ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 26

ንመዓልቲ የሆዋ ድሉው ኩን

ንመዓልቲ የሆዋ ድሉው ኩን

“መዓልቲ የሆዋ ኸምቲ ሰራቒ ብለይቲ ዚመጾ ዀይና ኸም እትመጽእ . . . ትፈልጡ ኢኹም።”—1 ተሰ. 5:2

መዝሙር 143 ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት

መላለዪ a

1. በታ መዓልቲ የሆዋ ንምድሓን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “መዓልቲ የሆዋ” ኺዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንጸላእቱ ዚፈርደሉን ንህዝቡ ዜድሕነሉን እዋን እዩ ዜመልክት። ኣብ ሕሉፍ ግዜያት፡ የሆዋ ንኣህዛብ ዝፈረደሉ እዋናት ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 13:1, 6፣ ህዝ. 13:5፣ ጸፎ. 1:8) ኣብዚ ግዜና ኸኣ፡ “መዓልቲ የሆዋ” በቲ ኣብ ዓባይ ባቢሎን ዚፍኖ መጥቃዕቲ ተጀሚሩ ብውግእ ኣርማጌዶን እዩ ዚዛዘም። በታ “መዓልቲ” እቲኣ ንምድሓን፡ ካብ ሕጂ ኽንዳሎ ኣሎና። የሱስ ነቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኽንዳሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወትሩ ‘ድሉዋት ኴንና’ ኽንጸንሕ እዩ ምሂሩ።—ማቴ. 24:21፣ ሉቃ. 12:40

2. ካብ 1 ተሰሎንቄ ኽንጥቀም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ብመንፈስ ተደሪኹ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቱ፡ ንክርስትያናት በታ የሆዋ ዚፈርደላ ዓባይ መዓልቲ ድሉዋት ኰይኖም ኪጸንሑ ንምሕጋዝ፡ ሓያሎ ምሳሌታት ተጠቒሙ እዩ። ጳውሎስ፡ መዓልቲ የሆዋ ሽዑ ኸም ዘይትመጽእ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (2 ተሰ. 2:1-3) ኰይኑ ግና፡ ኣሕዋቱ ነታ መዓልቲ እቲኣ ጽባሕ ከም እትመጽእ ገይሮም ኪዳለዉ ተማሕጺንዎም እዩ፣ ንሕና እውን ነቲ ምኽሩ ኽንትግብሮ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ነጥብታት ዝሃቦ መግለጺ እስከ ንመርምር፦ (1) መዓልቲ የሆዋ ብኸመይ እያ እትመጽእ፧ (2) በታ መዓልቲ እቲኣ መን እዮም ዘይድሕኑ፧ (3) ንድሕነት ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧

መዓልቲ የሆዋ ብኸመይ እያ እትመጽእ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ንዓና ኺጠቕመና ዚኽእል ምሳሌታት ተጠቒሙ ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)

3. መዓልቲ የሆዋ ኸምቲ ሰራቒ ብለይቲ ዚመጾ ዀይና እትመጽእ ብኸመይ እያ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

3 “ከምቲ ሰራቒ ብለይቲ ዚመጾ ዀይና።” (1 ተሰ. 5:2) ካብቲ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ መዓልቲ የሆዋ ዚገልጽ ሰለስተ ምሳሌታት፡ እዚ እቲ ናይ መጀመርታ እዩ። ሰረቕቲ ኣዳህሊሎም ምእንቲ ኺሰርቁ ኢሎም መብዛሕትኡ ግዜ ጸልማት ተጐልቢቦም ብቕልጡፍ እዮም ስራሖም ዚሰርሑ። መዓልቲ የሆዋ እውን ንመብዛሕትኦም ሰባት ብድንገት ክትመጾም እያ። ዋላ እውን ንናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ እቲ ብቕልጡፍ ዚለዋወጥ ኵነታት ሃንደበታዊ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ሽዑ እኩያት ኪጠፍኡ ኸለዉ፡ ንሕና ኣይክንጠፍእን ኢና።

