ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 27

“ብየሆዋ ተስፋ ግበር”

“ብየሆዋ ተስፋ ግበር”

“ብየሆዋ ተስፋ ግበር፣ ትባዕ፡ ልብኻ እውን ኣበርትዕ።”—መዝ. 27:14

መዝሙር 128 ክሳዕ መወዳእታ ተጻወር

መላለዪ a

1. (ሀ) እንታይ ተስፋ እዩ የሆዋ ሂቡና ዘሎ፧ (ለ) “ብየሆዋ ተስፋ ግበር” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (“መግለጺ ቓላት” ርአ።)

 የሆዋ ንዅሎም እቶም ዜፍቅርዎ ጽቡቕ ተስፋ ሂቡ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ግዜ ንሕማምን ንሓዘንን ንሞትን መወዳእታ ኽገብረሉ እዩ። (ራእ. 21:3, 4) ነቶም ኣብኡ ተስፋ ዚገብሩ “ዓቃላት” እውን ንምድሪ ናብ ገነት ኪቕይርዋ ኺሕግዞም እዩ። (መዝ. 37:9-11) ንነፍሲ ወከፍና ኸኣ ምስኡ ኻብዚ ሕጂ ዚበልጽ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ናይ ብሕቲ ርክብ ክንምስርት ኪሕግዘና እዩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ድንቂ ተስፋ ዀን እዩ! ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ዜእምን እንታይ መሰረት ኣሎና፧ የሆዋ ወትሩ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ይፍጽሞ እዩ። ስለዚ ኣብ ‘የሆዋ ተስፋ ንምግባር’ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና። b (መዝ. 27:14) ኣምላኽና ዕላማኡ ኽሳዕ ዚፍጽም ብትዕግስትን ብታሕጓስን ብምጽባይ ኣብኡ ተስፋ ኸም ዘሎና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ኢሳ. 55:10, 11

2. የሆዋ እንታይ ገይሩ ኣሎ፧

2 የሆዋ ተስፋታቱ ኸም ዚፍጽም ኣርእዩ እዩ። ሓደ ዜደንቕ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ መጽሓፍ ራእይ፡ የሆዋ ኣብዚ ግዜና ኻብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን እተኣከቡ ሰባት ብንጹህ ኣምልኾ ሓደ ኸም ዚገብሮም ኣተስፍዩ ኣሎ። ሎሚ እቶም ዜደንቑ ጉጅለ ሰባት እቲኦም “ብዙሓት ህዝቢ” ተባሂሎም ይፍለጡ። (ራእ. 7:9, 10) ካብ እተፈላለየ ዓሌትን ቋንቋን ድሕረ ባይታን እተኣከቡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን እኳ እንተ ዀኑ፡ ሰላምን ሓድነትን ዝሰፈኖ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኣቝሞም ኣለዉ። (መዝ. 133:1፣ ዮሃ. 10:16) ብዘይካዚ ድማ እዞም ብዙሓት ህዝቢ ብቕንኣት ዚሰብኩ ሰበኽቲ እዮም። ንዚሰምዖም ዘበለ ዅሉ ብዛዕባ እታ ዝሓሸት ዓለም ዘለዎም ተስፋ ንምክፋል ወትሩ ድሉዋት እዮም። (ማቴ. 28:19, 20፣ ራእ. 14:6, 7፣ 22:17) ክፍሊ እቶም ብዙሓት ህዝቢ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ዘሎካ ተስፋ መሸም ኣኽቢርካ ኢኻ እትርእዮ።

3. ድያብሎስ እንታይ ሸቶ እዩ ዘለዎ፧

3 ድያብሎስ ንተስፋኻ ኼጥፍኣ እዩ ዚደሊ። የሆዋ ኸም ዘይሓልየልካን ተስፋታቱ ኸም ዘይሕሉን እዩ ኼእምነካ ዚጽዕር። እንተ ተዓዊቱ እሞ ንተስፋና እንተ ኣጥፊእዋ፡ ትብዓትና ኸነጥፍእ፡ ንየሆዋ ምግልጋል እውን ክንሓድጎ ንኽእል ኢና። ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ድያብሎስ ነታ ንእዮብ ዝነበረቶ ተስፋ ኼጥፍኣ፡ ንየሆዋ እውን ከም ዘየገልግል ኪገብሮ ጽዒሩ እዩ።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ (እዮብ 1:9-12)

