ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 27

ንየሆዋ ኽንፈርሆ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ንየሆዋ ኽንፈርሆ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

“የሆዋ ምስቶም ዚፈርህዎ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኣለዎ።”—መዝ. 25:14

መዝሙር 8 የሆዋ እዩ መዕቈቢና

መላለዪ a

1-2. ብመሰረት መዝሙር 25:14፡ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪህልወና እንተ ዀይኑ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

 ምስ ሰብ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪህልወካ እንተ ደሊኻ፡ እንታይ ባህርያት ዜድልየካ ይመስለካ፧ ‘ዚቀራረቡ ኣዕሩኽ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኪደጋገፉን ኣለዎም’ ኢልካ ትምልስ ትኸውን። ጽቡቕ ዕርክነት ምእንቲ ኺህሉ፡ ፍርሃት ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኣይትሓስብን ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ናይዛ ዓንቀጽ ቀንዲ ጥቕሲ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ እቶም ንየሆዋ “ዚፈርህዎ” እዮም ምስኡ ናይ ቀረባ ዕርክነት ዚምስርቱ።—መዝሙር 25:14 ኣንብብ።

2 ንየሆዋ ዘገልገልናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ኵላትና ንዕኡ ጥዑይ ፍርሃት ከነሕድር ኣሎና። ፍርሃት ኣምላኽ ኪብሃል ከሎ ግና እንታይ ማለት እዩ፧ ብኸመይ ኢና ፍርሃት የሆዋ ኽንምሃር እንኽእል፧ ካብቲ ኦብድያ ዚብሃል ኣመሓዳሪ ቤትን ካብቲ የሆያዳ ዚብሃል ሊቀ ኻህናትን ካብ ንጉስ ዮኣስን ብዛዕባ ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ፍርሃት ኣምላኽ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

3. እንታይ ኬፍርሃና ኸም ዚኽእልን እዚ ብኸመይ ከም ዚጸልወናን ግለጽ።

3 ጕድኣት ከይረኽበና ንሰግእ እንተ ዄንና፡ ንፈርህ ንኸውን። እዚ ፍርሂ እዚ ብጥበብ ክንመላለስ ስለ ዚድርኸና፡ ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ከይንጸድፍ ንፈርህ እንተ ዄንና፡ ናብ ገምገም ጸድፊ ኣይንቐርብን ኢና። ከይንጕዳእ ንፈርህ እንተ ዄንና ኸኣ፡ ካብ ሓደገኛ ዅነታት ንሃድም ኢና። ምስ እንፈትዎ ሰብ ዘሎና ዕርክነት ከይነበላሹ ንፈርህ እንተ ዄንና እውን፡ ሕማቕ ነገር ከይንዛረብ ወይ ከይንገብር ንጥንቀቕ ኢና።

4. ሰይጣን ንየሆዋ እንታይ ዓይነት ፍርሂ ኸነሕድር እዩ ዚደልየና፧

4 ሰይጣን ንሰባት፡ ንየሆዋ ዘይጥዑይ ፍርሂ ኼሕድሩ እዩ ዚደልዮም። ብኤሊፋዝ ኣቢሉ ድማ፡ ንየሆዋ ኸም ሓደ ባህ ከተብሎ ዘይከኣል ቂመኛን ቍጡዕን ኣምላኽ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (እዮ. 4:18, 19) ሰይጣን ንየሆዋ እምብዛ ኽንፈርሆ እሞ ንዕኡ ምግልጋል ክንሓድጎ እዩ ዚደልየና። ካብዚ መጻወድያ እዚ ንምምላጥ፡ ንኣምላኽ ግቡእ ፍርሃት ከነማዕብል ኣሎና።