4. መዓልቲ የሆዋ ኸም ቅልውላው ሕርሲ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

4 “ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ።” (1 ተሰ. 5:3) ሓንቲ ጥንስቲ ኣደ፡ ጻዕሪ ሕርሲ ብልክዕ መዓስ ከም ዚጅምራ ኣይትፈልጥን እያ። ምምጻኡ ኸም ዘይተርፎ ግና ትፈልጥ እያ። ጻዕሪ ሕርሲ ኸኣ ሃንደበታውን ዜቐንዙን ክትዓግቶ ዘይከኣልን እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ መዓልቲ የሆዋ መዓስ ከም እትጅምር መዓልታን ሰዓታን ኣይንፈልጣን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ከም እትመጽእ ርግጸኛታት ኢና። ኣምላኽ ድማ ንእኩያት ብሃንደበት እዩ ዚፈርዶም፣ ካብኡ እውን ኣይኬምልጡን እዮም።

5. እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ወጋሕታ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

5 ከም ወጋሕታ። ጳውሎስ ኣብ ሳልሳይ ምሳሌኡ መሊሱ ብለይቲ ንዚሰርቁ ሰረቕቲ ጠቒስዎም ኣሎ። ኣብዚ ግና፡ ንመዓልቲ የሆዋ ምስ ወጋሕታ እዩ ኣመሳሲልዋ። (1 ተሰ. 5:4) ብለይቲ ዚመጹ ሰረቕቲ ኸይተረድኦም ግዜ ኺሓልፍ ይኽእል እዩ። ወጋሕታ ምስ ኣርከቦም ከኣ ኪቃልዑ ይኽእሉ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ነቶም ከም ሰረቕቲ ኣብቲ ንኣምላኽ ባህ ዘየብል ተግባራት ብምስታፍ ኣብ ጸልማት ዝጸንሑ ሰባት የቃልዖም እዩ። ንሕና ግና ነቲ ንየሆዋ ባህ ዘየብል ኣካይዳ ብምንጻግ፡ “ኵሉ ሰናይን ጽድቅን ሓቅን” ድማ ብምስዓብ ድሉዋት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 5:8-12) ጳውሎስ ቀጺሉ ነቶም ዘይድሕኑ ንምግላጽ ክልተ ንሓድሕዱ ዚዛመድ ምሳሌታት ተጠቒሙ ኣሎ።

በታ መዓልቲ እቲኣ መን እዮም ዘይድሕኑ፧

6. ብምንታይ መዳይ እዮም መብዛሕትኦም ሰባት ደቂሶም ዘለዉ፧ (1 ተሰሎንቄ 5:6, 7)

6 “እቶም ዚድቅሱ።” (1 ተሰሎንቄ 5:6, 7 ኣንብብ።) ጳውሎስ ነቶም በታ መዓልቲ የሆዋ ዘይድሕኑ ሰባት ምስ ዚድቅሱ ሰባት ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ዝደቀሱ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኦም ዚኸውን ነገራት ወይ ብዛዕባ ምሕላፍ ግዜ ኣይፈልጡን እዮም። ነቲ ኣገዳሲ ምዕባለታት ስለ ዘየስተውዕልዎ እውን፡ ዋላ ሓንቲ ስጕምትታት ኣይወስዱን እዮም። ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ደቂሶም እዮም ዘለዉ። (ሮሜ 11:8) ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለናን እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸም ዚመጽእን ኣይኣምኑን እዮም። ኣብ ዓለም ዓበይቲ ለውጥታት ኬጋጥም ከሎ፡ ካብ መንፈሳዊ ድቃሶም ንእተወሰነ ግዜ ተበራቢሮም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ቍሩብ ተገዳስነት የርእዩ ይዀኑ። ብዙሓት ካባታቶም ግና፡ ድሕሪኡ ነቒሖም ኣብ ክንዲ ዚቕጽሉ፡ ናብ ድቃሶም እዮም ዚምለሱ። ገሊኦም መዓልቲ ፍርዲ ኸም እትመጽእ ዚኣምኑ ሰባት ከኣ፡ ገና ኸም ዝዀነት እዮም ዚሓስቡ። (2 ጴጥ. 3:3, 4) ይኹን እምበር፡ ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን፡ እቲ ኽንነቅሕ እተዋህበና ምኽሪ ኣዝዩ ህጹጽ እዩ ዚኸውን ዘሎ።