4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰይጣን ንንጽህና እዮብ ንምብልሻው እንታይ ስልትታት ከም እተጠቕመ ኽንምርምር ኢና። (እዮብ 1:9-12 ኣንብብ።) ካብ እዮብ እንታይ ከም እንምሃር፡ ኣምላኽ ከም ዜፍቅረናን ተስፋታቱ ኸም ዚፍጽምን ከኣ ስለምንታይ ክንዝክር ከም ዘሎና ኽንርኢ ኢና።

ሰይጣን ንእዮብ ተስፋ ኬቝርጾ ፈቲኑ

5-6. እዮብ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ እንታይ መከራ እዩ ኣጋጢምዎ፧

5 እዮብ ጽቡቕ ህይወት እዩ ነይርዎ። ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ነይርዎ፣ ሓድነት ዘለዎ ዓብዪ ስድራ ቤት ነይርዎ፣ ብዘይካዚ እውን፡ ኣዝዩ ሃብታም እዩ ነይሩ። (እዮ. 1:1-5) ብሓንቲ መዓልቲ ግና ዘለዎ ዅሉ ዳርጋ ስኢኑ። ፈለማ፡ ሃብቱ ጠፊኡ። (እዮ. 1:13-17) ድሕሪኡ፡ ኵሎም እቶም ዚፈትዎም ደቁ ሞይቶም። እዚ ዘስዓበሉ ሓዘን እሞ ሕሰብ! ወለዲ ሓደ ኻብ ደቆም ኪመውት ከሎ እኳ ብሓዘን ይድቈሱ እዮም። ስለዚ፡ እዮብን ሰበይቱን ዓሰርቲኦም ደቆም ከም ዝሞቱ ምስ ሰምዑ እተሰምዖም ስምባድን ሓዘንን ቅባጸትን እሞ ገምቶ! በዚ ምኽንያት እዚ እዩ እዮብ ኣብቲ ግዜ እቲ ብሓዘን ክዳኑ ቐዲዱ ኣብ ምድሪ እተደፍአ።—እዮ. 1:18-20

6 ሰይጣን ቀጺሉ ኣብ ልዕሊ ጥዕና እዮብ መጥቃዕቲ ፈነወ፣ ንእዮብ ክብሩ ቐንጢጡ እውን ኣዋረዶ። (እዮ. 2:6-8፣ 7:5) ኣብ ሓደ እዋን፡ እዮብ ኣብ ማሕበረ ሰቡ ኣዝዩ ሕፉር ሰብ እዩ ነይሩ። ሰባት ምኽሪ ደልዮም ይመጽዎ ነይሮም እዮም። (እዮ. 31:18) ድሕርዚ ግና ኪጐስይዎ ጀመሩ፣ ኣሕዋቱ፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ገላዉኡ የርሕቕዎ ነበሩ።—እዮ. 19:13, 14, 16

ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ንእዮብ ዘጋጠሞ ሓዘን ኪርድእዎ ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ) d

7. (ሀ) እዮብ ጠንቂ መከራኡ እንታይ ከም ዝዀነ እዩ ዚኣምን ነይሩ፧ ግናኸ እንታይ እዩ ዘይገበረ፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ዚርአ ዘሎ ዓይነት ፈተና ብኸመይ ኬጋጥሞ ይኽእል፧

7 ሰይጣን ንእዮብ፡ ሞገስ የሆዋ ብምስኣኑ መከራ ይወርዶ ኸም ዘሎ እዩ ኼእምኖ ዚደሊ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቶም ዓሰርተ ደቂ እዮብ ብሓባር እናበልዑ ኸለው፡ ብርቱዕ ንፋስ ኣምጺኡ እዩ ነታ ቤት ኣብ ልዕሊኦም ዘውደቓ። (እዮ. 1:18, 19) ሓዊ ኻብ ሰማይ ከም ዚወርድ ብምግባር እውን ነተን መጓሰን ነቶም ገላዉን ኣጥፍኦም። (እዮ. 1:16) እቲ ንፋስን እቲ ሓውን ካብ ልዕለ ባህርያዊ ምንጪ ዝመጸ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ እዮብ፡ እቲ ሓይልታት ካብ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝመንጨወ ገይሩ ደምደመ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንየሆዋ ኸም ዘጕሃዮ ኣመነ። ይኹን እምበር፡ እዮብ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣይረገመን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንነዊሕ ዓመታት ካብ የሆዋ ጽቡቕ ከም እተቐበለ ተኣመነ። ስለዚ ድማ ተሓጕሱ ጽቡቕ ካብ ተቐበለ፡ ክፉእ ንምቕባል እውን ድሉው ኪኸውን ከም ዘለዎ ሓሰበ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ “ስም የሆዋ ይወደስ” በለ። (እዮ. 1:20, 21፣ 2:10) ክሳዕ እዚ ደረጃ እዚ፡ ኣብ ልዕሊ እዮብ ከቢድ ገንዘባውን ስምዒታውን ኣካላውን ጸገማት ወሪዱ እዩ። ሰይጣን ግና ኣብዚ ኣየብቅዐን።

