ታሪኽ ህይወት
ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝረኸብናዮ ዘይተሓስበ ሓጐስን ትምህርትን
ቈልዓ ኸለኹ ነፋሪት ክትነፍር ምስ ረኣኹ፡ ናብ ካልእ ሃገር ብነፋሪት ክኸይድ ተመነኹ። እዚ ዘይከውን ትምኒት እዩ መሲሉኒ ነይሩ።
ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ወለደይ ካብ ኤስቶንያ ናብ ጀርመን ገዓዙ። ኣነ ድማ ኣብ ጀርመን ተወለድኩ። ሽዑ ግና፡ ናብ ካናዳ ንምግዓዝ ይቀራረቡ ነበሩ። ኣብታ ኣብ ኦታዋ፡ ካናዳ እንነብረላ ዝነበርና ናይ መጀመርታ ቤትና ደርሁ እውን ነይረን እየን። ኣመና ድኻታት እኳ እንተ ነበርና፡ ንቝርሲ ዚኸውን እንቋቝሖ ግና ኣይንስእንን ኢና ኔርና።
ሓደ መዓልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣደይ፡ ራእይ 21:3, 4 ኣንበቡላ። በቲ ዝሰምዓቶ ልባ ኣመና ስለ እተተንከየ፡ ክትነብዕ ጀመረት። እታ ዘርኢ ሓቂ እቲኣ ዓበየት፣ ኣደይን ኣቦይን ድማ ብቕልጡፍ ዕቤት ገይሮም ተጠምቁ።
ወለደይ ብዛዕባ ቛንቋ እንግሊዝኛ ዝነበሮም ፍልጠት ድሩት እኳ እንተ ነበረ፡ ንሓቂ ግና ኣርዚኖም እዮም ርእዮምዋ። ኣቦይ ኣብ ሳድበሪ፡ ኦንታሪዮ ኣብ ዚርከብ ፋብሪካ እንዳ ኒከል እዩ ዚሰርሕ ነይሩ። ቀዳም ቀዳም ከኣ፡ ዋላ እውን ምሉእ ለይቲ ኺሰርሕ ድሕሪ ምሕዳሩ፡ ንዓይን ነታ ምንኣሰይ ሓብተይ ሲልቪያን ናብ ኣገልግሎት ይወስደና ነበረ። ሰሙን ሰሙን ከኣ፡ ብስድራ ቤት ግምቢ ዘብዐኛ ነጽንዕ ነበርና። ኣደይን ኣቦይን ኣብ ልበይ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣስሪጾምለይ እዮም። እዚ ድማ ብ1956 ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለኹ፡ ህይወተይ ንየሆዋ ኽውፊ ኣለዓዓለኒ። እታ ንየሆዋ ዝነበረቶም ሓያል ፍቕሪ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ኣበርቲዓትኒ እያ።
ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ግና፡ ኣብ ካልእ ነገራት ኣተኰርኩ። ፈላሚ እንተ ዀይነ ብነፋሪት ንምብራርን እተፈላለየ ሃገራት ዓለም ንምርኣይን ዜድልየኒ ገንዘብ ዝረክብ ኣይመሰለንን። ስለዚ፡ ኣብ ሓደ መደበር ረድዮ ሙዚቃ ዜጻውት ዲ.ጀይ. ኰይነ ኽሰርሕ ጀመርኩ፣ ነዚ ስራሕ እዚ እውን እፈትዎ ነበርኩ። እንተዀነ ግና፡ ምሸት ምሸት እሰርሕ ብምንባረይ፡ ኣዘውቲረ ኻብ ኣኼባታት እበኵር ነበርኩ፣ ንኣምላኽ ምስ ዘየፍቅሩ ሰባት እውን ክቀራረብ ጀመርኩ። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናይ፡ ለውጥታት ክገብር ኣለዓዓለኒ።
ድሕርዚ፡ ናብ ኦሻዋ፡ ኦንታሪዮ ገዓዝኩ። ኣብኡ ድማ ምስ ረይ ኖርማንን ሓብቱ ለስሊን ካልኦት ፈለምትን ተራኸብኩ። ኵላቶም ተገዲሶም ሓዙኒ። ክሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ምዃኖም ምስ ረኣኹ፡ ሸቶታተይ ዳግም ኪግምግም ተለዓዓልኩ። ንሳቶም ድማ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ኣተባብዑኒ። ስለዚ፡ ኣብ መስከረም 1966 ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። በዚ ሕጉስ እየ ነይረ፣ ህይወት እውን ጽቡቕ እዩ ነይሩ። ድሕርዚ ግና፡ ንህይወተይ ዝቐየረ ዘይተሓሰበ ነገራት ኣጋጠመኒ።
