“ሕጊ ለውሃት” ይደርኽካ
“ለውሃት እቶም ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ልዕሊ ዅሉ እዩ ጸልዩኒ።” ነዚ ቓላት እዚ እተዛረበት ሊሳ a ትብሃል። ፈለማ ናብ ሓቂ ዝሰሓባ ነገር ክትገልጽ ከላ እያ ነዚ ተዛሪባ። ኣን እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ኣጋጢምዋ። ነዚ ድማ፡ “ካብቲ ሰረተ ትምህርቲ ንላዕሊ እቲ ለውሃት እዩ ስሒቡኒ” ኢላ ገሊጻቶ ኣላ። ክልቲአን እዘን ኣሓት እዚአን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን ይፈትዋ እየን። ለውሃት ግና ኣብ ህይወተን ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲራ እያ።
ልቢ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ሰባት ዚትንኪ ለውሃት ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ክልተ መገድታት እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ብልሳንና፣ ካልኣይ፡ ብተግባርና። ድሕሪኡ፡ ንመን ክንልውሃሎም ከም ዚግባእ ክንርኢ ኢና።
“ሕጊ ለውሃት” ኣብ ልሳንካ
ብዛዕባ እታ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 31 ተጠቒሳ ዘላ ኽኢላ ሰበይቲ፡ “ሕጊ ለውሃት” ኣብ ልሳና ኸም ዘሎ ተገሊጹ ኣሎ። (ምሳ. 31:26) ቃና ድምጻን ትሕዝቶ ዘረባኣን በዚ “ሕጊ” እዚ እዩ ዚቃነ። ኣቦታት እውን ነዚ “ሕጊ” እዚ ኣብ ልሳኖም ኪገብርዎ ኣለዎም። መብዛሕትኦም ወለዲ፡ ተሪር ዘረባ ኣብ ውሉዶም ኣሉታዊ ጽልዋ ኸም ዚህልዎ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ወለዲ ብኣሻዅን ብደረቕን ቃና እንተ ተዛሪቦም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ውሉዶም ጽቡቕ ምላሽ ኣይህቦምን እዩ። ስለዚ፡ ቃላቶም ማራኽን ውጽኢታውን ምእንቲ ኪኸውን ብለውሃት ንምዝራብ ኪጽዕሩ ኣለዎም።
ወላዲ ኹን ኣይትኹን፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ንልሳንካ ብለውሃት ክትቃንዮ እትኽእል፧ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ምሳሌ 31:26 ዚርከብ፡ “ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት” ዚብል ቃላት ነዚ ምላሽ ይዀነና እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ቃላትናን ቃና ድምጽናን ብጥበብ ክንሓሪ ኣሎና። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ‘እዚ ኽብሎ ዝሓሰብኩ ቓላት ቍጥዓ ዜለዓዕል ድዩ፡ ወይስ ውጥረት ዜህድእ እዩ፧’ ኢልና እንተ ሓቲትና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 15:1) እወ፡ ቅድሚ ምዝራብና፡ ክንሓስብ ኣሎና።
ካልእ ምስላ ኸኣ፡ “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ” ይብለና። (ምሳ. 12:18) ቃላትናን ቃና ድምጽናን ብኸመይ ንኻልኦት ከም ዚጸልዎም እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ነቲ ኻብ ልሳንና እነውጽኦ ነገር ብዝያዳ ኽንቈጻጸሮ ኢና። እወ፡ ብ“ሕጊ ለውሃት” እንተ ተመላሊስና፡ ሕሱም ቃላት ኰነ ተሪር ቃና ኻብ ምጥቃም ንቝጠብ ኢና። (ኤፌ. 4:31, 32) ኣሉታዊ ሓሳባትን ዘረባን ብልኡም ቃላትን ብኣወንታዊ ቓናን ንትክኦ ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሆዋ ነቲ ፈሪሁ ዝነበረ ጊልያኡ ኤልያስ ኬጸናንዖ ኸሎ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። እቲ ንየሆዋ ወኪሉ እተዛረበ መልኣኽ፡ ብ“ህዱእ ትሑት ደሃይ” እዩ ተዛሪቡ። (1 ነገ. 19:12) እንተዀነ ግና፡ ለዋህ ንምዃን፡ ብለውሃት ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ብተግባር እውን ክንልውህ ኣሎና። ብኸመይ፧