8. ሰይጣን ቀጺሉ ንእዮብ ንምጕዳእ እንታይ ስልቲ እዩ ተጠቒሙ፧

8 ሰይጣን ንእዮብ ንምጕዳእ ካልእ ስልቲ እውን ተጠቒሙ እዩ። በቶም ሰለስተ ናይ ሓሶት ኣዕሩኹ ገይሩ ኸም ዘይረብሕ ኰይኑ ኸም ዚስምዖ ኺገብሮ ጽዒሩ እዩ። እቶም ሰባት እቲኦም ከኣ ንእዮብ፡ ብሰንኪ እቲ ብዙሕ ኣበሳኡ መከራ ይወርዶ ኸም ዘሎ ተማጐትዎ። (እዮ. 22:5-9) ገባር ክፉእ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንኣምላኽ ባህ ንምባል ዚግበር ዚዀነ ይኹን ጻዕሪ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ኼእምንዎ እውን ጸዓሩ። (እዮ. 4:18፣ 22:2, 3፣ 25:4) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣምላኽ ዜፍቅሮን ዚሓልየሉን እንተ ዀይኑ፡ ንዕኡ ምግልጋል እውን ዋጋ ዘለዎ እንተ ዀይኑ እዮም ጥርጣረ ዚዘርኡሉ ነይሮም። እዚ ቓላቶም ንእዮብ ተስፋ ኬቝርጾ ምኸኣለ ነይሩ።

9. እዮብ ተባዕን ብርቱዕን ኪኸውን ዚሓገዞ እንታይ እዩ፧

9 ነቲ ዅነታት እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ። እዮብ ኣብ ሓምዅሽቲ ተቐሚጡ ብቐጻሊ ይቕንዞ ነበረ። (እዮ. 2:8) እቶም ብጾቱ ኸኣ ብዘይ ንሕስያ ይነቕፍዎን ንስሙ ኼጸልሙ ይጽዕሩን ነበሩ። ፈተናታቱ ኸም ከበድቲ ኣእማን ጾር ኰይንዎ ነበረ። ደቁ ብሙማቶም ዘጋጠሞ ሓዘን እውን ንልቡ ሰይርዎ ነበረ። ኣብ ፈለማ እዮብ ኣይተዛረበን። (እዮ. 2:13–3:1) እቶም ብጾቱ ነቲ ስቕታኡ ንፈጣሪኡ ዝባኑ ኸም ዝሃቦ ዜርኢ ምልክት ገይሮም እንተ ተርጒሞምዎ፡ ዓብዪ ጌጋ እዮም ተጋግዮም። ስለምንታይሲ፡ ሓደ እዋን፡ ምናልባት ቅንዕ ኢሉ ነቶም ናይ ሓሶት ኣዕሩኹ እናጠመቶም እዩ ዚኸውን፡ “ክሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (እዮ. 27:5) እዮብ እዚ ዅሉ መከራ እናወረዶ ኽነሱ ኣዝዩ ተባዕን ብርቱዕን ኪኸውን ዚሓገዞ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ዝኸፍአ ደረጃ ዝነበረሉ እዋን እኳ እቲ ፈቃር ኣምላኹ ኣብ መወዳእታ እፎይታ ኸም ዘምጽኣሉ ተስፋ ኣይቈረጸን። ዋላ እኳ እንተ ሞተ፡ የሆዋ ኸም ዜተንስኦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—እዮ. 14:13-15