የሆዋ ሓደ ነገር ክትገብር ጻውዒት እንተ ኣቕሪቡልካ፡ ፈትኖ
ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ናብቲ ኣብ ቶሮንቶ፡ ካናዳ ዚርከብ ቤት-ኤል ንምእታው ኣመልኪተ ነይረ እየ። ደሓር፡ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ምስ ጀመርኩ፡ ንኣርባዕተ
ዓመት ኣብ ቤት-ኤል ከገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። እንተዀነ ግና፡ ንለስሊ ኣጸቢቐ እፈትዋ ነበርኩ። ነቲ ጻውዒት እቲ እንተ ተቐቢለ ኸኣ፡ ንዓኣ መሊሰ ዝርእያ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን። ንነዊሕ እዋን ብዕምቈት ድሕሪ ምጽላይ ከኣ፡ ነቲ ናብ ቤት-ኤል ክኣቱ ዝቐረበለይ ጻውዒት ተቐበልክዎ። ንለስሊ ድማ እናሓዘንኩ ተሰናበትክዋ።ፈለማ፡ ኣብቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚርከብ ቤት ሕጽቦ እዓዪ ነበርኩ። ድሕሪኡ ድማ፡ ጸሓፊ ዀይነ ኽዓዪ ጀመርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ለስሊ ኣብ ጋቲኖ፡ ኲበክ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ነበረት። ንሳ ኸመይ ከም ዘላን ቅኑዕ ውሳነ ገይረ እንተ ዀይነን ብዙሕ ሳዕ እሓስብ ነበርኩ። ድሕርዚ፡ ኣብ ህይወተይ ዘይሓሰብክዎ ባህ ዜብል ነገር ኣጓነፈኒ። ንረይ፡ ሓዋ ንለስሊ፡ ናብ ቤት-ኤል ኪኣቱ ጻውዒት ቀረበሉ። ኣብ ቤት-ኤል እውን ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ኢና እንነብር ኔርና። እዚ ድማ ምስ ለስሊ ዝነበረኒ ምሕዝነት ክሕድሶ ኣጋጣሚ ኸፈተለይ። ኣብታ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ኣገልግሎት ዝውድኣላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ ማለት ብ27 ለካቲት 1971 ምስ ለስሊ ተመራዓውና።
ኣነን ለስሊን ኣብ ኲበክ ኣብ እትርከብ ናይ ፈረንሳይኛ ጉባኤ ተመደብና። ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ወዲ 28 ዓመት ከለኹ ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸገልግል ጻውዒት ምስ ቀረበለይ፡ ዘይሓሰብክዎ እዩ ዀይኑኒ። ገና ንእሽቶ ኸም ዝዀንኩን ብቕዓት ከም ዘይብለይን ኰይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ኣብ ኤርምያስ 1:7, 8 ዚርከብ ቃላት ግና ኣተባቢዑኒ እዩ። ይኹን እምበር፡ ለስሊ ቕድሚኡ ናይ ማኪና ሓደጋታት ኣጋጢምዋ ነይሩ እዩ፡ ድቃስ እውን ይኣብያ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ‘ከመይ ጌርና ኢና ዕዮ ወረዳ ኽንክእሎ፧’ ኢልና ሓሰብና። እንተዀነ ግና፡ ለስሊ፡ “የሆዋ ሓደ ነገር ክንገብር ጻውዒት እንተ ኣቕሪቡልና፡ ክንፍትኖዶ ኣይግባእን፧” በለት። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ምድብ ተቐበልናዮ፣ ኣብ ዕዮ መገሻ ኸኣ 17 ዜሐጕሳ ዓመታት ኣሕለፍና።