5. ንኣምላኽ ንፈርሆ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

5 ግቡእ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ ንኣምላኽ የፍቅሮ፡ ነቲ ምስኡ ዘለዎ ርክብ ዜበላሹ ዝዀነ ይኹን ነገር እውን ኪገብር ኣይደልን እዩ። የሱስ ከምዚ ዓይነት ‘ፍርሃት ኣምላኽ’ ነይርዎ እዩ። (እብ. 5:7) ብየሆዋ ይርዕድ ወይ ይሽበር ኣይነበረን። (ኢሳ. 11:2, 3) ኣብ ክንዳኡስ፡ ንዕኡ ዓሚቝ ፍቕሪ ነበሮ፡ ኪእዘዞ እውን ይደሊ ነበረ። (ዮሃ. 14:21, 31) የሆዋ ፈቃርን ጥበበኛን ፍትሓውን ሓያልን ስለ ዝዀነ፡ ንሕና እውን ከም የሱስ ንየሆዋ ነኽብሮን ንፈርሆን ኢና። የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅረናን በቲ ንሕና እንገብሮ ኸም ዚጽሎን እውን ንፈልጥ ኢና። ንየሆዋ ኸነሕዝኖ ወይ ንልቡ ኸነሐጕሶ ንኽእል ኢና።—መዝ. 78:41፣ ምሳ. 27:11

ፍርሃት ኣምላኽ ክንምሃር ንኽእል ኢና

6. ሓደ ኻብቲ ፍርሃት ኣምላኽ ክንምሃር እንኽእለሉ መገድታት እንታይ እዩ፧ (መዝሙር 34:11)

6 ፍርሃት የሆዋ ኻብ እንውለድ ኣትሒዝና ዘሎና ባህርይ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ከነማዕብሎ ኣሎና። (መዝሙር 34:11 ኣንብብ።) ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ኽንገብር እንኽእለሉ መገዲ፡ ንፍጥረት ብምምርማር እዩ። ኣብቲ “ግብሩ፡” ጥበቡን ሓይሉን ንዓና ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕርን ብዝረኣና መጠን ንዕኡ ዘሎና ኣኽብሮትን ፍቕርን ይዓዝዝ እዩ። (ሮሜ 1:20) ኤድርያን ዝስማ ሓብቲ፡ “ኣብ ፍጥረት ዝርእዮ ጥበብ የሆዋ የደንቐኒ እዩ። ንሱ ንዓይ ዚሓይሽ ከም ዚፈልጥ ክግንዘብ እውን የኽእለኒ እዩ” ትብል። ብዛዕባ እዚ ስለ እተስተንትን ከኣ፡ “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ምንጪ ህይወተይ ዝዀነ የሆዋን ስለምንታይ እየ ዕንቅፋት ክገብር ዝደሊ፧” ትብል። እሞ ደኣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ግዜ ወሲድካ ስለምንታይ ብዛዕባ ፍጥረት ዘይተስተንትን፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንየሆዋ ዘሎካ ኣኽብሮትን ፍቕርን ኪዓዝዝ እዩ።—መዝ. 111:2, 3

7. ጸሎት፡ ንየሆዋ ጥዑይ ፍርሃት ከነሕድር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

7 ፍርሃት ኣምላኽ ከነማዕብለሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ኸኣ፡ ኣዘውቲርና ብምጽላይ እዩ። ብዝያዳ ብዝጸለና መጠን፡ የሆዋ ብዝያዳ ህያው እዩ ዚዀነልና። ፈተና ንምጽዋር ዜድልየና ብርታዐ ኺህበና ብዝለመንናዮ ቝጽሪ፡ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ሓይሉ ንዘኻኸር ኢና። ወዱ ስለ ዝሃበና ኸነመስግኖ ኸለና፡ ብዛዕባ እቲ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ንዘኻኸር ኢና። ኣብ እዋን ጸገምና ናብኡ ኽንምህለል ከለና ኸኣ፡ ነቲ ዓብዪ ጥበቡ ንዝክር ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት፡ ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ኣኽብሮት የዕዝዞ እዩ። ነቲ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ኬበላሹ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከይንገብር እውን ብዝያዳ ንቘርጽ ኢና።

8. ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት ንምዕቃብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

8 ብዘይካዚ፡ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት ክንዕቅቦ ንኽእል ኢና። ኣብቲ መጽናዕትና ድማ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታትን መለበሚታትን ትምህርቲ ንምቕሳም ሸቶ ኸነውጽእ ኣሎና። ሕጂ ብዛዕባ ኽልተ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እስከ ንመያየጥ። ንሳቶም ከኣ እቲ ኣመሓዳሪ ቤት ንጉስ ኣከኣብ ዝነበረ ኦብድያን የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናትን እዮም። ድሕሪኡ፡ ካብቲ ጽቡቕ ኣጀማምራ ዝጀመረ፡ ጸኒሑ ግና ንየሆዋ ዝሓደገ ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኽንምሃር ኢና።

ከምቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኦብድያ፡ ተባዕ ኩን

9. ፍርሃት የሆዋ ንኦብድያ ዝጸለዎ ብኸመይ እዩ፧ (1 ነገስት 18:3, 12)

9 መጽሓፍ ቅዱስ ንኦብድያ b ኼላልየና ኸሎ፡ “ኦብድያ . . . ንየሆዋ ኣዝዩ ይፈርሆ ነበረ” እዩ ዚብል። (1 ነገስት 18:3, 12 ኣንብብ።) እሞ ደኣ እዚ ጥዑይ ፍርሃት እዚ ንኦብድያ ብኸመይ ጸልይዎ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ቅኑዕን እሙንን ከም ዚኸውን እዩ ገይርዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንጉስ ኣከኣብ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ሸሞ። (ምስ ነህምያ 7:2 ኣረኣኢ።) ብዘይካዚ፡ እቲ ኦብድያ ዝነበሮ ፍርሃት ኣምላኽ ዜደንቕ ትብዓት ኣስኒቕዎ እዩ። እዚ ባህርይ እዚ ድማ ብርግጽ የድልዮ ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ብዘመን ንግስና እቲ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝኸፍአ” ዝገበረ ንጉስ ኣከኣብ እዩ ዚነብር ነይሩ። (1 ነገ. 16:30) እታ ኣምላኺት በዓል ዝነበረት ኢዛቤል እትብሃል ሰበይቲ ኣከኣብ ድማ ንየሆዋ እምብዛ ትጸልኦ ብምንባራ፡ ንንጹህ ኣምልኾ ኻብታ ሰሜናዊት መንግስቲ ንምጥፋእ ህርድግ እያ እትብል ነይራ። ሕሉፍ ሓሊፋ፡ ንብዙሓት ነብያት ኣምላኽ ቀቲላቶም እያ። (1 ነገ. 18:4) ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋን እቲ፡ ኦብድያ ንየሆዋ የምልኾ ኸም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ።

10. ኦብድያ ሓለፍ ዝበለ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

10 ብኸመይ ደኣሉ ኦብድያ ሓለፍ ዝበለ ትብዓት ኣርእዩ፧ ኢዛቤል ንነብያት ኣምላኽ ክትቀትሎም ከላ፡ ኦብድያ ን100 ኻባታቶም ወሲዱ፡ ‘በብ50 ገይሩ ኣብ በዓቲ ሓቢኡ እንጌራን ማይን መገቦም።’ (1 ነገ. 18:13, 14) እዚ ተባዕ ሰብ እዚ እንተ ዚርከብ ነይሩ፡ ብዘይ ጥርጥር ምተቐትለ። ኦብድያ ሰብ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኪመውት ኣይደልን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ካብ ህይወቱ ንላዕሊ፡ ንየሆዋን ነቶም ንዕኡ ዜገልግልዎን እዩ ዜፍቅር ነይሩ።

ሓደ ሓው ዕዮና ኣብ እተኣገደሉ ዓዲ ንክርስትያናት ብጾቱ ብትብዓት መንፈሳዊ ምግቢ የበጻጽሓሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) d

11. ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ኦብድያ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 ሎሚ፡ ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ዕዮና ኣብ እተኣገደሉ ዓድታት እዮም ዚነብሩ። ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን ግቡእ ኣኽብሮት ዜርእይዎም እኳ እንተ ዀኑ፡ ከም ኦብድያ ግና ንየሆዋ ዚግብኦ ምሉእ ተወፋይነት ይህብዎ እዮም። (ማቴ. 22:21) ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ እዙዛት ብምዃን፡ ፍርሃት ኣምላኽ የርእዩ እዮም። (ግብ. 5:29) ኣዘውቲሮም ብስራት ብምስባኽን ብጥበብ ኣኼባታት ብምግባርን፡ ነዚ የርእዩ እዮም። (ማቴ. 10:16, 28) ብዛዕባ እቲ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ዜድልዮም መንፈሳዊ ምግቢ የተሓሳስቦም እዩ። ንኣብነት፡ ዕዮና ኣብ እተኣገደላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዚነብር ሄንሪ ዝገበሮ እስከ ንርአ። ኣብቲ እዋን እገዳ፡ ሄንሪ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ንምብጽጻሕ ፍቓደኛ ዀነ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ብተፈጥሮይ ፈራህ እየ። ስለዚ፡ እቲ ንኣምላኽ ዘሎኒ ዓሚቝ ኣኽብሮት ዜድሊ ትብዓት ከም ዝሃበኒ እየ ዝኣምን” ኢሉ ጸሓፈ። ከም ሄንሪ ተባዕ እትኸውንዶ ይመስለካ፧ ንኣምላኽ ጥዑይ ፍርሃት እንተ ኣማዕቢልካ፡ ከምኡ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

ከምቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ የሆያዳ፡ እሙን ኩን

12. የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናትን ሰበይቱን ንየሆዋ ዓብዪ ተኣማንነት ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

12 የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሆዋ ይፈርሆ ነበረ፣ እቲ ፍርሃቱ ድማ እሙን ኪኸውንን ንንጹህ ኣምልኾ ኺድግፍን ደረኾ። ዓታልያ ጓል ኢዛቤል ዝፋን ይሁዳ ምስ መንዝዐት፡ እዚ ብንጹር ተራእዩ እዩ። እቶም ህዝቢ ንዓታልያ ኺፈርህዋ ሓቆም እዮም ነይሮም። ንሕስያ ዘይብላን ህርፋን ስልጣን ዘለዋን ብምንባራ፡ ንብዘሎ ዘርኢ ንጉስ፡ እንተላይ ንዅሎም ደቂ ደቃ ኽትቀትል ፈተነት! (2 ዜና 22:10, 11) የሆሻብዓት ሰበይቲ የሆያዳ ግና፡ ንሓደ ኻብቶም ዘርኢ ንጉስ ዝዀነ ዮኣስ ኣድሓነቶ። ንሳን ሰብኣይን ነቲ ሕጻን ሓቢኦም ኣዕበይዎ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሆያዳን የሆሻብዓትን፡ ዘርኢ ነገስታት ዳዊት ምእንቲ ኺዕቀብ ኣበርክቶ ገበሩ። የሆያዳ ኸኣ ንየሆዋ እሙን እዩ ነይሩ፣ ብዓታልያ እውን ኣይረዓደን።—ምሳ. 29:25

13. ዮኣስ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ የሆያዳ መሊሱ ተኣማንነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

13 ዮኣስ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ የሆያዳ መሊሱ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት ኣርኣየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ውጥን ገበረ። እቲ ውጥን እቲ እንተ ሰሊጡ፡ ዮኣስ ወራሲ ዝፋን ዳዊት ብምዃን ኪነግስ እዩ ተሓሲቡ። እቲ ውጥን እንተ ፈሺሉ ግና፡ የሆያዳ ብርግጽ ህይወቱ ምሰኣነ ነይሩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ብበረኸት የሆዋ እቲ ውጥን ሰለጠ። የሆያዳ ብኣሕሉቕ ሰራዊትን ብሌዋውያንን እናተደገፈ ንዮኣስ ኣንገሶ፡ ንዓታልያ እውን ኣቕተላ። (2 ዜና 23:1-5, 11, 12, 15፣ 24:1) ድሕሪኡ፡ “ህዝቢ የሆዋ ዀይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉ ኢሉ፡ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ኪዳን ገበረ።” (2 ነገ. 11:17) ብዘይካዚ ድማ፡ “ብዝዀነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱስ፡ ነቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ . . . ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገታት ቤት የሆዋ ኣቘሞም።”—2 ዜና 23:19

14. የሆያዳ ንየሆዋ ብምኽባሩ ብኸመይ እዩ ኸቢሩ፧

14 የሆዋ ኣቐዲሙ፡ “ነቶም ዜኽብሩኒ ከኽብሮም [እየ]” ኢሉ ነይሩ እዩ። ንየሆያዳ ድማ ብርግጽ ዓስቡ ሂብዎ እዩ። (1 ሳሙ. 2:30) ንኣብነት፡ እቲ ሰናይ ግብሩ ንትምህርትና ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ ኸም ዚምዝገበልና ገይሩ እዩ። (ሮሜ 15:4) የሆያዳ ሞይቱ ኪቕበር ከሎ ድማ፡ ፍሉይ ክብሪ ተዋሂብዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ኣብ እስራኤል ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ምስ ቤቱን ብዚተሓሓዝ ጽቡቕ ስለ ዝገበረ፡ ምስ ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ።”—2 ዜና 24:15, 16