ንእዮብ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

10. ካብ ዛንታ እዮብ እንታይ ንምሃር፧

10 ዛንታ እዮብ፡ ሰይጣን ብግዲ ንየሆዋ ከም እንሓድጎ ኺገብር ከም ዘይክእልን የሆዋ ንዅሉ ዅነታት ከም ዚፈልጦን ይምህረና። ካብቲ ንእዮብ ዘጋጠሞ ተመክሮ ብዛዕባ እቲ ዚልዓል ጕዳያት ዝሓሸ ግንዛበ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ገለ ኻብቲ ኻብ እዮብ እንምሃሮ ትምህርትታት እስከ ንርአ።

11. ወትሩ ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና፡ እንታይ ፍረ ኸም እንረክብ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ (ያእቆብ 4:7)

11 ወትሩ ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና፡ ዝዀነ ዓይነት ፈተና ኽንጻወርን ንሰይጣን ክንጻረሮን ከም እንኽእል እዮብ ኣርእዩ እዩ። እዚኸ እንታይ እዩ ዜፍሪ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ድያብሎስ ካባና ኸም ዚሃድም የረጋግጸልና እዩ።ያእቆብ 4:7 ኣንብብ።

12. ብኸመይ እዩ ተስፋ ትንሳኤ ንእዮብ ዘበርትዖ፧

12 ንተስፋ ትንሳኤ ኣጽኒዕና ኽንሕዞ ኣሎና። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተጠቕሰ፡ ሰይጣን ንንጽህናና ንምብልሻው ብዙሕ ግዜ ፍርሂ ሞት ይጥቀም እዩ። ሰይጣን ንእዮብ ህይወቱ ኼድሕን ኢሉ ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዚገብር፡ ዋላ እውን ኣብ ንጽህናኡ ኸም ዚለማለም ከሲስዎ እዩ። እዚ ጌጋ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሞቱ ዘይተርፍ ዚመስለሉ ዝነበረ ጸልማት እዋን እኳ፡ እዮብ ኣይተለማለመን። ኣብ ሕያውነት የሆዋ ዘለዎ እምነትን የሆዋ ውዒሉ ሓዲሩ ነቲ ዅነታት ከም ዜዐርዮ ዝነበሮ ሓያል ተስፋን ኪጸንዕ ሓጊዝዎ እዩ። እዮብ ብህይወት ከሎ የሆዋ ነቲ ዅነታት እኳ እንተ ዘየዐረዮ፡ ኣብ መጻኢ ኸም ዜተንስኦ እምነት ነይርዎ እዩ። ንተስፋ ትንሳኤ ኸም ናይ ሓቂ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ንሕና እውን ነቲ ተስፋ እቲ ኸም ናይ ሓቂ ጌርና እንተ ርኢናዮ፡ ዋላ እውን ፍርሂ ሞት ንንጽህናና ኸም እነበላሹ ኣይገብረናን እዩ።

13. ነቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እዮብ እተጠቕመሉ ስልትታት ከነቕልበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ሎሚ እውን ሰይጣን ኣብ ልዕሌና ተመሳሳሊ ሜላታት ስለ ዚጥቀም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዮብ እተጠቕመሉ ስልትታት ከነቕልበሉ ኣሎና። ሰይጣን ኣብቲ ዘቕረቦ ኽሲ፡ እዮብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ” ከም ዝበለ ኣይንረስዕ። (እዮ. 2:4, 5) ብኻልእ ኣበሃህላ ሰይጣን፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዘይነፍቅሮ፡ ምእንቲ ህይወትና ኢልና ኸኣ ዝባንና ኸም እንህቦ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ብዘይካዚ እውን ሰይጣን ኣምላኽ ከም ዘየፍቅረናን ነቲ ንዕኡ ባህ ንምባል እንገብሮ ጻዕርታት ከም ዘየስተብህለሉን ይማጐት እዩ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኻብ ተዋህበና፡ ብየሆዋ ተስፋ ስለ እንገብር፡ ብስልትታት ሰይጣን ኣይንዕሾን ኢና።

14. ፈተናታት ብዛዕባ ርእስና እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧ ኣብነት ሃብ።