ኣብ ዕዮ ወረዳ ንጥፈታት ዝበዝሖ ህይወት እዩ ነይሩኒ። ንለስሊ ዚኸውን እኹል ግዜ ኣይነበረንን። ስለዚ፡ ሓደ ትምህርቲ ኽምሃር ነበረኒ። ሓደ ሰኑይ ንግሆ፡ ብንግሆኡ ደወል ማዕጾና ተደወለ። ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈትክዎ፡ ንዙረት እትኸውን ዘንቢል ጥራይ ደኣ እምበር ሰብ ኣይጸንሓንን። ኣብታ ዘንቢል ድማ ናይ ጠረጴዛ ጨርቂ፡ ፎርማጆ፡ ባኒ፡ ነቢት፡ ቢኬሪታት፡ ከምኡ እውን “ንሰበይትኻ ናብ ዙረት ውሰዳ” እትብል ሓጻር ጽሕፍቲ ነበረ። ጸሓይ ደሚቓ ዝወጸትላ ውቅብቲ መዓልቲ እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ መደረታት ክዳሎ ስለ ዘሎኒ፡ ክኸይድ ከም ዘይክእል ንለስሊ ነገርክዋ። ሽግረይ እኳ እንተ ተረድኣትለይ፡ ቍሩብ ግና ጐሃየት። ተመሊሰ ኣብ ሰደቓይ ኮፍ ምስ በልኩ ግና፡ ሕልናይ ኪርብሸኒ ጀመረ። ብዛዕባ ኤፌሶን 5:25, 28 ክሓስብ ጀመርኩ። የሆዋ በዚ ቓላት እዚ ኣቢሉ ነቲ ሰበይተይ ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልያ ነገራት ከማልኣላ የተባብዓኒ ኸም ዘሎ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ድሕርዚ ምስ ጸለኹ፡ ንለስሊ፡ “ንዕናይ ንኺድ” በልክዋ። ንሳ እውን ደስ በላ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ናብ እትርከብ ጽብቕቲ ቦታ ኸድና። ነቲ ጨርቂ ኣንጸፍናዮ፣ ኣብኡ ድማ ባህ ዜብል መዓልቲ ኣሕለፍና። መደረታተይ ንምድላው ዚኸውን ግዜ እውን ኣይሰኣንኩን።
እቲ ኣብ ዕዮ ወረዳ እተዋህበና ምድባት ዜሐጕስ እዩ ነይሩ።
ካብ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ኽሳብ ኒውፋውንድላንድ ዚበጽሕ ብዙሕ ምድባት እውን ተዋሂቡና ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ናብ መገሻታት ንምኻድ ዝነበረኒ ትምኒት ሰሚሩለይ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብዛዕባ ምእታው ሓሰብኩ። እንተዀነ ግና፡ ሚስዮናዊ ዀይነ ናብ ወጻኢ ሃገር ክኸይድ ድሌት ኣይነበረንን። ሚስዮናውያን ፍሉያት ሰባት እዮም ዚመስሉኒ ነይሮም፣ ኣነ ድማ ብቕዓት ዘሎኒ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን። ብሕማምን ብውግእን ናብ እተሓመሰት ኣፍሪቃ ኸይሰድዱኒ እውን እፈርህ ነይረ እየ። በቲ ዘለኽዎ ሕጉስ እየ ነይረ።ናብ ኤስቶንያን ናብ ሃገራት ቦልቲክን ክንከይድ ዝቐረበልና ዘይተሓስበ ጻውዒት
ብ1992 ኣብተን ኣካል ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ሃገራት ዕዮና ምስ ተኸፍተ፡ ኣብ ኤስቶንያ ሚስዮናውያን ኴንና ንምግልጋል ፍቓደኛታት እንተ ዄንና ሕቶ ቐረበልና። እዚ ዘይተጸበናዮ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባኡ ግና ጸለና። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን፡ ‘የሆዋ ሓደ ነገር ክንገብር ጻውዒት እንተ ኣቕሪቡልና፡ ክንፍትኖዶ ኣይግባእን፧’ ኢልና ሓሰብና። ነቲ ጻውዒት ተቐበልናዮ፣ ኣነ ድማ፡ ‘እንቋዕ ናብ ኣፍሪቃ ኣይኰነ’ ኢለ ሓሰብኩ።