7. እቶም ቍጥዓ ኣምላኽ ዚጽበዮም ሰባት ከም ዝሰኸሩ ሰባት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

7 “እቶም ዚሰኽሩ።” ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ቍጥዓ ኣምላኽ ዚጽበዮም ሰባት ምስ ዚሰኽሩ ሰባት ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ዝሰኸሩ ሰባት ኣብ ከባቢኦም ንዚኸውን ነገራት ብቕልጡፍ ስለ ዘየስተውዕልዎ፡ ሕማቕ ውሳነታት እዮም ዚገብሩ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ እኩያት ንመጠንቀቕታ ኣምላኽ ቅልጡፍ ምላሽ ኣይህቡን እዮም። የግዳስ፡ ናብ ጥፍኣት ዚመርሕ መገዲ እዮም ዚመርጹ። ክርስትያናት ግና፡ ቀልቦም ኪሕልዉ፡ ማለት ብንጹር ኪሓስቡ እዩ ምኽሪ ተዋሂብዎም ዘሎ። (1 ተሰ. 5:6) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ ቀልብና ምሕላው ኪብሃል ከሎ፡ “ንነገራት ብቕኑዕ ዚመዝንን ዚግምግምን ህዱእ ወይ ርጉእ ኵነት ኣእምሮ ዀይኑ፡ ቅኑዕ ውሳነ ኽንገብር የኽእለና” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። እሞ ደኣ ስለምንታይ ኢና ኽንሃድእን ክንረጋጋእን ዘሎና፧ በዚ ናይዚ ግዜና ፖለቲካዊ ወይ ማሕበራዊ ጕዳያት ምእንቲ ኸይንጥለፍ ኢና ኸምኡ ኽንገብር ዘሎና። መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ብዝኸደት መጠን፡ ኣብዚ ጕዳያት እዚ ወገን ክንሕዝ ዚወርደና ጸቕጢ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እንታይ ኢልና ኸም እንምልስ ክንጭነቕ የብልናን። ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ፡ ህዱእን ርጉእን ኣእምሮ ኺህልወና፡ ጥበባዊ ውሳነ እውን ክንገብር ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 12:11, 12

ንመዓልቲ የሆዋ ንምድላው እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ብዙሓት ሰባት ዘይዓጅቦም እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሕና ግና ድርዒ እምነትን ፍቕርን ብምልባስ፡ ተስፋ እውን ከም ቍራዕ ርእሲ ብምግባር፡ ንመዓልቲ የሆዋ ድሉዋት ኴንና ንጽበያ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 8, 12 ርአ)

8. ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:8 ተጠቒሱ ዘሎ ባህርያት፡ ክንነቅሕን ቀልብና ኽንሕሉን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

8 “ድርዒ . . . ለቢስና፡ . . . ቍራዕ ርእሲ [እውን] ጌርና።” ጳውሎስ ቀጺሉ ንዂናት ምስ እተዳለዉ ንቑሓት ወተሃደራት ኣመሳሲሉና ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:8 ኣንብብ።) ሓደ ወተሃደር ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንዂናት ድሉው ኪኸውን እዩ ትጽቢት ዚግበረሉ። ናትና ዅነታት እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ንመዓልቲ የሆዋ ድሉዋት ኴንና ምእንቲ ኽንጽበያ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን ክንለብስ፡ ተስፋ እውን ከም ቍራዕ ርእሲ ኽንገብር ኣሎና። እዚ ባህርያት እዚ ኣጸቢቑ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

