሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንተ በዚ እንተ በቲ ኻባና ይበልጹ እዮም። ኣብ ኣወንታዊ ባህርያቶም ምስ እነተኵር፡ ነዚ ምርኣይ ኣየጸግመናን እዩ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ዝሃቦም ምኽሪ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ኣሎና፦ “ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገበረካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ ካብ ተቐበልካኸ፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትምካሕ፧” (1 ቈረ. 4:7) ነቲ ናብ ርእስና ኣትኵሮ ንምስሓብ ወይ ንርእስና ኻብ ካልኦት ኣብሊጽና ንምርኣይ ዚመጸና ዝዀነ ፈተና ኽንጥንቀቐሉ ኣሎና። ሓደ ሓው ጽቡቕ መደረታት ዜቕርብ እንተ ዀይኑ ወይ ሓንቲ ሓብቲ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ንፍዕቲ እንተ ዀይና፡ ክልቲኦም ተቐላጢፎም ነቲ ውዳሰ ንየሆዋ ኺህብዎ ኣለዎም።

‘ካብ ልብኻ’ ይቕረ በል

11. የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ሓደ ንጉስን ባርያኡን ዝመሰሎ ምሳሌ እንታይ ትምህርቲ እዩ ኼመሓላልፍ ደልዩ፧

11 የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንኻልኦት ከይዕንቅፉ ደድሕሪ ምጥንቃቑ፡ ብዛዕባ ሓደ ንጉስን ባርያኡን ምሳሌ መሰለ። እቲ ንጉስ ንባርያኡ፡ ኪኸፍሎ ዘይክእል ዝነበረ ዓብዪ ዕዳ ሰረዘሉ። ድሕርዚ ግና፡ እቲ ባርያ ንብጻዩ ባርያ፡ ዚእውዶ ዝነኣሰ ዕዳ ኺስርዘሉ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ዘይምሕር ባርያ ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበዮ። እዚ እንታይ ትምህርቲ የመሓላልፍ፧ የሱስ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ንሓዉ ኻብ ልቡ ዘይሓድገሉ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ” ኢሉ ገሊጹልና ኣሎ።—ማቴ. 18:21-35

12. በደል ምሕዳግ እንተ ኣቢና፡ ንኻልኦት ብኸመይ ኢና እንጐድኦም፧

12 እቲ ባርያ ዝገበሮ ተግባር ንርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት እውን ጐዲኡ እዩ። ቀዳማይ፡ ነቲ ብጻዩ ባርያ “ዕዳኡ ኽሳዕ ዚኸፍል፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዚድርበ” ብምግባር ብዘይ ንሕስያ ጐዲእዎ እዩ። ካልኣይ፡ ነቶም ንተግባሩ እተዓዘቡ ባሮት ጐዲእዎም እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ “እቶም ብጾቱ ባሮት ነቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ብዙሕ ጐሃዩ” ዚብል ነንብብ። ብተመሳሳሊ፡ ተግባራትና ንኻልኦት ይጸልዎም እዩ። ሓደ ሰብ እንተ በዲሉና እሞ ዘይንሓድገሉ እንተ ዄንና፡ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ቀዳማይ፡ ይቕረታን ቈላሕታን ፍቕርን ስለ እንኸልኦ፡ ንዕኡ ንጐድኦ ኢና። ካልኣይ፡ ምስቲ ሰብ እቲ ሰላም ከም ዘይብልና ንዜስተብህሉ ኻልኦት ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ክርስትያናት ከም ዚሽቝረሩ ንገብሮም ኢና።

ቂም ክትሕዝ ዲኻ ወይስ ካብ ልቢ ይቕረ ኽትብል፧(ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ) *