ከም የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽና ንኣሕዋትና ብተኣማንነት ንደግፎም (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ) e

15. ካብቲ ብዛዕባ የሆያዳ ዚገልጽ ዛንታ እንታይ ንምሃር፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

15 ፍርሃት ኣምላኽ ምስ ምምዕባል ብዚተሓሓዝ፡ ኵላትና ኻብ ዛንታ የሆያዳ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ክርስትያናት ሓለውቲ ንቑሓት ብምዃንን ንመጓሰ ኣምላኽ ብተኣማንነት ብምዕቋብን፡ ንየሆያዳ ኺመስልዎ ይኽእሉ እዮም። (ግብ. 20:28) ብዕድመ ዓበይቲ ዘበሉ ንየሆዋ እንተ ፈሪሆምዎን ንዕኡ እሙናት እንተ ዀይኖምን፡ ንሱ ዕላማኡ ንምፍጻም ኪጥቀመሎም ከም ዚኽእል ካብ የሆያዳ ኺምሃሩ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ዕሽሽ ኣይብሎምን እዩ። ብዕድመ ንኣሽቱ ዘበሉ ኸኣ፡ የሆዋ ንየሆያዳ ብኸመይ ከም ዝሓዞ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ክርስትያናት ብኣኽብሮት ኪሕዝዎም ይኽእሉ እዮም። ምናዳ ነቶም ንነዊሕ እዋን ብተኣማንነት ዘገልገሉ፡ ኣኽብሮት ኬርእይዎም ኣለዎም። (ምሳ. 16:31) ኣብ መወዳእታ፡ ኵላትና ኻብቶም ንየሆያዳ ዝደገፍዎ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ሌዋውያንን ክንምሃር ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ‘ነቶም ዚመርሑና’ እዙዛት ብምዃን፡ ብተኣማንነት ንደግፎም።—እብ. 13:17

ከም ንጉስ ዮኣስ ኣይትኹን

16. ንጉስ ዮኣስ ድኹም ምንባሩ ብኸመይ እዩ ተራእዩ፧

16 ንጉስ ዮኣስ ካብቲ የሆያዳ ዘሕደረሉ ጽቡቕ ጽልዋ ተጠቒሙ ነይሩ እዩ። (2 ነገ. 12:2) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እዚ ገና ንእሽቶ ዝነበረ ንጉስ ንየሆዋ ባህ ኬብሎ ይደሊ ነበረ። የሆያዳ ምስ ሞተ ግና፡ ዮኣስ ንኸሓድቲ መሳፍንቲ ኺሰምዕ ጀመረ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ንሱን ተገዛእቱን፡ “ንኣዕኑድ ኣምልኾን ንጣኦታትን ኣገልገሉ።” (2 ዜና 24:4, 17, 18) የሆዋ በዚ ኣመና ስለ ዝጐሃየ፡ ‘ኪመልስዎም ኢሉ ነብያቱ ይሰድደሎም ነበረ፣ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎምን።’ ዋላ እውን ንዘካርያስ ወዲ የሆያዳ ኣይሰምዕዎን። ዘካርያስ ነብይን ካህንን የሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዮኣስ ወዲ ኣሞኡ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንጉስ ዮኣስ ንዘካርያስ ኣቕተሎ። ነቲ ቤተ ሰብ ዘካርያስ ዝገበሩሉ ጽቡቕ እውን ኣይዘከሮን።—2 ዜና 22:11፣ 24:19-22

17. ዮኣስ መወዳእታኡ እንታይ ኰነ፧

17 ዮኣስ ነቲ ንየሆዋ ዝነበሮ ጥዑይ ፍርሃት ኣይዓቀበን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ መወዳእታኡ ሕማቕ ኰነ። የሆዋ ኣቐዲሙ፡ “እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሓስሩ እዮም” ኢሉ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 2:30) ስለዚ፡ ሒደት ሰባት ዝነበርዎ ሰራዊት ሶርያ ን“ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት” ዮኣስ ሰዓሮ፣ ንሱ እውን ‘ብብርቱዕ ቈሰለ።’ ሶርያውያን ምስ ከዱ ድማ፡ ገላዉኡ ቐተልዎ፡ ሕነ ዘካርያስ እውን ፈደዩ። እቲ እኩይ ንጉስ እቲ፡ “ኣብ መቓብር ነገስታት” ኪቕበር ከም ዘይበቅዕ ጌርካ እዩ ተራእዩ።—2 ዜና 24:23-25 c