9. ብኸመይ እያ እምነት እተዕቍበና፧

9 ድርዒ ንልቢ ወተሃደር ካብ ጕድኣት ዜዕቍብ ነገር እዩ ነይሩ። እምነትን ፍቕርን ከኣ ንምሳልያዊ ልብና ይሕልዎ እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ብቐጻሊ ንኣምላኽ ከነገልግሎን ንየሱስ ክንስዕቦን ይሕግዘና እዩ። እምነት፡ የሆዋ ነቶም ብምሉእ ልብና እንደልዮ ዓስብና ኸም ዚህበና ተረጋግጸልና። (እብ. 11:6) ዋላ እውን ጸገማት እናተጻወርና፡ ነቲ መራሒና ዝዀነ የሱስ እሙናት ክንከውን ትድርኸና። ኣብነት እቶም ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ ወይ ቍጠባዊ ጸገማት እናሃለዉ ኽነሶም ንጽህናኦም ዝሓለዉ ውልቀ ሰባት ብምስዓብ፡ እምነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና። ኣስኣሰር እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ኬቐድሙ ኢሎም ህይወቶም ዘቕለሉ ሰባት ብምስዓብ ከኣ፡ ካብ መፈንጠራ ፍቕረ ንዋይ ከነምልጥ ንኽእል ኢና። b

10. ንኣምላኽን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ እያ ኽንጸንዕ እትሕግዘና፧

10 ብዘይካዚ፡ ፍቕሪ እንተ ኣልዩና፡ ክንነቅሕን ቀልብና ኽንሕሉን ንኽእል ኢና። (ማቴ. 22:37-39) እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ዜጋጥመና ጸገማት ብዘየገድስ፡ ጸኒዕና ኽንሰብኽ ትሕግዘና እያ። (2 ጢሞ. 1:7, 8) ነቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት እውን ስለ እነፍቅሮም፡ ዋላ እውን ብተሌፎን ኰነ ብደብዳበ ብቐጻሊ ንሰብኽን ንኽልና ንሽፍኖን ኢና። ሓደ መዓልቲ ሰባት ኪቕየሩን ቅኑዕ ኪገብሩን ከም ዚኽእሉ ደኣ ኢና እንኣምን እምበር፡ ተስፋ ኣይንቘርጽን ኢና።—ህዝ. 18:27, 28

11. ንክርስትያናት ብጾትና ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ትሕግዘና፧ (1 ተሰሎንቄ 5:11)

11 እታ ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ፡ ንክርስትያናት ብጾትና እውን ተጠቓልል እያ። ‘ንሓድሕድና ብምትብባዕን ብምትህንናጽን’ ፍቕርና ነርኢ ኢና። (1 ተሰሎንቄ 5:11 ኣንብብ።) ከምቶም ኣብ ኲናት ጐድኒ ንጐድኒ ዀይኖም ዚዋግኡ ወተሃደራት፡ ንሓድሕድና ንተባባዕ ኢና። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ጽዕጹዕ ውግእ፡ ሓደ ወተሃደር ንብጻዩ ብዘይፍላጥ የቝስሎ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ደይ መደይ ኢሉ ኸምኡ ኣይገብርን እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብፍላጥ ኣይንጐድኦምን ኢና፡ ወይ ከኣ ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይንፈድን ኢና። (1 ተሰ. 5:13, 15) ነቶም ኣብ ጉባኤ ዚመርሑና ኣሕዋት ብምኽባር እውን ፍቕርና ነርኢ ኢና። (1 ተሰ. 5:12) ጳውሎስ ነዛ መልእኽቱ ኺጽሕፋ ኸሎ፡ ጉባኤ ተሰሎንቄ ኻብ እትቐውም ትሕቲ ዓመት እያ ገይራ ነይራ። እቶም ኣብኣ እተሸሙ ሰብኡት ብዙሕ ተመክሮ ኣይነበሮምን፣ ምናልባት እውን ጌጋታት ገይሮም ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ኣኽብሮት ይግብኦም ነይሩ እዩ። እቲ ብርቱዕ ጸበባ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኻብ ሽማግለታት መምርሒ የድልየና ይኸውን። ምስ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈትን ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ዘሎና ርክብ ይብተኽ ይኸውን። ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ንሽማግለታትና ፍቕርን ኣኽብሮትን ከነማዕብል ኣሎና። ዜጋጥመና ነገራት ብዘየገድስ፡ ቀልብና ንሓሉ፡ ኣብ ዘይፍጽምናታቶም እውን ኣይነተኵር። የግዳስ፡ የሆዋ ብክርስቶስ ኣቢሉ ነዞም እሙናት ሰብኡት እዚኦም ከም ዚመርሖም ኣይንረስዕ።