ብኡብኡ ኤስቶንያኛ ኽንምሃር ጀመርና። ኣብታ ሃገር እተወሰነ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕና፡ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸነገልግል ሕቶ ቐረበልና። ኣብ ሰለስተ ሃገራት ቦልቲክን ኣብታ ኣብ ሩስያ ዘላ ካሊኒንግራድን ዚርከባ 46 ጉባኤታትን ጕጅለታትን ክንበጽሕ ነበረና። እዚ ድማ ሊትወይንኛ፡ ላትቭያኛ፡ ሩስያኛ ንምፍላጥ ጻዕሪ ኽንገብር ነይሩና ማለት እዩ። ከቢድ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጻዕርታትና ሕጉሳት እዮም ነይሮም፡ ይሕግዙና እውን ነይሮም። ብ1999፡ ኣብ ኤስቶንያ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ቈመ። ኣነ ድማ ምስ ቶማስ ኢዱርን ለምቢት ራይለን ቶሚ ካኮን ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ኰይነ ኸገልግል ተመደብኩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናብ ሳይበርያ ተወሲዶም ምስ ዝነበሩ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተፋለጥና። እቲ ማእሰርቲ ኸቢድ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ ስድራ ቤቶም እውን ተፈልዮም እኳ እንተ ነበሩ፡ በዚ ኸቶ ኣይተመረሩን። ሓጐሶምን ንኣገልግሎት ዝነበሮም ቅንኣትን ኣየጥፍኡን። እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ ኽንጻወርን ሕጉሳት ክንከውንን ከም እንኽእል ኣርኣየና።
ንሓያሎ ዓመታት ብዘይ ዚጠቅም ዕረፍቲ ምስ ኣገልገልና፡ ለስሊ ኸቢድ ድኻም ኪስምዓ ጀመረ። ጠንቂ እቲ ድኻማ፡ ፋይብሮማያልጂያ ዚብሃል ሕማም ምዃኑ ቐልጢፍና ኣይፈለጥናዮን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናብ ካናዳ ንምምላስ ክንሓስብ ጀመርና። ድሕርዚ፡ ናብቲ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ንኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ዚውሃብ ቤት ትምህርቲ ኽንኣቱ ጻውዒት ምስ ቀረበልና፡ ኣብኡ ኽንኣቱ ንኽእል እንተ ዄንና ጥርጣረ ሓዲሩኒ ነይሩ። ኣበርቲዕና ድሕሪ ምጽላይና ግና፡ ነቲ ጻውዒት ተቐበልናዮ። የሆዋ ድማ ነቲ ውሳነና ባረኾ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ኸለና ኢና ለስሊ ዜድልያ ሕክምና ኽትረክብ ዝኸኣለት። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ናብ ንቡር ንጥፈታትና ኽንምለስ ከኣልና።
ዘይሓሰብናዮ ነገር ኣጋጠመና—ናብ ካልእ ክፍለ ዓለም ተመደብና
ናብ ኤስቶንያ ምስ ተመለስና ብ2008 ሓደ ምሸት ካብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ተሌፎን ተደወለለይ። ኣብ ኮንጎ ንምግልጋል ፍቓደኛታት እንተ ዄንና እውን ሕቶ ቐረበለይ። ክሳዕ ንጽብሒቱ ምላሽ ክህብ ስለ እተሓተትኩ፡ በዚ ኣመና እየ ሰምቢደ። ለስሊ ነዚ እንተ ሰሚዓ፡ ከይደቀሰት ከም እትሓድር ስለ ዝፈለጥኩ፡