ብለውሃት ዚግበር ተግባር ንኻልኦት የለዓዕል
ንየሆዋ እንተ መሲልናዮ፡ ብዘረባና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብተግባርና እውን ለውሃት ነርኢ ኢና። (ኤፌ. 4:32፣ 5:1, 2) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሊሳ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዋ ለውሃት ከምዚ ኢላ ገሊጻቶ ኣላ፦ “ስድራ ቤትና ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኽትግዕዝ ምስ ተገደደት፡ ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ኽልተ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ካብ ስራሖም ዕረፍቲ ወሲዶም ኣብ ምጥርናፍ ኪሕግዙና መጺኦም። ኣብቲ ግዜ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ኣይጀመርኩን ነይረ!” ሊሳ በዚ ብለውሃት ዝገበሩላ ተግባር ተደሪኻ፡ ንሓቂ ብዝያዳ ኽትምርምር ተለዓዒላ እያ።
እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ኣን እውን ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዋ ለውሃት ኣማስያትሉ እያ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓለም ብሓፈሻ ዘሎ ዅነታት ኣዝየ ተጠራጣሪት እየ ዀይነ። ሰብ ኣይኣምንን እየ ነይረ።” ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተራኸብኩ፡ ንውሽጣዊ ድራኸኦም ኣብ ሕቶ አእትዎ ነይረ። ‘ስለምንታይ
እዮም ዚግደሱለይ ዘለዉ፧’ ኢለ እሓትት ነይረ። እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃረትኒ መምህረይ ናይ ሓቂ ለውሃት ስለ ዘርኣየትኒ ግና ክኣምና ደሪኹኒ” ትብል። እሞኸ እዚ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ፧ “ድሕርዚ፡ ኣብቲ ዝምሃሮ ዝነበርኩ ኸተኵር ጀሚረ” ኢላ ባዕላ ምላሽ ትህብ።ሊሳን ኣንን በቲ ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ሰባት ዘርኣይወን ፍቕራዊ ለውሃት ውሽጠን ኣጸቢቑ ተተንክዩ እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ብዛዕባ ሓቂ ዘለወን ኣረኣእያ ለውጢ ኣምጺኡ እዩ። እቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ዘርኣይወን ለውሃት፡ ልበን ኪኸፍታ ሓጊዝወን እዩ።
ኣምላኻዊ ለውሃት ኣርኢ
ገሊኦም ብምኽንያት ባህሎም ጥዑም ቃላት ይዛረቡን ፍሽኽ ይብሉን እዮም። እዚ ብባህሊ ወይ ብተፈጥሮ እነርእዮ ስነ ስርዓት ዚንኣድ እዩ። ኰይኑ ግና፡ በዚ ጥራይ ንድረኽ እንተ ዄንና፡ እዚ ንኣምላኻዊ ለውሃት ዜመልክት ከይከውን ይኽእል እዩ።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 28:2 ኣረኣኢ።