13. ካብ ተመክሮ ሓንቲ ፈላሚት እንታይ ትምሃር፧

13 ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን በደሎም እንተ ሓዲግናሎም፡ ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ኢና እንጠቅም። ክሪስታል ኢልና እንጽውዓ ፈላሚት ተመሳሳሊ ተመክሮ እያ ኣሕሊፋ። ሓደ እዋን፡ ሓንቲ ኣብ ጉባኤኣ እትርከብ ሓብቲ ንዓኣ ጐድኣታ። ክሪስታል ከምዚ ኢላ ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “እቲ ሕማቕ ቃላታ፡ ሓድሓደ ግዜ ኸም ካራ እዩ ዚሓርደኒ ነይሩ። ኣብ ኣገልግሎት፡ ምስኣ ኣብ ሓደ ጕጅለ ክኸውን እኳ ኣይደልን እየ ነይረ። ቅንኣተይን ሓጐሰይን ከጥፍእ ጀሚረ።” እዚ ብዙሕ እዩ ኣጕህይዋ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ቂም ኣይሓዘትን ወይ ኣየስተማሰለትን። የግዳስ፡ ኣብታ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ካብ ልቢ ይቕረ በሉ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ዘሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ብትሕትና ዓየየትሉ። ንሓብታ ድማ ይቕረታ ገበረትላ። ክሪስታል ከምዚ ትብል፦ “ኵላትና ሓድሽ ስብእና ንምልባስ ንጽዕር ከም ዘለና፡ የሆዋ ኸኣ መዓልታዊ ብናጻ ይቕረ ኸም ዚብለልና፡ ሕጂ ፈሊጠ እየ። ካብ መንኵበይ ከቢድ ጾር ከም ዝወረደለይ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ሓጐስ ረኺበ እየ።”

14. ብመሰረት ማቴዎስ 18:21, 22፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ እንታይ ቃልሲ እዩ ነይርዎ ኪኸውን ዚኽእል፧ ካብቲ የሱስ ዝሃቦ ምላሽከ እንታይ ተማሂርካ፧

14 ይቕረ ኽንብል ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና፣ እዚ ቕኑዕ ምዃኑ እውን ንፈልጥ ኢና። ከምኡ ምግባር ግና ዓቐብ ይዀነና ይኸውን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምኡ ተሰሚዕዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 18:21, 22 ኣንብብ።) ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ደኣ እሞ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ቀዳማይ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃበካ ብዙሕ ነገራት ኣስተንትን። (ማቴ. 18:32, 33) ይቕረታኡ ዚግብኣና ኣይኰንናን፣ ግናኸ፡ ብናጻ ይቕረ ይብለልና እዩ። (መዝ. 103:8-10) ብዘይካዚ፡ “ንሓድሕድና ኽንፋቐር ግዴታ ኣሎና።” ስለዚ፡ ይቕረታ ንኣማራጺ ዚሕደግ ኣይኰነን። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ይቕረታ ኽንገብረሎም ዕዳ ኣሎና። (1 ዮሃ. 4:11) ካልኣይ፡ ይቕረ ኽንብል ከለና እንታይ ከም ዚኸውን ነስተንትነሉ። ይቕረ እንተ ኢልና፡ ነቲ ዝበደለና ሰብ ንሕግዞ፡ ኣብ ጉባኤና ሓድነት ከም ዚሰፍን ንገብር፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ንሕሉ፡ ካብ መንኵብና ድማ ጾር ነፍኵስ ኢና ዘለና። (2 ቈረ. 2:7፣ ቈሎ. 3:14) ሳልሳይ ከኣ፡ ናብቲ በደል ክንሓድግ ዝኣዘዘና ኣምላኽ ጸሊ። ንሰይጣን ከኣ ነቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ክርስትያናት ብጾትካን ዘሎ ሰላም ኪዘርጎ ኣይትፍቀደሉ። (ኤፌ. 4:26, 27) ካብ መፈንጠራ ሰይጣን ንምምላጥ፡ ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ።

ኣይትተዓንቀፍ

15. ብተግባራት ሓውና ወይ ሓብትና እንተ ተረቢሽና፡ ምስ ቈሎሴ 3:13 ብምስምማዕ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