ኣይነገርክዋን። ኣነ ግና ብዛዕባ እቲ ንኣፍሪቃ ብዚምልከት ዜሻቕለኒ ዝነበረ ነገራት ክጽሊ ድቃስ ዘይብለይ እየ ሓዲረ።ንጽብሒቱ ንለስሊ ምስ ነገርክዋ፡ “የሆዋ ናብ ኣፍሪቃ ኽንከይድ ጻውዒት የቕርበልና ኣሎ። ከይፈተንናዮ ኸም ዘይንኽእሎን ከም ዘይንፈትዎን ከመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧” ተባሃሃልና። ስለዚ፡ ኣብ ኤስቶንያ 16 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕና፡ ናብታ ኣብ ኮንጎ እትርከብ ኪንሻሳ በረርና። እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ልሙዕን ሰላማውን እዩ ነይሩ። ሓደ ኻብቲ ለስሊ ኣብ ክፍልና ዘንበረቶ ቐዳሞት ነገራት፡ ካብ ካናዳ ኽንወጽእ ከለና ሒዛቶ ዝወጸት ካርድ እያ ነይራ። ኣብታ ካርድ እቲኣ፡ “ኣብ እተተኸልካዮ ዘበለ ዓምብብ” ዚብላ ቓላት ተጻሒፈን ነበራ። ድሕርዚ፡ ምስ ኣሕዋት ምስ ተራኸብና፡ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ መራሕና፡ ሚስዮናዊ ዄንካ ምግልጋል ዜምጽኦ ሓጐስ ምስ ጠዓምናዮ፡ ሓድሽ ሓጐስ ረኸብና። ድሕሪኡ እውን፡ ኣብ 13 ኻልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዚርከባ ጨናፍር በጺሕና ኢና። እዚ ድማ በበይኑ ዓይነት ህዝብን ጽባቐን ከም ዘሎ ኽንርኢ ኣኽኢሉና እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረኒ ፍርሂ በኒኑ ጠፍአ። የሆዋ ኸነገልግል ኢሉ ናብ ኣፍሪቃ ስለ ዝለኣኸና እውን ኣመስገንናዮ።
ኣብ ኮንጎ፡ ክንበልዖ ዘይንኽእል ኰይኑ እተሰምዓኒ ምግቢ እዩ ኣጓኒፉና። ገለ ኻብኡ ሓሸራታት እዩ ነይሩ። ኣሕዋትና ኸስተማቕርዎ ምስ ረኣና ግና ፈተንናዮ። እንቋዕ ድማ ፈተንናዮ።
ኣብ ምብራቓዊ ኽፋል እታ ሃገር፡ ደባይ ተዋጋእቲ ንኣቝሻት የጥቅዑ፡ ንኣንስትን ንቘልዑን እውን ይጐድኡ ነበሩ። ኣብ ሓደ እዋን ድማ ናብቲ ኽፋል እታ ሃገር መንፈሳውን ሰብኣውን ረድኤት ኣብጻሕና። መብዛሕትኦም ኣሕዋት፡ ብስጋዊ መዳይ ዳርጋ ዋላ ሓንቲ የብሎምን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ትንሳኤ ዘለዎም ድልዱል ተስፋ፡ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ፡ ንውድቡ ዘለዎም ተኣማንነት ንልብና ተንከዮ። እዚ ድማ ንእምነትና ዳግም ክንምርምርን ከነደልድልን ደሪኹና እዩ። ገሊኦም ኣሕዋትና ኣባይቶምን እኽሎምን ስኢኖም እዮም። እዚ ድማ ስጋዊ ነገራት ክሳዕ ክንደይ ብቕልጡፍ ኪጠፍእ ከም ዚኽእልን መንፈሳዊ ሃብቲ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ዋጋ ኸም ዘለዎን ከስተውዕል ኣኽኢሉኒ እዩ። ኣሕዋትና ኸቢድ ጸገማት እናሕለፉ ኽነሶም፡ ኣየማረሩን። እቲ ኣመለኻኽታኦም ከኣ፡ ነቲ ዜጋጥመና ሽግራትን ናይ ጥዕና ጸገማትን ብትብዓት ክንሰግሮ ኣተባቢዑና እዩ።
ንእስያ እውን ጠዓምናያ
ድሕርዚ፡ ካልእ ዘይሓሰብናዮ ነገር ኣጋጠመና። ናብ ጨንፈር ሆንግ ኮንግ ክንግዕዝ ሕቶ ቐረበልና። ኣብ ሃገራት ምብራቕ