12. ተስፋ ንሓሳብና ዚሕልዎ ብኸመይ እዩ፧

12 ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ንርእሲ ወተሃደር ዚከላኸለሉ፡ ተስፋ ድሕነትና እውን ንሓሳብና ይሕልዎ እዩ። ድልዱል ተስፋ እንተ ኣልዩና፡ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ ነገራት ዘይረብሕ ከም ዝዀነ ነስተውዕል ኢና። (ፊል. 3:8) ተስፋና ድማ ክንሃድእን ክንረጋጋእን ትሕግዘና እያ። ኣብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ዋላስን ሎሪንዳን ነዚ ሓቂ ዀይኑ እዮም ረኺቦምዎ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ንኽልቲኦም ሓሓደ ኻብ ወለዶም ሞትዎም። ለበዳ ኮቪድ-19 ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ምስ ወለዶም ኪዀኑ ኣይከኣሉን። ዋላስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ተስፋ ትንሳኤ ብዛዕባ እቶም ሰበይ ከምቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣብ መወዳእታ ዝነበርዎ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣብ መጀመርታ ዚዀንዎ ገይረ ኽሓስብ ሓጊዙኒ እዩ። ምስ ጓሂ ወይ ሓዘን ክቃለስ ከለኹ ኸኣ፡ እዚ ተስፋ እዚ ኣህዲኡኒ እዩ።”

13. መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

13 “ሓዊ መንፈስ ኣይተጥፍኡ።” (1 ተሰ. 5:19) ጳውሎስ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ኸም ዘሎ ሓዊ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። መንፈስ ኣምላኽ እንተ ኣልዩና፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ቅንኣትን ውዕዉዕ መንፈስን ይሓድረና እዩ፣ ንየሆዋ ንምግልጋል እውን ሓይሊ ንረክብ ኢና። (ሮሜ 12:11) እሞ ደኣ መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ እቲ መንፈስ እቲ ምእንቲ ኺውሃበና ኽንጽሊ፡ ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓል ከነጽንዕ፡ ምስቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምራሕ ውድብ እውን ክንሓብር ንኽእል ኢና። እዚ ድማ “ፍረ መንፈስ” ከነማዕብል ይሕግዘና እዩ።—ገላ. 5:22, 23

‘መንፈስ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኺውሃበኒ ኸም ዝደሊ ብተግባራተይ አርኢ ድየ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ብቐጻሊ መንፈስ ኣምላኽ ምእንቲ ኺውሃበና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘይብልና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ኣምላኽ መንፈስ ቅዱሱ ድሕሪ ምሃቡ እውን እንተ ዀነ፡ ‘ሓዊ መንፈስ ከይነጥፍእ’ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ኣምላኽ ነቶም ብኣተሓሳስባኦም ኰነ ብኣካይዳኦም ንጹሃት ኰይኖም ዚመላለሱ ጥራይ እዩ መንፈሱ ዚህቦም። ርኹስ ሓሳባት እንተ ኣሕዲርና፡ እዚ እውን ናብ ተግባር ዚመርሓና እንተ ዀይኑ፡ ብቐጻሊ መንፈሱ ኣይህበናን እዩ። (1 ተሰ. 4:7, 8) ብዘይካዚ፡ ብቐጻሊ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺውሃበና፡ ‘ትንቢት ክንንዕቕ የብልናን።’ (1 ተሰ. 5:20) ኣብዚ “ትንቢት” ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚፈሪ መልእኽትታት፡ እንተላይ ነቲ ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋን ብዛዕባ ህጹጽነት ግዜናን ዚምልከት መልእኽትታት እዩ ዜመልክት። ስለዚ፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ብሓሳብና ኣይነርሕቓን ኢና። ኣርማጌዶን ከም ዘይትመጽእ ጌርና ኣይንሓስብን ኢና። የግዳስ፡ ኵሉ መዓልቲ ብቕኑዕ ኣካይዳን ‘በቲ ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነትን ዚርአ ግብርታትን’ ብምምልላስ፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ብሓሳብና ነቐልጥፋ ኢና።—2 ጴጥ. 3:11, 12