ናይ ሓቂ ኣምላኻዊ ለውሃት፡ ሓደ መዳይ ናይ ኣምላኽ ፍረ መንፈስ ቅዱስ እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ስለዚ፡ ለውሃት ንምምዕባል፡ በቲ መንፈስ እቲ ኽንጽሎ ኣሎና። እዚ ድማ ምስቲ ንየሆዋን ንየሱስን ክንመስሎም ዘሎና ድሌት ይሰማማዕ እዩ። ብዘይካዚ፡ ከም ክርስትያናት መጠን ንኻልኦት ሰባት ንግደሰሎም ኢና። ስለዚ፡ በታ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘላትና ፍቕርን ንብጻይና ዘላትና ፍቕርን ንድረኽ ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ለውሃትና ኻብ ልቢ እትፍልፍልን ኣምላኽ ዚሰምራን ሓያል ባህርይ ክትከውን ትኽእል።
ንመን ኢና ኽንልውሃሎም ዘሎና፧
ነቶም ዝለውሁልና ወይ ነቶም እንፈልጦም ሰባት ምልዋህ፡ ባህርያዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ሳሙ. 2:6) ሓደ ኻብቲ ለውሃትና እንገልጸሉ መገዲ፡ ንዓታቶም ብምምስጋን እዩ። (ቈሎ. 3:15) ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ለውሃትና ዘይግብኦ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ ዘይግብኣና ለውሃት ወይ ጸጋ ብምርኣይ ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ይዀነና እዩ። ቃሉ እውን ነዛ ባህርይ እዚኣ ብኸመይ ከም እነርኢ ኣገዳሲ ትምህርቲ ይህበና እዩ። እታ “ጸጋ” እትብል ቃል ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብዙሕ ሳዕ ተጠቒሳ ኣላ። እሞ ደኣ ኣምላኽ ነዛ ዓይነት ለውሃት እዚኣ ብኸመይ እዩ ዜርእየና፧
ብዛዕባ እቶም ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ የሆዋ ዜድልዮም ብምሃብ ዚልውሃሎም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እሞ ሕሰብ። (ማቴ. 5:45) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ሰባት ንዕኡ ኸይፈለጥዎ ኸለዉ እዩ ንሱ ለዊሁሎም። (ኤፌ. 2:4, 5, 8) ንኣብነት፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ ብሉጹ እዩ ሂብዎም፣ ሓደ ወዱ እዩ ሂብዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ የሆዋ ነቲ በጃ “ኸም ሃብቲ ጸጋኡ” ኸም ዝኸፈለልና ጽሒፉ ኣሎ። (ኤፌ. 1:7) ብዘይካዚ ድማ፡ ሓጢኣት ንገብርን ንየሆዋ ነጕህዮን እኳ እንተ ዀንና፡ ንሱ ግና ወትሩ ይመርሓናን ይምህረናን እዩ። ትምህርቱን ቃላቱን ከም “ጥሚቕ” ኣየቋርጽን እዩ። (ዘዳ. 32:2) ስለቲ ዅሉ ዝገበረልና ለውሃት መሸም ምሉእ ብምሉእ ውሬታ ኽንመልሰሉ ኣይንኽእልን ኢና። ከም ሓቂ ድማ ኣብ መጻኢ እውን ብዘይ ለውሃቱ ኽንነብር ኣይንኽእልን ኢና።—ምስ 1 ጴጥሮስ 1:13 ኣረኣኢ።
ብዘይ ጥርጥር እምበኣር፡ እታ የሆዋ ዜርእያ ለውሃት፡ ተፈታዊትን ደራኺትን እያ። ስለዚ፡ ንእተወሰኑ ጥራይ ሓሪና ለውሃትና ኣብ ክንዲ እንገልጽ፡ ንለውሃት ክፍሊ መዓልታዊ ህይወትና ብምግባር፡ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንጽዓር። (1 ተሰ. 5:15) ኣዘውቲርና ብለውሃት ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ከምቲ ኣብ ቈራሪ መዓልቲ ሙቐት ዚህብ ሓዊ ኢና እንኸውን። ንኣባላት ስድራ ቤትና፡ ንክርስትያናት ብጾትና፡ ንመሳርሕትና፡ ንመማህርትና፡ ንጐረባብትና እነጸናንዕ ሰባት ኢና እንኸውን።
ኣብ ስድራ ቤትካ ወይ ኣብ ጉባኤኻ በቲ ብለውሃት እትዛረቦ ቓላት ወይ ተግባር ኪጥቀም ብዛዕባ ዚኽእል ሰብ እሞ ሕሰብ። ቤቱን ስፍራ ኣታኽልቱን ኣብ ምክንኻን፡ ወይ ኣብ ከም ምትዕድዳግ ዝኣመሰለ ኻልእ ንቡር ንጥፈታት ሓገዝ ዜድልዮ ሰብ ይህሉ ይኸውን። ብተወሳኺ እውን፡ ኣብ ኣገልግሎት ሓገዝ ዜድልዮ ሰብ ምስ ኣጓነፈካ ግብራዊ ሓገዝ ክትህቦ ትኽእልዶ፧
እምበኣር፡ ንየሆዋ ብምምሳል ብቓላትናን ብተግባርናን ወትሩ ብ“ሕጊ ለውሃት” ንመላለስ።
a ስማት ተቐዪሩ እዩ።