15 ሓደ ክርስትያን ብጻይካ ንዓኻ ኣጸቢቑ ዚርብሸካ ነገር እንተ ገይሩ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ሰላምኩም ምእንቲ ኸይዝረግ፡ ዚከኣለካ ዘበለ ጻዕሪ ግበር። ናብ የሆዋ ኻብ ልቢ ጸሊ። ነቲ ዝበደለካ ሰብ ምእንቲ ኺባርኾን እቲ የሆዋ ዚፈትዎ ጽቡቕ ባህርያቱ ምእንቲ ኺርኣየካን ድማ ለምን። (ሉቃ. 6:28) ነቲ ሓውካ ዝገበሮ ዕሽሽ ኢልካ ኽትሓልፎ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ብኸመይ ከም እትዛረቦ ሕሰብ። ደይ መደይ ኢሉ ኺጐድኣካ ኸም ዘይገበሮ ምሕሳብ ወትሩ ይጠቕመካ እዩ። (ማቴ. 5:23, 24፣ 1 ቈረ. 13:7) ክትዛረቦ ኸለኻ፡ ጽቡቕ ሓሊኑ ኸም ዝገበሮ ጌርካ ሕሰብ። ኰይኑ ግና፡ ሰላም ኪገብር እንተ ዘይደለየኸ፧ ድሕርዚ እውን ‘ተዓገሶ።’ ብሓውካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። (ቈሎሴ 3:13 ኣንብብ።) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ፈጺምካ ቒም ኣይትሓዝ፣ ከምኡ ምግባርሲ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት እዩ ዜበላሽዎ። ብዝዀነ ይኹን ነገር ኣይትተዓንቀፍ። በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ ኻብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ ኸም እተፍቅሮ ኸተርኢ ኢኻ።—መዝ. 119:165

16. ነፍሲ ወከፍና እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧

16 ነቲ ኣብ ትሕቲ ‘ሓደ ጓሳ’ ብሓድነት ሰሚርና “ሓደ መጓሰ” ዄንና ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎና ኣጋጣሚ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። (ዮሃ. 10:16) ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 165፡ “ካብቲ ሓድነት እቲ ትጥቀም ስለ ዘለኻ፡ ንምዕቃቡ ሓላፍነት ኣሎካ” ትብል። ስለዚ፡ “ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ኽንርእዮም” ንርእስና ኸነሰልጥን ኣሎና። ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኵላትና ተፈተውቲ “ንኣሽቱ” ኢና። እሞ ደኣ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ከምኡ ጌርካ ዲኻ እትርእዮም፧ የሆዋ ነቲ ንዓታቶም ንምሕጋዝን ንምክንኻንን እትገብሮ ዘበለ ዅሉ የስተብህለሉን ኣኽቢሩ ይርእዮን እዩ።—ማቴ. 10:42

17. እንታይ ክንገብር ኢና ቘሪጽና ዘለና፧

17 ንክርስትያናት ብጾትና ነፍቅሮም ኢና። ስለዚ፡ ‘ንሓውና መዐንቀፊ ወይ መሐንኰሊ ኸይንገብረሉ ወሲንና ኢና።’ (ሮሜ 14:13) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ካባና ኸም ዚበልጹ ጌርና ኢና እንርእዮም፣ ካብ ልቢ ይቕረ ኽንብለሎም እውን ንደሊ ኢና። ብዘይካዚ፡ ንሕና እውን ብኻልኦት ከይንዕንቀፍ ንጠንቀቕ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ሰላም ዜስፍንን ንሓድሕድና ዚሃንጽን ነገር ንስዓብ።”—ሮሜ 14:19

መዝሙር 130 ይቕረ በሃልቲ ንኹን

^ ሕ.ጽ. 5 ብሰንኪ ዘይፍጽምናና፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዚጐድእ ነገር ንገብር ወይ ንዛረብ ንኸውን። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ርክብና ንምዕራይ ንህንጠ ዲና፧ ብቕልጡፍዶ ይቕረታ ንሓትት ኢና፡ ወይስ እንተ ተጐዲኦም ናታቶም ጸገም ደኣ እምበር ናትና ኸም ዘይኰነ ጌርና ኢና እንድምድም፧ ወይ ከኣ ብዘረባ ወይ ብተግባር ካልኦት ሰባት ብዙሕ ሳዕ ቅር ዚብለና እንተ ዀይኑኸ፧ እዚ ባህርይና ኸም ዝዀነ ጌርና ዲና መመኽነይታ እንህብ፡ ወይስ ክንሰግሮ ዚግባእ ድኽመት ከም ዝዀነ ጌርና ኢና እንርእዮ፧

^ ሕ.ጽ. 53 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ፡ ኣብ ጉባኤኣ ብእትርከብ ካልእ ሓብቲ ትጕሂ። ክልቲአን ነቲ ጕዳይ ብውልቀን ምስ ፈትሓኦ፡ ንዕኡ ረሲዐን ብሓባር ተሓጒሰን የገልግላ።