14 ንዜጋጥመና ፈተናታት፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኽንፈልጥ ዜኽእለና ኣጋጣሚ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። እዮብ ሳላ እቲ ዘጋጠሞ ፈተናታት፡ ገሊኡ ድኽመታቱ ኼለልን ኪእርምን ክኢሉ እዩ። ንኣብነት፡ ዝያዳ ትሕትና ኼማዕብል ከም ዜድልዮ ፈሊጡ እዩ። (እዮ. 42:3) ንሕና እውን ኣብ ትሕቲ ፈተና ኽንከውን ከለና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ብዝያዳ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ኒኮላይ c ዝስሙ ሓው ከቢድ ጸገማት ጥዕና እናሃለዎ ኽነሱ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ። እንተዀነ ግና፡ “ቤት ማእሰርቲ ኸምቲ ንውሽጣዊ ባህርያት ክርስትያን ዜርኢ ራጂ እዩ” ይብል። ድኽመታትና ምስ ኣለለና ኸኣ፡ ክንእርሞ ንኽእል ኢና።

15. ንመን ኢና ኽንሰምዕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

15 ንጸላእትና ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኢና ኽንሰምዖ ዘሎና። እዮብ ናብቲ የሆዋ ዚዛረቦ ዘረባ እዩ ኣቕሊቡ። ኣምላኽ ድማ ንእዮብ፡ ‘ነቲ ንምፍጣር እተጠቐምኩሉ ሓይሊዶ ርኢኻዮ፧ ንዅሉ እቲ ዘጋጠመካ ነገር እፈልጦ እየ። ንዓኻ ምክንኻን ዚስኣነኒዶ ይመስለካ፧’ ዚብል መልእኽቲ ዘለዎ ዘረባ እዩ ተዛሪብዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ እዮብ ካብቲ ንሕያውነት የሆዋ ዘለዎ ዓሚቝ ሞሳ ተላዒሉ ብትሕትና መለሰ። “ኣእዛነይ ብዛዕባኻ ሰሚዐን ነይረን፣ ሕጂ ግና ብኣዒንተይ ርእየካ” ኢሉ እውን ተዛረበ። (እዮ. 42:5) እዮብ ምናልባት ገና ኣብ ሓምዅሽቲ ምስ ቍስሉ ኸሎ፡ ደቁ እውን ገና ኣብ መቓብር ከለዉ እዩ ነዚ ቓላት እዚ ተዛሪቡ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንእዮብ ፍቕሩን ሞገሱን ኣረጋገጸሉ።—እዮ. 42:7, 8

16. ብመሰረት ኢሳይያስ 49:15, 16፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

16 ሎሚ እውን ሰባት ይጸርፉናን ከም ዘይንረብሕ ገይሮም ይገፍዑናን ይዀኑ። ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኰነ ብደረጃ ውድብ ንስምና ኼጸልሙ ይፍትኑ፡ ‘ክፉእ ዘበለ እውን ብሓሶት ይዛረቡልና’ ይዀኑ። (ማቴ. 5:11) ካብ ዛንታ እዮብ ከም እተምሃርናዮ፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ የሆዋ ንዕኡ እሙናት ከም እንኸውን ይተኣማመነልና እዩ። የሆዋ የፍቅረና እዩ፡ ነቶም ኣብኡ ተስፋ ዚገብሩ እውን ከቶ ኣይሓድጎምን እዩ። (ኢሳይያስ 49:15, 16 ኣንብብ።) እምበኣር ኣብቲ ጸላእቲ ኣምላኽ ዚዛረብዎ ንስምና ዜጸልም ቃላት ኣይነቕልብ። ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤቱ ኸቢድ ፈተናታት ዝወረዶ ኣብ ቱርኪ ዚነብር ጄምስ ዝስሙ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽ ንዚውረ ሓሶት ምስማዕ ተስፋ ዜቝርጽ ከም ዝዀነ ርኢና ኢና። ስለዚ ኣብ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣተኵርና፡ ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ከኣ ንጡፋት ኴንና። በዚ ኸምዚ ድማ ሓጐስና ኽንሕሉ ኽኢልና።” ንሕና እውን ከም እዮብ ንየሆዋ ኢና እንሰምዕ። እቲ ጸላእትና ዜውርይዎ ሓሶት ንተስፋና ኣየቕህማን እዩ።

ተስፋኻ ኸተጽንዓካ እያ

እዮብ ስለቲ ንጽህናኡ ተባሪኹ እዩ። ንሱን ሰበይቱን ንነዊሕ ዓመታት በረኸት የሆዋ ኣስተማቒሮም እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ) e