18. ብመሰረት ኤርምያስ 17:7, 8፡ ከመይ ጌርና ኢና ኸም ዮኣስ ካብ ምዃን ከነምልጥ እንኽእል፧

18 ካብ ዮኣስ እንታይ ንምሃር፧ ዮኣስ ከምታ ሰራውራ ኣዕሚቛ ዘይሰደደት፡ ኣብ ደጋፊ ጕንዲ ተጸጊዓ ዝቘመት ኦም እዩ ነይሩ። እቲ ጕንዲ፡ ማለት የሆያዳ ምስ ተኣልየ፡ ንፋስ ክሕደት ነፈሰ። ዮኣስ ድማ ወደቐ። እዚ ድማ ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት፡ ኣብቲ ክርስትያናት ብጾትና ዀኑ ኣባላት ስድራ ቤትና ዜሕድሩልና ጽቡቕ ጽልዋ ጥራይ ኪምርኰስ ከም ዘይብሉ ይምህረና። ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣዘውቲርና ብምጽናዕን ብምስትንታንን ብምጽላይን ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነትን ፍርሃትን ከነደልድል ኣሎና።—ኤርምያስ 17:7, 8 ኣንብብ፣ ቈሎ. 2:6, 7

19. የሆዋ ኻባና እንታይ እዩ ዚደሊ፧

19 የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ነገር እምብዛ ብዙሕ ኣይኰነን። እቲ ኻባና ዚደልዮ ነገር ኣብ መክብብ 12:13 ብሕጽር ዝበለ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። እታ ጥቕሲ፡ “ብዘሎ ግዴታ ሰብ እዚ እዩ እሞ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱ እውን ሓልዎ” ትብል። ንኣምላኽ እንተ ፈሪህናዮ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥመና ፈተናታት ክንገጥመሉ ንኽእል ኢና፣ ከም ኦብድያን የሆያዳን እውን ጸኒዕና ኽንቀውም ኢና። ዝዀነ ይኹን ነገር ድማ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ኣይኬበላሽዎን እዩ።

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

a እታ “ፍርሂ” እትብል ቃልን ረባሕታኣን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሰፊሕ ትርጉም እየን ሒዘን ዘለዋ። ከከም ኣሰዃዅዓአን ንራዕዲ፡ ንኣኽብሮት፡ ወይ ንኣድንቖት ኬመልክታ ይኽእላ እየን። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብቲ ንሰማያዊ ኣቦና እነቕርቦ ኣገልግሎት ተባዓትን እሙናትን ክንከውን እትድርኸና ዓይነት ፍርሃት ከነማዕብል ክትሕግዘና እያ።

b እዚ ኦብድያ እዚ፡ እቲ ድሕሪ ዘመናት ዚነብር ዝነበረ ብስሙ እትጽዋዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ነብዪ ኦብድያ ኣይኰነን።

c ኣብ ማቴዎስ 23:35፡ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። ከምዚ እተባህለሉ ምኽንያት፡ የሆያዳ ኸምቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ገሊኦም ሰባት ክልተ ስማት ስለ ዝነበሮ ኪኸውን ይኽእል እዩ (ማቴ. 9:9 ምስ ማር. 2:14 ኣረኣኢ)፣ ወይ ከኣ በራክያስ ንዘካርያስ ኣቦሓጎኡ ወይ ሓደ ኻብቶም ኣብ ወለዶ ዘካርያስ ዚርከቡ ኣቦታት ስለ ዝነበረ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ኣብዚ ተዋስኦ እዚ፡ ሓደ ሓው ኣብ ትሕቲ እገዳ፡ መንፈሳዊ ምግቢ የበጻጽሕ።

e መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ኻብ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ብተሌፎን ብኸመይ ከም እትምስክር ትምሃር፣ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ብጋህዲ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ትብዓት የርኢ፣ ሓደ ምኩር ሓው ብዛዕባ ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ስልጠና ይህብ።