ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ ምስ ተወልደ፡ ዮሴፍን ማርያምን ናብ ናዝሬት ኣብ ክንዲ ዚምለሱ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ዝጸንሑ ስለምንታይ እዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣይነግረናን እዩ። ኣብቲ ውሳነኦም ጽልዋ ገይሩ ኪኸውን ዚኽእል ኣገዳሲ ዝርዝር ሓሳባት ግና ይህበና እዩ።

ሓደ መልኣኽ ንማርያም፡ ከም እትጠንስን ውሉድ ከም እትወልድን ነገራ። እቲ መልኣኽ ነዚ መልእኽቲ ኣብ ዘብጽሓሉ እዋን፡ ማርያምን ዮሴፍን ኣብታ ናዝሬት እትብሃል ኣብ ገሊላ እትርከብ ከተማ እዮም ነይሮም። (ሉቃ. 1:26-31፣ 2:4) ጸኒሖም ካብ ግብጺ ምስ ተመልሱ፡ ናብ ናዝሬት ተመሊሶም ከይዶም እዮም። የሱስ ኣብታ ኸተማ እቲኣ እዩ ዓብዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ናዝሬታዊ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ማቴ. 2:19-23) ስለዚ፡ ሰለስቲኦም፡ ማለት የሱስን ዮሴፍን ማርያምን ኪጥቀሱ ኸለዉ፡ ንናዝሬት ኢና እንዝክር።

ማርያም ኣብ ይሁዳ እትነብር ኤልሳቤጥ እትብሃል ዘመድ ነበረታ። ኤልሳቤጥ ሰበይቲ ኻህን ዘካርያስን ኣደ ዮሃንስ መጥምቕን እያ። (ሉቃ. 1:5, 9, 13, 36) ኣብ ሓደ እዋን፡ ማርያም ንኤልሳቤጥ ክትበጽሓ ኸደት፣ ኣብ ይሁዳ ድማ ሰለስተ ወርሒ ጸንሐት። ድሕሪኡ፡ ናብ ናዝሬት ተመልሰት። (ሉቃ. 1:39, 40, 56) ስለዚ፡ ማርያም ብዛዕባ ይሁዳ ፍልጠት ነይርዋ እዩ ኽንብል ንኽእል ኢና።

ድሕርዚ፡ ዮሴፍ ነቲ “ዅሉ ኺምዝገብ” ዝወጸ ትእዛዝ ብምሕላው፡ ካብ ናዝሬት ናብ ቤት-ልሄም ከደ። ቤት-ልሄም “ከተማ ዳዊት” እያ ነይራ፣ መሲሕ ኣብኣ ኸም ዚውለድ እውን ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 2:3, 4፣ 1 ሳሙ. 17:15፣ 20:6፣ ሚክ. 5:2) ማርያም ንየሱስ ምስ ወለደቶ፡ ነቲ ዕሸል ሒዛ ናብ ናዝሬት ነዊሕ ጕዕዞ ኽትገብር ዮሴፍ ትጽቢት ኣይገበረላን። ስለዚ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ጸንሑ፣ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ካብ የሩሳሌም ኣስታት ትሽዓተ ኪሎ ሜተር ጥራይ እያ እትርሕቕ ነይራ። ስለዚ፡ ነቲ ዕሸል ናብ ቤተ መቕደስ ንምውሳድን ግቡእ መስዋእቲ ንምቕራብን ኣብ ዚጥዕም ቦታ እዮም ነይሮም።—ዘሌ. 12:2, 6-8፣ ሉቃ. 2:22-24

መልኣኽ ኣምላኽ ንማርያም፡ ወዳ ‘ዝፋን ዳዊት’ ከም ዚወርስን ከም ‘ዚነግስን’ ሓቢርዋ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ዮሴፍን ማርያምን ልደት የሱስ ኣብ ከተማ ዳዊት ምዃኑ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ገይሮም ሓሲቦም ደዀን ይዀኑ፧ (ሉቃ. 1:32, 33፣ 2:11, 17) ድሕሪኡ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነ ኽሳዕ ዚፈልጡ ኣብታ ኸተማ ምጽናሕ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ገሊኦም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ናብ ቤት-ልሄም ኣብ ዝመጹሉ እዋን፡ እቶም ስድራ ኣብኡ ኽንደይ ከም ዝጸንሑ ኣይንፈልጥን ኢና። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ቤት እዮም ዚነብሩ ነይሮም፣ እቲ ውላዶም ከኣ ገና ዕሸል ዘይኰነስ፡ ቍሩብ ዝዓዀዀ ሕጻን እዩ ዀይኑ ነይሩ። (ማቴ. 2:11) ስለዚ፡ ናብ ናዝሬት ኣብ ክንዲ ዚምለሱ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሑ እዩ ዚመስል።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሄሮድስ “ኣብ ቤት-ልሄም . . . ንዝጸንሑ፡ ደቂ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዘበሉ ዅሎም ኣወዳት” ኪቕተሉ ኣዘዘ። (ማቴ. 2:16) ዮሴፍን ማርያምን ብዛዕባ እዚ ኣዋጅ እዚ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ምስ መጾም፡ ንየሱስ ሒዞም ናብ ግብጺ ሃደሙ፣ ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ድማ ኣብኡ ጸንሑ። ድሕሪኡ ግና ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ሒዙ ናብ ናዝሬት ከደ። እሞ ደኣ ስለምንታይ እዮም ናብ ቤት-ልሄም ዘይተመልሱ፧ ካብቲ ኣብ ይሁዳ ዝነገሰ ኣርኬላዎስ ዚብሃል ጨቋኒ ወዲ ሄሮድስ ንምምላጥን ንዮሴፍ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ስለ ዝነበረን እዮም ከምኡ ገይሮም። ኣብ ናዝሬት ድማ ዮሴፍ ንየሱስ መገዲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እናመሃረ ብሰላም ኬዕብዮ ይኽእል ነበረ።—ማቴ. 2:19-22፣ 13:55፣ ሉቃ. 2:39, 52

የሱስ ንሰማያዊ ህይወት መገዲ ቕድሚ ምኽፋቱ፡ ዮሴፍ ሞይቱ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ዮሴፍ ኣብ ምድሪ ኺትንስእ እዩ። ሽዑ ምስ ረኸብናዮ ድማ፡ ንሱን ማርያምን ድሕሪ ልደት የሱስ ስለምንታይ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዝጸንሑ ብዝርዝር ኪነግረና እዩ።