17. ካብቲ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 እተጠቕሱ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ዝሓደግዎ ኣብነት እንታይ ትምሃር፧

17 እዮብ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ፈተና ተባዓትን ብርቱዓትን ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋ ሓደ ጥራይ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ብዙሓት ካልኦት ከም ዘለዉ ንምሕባር፡ “ክንድዚ ዚኣኽሉ ደበና መሰኻኽር” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። (እብ. 12:1) ኵላቶም ከቢድ ፈተናታት ኣሕሊፎም እዮም፣ ንየሆዋ እሙናት ብምዃን ግና ዜደንቕ ስም ኣጥርዮም እዮም። (እብ. 11:36-40) እሞኸ እቲ ተጻዋርነቶምን ጻዕሮምን ከንቱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን! ብህይወት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኪፍጸም እኳ እንተ ዘይረኣዩ፡ ብየሆዋ ተስፋ ኻብ ምግባር ግና ኣየቋረጹን። ብየሆዋ ተቐባልነት ከም ዝረኸቡ ርግጸኛታት ስለ ዝዀኑ ኸኣ፡ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኣብ መጻኢ ኺፍጸም ከም ዚርእዩ እምንቶ ነይርዎም እዩ። (እብ. 11:4, 5) እቲ ኣብነቶም ነቲ ወትሩ ብየሆዋ ተስፋ ኽንገብር ዘሎና ቘራጽነት ኬደልድለልና ይኽእል እዩ።

18. እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧ (እብራውያን 11:6)

18 ሎሚ ናብ ዝገደደ ኽፍኣት ኣብ እትጐዓዝ ዘላ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞ. 3:13) እቲ ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ዜምጽኣሎም ፈተናታት መወዳእታ የብሉን። ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብድሆታት ብዘየገድስ ግና፡ “ተስፋና ኣብቲ . . . ህያው ኣምላኽ” ብምግባር፡ ምእንቲ የሆዋ ንምጽዓር ቈራጽነት ንግበር። (1 ጢሞ. 4:10) እቲ ኣምላኽ ንእዮብ ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉ ነገር፡ “የሆዋ ኣዝዩ ፈቃርን መሓርን” ምዃኑ ኸም ዜርኢ ኣይንረስዕ። (ያእ. 5:11) እምበኣር፡ የሆዋ “ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ” ዓስቢ ኸም ዚህቦም ርግጸኛታት ብምዃን፡ ንዕኡ እሙናት ንኹን።እብራውያን 11:6 ኣንብብ።

መዝሙር 150 ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ

a ብዙሕ መከራ ብዛዕባ ዘሕለፈ ሰብ ክንሓስብ ከለና፡ መብዛሕትና ንእዮብ ኢና እንዝክር። ካብ ተመክሮ እቲ እሙን ሰብ እንታይ ንምሃር፧ ሰይጣን ንየሆዋ ኸም እንሓድጎ ኺገብረና ኸም ዘይክእል ንምሃር ኢና። የሆዋ ንዅሉ ዅነታት ከም ዚፈልጦ እውን ንምሃር ኢና። ከምቲ የሆዋ ንዅሉ ፈተናታት እዮብ መወዳእታ ዝገበረሉ፡ ሓደ መዓልቲ ንዅሉ መከራና መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። ነዚ ሓቅታት እዚ ምሉእ ብምሉእ ከም እንኣምነሉ ብግብሪ እንተ ኣርኢና፡ ብሓቂ ‘ብየሆዋ ተስፋ ንገብር’ ኢና ማለት እዩ።

b መግለጺ ቓላት፦ እታ “ተስፋ” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ብመሰረቱ ንሓደ ነገር ብህንጥዮት ምጽባይ ተመልክት። እምንቶ ወይ ትውክልቲ ምግባር ዚብል ሓሳብ እውን ተመሓላልፍ እያ።—መዝ. 25:2, 3፣ 62:5

c ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

d መግለጺ ስእሊ፦ እዮብን ሰበይቱን ብሞት ደቆም ይሓዝኑ።

e መግለጺ ስእሊ፦ እዮብ ክሳዕ መወዳእታ ፈተናታቱ ይጸንዕ። ንሱን ሰበይቱን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓታቶምን ንስድራ ቤቶምን ዝባረኾም በረኸት የስተንትኑ።