“ንዅሉ መርምርዎ”

15. በቲ ኣጋንንቲ ዚነዝሕዎ ግጉይ ሓበሬታን ፕሮፓጋንዳን ምእንቲ ኸይንዕሾ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (1 ተሰሎንቄ 5:21)

15 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ተጻረርቲ ኣምላኽ፡ “ሰላምን ደሓንን!” ኢሎም ኪእውጁ እዮም። (1 ተሰ. 5:3) ብድራኸ ኣጋንንቲ ዚፍኖ ፕሮፓጋንዳ ንምድሪ ኺመልኣ እዩ፣ ንመብዛሕትኦም ሰባት እውን ኬስሕቶም እዩ። (ራእ. 16:13, 14) ንሕናኸ በዚ ኽንታለል ዲና፧ ነቲ፡ “ንዅሉ መርምርዎ” ዚብል ምኽሪ እንተ ስዒብና፡ በዚ ኣይክንዕሾን ኢና። (1 ተሰሎንቄ 5:21 ኣንብብ።) እታ መርምርዎ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል ንኸም ወርቅን ብሩርን ዝኣመሰለ ኽቡር ብረት ምስ ምምርማር ብዚተሓሓዝ እውን ተዓይዩላ ኣሎ። ስለዚ፡ ንሓቅነት እቲ እንሰምዖ ወይ እነንብቦ ነገር ክንምርምሮ ኣሎና። እዚ ንሰብ ተሰሎንቄ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። እቲ ብርቱዕ ጸበባ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን እውን፡ ንዓና ብዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ኻልኦት ዚብልዎ ስቕ ኢልና ብየዋህነት ኣብ ክንዲ እንቕበል፡ ብናይ ምምዝዛን ክእለትና ጌርና ነቲ እነንብቦ ወይ እንሰምዖ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስን ውድብ የሆዋን ዚብሎ ነወዳድር ኢና። ከምዚ እንተ ጌርና፡ በቲ ኣጋንንቲ ዚነዝሕዎ ዝዀነ ይኹን ፕሮፓጋንዳ ወይ ሽጣራ ኣይክንታለልን ኢና።—ምሳ. 14:15፣ 1 ጢሞ. 4:1

16. እንታይ ርግጽ ተስፋ እዩ ዘሎና፧ እንታይ ንምግባርከ ኢና ተላዒልና ዘለና፧

16 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብደረጃ ጕጅለ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺድሕኑ እዮም። ብደረጃ ውልቀ ሰብ ግና፡ ጽባሕ እንታይ ሒዛ ኸም እትመጽእ ኣይንፈልጥን ኢና። (ያእ. 4:14) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ንስገሮ ወይ ቅድሚኡ ንሙት ብዘየገድስ፡ እሙናት እንተ ዄንና፡ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኢና። እቶም ቅቡኣት ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኪዀኑ እዮም። እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ድማ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ኪዀኑ እዮም። እምበኣር፡ ኵላትና ኣብቲ ዜደንቕ ተስፋ ነተኵር፡ ንመዓልቲ የሆዋ እውን ድሉዋት ንኹን!

መዝሙር 150 ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ

a ኣብ 1 ተሰሎንቄ ምዕራፍ 5፡ ብዛዕባ እታ ናይ መጻኢ መዓልቲ የሆዋ ዚምህር ምሳሌታትን ንጽጽራትን ኣሎ። እታ “መዓልቲ” እቲኣ እንታይ እያ፧ ብኸመይከ እያ እትመጽእ፧ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚድሕኑ መን እዮም፧ መንከ እዮም ዘይድሕኑ፧ ነታ መዓልቲ እቲኣ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ ብምምርማር፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

bፈትዮም ይመጹ” ዘርእስቱ ዓምዲ ርአ።