ክንነብር ዚብል ሓሳብ መጺኡና ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ኣብ ኵሉ እቲ ቕድሚኡ እተመደብናሉ ዓድታት ነታ ፈቃር ኢድ የሆዋ ስለ ዝጠዓምናያ ግና፡ ነቲ ጻውዒት ተቐበልናዮ። ብ2013 እንታይ ከም ዚጽበየና ኸይፈለጥና ነቶም እንፈትዎም ኣዕሩኽናን ነታ ውቅብቲ ኣፍሪቃን እናነባዕና ተፈለናዮም።ሆንግ ኮንግ ብህዝቢ ዝመልአት ዓባይ ከተማ ብምዃና፡ እዚ ዓብዪ ለውጢ እዩ ነይሩ። ቋንቋ ቻይንኛ ብሓቂ እዩ ኸቢዱና። ኣሕዋት ግና ጽቡቕ ገይሮም እዮም ተቐቢሎምና። እቲ ምግቦም እውን ብሓቂ ኢና ፈቲናዮ። እቲ ዕዮና ብቕልጡፍ እዩ ዚሰፍሕ ነይሩ። ዋጋታት መሬትን ኣባይትን ግና ሰማይ እዩ ዚዓርግ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ንመብዛሕትኡ እቲ ብጨንፈር ዚውነን ኣባይቲ ንምሻጥ ጥበባዊ ውሳነ ገበረ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብ2015 ናብ ደቡብ ኮሪያ ገዓዝና፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ኣብኡ ነገልግል ኣለና። ኣብዚ ድማ ካልእ ከቢድ ቋንቋ ጸንሓና። ብኮሪያኛ ንምርድዳእ ገና ብዙሕ ዚተርፈና እኳ እንተ ዀነ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ግና ምምሕያሽ ንገብር ከም ዘለና ይርእዩ ኣለዉ።
ዝረኸብናዮ ትምህርትታት
ሓደስቲ ፈተውቲ ምጥራይ ቀሊል ኣይኰነን። ተበግሶ ወሲድና ንኻልኦት ንዕድም እንተ ዄንና ግና፡ ንሰባት ብዝቐልጠፈ ኽንፈልጦም ንኽእል ኢና። ንኣሕዋትና ዜመሳስሎም ነገራት፡ ካብቲ ፍልልያቶም ከም ዚበዝሕ እውን ርኢና ኢና። የሆዋ ድማ ልብና ኽንከፍትን ብዙሓት ኣዕሩኽ ክንፈቱን ከም እንኽእል ገይሩ እዩ ብዜደንቕ መገዲ ፈጢሩና።—2 ቈረ. 6:11።
ንሰባት ከምቲ የሆዋ ዚቕበሎም ጌርና ኽንቅበሎም፡ ኣብ ህይወትና እውን ፍቕርን መምርሕን የሆዋ ኽንርኢ ተማሂርና ኢና። ሕማቕ ኪስምዓና ኸሎ ወይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚፈትዉና እንተ ዀይኖም ሕቶ ኺልዓለና ኸሎ፡ ነቲ ፈተውትና ዝጸሓፉልና ካርድታት ወይ ደብዳበታት መሊስና ነንብቦ ኢና። የሆዋ መተባብዕን ብርታዐን ብምሃብ፡ ብኸመይ ጸሎትና ኸም ዝመለሰልና ብርግጽ ርኢና ኢና።
ኣነን ለስሊን ብስራሕ ትሑዛት ንኹን ብዘየገድስ፡ ንሓድሕድና ግዜ ኽንምድብ ከም ዘሎና ተማሂርና ኢና። ምናዳ ሓደ ሓድሽ ቋንቋ ኽንምሃር ከለና ኸኣ፡ ብገዛእ ርእስና ኽንስሕቕ ከም ዘሎና ተረዲኡና እዩ። ምሸት ምሸት ከኣ፡ ንየሆዋ ብዛዕባ እነመስግነሉ እንፈትዎ ነገር ክንሓስብ ንጽዕር ኢና።
ሓቂ ይሓይሽ፡ ሚስዮናዊ ክኸውን ወይ ናብ ካልኦት ሃገራት ከይደ ኸገልግል ዝኽእል ኰይኑ ኣይተሰምዓንን ነይሩ። ብደገፍ የሆዋ ግና፡ ኵሉ ኸም ዚከኣል ርእየ እየ። እዚ ነቲ ነብዪ ኤርምያስ፡ “ኦ የሆዋ፡ ኣዐሺኻኒ” ዝበሎ ቓላት እዩ ዜዘኻኽረኒ። (ኤር. 20:7) እወ፡ ብዙሕ ዘይሓሰብክዎ ባህ ዜብል ነገራትን ክግምቶ ዘይክእል በረኸትን እዩ ሂቡኒ። ብነፋሪት ናይ ምጋሽ ትምኒተይ እውን ሰሚሩለይ እዩ። ቈልዓ ኸለኹ ኽሓስቦ ኻብ ዝኽእል ንላዕሊ ናብ ብዙሕ ቦታታት ኬድና ኢና። ኣብ ሓሙሽተ ኽፍላተ ዓለም ናብ ዚርከባ ጨናፍር በጺሕና ኢና። ኣብ ኵሉ እቲ ምድባትና ንደገፍን ንፍቓደኛነትን ለስሊ ኣዝየ አማስወሉ እየ።
ንመን ኢልና እዚ ንገብር ከም ዘለናን ስለምንታይ ንገብሮ ኸም ዘለናን ወትሩ ንዝክር ኢና። እቲ ሎሚ እንረኽቦ በረኸት ከኣ ቅምሶ እቲ የሆዋ ‘ኢዱ ኸፊቱ፡ ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ዜዕግበሉ’ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።—መዝ. 145:16።